Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ''ኣነ ካብ ኩሉ ቃል

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ

(A culture of futile antagonism)

ኣማኑኤል ሳህለ

ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ”ኣነ ካብ ኩሉ ቃል ደስ እትብለኒ ኣላ፡ ንሳ ድማ ስምረት እትብል ቃል እያ” ኪብለኒ ይዝከረኒ። ከምዚ መበሊኡ ምናልባት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚርእዮ ዝነበረ ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ብምዝካር ዶኾን ይኸውን? ኤርትራውያን ከይሰማምዑ ተስማሚዖም እዮም ዝበለ ሓቀይ ንሱ ዲዩ?

እዚ ናይ ምስሕሓብ ባህሊ ግን ካበይ ዘጥረናዮ እዩ? ንምንታይ እዩኸ ካብ ባህርና ከልግስ ዘይከኣለ? ካብ ኣቦታትና ሰጊሩስ ናብ መንእሰያትና ሓሊፉ። ዳርጋ ንኹሉ ኣኼባታት ብኩራን ብባእስን ምዝዛም ሃገራዊ ጠባይና ኮይኑ። ካብቲ ዚብሃል ዘሎ ቆንጢርካ ወሲድካ፡ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ፡ ነቲ በቲ ሰብ ዚቐርብ ሓሳባት ዘይኮነስ ብዛዕባ’ቲ ሰብን ብዛዕባ ድሕረባይታኡን ዝያዳ ምግድሳስ፡ እዚ ኩሉስ ኪእረም ይኽእልዶ ይኸውን?

ኣብ እግረመገደይ ክብሎ ዚደሊ ነገር ግን ኣሎ፡ ንሱ ድማ ገለ ኣንበብቲ ነዚ ሕጂ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ዓንቀጻት ብምምልካት፡ ነቲ ዝሓለፈ ርእይቶታተይን መርገጺታተይን ንኽእርም ወይ ንኸመኻኒ ዘቕርቦ ዘሎኹ ናይ ጣዕሳ ወይ ኑዛዜ መልእኽቲ ገይሮም ዚወስዱዎ እንተ ኣለዉ፡ የዋህነት ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። ንሓቂ እምበር ንኽትፍቶ ወይ ንኸይትጽላእ ኢልካ ምጽሓፍ ካብቶም ንወድሰብ ዘሕስሩዎ ባህርያት ሓደ እዩ። ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎን ዝጸሓፍኩዎን ብድሕሪ ሕጂ’ውን ዝብሎን ዝጽሕፎን ነቲ ዝኣምነሉን ሕልናይ ዚድርኾን ነገራት ንምግላጽ እንተ ዘይኮይኑ ምንም ካልእ ዕላማ ከም ዘይብሉ ኩሉ ኣንባቢ ወይ ሰማዒ ኪፈልጦ እደሊ። ኣለዎ ዚብሉ እንተ ኣለዉ ግን፡ ንኸይሓስቡ ክዓግቶም ስለ ዘይክእል፡ ናጻ እዮም።

 

ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምላስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ዚረአ ባህርያት፡ ምህዋኽን ቀልጢፍካ ምርሳንን እዩ። ንሓደ ነገር ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እተጻርዮ፡ ኣብ በለካን ለኽዓካን ምምርኳስ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምንባብ ምትኳር፡ ናብ ወረን እተባህለን እዝንኻ ምጥዋይ። ህድእ ኢልካ ንነገራት ዘይምትንታን። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘራኽበካ ነገራት፡ ነቲ ዝፈላልየካ ነገራት ሃሰው ምባል ወዘተ.። ከምዚ ባህርያት ምህላው ወይ ሒዝካዮ ምቕጻል፡ ብኻልእ ሰብ ክትውረርን ክትግዛእን ክትጭቆንን መገዲ ይኸፍት እዩ፡ ንርእሰ-ምሕደራ እውን ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብናተይ ኣረኣእያ (ጌጋ እንተለዎ ክእረም ድሉው እየ) ከምዚ ዓይነት ባህርይ ዘጥረናሉ ምኽንያት ወይ መሰረት ኪኾኑ ዚኽእሉ፡ ካብ ብዙሕ ገለ ክጠቅስ እደሊ፥

