Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ''ኣነ ካብ ኩሉ ቃል

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ

(A culture of futile antagonism)

ኣማኑኤል ሳህለ

ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ”ኣነ ካብ ኩሉ ቃል ደስ እትብለኒ ኣላ፡ ንሳ ድማ ስምረት እትብል ቃል እያ” ኪብለኒ ይዝከረኒ። ከምዚ መበሊኡ ምናልባት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚርእዮ ዝነበረ ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ብምዝካር ዶኾን ይኸውን? ኤርትራውያን ከይሰማምዑ ተስማሚዖም እዮም ዝበለ ሓቀይ ንሱ ዲዩ?

እዚ ናይ ምስሕሓብ ባህሊ ግን ካበይ ዘጥረናዮ እዩ? ንምንታይ እዩኸ ካብ ባህርና ከልግስ ዘይከኣለ? ካብ ኣቦታትና ሰጊሩስ ናብ መንእሰያትና ሓሊፉ። ዳርጋ ንኹሉ ኣኼባታት ብኩራን ብባእስን ምዝዛም ሃገራዊ ጠባይና ኮይኑ። ካብቲ ዚብሃል ዘሎ ቆንጢርካ ወሲድካ፡ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ፡ ነቲ በቲ ሰብ ዚቐርብ ሓሳባት ዘይኮነስ ብዛዕባ’ቲ ሰብን ብዛዕባ ድሕረባይታኡን ዝያዳ ምግድሳስ፡ እዚ ኩሉስ ኪእረም ይኽእልዶ ይኸውን?

ኣብ እግረመገደይ ክብሎ ዚደሊ ነገር ግን ኣሎ፡ ንሱ ድማ ገለ ኣንበብቲ ነዚ ሕጂ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ዓንቀጻት ብምምልካት፡ ነቲ ዝሓለፈ ርእይቶታተይን መርገጺታተይን ንኽእርም ወይ ንኸመኻኒ ዘቕርቦ ዘሎኹ ናይ ጣዕሳ ወይ ኑዛዜ መልእኽቲ ገይሮም ዚወስዱዎ እንተ ኣለዉ፡ የዋህነት ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። ንሓቂ እምበር ንኽትፍቶ ወይ ንኸይትጽላእ ኢልካ ምጽሓፍ ካብቶም ንወድሰብ ዘሕስሩዎ ባህርያት ሓደ እዩ። ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎን ዝጸሓፍኩዎን ብድሕሪ ሕጂ’ውን ዝብሎን ዝጽሕፎን ነቲ ዝኣምነሉን ሕልናይ ዚድርኾን ነገራት ንምግላጽ እንተ ዘይኮይኑ ምንም ካልእ ዕላማ ከም ዘይብሉ ኩሉ ኣንባቢ ወይ ሰማዒ ኪፈልጦ እደሊ። ኣለዎ ዚብሉ እንተ ኣለዉ ግን፡ ንኸይሓስቡ ክዓግቶም ስለ ዘይክእል፡ ናጻ እዮም።

 

ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምላስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ዚረአ ባህርያት፡ ምህዋኽን ቀልጢፍካ ምርሳንን እዩ። ንሓደ ነገር ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እተጻርዮ፡ ኣብ በለካን ለኽዓካን ምምርኳስ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምንባብ ምትኳር፡ ናብ ወረን እተባህለን እዝንኻ ምጥዋይ። ህድእ ኢልካ ንነገራት ዘይምትንታን። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘራኽበካ ነገራት፡ ነቲ ዝፈላልየካ ነገራት ሃሰው ምባል ወዘተ.። ከምዚ ባህርያት ምህላው ወይ ሒዝካዮ ምቕጻል፡ ብኻልእ ሰብ ክትውረርን ክትግዛእን ክትጭቆንን መገዲ ይኸፍት እዩ፡ ንርእሰ-ምሕደራ እውን ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብናተይ ኣረኣእያ (ጌጋ እንተለዎ ክእረም ድሉው እየ) ከምዚ ዓይነት ባህርይ ዘጥረናሉ ምኽንያት ወይ መሰረት ኪኾኑ ዚኽእሉ፡ ካብ ብዙሕ ገለ ክጠቅስ እደሊ፥

