Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናይ 10 ሽሕ ድምጺ ብ100 ሽሕ ዜጋታት – ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

ቦሎኛ !! ናይ 10 ሽሕ ድምጺ ብ100 ሽሕ ዜጋታት ብወልደየሱስ ዓንደማርያም   ብዛዕባ  ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘቃልሖ ዘሎ መበል 40 ዓመት ዳንኬራ ቦሎኛ ድኣ፡ ገለ  ዘይትሕንጥጥ?  ክብለኒ እዩ ዝቐነየ እቲ ሕልናይ። ድሕሪ መልእኽቲ ናይዞም ዓበይቲ ኣቡናት እሞ፡ እንታይ ክጽሓፍ። እንታይ እዩ

ቦሎኛ !!

ናይ 10 ሽሕ ድምጺ ብ100 ሽሕ ዜጋታት

ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

 

ብዛዕባ  ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘቃልሖ ዘሎ መበል 40 ዓመት ዳንኬራ ቦሎኛ ድኣ፡ ገለ  ዘይትሕንጥጥ?  ክብለኒ እዩ ዝቐነየ እቲ ሕልናይ። ድሕሪ መልእኽቲ ናይዞም ዓበይቲ ኣቡናት እሞ፡ እንታይ ክጽሓፍ። እንታይ እዩ ኸ ክንበብ? ድሕሪ ቃለ-መጠይቕ ደጀን ሰባር ካርሸሊ ኸ እንታይ እዩ ክዝረብ። ንሳቶም ነቲ ዝጽሓፍ ይኹን ዝብሃል ወዲኦሞ እዮም። ድሕሪኦም!! ብዛዕባ ህዝብና ኣትይዎ ዘሎ ኩነታት፡ ዝጸሓፍካ እንተጽሓፍካ ዝተዛረብካ እንተተዛረብካ፡ ኣይክጥዕምን እዩ። እቲ ነዚ ኣቲናዮ ዘሎና ኩነታት ዘድሊ፡ ጽሕፈትን ዘረባን መግለጽን ዝተወድአ እዩ ዝመስል።

ነቲ መድረኽ ቃልሲ ከም ዝተቐየረ ኣፋፍኖት ዝሃቡ ጀጋኑ፡ ቁምነገሮም ደጋጊምካ ምንባብን ምስማዕን ጥራይ እዩ ዘድልየና። ካብኡ ተበጊስና ድማ፡ መሬት ንኽርሁ ሰላምን ርግኣትን ንኽርከብ፡ ጸረ ሃገር ተማሕዩ ንኽቕበር፡ ኣብ ዘዘሎናዮ ነቲ ርእይትኦምን ሓሳባቶምን ምትግባር እዩ። ንኹሉ ገግዚኡን መመድረኹን ኣለዎ። ዋላ ንሓሳባትን ኣተሓሳስባን። ክኸውን እንተድኣ ኾይኑ ከኣ ወፍሪ ሓሳባት ኣብቂዑ፡ ወፍሪ ትግባሬ ክእቶ እዩ ዝሕተት ዘሎ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ተቓዉሞ ክስማዕን ክልዓልን ዘይከኣልን ዘይሕሰብን እዩ ዝብል ዝነበረ እምነትና እንሆ ተሰይሩ።  እቲ ናይ መጨረሽታ ጥምጥም ዝሓትት ተግባራዊ ቃልሲ ከኣ ካብ ውሽጢ ሃገር ይቃላሕ ኣሎ። እዛ ዓመት እዚኣ ብርኽቲ ዓመት እያ።

እቲ ዝብሃል ኢሎሞ ኣለዉ። እቲ ዝጽሓፍ እውን ከምኡ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን፡ ካብ ሃገራዊ፡ ጸረ-ሃገራዊ ስራሕ ገርጊሩ። ልዕላውነት ህዝቢ ተረጊጹን ተደርበዩን፡ ልዕላውነት ሃገር ሰንደልደል ኢሉ  ሃገርና ንሕማቕ ኩነታት ከምዘየተዳሉ ኾይና ኣላ። ኣብ ሃገርና መሰል ምንባር ተሳኢኑ፡ ሃገር ትባድም ኣላ። ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ዝሃለዎ ይሃሉ መዋጽኦ ንኽርከብ፡ ግብራዊ ፍታሕ ንኸምጽእ ክቃለስ ጥራይ ዘይኮነስ ሸለል ምስ ዝብሎ ብሓላፍነት ከም ዝሕተት ተነጊሩ ኣሎ።

