Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሃገርና ነገር፡ ኣህባይ ኣብ ሆቴል፡ ሰባት ኣብ ጎልጎል!!

ጸብጻብ ዕዉት ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሂልተን ኢንተርናሺናል፡ በርሚንግሃም እቲ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ ወጻኢ ናብ ደባይ ተቐይሩ፡ ንኹሉ ውራዩ ብክቱር ፍርሒ ተሽቝሪሩ ዘሕልፎ ዘሎ ቀባሪ ናፊቑ ዘሎ

ጸብጻብ ዕዉት ሰልፊ ደለይቲ ፍትሒ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ሂልተን ኢንተርናሺናል፡ በርሚንግሃም

እቲ ርእሰ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ኣብ ወጻኢ ናብ ደባይ ተቐይሩ፡ ንኹሉ ውራዩ ብክቱር ፍርሒ ተሽቝሪሩ ዘሕልፎ ዘሎ ቀባሪ ናፊቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ YPFDJ (ኩርኩር ህግደፍ) 9ይ ዓመታዊ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ፡ ዋላ ብደለይቲ ፍትሕን ተቓወምትን ቅድሚ ኣዋርሕ ኳ እንተተፈልጠ፡ ዝካየደሉ ቦታ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ እሙናት ሃሱሳቱ ሓጺሩ ክሳብ መወዳእታ ሰዓት ብጥብቂ ምስጢር እዩ ሒዙዎ።

እዚ ድማ፡

1ይ – እቲ ፋዕራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘይብሉ፡ ዓማጺ ውልቀምልካዊ ስርዓት፡ ጽዩፍነቱ ክሓብእ ከምዘይክእል ኣጸቢቑ ስለዝፈልጥ፡ እቲ ናይ ኩርኩር ህግደፍ መጋብኣያ ዘካይደሉ ቦታ ብልክዕ እንተተፈሊጡ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስትን ክፍኡ ኣቃሊዖም፡ ንዋናታት ኣዳራሽ ቀልጢፎም ብምእማን: ብሕልናዊ መትከላቶም ክእግዱዎ ከምዝእኽሉ ዘየማትእ ስግኣት ስለዘለዎ፡ ነቲ ዝገጥሞ ጎስጓሳትን ተቓውሞን ክከላኸሎ ምትእምማን ስለዘይብሉ ዝመሃዞ ጥበብ እዩ። ነቲ ቦታ ክሳብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ሓቢእካ፡ ንዋናታት ሕልናዊ ፍርዲ ከይህቡ ዕድል ዘይህብ ኩነታት ፈጢርካ ምግጋይ እዩ እቲ ሜላ።

2ይ – ዋላ እቶም ኣካረይቲ ሆተልን ኣዳራሽን ካብ ሕልናዊ መትከላቶም ስስዕቲ ገንዘቦም ሓይሉ ሸተት ኢሎም እንተአንገዱዎ፡ ደለይቲ ፍትሕን ተቓለስትን ሓያል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክውድቡ፡ ብኣግኡ ዕድል ስለዝረኽቡ፡ ንህግደፍን መአንገድቱን ካብ ውውራድ ሓሊፎም፡ ፈጺሞም ክብድሁዎምን ስለዝኽእሉ፡ ብመንጽር ግዜ ክረኽቡዎ ንዝኽእሉ ዕድል ምዅላፍ ‘ውን ካልኣይ ዕላማ ህግደፍ እዩ።

 

እቶም ዓመት ዓመት ኣብ ወጻኢ ናብ ንግደት ህግደፍ ዞኽዞኽ ዝብሉ፡ ኮስኳሲ  ኩርኩር ህግደፍ የማነ ማንኪን ዓቄቶቱን፡ ምእንቲ ‘ዚ ኣጕል ውጥን፡ መጋብኣያ ኩርኩር ህግደፍ ክሳብ መወዳእታ ብምስጢር ምሓዞም ዓወት ዝቖጽሩዎ እንተኾይኖም መቸም፡ ርእሶም ካብ ናይ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ካብ ናይ ህበይ ‘ውን ንኢሱ ‘ሎ። ሓደ “መንግስቲ እየ፡ ህዝበይ ይፈትወኒ እዩ፡ ተቓወምቲ ዝብሃሉ የብለይን” ኢሉ ዝምድር ስርዓት፡ በቶም የለዉን ዝብሎም ተቓወምቲ፡ ክሳብ ክንድዚ ሸቖጥቆጥ ኢሉ፡ ንስርሓቱ ተኣማሚኑ፡ ብወግዓውን ግሉጽን መንገዲ ከይካዶ ዘይምኽኣሉ ንባዕሉ፡ ነቲ ድሮ ኣጥፊኡዎ ዘሎ ሕጋውነት (Legitimacy) መሊሱ ዘራጕድ ፍሽለት እዩ። እቲ ከም መንግስቲ “ኣለኒ” ዝብሎ ነገራት ከምዘይብሉ፡ ፋልሶ ምዃኑ ዘቃልዕ ከኣ’ዩ። ኣቤት ከምዚ ክንርእዮ ዝቐነና ‘መንግስቲ’ ራዕራዕ ኢሉ፡ ትሕቲ መሬት ፍሑኽፍሑኽ ናበለ ክኸይድ ከሎ ከኽፍኣሉ!

