Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ''ኣነ ካብ ኩሉ ቃል

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ

(A culture of futile antagonism)

ኣማኑኤል ሳህለ

ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ”ኣነ ካብ ኩሉ ቃል ደስ እትብለኒ ኣላ፡ ንሳ ድማ ስምረት እትብል ቃል እያ” ኪብለኒ ይዝከረኒ። ከምዚ መበሊኡ ምናልባት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚርእዮ ዝነበረ ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ብምዝካር ዶኾን ይኸውን? ኤርትራውያን ከይሰማምዑ ተስማሚዖም እዮም ዝበለ ሓቀይ ንሱ ዲዩ?

እዚ ናይ ምስሕሓብ ባህሊ ግን ካበይ ዘጥረናዮ እዩ? ንምንታይ እዩኸ ካብ ባህርና ከልግስ ዘይከኣለ? ካብ ኣቦታትና ሰጊሩስ ናብ መንእሰያትና ሓሊፉ። ዳርጋ ንኹሉ ኣኼባታት ብኩራን ብባእስን ምዝዛም ሃገራዊ ጠባይና ኮይኑ። ካብቲ ዚብሃል ዘሎ ቆንጢርካ ወሲድካ፡ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ፡ ነቲ በቲ ሰብ ዚቐርብ ሓሳባት ዘይኮነስ ብዛዕባ’ቲ ሰብን ብዛዕባ ድሕረባይታኡን ዝያዳ ምግድሳስ፡ እዚ ኩሉስ ኪእረም ይኽእልዶ ይኸውን?

ኣብ እግረመገደይ ክብሎ ዚደሊ ነገር ግን ኣሎ፡ ንሱ ድማ ገለ ኣንበብቲ ነዚ ሕጂ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ዓንቀጻት ብምምልካት፡ ነቲ ዝሓለፈ ርእይቶታተይን መርገጺታተይን ንኽእርም ወይ ንኸመኻኒ ዘቕርቦ ዘሎኹ ናይ ጣዕሳ ወይ ኑዛዜ መልእኽቲ ገይሮም ዚወስዱዎ እንተ ኣለዉ፡ የዋህነት ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። ንሓቂ እምበር ንኽትፍቶ ወይ ንኸይትጽላእ ኢልካ ምጽሓፍ ካብቶም ንወድሰብ ዘሕስሩዎ ባህርያት ሓደ እዩ። ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎን ዝጸሓፍኩዎን ብድሕሪ ሕጂ’ውን ዝብሎን ዝጽሕፎን ነቲ ዝኣምነሉን ሕልናይ ዚድርኾን ነገራት ንምግላጽ እንተ ዘይኮይኑ ምንም ካልእ ዕላማ ከም ዘይብሉ ኩሉ ኣንባቢ ወይ ሰማዒ ኪፈልጦ እደሊ። ኣለዎ ዚብሉ እንተ ኣለዉ ግን፡ ንኸይሓስቡ ክዓግቶም ስለ ዘይክእል፡ ናጻ እዮም።

 

ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምላስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ዚረአ ባህርያት፡ ምህዋኽን ቀልጢፍካ ምርሳንን እዩ። ንሓደ ነገር ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እተጻርዮ፡ ኣብ በለካን ለኽዓካን ምምርኳስ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምንባብ ምትኳር፡ ናብ ወረን እተባህለን እዝንኻ ምጥዋይ። ህድእ ኢልካ ንነገራት ዘይምትንታን። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘራኽበካ ነገራት፡ ነቲ ዝፈላልየካ ነገራት ሃሰው ምባል ወዘተ.። ከምዚ ባህርያት ምህላው ወይ ሒዝካዮ ምቕጻል፡ ብኻልእ ሰብ ክትውረርን ክትግዛእን ክትጭቆንን መገዲ ይኸፍት እዩ፡ ንርእሰ-ምሕደራ እውን ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብናተይ ኣረኣእያ (ጌጋ እንተለዎ ክእረም ድሉው እየ) ከምዚ ዓይነት ባህርይ ዘጥረናሉ ምኽንያት ወይ መሰረት ኪኾኑ ዚኽእሉ፡ ካብ ብዙሕ ገለ ክጠቅስ እደሊ፥