ሀ. ናይ ብሄራትና ጉዳይ /ህዝባዊ ኣቃውማ

ኣብ ፊዚክስ፡ ሰንትሪፔታልን (ንውሽጢ ዚስሕብ)፡ ሰንትሪፉጋልን (ንደገ ወይ ንግዳም ዚስሕብ) ሓይልታት ከም ዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ። ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ኪህልዉዋ ከለዉ መብዛሕትኦም ብሄራትና ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ብሄራት እውን ይዛመዱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዚነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ኣፋር፡ ኢሮፕ፡ ኩናማ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ምስ ሱዳን (ከም ህዳረብ) ወይውን ምስ ስዑዲ ዓረብ (ከም ራሻይዳ)። እዚ ናትና ህዝባዊ ኣቃውማ’ዚ ኣብቲ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ፍሉይ ተርእዮ እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራ ጎሊሑ ድማ ይረአ። ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብተን ብሄራት ንውሽጢ ዚስሕብ፡ ወይ ሰንትሪፔታል (ኤርትራውነት ዘድልድል) ከምኡውን ንደገ ዚስሕብ ወይ ሰንትሪፉጋል (ኤርትራውነት ዘዳኽም) ድራኸታት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እተፈላለዩ ብሄራት ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝምድናን ምትእስሳርን ኪስምዖም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ዚርእዩ፡ ንደገ ኪርእዩ ይድረኹ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ ንውሽጢ ኪርእዩ ይግደዱ (ብፍላይ ኣብቲ ሃገራውነት ዚስፍነሉ እዋናት)። እዚ ስምዒታት’ዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብንጹር ዚረአ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ጠንቁ ግን ብእተፈላለየን ብረቂቕን መገዲ ጽልዋ ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ኣብቲ ናይ ምስሕሓብ መንፈስና ወይ ድራኸና ድማ ነዊሕ እተጓዕዘ ሳዕቤን ከይገደፈ ዝተረፈ ኣይመስለንን።

 

ኣብ ልዕል’ዚ ናይ ርእሰ-ምሕደራ ጸገማት’ውን ኣሎ። ኤርትራ ከም ሃገር ኮይና ዝቐጸለት ጣልያን ምስ ኣተወ እዩ። ቅድመኡ፡ ብባሕሪ ነጋሻት ትመሓደር ነይራ፡ ግን ምስቲ ማእከለይ መንግስቲ ሓበሻ ዝነበራ ርክብ ኣቋሪጻቶ ኣይትፈልጥን። እዚ ናይ ባሕሪ ነጋሽነት ምሕደራ፡ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ብንጉስ ፋሲለደስ ኪፈርስ ክኢሉ፡ ብድሕሪኡ ግን ክሳዕ ጣልያን ዚመጽእ፡ ታሪኽ ኤርትራ ናይ መሳፍንትን ናይ ወረራን ታሪኽ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ብናይ ምሕደራ መዳይ፡ ናጻ ኮይኑ ነብሱ ከመሓድር ዝጀመረ ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ጥራይ እዩ።

 

ልክዕ’ዩ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኤርትራ፡ ዓዳውን ወረዳውን ምምሕዳርን ደሞክራስያዊ ኣገባባትን ነይሩ እዩ። ብሃገር ደረጃ ግን ኣይነበረን። በዝን ክንድዝን ኣብቲ ሃገር ድልዱል ፖለቲካውን ቁጠባውን ሰረት ዝነበሮ ማእከላዊ ምምሕዳርን ጥምረትን ዝነበረ ኣይመስለንን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ጥምረትን ምትእስሳርን ሃጓፋት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ።

 

እዚ ሕጂ ዘሎ መራሒ፡ ንኤርትራውያን ኪንዕቕ ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይምስምማዕና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዘስተውዓለሉ እዩ። ተቓወምቲ ኣለዉዶ ኢሉ ምስ ተሓተተ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ፡ የለዉን ብምባል እዩ ዝመለሸ። ሓቁ ከእዩ፡ ኪጻረፉን ኪቋየቑን ግዜኦምን ጉልበቶምን ዘሕልፉ ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ምህላዎም ንላዕሊ ዘይምህላዎም ዝያዳ ውጽኢት ይርከቦ።

 

ኣበይ`ዩ ዓዱ? ሃገራዊ ድዩ (ህግደፍ ድዩ ማለቶም እዩ)? ክርስትያን ድዩ (ገለ ”ንጎይታ እተቐበሉ” ዘቕርቡዎ ዘስደምም ሕቶ እዩ፡ ከምኦም እንተ ዘይኮይኑ ክርስትያን ኣይኮነን)? ዓጋመ ድዩ (ጸማም ሓደ ደርፉዶ ክንብሎም፡ ግን ከኣ ንሳ እያ ዓቕሞም፡ ንሳ እያ ነቲ ኤርትራውነቶም እትምስክረሎም)? ከምዚ እናበልካ፡ ሓድነትን ስምረትን ክትሃንጽ ኣይከኣልን። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ምኽታል ነታ ሓደ እዋን እንኮ ዕድልና ዝነበረት ማለት ፈደረሽን፡ ንኽትፈርስ ምኽንያት ከም ዝነበረ ረሲዕናዮ ዲና? ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስኒት ዘይምህላው ዘስዓቦ ታሪኻዊ በሰላታት ቍጽሪ የብሉን። ኣብ ሜዳ ከይተረፈ ንኤርትራ ናጻ ከውጽኣ እተመስረታ ክልተ ሓርነታውያን ውድባት እቲ ሜዳ ጸቢቡወንስ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ሰጒጓታ።

 

ለ. ናይ ጣልያን ወይ ናይ ዓረብ ውርሻ

ኣነ ኣብ ኤርትራ ክቕመጥ ከሎኹ (ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ኣብኡ ዓብየ)፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ጣልያን መጻሕፍቲ ከንብቡ ወይ ፖለቲካዊ ዘተ ከካይዱ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። ኪቋየቑን ከንጸርጽሩን ግን እርእይ ነይረ። ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምፍራድን ኣይፈልጡን። ህዉኻት እዮም። ካብቲ መደምደምታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚርካ ክሳሕ ሕጂ፡ መንግስቲ ከም ካምቻ ኪቕይሩን ኣብ ባይቶ ኪበኣሱን እዮም ኣሕሊፎምዎ። ክሳዕ ሕጂውን ናይ ምስምማዕ መንፈሶም ድኹም እዩ። እዚኣቶም እዮም ን60 ዓመታት ዝገዝኡና። ገለ ካብቲ ባህርያቶም ከይወረስናዶ ተሪፍና ንኸውን?

 

ሽሕኳ ብዛዕባ ጎረባብትናን በጻሕትናን ዝኾኑ ኣዕራብ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ዝኸብድኒ እንተ ኾነ፡ ብገለ ተመክሮን ብሓፈሻ ከኣ ብኣካልን ብመጻሕፍትን ከም ዝፈልጦምን፡ ናይ ዓቕልን ልዝብነትን ባህርያት ይጎድሎም እዩ። ሕብረቶም ድኹም እዩ። ነታ ቀንዲ ጸላኢቶም ዝኾነት እስራኤል እኳ ሰሚሮም ከሕምቑዋ ኣይከኣሉን።

 

ከምዚ ዝበለ ባህርያት፡ ናብ ህዝብና ብገለ ሸነኻቱ ዝሓለፈ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሕና ኤርትራውያን ፈቲና ጸሊእና ናይዞም ክልተ ህዝብታት እዚኣቶም ከቢድ ጽልዋ ኣሎና። ጎረቤትካን ገዛኢኻን ኪጸልወካ ንቡር ስለ ዝኾነ።

 

ሰ. ናይ ጸላኢ ሸርሒ

ዝኾነ ይኹን ጸላኢ፡ ናብ ሃገር ሰሊኹ ቅድሚ ምእታዉ፡ ሰለይቲ እዩ ዚልእኽ። ብድሕሪኡ ድማ ኣደናገርቲ ይሰድድ። ናይዞም ኣደናገርቲ ስራሕ፡ ነቲ ህዝቢ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብዓድን ወረዳን ወዘተ. ምክፍፋል እዩ። ነቓዕ መንደቅ ንምፍራስ ግዜ ኣይወስድን። ነቓዕ ሕብረተሰብ ንምውራር ድማ ከምኡ።

 

ሃይለ ስላሴ ነዚ ሜላ’ዚ ግርም ገይሩ እዩ ተዋሲኡሉ። ፈደረሽን ንምፍራስ ድማ ተጠቒሙሉ። ደርጊ መታሕትን ከበሳን ብምፍላይ ንኤርትራ ኪጎዛዝያ ፈቲኑ። ሳላ ውፉይ ሓርነታዊ ቃልሲ ግን መደባቱን ውጥናቱን ፈሺሉ ተሪፉ። እቲ ሸርሒ ግን ኣየቋርጸን።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ መሪሕነት ኤርትራ ዚኽተሎ ዘሎ ሜላ፡ ከፋፋሊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ረቂቕን መርዛምን እዩ። ኣብ ኩሉ እዩ ዚዋሳእ። ኣብ ዩትዩብ፡ ኣብ ፈይስቡክ፡ ኣብ ናይ ተቓወምቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ናይ ወብሳይት ርእይቶ ዚወሃበሉ ዓውድታት፡ ኣብ ፓል ቶክ ወዘተ.። ካድረታቱን ወይጦታቱን ዓቀይታቱን ኣስማቶም ቀያዪሮም ናይ ጽሑፍን ርእይቶን ኲናት ከም ዘካይዱ ብምግባር፡ ኣብ ዝኾነ ዚወጽእ ዓንቀጻት ሃናጺ ዘተ ንኸይካየድ ንኺዓግቱ ህጁም ብምእታው ነቲ ናይ ርእይቶ ገጻት ናብ ዓውደውግእ ንኺቕይሩዎ ስልጠና ወይ ኮርስ ዝወሰዱ እዮም ዚመስሉ። ዘሕዝን እዩ።

 

እነሆ እምበኣር ክንቋየቝን ክንታረኽን ዓመታት ሓሊፉ። እቲ መሪሕነት ግን ከምታ ብኣኽላባት ዘይትደሃል ገመል ስቕ ኢሉ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሓደ ከምዚ ኢና ኪብል፡ እቲ ሓደ ከምዚባ ኢና ኪብል፣ ገለ ኣግኣዝያን ገለ ዓረባውያን፡ ገለ ደምብያውያን ኢና ኪብሉ፡ ገለ ዓጋመ እናበሉ ኪጻረፉ፡ ገለ ድማ ዓረባውያን ስዑዳውያን ኪብሉ ምድሪ መስዩ። ኣብ ምጽራፍን ምክሳስን ኣሒልፍካ ምሃብን ግዜን ጉልበትን ባኺኑ።

 

ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ኣለሊና ክንዲ ንወቅዕ፡ ነንሕድሕድና ክንተዃዀብ ግዜና ነሕልፎ ኣሎና። ነቶም ዚጋገዩ እናኣረምና፡ ነቶም ዚቃለሱ እናኣተባባዕና፡ ነቶም ስቕ ዝበሉ እናቐስቀስና ኣብ ክድኒ ንግስግስ፡ ነንሕድሕድና ክንናኸስ ጸሓይ ዓሪባትና። ንድኽመትና ዝረኣየን፡ በቲ ተናኻሲ ባህርያትና ዝሻደነን መሪሕነት ድማ፡ ካብ ምሒር ንዕቀት እተላዕለ፡ ብመራሒ ጸላኢትና-ነበር ሃገር ገይሩ ካብ እስራኤል ከስጉገና ይመጣጠር ኣሎ። ካብዚ ዚኸፍእ ውርደት ኪህሉ ይኽእልዶ?

 

ቀደም ኣምሓራ ክንብል ግዜና ኣሕሊፍናዮ፡ ሕጂ ድማ ዓጋመ፡ መውጽእ ኣፍና ኮይኑ። እቲ መሪሕነት ግን ከምቲ ዚብሎ፡ ናይ ምስሕሓብ ጠባይ ሃገራዊ ባህርይና ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈለጠን ዝተገንዘበን፡ ኩሉ እንገብሮ ከም ፊልም ወይ ከም ተዋስኦ ገይሩ ብምርኣይ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ብንዕቀትን ብኣሽካዕላልን ይዕዘበና ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
95 COMMENTS
  • meretse October 19, 2019