ሎሚ ቕነ ህግደፍን መሳሰይቱን ከም ኣካል ናይዚ መደብ’ዚ፡ “ምስጢርና ተቐሺሑ ደኾን ይኸውን” ኢሎም ከርእዩዎ ዝቐነዩ ቀባሕመባሕን ምጽንጻንን መስሓቕ እዩ። ወዲቖምሉ ዘለዉ ደረጃ ኣስተብሂልካ ድማ፡ ዋላ ከም ተቓዋሚኦም፡ “ኣንታ ምስዚኣቶም ዲና ገጢምና ዘለና” ኢልካ ትንዕቆም።

ህግደፍን ሰዓብቱን ሰላሕመላሕ እናበሉ ከለዉ ግን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ደለይቲ ለውጥን ተቓለስትን፡ ዋዕላ ህግደፍ ኣብ ዝወዓለ እንተውዓለ፡ እግሩ እግሩ ከምዝስዕቡዎ ተኣማሚኖም፡ ማሕበረይ ማሕበርካ ዘይብሉ ኣድማዒ ሓባራዊ ስራሕ ብምክያድ ንህግደፍን ዘርኢ መርገሙን ዘቃልዕ ዕዉት ጎስጓሳቶም ከሰላስሉ እዮም ቀንዮም። ኣይበኾሩን።

ዕዱማት ህግደፍ፡ ዋዕላ ናብ ዘካየዱሉ ቦታ ኣብ ዝተጓዕዙሉ ምሸት ብመካይን ተኸታቲሎም ከኣ፡ ኣዳራሾም፡ ኣብ ከባቢ በርሚንግሃም፡ ኣብ ሓደ ንጹል ቦታ ዝርከብ ብዓል ሓሙሽተ ሂልተን ሆቴል ምዃኑ ምስ ዕዱማቶም ኣብ ሓደ ምሸት ፈሊጦሞ። ብኡ መሰረት ድማ ተዓጻጺፎም ኣብ ሓደ መዓልቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ውጥኖም ኣዳለዉ። ኣብ ሓደ መዓልቲ፡ ኣዳራሽ ጉባኤ ኩርኩር ህግደፍ ፈሊጥካ ኣቐዲሙ ኣብ ለንደን ዝተወደበ ሰልፊ ተቓውሞ ሰሪዝካ፡ ከምብሓዱሽ ብውሑዱ ቅድሚ ሰሙን ክሕተት ዝነበሮ ፍቓድ ፖሊስ ኣማሊእካ፡ ተሳተፍቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ዘይተጸበዩዎ ቦታ ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንሰዓታት ተጓዒዞም፡ ድምጾም ክስምዑ ክትገብር ምኽኣል ዓቢ ዓወት እዩ። ሎሚ ቐዳም 30 መጋቢት፡ ጥበብን ውዲትን ህግደፍ፡ ቦታን ግዜን፡ ቁርን በረድን ዝፈጠሩዎ መሰናኽላት ብዘየገድስ፡ 300 መንእሰያት ዝዓብለሉዎም ደለይቲ ፍትሒ ዝዓመሙዎ ዘሐብን ዕማም ድማ እዩ።

እዚ ኸኣ ‘ዩ፡ “ኣህባይ ኣብ ሆቴል፡ ሰባት ኣብ ጎልጎል” ዘበልና። እቶም ርሕቀት ስደቶም ካብ ሃገር ስቅያት ህዝቦም ዘየረስዖም፡ ደሞም ኣብ ኤርትራ ተሓሊቡ፡ ኣብ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ዘርጠብጠብ ዚበሉ ብዙሓት መሳድድቶም ዘይከሓዱ ሰብ ሕልና፡ ምእንቲ ዕላማን ፍትሕን ኣብ ፊት ሂልተን ሆተል ዝርከብ ጎልጎል ዓሪዶም ድርብ ፍኒስትራ ዝሰብር ድምጾም እናተሓበኑ ኣቃሊሖም።