ሀ. ናይ ብሄራትና ጉዳይ /ህዝባዊ ኣቃውማ

ኣብ ፊዚክስ፡ ሰንትሪፔታልን (ንውሽጢ ዚስሕብ)፡ ሰንትሪፉጋልን (ንደገ ወይ ንግዳም ዚስሕብ) ሓይልታት ከም ዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ። ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ኪህልዉዋ ከለዉ መብዛሕትኦም ብሄራትና ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ብሄራት እውን ይዛመዱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዚነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ኣፋር፡ ኢሮፕ፡ ኩናማ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ምስ ሱዳን (ከም ህዳረብ) ወይውን ምስ ስዑዲ ዓረብ (ከም ራሻይዳ)። እዚ ናትና ህዝባዊ ኣቃውማ’ዚ ኣብቲ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ፍሉይ ተርእዮ እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራ ጎሊሑ ድማ ይረአ። ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብተን ብሄራት ንውሽጢ ዚስሕብ፡ ወይ ሰንትሪፔታል (ኤርትራውነት ዘድልድል) ከምኡውን ንደገ ዚስሕብ ወይ ሰንትሪፉጋል (ኤርትራውነት ዘዳኽም) ድራኸታት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እተፈላለዩ ብሄራት ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝምድናን ምትእስሳርን ኪስምዖም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ዚርእዩ፡ ንደገ ኪርእዩ ይድረኹ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ ንውሽጢ ኪርእዩ ይግደዱ (ብፍላይ ኣብቲ ሃገራውነት ዚስፍነሉ እዋናት)። እዚ ስምዒታት’ዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብንጹር ዚረአ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ጠንቁ ግን ብእተፈላለየን ብረቂቕን መገዲ ጽልዋ ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ኣብቲ ናይ ምስሕሓብ መንፈስና ወይ ድራኸና ድማ ነዊሕ እተጓዕዘ ሳዕቤን ከይገደፈ ዝተረፈ ኣይመስለንን።

 

ኣብ ልዕል’ዚ ናይ ርእሰ-ምሕደራ ጸገማት’ውን ኣሎ። ኤርትራ ከም ሃገር ኮይና ዝቐጸለት ጣልያን ምስ ኣተወ እዩ። ቅድመኡ፡ ብባሕሪ ነጋሻት ትመሓደር ነይራ፡ ግን ምስቲ ማእከለይ መንግስቲ ሓበሻ ዝነበራ ርክብ ኣቋሪጻቶ ኣይትፈልጥን። እዚ ናይ ባሕሪ ነጋሽነት ምሕደራ፡ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ብንጉስ ፋሲለደስ ኪፈርስ ክኢሉ፡ ብድሕሪኡ ግን ክሳዕ ጣልያን ዚመጽእ፡ ታሪኽ ኤርትራ ናይ መሳፍንትን ናይ ወረራን ታሪኽ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ብናይ ምሕደራ መዳይ፡ ናጻ ኮይኑ ነብሱ ከመሓድር ዝጀመረ ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ጥራይ እዩ።

 

ልክዕ’ዩ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኤርትራ፡ ዓዳውን ወረዳውን ምምሕዳርን ደሞክራስያዊ ኣገባባትን ነይሩ እዩ። ብሃገር ደረጃ ግን ኣይነበረን። በዝን ክንድዝን ኣብቲ ሃገር ድልዱል ፖለቲካውን ቁጠባውን ሰረት ዝነበሮ ማእከላዊ ምምሕዳርን ጥምረትን ዝነበረ ኣይመስለንን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ጥምረትን ምትእስሳርን ሃጓፋት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ።

 

እዚ ሕጂ ዘሎ መራሒ፡ ንኤርትራውያን ኪንዕቕ ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይምስምማዕና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዘስተውዓለሉ እዩ። ተቓወምቲ ኣለዉዶ ኢሉ ምስ ተሓተተ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ፡ የለዉን ብምባል እዩ ዝመለሸ። ሓቁ ከእዩ፡ ኪጻረፉን ኪቋየቑን ግዜኦምን ጉልበቶምን ዘሕልፉ ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ምህላዎም ንላዕሊ ዘይምህላዎም ዝያዳ ውጽኢት ይርከቦ።

 

ኣበይ`ዩ ዓዱ? ሃገራዊ ድዩ (ህግደፍ ድዩ ማለቶም እዩ)? ክርስትያን ድዩ (ገለ ”ንጎይታ እተቐበሉ” ዘቕርቡዎ ዘስደምም ሕቶ እዩ፡ ከምኦም እንተ ዘይኮይኑ ክርስትያን ኣይኮነን)? ዓጋመ ድዩ (ጸማም ሓደ ደርፉዶ ክንብሎም፡ ግን ከኣ ንሳ እያ ዓቕሞም፡ ንሳ እያ ነቲ ኤርትራውነቶም እትምስክረሎም)? ከምዚ እናበልካ፡ ሓድነትን ስምረትን ክትሃንጽ ኣይከኣልን። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ምኽታል ነታ ሓደ እዋን እንኮ ዕድልና ዝነበረት ማለት ፈደረሽን፡ ንኽትፈርስ ምኽንያት ከም ዝነበረ ረሲዕናዮ ዲና? ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስኒት ዘይምህላው ዘስዓቦ ታሪኻዊ በሰላታት ቍጽሪ የብሉን። ኣብ ሜዳ ከይተረፈ ንኤርትራ ናጻ ከውጽኣ እተመስረታ ክልተ ሓርነታውያን ውድባት እቲ ሜዳ ጸቢቡወንስ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ሰጒጓታ።

 

ለ. ናይ ጣልያን ወይ ናይ ዓረብ ውርሻ

ኣነ ኣብ ኤርትራ ክቕመጥ ከሎኹ (ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ኣብኡ ዓብየ)፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ጣልያን መጻሕፍቲ ከንብቡ ወይ ፖለቲካዊ ዘተ ከካይዱ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። ኪቋየቑን ከንጸርጽሩን ግን እርእይ ነይረ። ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምፍራድን ኣይፈልጡን። ህዉኻት እዮም። ካብቲ መደምደምታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚርካ ክሳሕ ሕጂ፡ መንግስቲ ከም ካምቻ ኪቕይሩን ኣብ ባይቶ ኪበኣሱን እዮም ኣሕሊፎምዎ። ክሳዕ ሕጂውን ናይ ምስምማዕ መንፈሶም ድኹም እዩ። እዚኣቶም እዮም ን60 ዓመታት ዝገዝኡና። ገለ ካብቲ ባህርያቶም ከይወረስናዶ ተሪፍና ንኸውን?

 

ሽሕኳ ብዛዕባ ጎረባብትናን በጻሕትናን ዝኾኑ ኣዕራብ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ዝኸብድኒ እንተ ኾነ፡ ብገለ ተመክሮን ብሓፈሻ ከኣ ብኣካልን ብመጻሕፍትን ከም ዝፈልጦምን፡ ናይ ዓቕልን ልዝብነትን ባህርያት ይጎድሎም እዩ። ሕብረቶም ድኹም እዩ። ነታ ቀንዲ ጸላኢቶም ዝኾነት እስራኤል እኳ ሰሚሮም ከሕምቑዋ ኣይከኣሉን።

 

ከምዚ ዝበለ ባህርያት፡ ናብ ህዝብና ብገለ ሸነኻቱ ዝሓለፈ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሕና ኤርትራውያን ፈቲና ጸሊእና ናይዞም ክልተ ህዝብታት እዚኣቶም ከቢድ ጽልዋ ኣሎና። ጎረቤትካን ገዛኢኻን ኪጸልወካ ንቡር ስለ ዝኾነ።

 

ሰ. ናይ ጸላኢ ሸርሒ

ዝኾነ ይኹን ጸላኢ፡ ናብ ሃገር ሰሊኹ ቅድሚ ምእታዉ፡ ሰለይቲ እዩ ዚልእኽ። ብድሕሪኡ ድማ ኣደናገርቲ ይሰድድ። ናይዞም ኣደናገርቲ ስራሕ፡ ነቲ ህዝቢ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብዓድን ወረዳን ወዘተ. ምክፍፋል እዩ። ነቓዕ መንደቅ ንምፍራስ ግዜ ኣይወስድን። ነቓዕ ሕብረተሰብ ንምውራር ድማ ከምኡ።

 

