Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ፈነወ መርበብ ኣሰና።

ናብ ፈነወ መርበብ ኣሰና።                       08-12-13። መጀመርታ ኣብ ድሮን ጽባሕን 2013-2014 ከምዘለና መጠን፡ ፈጣሪና መጻኢት ርሑስቲ ሓድስ ዓመት ክገብረልና ዘለኒ ምንዮት ወሰን የብሉን። ግዜ ኩሉ እንድዩ ሓደ እዋን ድማ ብኣካል ንራኸብ ንኸውን’። ንነገሩ ክንደየናይ ግዜ ከይህልወካ ኢለ’ምበር

ናብ ፈነወ መርበብ ኣሰና።                       08-12-13።

መጀመርታ ኣብ ድሮን ጽባሕን 2013-2014 ከምዘለና መጠን፡ ፈጣሪና መጻኢት ርሑስቲ ሓድስ ዓመት ክገብረልና ዘለኒ ምንዮት ወሰን የብሉን። ግዜ ኩሉ እንድዩ ሓደ እዋን ድማ ብኣካል ንራኸብ ንኸውን’። ንነገሩ ክንደየናይ ግዜ ከይህልወካ ኢለ’ምበር ተሌፎንካ ስለዘለኒ ስምዒተይ ምግላጽ ኣይምሓመቕኩን።

ነገር መትከል መሰረታዊ ለውጢ ካብ ኣምጻእካ፡-

“ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ ይፈልጣ” ከምዝባህለ መጠን፡ ንምንታይ ድዩ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንኣሰና ከምናይ ሃገር ፈነወ ቆጺሩ ዝከታተ ላ ዘሎ? ብጎስጓስ ህግደፍ ድኣ ሰብ ንኣሰና ” ዓጋመ” ብዝብል መሸማጠጢ ቃላት ከምናይ ኢቲጶጲያ፡ ናይ ትግራይ ትግርኚ እናኣምሰለ ክንደይ ናይ ታሕቲ ታሕቲ ዘይተቓለሰ!

” ……ሓቅኻ ግን ኩሉ ተጋዳላይ ነበር ድማ ሎሚ ተጋዳላይ ማለት ኣይኮነን”‘ኮ ኢልካኒ ኢኻ። ኣነ ድማ ንሰመረ ዓርከይ መንነት ኣሰና ምእንቲ ክፈልጥ ብዛዕባ’ታ መንዲል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣዘኻኺረዮ። ኣውራ ተከታተልቲ ኣሰና ኢሳይያስን ዓሊ ዓብዲን ምዃኖም ክነግረካ እንከለኹ ከምዚ ዋዛ ጥራይ መሲልካ ሓሊፍካዮ ትኸውን። ኣነ ግን ዝፈልጦ ኣለኒ። ከሕጽረልካ ንኣሰና፤ እንተኾነ ብሓይሊ፡ ብዝተረፈ ብብላዕ ከይደለሉኻ ምትራፎም ብጣዕሚ ሕዙናት ኢዮም። እቲ ተበግሶኻ ‘ከይሳዕረርካ’ ልክዕ ከምቲ ካልእ ደኺምካ ኣፍካ ተደፊኑ ትተርፍ ኢዩ መሲልዎም። ተመሃራይ ንመምህሩ መምህሩ ኮይኑ ከምዝመጾ ዘይፍለጦም ህግደፋውያን ኣይተሰነፍካሎምን። ብተወሳኺ ሕጂ’ውን ወግዓዊት ልሳን ህዝቢ ኤርትራ ኣሰና ምዃና ብዘይካ እናረኣየ ዝዓወረን እናሰምዐ ዝጸመመን ንመን ይስወሮ?  እቲ ቅጫይን ኢደይን ዘሕረረለይ ሓተታ ኣሰና ኣብ ልብታት ኣኻውሕ “እዚ’ውን ይሓልፍ” ከምዝቕለም’ኮ ፈሊጥናዮን ንቃለሰሉን ኣለና። ብወገነይ ንዕብየት ኣሰና ሳንቲም’ዃ ከወፊ እንተዘይከኣልኩ፡ ብዓቕመይ “ኣብ ታሪኽ ሂወትካ ተፈደዮ” ክብል ንኢደዮን ኣብ ዝነጠብኩዎ ድማ ኣድሚቐዮን ኢየ። ኣስተውዕል ሕጂ፡ ‘ኣነ’ ክብል እንከለኹ ኣነስ ክንይ ሰብኮን ይኸውን? ካብ ኣነነት ወጻኢ’ሞ ጠምቶ።