ሀ. ናይ ብሄራትና ጉዳይ /ህዝባዊ ኣቃውማ

ኣብ ፊዚክስ፡ ሰንትሪፔታልን (ንውሽጢ ዚስሕብ)፡ ሰንትሪፉጋልን (ንደገ ወይ ንግዳም ዚስሕብ) ሓይልታት ከም ዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ። ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ኪህልዉዋ ከለዉ መብዛሕትኦም ብሄራትና ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ብሄራት እውን ይዛመዱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዚነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ኣፋር፡ ኢሮፕ፡ ኩናማ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ምስ ሱዳን (ከም ህዳረብ) ወይውን ምስ ስዑዲ ዓረብ (ከም ራሻይዳ)። እዚ ናትና ህዝባዊ ኣቃውማ’ዚ ኣብቲ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ፍሉይ ተርእዮ እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራ ጎሊሑ ድማ ይረአ። ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብተን ብሄራት ንውሽጢ ዚስሕብ፡ ወይ ሰንትሪፔታል (ኤርትራውነት ዘድልድል) ከምኡውን ንደገ ዚስሕብ ወይ ሰንትሪፉጋል (ኤርትራውነት ዘዳኽም) ድራኸታት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እተፈላለዩ ብሄራት ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝምድናን ምትእስሳርን ኪስምዖም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ዚርእዩ፡ ንደገ ኪርእዩ ይድረኹ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ ንውሽጢ ኪርእዩ ይግደዱ (ብፍላይ ኣብቲ ሃገራውነት ዚስፍነሉ እዋናት)። እዚ ስምዒታት’ዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብንጹር ዚረአ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ጠንቁ ግን ብእተፈላለየን ብረቂቕን መገዲ ጽልዋ ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ኣብቲ ናይ ምስሕሓብ መንፈስና ወይ ድራኸና ድማ ነዊሕ እተጓዕዘ ሳዕቤን ከይገደፈ ዝተረፈ ኣይመስለንን።

 

ኣብ ልዕል’ዚ ናይ ርእሰ-ምሕደራ ጸገማት’ውን ኣሎ። ኤርትራ ከም ሃገር ኮይና ዝቐጸለት ጣልያን ምስ ኣተወ እዩ። ቅድመኡ፡ ብባሕሪ ነጋሻት ትመሓደር ነይራ፡ ግን ምስቲ ማእከለይ መንግስቲ ሓበሻ ዝነበራ ርክብ ኣቋሪጻቶ ኣይትፈልጥን። እዚ ናይ ባሕሪ ነጋሽነት ምሕደራ፡ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ብንጉስ ፋሲለደስ ኪፈርስ ክኢሉ፡ ብድሕሪኡ ግን ክሳዕ ጣልያን ዚመጽእ፡ ታሪኽ ኤርትራ ናይ መሳፍንትን ናይ ወረራን ታሪኽ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ብናይ ምሕደራ መዳይ፡ ናጻ ኮይኑ ነብሱ ከመሓድር ዝጀመረ ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ጥራይ እዩ።

 

ልክዕ’ዩ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኤርትራ፡ ዓዳውን ወረዳውን ምምሕዳርን ደሞክራስያዊ ኣገባባትን ነይሩ እዩ። ብሃገር ደረጃ ግን ኣይነበረን። በዝን ክንድዝን ኣብቲ ሃገር ድልዱል ፖለቲካውን ቁጠባውን ሰረት ዝነበሮ ማእከላዊ ምምሕዳርን ጥምረትን ዝነበረ ኣይመስለንን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ጥምረትን ምትእስሳርን ሃጓፋት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ።

 