ሃይለ ስላሴ ነዚ ሜላ’ዚ ግርም ገይሩ እዩ ተዋሲኡሉ። ፈደረሽን ንምፍራስ ድማ ተጠቒሙሉ። ደርጊ መታሕትን ከበሳን ብምፍላይ ንኤርትራ ኪጎዛዝያ ፈቲኑ። ሳላ ውፉይ ሓርነታዊ ቃልሲ ግን መደባቱን ውጥናቱን ፈሺሉ ተሪፉ። እቲ ሸርሒ ግን ኣየቋርጸን።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ መሪሕነት ኤርትራ ዚኽተሎ ዘሎ ሜላ፡ ከፋፋሊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ረቂቕን መርዛምን እዩ። ኣብ ኩሉ እዩ ዚዋሳእ። ኣብ ዩትዩብ፡ ኣብ ፈይስቡክ፡ ኣብ ናይ ተቓወምቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ናይ ወብሳይት ርእይቶ ዚወሃበሉ ዓውድታት፡ ኣብ ፓል ቶክ ወዘተ.። ካድረታቱን ወይጦታቱን ዓቀይታቱን ኣስማቶም ቀያዪሮም ናይ ጽሑፍን ርእይቶን ኲናት ከም ዘካይዱ ብምግባር፡ ኣብ ዝኾነ ዚወጽእ ዓንቀጻት ሃናጺ ዘተ ንኸይካየድ ንኺዓግቱ ህጁም ብምእታው ነቲ ናይ ርእይቶ ገጻት ናብ ዓውደውግእ ንኺቕይሩዎ ስልጠና ወይ ኮርስ ዝወሰዱ እዮም ዚመስሉ። ዘሕዝን እዩ።

 

እነሆ እምበኣር ክንቋየቝን ክንታረኽን ዓመታት ሓሊፉ። እቲ መሪሕነት ግን ከምታ ብኣኽላባት ዘይትደሃል ገመል ስቕ ኢሉ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሓደ ከምዚ ኢና ኪብል፡ እቲ ሓደ ከምዚባ ኢና ኪብል፣ ገለ ኣግኣዝያን ገለ ዓረባውያን፡ ገለ ደምብያውያን ኢና ኪብሉ፡ ገለ ዓጋመ እናበሉ ኪጻረፉ፡ ገለ ድማ ዓረባውያን ስዑዳውያን ኪብሉ ምድሪ መስዩ። ኣብ ምጽራፍን ምክሳስን ኣሒልፍካ ምሃብን ግዜን ጉልበትን ባኺኑ።

 

ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ኣለሊና ክንዲ ንወቅዕ፡ ነንሕድሕድና ክንተዃዀብ ግዜና ነሕልፎ ኣሎና። ነቶም ዚጋገዩ እናኣረምና፡ ነቶም ዚቃለሱ እናኣተባባዕና፡ ነቶም ስቕ ዝበሉ እናቐስቀስና ኣብ ክድኒ ንግስግስ፡ ነንሕድሕድና ክንናኸስ ጸሓይ ዓሪባትና። ንድኽመትና ዝረኣየን፡ በቲ ተናኻሲ ባህርያትና ዝሻደነን መሪሕነት ድማ፡ ካብ ምሒር ንዕቀት እተላዕለ፡ ብመራሒ ጸላኢትና-ነበር ሃገር ገይሩ ካብ እስራኤል ከስጉገና ይመጣጠር ኣሎ። ካብዚ ዚኸፍእ ውርደት ኪህሉ ይኽእልዶ?

 

ቀደም ኣምሓራ ክንብል ግዜና ኣሕሊፍናዮ፡ ሕጂ ድማ ዓጋመ፡ መውጽእ ኣፍና ኮይኑ። እቲ መሪሕነት ግን ከምቲ ዚብሎ፡ ናይ ምስሕሓብ ጠባይ ሃገራዊ ባህርይና ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈለጠን ዝተገንዘበን፡ ኩሉ እንገብሮ ከም ፊልም ወይ ከም ተዋስኦ ገይሩ ብምርኣይ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ብንዕቀትን ብኣሽካዕላልን ይዕዘበና ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
95 COMMENTS
  • meretse October 11, 2019

    Hope your comments will resonate among the genuine readers.

  • Hilna October 11, 2019

    There is an Amharic old saying, “Gulcha bikeyayer weT ayTafTim”.
    It is perplexing to watch Arab slave dogs & ELF criminal beasts like k.tewolde aka Wedi Amate Komarit – Wedi Hirkam scum bag ELF whore mouth, the rootless kondaf saHsaH mushmush Yemeni nomad aka ayte Saeed Mohammed Ahmed – Wedi Khadija African Center dog, fake recent London conference “Haii/Imam”, Danilo/Fernilo aka PH the poorly damaged and used up Arab/Italian condom and last but not least Mrs/weizero meretset.baAlti wuKato.