እንተ’ቶም ማንኪ ዝመራሒኦም “ኣህባይ” ከኣ፡ ከም ኣብ መካነ እንስሳ (zoo) ዝተዳጎኑ እንስሳ፡ ክሳብ ሰላማዊ ስልፊ ደለይቲ ፍትሒ ዝውዳእ ንደገ ከይወጹ ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ተኣጊዶም ኣብ ሂልተን ሆቴል ተዓጽዮም ውዒሎም። እዚ ንገዛእ ርእሱ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዓወት እዩ። መሳኪን፡ እቶም ዝበዝሑ ቆልዑ ፖለቲካ ህግደፍ ዘይኮነ ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያቶም ዓጢጡዎም ከምዝመጽኡ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እዚ ስጉምቲ ‘ዚ ክሳብ ክንደይ ዓቕሎም ኣጽቢቢሎም ውዒሉ ከምዘሎ ምግማቱ ኣየሸግርን። ኣብ ቀጻሊ ንገሊኦም፡ “ይትረፈና” ከየበሎም ‘ውን ኣይተርፍን ይኸውን።

እቲ ዝዓበየ፡ ነዞም ሰባት ናብ ኣህባይ ዘውርዶም ግን፡ ማዕጸውቶም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ 500 ናቕፋ (ትሕቲ 10 ፓውንድ ስተርሊን) ንወርሒ ዝረኽቡ Organic ኤርትራውያን መንእሰያት ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ከም ጊላታት ናይ ዝምዝመዙላ ሃገር ላህመት ተሓሲቦም፡ ካብቲ ማሳ ዘየልዓሉሉ ሃገር ዝተዘቌ፡  ንሓደ ሰብ ንመዓልቲ 250 ፓውንድ ስተርሊን (16,250 ናቕፋ) ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰኑይ ንኣርባዕተ መዓልቲ 66,000 ናቕፋ ክፈሰሎም ከሎ፡ ሕልናኦም ከይኮርኵሖም “መርሓባ” ኢሎም ምቕባሎም እዩ። 66,000 ናቕፋ ንሓደ ምስኪናይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽንደይ ዓመታት ከምዘናብሮ መቸም ንኳልኵሌተር ይጭነቃ። እዚ ብ500 ተሳተፍቲ ናይቲ እንተርቢሑ፡ እታ ባኒ ብፍቕዲ ኮይኑዋ፡ መብራህቲ ልቺ ሓርቢቱዋ ጭልምልም ትብል ዘላ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሕቖኣ ተጎዚዛ ከምዘላ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ህግደፍ ‘ሞ ሕቖ ህዝቢ ኤርትራ ኣበይ የሕምሞ፡ ወንበሩ ጥራይ እዩ ዝዓጦ። ነቲ ኣንፈት ለውጢ ዝረኣየ ህዝቢ ተስፋ ከቝርጽ ንፕሮፖጋንዳ ዘዋደዶ ውራይ ከመይ ይሓልፈሉ ጥራይ እዩ ሕማሙ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ህግደፍን ኩርኩሩን ኣብ 3ይ 4ይ ደርቢ ናይቲ ካብ ኤውሮጳ ምሉእ ብኻልኣይ ደረጃ ዝጽዋዕ ብዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሂልተን ሆቴል ኣብ ዝውነሱሉ ዘለዉ ቅንያት፡ ካብኦም ዝበዝሑ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ትሕቲ መሬት ብበደዊን ሲናይ ሓዊ ይነዱ፡ ቁልቁል ኣፎም ተንጠልጢሎም ይግረፉ፡ ጓሎም ወዶም ይዕመጹ፡ ዋናታቶም ጨናኦም ክሳብ ዝጸልኡዎ ሬሳ ኣሕዋቶም ተጎዝጕዞም ይቕንዩ ከምዘለዉ ምስ እትዝክር ከኣ ‘ሞ፡ ርእሲ ህበይ ጥራይ ዘይኮነ ደም ህበይ ውን ከምዘይብሎም ይስወጠካ። በንጻሩ፡ ኣብ ማእከል ‘ቶም ድንጋጸን ሓልዮትን ናይዞም ግዳያት ዘአልዎም፡ ቁጥዐ ናይዞም ግዳይ ዚገበሩዎም ኣረሜን ብኡ ንብኡ ብነድሪ ኣበጊሱ፡ ከካብ ቦትኡ ናብ ቅርዓት ሂልተን ዝጠርነፎም ውፉያት ደለይቲ ፍትሒ ምህላውካ ሕልናዊ ሓበን ይስምዓካ።