    ብምቅጻል ብዛዕባ እቶም ግዜ ሓሊዮም ጽሑፋት ከም ናይ መምህር ሓተታ። መብዛሕትና ደቂ ሰባት ነቲ ብዓቅሚ ከነርክቦ ዘይከኣልና ነገራት ብጸርፊ ጌርና ኢና እንረካክበሉ። ከምቲ ህበይ ምርካብ ንዝሰኣኖ ባናና “ብዓንቶብኡ ምሽምሽቲ” ኢኪ ኔርካ ዝበላ። እቲ ዘገርም ነቲ ብቋንቛ ኣዴና ዝተጻሕፈ ጽሑፉን ከናብሓና ምርኣይ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ካበይ ተበጊሱ ኢዩ ዝጸሓፎ ወይ እዚ ሪኢቶ ዘቀመጠ ዝብል ሓሳብ ኣሊዒልና ነብስና ንሓትት፡ ደድሕሪ ሓደ ዝሃቦ ሪኢቶ ተጓዕዝና ሆ! ንብል። ዘበን ኣብ ዓለም ክትቀያየር ኣበና ግን ወይከ? ንድሕነትና ዘበን ንፍለ። ንዝኮነ ዝተጻሕፉ ሓብሬታታ እዚከ ዕረ፣ እዚከ ዃዂቶ፣ እዚከ ደንደር፣ እዚከ ………… ወዘተ እንበልና ነቲ ቀንዲ “ሓዊ ባል ባል ዝብል ዘሎ ባርዕ ሓዊ” (bombshell ገዲፍና “ጠራዕራዕ” (firecracker) ግዜና ኣይንቅተል። ምክንያቱ ንባዕሎም እቶም እንቀርቦም ዘሎና ምክንያታት ብዘባናት ዝተፈላለይ ኢዮም ፤ ማለት ካብ ዘበነ ውቤ ክሳብ ዘበነ ኢሰያስ ዘሎ ተረክቦታት ክንገልጽ ናይ “ያላካ” ጸዋዒት ኢዩ ዝስምዕ። እንበብቲ ከየሸልቹ በዛ ሃጻር ግጥሚ ንግዝይኡ ክዛዝም
    ደቂሱ ጸኒሑ ብዓቢኡ ርእሲ
    ንእግሪ ይሓሚ ተሰካሚ ነብሲ (ድሕሪ ምብርባር)
    ናይ ውሽጢ ናይ ደገ ዕረፉ ደያኑ
    ግዜኡ ኣኪሉስ ሆያ ሆየ ኮይኑ
    ጨርቒ ተሰሊምካ ምውራድ ንዕዳጋ
    መዓልታ ኣኪሉስ “ሳንቲም” ኮይና ዋጋ
    ኦ በሉ በሉ ……… ኣብ ርክብ

  • Danilo October 21, 2019

    Simon G, you got it through. I really appreciate to hear you on this forum because you are part of us.

  • meretse October 24, 2019

    ሓው ዳኒ
    ዕደመ ሳይሞን ጂ ብኣይ (c/o) ጌርካ ድካ ክትሰዳ ደሊካስ ዋላ እንታይ?
    ቀጺለ
    ሓው ኢሰያስ ኣብ ጎደናታት መቀለ ምስ እቲ ሓው ዝኮነ ህዝቢ ሸናዕ ክብል ይደሊ ኢዩ። ዊዒሉ ሓዲሩ ኣበይ ከይተርፍ፣ ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ። ኣየ ደገፍቲ ህግደፍ??? እንታይ ክብለኹም ካብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኹኩም ሓሊፈ። ክደግመልኩም እምበር ካብ ወረደ፡ ምኽሪ ዓቢ ሓው ንመሮኣቱ ገዲፉ፡ ሙሉእ መዓልቲ ደገ ዊዒሉ ደገ ዝሓደረ ፡ >>>> ልቡ ሕርር ኢሉ ሓዲሩ፡ ኣንታ እገለ ሓወይ ንዓካ ረቢ ፡ ዓይኒ ሂቡዃ ፣ እዝኒ ሂቡዃ፣ እግሪ ኢድ ሂቡዃ፣ ኮታ ኩሉ ኣካላት ሰብ ሂቡዃ፤ እቲ ረቢ “ልቢ” ክህብ ከሎስ ኣበይ ኔርካ በሎ። ደገፍቲ ህግደፍ እንስሳ ከይንብሎም፡ መሳርዕ ሰብ ሒዞም ፡ ሰብ ከይንብሎም ከኣ ምስ ወዲ ሰብ ዝመዛዘን ልቢ ዘይብሎም ኮይኖም። ወረ እንታይ ኢልካ ኢዮም ዝጽውዑ? ንደገፍቲ ህግደፍ መጸውዒ ስም ኣሪጉኒ ፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡፡

    • Danilo October 25, 2019

      ሓው መረጸ
      ብፉጹም ! እንታይ ድኣ፡ከምቲ ንዓኻ ዝብሎ ( ብድሓን መጻኻ ) መርሓባ ንምባል እየ።

  • meretse October 25, 2019

    Brother Dani
    It was just for a smile. That wasn’t serious. But, I also hope Simon G is doing good and have a slight interest joining our discussion.