    • Hagherawi October 11, 2019

      Hilna aka Teclay Gebreanenya

      ኣብተን ናይ ቀደምካ ጸርፊ ፥ ገለ ሓደስቲ ወሲኽካለን ኣለኻ።
      ቁሩብ ማዕቢልካ ኣለኻ ይመስለኒ !!።
      ወይ ክትነፍዕ !
      ቀጽሎ ክሳብ ጽልኢ ኤሪትራ ዘጸልለካ።

  • meretse October 11, 2019

    I see some people are sitting on the same stone for decades hoping the stone will carry them around. Folks there is no magic rock that can move you to your wonderland. Change or you will be rotten there.

    • Hagherawi October 11, 2019

      What do you mean?
      Would make sense only if put in a context.
      Who are these “some people” ?

      • Tsehaye October 12, 2019

        Hagherawi,,

        ንለባም ኣምተሉ፡ ንገርማዕ ዓሻ ደርጓሓሉ። That is what Meretse did. Which one are you? You have been sitting on a stone for too long. I feel sorry for you. You badly need change.

  • meretse October 11, 2019

    Hagarawi
    Your question makes sense.
    I would be back when my time permits.

  • Fanco October 12, 2019

    ገለ ሰባት ፈጺሞም ኣይቅየሩን እዮም። ገለ እሞ ከምዚ እዚ ክቡር መምህር ዝሓበሮ ካብቲ
    ነቓጽ ኣተሓሳስባ ናይ ኢሳያስ ብዙሕ ኣይፍለይን እዩ። እኳ ደኣ ይገዲድ ፡ ምኽንያቱ በቲ ናይ ገዛእ ርእሶም
    ኣእምሮ ዘይኮነ ብናይ እንዳማቶም ርእሲ ዚዝወሩ ኮይኖም ፡ ባዕሎም ንባዕሎም ዘዕሽዉ ፡ ኣብ ኤርትራ ዘየለን ዘይነበረን
    ባዕዳዊ ሱር ክተኽሉ ህርግድ ዝብሉ እዮም።
    ሓዞ ከምዝበሎ: “ቀንዲ ጠንቂ ድኹም ጸቢብ ኣተሓሳስባ ናይ ገለገለ ኤርትራውያን መሰረቱ ፤
    መግዛእቲ ፋሺሽቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን : ድሑር ዓረባዊ-ጊልያነት ዘንቀሎ ርእሰ-ምትሓትን ርእሰ-ልሙስነትን እዩ።”

    • admin October 13, 2019

      Fanco a.k.a Paradiso,
      Stick to one nickname.

  • Wedi Hagher October 12, 2019

    “መግዛእቲ ፋሺሽቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን : ድሑር ዓረባዊ-ጊልያነት ዘንቀሎ ርእሰ-ምትሓትን ርእሰ-ልሙስነትን እዩ።”

    Fanco

    መግዛእቲ ጣልያን ፥ ምእንቲ ነብሱ ክብል ፥ ገለ ደቁ ሃገር ዝጥቀሙሉ ነገራት ገዲፉ ።
    መግዛእቲ እትዮጵያ ፥ ናይ መንነት ቁሉውላው ዘለዎም ደቂ ኾማሮ ሓዲጉ።
    ዝተወልዱሉ ሃገር ዝጸልኡ ፥ መቦቆል ኣቦታቶም ዝኾነት ትግራይ ዝጸርፉ ፥ መንነቶም ዘሕፍሮም ፥ ደቀባት ክመስሉ ዝጸጋገዑ ፥ ኣይ ካብ ኤሪትራ ኣይ ካብ እትዮጵያ ፥ ሓዲግ ዝተረፉ ።
    ብጽልእን ቅርሕንትን ዝሓመመ ክፋል ሕብረተሰብ።
    ኤሪትራዊ ፥ ሻላ እሰያስ ፥ ኣጸቢቁ ኣለሊዩኩም ኣሎ።

