Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ – 1ይ ክፋል

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ ናይ መወዳእታ ዕርዲ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ድፋዕ ተጣሒሱ፣ ጥፍኣት ከንጸላሉ ኸሎ፣ ካብ ስዕረት ንምድሓን ብኣባይ ይኹን ብወገን ናይ ሞትን ሕየትን ምክልኻል ዝካየደሉ መስመር እዩ። ካብዚ “ድፋዕ” ’ዚ እንትወጺእካ መቓብር ጥራይ

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ

ናይ መወዳእታ ዕርዲ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ድፋዕ ተጣሒሱ፣ ጥፍኣት ከንጸላሉ ኸሎ፣ ካብ ስዕረት ንምድሓን ብኣባይ ይኹን ብወገን ናይ ሞትን ሕየትን ምክልኻል ዝካየደሉ መስመር እዩ። ካብዚ “ድፋዕ” ’ዚ እንትወጺእካ መቓብር ጥራይ ‘ዩ ዘሎ። ኣብኡ እንተጸናሕካ ‘ውን ንርእሱ መቓብር’ዩ ዝኾነካ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ መዝገብ’ዚ ‘ዩ ዝርከብ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ህግደፍ ስልጣኑ ንምሕላው ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ዕጥቅን ስንቅን ኩሉ ተወዲኡ ‘ዩ። ካብቲ ኩሉ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝመሃዞ ትንኮለኛ ጥበባት ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ሜላ ንህዝቢ ፈላሊኻ ከምዘይተኣማመን ብምግባር ካብ ሓድነታዊ መኸተ ህዝቢ ምኽዋል እዩ። መዋደዲ ናይ’ዚ ከፋፋሊ ኣጀንዳ ‘ዚ ህግደፍ ‘ኳ እንተኾነ፣ መሳሰይቱ ግን ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ እቶም ምስ ህግደፍ ኮነ ኣንጻር ህግደፍ ዘለና (ደገፍቲ ንኹን ተቓወምቲ) ኢና።

ንህግደፍ ካብ ቀዳማይን ካልኣይን ዕርድታቱ ተዋጊኡ ዘወጽኦ የልቦን። ባዕሉ እዩ ኣብ ናይ መወዳእታ ድፋዕ በጺሑ። ንተቓወምቱ ሓጊዙዎም፣ ንሳቶም ግን ንነብሶም ኣይሓገዙዋን። ነቲ ናይ ህላወ ምርኩስ ኪገብሮ ዝፍትን ዘሎ ሜላ ምፍልላይ ብምኽታል፣ ጸረ-ሓድነት ብምዃን ብዘይቃልዓለም ይኽሕሱዎ ኣለዉ። ስለዚ ኸኣ ኢና፣ ንዕርዲ ቅብጸት ኢሳይያስን ስርዓቱን፣ ነታ ናይ ምወዳእታ ዕርዱ፣ ቀዳማይ ድፍዖም ገይሮማ ንብል ዘለና።

እቲ ዕርዲ ሓደ እዩ – ዕርዲ ምፍልላይ፣ ዕርዲ ዘይምትእምማን፣ እቶም ዒላማታት ናይቲ ውግእ ግን በበይኖም ‘ዮም። ኢሳይያስ ኣብዚ ናይ መወዳእታ ድፋዕ፣ ኣብ ቃሬዛ ኮይኑ ንተቓወምቱ ብዘይጥይት ክዋግኦም ከሎ፣ ተቓወምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ድፍዖም ኮይኖም ኵናት ሕድሕድ የካይዱ ‘ለዉ። እቲ ንዓወት ሓደ ህዝቢሓድነት ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ኢሳይያስ፣ ንምፍልላይ ከም ስልቲ ድሕነት ስልጣኑ ክሓርያ ኸሎ፣ ንሳቶም ለባማት እንተዝኾኑ፣ በንጻሩ ንሓድነት ከም ሜላ ዓወት ክመርጹዋ ነይሩዎም። ኣይትተዓወቱ ኢሉዎም ግን ኣብ ክንዲ መኸራኽርቱ ብተዘዋዋሪ ደገፍቱ ኮይኖም።

ኢሳይያስ ንህዝቢ ካብ ምፍልላይ ዝረኽቦ ረብሓ ርኡይ እዩ። ምንዋሕ ዕድመ ስልጣን። ረብሓ ተቓወምቲ ካብ ምፍልላይ እንታይ ምዃኑ ግን እዝጊሄር ዋንኡ። ዕብላለኻ ረጋጊጽካ ብምጽናሕ፣ ስልጣን ንምጭባጥ እንተኾይኑ፣ “ሰረገላ ቅድሚ ፈረስ፣ መን መርዓት ምስ በለክን ትኳሓላ” እዩ ነገሩ።

ሓደ ካብ መሰረታውያን ጉድለታት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ንናጽነት ምድሙድ ባይታ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ናይ ዕዉታት ሓለፋ ምድላዮም እዩ። እዚ ጸገም’ዚ ሓደ ካብቶም ለውጢ ክእርሞም ዘለዎም ቄናናት እናኾነ፣ ዕብለላ ኣብ መዝገብ ለወጥቲ ቀዳመይቲ ኣረእስቲ ኮይና ተጻሒፋ ምህላዋ ድማ ጋዶ እዩ። ኣብ ጉባኤታትን ዋዕላታትን ተቓወምቲ ምልኪ ከመይ ኢሉ ይፍረስ ዘይኮነስ “በሪኽ ባይታ ሒዘ ክጸንሕ ኣለኒ” ዝብል ሕማም ኣውራ መከራኸሪ መራሕቲ ተቓውሞ ምዃኑ ኸኣ፣ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ከም ቀንዲ ዓገብ ናይቶም ምሉእ ግዚኦም ንገድሊ ናጽነት ዘወፈዩ፣ ንእስነቶም ዘጥፍኡን ዝሰንከሉን እናተጠቕሰ ደኣ’ሞ ነቶም ብወንጭፍ ለውጢ ከምጽኡ ዝፍትኑ ዘለዉ ናይ Part-Time ፖለቲከኛታት ከመይ ኢሉ ከምሕረሎም ይኽእል?

ንህግደፍን ተቓወምትን ግን፣ ፈላልየቲ፣ ጸረ ሓድነት፣ ስልጣንን ዕብለላን ምህራፎም ጥራይ ኣይኮነን ዘመሳስሎም። ኣበሮም ክቃላዕ ከሎ ዘቕርቡዎ ምስምስን ጩቕጡቕታን ‘ውን ተመሳሳሊ እዩ። ጌጋኦም ክንቀፍ፣ ውዲቶም ክቃላዕ ከሎ፣ እቲኦም “ወያነ! ወያነ!” እቲኦም ከኣ “ህግደፍ! ህግደፍ!” እዩ ቋንቍኦም። ብትብዓት ነብስኻ ናይ ምርኣይ ድሌት ይኹን ክእለት የብሎምን። ንተቓወምቲ ብማዕዶ ካብ ምቅዋም፣ ቀሪብካ ምቅርራቦም ደኾን ይሓይሽ ኢሎም ተበግሶ ንዝወሰዱ ብዙሓት ግዱሳት እዚ ዕጫ እዚ እዩ ኣጋጢሙዎም።

መቸም ብዙሓት ተቓዋማይ ክንቀፍ የብሉን ዝብል ስምዒት ዘለዎም ኣለዉ። ገሊኦም ህግደፍ መታን ትንፋስ ከይረክብ ዘሰክፎም ክኾኑ ከለዉ ገሊኦም ግን ንጌጋታቶም መሸፈኒ ስለዝደልዩዎ እዩ። ጎባጥ ተቓዋማይ ግን ቅኑዕ ተቓዋማይ ክኸውን፣ መንግስቲ ከቕንዕ ኣይክእልን እዩ። ካብ ዝገርም፣ ገለ ካብቶም ነቐፌታ ደምበ ተቓውሞ ከጸይኑ ዝደልዩ፣ እቶም ኣብ ገድሊ ናይ ተቓውሞ ባህሊ ከምዘይነበረ ኣምሪሮም ዝነቕፉ እዮም። ናብ ታሪኽ ተመሊስካ ክትከስስ እናተመጣጠርካ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝመጽኣካ ነቐፌታ ምህዳም ከኣ ተገራጫዊ እዩ።

ብምኽንያት ዕለተ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ብ20 ሰነ 2013 “ሰማእታትና፣ ካብ ቅብጸት ናብ ተስፋ ካብ ፍልልይ ናብ ሓድነት ተመሊስና ንዘክሮም!” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍናዮ ቃል ኣሰና፣ ፈላላዪ ፖለቲካ ኣብ ኤርትራውያን ተስፋ ምቝራጽን ቅብጸትን ኣስፊኑ ዕድመ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ኣሉታዊ ግደ ይጻወት ምህላዉ በዚ ዝስዕብ ሓፈሻዊ መንገዲ ጠቒስና ኔርና።-

“ ከም ህዝቢ ወይ ከም ሕብረተሰብ፡ ነቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ንምግጣም ርእሰ ምትእምማን ስለዘጥፋእና፡ ጉዳያት ክለዓሉ ኸለዉ ኣብ ክንዲ ምስ መሰረታዊ መትከላት ኣነጻጺርና ብነጻ ኣእምሮ እንምርምሮም፡ “ተጋደልቲ ‘ዮም ገባር ባ፡ ኣስላም ‘ዮም ክርስትያን ‘ባ ፡ ሓማሴን ‘ዮም ኣከሎጉዛይ ሰራየ’ባ፡ ሻዕብያ’ዮም ጀብሃ ባ፡ ኢትዮጵያ ‘ዮም ኣመሪካ ባ….እቲኣቶም፡ እቲኣቶም፡ እቲኣቶም…” እናበልና ዋጋ ዘይብሎም ጽውጽዋያት ኣብ ምንብድባድ ተሓጺርና ካብ ቃልስን ተወፋይነትን ከነድሓርር ንነበር ኣለና። እቲ ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ከኣ፡ ዝገጥሞ ስሙርን ተሪርን ግንባር ስኢኑ፡ ፍልልያትና ብምምዝማዝ ኣብ ኣፍደገ መቓብሩ ትልኽ እናበለ ይጻናሕ ‘ሎ።

ብርግጽ እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ኣብ ሕብረተሰብና ተኣፈፍቲ ተባሂሎም፡ ኣብ ወግዓዊ ኣኼባታት ክለዓሉ ከለዉ ከም ነውሪ ሰብ ዘጠማምቱ ዛዕባታት እዮም። ኣብ ጽሙው ዝበለ ዕላላት ኤርትራውያን ግን ካብ ብዛዕባ’ቲ ቀንዲ ጉዳይ ብዛዕባ’ዚኣቶም ዝዝረብ ይበዝሕ። ስለዚ፡ ካብዚ ኣብ ኤርትራውያን ፋሽን ኮይኑ ዘሎ ድርብ ሰብ ኴንካ ናይ ምንባር ምስሉይ ኣመላት ውጽእ ኢልና፡ ነዞም ነገር ዝሓላልኹልና ዘለዉ ዛዕባታት ብሓቂ ኣንጉዕን ትሕዝቶን ዘለዎም ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ብርትዓዊ መንገዲ ክንምርምሮም ይግባእ።”

ስለዚ ብዛዕባ ገለ ካብዞም ክዉንነቶም ኣለሊና ክንእርሞም ካብ ምፍታን፣ ዘየለዉ ከነምስል እንገብሮ ነብስኻ ናይ ምቕሻሽ ጻዕሮም ከፊኡና ዘሎ ጽውጽዋያት እስከ ንላዘብ። ን ኩርናዕ (Context) ናይዚ ኣልዒልናዮ ዘለና ጉዳይ ብዝያዳ ንምግንዛብ ናብቲ ዝጠቐስናዮ ኣርእስርቲ ተመሊስካ ምንባብ ምናልባት ክሕግዝ ስለዝኽእል፣ በዚ ክብ ኢሉ ተዋሂቡ ዘሎ ሊንክ ምውካሱ ይከኣል።

“ገድሊ ገደል ‘ዩ” – ብሓቂ?

“ኤርትራ ብሰንኪ ገድሊ እያ ኣብዚ ኹሉ ሽግር ወዲቓ። ገበነኛታት ናይዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ በደልን ግፍዕን ተጋደልቲ እዮም። ፍርቂ ናጽነት ብኻ ተሪፉና! ስለዚ፡ ገድልን ተጋዳላይን ኣሰር ታሪኹ ክጠፍእ ኣለዎ። ተጋዳላይ፡ ኣብ መጻኢ ናይዛ ሃገር ቦታ ‘ውን ክህልዎ የብሉን…” ኢሉ ዝጅምር ጽውጽዋይ ኣሎ።

እቲ ነገር ፈለማ “ምጽብባቕ ገድሊ” ንምእራም ተመሲሉ እዩ ተበጊሱ። እንተኾነ ንርእሱ ምክሽማሽ ገድሊ ኮይኑ ተረኺቡ። ምጽብባቕን ምንእኣስን ከም ጉድለታት ብሚዛን ክዕቀኑ ከለዉ ፍልልይ የብሎምን፡ ክልቲኦም ማዕረማዕረ ሰለል ዝብሉ መዛኑ እዮም። ንሓቂ ኣጋኒንካ ምቕራብ (ምጽብባቕ) ጌጋ እንተኾይኑ፡ ንሓቂ ኣነኣኢስካ ምቕራብ (ምስትውሓድ) ‘ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። ገድልን ተጋዳላይን ከምቲ ዝነበሩዎ እዮም ኣብ ታሪኽ ክቕመጡ ዘለዎም።

ናብ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ጽውጽዋይ ቅድሚ ምእታው ሓደ ክንጸር ዘለዎ ሓቂ፡ ከም ዝኾነ መድረኻት ኤርትራ ገድልን ተጋዳላይን ከም ታሪኽ ገምጋም ክግበረሎም፡ ክንቀፉን ክውቀሱን ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፣ ውቅያኖስ ናብ መሬት እንተፈሰሰ ‘ውን ዘይሓጽቦ ሓደ ሓቂ ኣለዎም። ተጋዳላይ ብዋጋ ንእስነቱን ህይወቱን መግዛእቲ ስዒሩ ንህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ኣብ ምጕንጻፍ ወሳኒ እጃም ዝተጻወተ፡ ሃገራዊ መንነት ህዝቢ ኤርትራ ዘሐየለ፣ ንኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንፈለማ ከም ሃገር ዘመዝገበ፡ “ወርቃዊ ወለዶ” ኤርትራ ምዃኑ ክቕየር ዘይከኣል ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ነዚ መሰረታዊ ሓቂ’ዚ ክሒድካ፡ ካብኡ ዝገደደ ድማ ነዚ ሓቂ ‘ዚ ንምቕያር ዝግበር ወቐሳን ነቐፌታን ከንቱ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ናይቲ ነቐፌታ ንትምህርትን ተመክሮን ክኸውን ኣለዎ።

ሃለዋት ናይቲ ገድሊ ይኹን ተጋዳላይ ዘረጋግጾ ናጽነት ይጥፋእ ይሃሉ፡ መልክዑ ዋላ ካብ መግዛእቲ ይኽፋእ ይጸብቕ ብዘየገድስ፡ ተጋዳላይ “ወርቃዊ ወለዶ” ዝብሃለሉ ሓደ ቁልፊ ምኽንያት ኣሎ። ድሌት ህዝቡ ንናጽነት ሰሚዑ፡ ነታ ኣብ ዓለም ሓንሳብ ጥራይ ዝነበረቶ ዕድል ምንባር ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ከወፍያ ምቕራቡን ብግብሪ መስዋእቲ ህይወት ምፍጻሙን ካልኣይ የብሉን። ብሃለዋትን መልክዕን ናይቲ ዝገደፎ ናጽነት ዝሕተትን ሓላፍነት ዝስከምን እቲ ካብኡ ዝሰዓበ፡ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ፡ እቲ ዝተጋደለ ይኹን ዘይተጋደለ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። መቐረቱ ምግላጽ ኣጊሙካ፣ ተመሲጥካ ናይ ዝበላዕካዮ ባናና ቅራፍ ረጊጽካ እንተተሰበርካ ንነብስኻ እምበር ነቲ ባናና ዝቐረበልካ  ኣይኮንካን ክትሓሚ ዝግባእ። ነቲ ቅራፍ ባናና ናብ ዘምቢል ጓሓፍ ሰኣን ምእታው ናይ ዝሰዓበ ጉድኣት ጠንቂ ባዕልኻ ክንስኻ፡ ዝቐለለ ምግባር ተሃክዩካ ዝኸበደ ንዝገበረልካ ገባሪ ጽቡቕ ከተማርርን ኢደ ሰባራ ክትገብሮን ምሕላን ከኣ ቅቡል ኣይኮነን።

ሓደሓደ ግዜ ስለ ፖለቲካዊ ምቝሉልነት፡ “ናጽነት ‘ኮ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ኣምጺኡዎ” ተባሂሉ ብተጋደልቲ ይኹን ፖለቲከኛታት ዝዝረብ ምሉእ ሓሳብ፡ ዋላ ‘ውን ነቲ ኢሳይያስ “ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር 4 ሚልዮን (ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ) እዩ ክብል ጋዜጠኛታት ወጻኢ ከም ጥቕሲ ክጥቀሙሉ ጸሪቡ ዝሃቦም ቃል፡ ከም ጻልጣ ሓቂ ወሲዶም፡ ምስ ተጋዳላይ መመዓራርዪ እንተኾኖም ምድጋሙ ዝምእምኦም ሰባት ነይሮም እዮም። (መቸም ሕጂ ሕጂ፣ ነቀፊታ ገድሊ ፋሽን እናኾነ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ‘ኳ ገለ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ነበር ሞይኡ ክሓብእ፣ ገድሊ ቀዲሞም ዝገደፉዎ ኸኣ ‘ብልቦናኦም’ ክሕበኑ ክቀላቀሉ ንርኢ ኣለና) ክልቲኡ ወስታታት ግን ስንፍና እዩ።

ዳርጋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ህዝቢ ኤርትራ ድሌት ናጽነት ‘ኳ እንተነበሮ፡ ብምሉኡ ነቲ ተጋዳላይ ዝገበሮ ተወፋይነትን ኣበርክቶን ውዒሉዎ ኢልካ ምዝራብ ዕባራ ሓቂ እዩ። ማዕረ ተጋዳላይ ተወፋይነት ዘርኣዩን ዘሳለጡን፡ ከም ተጋዳላይ ዘይተመዝገቡ ሓረበኛታት ኤርትራውያን ኣለዉ። ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ግን፡ እቲ ህይወቱ ንህዝብን ሃገርን ክህብ ቆሪጹ ዝተዓጥቀ ተጋዳላይ ቀስቲ ናይቲ ሃገራዊ ወፍሪ ናጽነት እዩ ነይሩ። እቲ ንውጉእ ደም ዝለገሰ፡ ገንዘብ ዘዋጽአ፡ ዝጸለየ፡ ብማዕዶ ዘጣቕዐ አእጃሙ ኣበርኪቱ እዩ። ኤእ፡ ማዕረ’ቲ ህይወቱ ዝመነነ ከትጽብጽቦ ግን ድፍረት እዩ።

እዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ነጥቢ ብዓይኒ ተጋዳላይ ነውሪ እዩ። ብዘይካ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ “ኣነ ከምዚ ዝኣመሰለ ጅግንነት ፈጺመ” ኢሉ ዝጀሃር፡ ንናጽነት ብሕታዊ ዋኒኑ ክገብሮ ዝብህግን ዝጸባጸብን ናይ ብሓቂ ተጋዳላይ ኣየጋጠመንን። ኣሽንባይ ዶ ባዕሉ ከምዚ ኢሉ በፈፍ-በፈፍ ክብል፡ ጠዊቕካዮ ዝዛረብ ክትረክብ ‘ኳ ንጋዳ እዩ ነይሩ። ናጽነት ብጋሽኣ ብፍላይ፡ ኣብ ጽብብ ዝበለ ምዉቕ ዕላል ብጾት፡ ዋሕዚ ትዝታታት ገድሊ ምስ በዝሖ፡ ንርእሱ ናጽነት ብምርኣዩ ዝግረም፡ እቶም ብመስዋእቲ ዝሓለፉ ብጾቱ መኻፍልቲ ናይቲ ክኣምኑዎ ዘይከኣሉ ዕድል ዘይምዃኖም ክነብዕ ዝተራእየ ግን ብዙሕ እዩም። ሕጂ ምስሊ ናጽነት ምስተበለለ ኸኣ፡ እተን የዒንቲ ካልኣይ ንብዓት የፍስሳ ኣለዋ።

ነዚ ብኣንጻር’ቶም ንዛረበሎም ዘለና ኣሉታዊ ጽውጽዋያት፡ ኣውንታዊ ዝኾነ ዛንታ ወይ ከኣ “ነውሪ-ተጋዳላይ” ዘልዕሎ ዘለኹ፡ እቶም ኣይወዓሎ ኣይሓደሮ ንተጋዳላይ ብምጽብባቕ ታሪኹ ዝኸሱዎ፡ መነነ-ህይወቱ መዳርግቲ ስለዝሰኣኑሉ ንዝተሰምዖም ሕልናዊ ሓቕያ በቋራጭ ከፋኹሱዎ ዝፍትኑ ኣምር መንፈሱ ብጩራ ከርእዮም ኢለ ጥራይ እየ። እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋንነት ነጻነት ክስምዖ ዝሕግዝ ኣውንታዊ ኣበርክቶ እንተልዩዎስ ወሸለ ጸዲቑ። ቀደም ዘይምግዳሉ ክሳብ ክንድዚ ሸቕሸቕ ዘብሎ እንተልዩ ግን፡ ተጋዳላይ እምበር ገድሊ ኣይተወደአን። ነታ “ፍርቂ ናጽነት” እንተመሊኡዋ ክብረወሰን ናይ ቀደም ተጋዳላይ ሰይሩ፡ “ኣልማዛዊ ወለዶ ኤርትራ” ካብ ምዃን ዝዓግቶ የልቦን። እዚ ግን ታሪኽ ተጋዳላይ ብምንእኣስ ዘይኮነ ዝበለጸ ተጋዳላይ ኴንካ ዝውቃዕ ሸቶ እዩ። ከም ናይ ተጋዳላይ ወይ ኪኖኡ ቅሩብነት ንመስዋእቲ ግን ይሓትት። ኣፍራስ ጥራይ ንኹን እምበር እንሆ ጋላቢ ዘንቀላውጥ ጎልጎል።

ተጋዳላይ ናጽነት ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኮነን ክሳብ ክንድ’ዚ ዝምጎስ፡ ምእንቲ ህዝባዊ ዕላማን ሓባራዊ ረብሓን ዜጋታት ሃገሩን መጻኢ ወለዶ ኤርትራን ዝገበሮ ተወፋይነት፡ ሕልንኡ እዩ ክብረ-ወሰን ዘትሕዞ። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ክዳረጎ ወይ ክብረ-ወሰኑ ክሰብር ዝኽእል ከኣ፡ እቲ ናጽነት ንምዕቃብ፡ ንሓባራዊ ረብሓን ዕላማን ተመሳሳሊ ተወፋይነት ከርኢ ዝተቐረበ እምበር፡ እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተሰጢሑ ንዝነበረ ናይ ቃልሲ መኣዲ ብጎቦ ዓይኑ ጠሚቱ፡ ካብ ህዝባዊ ረብሓ ውልቃዊ ጠቕሙ ብምቕዳም፡ እንኮ ነብሱ ሓቝፉ ባሕሪ ዝተሳገረ፡ ጥፍኣት ተጋዳላይ ኣብ ኢንተርነት ብምጽብጻብ ዝዋራዘ ዘሎ ኣይኮነን። ጸኒሕና ብዝርዝር ከምእንርእዮ፡ ካብ ዝተኸተትናሉ ደልሃመት ምውጻእ ኣጸጊሙና ካብ ዘሎ ሓደ ምኽንያት ነዚ ሓደ ወሳኒ ክብርታት ተጋዳላይ ዝነበረ ተወፋይነት ምጥፋእና እዩ።

ኣብ 1988 ኣብ ሽዕብ 400 ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም ንጹሃት ኤርትራውያን ብታንክታት ደርግ ተረጊጾም፣ ብጥይት ተረሽርሾም ከምዝሃለቑ ብራድዮ ዝሰምዐ ተጋዳላይ ብኡንብኡ ዝተሰምዖ ከቢድ ሓዘን፣ ቁጥዐን ሕርቃንን፣ ሕኑን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት፣ ምስቲ ኣብ ሚያዝያ 2011 ኣብ ገማግም ሊብያ 400 ኤርትራውያን ምስ መራኽቦም ብጅምላ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ምስ ተሰምዐ ዝነበረ ልኡም ግብረመልሲ ኤርትራውያን ከተነጻጽሮ ኸለና መንፈስና ክሳብ ክንደይ ተዳሂሉ ከምዘሎ፣ ሰብነት ኣጥፊእና ከምዘለና እዩ ዘዘኻኽር። እቲኣቶም ኣብ ምድረበዳ እቲኣቶም ኣብ ባሕሪ ‘ኳ እንተጠፍኡ፣ እቲ ትራጀዲ ብቑጽሩ ኮነ ብመንነት ግዳያቱ ሓደ እዩ። ግብረልስና ግን በበይኑ ኮይኑ። ሽዑ ተጋዳላይ፣ ነቲ ኣብ 1990 ኣብ ስርሒት ምሕራር ከተማ ምጽዋዕ ዘመዝገቦ ዓወት ከም ሕነ ግዳያት ሽዕብ ክቖጽሮ ኸሎ፣ ነዚ ዳሕረዋይ ፍጻሜ ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ ደገፍቲ ህግደፍ፣ እቲ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዓለም ዘዛረበ ህልቂት ዘጽቀጠ ስርዓት ብጭካኔኡ ብህዝቢ ከይከዓብ፣ በቲ ኸኣ ንጽምብል ናጽነት ኣመኽንዩ ዝዳለወሉ ዝነበረ ፈንጠዝያ ጥምዝሕዝሕ ከይብሎ፣ ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ እቲ ፍጻሜ ሓሶት ምዃኑ ንዝዘርግሖ ሓሶት ብምእማን ንህልቂት 400 ዜጋታቲም ምኽሓድ እዩ ቀሊሉዎም። እቶም መሳኪን ግዳያት ከኣ ሽምን ዝኽርን ዘይብሎም ብኡ ኣቢሎም ጠፊኦም፣ ተረሲዖም። ካብኡ ቐጺሉ ኣብ ሲናይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መንእሰያት ምስናይ ውርደቱን ሕስረቱን ዝወረደ መዓታት ‘ውን ተመሳሳሊ ዕሽሽታ እዩ ገጢሙዎ።  ብምረት ናይዚ ዘበን ዝሓለፈ ወለዶ ክንከስስ ከኣ ኣየምሕረልናን። እዚ ዘበን ንመልክዕ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ እዩ ዝመስል ዘሎ።

መቸም ካብ ጌጋታት ታሪኽ እምበር ካብ ጽቡቕ ታሪኽ ምህሮ ከምዘየለ ዝእምቱ፣ ኣብ ጌጋታት ገድሊ ምትኳር ዝመኽሩ ኣለዉ። ታሪኽ ግን ብቐንዱ ንመጻእቲ ወለዶ እምበር ንሰራሕቲ ታሪኽ ኣይኮነን ዝጸሓፍ። እቶም ኣጋይሽ ታሪኽ ከኣ፣ እቲ ጽቡቕን ሕማቕን ብሚዛናዊ መንገዲ ተሰኒዱ ክቐርበሎም ከሎ ‘ዮም ምሉእ ምህሮ ዝረኽቡ። ብስርዓት ህግደፍ ይኹን ብተቓወምቲ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ጥቁው ኣዘንታዊ ኣይረኸበን። እቲ ድሕሪ ናጽነት ሕጻብ ገድሊ ምግባር ስኢኑ፣ ነቲ ገድሊ ዝሓምሰሾ መግዛእቲ መሲሉ ዘሎ ህግደፍ፣ ኣብቲ ጸጽቡቑ ቅያታት ገድሊ ልሕግ ኢሉ ካብ ታሪኽ ገድሊ ከምድላዩ እናቐድሐ ክጥቀም ክነብር፣ ንኢሳይያስ ዋና ናይቲ ታሪኽ ክገብሮ ህርድግ ክብል ከሎ፣ ተቓወምቲ ኸኣ፣ ንገድልን ኢሳይያስን ምፍልላይ ኣጊሙዎም፣ ገድሊ ንዕኡ ‘ውን ከምዝብጽሖ ክሒዱ፣ ናብ ክፋእ ገድሊ ኣመና ኣድሂቡ በልማማ ብምጥቃዕ፣ ነቲ ናይ ህግደፍ ሃቐነ ዋንነት ገድሊ ሓቅነት ከልብሶ ይርአ። ኣብዚ ህሉው ወለዶ እቲ መለለዪ ተጋዳላይ ዝነበረ ተወፋይነት ቦዅሩ፣ ቃልሲ ተጸይኑ ስደት ኣጕላዕሊዑሉ ዘሎ ምኽንያት ሓደ ከኣ እዚ ዝንቡዕ ኣቀራርባ ታሪኽ’ዚ እዩ።

ናጽነት ኤርትራ ውጽኢት ናይቲ ካብ ማህጸን ህዝቢ ኤርትራ ዝተሓልበ ተጋዳላይ፣ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጠሮ ገድሊ ምዃኑ እንተኣሚና፡ ዘይምግዳል ንኤርትራውያን ዝገድፈልና እንኮ ምርጫ ሃገር ኣልቦነት ‘ዩ። በንጻር ናይዚ እምነት’ዚ፡ እቲ ዝተረፈ ካልእ ገጽ ምጕት ናይቶም “ገድልን ተጋዳላይን ብኻ እንተዘይነብሩ” ዝብሉ ኸኣ መቝረንቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ እዩ። እዚ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይቶም ዕብለላ ኤርትራ ዘገድሶም ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዕላማ ግን ፈሺሉ እዩ። ስለዚ ሚዛኑ ብዘይሓለወ ነቐፌታ ንገድሊ ምጥቃዕ ኤርትራዊ ሃገርነትን መንነትን ዝፈታተን፣ ንገድሊ ይኹን ናጽነት ፋይዳ ኣልቦ ምዃኑ ዘጋጊ፣ መንፈስ ቃልሲ ዘዳኽም፣ ንስደት ዝዕድም ተርእዮ እዩ።

ዝበዝሑ ተጋደልቲ ነበር፡ ካብቲ ኣብ ገድሊ ዘሕለፉዎ፡ ድሕሪ ናጽነት ዘቝጸሩዎ ዓመታት ይበዝሕ። (1977-78 ዝበዝሐ ሰብ ናብ ገድሊ ዝተጸንበረሉ እዋን እንተነይሩ፡ ክሳብ እዋን ናጽነት ን14 ዓመታት እዩ ተጋዲሉ ማለት እዩ) ናጽነት 20 ዓመታት ምስ ኣሕለፈ ተጋዳላይ ዝምረረሉ ምኽንያት ደኣ ‘ሞ እንታይ እዩ?

