Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ሓዘን መግለጺ

ናይ ሓዘን መግለጺ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ብምኽንያት ሞት ሓውና ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ። ተጋዳላይ ሓው ኣሕመድ፣ ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ቃልሲ ናይ’ቲ ዝተጋደለሉ ዕላማ ሓርነትን፣ ደሞክራስን፣

ናይ ሓዘን መግለጺ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ብምኽንያት ሞት ሓውና ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ። ተጋዳላይ ሓው ኣሕመድ፣ ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ቃልሲ ናይ’ቲ ዝተጋደለሉ ዕላማ ሓርነትን፣ ደሞክራስን፣ ኣብ ኤርትራ ከየስተማቐረ፣ ኣብ ስደት ምስውኡ ነቲ ሞት ድርብ ምረት ይህቦ። ተጋዳላይ ኣሕመድ ትሑትን፣ ሕያዋይን፣ ፍትሔኛን መራሒ ምንባሩ ኩሉ ህዝብን፡ ኩሉ’ቲ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ይኹን ሕጂውን ብዘይ ዕረፍቲ ንሓርነትን፣ ፍትሕን፣ ዝቃለስ ዘሎ ደላይ ፍትሒ ዝፈ.ልጦ ሓቂ’ዩ።

ሞት ኣቦናን፣ ኣያናን፣ ሓውናን፣ ብጻይናን፣ ዝኾነ ተጋዳላይ ኣሕመድ ንፍትሓዊ ቃልሲ ኤርትራ ንቕድሚት ዘሕንንን፣ ንደለይቲ ፍትሒ ድማ ስኒ ዘንክስን ተረኽቦ ደኣምበር፣ ንድሕሪት ዝመልስ ከምዘይከውን፡ ጽኑዕ እምነትና ኢዩ። ኣባላት ኤሃባደለ ሰሜን ኣሜሪካ ሕልምታት ሓውና ኣሕመድ ናብ መዓርፍኡ ንምብጻሕ ዕላምኡ ተዓጢቕና ሕድሪ ንምትግባር ካብ ወትሩ ንላዕሊ ድሉዋት ምህላውና ነፍልጥ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ጀጋኑ ደቅኻ ከም ተጋዳላይ ኣሕመድ መሓመድ ናስር፣ መስረትን፣ ዓንዲሕቖ ቃልስን ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣብ ስደት ይሞቱ ኣለዉ። እዚ ናይ ፍትሕን ደሞክራስን ሕቶ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባህሪ (ነሽናል ካራክተር) እውን ዝትንክፍ ምዃኑ ኣስተውዕል። ሃገር ናይኩሉ ኢያ ኢልካ ተለዓል! መሰል ዜጋ ይከበር ኢልካ ተለዓል፣ ፍትሒ ይንገስ ኢልካ ተበገስ፣ ዕምሪ ናይ ዓምጽትን፣ መንደልሓቕትን፣ ርእሰ መላኽን ከተሕጽር ተበራበር፣ መርሽ ንለውጢ!

መስዋእቲ ሓው ኣሕመድ ናስር ንኹሉ ኤርትራዊ ዝትንክፍ ሓዘን’ዩ። ብሕልፊ ድማ ንኽብርቲ በዓልቲ ቤቱን፣ ደቁን፣ ቤተሰቡን፣ ኣምላኽ ጽንዓት ክህቦም፣ ንዕኡ ድማ መንግስተ ሰማያት ከዋርሶ እናተመነና፣ መሪር ሓዘና ደጊምና ንገልጽ።

መቓልስቱ ኣባላት ኤሃባደለ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

መጋቢት 29, 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT