Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ (A culture of futile antagonism) ኣማኑኤል ሳህለ ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ''ኣነ ካብ ኩሉ ቃል

ናይ ከንቱ ምስሕሓብ ባህሊ

(A culture of futile antagonism)

ኣማኑኤል ሳህለ

ድሕሪ ናጽነት፡ ንሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣብ ገዝኡ በጺሐዮ ነይረ ( ኣታ እየ ዝብሎ፡ ቤተሰብ ስለ ዝኾነ)፡ ኣብ መንጎ ዕላልና፡ ብዛዕባ ስምረት ኣልዒልና ተዛቲና። ”ኣነ ካብ ኩሉ ቃል ደስ እትብለኒ ኣላ፡ ንሳ ድማ ስምረት እትብል ቃል እያ” ኪብለኒ ይዝከረኒ። ከምዚ መበሊኡ ምናልባት ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ካብ ቀደም ጀሚሩ ዚርእዮ ዝነበረ ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ብምዝካር ዶኾን ይኸውን? ኤርትራውያን ከይሰማምዑ ተስማሚዖም እዮም ዝበለ ሓቀይ ንሱ ዲዩ?

እዚ ናይ ምስሕሓብ ባህሊ ግን ካበይ ዘጥረናዮ እዩ? ንምንታይ እዩኸ ካብ ባህርና ከልግስ ዘይከኣለ? ካብ ኣቦታትና ሰጊሩስ ናብ መንእሰያትና ሓሊፉ። ዳርጋ ንኹሉ ኣኼባታት ብኩራን ብባእስን ምዝዛም ሃገራዊ ጠባይና ኮይኑ። ካብቲ ዚብሃል ዘሎ ቆንጢርካ ወሲድካ፡ ኣብ መደምደምታ ምብጻሕ፡ ነቲ በቲ ሰብ ዚቐርብ ሓሳባት ዘይኮነስ ብዛዕባ’ቲ ሰብን ብዛዕባ ድሕረባይታኡን ዝያዳ ምግድሳስ፡ እዚ ኩሉስ ኪእረም ይኽእልዶ ይኸውን?

ኣብ እግረመገደይ ክብሎ ዚደሊ ነገር ግን ኣሎ፡ ንሱ ድማ ገለ ኣንበብቲ ነዚ ሕጂ ዝጽሕፎ ዘሎኹ ዓንቀጻት ብምምልካት፡ ነቲ ዝሓለፈ ርእይቶታተይን መርገጺታተይን ንኽእርም ወይ ንኸመኻኒ ዘቕርቦ ዘሎኹ ናይ ጣዕሳ ወይ ኑዛዜ መልእኽቲ ገይሮም ዚወስዱዎ እንተ ኣለዉ፡ የዋህነት ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። ንሓቂ እምበር ንኽትፍቶ ወይ ንኸይትጽላእ ኢልካ ምጽሓፍ ካብቶም ንወድሰብ ዘሕስሩዎ ባህርያት ሓደ እዩ። ኩሉ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎን ዝጸሓፍኩዎን ብድሕሪ ሕጂ’ውን ዝብሎን ዝጽሕፎን ነቲ ዝኣምነሉን ሕልናይ ዚድርኾን ነገራት ንምግላጽ እንተ ዘይኮይኑ ምንም ካልእ ዕላማ ከም ዘይብሉ ኩሉ ኣንባቢ ወይ ሰማዒ ኪፈልጦ እደሊ። ኣለዎ ዚብሉ እንተ ኣለዉ ግን፡ ንኸይሓስቡ ክዓግቶም ስለ ዘይክእል፡ ናጻ እዮም።

 

ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምላስ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ህዝብና ዚረአ ባህርያት፡ ምህዋኽን ቀልጢፍካ ምርሳንን እዩ። ንሓደ ነገር ባዕልኻ ኣብ ክንዲ እተጻርዮ፡ ኣብ በለካን ለኽዓካን ምምርኳስ። ኣብ ክንዲ ኣብ ምንባብ ምትኳር፡ ናብ ወረን እተባህለን እዝንኻ ምጥዋይ። ህድእ ኢልካ ንነገራት ዘይምትንታን። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘራኽበካ ነገራት፡ ነቲ ዝፈላልየካ ነገራት ሃሰው ምባል ወዘተ.። ከምዚ ባህርያት ምህላው ወይ ሒዝካዮ ምቕጻል፡ ብኻልእ ሰብ ክትውረርን ክትግዛእን ክትጭቆንን መገዲ ይኸፍት እዩ፡ ንርእሰ-ምሕደራ እውን ዕንቅፋት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብናተይ ኣረኣእያ (ጌጋ እንተለዎ ክእረም ድሉው እየ) ከምዚ ዓይነት ባህርይ ዘጥረናሉ ምኽንያት ወይ መሰረት ኪኾኑ ዚኽእሉ፡ ካብ ብዙሕ ገለ ክጠቅስ እደሊ፥