በቲ ካልእ ገጽ፡ ብመጠን ቁጽሩ ክርአ ከሎ ክንደይ ካብ ተጋዳላይ ኣብቲ ስርዓት ድላዩ ክገብር ዘኽእሎ ስልጣን ሒዙ ተሪፉ ከምዘሎ ምርኣይ ‘ውን ተወሳኺ መረዳእታ ክህብ ይኽእል። ብምሉኡ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ እንተላይ ስንኩላኑ ኣብ 1991 ብገምጋም 80 ሽሕ ዝኸውን ዓቕሚ ሰብ እንተነይሩዎ፡ ኣድማ ተጋደልቲ 1993 ተኸቲሉ ብሃታሃታ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ምጥያስ፡ ህግደፍ 50 ሽሕ ከምዘጓደለሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኣብ ሰራዊትን ሲቪላዊ ስራሕን ዝተረፉ ተጋደልቲ 30 ሽሕ እዮም ዝኾኑ። ነዚኣቶም ኣብ ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተሰውኡ፡ ብሕማም ዝሰዓቡዎም ብዙሓት፡ በብውልቆም ምሉቕምሉቕ ኢሎም ናብ ስደት ዝተበተኑ እንተወሲኽካሎም፡ እቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘለዉን፡ ኢሳይያስ ዘደስከሎምን ዝኣሰሮምን ተጋደልቲ ጥራይ ብቑጽሪ ማዕረ እዮም። ስለምንታይ እዩ ደኣ እቲ “ተጋዳላይ” ዝብሃል ስም ነቶም ውሑዳት ኣብ ስልጣን ዘለዉ በደልቲ ተዋሂቡ፡ ነቶም ጥዩሳት፡ ድስኩላት፡ እሱራት፡ ግፉዓት ተነፊጉዎም? ግደ ሓቂ፡ እቶም ንናይ ተጋዳላይ ክብርታት ዘይረስዑዎ፣ እቶም ነቲ ስርዓት ስለዝተቓወሙን ዘይተማእዘዙሉን ዝደስከሉን ዝተኣሰሩን ብምዃኖም፣ ካብቶም ነቲ ክብርታት ዝጠለሙ ንላዕሊ ነቶም መብጽዓ ዘኽበሩ ደኣ ይግብኦም ‘ምበር ምስቶም ኣብ ከተማ ሸፊቶም ዘለዉ መራሕቲ ህግደፍ ተደሚሮም ክቕጥቀጡ ኣይነበሮምን።

ስለምንታይ ከ ‘ዩ ተጋዳላይ ዒላማ ኮይኑ?

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ተጋዳላይ ምሩጽ ዒላማ (Selected Target) ኮይኑ ብሰለስተ ዝተፈላለዩ ክንፍታት ጽዕጹዕ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎ እዩ። መንነት ናይቶም ኣጥቃዕቲ በበይኑ ‘ኳ እንተነበረ፡ መበገሲኦም ግን ሓደ እዩ። ፍርሒ ተጋዳላይ። ዓንዲ ሕቖ ኤርትራ እዩ ኢሎም ስለዝሓሰቡዎ፡ ንኤርትራን ህዝባን ንምምላኽ ኮነ ንምቍጽጻር ‘ዓንዲ ሕቖኣ ክንሰብሮ ኣለና’ ኣብ ዝብል መደምደምታ ስለዝበጽሑ እዮም ኣነጻጺሮምሉ። ማዕረማዕሪኡ ድማ፡ “ተጋዳላይ ሲቭል (ገባር)” ኢልካ ብምፍልላይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ህዝቢ ተቓድዩ ከይግስግስ፣ ነቲ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ቸሜንቶ ኮይኑ ህዝቢ ኣብ ምትእስሳር ግደ ከይጻወት ዘስግኦም ሓይሊ ከዳኽሙዎ ወይ ከንበርክኹዎ ነይሩዎም። እቲ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ንገድሊ ንናጽነት ኣመኽንዮም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ሕሉፍ ምስጢራውነትን ዘይግሉጽነትን ተጸልጺሉ፣ ሃገራዊ መንፈስን ተወፋይነትን፣ ዝኣመሰሉ ክብርታት ተጋዳላይ ብስልጡን መንገዲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ክሰጋገሩ እንተዝኽእሉ፣ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ወዲቓትሉ ዘላ መዓት ኣይምወደቐትን። ስለዚ፡ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝጸልኡዎን ከንበርክኹዎ ዝሕልኑን ንተጋዳላይ ዒላማ መውቃዕቶም እንተገበሩዎ፡ ዘዋጽኦም እዮም ገይሮም።

ኣብዚ ክንግንዘቦ ዝግባእ እዞም ተጋዳላይ ኣብ ክቢ ሃገርን ህዝብን ተጋዳላይ ዘማዕበሎም ከም ብጻያዊ ምትሕልላይ፣ ተወፋይነት፣ ቅንዕና፣ ስስዕቲ ኣልቦነት፣ እስትሕያ፣ ልቦና፣ ሓባራዊ መንፈስ፣ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዝኣመሰሉ ክብርታትን ኣብ ጫካ ናቶም መሪሕነት ገድሊ ዘማዕበሎም ብሕሉፍ ምስጢራውነት፣ ዘይግሉጽነትን ዘይተሓታትነትን፣ ዘይትካላዊ ኣሰራርሓ ዝልለዩ ስርዓትን ኣካይዳን ተጻቢቦም እዮም ዓዅኾም።

ምስቲ መግዛእቲ ናይ ምስዓርን ናጽነት ናይ ምርግጋጽን ቀዳምነት ኣዛሚዱ፣ እቲ ዘይንቡር እዋን በዞም ዘይንቡራት ኣካይዳታት ክስገር ከምዝኽእል ከከም ደረጅኡ ተቐቢሉ ክሳብ ንቡር ግዜ ዝብጻሕ ሕድገት ገይሩሎም እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ግዜ ገድሊ ‘ውን ‘ኮ እቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ በዞም ዘይንቡራት፣ ሕጋውነት ዘይብሎም ኣሰራርሓታት ግዳይ ኮይኑ እዩ። ቃልሲ ማለት ግጥም ምስ ጸላኢ ጥራይ ኣይኮነን ነይሩ። መስዋእቲ ‘ውን ከምኡ ኣብ ዓውደ ውግእ ጥራይ ኣይነበረን። ስለዚ ኸኣ ‘ዩ ንቡር እዋን ምስ በጽሐ (ድሕሪ ናጽነት) ኣብ መንጎ መንፈስ ተጋዳላይን ስርዓት ገድልን ግጭት ተኸሲቱ። ኣድማ ተጋደልቲ 1993፣ ኣድማ ስንኩላን 1994፣ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 (2001) ምንቅስቓስ ሰራዊት 2013 (ስርሒት ፎርቶ) ከኣ ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይከኣሉ።

ድሕሪ ናጽነት (ኣብቲ ንቡር)፣ ነቲ ኣብ ገድሊ (ኣብ ዘይንቡር) ዘማዕበልናዮ ስርዓት ክንቅጽሎ ኣይነበረናን። ምኽንያቱ ከምዚ ንርእዮ ዘለና፣ መሳርሒ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ እዩ ኮይኑ። ኣገልግሎቱ ከምዝወድአ ጓንቲ ምስ መግዛእቲ ክጓሓፍ ነይሩዎ። መንፈስ ተጋዳላይ ግን፣ ኣብ መኸተ ናይዚ ውልቀምልካዊ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ‘ውን ኣድላዪ ስለዝነበረ በንጻሩ ክዕቀብ ነይሩዎ።

ክንፍታት መጥቃዕቲ ተጋዳላይ ግን መን ‘ዮም?

ኢሳይያስ

ንተጋዳላይ ቅድሚ ኹሉ ዝገጠሞ ቀዳማይ ተጻባኢ፣ እቲ ካብ ገድሊ መሪሑዎ ዝኣተወ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ተጋዳላይ ኣብ ልቡ ዘስፈሮ ‘ኩሉ ድሕሪ ሃገር!’ ዝብል መብጽዓ ጥልመት ከይፈጸመ፡ ናብቲ ኣብ መወዳእታ ዝወዓሎ ‘ኣነ ቅድሚ ሃገር!’ ዝጭርሖኡ ብሕትውና ስልጣን ክሰግር ከምዘይክእል፡ ክብርታት ተጋዳላይ ዓቢ ዕንቅፋት ከምዝኾኖ ብኣግኡ ዝፈልጦ ‘ኳ እንተነበረ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም፡ ሽምን ንህብን ንዓመትን ፈረቓን በብወገኖም ኣብ ሕጽኖት ናጽነት ተጣፊኦም ስለዘይተረኣኣዩ ንግዚኡ ረሲዑዎ፡ ዘንጊዑ ነይሩ ‘ዩ። ሕጽኖት ተጋዳላይን ኢሳይያስን በበይኑ ኮይኑ፡ ዝመረሮም ተጋደልቲ ኣብ 20 ግንቦት 1993 ኣድማ ኣልዒሎም ምስ ደፈሩዎ ግን፡ ኢሳይያስ ቀዳማይ ስግኣቱ ተጋደልቲ ምዃኖም ዘከረ ‘ሞ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ቀጢኑ፡ ናይ ምግባር ዓቕሞም ንምድኻምን ተሰማዕነቶም ንምህሳስን ድሎ ኢሉ ብመደብ ተተሓሓዞ። ብኡ ንብኡ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ካብኣቶም ብስም ምጥያስ ኣብቲ ተፈልዮሞ ዝጸንሑ ሕብረተሰብ ሃንደበት ብምብታን፡ ኣብ ንቡር ህይወት ምሕንባስ ኣጊሙዎም ዒቕዒቕ ክብሉ ከለዉ ህዝቢ ከምዝርእዮም ገበረ። ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት፡ በብግዚኡ ከም “ሰረቕቲ ሓሰውቲ” ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ከይተረፈ እናዘለፈ ኣፍኮሶም። ብዙሓት ርእሶም ዘቕንዑ ኸኣ ኣብ ሸላታት ተሓየሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ብምውላዕ፡ ነቶም ሓንባሲት መሊኾም እግሪ ዝተኸሉ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘሪኡ ከምጻህያይ ተማሕዮም ከውምዝጠፍኡ ገበረ። በዚ መንፊት ‘ዚ ንዝሓለፉ ኣደስከሎም። ብዙሓት ተስፋ ቆሪጾም ናብ ስደት ተበተኑ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ኣብቲ ካብ 1998-2000 ዝተኻየደ ኢሳይያስ ዝኣጎዶ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዓውደ ኵናት ቀንዲ ዒላማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ‘ውን ተጋዳላይ እዩ። (ኣብቲ እዋን’ቲ ክኸቱ ብኣኼባ መምርሒ ዝተዋህቦም ጥዩሳት ተጋደልቲ ነበር “ብኣኻትኩም ዝወርደና ውርደትን ሕስረትን ርኢናዮ ኣለና፡ ግን ሃገር ስለዝኾነት ደሓን ታተ ክንብለሉ ዝጸናሕና ምርኩስ ገዲፍና ስለ ሃገር ክንወፈ ኢና” ኢሎም ናብ ግንባራት ወፊሮም። ኣብ ኣድማ ተሳቲፍኩም ተባሂሎም ብጻዕዳ ወረቐት ዝተረፈቱ ከይተረፈ፡ ንመራሕቲ ህግደፍ ኣናሓንሓኑሎም፡ ስለ ሃገር ተወፍዮም። ምስቲ ኣብ ገድሊ ዘጥረዮ ተመክሮ ተዋጊኡ ዘዋግእ፡ ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝወፈረ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሞራልን ኣብነትን ኮይኑ ክመርሕ ዝኽእል ኣካል ምዃኑ ስለዘስተብሃሉሉ፡ የዒንቲ ‘ቀጭ ሕርሙ’ (Snipers) ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብኡ እየን ቀኒዐን። በቲ ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ዝዓይነቱ ጥበብ ተለቒሙ ኸኣ ሃለቐ። ነዚ ሓቂ ‘ዚ እቶም ኣብቲ ዓውደ ኵናት ዝወዓሉ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት ‘ውን ዝምስክሩዎ እዩ።