  • meretse October 12, 2019

    ሃገራዊ
    ምላሽ ነቲ መን’ዮም እቶም ሓደ ሓደ ሰብ ክትብል ዝሓተትካዮ ሕቶ፡
    ሓደ ሓደ (ገለ ገለ) ሰባት ዝገብሮም ኣብ’ዚ ገዛ ንዘሎው ወሃብቲ ሪእቶ ተስፋ ይገብር። ንትሕዝቶ ሪኢቶይ ዝምልከት ከኣ ብከምዚ ዝስዕብ ከብርሀልካ፡ እቲ ቁጽሪ ካብ’ዚ ገዛ ምስ ዝወጽእ ናብ እንቅዓ ጣፍ (ሚልዮናት) ኢዩ ዝቑጸር። ንቝጽሪ ዝምልከት በሪሁልካ ክከውን ተስፋ የንብር። ኣብታ ሓጻር ግጥሚ ቀሪቦም ዘሎዉ ሰባት ግን ሓደ ክከውን ይክእል፡ ክልተ ክኮኑ ይክእሉ ወይ ካብኡ ንላዕሊ.. ሓደ ሰብ ኣብ ዝባን እምኒ ኾፍ ኢሉ ብዙሕ ነገር ምስ ሓሰበ ፡ ሓሳቡ ንምትርጓም ዝንቀሳቀስ፣ እቲ ሓደ ከኣ ከምኡ ይሓስብ ግን ዘይንቀሳቀስ ከም ማለት እዩ። ድሕሪኡ ዘሎ ንዓካ ኣይጠፍኣካን።
    ጸኒሐ ግን ናብተን መጻሕፍትን ሰብ መጻሕፍትን ክምለስ። ኣብ ዓለምና ብዙሓት ዓይነት መጻሕፍቲ ከምዘሎዉ ማንም ዝፈልጦ ሓቒ ኢዩ። ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ግን ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለማት ዘይርከቡ ፍልይ ዝበሉ መጽሕቲ ኣሎዉ። እዞም መጽእፍቲ እዚኦም ክሳብ እዚ ቀረባ እዋን ኣብ ገዛ ከፈተ ይርከቡ ኔሮም። ክሳብ ሎሚ’ውን ኣሎዉ ኣሎዉ ክብል ይደፍር። ካብ ከተማታት ወጻኢ መልከዕምን፡ ክብደቶም፡ ትሕዝትኦምን ኣይቀየሩን። ኣብ ከተማታት ግን ካብ ርኡያን ናብ ስውራን ተቀይሮም ክሳብ ሕጂ የገልግሉ ኣሎዉ። እቲ ዘገርም ኣብ ዝከድናዮ ከም ጽላለትና ምፍላይ ካባና ምፍላይ ዝኣበዩ ምዃኖም ኢዩ። እዞም መጻሕፍቲ እዚኣቶም ብናይ ለይቲ ልቃውንቲ ዝጽሓፉ ኢዮም። ንስካ ገንጺልካ ከትንብቦም ኣይፍቀደካን። ብእንጻሩ ንሶም ኢዮም ንዓካ ዘንብብዃ። ንሶም ንዓካ ይሓልይልኳ። ንሶም ንዓካ ካብ ዝኮነ ተጻባኢ ፡ ብለይቲ ይኩን ብቀትሪ ይሕልውኳ። ካባካ ዝድለ ብዘይ ገለ ሕቶ ምእማንን፣ ሚስጢሮም ክትፈልጥ ኢልካ ዘይምፍታንን ኢዩ። ሓይሎም መሎኮታዊ ኢዩ። ምስ መልኮት ከይትብኣስ ንእሽቶ ከሎካ ዝተመሃርካዮ ናይ ሞራል ሕጊ ኢዩ።
    መዓልቲ ሓልዩ ዘይግንጸል ነገር ስለ ዘየለ ግን፡ ሎሚ ነዞም ስቱራት፡ መጻሕፍቲ ገንጺሎም ትሕዝትኦም ዝምርምሩ ዝተረክቡ ይመስሉ። እዚ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት’ዩ። ይ
    ይቅጽል
    Hagerawi stay tune. Iwill be back with more information regarding this sealed books. Secondly, I will also try to compare the context of these books with the above article. My time is up and I have to go..

    • Danilo October 12, 2019

      መን እዮም፧፧ መዓል ግዕ-ዘም-ምዕዘ ፡ ዓግዚኣውያን እዮም።meaning the stone age people. But why assenna is allowing them is one thing. The rest, please up date us on current issues. Example, how Abie became the Nobel pr Winner and also the delegate of all Eritreans?