ሀ. ናይ ብሄራትና ጉዳይ /ህዝባዊ ኣቃውማ

ኣብ ፊዚክስ፡ ሰንትሪፔታልን (ንውሽጢ ዚስሕብ)፡ ሰንትሪፉጋልን (ንደገ ወይ ንግዳም ዚስሕብ) ሓይልታት ከም ዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ። ኤርትራ ትሽዓተ ብሄራት ኪህልዉዋ ከለዉ መብዛሕትኦም ብሄራትና ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ብሄራት እውን ይዛመዱ እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ዚነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ኣፋር፡ ኢሮፕ፡ ኩናማ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ ምስ ሱዳን (ከም ህዳረብ) ወይውን ምስ ስዑዲ ዓረብ (ከም ራሻይዳ)። እዚ ናትና ህዝባዊ ኣቃውማ’ዚ ኣብቲ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ፍሉይ ተርእዮ እዩ። ካብ ካልኦት ሃገራት ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ብዝያዳ ኣብ ኤርትራ ጎሊሑ ድማ ይረአ። ከምዚ ብምዃኑ፡ ኣብተን ብሄራት ንውሽጢ ዚስሕብ፡ ወይ ሰንትሪፔታል (ኤርትራውነት ዘድልድል) ከምኡውን ንደገ ዚስሕብ ወይ ሰንትሪፉጋል (ኤርትራውነት ዘዳኽም) ድራኸታት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ። ብሓጺሩ፡ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እተፈላለዩ ብሄራት ምስቶም ኣብ ስግረዶብ ዘለዉ ኣሕዋቶም ዝምድናን ምትእስሳርን ኪስምዖም ከሎ፡ ኣብ ክንዲ ንውሽጢ ዚርእዩ፡ ንደገ ኪርእዩ ይድረኹ እዮም። ሓድሓደ ግዜ ድማ ንውሽጢ ኪርእዩ ይግደዱ (ብፍላይ ኣብቲ ሃገራውነት ዚስፍነሉ እዋናት)። እዚ ስምዒታት’ዚ ኣብቲ ሕብረተሰብ ብንጹር ዚረአ እኳ እንተ ዘይኮነ፡ ጠንቁ ግን ብእተፈላለየን ብረቂቕን መገዲ ጽልዋ ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ኣብቲ ናይ ምስሕሓብ መንፈስና ወይ ድራኸና ድማ ነዊሕ እተጓዕዘ ሳዕቤን ከይገደፈ ዝተረፈ ኣይመስለንን።

 

ኣብ ልዕል’ዚ ናይ ርእሰ-ምሕደራ ጸገማት’ውን ኣሎ። ኤርትራ ከም ሃገር ኮይና ዝቐጸለት ጣልያን ምስ ኣተወ እዩ። ቅድመኡ፡ ብባሕሪ ነጋሻት ትመሓደር ነይራ፡ ግን ምስቲ ማእከለይ መንግስቲ ሓበሻ ዝነበራ ርክብ ኣቋሪጻቶ ኣይትፈልጥን። እዚ ናይ ባሕሪ ነጋሽነት ምሕደራ፡ ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ብንጉስ ፋሲለደስ ኪፈርስ ክኢሉ፡ ብድሕሪኡ ግን ክሳዕ ጣልያን ዚመጽእ፡ ታሪኽ ኤርትራ ናይ መሳፍንትን ናይ ወረራን ታሪኽ ኮይኑ እዩ ሓሊፉ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ብናይ ምሕደራ መዳይ፡ ናጻ ኮይኑ ነብሱ ከመሓድር ዝጀመረ ኣብ ግዜ ፈደረሽንን ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልስን ድሕሪ ናጽነትን ጥራይ እዩ።

 

ልክዕ’ዩ ኣብ ገሊኡ ክፋላት ኤርትራ፡ ዓዳውን ወረዳውን ምምሕዳርን ደሞክራስያዊ ኣገባባትን ነይሩ እዩ። ብሃገር ደረጃ ግን ኣይነበረን። በዝን ክንድዝን ኣብቲ ሃገር ድልዱል ፖለቲካውን ቁጠባውን ሰረት ዝነበሮ ማእከላዊ ምምሕዳርን ጥምረትን ዝነበረ ኣይመስለንን። ከምዚ ብምዃኑ ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ናይ ጥምረትን ምትእስሳርን ሃጓፋት ኪፍጠር ባህርያዊ እዩ።

 

እዚ ሕጂ ዘሎ መራሒ፡ ንኤርትራውያን ኪንዕቕ ካብ ዘኽኣሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዘይምስምማዕና ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዘስተውዓለሉ እዩ። ተቓወምቲ ኣለዉዶ ኢሉ ምስ ተሓተተ፡ ዓይኑ ከይሓሰየ፡ የለዉን ብምባል እዩ ዝመለሸ። ሓቁ ከእዩ፡ ኪጻረፉን ኪቋየቑን ግዜኦምን ጉልበቶምን ዘሕልፉ ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ምህላዎም ንላዕሊ ዘይምህላዎም ዝያዳ ውጽኢት ይርከቦ።

 

ኣበይ`ዩ ዓዱ? ሃገራዊ ድዩ (ህግደፍ ድዩ ማለቶም እዩ)? ክርስትያን ድዩ (ገለ ”ንጎይታ እተቐበሉ” ዘቕርቡዎ ዘስደምም ሕቶ እዩ፡ ከምኦም እንተ ዘይኮይኑ ክርስትያን ኣይኮነን)? ዓጋመ ድዩ (ጸማም ሓደ ደርፉዶ ክንብሎም፡ ግን ከኣ ንሳ እያ ዓቕሞም፡ ንሳ እያ ነቲ ኤርትራውነቶም እትምስክረሎም)? ከምዚ እናበልካ፡ ሓድነትን ስምረትን ክትሃንጽ ኣይከኣልን። ከምዚ ዓይነት ባህርይ ምኽታል ነታ ሓደ እዋን እንኮ ዕድልና ዝነበረት ማለት ፈደረሽን፡ ንኽትፈርስ ምኽንያት ከም ዝነበረ ረሲዕናዮ ዲና? ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስኒት ዘይምህላው ዘስዓቦ ታሪኻዊ በሰላታት ቍጽሪ የብሉን። ኣብ ሜዳ ከይተረፈ ንኤርትራ ናጻ ከውጽኣ እተመስረታ ክልተ ሓርነታውያን ውድባት እቲ ሜዳ ጸቢቡወንስ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ሰጒጓታ።