ተፋለምቲ ኢንተርነት (ተቓወምቲ)

ናይ ኢንተርነት ተፋለምቲ ኸኣ ነቲ ካብ ኢሳይያስን ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝተረፈ ተጋዳላይ ኣብ ምቕራም ካብ ዝወፍሩ ዓመታት ቆጺሮም ኣለዉ።

እዚ ጸረ-ገድልን ተጋዳላይን ኣብ ኢንተርንት ዝካየድ ጽዕጹዕ ጎስጓስ “መሰረት ሽግርና ካብ ሱሩ ክንፈልጥ ምእንቲ” ተባሂሉ እዩ ዝምኽነየሉ። እንተኾነ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ የዕለቕሊቁ ዘሎ ርኡይ ጸገም ንምርዳእ ናብ ታሪኽ ምምላስ ‘ውን ዘድሊ ኣይኮነን። ነቲ ገጢሙና ዘሎ ሽግር ንምፍታሕ ካብ ዝልግሶ መረዳእታ፡ ዘምጽኦ ምድንጋር (Confusion) ይኸፍእ። እቲ ጊላነት ስርዓት ህግደፍ ዘሳጸዮ መንእሰይ ብፍላይ ግዳይ ናይዚ ምድንጋር ‘ዚ ብምዃን፣ ከምቲ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ንክብርታትን መንፈስን ተጋዳላይ ምስ ዝያዳታት ናይቲ  ዝደሃኾ ስርዓት ለኻኺሙ ብሓባር ንምጽልኡ ተደናዲኑ።

እዞም ክልተ ዳሕረዎት ክንፍታት ማለት ኢትዮጵያን ተፋለምቲ ኢንተርነትን ግን ኢሳይያስ ንተጋዳላይ ናብ መቕተሊ መሬት ኣቃሊዑ፣ ኣሕሊፉ እንተዘይህቦም ኣይመረኻኸቡሉን። ህግደፍ ኵናት እንተዘየባርዕ ተጋዳላይ ንኻልኣይ ግዜ ግዳይ መቕዘፍቲ ጥይት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣይምኾነን። ህግደፍ ንኤርትራ ከምቲ ናይ  ተጋዳላይ መብጽዓ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ምግባር፣ ንገድልን ተጋዳላይን መሸቀጢ ስልጣን እንተዘይጥቀመሎም፣ መብጽዓ እንተዘይጠልም ‘ውን ፍልስፍናዊ ውርዝይና ተፋለምቲ ኢንተርነት ባይታ ኣይምሃለዎን። ስለዚ በዝን በትን እቲ ሓላፍነት ናብ ኢሳይያስ ኢዩ ዝጥቕለል።

ክብርታት ተጋዳላይን ገድልን ብህግደፍ ኮነ ብተቓወምቲ ክብለል ከሎ፣ ብዓቢኡ ንእስነቱን ህይወት ብጾቱን ዝተኸፍላ ሃገር እናዓነወት “እንታይ ገደሰኒ” ኢሉ ብሸለልትነት ዝተሰነፈ ተጋዳላይ ‘ውን ኣብቲ ፍሽለት ኣሉታዊ እጃም ሓዊሱ እዩ። ሓጥያት ናይቶም ብስልጣንን ገንዘብን ተደሊሎም ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከገልግሉ ነብሶም ዝፈረዱ፣ ብብልሽውናን ወገነይ ወገንካን ዝተቖማጥዑ ንጎድኒ ገዲፍካ፣ እቲ ዝበዝሐ መሰረት ህይወቱ ከንጽፈሉ ዝግብኦ ንእስነት ብገድሊ ኣብልዩ ሃገር ኣምሊሱ ክንሱ፣ ሃገር እናጠፍአት ተረፍ ገድሊ ንዝኾነ ቁልቁለት ዕድሚኡ ምብቃቑ፣ ኣብ እግሪ ‘ቶም ዝጸመዱሉ ከምዝተንበርከኸ እዩ ዘረጋግጽ። “ልዕሊ ዓቕመይ ገይረ ‘የ ከምሰበይ ዝረኸበ ይርከበኒ” ኢሉ ድኻሙ እንተጸብጸበ ኣብ ቤትፍርዲ ዝጸባጸቦ የለን። ሕልናዊ ቅሳነት ከምዘይብሉ፣ እናሓደረ ስነኣእምሮኣዊ ስቅያቱ ከምዝብእስ ግን ምርምር ዘድልዮ ኣይኮነን። ኣብ እዋን ክስራን ዝያዳ ዘውፈረ ዝያዳ ክሳራ ስለዝስምዖ ስዕረት ንምስዓር ብሓለፋ ክዕጠቕ ዝነበሮን ዘለዎን ንሱ እዩ።

ምክሽማሽ ገድልን ሳዕቤናቱን

ከምዚ ልዕል ክንብል ዝጠቐስናዮ፡ ፈለማ ንገድሊ ዘከሻመሾ ኢሳይያስ እዩ። ንሰማእታት ኤርትራ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ረሲዑዎም ክንሱ፡ “ሰማእታትና ይዘከሩ!” እናበለ ንልዕሊ 22 ዓመታት ካብ ታሪኽ ገድሊ ምጥቃም ኣየሕፈሮን። ንኣበርክቶ ገድሊ ዋንኡ ኮይኑ ብምቕራብ፡ ኤርትራን ኢሳይያስን ሓደ ምዃኖም ንህዝቢ ኤርትራ ከምእኖ ዘይገበሮ የልቦን። እንተኾነ፡ ንገድልን ኢሳይያስን ሓደ ጌርካ ብሓደ ስላዕ ምቕጥቃጥ፡ ነቲ ኢሳይያስ ምስ ሃገር ንምምዕርራይ ዘለዎ ባህጊ ዘጽድቕ ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኢሳይያስ ዋና ገድልን ተጋዳላይን ከምዝነበረ ክግለጽ ክትሰምዕ ከለኻ ስግድግድ ዘብል እዩ። ኣብ ገድሊ “ዓወት ንሓፋሽ!” እናበለ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ይውፈ ምህላዉ ዘሐብኖ እምበር፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ደገፍቲ ህግደፍ እንርእዮን እንሰምዖን ዘለና ስእሊ ኢሳይያስ እናሰራሰረ ብኢሳይያስ ዝምሕል ተጋዳላይ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት፣ ኣብ ቦለኛ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ፈስቲቫል፡ መላለዪ ነቶም ኣብቲ ውራይ ተዓዲሞም ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕትን፡ “እንሀዉልኩም በሉ እቶም ናጽነት ዘምጽኡ ጀጋኑ” ኢሉ ምስ ኣላለዮም፣ ኣብ ኤርትራ ብቪድዮ ዝረኣዩዎ ተጋደልቲ፡ “ኣቤት ‘ወ!” ኢሎም ከምቶም ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ኣየጣቕዑን። በንጻሩ ተቖጢዖም እዮም።

እቲ ንገድሊ ብጅምላ ከምዝጽየን ጌርካ ኣስተብህሎ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ሓዱሽ ወለዶ ንምንፋጉ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ፡ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ገድሊ ክብርታትን ዓወታትን ብኣብነት ንምምሃር ዘለዎ ተኽእሎ ዝሓጽር ሃገራዊ ክሳራ እዩ።

ሓደ ካብቲ ወለዶ ገድሊ ዝዓመሞ ዝዓበየ መባእታዊ ዓወት፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብምክያድ ምስ መግዛእቲ ፊትንፊት ምግጣሙ እዩ። እዚ ቆራጽ ስጉምቲ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ቃልሲ ንናጽነትን ምምብርካኽ ኣብ ትሕቲ መግዛእትን ዘሎ ፍልልይ ብዓይኑ ርእዩ ከመዛዝን፡ ዘዋጽኦ ምርጫ ክወስድ ዕድል ከፊቱሉ። ቃልሲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፣ ሓሳብ ልቢ ህዝቢ ብቐረባ ሰሚዑ ክልብምን ክምዕብልን፡ ህዝቢ መንፈስ ተቓለስቲ ተዓዚቡ ተሳታፍነቱ ከዕብን ዋና ቃልሲ ክኸውን ኣኽኢሉዎ። እቲ ቃልሲ ንህዝቢ ተስፋ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ነቲ ቃልሲ ሓይልን ቀጻልነትን ሂቡዎ። እዚ ምሉእ ህይወት ዘለዎ ዘየቋርጽ ዝምድና ዘማዕበሎ ህዝባዊ መኸተ ከኣ ‘ዩ ነቲ ዓርሞሸሽ መግዛእቲ ዝሰዓረ። ካብኡ ናብኡ፡ ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እናኾነ ‘ውን፡ ኣብ እዋን ምዝላቕ (1978) እቲ ዕጥቃዊ ምንቅስቓስ ካብቲ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ ከተማታትን ዓድታትን ተደፊኡ፡ ኣብቲ ስሑው ህዝቢ ዝነበረሉ ርሑቕ ከባቢታት ሳሕልን ባርካን ምስተሓጽረ፡ ዘጋጠሞ ተነጽሎን ዘስዓበሉ ኣሉታዊ ሳዕቤናትን ርኡይ እዩ ነይሩ።