ኤርትራ ኣርእስቲ ስደትን ማእሰአርትን ሞትን መቓብርን እያ ኾይና ዘላ። ነዚ ርኢኻን  ሬሳታት ኣሕዋትካ እንዳቐበርካን ዝተሰደድካ፡ ብኣማእት ኣሽሓት እትቑጸር ኣብ ኤሮፓ እትቕመጥ ኤርትራዊ መንእሰይ ፡ ኢሳይስ  ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኣሕዋትካ ክትዛነ ክትውዕል ከበሮኻ ጽሎ ክራርካ ኣቓኒ ይብለካ ኣሎ። ነዚ ጽላለ እዚ ዝሰማዕካ፡ ፈስቲቫል በሎኛ “ጸረ-ሃገር!!” እዩ ኢልካ ተስእ። ፈስቲቫል ቦሎኛ ንህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ንምብትታን ዝዓለመ፡ “ጸረ ህዝቢ እዩ!!” እንዳበልካ  ንዕብዳን ኢሳያስን ሰዓብቱን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ከባቢኻ ጽፍዒት ክትህቦም፡ ማዕበል ኮንካ ጽርጊያታት ቦሎኛ ኣንጎድጉዶ። እዚ ኸኣ ካብ ሓሳባት ናብ ግብሪ ምስ ትስጉም እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ምስቲ ሃገርን ህዝብን እትይዎ ዘሎ ኩነታት ተዛሚዱ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኤርትራውያን፡ “ሰብ ምዃን”  ከም ዓቢይ ሞራላዊ ሕቶ ኾይኑ ንነፍሲ-ወከፍና ይቐርበና ኣሎ። ንኢሳያስን ሰዓብቱን እምበር ዶ ሰብ እዮም ንብሎም ኢና። ጠፊኡና ዘይኮነስ ተግባራቶም ስለዝገርመናን ዝድንጽወናን፡ መግለጺ ስለእንስእነሉን እዩ። ሰብ ምዃኖም ከዘኻኽሮም ኢሉ እውን፡ ኣምላኽ ኤርትራ ንነፍሲ-ወከፎም ብሞት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ወገኖምን መጺእዎም እዩ። ንነብሶም ክሕቱን ምስ ሕልናኦም ክመኽሩን ክመራመሩን ፈቲኑዎም። ኣይሰርሐን። እንተኾነ ግና፡ ካብዚ ዝዓቢ መረዳእታ የለን። ነዚ ሕልና እዚ  ኢሳያስ፡ ከምቲ ሓንሳብ ምስ ተበለለ ኣብ ቀደሙ ክምለስ ዘይከኣል ጻዕዳ ነጸላ ገይርዎ እዩ።

እንተኾነ ግና፡ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ “ሰብ ምዃን” ንሰዓብቲ ኢሳያስ ጥራይ ኣይኮነን ዝምልከቶም ዘሎ። መንእሰይ ኢሮፓ ማዕበል ሰብ ፈጢርካ ድምጽኻ ከተስምዕ፡ ንስኻ እውን ሰብ ክትከውን ትሕተት ኣሎኻ። ኣማእት ኣሽሓት ዝኾንካ ኤርታዊ ዜጋ፡ ካልእ ክገብረለይ እዩ እንዳበልካ፡ ኣብ ውሻጠኻ ኣጽቂጥካ ምውዓል ሰብ ኣይገብረካን እዩ። ዜግነት ሓላፍነት ምዃኑ እንዳፈለጥካ፡  ነዚ እከይን ኣዕናውን ተግባራት  ዘገልግል ጸረ-ሃገር ዝኾነ በዓል ክካየድ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ እንዳረኣኻ፡  ተዓወት እንዳተብሃልካ  ከኒብካ ምውዓል፡ ንሰብኣውነትካ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ እዩ።