    • Hagherawi October 13, 2019

      Ato meretse

      ንሚስቲስዝም ሸውሃት የብለይን ። ግን ጊዜ እንተ ረኺበ ምንባቡ ጸገም ኣይኮነን።
      ገለ ዝጭበጥ ፍረ ዘለዎ (ናይ ሓሳብ ዕንክሊል) ኮይኑ ግን ኣይስማዓንን።

  • meretse October 13, 2019

    How did Abi became a noble pz winner? First and above all we the so called Eritreans gave it to him. Do you remember how the reception was? If you do there’s no question about it. If the international community see u excited they have no reason to ask about the rest

  • meretse October 13, 2019

    Hagherawi
    ግዜ እንተረኪበ ምናልባት ከንብቦ ኢየ ዶ ኢልካ? ኣይሕዘልካን ምክንያቱ ሙሉእ ኣይኮነን እቲ ሓሳብ፡ ስለ’ዚ ይቅረታ! ናብ ሪእቶይ ክምለስ። ብዙሕ ከይከዱ እቶም ዘይግንጸል መጽሓፍ ክብል ዝጠቀስክዎ ብልሙድ መጸዋዕታ “ክታብ” ኢዩ። ጸሓፍቲ ክታብ ክትፈልጦም ትክእል ኢካ፡ ኣብቲ ክታብ እንታይ ተጻሒፉ ከም ዘሎ ግን ኣይነግርካን ኢዮም። ንስካ ብዘይ ሕቶን ሪኢቶን ወሲድካ ኢካ ክትጥቀ,መሉ ጥራሕ’ዩ ዝፍቀደካ። ካብ ዝሓዘካ ሕማም ንክትናገፍ ወይ ንከይሕዘካ መከላከሊ ከኣ ትጥቀመሉ። እዚ ዘይቅላዕ መጽሓፍ ግን ብእምነት ተገልግሎ። ምስ ኩነታትና ብከመይ ይዛመድ ንዝብል ሓታቲ ግን፡ ንሕና ኤረትራውያን ኣብ መጻሕፍቲ ደሊካ ዘይርከብ (ምናልባት ኣብ ክታብ እንተዘይኮይኑ) ሕማም ምስ ሰፈረ ምልቃቅ ዝኣበየ “ትምክሕቲ” ዝበሃል ጥሪትና ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ፈቆዶ ዓለም ዝተፈላለዩ ምሁራት ከኣ ዓገብ ክብሉ ይውዕሉ ኣሎዉ። ንኣብነት ሰላም ምስ ጎረባብትና ክህልወና ይግብእ ክብሉ እንከሎዎ ፡ እወ ይሃልወና ምስ ተጋሩ ግን ከምታ ዘላታ ይብሉ። እንታይ’ዩ ከምታ ዘላታ? እቲ ጽልኢ ይቀጽል ክንብል በየናይን ናይ መኣስ ግዜ ታሪክን ኢና ከም መርተዖ ነቅርብ ዘሎና። ክንፈልልጦ ዝግበኣን ዝተሰነደ ታሪክ እንተሃልዩ ይቅረብ፡ ብዝተረፈ ጭብትካ ኣብታ ንፋስ ኣብ ዘይኣትዋ ክታብ (መጽሓፍ) ኣብ’ዚ ኣሎ ትብል እንድሕሪ ሃሊካ ጸገም እሎካ። ዘገም እሎና። ንዝምድና ክልትIኡ ህዝብታት ብምሁራት ይኩን ብካልኦት ጉዱሳት ኣካላት ዝግበር ፈተነታት እንድሕሪ ንህዝቢ ዝጠቅም ኮይኑ ክንቅበሎ፡ዘይረብሕ እንተ ኮይኑ ከኣ ክንገድፎ ዘሎና ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣትኩረይ እቲ ኣብ ከተማ መቀለ ዝተገብረ ምይይጥ ዘተኮረ ኢዩ። ንሰላም ክልቲኡ ኣህዛብ ከምኡ ዓይነት ምምይያጥ ክህሉ ኣይጸልእን። ምክንያቱ እዚ ኣኬባ’ዚ ነቲ ዕጹው መጽሓፍ (ክታብ) ዝከፈተ ኢዩ። ከም ሰማዒ ሓደ ነገር ቂር ዝበለኒ እንተኔሩ ኣብ መጨረሻ መምህር ሳህለ ዝሃቦ ሪእቶ ኢዩ። እቲ ሪእቶ ምድጋም ዝድሊ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ብሪኢቶይ እታ ዝተጠቀመላ ቃል ምስቲ ዋዕላ ዘይትቃዶ ኢያ ኔራ። ምክንያቱ ንባዕላ እታ ቃል ፡ ትርጉማ ዝፈልጣን ዘይፈልጣን፡ ካልኣይ’ውን እዚ ሕጂ ዘሎዎ መላኪ ከም ቀዳመይቲ መሳሪሒኡ ስለ ዝኮነት። ድሕሪ ተከታታሊ ህዝባዊ ርክብ ካልእ ንክልቲኡ ህዝቢ ከማእክል ዝክእል ቃል ሒዝካ ምቅራብ ዝሓሸ ምኮነ ይብል። ብዝተረፈ ምእንቲ ሰላም ዝግበር ኣኬባ ግን ኣበይ ብዘየገድስ ክካየድ ኣሎዎ። ዝኮነ ሓጥያት እንተሃልዩ ምውጻእ፡ ብዝተረፈ ግን ስቱር ጽልኢ (ክታብ) ናይ ህግደፍ ሒዝና ክንበር ክሳብ መኣስ? ከክታብና ንገንጽል!!!