እዚ ሕጂ ዘሎ መራሒ፡ ንኤርትራውያን ኪንዕቕ ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይምስምማዕና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዘስተውዓለሉ እዩ። ተቓወምቲ ኣለዉዶ ኢሉ ምስ ተሓተተ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ፡ የለዉን ብምባል እዩ ዝመለሸ። ሓቁ ከእዩ፡ ኪጻረፉን ኪቋየቑን ግዜኦምን ጉልበቶምን ዘሕልፉ ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ምህላዎም ንላዕሊ ዘይምህላዎም ዝያዳ ውጽኢት ይርከቦ።

 

ኣበይ`ዩ ዓዱ? ሃገራዊ ድዩ (ህግደፍ ድዩ ማለቶም እዩ)? ክርስትያን ድዩ (ገለ ”ንጎይታ እተቐበሉ” ዘቕርቡዎ ዘስደምም ሕቶ እዩ፡ ከምኦም እንተ ዘይኮይኑ ክርስትያን ኣይኮነን)? ዓጋመ ድዩ (ጸማም ሓደ ደርፉዶ ክንብሎም፡ ግን ከኣ ንሳ እያ ዓቕሞም፡ ንሳ እያ ነቲ ኤርትራውነቶም እትምስክረሎም)? ከምዚ እናበልካ፡ ሓድነትን ስምረትን ክትሃንጽ ኣይከኣልን። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ምኽታል ነታ ሓደ እዋን እንኮ ዕድልና ዝነበረት ማለት ፈደረሽን፡ ንኽትፈርስ ምኽንያት ከም ዝነበረ ረሲዕናዮ ዲና? ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስኒት ዘይምህላው ዘስዓቦ ታሪኻዊ በሰላታት ቍጽሪ የብሉን። ኣብ ሜዳ ከይተረፈ ንኤርትራ ናጻ ከውጽኣ እተመስረታ ክልተ ሓርነታውያን ውድባት እቲ ሜዳ ጸቢቡወንስ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ሰጒጓታ።

 

ለ. ናይ ጣልያን ወይ ናይ ዓረብ ውርሻ

ኣነ ኣብ ኤርትራ ክቕመጥ ከሎኹ (ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ኣብኡ ዓብየ)፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ጣልያን መጻሕፍቲ ከንብቡ ወይ ፖለቲካዊ ዘተ ከካይዱ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። ኪቋየቑን ከንጸርጽሩን ግን እርእይ ነይረ። ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምፍራድን ኣይፈልጡን። ህዉኻት እዮም። ካብቲ መደምደምታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚርካ ክሳሕ ሕጂ፡ መንግስቲ ከም ካምቻ ኪቕይሩን ኣብ ባይቶ ኪበኣሱን እዮም ኣሕሊፎምዎ። ክሳዕ ሕጂውን ናይ ምስምማዕ መንፈሶም ድኹም እዩ። እዚኣቶም እዮም ን60 ዓመታት ዝገዝኡና። ገለ ካብቲ ባህርያቶም ከይወረስናዶ ተሪፍና ንኸውን?

 

ሽሕኳ ብዛዕባ ጎረባብትናን በጻሕትናን ዝኾኑ ኣዕራብ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ዝኸብድኒ እንተ ኾነ፡ ብገለ ተመክሮን ብሓፈሻ ከኣ ብኣካልን ብመጻሕፍትን ከም ዝፈልጦምን፡ ናይ ዓቕልን ልዝብነትን ባህርያት ይጎድሎም እዩ። ሕብረቶም ድኹም እዩ። ነታ ቀንዲ ጸላኢቶም ዝኾነት እስራኤል እኳ ሰሚሮም ከሕምቑዋ ኣይከኣሉን።

 

ከምዚ ዝበለ ባህርያት፡ ናብ ህዝብና ብገለ ሸነኻቱ ዝሓለፈ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሕና ኤርትራውያን ፈቲና ጸሊእና ናይዞም ክልተ ህዝብታት እዚኣቶም ከቢድ ጽልዋ ኣሎና። ጎረቤትካን ገዛኢኻን ኪጸልወካ ንቡር ስለ ዝኾነ።

 