ስለዚ ነቲ ፍረ ግቡእን ሓላፍነትን ዝኾነ ኤርትርዊ ዜግነትን ሰብኣውነትን ከተመስክር፡ ዕድልን ባይታን ተፈጢሩልካ ኣሎ። እዚ ዕድል እዚ፡ ሓደ ካብቲ  ኢሳያስ ባዕሉ ንመውደቒኡ ኢሉ ዘጠዓዕሞ  ዓሰርተታ ባይታታት እዩ። ተቓዉሞ ነይሩ ኢልካ ክተውሪ  ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝተገብረ ተቓዉሞ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ኣብ ቦሎኛ፡ ውዒለዮ ኣብል። ኣብ ምሉእ ኤሮፓ መቐይሮ ፈጢሩ ኢልካ ከም እተዘንትወሉ ጽዓት። እቲ ጭርሖን ድሌትን ተቓዉሞ፡ ነፍሲ-ወከፍ ስደተኛ ኤሮፓ ድምጺ ናይ ነፍሲ-ወከፍ እሱርን ስውእን ንኸስምዕ እዩ። ንሓደ እሱር ዓሰርተ!! ንሓደ ስውእ ዓሰርተ!! ኮይኑ ኸኣ ድምጺ ዓሰርተ ሽሕ እሱራት ብሚእቲ ሽሕ ዜጋታት፡ ድምጺ ሚእቲ ሽሕ ስዉኣት ብኽንዲ ዓጸፌታኡ ዜጋታት ኣብ ቦሎኛ ክጋዋሕ ክውዕል እዩ። ኣብ ኤሮፓ እትርከብ ኤርትራዊ ዜጋ፡  ሓደ ካብቶም ዓሰርተ ኾንካ ወዲ እከለ ውዒለዮ ኣብል። ኣብ ኤሮፓ እትርከቢ ኤርትራዊት ዜጋ ተዓወቲ!! ሓንቲ ካብቶም ዓሰርተ ኾንኪ፡ ጓል እከለ ውዒለዮ ኣብሊ።

ነዞም ምዑታት ዜጋታትና ኣንቢቡን ሰሚዑን፡ ዝዘርኦ ዘሎ ጩራ ተስፋ ሂወት ርእዩን፡ ሞራሉን ሓቦኡን ዝተሓደሰ ቁጽሪ ዘይብሉ ዜጋ ኣብ ኤሮጳ ይቀራረብ እዩ ዘሎ። ኩሉ ተደማሚሩ፡ ድምጺ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ፈጢሩ ነቲ ፈስቲቫል ከበርዕኖ ጥራይ ዘይኮነስ፡ በሎኛ ብቦለኝኣ እንታይ እዩ መጺኡና ከብላ እዩ። ንሱ ድማ እዩ እቲ ዝድለ ግብረ-መልሲ። ኣብ ኤሮፓ ዘሎኻ ኤርትርዊ ዜጋ ተዓወት!! ኣካል እዚ ቅዱስ ተግባር እዚ ኹን። እወ!! እቲ ድምጺ፡ ድምጺ ናይ ህልዋት ጥራይ ኣይኮነን።ኣውያቱ ኸኣ ኣብ ቦሎኛ ክስማዕ እዩ። ኣብ ልዕሊ ንግዜኡ ተኸዚንዎ ዘሎ ሳናዱቑ፡ ከበሮን ዝላን  ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝሰምዕ ንቡር ዘይረኸበ ነፍሳት ኣሎና። ንሱ ድማ፡ “ኡይ በሊ ሃገረይ!! ተልዓል መንእሰይ!! ኣድሕን ህዝብኻ!!” ክብል ዝስማዕ ቃንዛን ድምጽን ሬሳታት ላምፓዱዛ እዩ። ኣብ ምድረባታት ሊብያን ሲናይን ከም ኣሰር ቦያ ተዘርጊሑ ዓብይ መንገዲ ኣውጺኡ ዘሎ ቀባሪ ዝሰኣነ  ኣሽሓት ሬሳታት መንእሰያትን ቆልዑትን ኤርትራ ድምጺ እዩ። ብሓፈሽኡ ከኣ፡ እቲ ድምጺ ናይ እቲ ሓንሳብ እንተድኣ ተበጊሱ ዘይግታእ ህዝባዊ ቁጥዓ እዩ።

