Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ክቡርን ፍቁርን ሐወይ ብርሃነ ኣብርሀ፡ – ካብ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ

December 10, 2019 ክቡርን ፍቁርን ሐወይ ብርሃነ፡ ብርሃነ ሐወይ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ? ድሃይ ከይገብርኩ ድንጉይ ኢለካ። እሱር መስተማሰሊ’ዩ፡ ረሲዓትኒ ትብል ትህሉ። ኣባይካ ይረሳዕ ከመይ ጌይረ ክርሰዓካ።  ኣብ ሓሳበይ ወትሮ ምሳይ ኣሎኻ፡ ከምኡ’ውን ኩሎም እሱራት፡ ኩለን እሱራት። ብርሃነ ሐወይ

December 10, 2019

ክቡርን ፍቁርን ሐወይ ብርሃነ፡

ብርሃነ ሐወይ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ? ድሃይ ከይገብርኩ ድንጉይ ኢለካ። እሱር መስተማሰሊ’ዩ፡ ረሲዓትኒ ትብል ትህሉ። ኣባይካ ይረሳዕ ከመይ ጌይረ ክርሰዓካ።  ኣብ ሓሳበይ ወትሮ ምሳይ ኣሎኻ፡ ከምኡ’ውን ኩሎም እሱራት፡ ኩለን እሱራት።

ብርሃነ ሐወይ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ኣብ መልእኽትታተይ ዝብለካ፡ ሽሕኳ ነዚ ኣጽናቲ ዝኾነ ስርዓት ብቃልካን ብርዕኻን ከተቃልሕን ክትገንሕን ከለኻ ንማእሰርቲ ከምዘይትንሓፍ ተቀቢልካዮ እንተነብርካ፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ክደኽማ ይኽእል እዩ’ሞ፡ “እንታይ ድኣ ኮይነ እየ ፈሊጠዮን ተቀቢለዮን እንድየ” ኣይትበል። ስጋ ዝለበሰ ሰብ ኢኻ’ሞ ኣጆኻ።  ወይልኡ ድኣ ሞት ዘይተርፍ ከሎ ዝሞተ እምበር ንስኻስ ብዘይማትእ ተዓዊትካ ኢኻ።

ብርሃነ ሐወይ ድሕሪታ መጨረሽታ ዝጽሓፍኩልካ ደብዳቤ ዳርጋ ኣዝዩ ሓዲሽ ነገር የልቦን፡ እዘን ዝስዕባ ግን ከካፍለካ እደሊ፡

ቀዳማይ፡ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ነቲ ብ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ዝተጀመረ ባይቶታት ተግባራዊ ንምግባር ሎሚ ብዝያዳ ተዓጢቁ ይርከብ።

ካልኣይ፡ ኣብ ዝሓለፈት ወርሒ ሕዳር 26 ኣብ ልዕሊ ሐውና ጋዜጠኛ ኣማኒኤል እያሱ ሓላፊ ራድዮን ሳተላይት ቲቪ ኣሰና ብሰዓብቲ ህግደፍ ግብረሽበራዊ መጥቃቲ ተፈጺሙ። እዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ’ዚ ቅድሚ ሓደ ዓመት እዉን ኣብ ልዕሊ ዓርኪ ኤርትራውያን ዝኾነ እንሊዛዊ ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላዉት ብሰዓብቲ ህግደፍ ተፈጺሙ’ዩ። ማርቲን ፕላውት በዚ ፈተና እዚ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ ዝብል መርገጺኡ ከለውጦ ኣይከኣለን። ሓውና ኣማኒኤል ድማ ብዝያዳ’ኳ ድኣ ሓንሒኑ ይሰርሕ/ይቃለስ ኣሎ።  እዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት እዚ ብጣዕሚ  የሕዝን። ነዚ እከይ ተግባራት ዝፈጸሙ ሰባት፡ በቶም ሰዓብቲ ህግደፍ “ጀጋኑ” ተባሂሉ ምጽውዖም ግን ናይ ሓዘን ሓዘን’ዩ። ዓዲ ሕግን ስርዓትን ስለ ዝኾነ ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ እዮም። ነዚ ክትገብር ገንዘብ ይጥይቅ እዩ። እሞ ኩሉ ደላይ ፍትሒ በዓል ሕልና ኢደይ ኢድካ ክንብል ጥራይ እዩ ዘሎ።