    • Simon G. October 26, 2019

      Greetings, friends!
      I am banned.

    • Kifaya October 30, 2019

      Brothers,
      I replied to resend this morning and moderator deleted after 5 mins. Could understand it. Will. Their wish granted.
      Simon G.

  • NB October 27, 2019

    It seems that we are trying to blame the Arabs and Italians. To start with the question is wrong “kabey zetrenayo?” No one gave us that is how we are. That is not the solution. we need to confess and admit our weakness and sins.

  • NB October 28, 2019

    I am banned too.

  • rezen October 28, 2019

    Subject: ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ OCTOBER 9, 2019

    ንክቡር አማሓዳሪ አሰና አብ ታሕቲ፣ ብሽዱሽተ ሚእትን አርባዓን ሸውዓተን (647) ቃላት፣ ሓንጢጠዮ ዘለኹ ሓሳብን ምኽርን ካብ መጠን ንላዕሊ እንተኾይኑ ነዛ እዋን እዚኣ ጥራይ ሸለል ኢልኩም ክትሓልፉኒ ብትሕትናን ክብርን እልምን። ረዘን
    ____________________________________________________________

    Greetings, To My Good Old Friend, Simon G.
    OK, OK, OK I will drop the adjective “OLD’ and replace it by “EVER LASTING YOUNG”.
    Simon G, I am intrigued by your six-word crisp information to us — http://www.archive.assenna.com customers >>> Quote: {“Greetings, friends! I am banned”} Unquote. You left it hanging to our interpretation – and that is dangerous. Wrong interpretation may mushroom all over the place and produce unfortunate misunderstanding, and suspicions among ourselves that we ERITREANS cannot afford to have at any period of time – especially at this critical moment of time. May I suggest, for the benefit of ALL of us, that you approach http://www.archive.assenna.com [directly and privately] and re-establish your amicable and effective relationship of the past.

    Am I daring in saying what I wrote above? YES, I AM – but ONLY because, like anyone else, I CARE for OUR OWN BENEFIT. If we are not capable of dealing with such a simple problem [so, I conjure in my innocence] how could we possibly even dream of solving our intractable and age-old SERIOUS problems that we have, among ourselves. WE, meaning ERITREANS. I leave it to you, Simon G (as an individual —like any one of us)
    Change of Tenor Now, Simon G, let me take you to a matter of possibility, but 180 degree out of phase with the above serious matter. It has to do with difficulty that you may have in sending Articles, Commentaries etc via http://www.archive.assenna.com. If so, here what you may wish to do:
    a) Just check and change location of transmission !!!!!! What !?!?! YES, JUST CHANGE LOCATION!!! And everything will be ‘dandy’, smiley and peaceful. እመነኒ!!! >>>> ቀሺ እኳ ንምዃን እንተዘይተዓደልኩ ።
    b) And if you prefer to call me CRAZY, you will be absolutely right;.
    c) But here is one fact that you cannot refute >>> IT WORKS!!! The ultimate philosophy of Uncle Sam!!!
    d) And in the GOOD OLD EFFICIENT AMERICA (the FOCAL point of the universe) that is what matters AT THE END >>>> to accomplish the TASK.
    e) Or if you prefer our neighbour’s expression [i.e. from our enemy of ‘yesteryears’] >>> የትም ፍጭው፣ ዱቄቱን አምጭው ።
    f) So, Simon G, why fight? take my advice. It won’t cost you a dime and you will remain as the eternal friend of archive.assenna.com [indeed, ኣሰና]