 

ለ. ናይ ጣልያን ወይ ናይ ዓረብ ውርሻ

ኣነ ኣብ ኤርትራ ክቕመጥ ከሎኹ (ኣብ ኣስመራ ተወሊደ ኣብኡ ዓብየ)፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ጣልያን መጻሕፍቲ ከንብቡ ወይ ፖለቲካዊ ዘተ ከካይዱ ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን። ኪቋየቑን ከንጸርጽሩን ግን እርእይ ነይረ። ህድእ ኢልካ ምሕሳብን ምፍራድን ኣይፈልጡን። ህዉኻት እዮም። ካብቲ መደምደምታ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚርካ ክሳሕ ሕጂ፡ መንግስቲ ከም ካምቻ ኪቕይሩን ኣብ ባይቶ ኪበኣሱን እዮም ኣሕሊፎምዎ። ክሳዕ ሕጂውን ናይ ምስምማዕ መንፈሶም ድኹም እዩ። እዚኣቶም እዮም ን60 ዓመታት ዝገዝኡና። ገለ ካብቲ ባህርያቶም ከይወረስናዶ ተሪፍና ንኸውን?

 

ሽሕኳ ብዛዕባ ጎረባብትናን በጻሕትናን ዝኾኑ ኣዕራብ ኣፈይ መሊአ ክዛረብ ዝኸብድኒ እንተ ኾነ፡ ብገለ ተመክሮን ብሓፈሻ ከኣ ብኣካልን ብመጻሕፍትን ከም ዝፈልጦምን፡ ናይ ዓቕልን ልዝብነትን ባህርያት ይጎድሎም እዩ። ሕብረቶም ድኹም እዩ። ነታ ቀንዲ ጸላኢቶም ዝኾነት እስራኤል እኳ ሰሚሮም ከሕምቑዋ ኣይከኣሉን።

 

ከምዚ ዝበለ ባህርያት፡ ናብ ህዝብና ብገለ ሸነኻቱ ዝሓለፈ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንሕና ኤርትራውያን ፈቲና ጸሊእና ናይዞም ክልተ ህዝብታት እዚኣቶም ከቢድ ጽልዋ ኣሎና። ጎረቤትካን ገዛኢኻን ኪጸልወካ ንቡር ስለ ዝኾነ።

 

ሰ. ናይ ጸላኢ ሸርሒ

ዝኾነ ይኹን ጸላኢ፡ ናብ ሃገር ሰሊኹ ቅድሚ ምእታዉ፡ ሰለይቲ እዩ ዚልእኽ። ብድሕሪኡ ድማ ኣደናገርቲ ይሰድድ። ናይዞም ኣደናገርቲ ስራሕ፡ ነቲ ህዝቢ ብዓሌትን ብሃይማኖትን ብዓድን ወረዳን ወዘተ. ምክፍፋል እዩ። ነቓዕ መንደቅ ንምፍራስ ግዜ ኣይወስድን። ነቓዕ ሕብረተሰብ ንምውራር ድማ ከምኡ።

 

ሃይለ ስላሴ ነዚ ሜላ’ዚ ግርም ገይሩ እዩ ተዋሲኡሉ። ፈደረሽን ንምፍራስ ድማ ተጠቒሙሉ። ደርጊ መታሕትን ከበሳን ብምፍላይ ንኤርትራ ኪጎዛዝያ ፈቲኑ። ሳላ ውፉይ ሓርነታዊ ቃልሲ ግን መደባቱን ውጥናቱን ፈሺሉ ተሪፉ። እቲ ሸርሒ ግን ኣየቋርጸን።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ መሪሕነት ኤርትራ ዚኽተሎ ዘሎ ሜላ፡ ከፋፋሊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ረቂቕን መርዛምን እዩ። ኣብ ኩሉ እዩ ዚዋሳእ። ኣብ ዩትዩብ፡ ኣብ ፈይስቡክ፡ ኣብ ናይ ተቓወምቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ናይ ወብሳይት ርእይቶ ዚወሃበሉ ዓውድታት፡ ኣብ ፓል ቶክ ወዘተ.። ካድረታቱን ወይጦታቱን ዓቀይታቱን ኣስማቶም ቀያዪሮም ናይ ጽሑፍን ርእይቶን ኲናት ከም ዘካይዱ ብምግባር፡ ኣብ ዝኾነ ዚወጽእ ዓንቀጻት ሃናጺ ዘተ ንኸይካየድ ንኺዓግቱ ህጁም ብምእታው ነቲ ናይ ርእይቶ ገጻት ናብ ዓውደውግእ ንኺቕይሩዎ ስልጠና ወይ ኮርስ ዝወሰዱ እዮም ዚመስሉ። ዘሕዝን እዩ።

 