እዚ ክኸውን ኣለዎ፡ ሓንሳብ፡ ኤርትራውያን ዝመስሉ ተሳፈርቲ ዝሓዛ ክልተ ኣውቶቡስ ተገምጊመናኦም ክሓልፋ ከለዋ፡ ዋዕላ ህግደፍ ዘርክቡ ዘለዉ ተረፍመረፍ ሕዳርያ መሲሉዎም፡ እቶም መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ፡ ፖሊስ ዝገበሩሎም ሓጹር ዘሊሎም ብቑጥዐ ክሰሃሉዎም ዝሓነኑ። ኣምላኽ ኣውጺኦም ኣጋይሽ፡ ህንዲ ደኣ ኮይኖም ጸንሑ። ጸኒሑ ከኣ እቲ ዝተፈጥረ ናህሪ፡ ብሓገዝ ፖሊስን ኣኽበርቲ ጸጥታ ተሰለፍትን ሃድአ። ኤርትራውያን እዚ ኳ ዘይንቝጣዕ! ብሰንኪ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ንህዝብና ወሪዱዎ ዘሎ መዓት ደምካ ዘፍልሕ እምበር እዩ።

እቶም ብኣፈርክቡ በርሚንግሃም ዚወዓሉ ውፉያት፡ በንጻር’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሕርመት መሰል ድምጾም ከስምዑ ናጽነት ኣብ ዝረኸቡሉ መዓልቲ፡ ልኡኻት ህግደፍ ኮራኹሮምን በንጻሩ ተኣሲሮም ዝወዓሉሉ መዓልቲ ስለዝነበረ፡ ካብ ቁጥዐ ዘዛኒ ጓይላ ወሲኾም፡ “ስመር ንመስል፡ ስመር ንለውጢ” ኢሎም ‘ውን ሳዕሲዖም እዮም። ዕዉት መዓልቲ ውዒሎም ከኣ፡ ድኻሞም ብፍሽኽታ ተዓብሊሉ ነናብ ዝመጽኡዎ ተመሊሶም።

እቲ ንኩርኩር ህግደፍ ምስ ኣህባይ ዘጸብጽብ መዓት ግን ብቐሊሉ ኣይተወደአን። ብድሮ ንሽሙ ናይ ሓፋሽ ህግደፍ መኽፈቲ ምስተገብረ፡ የማነ ማንኪ ከም ኣመል ህግደፍ፡ ን15 እሙናት ደቂ ውሻጠ፡ ፍሉይ ምስጢራዊ ኣኼባ ገይሩ፡ ነቲ “ኣለኒ” ዝብሎ ጉዳያት (ቁምነገር ይሃልዎ ኣይሃሉዎ) ምስኣቶም እዩ ወዲኡዎ። እታ ኻልእ ንመጸበቒ ስእሊ ቲቢ-ኤረ ዝመጸት ዕስለ እያ።

ኣብቲ ኣኼባ እሙናት ኣገልገልቱ፡ የማነ ማንኪ፡ “ንስኹም፡ ኣምባሳደራትና ኢኹም፡ ደጊም ኩሉ ስራሕና ኣብ ወጻኢ ብኣኻትኩም ክዕመም እዩ። ነዚ ኣብዚ እንዛረቦ ብምስጢር ክሳብ ዝዓቀብኩሞ፡ ድላይኩም ሕቶታት ከተቕርቡለይ ፈቒደልኩም ኣለኹ” ምስ በሎም፡ ንሱ ወስ ንዘበለሎም ምልክታት ስንፍና ንጥፈታት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምእማን፡ “ ዋእ ንሕና ኣብ ወጻኢ ሰኒፍና ከምዘለና ኣይንኽሕዶን ኢና። እንተኾነ፡ ንስኹም ከ ብውሽጢ ከመይ ኣለኹም? ሕጂ ደሓን ኳ እንተመሰለ፡ ኩነታት ውሽጢ ሃገር ኣብ ቁጽጽርኩም ዲዩ ዘሎ?” ብምባል ሻቕሎቶም ገሊጾም። ፎርቶ ምስ ወዲ ዓሊ ዘግሃደቶ ነገር እሞ ካብ ምስጢራውነት እንታይ ፋይዳ ክርከቦ እዩ።