በዚ መንጽር፡ እዚ ካብ ኤርትራ ኣሽሓት ማይላት ርሒቕና ካብ ስደት ብወንጭፍ እነካይዶ ክፊለ-ግዝያዊ (Part-time) ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብቲ ህዝቢ ይኹን ኣብቲ ስርዓት እንታይ ስምብራት ክህልዎ ኢና ንጽበ? ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስደት እንርከብ፡ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ ናይ ሚድያ ትካላት ይኹን ውልቀሰባት እንዓሞ ስራሕ ኣብ ንጥፈታት መራኸቢ ብዙሃን ዝተሓጽረ እዩ። ንሱ ‘ውን ስሩዕነት፡ ዕምቆትን ኣድማዕነትን ቀጻልነትን የብሉን። ኣብ ጣሻ ኢንተርነትን ፓልቶክን ኣቲና “ንቃለስ ኣለና” ኢልና እንተመደርና፡ ነብስና ጥራይ ኢና ንቕሽሽ ዘለና።

እቲ ብማዕዶ እነዘውትሮ ምንቅስቓስ፡ ካብቲ ንለውጢ ዘለዎ ኣበርክቶ፡ ከም ዜጋታት፡ ቃንዛ ውጹዕ ህዝብና ከምዝስምዓና ገሊጽና ሕልናና ብምቕሳን እንረኽቦ ፍሬኡ ይዓቢ። ልክዕ ‘ዩ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበር ህዝብን ሰራዊትን ተጻጊሙ ዝረኽቦ ስንቂ ሓበሬታ ንቕሓት ክውስኸሉ፡ ብዘገምታ ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ድረጃ ክሕግዞ ይኽእል እዩ። እዚ ግን ቃልሲ ክበሃል ኣይክእልን። ከም ሰብና ተስፋ ቆሪጽና ወይ ከኣ ውልቃዊ ናጽነት ሓሪና ናብ ስደት ኣምሪሕና ክንስና፡ ኣብቲ ሃገርካ ካብ ክትዝክር ሃገርካ ክትርስዕ ዝቐለሉ ናይ ዑቕባ ሃገራት ነንእሽቶ ኣበርክቶ ምግባርና ንባዕሉ ኣውንታዊ ኳ እንተኾነ፡ ጃለ ክንስና፣ በቲ ዕጥቂ መግዛእቲ ዘፍትሐ ተጋዳላይ ካብ ምውርዛይ ክንቁጠብ፣ ሚዛን ኣበርክቶና ክንፈልጥ ይግባእ። ብቐንዱ ንቓልስን ተቓለስትን ብምቍንጻብ ተቓለስቲ ንኸይፈርዩ ኢና ነጓናድብ ዘለና። ገድሊ ገደል ምዃኑ እናዘንተኻ፣ መንእሰይ ወለዶ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዘይብሉ ምዃኑ ምንቃፉ ንባዕሉ ስግንጢር እዩ።

ካልእ ኣብ ግዜ ቃልሲ ዋላ ሃገራዊ ባንዴራን እውጅቲ ሃገርን እንተዘይነበረና፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ንጡፍ ቃልሲ ምንባሩ፡ ጀጋኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ከምዘለዉና ምፍላጥና ጥራይ፡ ርእሰ ተኣማንነት ህይበና ስለዝነበረ ከምዚ ሎሚ ኣብ ሰሃራን ሲናይን ቀለልቲ ግዳያት ሸፋቱን እንስሳታትን ኣይንኸውንን፡ ኣይንዋረድን ኔርና። ብቐንዱ፡ ከከም ግዚኡ ክብ ለጠቕ ይነብሮ ይኸውን እምበር፡ እቲ ናብ ሜዳ ዝውሕዝ ካብቲ ናብ ስደት ዝመሉቕ ዝበዝሓሉ መድረኻት ‘ውን ነይሩ እዩ። ሎሚ ግን ሳሕልን ባርካን ኣብ በቦትአን ‘ኳ እንተለዋ፣ እቲ ኤርትራዊ ናይ ቃልስን ተወፋይነትን መንፈስ ግን ካብ ቦትኡ ሃዲሙ’ ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ስደት-ስደት ጥራይ ኢና ንሽትት ዘለና። ስለዚ፡ “ገድሊ ገደል” ዝብል ጽውጽዋይ ክንደጋግም ካብ እንነብር፡ ኣብ መንጎ ስደትን ገድልን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርና፣ ሚዛናዊ ፍልጠት ኣበርክቶን ሕጽረታትን ገድሊ ብምቕራብ ናይ ቃልሲ መንፈስ ክንኵስኵ ይግባእ።

ካልእ ዘመተ ምክሽማሽ ገድሊ ወትሩ ጎስዩዎ ዝሓልፍ ቁምነገር ተጋዳላይ፡ ካብ ድሮ ናጽነት ኣትሒዙ ክሳብ ‘ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ብጥልመት መብጽዓታት ናጽነት ዘየደቀሰ ተጋዳላይ በብግዚኡ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን ህግደፍን ፊትንፊት ገጢሙ ምብድሁን ካልኣይ መስዋእቲ ምፍጻሙን እዩ።

ኣብዚ ህዝበይ 10 ሽሕ ማይልስ ኣብ ወጻኢ ርሒቓ ክንሳ፡ ብፍርሒ መልሓሳ ኣብ ኣፋ ቆሊፋ እትኸደሉ ዘላ ናይ “ንግዚኡ ተበለጽ፡ ግዜ ምረጽ” ዘበን፡ ተጋዳላይ ኣብ ቅድሚ ዓረርን ሰንሰለትን ናይቲ ጠላም ስርዓት ህግደፍ ኣርባዕተ ዙርያታት ተቓውሞ ኣካይዱ፣ ተመቝሑን ተሰዊኡን እዩ። 1993 ኣድማ ተጋደልቲ፡ 1994 ብስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ፡ 2001 ጉጅለ 15፡ ኣብ ጥሪ 21 2013 ወዲ ዓሊ ዝተሰውኣሉ ስርሒት ፎርቶ እቶም ርኡያት ኣብነታት እዮም። ኣብ ኣርባዕቲኡ እዋናት ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኣይተኸተሎምን። ኣብ ግዳም ከኣ፡ ኣብ ኵናት ዘይወዓለ በሊሕ ከምዝብሃል “ከምዚ ዘይገበሩ ‘ባ ከምቲ” እናበልካ ምውርዛይ ኣየቋረጸን። ገለ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንሰላማዊ ሰልፊ ካብ ኵናት ንላዕሊ ዝፈርሑዎ ሰባት፣ ነቶም ህይወቶም ወፍዮም ዓቕሞም ዝገብሩ ተጋደልቲ “ክጽግኑ ጥራይ’ዮም ሓሲቦም፣ ዘይንርእሶም ከምኣቶም እዮም ነይሮም” ኢሎም ክነኣእሱ ምስማዕ ከኣ ልሙድ እዩ።

ንኤርትራ ገድሊ ኣይፈጠራን። እንተኾነ፡ እቲ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብና ሓቢሮም ዝተቓለሱሉ ባይታ፡ ሓድነትን ሃገራዊ መንነትን ኤርትራዉያን ኣብ ምሕያል ካብ ዝኾነ መድረኻት ሃገርና ንላዕሊ ጎሊሑ ዝርአ እጃም ከምዝነበሮ ኣየማትእን። ምቍንጻብ ገድሊ ኸኣ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ናይዚ ሃገራዊ መኽሰብ’ዚ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ስርዓት ህግደፍ ህላወ ምዝጉባት ተቓወምቱ ኣብ ወጻኢ ኣይተፈለጦን። እቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ኣብ ውሽጡ ዝፈልሑ ተቓውሞታት ተጋደልቲ ‘ዮም ኣሰንቢዶሞን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮ ተሰማዕነት ፍሒቖም ኣፍኵሶሞን። ሕጂ ‘ውን ቀንዲ ስግኣቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር እዩ።

ኣብ’ዚ ህዝብና ተስፋ ቆሪጹ፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ውልዕ ጥፍእ እትብለሉ ዘላ እዋን፡ ክብረት ተጋዳላይ ካብ ምክልኻል ንላዕሊ፡ ተሪፉዎ ዘሎ ሓይልን ተሰማዕነትን ኣኻኺቡ ድፍኢት ብምግባር ኣብ ድሕነት ኤርትራ እጃሙ ከበርክት እምብኣር፡ እዚ ናብ ተጋዳላይ ቀኒዑ ዘሎ መጥቃዕቲ ከዕርፍ፡ እቲ ዝርካቡ ተጋዳላይ ንገዛእ ርእሱ ተስፍኡ ኣበራቢሩ “እንታይ ገደሰኒ” ኣብ ክንዲ ምባል ነቲ መጭወይቲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣእጕሉዎ ዘሎ ናጽነት ከድሕን ክንቀሳቐስ ይግባእ። ምናልባት ኣብዚ “ተጋዳላይ” ኢልና ነልዕሎ ዘለና፣ ነቲ ዘይበለየ ፍልልይ ብንጹር ክንዛረበሉ ስለዘለና እንተዘይኮይኑ፣ ድሕሪ ዒስራ ዓመት ተጋዳላይ ዘይተጋዳላይ ኢልና ክንፈላሊ ‘ውን ግቡእ ኣይኮነን። ንተጋዳላይ ነበር ተርኡ ከም ሓደ ሓላፍነታዊ ዜጋ እምበር ከም ጉጅለ ክንጽበዮ ኣይግባእን።