እነሆ እምበኣር ክንቋየቝን ክንታረኽን ዓመታት ሓሊፉ። እቲ መሪሕነት ግን ከምታ ብኣኽላባት ዘይትደሃል ገመል ስቕ ኢሉ ስርሑ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ሓደ ከምዚ ኢና ኪብል፡ እቲ ሓደ ከምዚባ ኢና ኪብል፣ ገለ ኣግኣዝያን ገለ ዓረባውያን፡ ገለ ደምብያውያን ኢና ኪብሉ፡ ገለ ዓጋመ እናበሉ ኪጻረፉ፡ ገለ ድማ ዓረባውያን ስዑዳውያን ኪብሉ ምድሪ መስዩ። ኣብ ምጽራፍን ምክሳስን ኣሒልፍካ ምሃብን ግዜን ጉልበትን ባኺኑ።

 

ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ኣለሊና ክንዲ ንወቅዕ፡ ነንሕድሕድና ክንተዃዀብ ግዜና ነሕልፎ ኣሎና። ነቶም ዚጋገዩ እናኣረምና፡ ነቶም ዚቃለሱ እናኣተባባዕና፡ ነቶም ስቕ ዝበሉ እናቐስቀስና ኣብ ክድኒ ንግስግስ፡ ነንሕድሕድና ክንናኸስ ጸሓይ ዓሪባትና። ንድኽመትና ዝረኣየን፡ በቲ ተናኻሲ ባህርያትና ዝሻደነን መሪሕነት ድማ፡ ካብ ምሒር ንዕቀት እተላዕለ፡ ብመራሒ ጸላኢትና-ነበር ሃገር ገይሩ ካብ እስራኤል ከስጉገና ይመጣጠር ኣሎ። ካብዚ ዚኸፍእ ውርደት ኪህሉ ይኽእልዶ?

 

ቀደም ኣምሓራ ክንብል ግዜና ኣሕሊፍናዮ፡ ሕጂ ድማ ዓጋመ፡ መውጽእ ኣፍና ኮይኑ። እቲ መሪሕነት ግን ከምቲ ዚብሎ፡ ናይ ምስሕሓብ ጠባይ ሃገራዊ ባህርይና ምዃኑ ኣዳዕዲዑ ስለ ዝፈለጠን ዝተገንዘበን፡ ኩሉ እንገብሮ ከም ፊልም ወይ ከም ተዋስኦ ገይሩ ብምርኣይ ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ ብንዕቀትን ብኣሽካዕላልን ይዕዘበና ኣሎ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
95 COMMENTS
  • Hagherawi October 16, 2019

    Correction:

    “ምስ ሙሉእ ዕጥቆም ናብታ ኩዋጉኡዋ ዝዉዕሉ ዝነበሩ ጀብሃ ተጸምቢሮም።”

  • meretse October 16, 2019

    ኣነ’ዃ ኣቦካን ኣደካን መሪቆም ዝሃብዃ “ፋንኾ” ዝብል ስም ገዲፈ “ተክላይ” ኣይብል “ወላይ” ኣይብል !
    መልሲ ንሕቶካ፡—–.ኣብ ጀብሃ ስለምንታይ እዮም፡ ኣብ ሜዳ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ትግረ፡ መራሕቲ ጀብሃ ብሓዊ ዘቃጸልዎ? ዓገብ! ዓገብ! እዛ ሕቶ’ዚኣ ቅድሚ ሕጂ ተሓቲታ እንተ ኔራ ፡ ንምንታይ ጉብእ መልሲ ዘይረከበት ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣነ’ውን ይሰማማዓሉ ነጥቢ ኢየ።
    መጀምርያ ጀብሃ መጻሕፍቲ ሒዛ ኣይወፈረትን። ድሕሪ ምሕራር ገጠራትን ፡ ንኡሳን ከተማታትን ግን፡ ዓቅማ ዘፍቅዶ ክፍሊ ትምህርቲ መስሪታ። ኣብኡ ካብትን ካብትን ኢለ ንመባእዊ ትምህርቲ ዝበቅዑ ንኡሳት መጻሕፍቲ ኣዳልያ። ከምቲ ዝበልካዮ ናይ ትግሪናን ትግረን። እቲ ናይ ትግርና መጽሓፍ ከም ሻሞ ተባሂሉ ምስ ጉድለታቱ ሰንሱር ሓሊፉ፡፡ እቶም ናይ ትግረ መጻሕፍቲ ግን ብትግርኛ ቀዳማይ ቛንቖኦም መማህራን ስለ ዝተዳለወ( ሓደ) ፡ ካልኣይ ኣብ ኣብ ሰምሃር ዘሎዉ ትግረን ኣብ ባርካ ዘልዉ ትግረ ዝዛረቡ ሕብረተሰብን ሓደ ሓደ ናይ ስም (ቃል) ፍልልይ ስለ ዘምጽኡ እዚ ኣይቛንቛናን፤ ደሓር ከኣ “ላምስ ብኢዳ ክቀርባ ብእግራ ትሓክክ” ይብሉ፣ ዋናታት ከሎና ንስኩም ብከመይ ተዳልዉልና? ስለዚ እዚ ወጊድ በልዎ ኢሎም። ንሕና ባዕልና ጽቡቅ መጽናዕቲ ጌራና ከነዳሉ ኢና ፡ ንስካትኩም እንተ ኪእልኩም ናትኩም ግበሩ ኢሎም ኣርባዕተ ነጥቢ ኣቀሚጦም። ድሕሪ’ዚ “ዋና ኣብ ዝበልካ ሕጎም” ስለ ዝኮነ ይሰተር ተባሂሉ ተሰቲሩ።
    እቲ ብሓዊ ንምንታይ ክቃጸል ተፈሪዱ ዝበልካዮ ከኣ ሓቅካ ኢካ። ብሓዊ ነዲዱ ኢዩ። ብሓዉ ዘንደድዎ ግን “ራሻይዳ” ኢዮም። ራሻይዳ ካብ ስዑዲ ፈሊሶም ኤረትራዋን ምዃን የጸይፎም ስለ ዝነበረ ብጀብሃ መጠንቀቅታ ተዋሂብዎም ኔሩ። ከም ኤረትራውያን ክትነብሩ እንተዝይደሊኩም >> ዓድና ለቂቅኩም ውጹ። እንተ ደሊኩም ንስዑዲያኩም፣ እንተ ደሊኩም ንሊብያኩም ዝብል ንሓንሳብን ንመጨረሻን መጠንቀቅታ ተዋሂቦም። ንሳቶም ንጀብሃ ሓበላ ዓይኒ ኢዮም ኔሮም። ዓረብ ስለ ዝኮንኮና ኢኩም ትጸልኡና ዘሎኩም ግን ደሓን፡ ንሕና’ውን ሓደ መኦኣልቲ ኣያ ክህልወና ኢዩ ይብሉ ኔሮም፣ ክሳብ ዝኮነ ዝከውን ግን ግዜ ሃቡና ኢሎም ኣብ እግሪ ጀብሃ ወዲቖም ይልምኑ ኔሮም። እዚ ከም’ዚ ኢሉ ከሎ፡ ሓደ ምሸት መሊቖም ኣትዮም ነቲ መጻሕፍቲ ናይ ትግረ ተኪዝንሉ ዝነበረ መክዘን ብሓዊ ኣንዲዶሞ። ብመሰረቱ ክነድድ ተዳልዩ ኢዩ ኔሩ። ንሶም ግን ነቲ ስራሕ ኣቃሊሎሞ። ከመይሲ ፡ ንመጺኦም ፡መጪኦም፣ ንበዚ በጁ፣ ንዘይኮነ ደይኮነ፣ ዝዓይነቶም ቃላት እብቶም ተዳልዮም ዝነበሩ መጻሕፍቲ ስለ ዝነበሩ ፡ ኣብ ተራ ዘረብ ከም ድልየትካ፤ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ቤት መጻሕፍቲ ግን ፡ መጺኦም፣ በዚ፣ ዘይኮነ፣ …ወዘተ ዝብል ቃላት ኢካ ክትጥቀም ዘሎካ። እቶም ንምንታይ ሓዊ ተፈሪድዎም ዝበልካዮም መጻሕፍቲ ከኣ ከምዞም ንኣብነት ዝጠቀስኩልካ ጌጋታት ስለ ዝነብሮም ኢዮም። ንምዃኑ ናይ ሎሚ ሓደስቲ ናይ ትግረ መጻሕቲ ከ’ባ እንታይ ይመስሉ። ተስፋ ይገብር ሕቶካ ንመጨረሻ ግዜ መልሲ ረኪቡ ክከውን!!!!