ሰ. ናይ ጸላኢ ሸርሒ

ዝኾነ ይኹን ጸላኢ፡ ናብ ሃገር ሰሊኹ ቅድሚ ምእታዉ፡ ሰለይቲ እዩ ዚልእኽ። ብድሕሪኡ ድማ ኣደናገርቲ ይሰድድ። ናይዞም ኣደናገርቲ ስራሕ፡ ነቲ ህዝቢ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብዓድን ወረዳን ወዘተ. ምክፍፋል እዩ። ነቓዕ መንደቅ ንምፍራስ ግዜ ኣይወስድን። ነቓዕ ሕብረተሰብ ንምውራር ድማ ከምኡ።

 

ሃይለ ስላሴ ነዚ ሜላ’ዚ ግርም ገይሩ እዩ ተዋሲኡሉ። ፈደረሽን ንምፍራስ ድማ ተጠቒሙሉ። ደርጊ መታሕትን ከበሳን ብምፍላይ ንኤርትራ ኪጎዛዝያ ፈቲኑ። ሳላ ውፉይ ሓርነታዊ ቃልሲ ግን መደባቱን ውጥናቱን ፈሺሉ ተሪፉ። እቲ ሸርሒ ግን ኣየቋርጸን።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ መሪሕነት ኤርትራ ዚኽተሎ ዘሎ ሜላ፡ ከፋፋሊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ረቂቕን መርዛምን እዩ። ኣብ ኩሉ እዩ ዚዋሳእ። ኣብ ዩትዩብ፡ ኣብ ፈይስቡክ፡ ኣብ ናይ ተቓወምቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ናይ ወብሳይት ርእይቶ ዚወሃበሉ ዓውድታት፡ ኣብ ፓል ቶክ ወዘተ.። ካድረታቱን ወይጦታቱን ዓቀይታቱን ኣስማቶም ቀያዪሮም ናይ ጽሑፍን ርእይቶን ኲናት ከም ዘካይዱ ብምግባር፡ ኣብ ዝኾነ ዚወጽእ ዓንቀጻት ሃናጺ ዘተ ንኸይካየድ ንኺዓግቱ ህጁም ብምእታው ነቲ ናይ ርእይቶ ገጻት ናብ ዓውደውግእ ንኺቕይሩዎ ስልጠና ወይ ኮርስ ዝወሰዱ እዮም ዚመስሉ። ዘሕዝን እዩ።

 

እነሆ እምበኣር ክንቋየቝን ክንታረኽን ዓመታት ሓሊፉ። እቲ መሪሕነት ግን ከምታ ብኣኽላባት ዘይትደሃል ገመል ስቕ ኢሉ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሓደ ከምዚ ኢና ኪብል፡ እቲ ሓደ ከምዚባ ኢና ኪብል፣ ገለ ኣግኣዝያን ገለ ዓረባውያን፡ ገለ ደምብያውያን ኢና ኪብሉ፡ ገለ ዓጋመ እናበሉ ኪጻረፉ፡ ገለ ድማ ዓረባውያን ስዑዳውያን ኪብሉ ምድሪ መስዩ። ኣብ ምጽራፍን ምክሳስን ኣሒልፍካ ምሃብን ግዜን ጉልበትን ባኺኑ።

 

ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ኣለሊና ክንዲ ንወቅዕ፡ ነንሕድሕድና ክንተዃዀብ ግዜና ነሕልፎ ኣሎና። ነቶም ዚጋገዩ እናኣረምና፡ ነቶም ዚቃለሱ እናኣተባባዕና፡ ነቶም ስቕ ዝበሉ እናቐስቀስና ኣብ ክድኒ ንግስግስ፡ ነንሕድሕድና ክንናኸስ ጸሓይ ዓሪባትና። ንድኽመትና ዝረኣየን፡ በቲ ተናኻሲ ባህርያትና ዝሻደነን መሪሕነት ድማ፡ ካብ ምሒር ንዕቀት እተላዕለ፡ ብመራሒ ጸላኢትና-ነበር ሃገር ገይሩ ካብ እስራኤል ከስጉገና ይመጣጠር ኣሎ። ካብዚ ዚኸፍእ ውርደት ኪህሉ ይኽእልዶ?