ሓደ ካብቶም ተስፋን ናይ ቃልሲ መንፈስን ንምብርባር ዝሕግዙ ስጉምታት ኣብ ኩሎም ኤርትራውያን ወገናት ህዝቢ ይኹን ተቓወምቲ ሓይልታት ዘሎ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ከምዘብቅዕ ምግባር እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ መብዛሕትኡ ህዝቢ ይኹን ተጋዳላይ ነበር ንተቓወምቲ ብደገፍ ኢትዮጵያ ናብ ስልጣን ክመጽኡ ጭንን ዝብሉ ዘለዉ “ሓሙሻይ መስርዕ”፡ እቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ተቓወምቲ ብወገኖም ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተጋዳላይ መሳርሒ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ እዮም ዝርእዩዎ። እዚ ዘይምትእምማን’ዚ ዋላ ኣብቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ጀብሃ ነበር ዝዕብሉሉዎ ተቕወሞ ‘ውን ኣሰራት ከምዘለዎ ምስትብሃል የድሊ። ጂኦግራፍያዊ ህላዌና ይኹን ፖለቲካዊ ድሕረባይታና ብዘየገድስ ኩሉ ፍልልያትና ወጊና ከም ኤርትራውያን ኢና ክንላዘብን ክንወዳደብን ዘለና። ኣብ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ ዝተመስረቱ፣ ግዝኣተ ሕጊ፣ ፍትሒ፣ ጥምረትን ማዕርነትን፣ ሰብኣዊ ሓርነታት፣ ናጽነትን ክብረትን ዜጋታት ዝኣመሰሉ መትከላት እዮም ዓንድታት ቃልስና ክኾኑ ዘለዎም።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

28 ሓምለ 2009

እዚ ኣርእስቲ ‘ዚ ዝሓቖፎ ትሕዝቶ ድሮ ነዊሑ ስለዘሎ ብኽፋላት ክቕጽል እዩ። ኣብ ራድዮ ‘ውን ምስ ጽበት ግዜ ጽማቝ ትሕዝቶኡ ጥራይ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሰ – ምስቲ በጋጣሚ 20 ሰነ  ንተስፋን ቅብጸትን ኣድላይነት ስምረትን ብዝምልከት ዝቐረበ ዓንቀጽ ብቐጥታ ስለዝተኣሳሰር፣ ከም መቐጸልትኡ ክውሰድ ይከኣል።

2ይ ክፋል – ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዲዩ?

3ይ ክፋል – ምስምስ ብኢትዮጵያ፣ ብኣመሪካ፣ ብህግደፍ ጣቋ ኣለዎ ዶ?

4ይ ክፋል – መዋጽኦ — ዝብሉ ንኡሳን ኣርእስታት ናይዚ ዓንቀጽ ተኸታቲሎም ክስዕቡ እዮም።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Hzbi July 30, 2013

    Really great article, there is no more than this statement.

  • Samuel Girmay July 30, 2013

    ምቅዋም ብኣፍ ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ክስነ ኣለዎ ህግደፋዉያን ፈስቲቫልባ ተዋህዶ ብምፍንጫል ስርሖም እናካየዱ ሱቕ ኢልና ክሳብ መዓስ ኢና ንርኢ፡፡ እዚፈስቲቫል እዚ ናየ ቀቢጸ ተስፋ ናይ መወዳእታ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ እዪ ብኰመይ ከ ክፈሽል ኣለዎ እታዊ ገንዘብ ቀረጽ ይኵፈሎ ዶ? ኣይፋልን ኩሉ ስርሖም ማፍያዊ ስለዝኮነ ዝምልከቶም ናይ ቀረጽ ትካላት ብፍላይ ናይ ዩናይትድ ስተት ክሕበሮም ኣለዎም ቀላል ክተፍሽሎም እትክእል፡፡

    • Leah Negash,Sw July 31, 2013

      Samuel or what you name it;
      We said before and now again Eritra is for Eritrawiyan,fullstop!!We know on early age what your boss ayate sibaht Nega have on his secret package?
      The China wall are already there and our heart has gone forever.shamfull Tigraway!

  • semie belay July 30, 2013

    anta resah agame imbar weyane missegåguka nitegaday zekirkayo hiji imber niska dea weyane bgenzebom zigezuka usub tgraway mikuanka kulu yifelteka leflafee imber tigrigna dea dehan ika sala EPLF temahirka gin bigenzeb weyane teasibkka wala teleflefka zisemaka yelen!!!!!!!!! kelbi weyane!!!!!!!!!!

    • galaxy July 31, 2013

      Anta nai talian meakor hatsbi hamassien. Anta lemani sidud. sidetegna, adi kemzeblu kertet zibl.
      Denkoro. Dish washer.
      Who is feeding your 80 000 sidudat and lementi?
      250 000 hamassien migrants and beggars all over the world. No, education, no vision. detoriarating downspiral from time to time.
      Isayas who is more 75% agame orgin is f*****g you for more than 50 years. idiots!

      • Eritreawit August 1, 2013

        galaxy,
        Slow down, we fed your people for more than 100 years, you did it for less than 10 years, thanks for that. one question though why are you people in our business? FYI Isayas is 100% Temben and many are in Eritrea now days, but that is not the point. WE DON’T WANT YOU PEOPLE , WE ARE FREE COUNTRY. And just enjoy the temporary relaxed situation in your country, i hope it will continue for ever but your country is a 3rd world country you will never know what tomorrow will bring to you or for you?
        ERITREA WILL PREVAIL.

  • Samuel Girmay July 30, 2013

    በላይ ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ መንነት ቅልዉላው ዘሎካ ኣምላኪ ዉልቀሰብ ኢካ ሓቂ ጸላዕላዕኣቢሉካ ገና ህዝባዊ ግንባር ህግደፍን ፈለ እበየለዉ ጀጋኑ ምስረቲ ህዛዊ ግንባር ሕተት እንታ ደንቆሮ፡፡

  • rti July 30, 2013

    agame zbhal kal nai denakur iyu. kemei intebelka, kab wereja agame zeiwld hwswas meseretu zeifet shankila iyu iyon zblu. agame zbel wedi Eritra iti tesfa zkoretse denkoron hamamn iyu ilom itom kab awraja agame zmetsu kemu ilom ytserfuna. nezik intai tbllsemie belai?

  • Kidan21 July 30, 2013

    Amaunel I like the article it is honest and clear and well articulated statment. But Eritrean politics is far complicated than the one you mentioned it. There are people who doesn’t care what happened in Eritrea, they are more concerned about regional issues. Look what is going on around the churches. They are always pointing their figure towards one awraja, look G15 case the same thing, anything comes hgdf is fingering on one awraja. This is a reality. we need to speak about it and expose the truth rather than ignoring it. These are the people creating problem among the youth. we are always afraid to speak about awraja particularly the three awarjas in the highland. We need openly discuss then people will start to realize that otherwise hgdf is saying akleguzay Vs Hamassin, very backward attitude but there are still people who have that bad virus in their blood. Hgdf is trying to inffect this virus to whoever they meet on their way. Akleguzay and Hamssine are under the same tyrant they are losing their chilren, properties, land so on…..but for some they believe these outdated propoganda. I wish if you focus on this issue in the coming months. I donot know what will be the last solution.

    • Said July 30, 2013

      Mr. kidan , what do you trying to say, you’re a statement is not clear, as far as we know, the ship is sinking, weather the Highland or the lower land whatever land, someday or maybe have to look for it in the deepest sea, the point is unity. united against dictator.

  • kaleab July 30, 2013

    ጉዳያት ክለዓሉ ኸለዉ ኣብ ክንዲ ምስ መሰረታዊ መትከላት ኣነጻጺርና ብነጻ ኣእምሮ እንምርምሮም፡ “ተጋደልቲ ‘ዮም ገባር ባ፡ ኣስላም ‘ዮም ክርስትያን ‘ባ ፡ ሓማሴን ‘ዮም ኣከሎጉዛይ ሰራየ’ባ፡ ሻዕብያ’ዮም ጀብሃ ባ፡ ኢትዮጵያ ‘ዮም ኣመሪካ ባ….እቲኣቶም፡ እቲኣቶም፡ እቲኣቶም…” እናበልና ዋጋ ዘይብሎም ጽውጽዋያት ኣብ ምንብድባድ ተሓጺርና ካብ ቃልስን ተወፋይነትን ከነድሓርር ንነበር ኣለና። እቲ ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ከኣ፡ ዝገጥሞ ስሙርን ተሪርን ግንባር ስኢኑ፡ ፍልልያትና ብምምዝማዝ ኣብ ኣፍደገ መቓብሩ ትልኽ እናበለ ይጻናሕ ‘ሎ።

    ብርግጽ እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ኣብ ሕብረተሰብና ተኣፈፍቲ ተባሂሎም፡ ኣብ ወግዓዊ ኣኼባታት ክለዓሉ ከለዉ ከም ነውሪ ሰብ ዘጠማምቱ ዛዕባታት እዮም። ኣብ ጽሙው ዝበለ ዕላላት ኤርትራውያን ግን ካብ ብዛዕባ’ቲ ቀንዲ ጉዳይ ብዛዕባ’ዚኣቶም ዝዝረብ ይበዝሕ። ስለዚ፡ ካብዚ ኣብ ኤርትራውያን ፋሽን ኮይኑ ዘሎ ድርብ ሰብ ኴንካ ናይ ምንባር ምስሉይ ኣመላት ውጽእ ኢልና፡ ነዞም ነገር ዝሓላልኹልና ዘለዉ ዛዕባታት ብሓቂ ኣንጉዕን ትሕዝቶን ዘለዎም ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ብርትዓዊ መንገዲ ክንምርምሮም ይግባእ።”
    ezom gudayat ezieAto men abegisiwom bizeyegedis.nezi kunet keyelgeska hayal poleticawi yikun mahiberawi srah kitserih ashegari eyu silezi nezi nimftah kiwised zelowo xaEri keday elama ertirawi mahber kikewin alowo.