  • TYitbarek October 16, 2019

    Things are moving like a whirl wind in such same turn. It reminds me what happened in 1977 onboard an American bull carrier when the Giro Compass failed in the middest of a storm in the Biscaye bay, near Cape Finistere at exactly 20.00 local time.
    Your comments do not refer to the article but to the comments given by individuals. Emanuel Sahle is telling us that we Eritreans are not able to form a unity and a future democratic government. Is he right or wrong? Stick to his article and comment point by point.
    Knowing that Amanuel has de decided to join the Tigray Tigrigni movement (or Agazian group) and has told them that his grandma is from Tigray in a conference in Mekele, so did Woldeab Woldemariam. Tigray Tigrigni is initiated by people in Tigray during the 40ties & 50ties but didn’t last long because not all people in Tiray itself. It will fail today also as soon as both Tirians in the PFDJ and Kekele get tired.
    My advise is challenge Amuel’s article which is not correct what he is writing, my take is the articles he usually write are disgustingly untrue.

  • Hagherawi October 17, 2019

    “Emanuel Sahle is telling us that we Eritreans are not able to form a unity and a future democratic government. Is he right or wrong?”

    TYitbarek

    Amanuel is saying so many things you don’t expect from someone of his age and experience.
    Italians don’t read, just talk; Arabs have bad habits … and Eritreans have inherited colonial masters values .. etc, just paraphrasing.
    Then his attempt to put Eritrea in Ethiopian history context, King Sahlesellasie bla bla .
    Ethiopia is few years older than Eritrea. The 3000 years fairy tale is may be good for those who want be seen as an old nation with unique civilization, although it’s a cooked-up narrative. It’s something all non-Habesha Ethiopians think have nothing to do with.
    Peopke are angry at Amanuel because people never expected him to fall in Woyanes hands so easily.
    Sell your books in Mekele, but don’t sell Eritrea. You look so bad.

    • Danilo October 17, 2019

      Indeed Hagerawi, I was shocked hearing Emanuel’s speech. Remember, there is a say “ስግር መረብ፡ወራር ኣምበጣን ደጓዑን እያ ተኤንግድ” sure! Nothing else comander Barba was right to expatriate ተጋሩ from Eritrea to their respective homeland .

      • Robiel Gebrehiwet October 19, 2019

        Memher! Once again thanks. After reading the article, I started reading few comments. Then the truth of the article became more clear.