  • Hagherawi October 13, 2019

    “. …ድሕሪ ተከታታሊ ህዝባዊ ርክብ ካልእ ንክልቲኡ ህዝቢ ከማእክል ዝክእል ቃል ሒዝካ ምቅራብ ዝሓሸ ምኮነ ይብል። ብዝተረፈ ምእንቲ ሰላም ዝግበር ኣኬባ ግን ኣበይ ብዘየገድስ ክካየድ ኣሎዎ። ”

    meretse

    ሰላም ቁዱስ ዕላማ እዪ። ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ማእከላይ ቦታ ዘሎዎ ጉዳይ እዪ።
    ምእንቱኡ ዝግበር ጻዕሪ ምስጋና ይግቦኦ።
    ዕርቅን ሰላሚን ናይ ኩሉ ሰብ ድልየት ክኽውን ይግባእ ፥ ምኽንያቱ ህይወት ናይ እግዚኣብሔር ቅድስቲ ህያብ ስለ ዝኾነት።
    ሰላም ዝደሊ ሰብ ዝኸዶ መንገዲ ፥ እንተ ነወሓ ፣ እንተ ኣድከመ ፣ እንተ ጸንከረ ፥ ብሸነኽና (ኤሪትራዉያን) ማዕሪኡ ፥ ዘድሊ ጉዕዞ ከይድና ፥ ከም ዝዕወት ክንገብር ሞራላዊ ሓላፍነት ኣሎና።
    ግን ሰላም ዘይደልዩ እንታይ ይብሉ እስከ ንስማዕ ፥
    – ኤሪትራ ትባሃል ሃገር ኣርቲፊሻል እያ ።
    – ኤሪትራዊ መንነት የለን።
    – ትግርኛ ዝባሃል ብሄር የለን ፥ ትግራዎት እዮም።
    – ዘርኢ ፋሺስቲን ፣ ድሑራት ዓረብን እዮም።
    – ኤሪትራ ፥ ኣግኣዚያን እያ።
    – ኣብ ኣግኣዚያን ፥ ናይ ኦርቶዶስ ክብርታት ክነግስ እዪ ፥ እቶም እስላም ናብ ዓረቦም ይኽዱ።
    – ናይ ኦርቶዶስ ክብርታት ዘይቅበሉ ኣብ (ናይ ህልቀት) ማዓስከራት ክንእክቦም እና።
    ዝባህል ዘሎ ቡዙሕ እዩ ፥ ግን ከይመስየና ከነሕጽሮ ፣ ንግዚኡ ይኣክል።
    ምስ ከምዚ ዝብሉ ፖሊቲካዊ ሓይልታት ዝግበር ናይ ሰላም ጻዕሪ ፍረ ኣልቦ እዩ ። ንስኻ የለኻን ምስ ዝብለካ ከመይ ገርካ ሰላም ትሓስብ።
    እዚ መርዛም ኣይዲዮሊጂ ፥ ንባዓል መ. ኣማኒኤል ሳህለ ከይተረፈ ኣብ ፈተነ ኣእቲዩ ዝርከብ ፥ ከምዚ ዝኾዶ ዘሎ እንተ ቀጺሉ ፥ ካብቲ ናይ ሯንዳ ዝኸፈአ ህልቀት ከም ዝስዕብ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
    ኣብ ቡዙሓት ሃይማኖታት ፣ ቢሄራት ፥ ዓሌታት ፥ ኣብ ዝቅመጣሉ ከባቢ ፥ ኮነ እልካ ብብደዕን ጽልእን ዝሳወር ሓዊ ፥ ባሪዕ ናቱ ነቶም ጀመርቲ ዝያዳ ግዳያት ከም ዝገብር ፥ ናይ ጀርመን ካላኣይ ዉግእ ዓለም ታሪክ የምህረና።

POST A COMMENT