እዚ ብእልቢ ዘይብሉ ናይ ደም ገንዘብ ወርቂ ቢሻን ረሃጽ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎትን’ ኣብ ሂልተን ሆቴል ዝካየድ ዘሎ ውራይ እምብኣር፡ ከምቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ኣፍዓበት ብጽምብል መበል 25 ዓመት፡ ብሩራዊ ኢዮቨልዩ ምድምሳስ ናደው ናብ ህዝቢ ኤርትራ ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ፡ “ኣለኹ ‘ኮ ኣይመትኩን፡…ረእዩኒ ‘ባ፡ ኣብ ዓዲ ወዲ ዓሊ ከይተረፈ ኮ ክበጽሕ ይኽእል ‘የ” ክብል ዘዋደዶ እዩ። ህግደፍ ”ኣለኹ ኣለኹ” ከብዝሕ ከሎ መቸም ህላዊኡ ዘብቅዓሉ መዓልቲ ሓጺር ምዃኑ እዩ ዝእምተልና ዘሎ። ስለዚ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ደላዪ ፍትሒ፡ ነዚ ንህዝብና ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሩ ዘጎሳቝሎ ዘሎ፡ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ከመሓድር ዝፍትን ሕልንኡ ዝዓረቦ ብላይ ስርዓት ኣቃቢጹ፡ ሃገሩ ከድሕን  ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓቢሩ ክለዓል ኣለዎ።

መቸም፡ ድሕሪ ‘ዚ ዕዉት ተቓውሞ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሂልተን “ኣህባይ” ብምንእጋዱ ምናልባት ኣጻብዕቱ ናብ መቓብር ብምምልካቱ ኢዱ ከምዝነክስ ሳሕታን ትጉሽተተይ ኢሉ እንተሓለፎ ብዙሕ ኣየኽስሮን ይኸውን። ኤርትራ፡ መዐንደሪ ኣህባይ ክትከውን ከላ ዘለዎ ኽሳራ ግን መዕደዪ የብሉን። ስለዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዕዳኻ ብኣግኡ ዕጾ።

ዮሃና ኩሉኹም ኣብ ጎልጎል ሂልተን ዚወዓሉም ውፉያት ኤርትራውያንን ብመንፈስ ዝደገፍኩሞም ደለይቲ ፍትሕን!

ኣማኑኤል ኢያሱ

30 መጋቢት 2013

ካብ ቅርዓት ሂልተን ኢንተርናሺናል፡ በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
27 COMMENTS
  • Hafash March 30, 2013

    My sincere appreciation to all Eritreans living in UK, and specially those in London for your tremendous devotion, and for being the true voice of our people. I am really proud of you brothers and sisters, and I wish I was there. Bless your hearts, and keep it up!

  • Lettina March 30, 2013

    JEGANU AHWATEY, NHZBKUM ZEKBERKUM KBRET YHABKUM.

  • wedi aman March 31, 2013

    we are from all the world we say thank u well done bro sis well done agen well done u .k. the youth with bro. manial..eyusu..he is well done and very strong person about eretrean ppl i wish if he cane be the lider of the all eretrean ppl yes we can……..yes.. we …can…amanial..eyasu….strong fighter….obama of ertrea….what did you wet for ..??????/bro.&..sis……

  • Tewolde Tesfamariam March 31, 2013

    Thank you all who voiced for the voiceless! As Amanuel said every action will leave its marks on YPFD “kids”.
    Good job!

  • Tes March 31, 2013

    Wonderful!! Thanks brothers/Sisters you stand up against the evil junta! Keep up the momentum!! “2013 will be the last year of HGDEF!! VIVA Forto and VIVA UK jeganu delweyti FITHI!!!!

  • Hederi March 31, 2013

    You Eritrean heroes we are all with you good job really we are proud by your good job thanks continue until the victory.This is strong message to the Eritrean people in side Eritrea and at the same time to those whom are living in diaspora and a big blow to Monkey with his dogs in general to the regime Thanks Amanuel

  • Ghenet March 31, 2013

    Viva Eritreans in UK!!!!!!!!! You are the best! Amanuel may God bless you and give you the strength to keep doing what you do best- be the voice for the voiceless!!!!! we Love you!

  • ab ab March 31, 2013

    The british government must take action for this idiots for getting paid cash in hand. Monkey has to be arested and fined £10,000 each for about 500people come on we will make it now for last. This will be the way to win over this illiterates.

  • Asgedom March 31, 2013

    Good job my brothers and sisters am pruod of Thanks.Smeeeeeeeer Hgdf Ksbeeeeeeer.

  • salma a. March 31, 2013

    thank you brothers and sisters in the UK. I am so proud of you. you and others in other parts of the world have made a rat out of pfdj. ajokum ahwat. alena ab godnkum!

POST A COMMENT