  • meretse October 17, 2019

    ኣብ መጨረሻ እምብኣር ሪኢቶካ ኣቀሚጥካ፡ እንቛዕ ዓሰልካ፤ ንሱ ኢዩ ዝድለ። እዚ ሕጂ ዘሃብካዮ ሪኢቶ ብዓንቶቦ ፡ ከብዲ ሰብ ከይረገጽካ ክትህቦ ትክእል ኔርካ። ግን ደሓን። ሪኢቶ ናተይ ከኣ ከም’ዚ ዝስዕብ ኢዩ፡–
    ቅድሚ ናብ ናይ መምህር ቃል (ቃላት) ምእታወይ ብከም’ዚ ክፍልም .. ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዶ/ር ተስፋጼን ንግሎባላዘሽን መሰረት ጌሩ ንዝገበሮ መደረ >> “ቀይሕ ካርድ” ወይ ናይ “ጽያፍ” ተዋሂቡ። ቀጺሉ ዶ/ር በረከት ንስለ ሰላምን፣ ራህዋን፣ ምዕብልናን፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ብዝገበሮ መደረ >> ቀያሕ ካርድ (ናይ ጽዩፍ ካርድ) ተዋሂቡ፤ ዮሴፍ ገብረህይወት ገድሊ ምርኹስ ጌሩ ብዝጸሓፎ ጽሑፍ ውጉዝ ዝብል ስም ጠቢቕዎ ምሳኣ ከኣ >>> ቀያሕ ካርድ፤ ሃገረ ኤረትራ ንዕዳጋ ዘውረዳ ምድማር ግን እታ ዝዓበየት >>> “ትሒምትሒም” ብውሽጣ ውሽጢ ወይ ደፊርና ዝበሉ ከኣ >>> “ብጫ ካርድ”። እዚ ድዩ እቲ ሓቒ? ቀጺለ ነቲ መምህር ዘቀመጦ ሰፍ ዘይብል ሓሳብ ክትንትን ዓቅሚ ከም ዘይብለይ ክሕብር ይፈት። ፍልጠተይ ንኡስ ስለ ዝኮነ ግን ፍልጠቶም ክንዲ ናተይ ይኩን ኣይብልን። ኩሉ ሰብ ብዓቅሙ ኣብራኹ ኢዩ ዝጓዓዝ። ኣእዛነይ ኩሉ ንክሰምዓ ቁሩባት ኢየን። ሓሓርየን ይስመዓ ዝብለኒ ግን መሰለይ ከም ዝነግፈኒ ዘሎ ጌረ ስለ ዝቆጽሮ፡ ረሓቕ ካብ ጥቃይ ዝብል መጠንቀቅታ ኢየ ዝቦ!!!!!

    • Danilo October 18, 2019

      ኩቡር ሓው meretse, ርእይቶኻ ንዓይ Danilo ትምልከት እንተኮይና ገለ ወስ ክብል ፍቀደለይ።እንተዘይኮይኑ ግን፡ከምቲ ናይ ( ምስማዕ ) መሰል ዘለዋ እዝንኻ፡ንምፍቃርን ምጽላእን ልቢ ከም ዘላትኒ ክሕብረካ ይፈቱ ቢኣንጻር ፈታዊየይን ጸላኢየይን vs ማዕረ -ማዕረ።ከብዲ ረጊጽካ ትርጉም የብሉን።እንታይ ዲኣ ክሳድ ምሓዝ እምበር።ማለት’ሲ ፡ዝኾነ ሰብ ሙሁር ይኹን ዘይሙሁር ፡ቀይሕ መስመር ዝሰገረ ካልእ እኮ እዩ ዝግብኦ።ካብቶም ዝጠቀስካዮም ጀሚርካ ንሰብ ጃሎ’ውን ከምኡ ገና ክንፋለጥን ክንማለጥን ኢና ።

      • meretse October 19, 2019

        ሓው ዳኒ
        ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ሪእቶካ ብምልጋባ እንተዘይ ኮይኑ ምስ ሪኢቶካ ምንም ዘተኣሳስር የብላን። እቲ ሪኢቶ ንሃገራዊ ኢዩ። ሃገራዊ ብቅድሚትን ድሕሪትን ሓያል ምሳይ ክጓዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝጥዕሞ ቦታ ምስ ሓዘ ንዝሃቦ ናይ ሪኢቶ ኢዩ ኔሩ። ንሱ ኣብቲ መምህር ዝገበሮ በደረ ዘሎኒ ሪኢቶይ ክረክብ ኢዩ ኣዘባዚቡኒ። ኣነ ነቲ ሃገራዊ ዝበጽሖ ስለ ዘይበጻሕክዎ “ተደረር” ኢለ ክሓልፎ ፈቲነ። ሃገራዊ ግን ኣይኣመነን ። ምናልባት ዘይተከታተልካና ደእ ኾንካ’ምበር ብናይ ቀደም ኣጸዋውዓ ክታብ (ንእሽቶ መጽሓፍ) ብናይ ሎሚ ምናልባት “ቺብ” ጀሚርና ሓያል ኢና ተጓዕዝና። መደምደምትኡ ግን ሕማቕ ኣይነበረን። ኩሉ ዋሒድ ይዓልም ዋሒድ ኔሩ። ስለዚ ዳኒ ይቅረታ ንዓካ ስለ ዝመሰለትካ!

        • Danilo October 19, 2019

          መረጸ ሓወይ የቀኒየለይ።ሓቂ ንምዝራብ፡እቲ ዚኣምኖ ኣምበላይ ፈረስ፡ካባይ ንላዕሊ ዓቃል፡ለዋህ፡ሩሕሩሕ ሙኹዋኑ ስለዝፈልጥ ይውጥሖ።ከም ገለ ግን ኣነውን እንተበዲለ ኣባት ነብሲ (simon G ) ክጽውዕ ቀሪበ ነይረ።meno male! ንግዝየኡ ፈላፍል ፖለቲካ ቀሲመ ኣለኹ ካባኻ።እምባሕ በል መረጸ !!!