 

ቀደም ኣምሓራ ክንብል ግዜና ኣሕሊፍናዮ፡ ሕጂ ድማ ዓጋመ፡ መውጽእ ኣፍና ኮይኑ። እቲ መሪሕነት ግን ከምቲ ዚብሎ፡ ናይ ምስሕሓብ ጠባይ ሃገራዊ ባህርይና ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈለጠን ዝተገንዘበን፡ ኩሉ እንገብሮ ከም ፊልም ወይ ከም ተዋስኦ ገይሩ ብምርኣይ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ብንዕቀትን ብኣሽካዕላልን ይዕዘበና ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
95 COMMENTS
  • Dawit October 9, 2019

    Highly respected and loved memhir Amanuel Sahle the great,
    Kibur memhirey ato Amanuel, your beautiful and brilliant article reminds me
    what poor Africans learned from white colonizers in the early 1960s.
    The Whites {the colonizers} brought with them a “Bible” and they taught poor Africans how to pray
    while closing their eyes. Then the Africans started to practice by closing their eyes and Bible in the hand.
    When they finished their praying {with their eyes closed} they found that their land was taken by the Whites.
    The PFDJ evil so=called tegadelties, unlike the Whites didn’t teach anything rather they tortured and killed Eritreans
    on day time. They let our eyes open and see what evils they do,.And their objective was to create ignorance, FEAR and anxiety, sorrow and anguish to be filled with grief. Italians only made a BAMBULA artificially glued “Eritrea”!!

    • Hdriswuehalalmariet October 10, 2019

      Amaniel Sahle’s false narrative of centrifugal/ centripetal force is a regurgitation of the midget, myopic, ignorant and coward Meles Zenawi’s …… tigrai is 100% homogeneous, therefore strong………Eritrea is heterogeneous ,…therefore weak and unviable……

      But the fallacious logic of The midget and coward Meles Zenaw, and therefore of Amaniel Sahle, does not hold water becaus it was the Mighty EPLFs, not woyane, who defeated Dergi and scraped of Eritrea and ethiopia. It was the Mighty EPLFs who groomed woyane for fifteen years and finally put it in power in Addis Abab in orider to cast a vote at the United Nations for Eritrean independence. Woyane could not dislodge a small contingent Dergi soldiers from Shire town. Where then were the strength of the alleged homogeneity?

      But then the ignorant, midged and coward Meles Zenaw and Amaniel Sahle are also rehashing the dream of the British collaborator and traitor, kasa, aka king yohns,who left no stone unturned to exterminated the jeberti for their religion and Agows for their ethnic idenity. But he paid the price for it in the hands of the Sudanese who, after defeating him in the war, beheaded and took his head back to the Sudan for a trophy.

      By the way the majority of those who call themselves tegaru are Agows, it is a matter of time before they rise up to reclaim their ethnic identity.. tigrai is a ticking bomb. Mark my words !!;

      Unlike artificial tigrai, Eritrean ethnic groups have never waged war against each other, never colonized each other, never attempt to annihilate each other.. Since time immemorial, they have coexisted side by side peacefully and amicably. Herein lies the strength of their unbreakable bond, that bond that led them to defeat their enemy and its Soviet surrogates. Eritreans Never Kneel Down, Come What May.!!!!!

  • Hagherawi October 9, 2019

    “Italians only made a BAMBULA artificially glued “Eritrea”!!”