  • Stefanos Temolso July 31, 2013

    ኣነ ሓደ ብዛዕባዞም ነሕዋቶም ኤርትራውያን ዓጋመ ወይ ወያኔ ዝብሉ ሓደ ዝገርመኒ ነገር ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ ትግራይ ዝውለድ መራሒ ሓቝፎም ከብቅዑ ንዝኾነ ተቓዋሚ ዓጋመ ምባል ከይኣኽሎም፡ ንዝኾነ ካብ ዞባ ደቡብ ዝውለድ ዓጋመ ክብሉ ዝስምዑ’ውን ኣለዉ። እዞም ሰባት’ዚኦም ጆግራፍ ወይ ካርታ ኤርትራ ስለ ዘይፈልጡዎ ድዮም? ዝብል ሕቶ ክትሓትት ዘገድደካ ሓደገኛ ዘረባ እዩ። ብሰንኪ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰንኮፋት ሰባት ሰፊሕን ታሪኻውን ዝኾነ ክፋል ኤርትራ ልኡላዊ መሬት ኢትዮጵያ እዩ ይብሉ ከም ዘለዉኸ ይርድኦምዶ ኾን ይኸውን? እዚኣቶም ይረድኣዮም ኣይረድኣዮም ናይ ኢሳያስ ኣጀንዳ ዘሳስዩ ዘለዉ ክፈልጡ ኣለዎም። እዚ እንተ ኾይኑ ድማ ወያነዶ ባድመዶ ኢልካ ምምስማስ እንታይ ፋይዳ ክህልዎ ይኽእል? ኣብ መጨረሽታ ክብሎ ዝደሊ፡ ዓለም ኣብ ኣዝዩ ምዕቡል መድረኽ ተሰጋጊራትሉ ዘላ ወቕቲ ኤርትራውያን ኣብ ክንዲ ሕድሪ ስዉኣት ብምኽባር ፍትሕን ማዕርነትን ዝነገሳ ሃገር ክንሃንጽ ኣብ ክንዲ ምፍታን ኣብ ነንሓድሕድና ብወገንን ብናይ ፖለቲካ ቍርቍስ ንወናጀል ምህላውና እዩ። ኢሳያስ ድማ ንሱ እዩ ዝደሊ። ንዓና ከም ዘይበሰሉ ቈልዑ እናባኣሰ ንሱ ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ኵጢጥ ብምባል ንዝንተዕለት ክገዝኣና። ኣቱም ሰባት! ህዝቢዶ ኣይኮንናን! ቍሩብ ፍሕትሕት ክንብል ኣይንኽእልን። ካን ኣኺሉና ኣብ ገዛእ ሃገርና ከም ባራዩ እናተገዛእና ጠይቂ ኴንና ክንነብር? ኣብ ካልእ ሃገራትኮ ኣብ ዋጋ ነዳዲ 10 ሳንቲም ወሲኻ ኢሎምዮም ሰፋሕቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ብምግባር ንመንግስታቶም እሺ! ተጋጊና ዘብሉዎም። ንሕና ድማ ጸላእትና ኮፍ ኢሎም ከለዉ ወያኔባ! ህግደፍባ! ወይጦ! ዓጋመ ክንበሃሃል ሃገር ብከንቱ ነጥፍኣ ኣለና። እንቋዕ መቓብር መስኮት ሃልዩዎ ስዉኣትና ርእሶም ኣቐልቂሎም ዝርእዩን ዝሰምዑን ኣይኮኑ። ናይ ኤርትራውያን ነገር ሃየንታ ዘለዎ እዩ። እምበር፡ መንእሰያት ካብ ግዱድ ዕስክርና ንኽሃድሙ መፍቶ ሳሃራን ባሕርን በደዊንን እናኾኑ ከለዉ፡ ሃገር ብስእነት ነዳድን ኤለትሪክን ማይን መሃነና ጠፊኡዋ ከሎ ህግደፍ! ኢሳያስ! ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ኣይበሃልን እዩ። ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቈላ ስለ ዝኾነ ግን ውሑዳት ሃርጋፋት ንግዝያዊ ጥቕሚ ክብሉ ገለ ድማ ናይ መንነት ቅልውላው ስለ ዘለዎም ጥራይ ንደቂ ሃገር ኣጋጭዮም መታን ክነብሩ ኣብ መንጎና ተሰግሲጎም ነዚ ኣዕናዊ ፈላላዪ ኣጀንዳዚ የሰጕሙ ኣለዉ። ስለዚ፡ ነዚ ዅሉ ተረዲእና ካብዚ ሃናጺ ጽሑፍዚ ክንመሃር እላቦ። ኤርትራ ውዒላ ሓዲራ ብጀጋኑ ደቃ ፍትሕን ሕግን ዘለዋ ክትከውን እያ። ስርዓት ህግደፍ ዘይኮነ ስርዓት ሂትለር ሶቬት ሕብረት፡ ጃንሆይ፡ ደርግ ከይተረፉ ወዲቖም እዮም። ኣብ መጨረሽታ ድማ ነቶም እናሰምዑ ዘጽቀጡ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ኢና በሃልቲ ካብ ናይ 22 ዓመት ድቃሶም ተበራቢሮም ከም ሓደ ሰብ ብምዃን ንህዝቢ ክጥርንፉ ወይ ድማ ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ ቦታን ውድባትን ኣስማቶም ክሓኩ እምሕጸኖም። ብሃገር ጸወታ የሎን። ከምቲ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝግበር ሃገር ኣቐዲምኩም ጕዳይ ውድባትኩም ድሕሪ ሃገር ስርዑዎ። ጀብሃ/ህግሓኤ ዝብሃል ፖለቲካ ገዲፍኩም ከምቲ ናይ በኦኣል ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣንን ወልደኣብ ወልደማርያምን “ኤርትራ” ኢልኩም ተስኡ። ብልዕን መስተን ሓላፋይ ስለ ዝኾነ ክትበልዑ ክትሰትዩ ክትብሉ ሃገር ኣይትረስዑ። ሰብ ዝኾነ ክሳብ ዝኽዕበኩምን ፎእ! ኢሉ ናብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ክሳብ ዝድርብየኩም ኣይትጸበዩ። ኤርትራ ክትዕወት እያ! ፈላለይቲ ወደቕቲ እዮም!

  • Mesinas July 31, 2013

    ኤማ ናይ ብሓቂ እዚ ብሰፊሕ ገሊጽካዮ ዘለኻ ኣርእስቲ፡ ንኹሉ ልቢ ዘሎዎ ማለት ፋህም ወይ ድማ መስተውዓሊ ዚኾነ ሰብ ድሕሪ’ዚ መግለጽን መብርህን ዘድልዮ ኣይመስለንን። እዚ ጽሑፍ እዚ ንኹልና ኣፍና ዘትሕዝ ድሁድ(ልጓም) እዩ ኪበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ፡ ካብዚ ንላዕሊ ጽሒፍናን ተዛሪብናን ንዘይነቐሐ ከነንቅሕን ከነረድእን ስለ ዘይንኽእል! ናይ ብሓቂ ሓያል ትንታነ። “ቈርበት ብዕንጉለ ይምለጥ፡ ጐራሕ ብዘረባኡ ይፍለጥ!” ከም ዚብሃል፡ ብሓቂ በሊሕን ሓያልን ሰብ ኢኻ። ብፍርያትካ ብተግባር ዘመስከርካ ጅግና ሓበን ህዝብን ሃገርን ኢኻ! ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ልዑል ፈጣሪ።

  • kib July 31, 2013

    ብጣዕሚ ጽቡቕ Article. well said.እንተኮነግን ቡዙሕ ስብ ምድጋፍ እንታይ ማለት ‘ዩ ዝተረደኦም ኣይመስለንን. ድሕሪ ምውዳቅ ሰረዓት ህግደፍ፡ the so called ደገፍቲ ህግደፍ ክህልዎም ዝኪእል political influence ብርግጸ ቱሑት ኪኽውን ‘ዩ. Make no mistake. ህዝቢ ኣምሓራ ከም ንኣብነት እንተድኣ ርኢናዮ ሲሪዓት ደርግ ሺሕ’ካ ንኩሉ ህዝቢ ኢትዮጲያ ብማዕረ እንተበዶሎ ህዝቢ ኣምሓራ ክም ናቶም ሲረዓት ወሲዶም ዳንኬራ ደርግ ይሃርሙ ኔሮም. ክም ሳዕቤኑ ክኣ ዘለዎም political influence ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ቱሑት ‘ዩ. Dark history has severe consequences politically, economically and most of all morally. No one can escape this aftermath, I don’t care how strong you are. It’s Universal fact. What goes around comes around in action.

    Although I can’t state the following accusation that all people of ሓማሴን supports ህግደፍ the mainstream people of ሓማሴን do support ህግደፍ. Off course my accusation doesn’t and can’t include to the people of ሓማሴን who are in Eritrea. Simply because it’s been 8 years since I left the country and hence I can’t claim they are. However the mainstream people of ሓማሴን who live abroad do support ህግደፍ.

    Just because he/she roared for democracy and justice , he/she are being called ዓጋመ. we all heard what being said in the recent ኣኬባ ብህግደፍ ንህግደፋውያን held in USA.

    “እንታይ ደኣ በዚሖም ኢልና እንተ ሓተትናስ፡ መብዛሕቲኦም ተጋሩ ኮይኖም ጰኒሖም”.
    My point is not to emphasize to being called ዓጋመ. Personally I don’t think is a problem or a different thing to be from ትግራይ. Not at all. But rather to emphasize that ጉጀለ ህግደፍን ደገፍቱን doubts our Eritreanism. One may say,so what they can’t take it away from us though! Absolutely true. But to have being said these words from one of the elite members of ህግደፍ is shocking and disturbing. No one can miss to whom this words are aimed for. when are we going to stop from being seen as controversial? we all know who is in the mind of ህግደፍን ደገፍቱን when they hear the word opposition. ኣከለጉዛይ.

    we the people of ኣከለጉዛይ are not doing this only for the people of ኣከለጉዛይ. We are doing this for all of us. As a matter of fact the mainstream Eritreans from most parts of Eritrea are against ህግደፍ. Not just people of ኣከለጉዛይ. But even if we were us ( ኣከለጉዛይ)only, we would have done the same thing as we are obligated morally to stand and raise our voice for all the voiceless people of Eritrea. No ifs or buts. We paid almost half of the 60,000 ሓርበኛታት and I don’t think no one can miss the reason why we paid such መስዋእቲ. And after all this and other costs, we are being seen as less Eritreans? Why the heck one can accept and entertain such ideas in their minds?

    It’s not a question that we will stand firm against ህግደፍ no matter what are being said and will be said but it would be much easier if the people of ሓማሴን keep away themselves from entertaining sectarianism. They should understand that the road they are marching with is very sensitive and danger. They should and must understand sectarianism will kill our future civilization as a society.

    For God sake we were brothers and sisters and we should always remain that way no matter our political differences. Supporting ህግደፍ is a moral thing. Every one of you surely knows that no one will touch you just because you have supported ህግደፍ and that is why you are doing what you are doing now. However entertaining sectarianism is different world.It’s on another level. It’s the worst thing a society can do. It will have massive consequences and you will pay for it unless you stop it quickly. Personally I don’t care about your politics view, I don’t give a damn whether you will keep supporting
    ህግደፍ or not.

    My advice:
    please let’s keep our friendshipness as before. let’s not hurt each other. It won’t suit for both of us.

POST A COMMENT