          • Simon G. October 21, 2019

            Danilo,
            My comments are blocked for some reason. Just trying if this go thru

          • admin October 29, 2019

            Appologies for the late response, Simon G. But we could not find any comments of yours that were either blocked or held back for apporoval.
            Is it possible that something might have gone wrong somewhere else? Trying to investigate here.
            Assenna

    • Hagherawi October 19, 2019

      “ፍልጠተይ ንኡስ ስለ ዝኮነ ግን ፍልጠቶም ክንዲ ናተይ ይኩን ኣይብልን። ”

      meretse

      ኣማኔል ሳህለ ዝብሎ ዘሎ ንምርዳእ ፥ ቡኡ መሰረት ድማ ፥ ብዛዕቡኡ ዝተራእየካ ምባል ፥ ዝድለ ሙሁር ሙዃን ዘይኮነስ፥ ኣብ ጉዳይ ሃገርካ ታዓዛቢ ወይ ሸለል ባሃላይ ዘይሙዃን እዩ።
      ዋላእኳ ንሱ ገለ ናይ ፊዚክስ ሕግታት ኣብ ዘይቦቱኡ እንተጠቀሰ (ነቲ ዝብሎ ዘሎ ፖሊቲካዊ ጉዳያት ክብደት ንምሃብ) ፥ ሓደ ሓረስታይውን ፥ ነቲ ዘየዲሊ ዘለፋ ሰሚዑ ፥ ታራ ቃላት ተጠቂሙ “ነውሪ ፥ ኮምኡ ኣይትበል ዝሓወይ” ክብሎ ምኻኣለ።
      እም ንስኻ ፥ ኣባል ክፍሊ ትምህርቲ ትሓኤ ዝነበርካ እትመስል ፥ ጻሓፋይ እንታይ ይብል ኣሎ ጥራይ ዘይኮነስ ፥ ዋላኳ ዕንክሊል ክብለና እንተ ፈተነ ፥ ኣብ ናይ ወያነ መዝገብ ዓሪዱ ፥ ካብኡ ይትኩሰልና ምህላዉ ንኹሉ ቡሩህ ስለ ዝኾነ ፥ ያዕ ምባሉ እንተ ትደሊ ኣይምጸገመካን።
      ኣብ መጨረሻ ፥ እታ መርከብ ሓንቲ እያ ፥ ብድሕነታ ዝምልከት ፥ ረሪእቶና ክህሉወና ኑቡር እኳ እንተኾነ ፥ ኣብኡ ተሓጺሩ ዝተርፍ ግን ኣይኮነን ። ከምቲ ናይ መምህር ኣማኑአል ፥ ገሊኡ ፥ ንምዝንባላ ዝዓለመ ክኾውን ይኽእል እዩ ።

  • Fanco October 19, 2019

    ዝኸብረካ መረጸ ፣ ንዕሙቕ ዝበለ ታሪኻዊ ኣፍልጦኻን ተገዳስነትካን ፣ ነዚ ዝሃብካዮ ስፍሕ ዝበለ መለሲ ፣ ታሪኽ ክምዝግቦ ዝግባእ የቐየለይ።
    “….. መጀምርያ ጀብሃ መጻሕፍቲ ሒዛ ኣይወፈረትን።. .. እቲ ብሓዊ ንምንታይ ክቃጸል ተፈሪዱ ዝበልካዮ ከኣ ሓቅካ ኢካ። ብሓዊ ነዲዱ ኢዩ። ብሓዉ ዘንደድዎ ግን “ራሻይዳ” ኢዮም። ራሻይዳ ካብ ስዑዲ ፈሊሶም ኤረትራዋን ምዃን የጸይፎም ስለ ዝነበረ ብጀብሃ መጠንቀቅታ ተዋሂብዎም ኔሩ። … ”

    ንመዘከሪ ሕቶይ፥
    እዚ ናትና ንኡስ ወለዶ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኩሉ ጽቡቕን ግናይን ናትና ክመሃር ይግባእ።
    ብዙሓት ጀጋኑ ተባዓት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኩሉ ጽቡቕን ግናይን ታሪኽ ህግሓኤ ይምህሩን ይጽሕፉን ኣለዉ። ኣብ ናይ ጀብሃ ነበር ውን ከምዚ ዓይነት ኣስትምህሮ ዛጊት ኣይሃቡን ዘለዉ ፣ ስለዚ ኣስትምህሮ ታሪኽ ጀብሃ ውን ክቕላዕ ይግባእ።
    ኣብ ገድሊ ኤርትራ ሓንቲ ነገር ኣዝያ እትገርመኒ ኣላ።
    ኣብ ጀብሃ ስለምንታይ እዮም ፣ ብኤርትራዊ ቋንቋ ትግረ ፣ በቲ ናቶም
    ክፍሊ ትምህርቲ ዝበሃል ዝነበረ ፣ ኣብ ሜዳ ዝተጻሕፈ መጽሓቲ ትግረ ፣
    መራሕቲ ጀብሃ ብሓዊ ከቃጽሉዎ ዝወሰኑ ?