    Dawit

    ዳሓን. … ፈሊጥናኩም ኣለና።
    ዓባይ ትግራይ ፥ ኣብ ልዕሊ ዝፈረሰት ኤሪትራ ንምህናጻ ዘለኩም ሰይጣናዊ ሕልሚ ፥ ሕልሚ ኮይኑ እዪ ክተርፍ።
    ንሕና እና ተጋጊና ። ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ፥ ከብ ዋናታታ ንላዕሊ ዝዕንድሩላ ኤሪትራ እያ ኮይና ጸኒሓ ። ሎሚ ግን ኣኸለ።

  • k.tewolde October 9, 2019

    ‘ቀደም ኣምሓራ ክንብል ግዜና ኣሕሊፍናዮ፡ ሕጂ ድማ ዓጋመ፡ መውጽእ ኣፍና ኮይኑ። እቲ መሪሕነት ግን ከምቲ ዚብሎ፡ ናይ ምስሕሓብ ጠባይ ሃገራዊ ባህርይና ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈለጠን ዝተገንዘበን፡ ኩሉ እንገብሮ ከም ፊልም ወይ ከም ተዋስኦ ገይሩ ብምርኣይ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ብንዕቀትን ብኣሽካዕላልን ይዕዘበና ኣሎ።’ who are ‘we’? and whose ‘Merihinet’? there is a huge segment of Eritrean people who don’t even know how to call these names and are we using ‘Amhara’ and ‘Agame’ interchangeably?’..እቲ መሪሕነት ግን ከምታ ብኣኽላባት ዘይትደሃል ገመል ስቕ ኢሉ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ።’ Is this sound familiar folks? or am I getting audio hallucinations?… ‘ተቓወምቲ ኣለዉዶ ኢሉ ምስ ተሓተተ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ፡ የለዉን ብምባል እዩ ዝመለሸ።’ I wonder how he got so dismissive of his opponents? and where do you belong memhir in this political landscape? and this ain’t futile antagonism just looking for clarification in this fogy political climate..

    • Hazo October 10, 2019

      ቀንዲ ጠንቂ ሕማቕ ድኹም ጸቢብ ኣተሓሳስባ ናይ ገለገለ ኤርትራውያን መሰረቱ ፤
      መግዛእቲ ፋሺሽቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን : ድሑር ዓረባዊ-ጊልያነት ዘንቀሎ ርእሰ-ምትሓትን ርእሰ-ልሙስነትን እዩ።

  • Hagherawi October 9, 2019

    “ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዚነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ኣፋር፡ ኢሮፕ፡ ኩናማ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ምስ ሱዳን (ከም ህዳረብ) ወይውን ምስ ስዑዲ ዓረብ (ከም ራሻይዳ)። እዚ ናትና ህዝባዊ ኣቃውማ’ዚ ኣብቲ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ፍሉይ ተርእዮ እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራ ጎሊሑ ድማ ይረአ። ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብተን ብሄራት ንውሽጢ ዚስሕብ፡ ወይ ሰንትሪፔታል (ኤርትራውነት ዘድልድል) ከምኡውን ንደገ ዚስሕብ ወይ ሰንትሪፉጋል (ኤርትራውነት ዘዳኽም) ድራኸታት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እተፈላለዩ ብሄራት ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝምድናን ምትእስሳርን ኪስምዖም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ዚርእዩ፡ ንደገ ኪርእዩ ይድረኹ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ ንውሽጢ ኪርእዩ ይግደዱ (ብፍላይ ኣብቲ ሃገራውነት ዚስፍነሉ እዋናት)። እዚ ስምዒታት’ዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብንጹር ዚረአ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ጠንቁ ግን ብእተፈላለየን ብረቂቕን መገዲ ጽልዋ ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ኣብቲ ናይ ምስሕሓብ መንፈስና ወይ ድራኸና ድማ ነዊሕ እተጓዕዘ ሳዕቤን ከይገደፈ ዝተረፈ ኣይመስለንን።”