    If you DON’T follow, and refuse to freely utilize what is generously provided to you, እዛ፣ ብሰላም >> ብሃብቲ >> ብታሕጓስ፣ ተዕብየካ ዘላ ዓባይ > ሃብታም > ቅድስቲ ኣመሪካ ክትዕዘበካ እያ — ንሓዋሩ ዘይወጽእ ጣዕሳ ። እንተ ተጋግዬ እዝጊ ይፍረደኒ፣ ብናቱ ቋንቋ ።
    ካብ ጀመርካዮ ወዳኣዮ ትብለኒ እንተኾንካ፣ ናይ ትውልዲ ሃገርና ኤርትራ መስተንክር ታሪኽ መወዳእታ የብሉን ። ኣብ ናይ ሰላሳ ዓመት ንናጽነት ውግእ ህይወቶም ዝወፈዩ ጅጋኑ ኤሪትራውያን ቁጽሪ ብሓቂ ክቁጸር ዝካአል አይመስለንን። ኮይኑውን፣ ንታሪኽ ሓለፈ። ግዳስ ናብ ዘይተጸበናዮ መስተንክር፣ አንጻር ጎረበት ሃገር ውግእ ጀመርና — ትግራይ ። ቁጽሮም ዘየፍለጥ ኤርትራዊያን መንእሰያት ከዓ ህይወቶም ሰወኡ፣ አብ ዘይፈለጡዎ ኲናት። አብ ዘየማትእ መደምደምታ’ውን በጻሕና >>> ታሪኻዊ ትምህርቲ እንተኾይኑና ።
    አብ ናይ ሃገራዊ ነንሕድሕድና ውግእ’ውን አተና። ከመይ ዝብል ለባም። እቲ ውሽጣዊ ሓቂ ስለዘሕፊረና፣ ናይ ሓደ ውልቃዊ ሰብ ‘አንጻር ሙሉእ ኤርትራ’ ውግእ ኢልና ከዓ ሰየምናዮ!!! ናይ ነንሕድሕድና ውሽጣዊ ውግእ ካይንብሎ ሕፍረት መኻልፍ ኮይኑና!!!! ሓደ ሰብ (እወ፤ ሓደ ውልቃዊ ሰብ) አንጻር ሰለስተ/አርባዕተ ሚሊዮን ህዝቢ ክንብል ግን አየሕፈረናን !!! ኤሪትራውያን፣ ንሕዞን ንብሎን ስለዝተጠፍአና ከዓ ፣ ኣብ ሰማንያ – ተሰዓ (80 ᎘90) ጉጅለ ተኸኻፊልና [ንሓደ ዓላማ ?!?!?] አብ ጸርፍን ቖዮቓን ምእታውና ዘገርም አይኮነን >>>> መሸፈኒ ጉልባብ ስለዝኾነና ።

    ድሕሪ “ናጽነት” ከዓ ዕስራን ሸሞንተን (28) ዓመት ሓለፈ፣ መወዳእትኡ ዘይተፈልጠ። መርገም እዩ እንተበናዮዶ ምሓሸ? ኤርትራዊያን፣ ዓድና ገዲፍና አብ ሙሉእ ዓለም ተዘሬእና ከምዘለናን ከምንቕጽሎን ዳርጋ ጋህዲ እዩ ። እዚ ካብኮነ፣ እታ “ኤሪትርያ” ትባሃል ሃገር — ሽማ ቀይራ — ብኻልኦት ከምትውረር ብዙሕ ዘማእት ጉዳይ አይመስልን። ሽዑኡ፣ መን ንመን ኮን ይጸርፍ [የላግበሉ] ይኸውን ???

    ስምኦን ፦ “አቦይ ፍቓዱ ባዕሎም ይናአዱ ድኣ ካይከውን እምበር፣ በቲ “ግሩም መስተንክር፣ ማይ ዘይጠዓመ” ትግርኛይ ክትግረም ትምኒተይ ስልዘደፋፋአኒ “ይበል >> ይበል >> ይበል” ብምባል ሓጻር መልሲ እንተሰዲድካለይ ታሕጓሰይ ደረት እይክህልዎን እዩ ። ማይ ዘይጣዓመ “ፈሲሕ” ይብሉኻ እዚ እዩ !!!!!!!!!!!!!!!!! እዝን ወድሓንካን ። ረዘን

    • SGH October 29, 2019

      Rezen,
      I am trying slightly different method and I will see if it passes through. Even if it does, on the 2nd try will face the same fate as before.

      [ማይ ዘይጣዓመ “ፈሲሕ” ይብሉኻ እዚ እዩ ] Indeed!
      Also brother Danilo & Meretse the great!, I wish I could but it seems that I am facing technical difficulty, just to put it politely.
      Aka Simon G.

1 4 5 6

Post a Reply to meretse Cancel Reply