  • meretse October 19, 2019

    ሓው ፋንኮ
    ዕድመ ንድሕሪት ትቖጽር መሳሪሒት ተፈጢራ ድያ? ኣይነግሩናን እኮ ኢዮም። ጸጽብቑ ድሕሪና ኢና ንሰምዕ። ነብስካ ምስ ንኡስ ወሎዶ ሰሪዕካያ? ናይ ብሓቂ ናታ ሃገር ናይ መጀመርያን ናይ መጨረሻን ሃገርካ “ምድሪ” ኢያ። ካልኣይ እዞም ተጋደልቲ ህግ ነበር ታሪኽ ኤረትራ ክንደይ ጺሒፎም እዞም ጀብሃ ነበር እንታይ ሓዞም? ቅድሚ መልሲ >> ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኣብ’ት ኣጋ መቱ፡ ካብ ኩሎም ደረፍቲ ኢትዮጵያዉያን ኣፍ ገፊሕ መን’ዩ ኢሉ ምስ ተሓተ “ምስ ማሕሙድ ከተብእሰኒ ድካ ደሊካ በለ። ሕጂ ከኣ ንስኻ ምስቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ህግ ነበር ከተላልይኒ ድካ ደሊካ? ምልላይስ ኣበይ ከይተርፈና ግን ደሓን ካልእ መዓልቲ። ብዛዕባ ሓደስቲ ሕታም መጽሕፍቲ ትግረ እባ ከኣ ደጊምካ ሓቲትካ? ኣንታ እዚ ዓተር ደጃዝማች ውቤ ገና ኣብ ስራሕ ድዩ ዘሎ? ሳላሳይን ናይ መጨረሻን እቲ እትማጎተሉ ዘለካ ሕ/ሰብ ትግረ ንምዃኑ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? ኣብ ሱዳን? ኣብ የመን? ኣብ ሃገራት ዓረብ? ምዕራባውያን ሃገራት? ፋንኮ ክንሰማማዕስ ሓቂ ይምሎቕካ ።

  • Haben October 19, 2019

    Amanuel Sahle is old enough to be my father if not my grandfather. This man needs to respect himself he is a disgraced man. He should go and write such rubbish articles elsewhere.
    He disgusts me I have no respect for him anymore nor are my fellow Eritreans by origin (DEQEBAT). EHiH zbele ytaHagom..

  • Haben October 19, 2019

    This shows that Amanuel Sahle is suffering from early manifestation of Alzheimer’s.

  • meretse October 19, 2019

    Brother rezen,
    ዝከበርካ ረዘን >> ..ናይ እንቛዕ ደሓን መጽእካ ጽሑፍካ ሎሚ ኢየ ረኪበዮ። የቀንየለይ ደጋጊመ ከንብቦ ምዃነይ ንነብሰይ ቓል ኣትየላ ኣሎኹ። ድሕሪ ሰላምታ ዝሃብካዮ ሰፊሕ ትምህርታዊ ሓብሬታ ብተምሳጥ ምንባብ ስለ ዝሓትት ክደጋግሞ ኢየ። ብሓፈሽኡ ግን የቀንየልና ክብረት ይሃበልና ዘብል ጽሑፍ ኢዩ። እቶም ምሁራት ዘይመሃርኩም ደኣ’ሞ መን ይምሃር? ቀጺለ፡ ካብቶም ዘልዓልካዮም ሓደ ሓደ ገዘፍቲ ነጥብታት ክትንክፍ። መጀምርያ ንምንታይ ኣስና ንዝጸሓፍክዎ ጽሑፍ ኣደናጕኩሞ ወይ ነጾግኩሞ ዝብል ሕቶ? ሓደ ሓደ ግዜ በቶም ጸሃፍትን ወሃብትን ዝወሃብ ሪኢቶታት ንእሰና ዘይኮነስ ንሰማዕቲ ክከብድ ኢዩ ዝበልዎ ኣርእስትን ሪኢቶታትን ይዕቅብዎ ኢዮም። ካብ ተሞኩረይን ድሒሩ ዝተረደኣንን፡ ቅድሚ ዓመታት ሓደ ናይ ግጥሚ ጽሑፍ “እታ ንግስቲ ክትመውት ኣሎዋ” ዝብል ኣርእስቲ ሰዲደ ኔረ። ግን ንሳ ኣይተቀበልዋን። ምክንያቱ ስያሜ ርእሳ “ሱባጋዲሽ” ኢዩ ኔሩ። ማለት ስማ ከቢድዋ ሞይታ። ኣብ ትሕቲ ንግስቲ ዝመሓደር ሃገር እንዳ ነበርካ ከምዚ ዓይነት ኣርእስቲ ከመይ ጌርካ ተአንግድ? ጣፍ ከመዝሃንኾትኩ ደንጊዪ ኢዩ ተረዲኡኒ። ስለዚ ንሕና’ውን ሓደ ሓደ ግዜ ነብስና ምሕታታ ከድልየና ኢዩ ንበል። ንእሽቶ ምዕዶ ካብ ንእስቶ ሓው።

    • rezen October 20, 2019

      Warm Greetings, Meretse
      Out of excitement I must have done something wrong. My instant reply did not reach you for the fact that it is not among ‘commentaries’. This is my second trial and hope my fingers wouldn’t press the wrong buttons.!!!!

      Needless to say, I am delighted that you read my commentary. I found your reply delightful, insightful and above all a piece of a learning source. THANK YOU.
      I already realized that my commentary is too long, winded, verbiage narration. I realized it – reading it calmly. The same thought could have been done, effectively, with the economy of words. From time to time, “emotion” seems to sway me off track. Indeed, “ነብስና ምሕታታ ከድልየና ኢዩ”. Effective and a noble advice to me. THANK YOU, AGAIN.

Post a Reply to rezen Cancel Reply