    ኣማኑኤል ሳህለ

    Ayte Amanuel Sahle

    How are you, I hope you are doing well in Mekele. ትሽየጥ’ዶ ኣላ ኣታ መጽሓፍ ? ።
    ጣልያን ናይ ንባብ ባህሊ ስለ ዘይነበሮም ፥ ህድእ እሎም ስለ ዘይዛረቡ ፥ ካብኦም ቋይቂ ጥራሕ ከምዝወረስና ኣሚትካ ። በንጻሩ ትግራዎት ዝሓሸ ናይ ንባብ ባህሊ ስለ ዘለዎም ዲኻ ምስ መጽሓፍካ ንመቀለ ጊዒዝካ ?
    እብዛ “ናይ ብሄራትና ጉዳይ /ህዝባዊ ኣቃውማ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝጻሓፍካዮ ፥ ኣቃዉማኦም ዝመረጹ ኣህዛብ ከምዘለው ፥ ስቃይና ብሰንኩ ሙዃኑ ዝእምት ካብ ክውንነት ፈጺሙ ዝራሓቀ ዘረባ ኣስሚዕካና።
    ቡዙሕነት ንባዕሉ ዓብይ ጸገም ዘይሙዃኑ ሩድእ እኳ እንተኾነ ፥ ንዑኡ ብምምዝማዛ ዓባይ ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ንእትርከብ ወያነ ግን ዓገብ ክትብሎም ኣይደለኻን።
    ኣብዚ እዋን ፥ ብሰንኪ ኣብ ሞጎ ብሄራታ ተፈጢሩ ብዘሎ ናይ ምሕደራ ጸገማት ትሕመስ ዘላ እትዮጵያ ፥ ሰላም ንኽትረክብ ኣቃውማኣ ክትቅይር ምሓሸ’ዶ ይመስለካ ? ፥ ወይስ ኤሪትራ ጥራሕ እያ እዚ ጸገም ዘለዋ ?

  • Tes October 9, 2019

    Dear Mr Amanuel,
    What a great writer and a thinker. You always surprise me with your extraordinary powerful brain. Most Eritreans have experience all the antagonism in their life but no one before you tried to find its origin or how why is so in Eritrea. 100% the Italians had profound influence in Eritreans syco especially the so called elites(asmarino). The problem in Eritrea is sheer ignorance coupled with inherited bad behaviour from the Italians & to some extend Arabs. Even after they read or may be seen only its title of your articles those dogs start to barking like a mad one. Typical behaviour, that what they’re good at. They couldn’t see who their primary enemy but someone who can see or do better. Dear memhir keep it coming your wonderful teachings . We are listening & God bless you.

  • B. Embaye October 9, 2019

    I’m reposting my comment because ASSENNA deleted my first comment!!! There’s no wueriln Assena is implicated!!!

    Dear compatriots:

    News flash!!!

    Given A.S.’s background, no one should now be surprised in this character’s disparate and desperate writing and motives.

    What a legacy! There’s no question now as to the position of this character. He’s definitely for the old deferred plan of Tigray-Tigrigni. He continues to be defiant and unhinged focusing only on character assassination of the Eritrean traditon and people, as a whole. Meanwhile, he’s not giving answers to people’s various legitimate inquiries. For example: I believe we have the right to know the circumstances under which he attended the conference in Mekelle, his various interviews, and about promoting of his new book, as well.

    Meanwhile, there are also other things that we need to worry about and take note of, as well. That is, why is Amanuel Sahle using Assenna as the only platform to spue his impulsive, monotonous, and disparate writing???? Ask why??? Are you not taking note of??? The following might shed some light.

    1. A. Sahle has acknowledged that his grandma is from Tigray. Thus, he has chosen to align with his roots at such time when Eritrea’s existence is questioned and Tigray is finding itself between a rock and a hard-place.

    2. Amanuel Eyasu and Meles Zenawi are very close relatives. (I will provide you with the details, soon).

    3. Now, it’s most probable and logical to assume that the duo are gaming us for polticcal convenience. You may be very disappointed at this, but how about if I tell you that Amanuel Eyasu has been working as a covert agent for the regime in Asmara for years. Please pay attention and listen!!!

    4. If you’re still unsure of item #3…consider this:

    People, there has been many instances in the past that demonstrate Amanuel Eyasu’s questionable activities. People should now be unsurprised to find out about the real Amanuel as a disingenuous person who has been engaged in yellow journalism and manufacturing of news for years; by that I mean providing hyped news that purportedly claimed to bring hope to people who are living in persistent misery. Many vigilant patriots have warned us over the years, but how many times he has been accused of lies, deception, and unprofessional and illegal behavior and for which he had unashamedly and repeatedly apologized for several times in the past, but has not been actually held accountable for. Forget not, It is a matter of public record.