ሳልሳይ፡ ኣብ እስራኤል ኣሽሓት ስደተኛታት መናእሰይ ፍቅርን መሪሕነትን ወለዲ ክረኽቡ  ዕድል ዘይገበሩ፡ ካብ ብርነት ሳዋ ንስክላ ኣምሊጦም ተረፍ መሸጣን ማሕረድትን ሲናይ ዝኾኑ፡ ኣለው። ብዙሓት ካብኣቶም ኣብ ሕሱር ሽቅለት ለይትን መዓልትን እናሰርሑ፡ ኣብ ዓዲ ዘለው ስድርኦም ይናብዩ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ፈቀዶ መዓስከረት ዘለው ስደተኛታት ኣሕዋቶም ከምጽኡ ዘለዎም ይነግፉ። ብዙሓት ድማ ጓሳ ዘይብለን ማላታውቲ ካብ ተመክርኦም ዝተላዕለ ስነ ኣእምራዊ ቅልውላው ዝሃሰዮም እዮም።  ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ መንጎ እሕዋት እዚ ዘይብሃል ጭካኔ ይርኤ ኣሎ።  እዚ ተርእዮ እዚ ብዙሕ ሰብ “ካን ከምዚ ዲና ኮይና” እናበለ ኣብቲ ዋና ጸላኢ  ብዝያዳ ኣቶኩሮ ይገብር ኣሎ።

ብርሃነ ሐወይ ከምቲ ስዋ ቅድም ጽራይ ሙኵኑ ዝስተ ዘይመስል ጉዑሽ ዓፍ ዓፍ ዝብል፡ ቅድሚ ወጋሕታ እዉን  ድቅድቅ ጸልማት ዝኸውን፡  እዚ ስርዓት ዝወስዶ ዘሎ ፍሹል ተግባራት ዉድቀቱ ከም ዝቀረበ ዝእምት’ዩ። ዝጸብጸብኩልካ መሪር ይኹን እምበር እንደገና ክደግሞ ብዝያዳ ነቲ ህዝብና የሕብሮ ኣሎ። ንስኻ ትፈልጦን ዝነበርካዮን’ዩ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ዘዓወተና ሙሉእ ህዝቢ ብጥምረት ስለ ዝተቃለሰ’ዩ። ድሕሪ 30 ዓመታት ኣብ ክንዲ ደብስን ሰላም ህዝብን ምዕባለ ሀገርን ንኣቱ ግን 28 ዓመታት ኣብ ዝገደደ መግለጺ ቃል ዘይትረኽበሉ ብርነት ኣቲና። መዓልቲ ነዊሑ ከም ህዝቢ ደኺምና ኣብ ምፍልላይ ኣቲና። እሞ ሕብረትና እናደልደላ ምስ ዝኸይድ እዚ ሰይጣናዊ ስርዓት ዕምሪ ኣይክህልዎን’ዩ።

ብርሃነ ሐወይ ድሃይ ኣልማዝ ኣይገበርኩን። ምስ ህግደፍ ዘይኮነ ከም ጸላኢ ስለ ዝቁጸር፡ እንታይ ኣለኪ ምስኣ ከይትብሃል ኢለ ካልኣ ይኣኽላ። እሞ  ንሎሚ ደብዳበይ ኣብዚኣ ክዓጽዋ’የ። ኣብ ዘይተናዉሔ ጊዜ ብዓይነ ስጋ  የራኣእየና፡ ክብረን ምስጋናን ድማ ከም ወትሮ ንዕኡ ንእግዚኣንቢሄር ኣምላኽና ይኹን።  ኣሜን።

 

ሓብትኻ ኣበባ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • k.tewolde December 19, 2019

    It is a heartbreaking letter,a sample of every Eritrean family under siege by the brutal regime which installed itself without the consent of the people,it is a grieving sad nation torn apart at the core of the family unit which cannot communicate among each other,the enemy took residence among us and infected the society like a malware rendering it captive and obedient to its command.I cry everyday for my beloved nation,my birth place,the homeland I fought for in my boyish years,I saw this coming like the young Greta is warning about the climate change and every comrade blew me off then. It ain’t too late though if we have the courage and humility to reverse the course.This is an alien Eritrea majority of us ever envisioned,it is E*#$@!

  • Zeregabir Teaghes December 19, 2019

    Smart message to all Eritreans. Berhane was a dedicated veteran who gave his precious life for the right of Eritreans.
    Thank you Abeba.

  • Dawit December 20, 2019

    Deki BaAtay beautiful people {brother Petros & sister Abeba}, I’ve the most respect and admiration and keep it up.

  • Dawit December 20, 2019

    “I ask you to judge me by the enemies I have made.” – Franklin Roosevelt.
    Unfortunately, Ato Berhane Abraha made some nasty devious enemies in Eritrea, God bless you respected man.

  • Woldegabriel December 20, 2019

    Dear Abeba
    Thank you very much for your post. Brhane abrhe is a patriot, an intellectual, an incorruptible honorable gentleman and unflinchingly principled person. He stood against the imposter openly despite the odds were against him. I wonder how many priceless intellectuals should we lose before we deal with this evil imposter. I take this occasion to implore the YEAKEL movement to put Biteweded and Brhane Abrhe as a flag post for our struggle ahead.

Post a Reply to Dawit Cancel Reply