ኣብ ኣመሪካ ሓቂ ኣብ ዘላቶ ኬድና ከነናድያ ብዝገበርካዮ መደረ ክንደይ ዝኣክል’ኮን ትርጉሙ ተረዲእዎ ይኸውን? ብወገነይ ኣብ ጥቕሲ “ጋዜጠኛ” ምባለይ፡ ንትርጉምን ንኣበሃህላይን ዝድግፍ “ሓቅኻ እዚ መንእሰይ’ዚ ብሱል ፖለቲከኛ ኢዩ” ዝብል ቅልጡፍ መልሲ መጺእኒ ኢዩ። ሕጂ ድማ ንድምጺ መድረኽ ኮነ መሰላቱ ምእንጋድን ምሕብሓብን ንደምበ ተቓውሞ ምስባሕ’ምበር ንርእስኻ ተበሪዝካ ከይትተ ርፍ ካብ ምስጋእ ዝተዘርበ ኣይመስለንን። ዝሰግኡ’ሞ ጸገንቲ ንርእሳቶም ኢዮም። ሕማም ተላገብ ኮይኑ መርበቦም ጠንጢናቶም መሰረታ ዊ ለውጢ ከይትጠልብ ማለተይ ኢየ። ብዝተረፈ እምንቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲእናሓደረዝጎልዐናይንእሽቶኣረጊትልቢ ኢዩ ዘሎ’ሞ ምንም ኣይሰማዕኻ።

ታሪኽ ኣለዎ ጎሓፍ፤ ኣሰና ቀላሲት ምዕራፍ!!!!!!!!!!!!!!!!!

ሰናይ ቅነ፡

ጎደፋ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Haqi December 8, 2013

    ኣብ ደገ ዝነብር ኤርትራዊ ኣስመራ ናብ ዝርከብ መሓዝU ደዊሉ ከመይ ኣለኹም ? ክብል ምስ ሓተቶ፡፡
    ንሕና ደኣ ’ሞ “ በ ቡ ቢ ባ ቤ ብ ቦ ኣለና ” ክብል መለሰሉ፡፡
    ብመልሲ መላሳይ ዝተገረመ ሓታታይ ፊደላት በ ክበርሃሉ ይሓቶ፡
    መልሲ ነባሪ ኣስመራ፡

    በ = በንዚና የለን

    ቡ = ቡምባ ማይ የለን

    ቢ = ቢራ የለን

    ባ = ባኒ የለን

    ቤ = ቤት የለን

    ብ = ብርሃን የለን

    ቦ = ቦታኻ ኪድ ! ከምዝኾነ ከኣ ደርጓሓሉ ፡፡

    Source: ኮሎኔል(ካብ ገዛባንዳ )

  • salma a. December 9, 2013

    ASSENNA! nkulu meselatn naxnetn zegatat dew zibelet kab xebib atehasasibatat rihika hidri sematat nmkbar zikomet kanza hizbi zehma gesgasitn meraya libonan iya Assenna malet! kurat wuxuat tesfa chukunat slezkonet Ertrawyan ab zihalewu halyom kab zelewom enawefeyu zesesenuwa bzuh bxebib atehasasiba zitetejee ajendatat getima siera ziwexet dmxi wuxuatn dimxi hakin slezkonet iyu. kem gele sebat zgebruwo wlkawi zna nmrkab bzhilnu sebat zeykone zitefelaleye aynet meswati bmkfal eta hlmi suwatna zikonet Ertra nmimxae kikalesu bztebegesu zegatat tihbhabn tkayesn enko DMXI Ertrawyan (ab metewi medeba kemtblo wn) zkonet radio. sesini Assenna! nski iki tesfana!

POST A COMMENT