    NOW, you’re forwarned to be skeptical.

  • Hagherawi October 9, 2019

    [“The problem in Eritrea is sheer ignorance coupled with inherited bad behaviour from the Italians & to some extend Arabs. “]

    TES

    The Italians hated blacks which led may Eritreans to defect rank and file of colonial army and join Habesha army. Thanks to them and the bravery of indigenous army the Italians were demoralized and defeated.
    In the aftermath of the war while the Italian POWs were released unharmed the Habesha Nazis of the time dismembered the Eritrean POWs by cutting a hand and leg to 800 poor askaris. The vivisection was conducted in public in “revenge” for Ethiopian losses.
    These people now speak about Italians, arabs, their bad cultures and habits they left behind as if the Ethiopians have a culture and history that puts humanity first.
    Look how these Habeshas were more “civilized” than Italians !!
    ኣንቱም ጓሓሉ ፥ ኣብ ኤሪትራ ፥ ብዘይካ ኑጹሃት ደቂ ሃገር ምሕራድ ፥ ካልእ ስራሕ ኣይነበረኩምን። ብዘይካ ቶንኮል ዝጠቅም ባህሊ የብልኩምን። ሎሚ ብዓረብን ጥልያንን ምውርዛይ ፥ ገበናትኩም ዝርሳዕ ዲዪ መሲሉኩም ?

    • Danilo October 9, 2019

      ብርግጽ ፡” የወጋ ቢረሳ፡ የተወጋ ኣይረሳም ” ይብሉ ኣምሓሩ።የግዳስ፡ንሕና ኤሪትራውያን ዘቁስሉና፡ዝጠልሙና በዚሖም’ስ ክንፈልጦም ድሉዋት ‘ዲና? ክሳብ ሕጂ ፡ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ኣብ ምምላጥ በጺሕና ኣለና’ሞ ነቲ “ብዓይኒ ዝተኸወለ ፡ካብ ልቢ ዝገለለለ”ዝብል ቢሂል ከይፈተና ክንቅበሎ ምዓል ሳህለ-ማህለ ፡ብቀንዱ ቢኢዱ ኣፈ-በይዛ ኢሰያስ ፡ዓቀይታይ ሰውራ፡ብስም ማርያም ጺይይዮን ክተት ኣዊጁ’ስ ክፍርከሽ ዝርኣየ ሳህለ ( መምህር ) ናይ 21ዘመን ዓቀይታይ ‘ማርያም ትመሳሕ” በሉለይ ኣሕዋት።

  • meretse October 9, 2019

    Couple days ago I asked a commentator why he/she used the word rubbish and I was surprised to read his/her brief answer. She/he stated it is because the Mekele scholars forum. Until the last minute the entire the discussion was based on scholastic information. According to my understanding they were just reading if not quoting important facts from the history books. And, of course, at the very end of the discussion I heard everyone of them giving their personal opinion. The question here is do we have a right to deny someone from expressing his/her personal opinion?

  • B. Embaye October 9, 2019

    Hello Assenna Admn,

    why are you deleting my comments? It is because not just something you’re disagreeing with, but is actually true. Thus, deleting my comments makes it worse. Because it shows you’re hiding something. So, please re-post or I’ll re-post my comments for people to read.

    Thanks,

    B.E.

  • B.Embaye October 9, 2019

    Assenna deleted my comments on a couple instances. I have asked assenna on a couple of instances to re-post my comments. However, Assenna has refused because it cannot tolerate any dissenting views. However, for a news outlet to operate contrary to the norms of freedom of expression is unprofessional and illegal.Now, it has even went the extra mile to block me from making comments.

    Sad!

    Bahlibby Embaye

1 2 3 6

Post a Reply to SGH Cancel Reply