ነቲ ሎሚ መዓልቲ ሓዉን ሓብቱን ተረዲኡ ክነሱ፡ ንጽብሒቱ ኣብ ልዕሊ መቓብሮም ኮይኑ ክራሩ ዘቓኒ ኣብዲ፡ ግና እንታይ እየ ክብሎ። ነተን ናይ ስጋ ዘይብለን፡ ሕቶ ሰብኣዊ ሞራልን ሕልናን ኣይምልከተናን እዩ ብማለት፡ እዝስ የኽፍኣለና እዩ ከይበላ፡ ጥሪት ኢሳያስ ክኾና ዘመረጻ  ዜጋታት– ነታ ቀልባ ኣጥፊኣ ኢሳያስ ወይ ሞት!!  ሃገር ትለምዕ ኣላ!!  ሃገር ትውንጨፍ ኣላ!! ንኺድ ጥራይ!!  ንኺድ!! እንዳበለት ነዚ ነውራም ፈስቲቫል ክትብል ትቑነንን ትሕነንን ዘላ ዜጋ– ነቲ ናበይ ገጽና ኢና ኸ?  እንተበልዎ፡ ኢሳያስ ኣብ ቦሎኛ ጓይላን ዳንኬራን ክትከል ኣዚዙ ኣሎ፡ እንዳበለ ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ኣሕዋቱ ከበሮ እንዳኣተቐባበለ ናይ ሕራይ ኮኑ ሳዕስዒት ከስብር ዝዳሎ ዘሎ  ዜጋ፡ ቀቢጸዮ እየ። ምኽንያቱ እንዳፈለጠ ዝፍጽሞ ዘሎ ስራሕ ስለዝኾነ። እንተኾነ ግና ገዲፍካ  ዘይግደፍ ስለዝኾነ ምሕረት የውርደልካ ጥራይ እየ ዝብሎ።

ምናልባት እተን ቁሩብ መባኹዕቲ ዜግነትን ሰብኣውነትን ተሪፈናኻ ዘለዋ ኣባል ህ.ግ.ደፍ. ዘበልካ ኩሉኻ፡ ተቐቢጽካ ስለዘይትቕበጽ ፈስቲቫል ቦሎኛ ጸረ-ሃገር ምዃኑ ፍለጥ። እዚ ፈስቲቫል እዚ ዘርኢ ሞትን ዕንወትን እዩ። ንትልኽ ትብል ሂወት ንኽትቡንቁስ፡ ንቕልቅል ትብል ጩራ ብርሃን ንኸጥፍእ ዘጥዓዕም ዘሎ ኣጸያፊ ውራይ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ እቲ እዚ መድረኽ እዚ ኣምጺእዎ ዘሎ ሕቶ፡ ወይ ምስ ኢሳይስን ሰዓብቱን ወግን ወይ ከኣ ንድሕነት ሃገርካን ህዝብኻን ደው በል እዩ። ቃንዛን ውርደትን ህዝቢ ኤርትራ ዓመታት ነዊሕዎ፡ ኣብ መጨረሽታ ሎሚ ዘመን ኣብ ክልተ ባላ ረጊጽካ ክትከይድ ዘየፍቅድ ቃልሲ ይቃላሕ ኣሎ። እዚ ቃልሲ እዚ፡ ነግ-ፈረግ ዘየብል፡ ካብ ሓዲኡ ሓዲኡ ክትመርጽ ዘገድድ ኩነታት ኣቲኻ ከም ዘሎኻ ስማዕን ፍለጥን ይብለካ። ነቲ መበል 40 ዓመት እንዳተባህለ ተኣዚዝካ ኣብ ልዕሊ ሬሳታትና ክትስዕስዕ እተዳለወሉ ዘሎኻ ፈስቲቫል፡ ካብ ኤርትራዊ ሞራልን ባህላዊ ክብርን ኩርዓቱን ዝወጸ ረሲእን በዓለጋዊ ውሳኔ፡ ክትስርዞን ከይትውዕሎን ብስም ስዉኣት ትሕተት ኣሎኻ።

 

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

በይ-ኤርያ ካሊፎርንያ

07.01.14

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Yohannes July 3, 2014

    ኣቶ ወልደሱስ
    ምሕንጣጥን ምጽሓፍን ድኣ ኣመና ድኣ በዚሑ ከይከውን። እቲ ዝድለስ ንቑሕነት ንትግባረ እዩ። ህዝቢ ከመይ ጌርና ንውድብ፣ንጥርንፍ፣ ንተግባር ንጉስጉስ፣ ነላዓዕል፤ ንመርሕ፤ ንቕልስ እዩ እቲ ዝድለ። ኩሉ ዝበልካዮ እንታይ ክወጾ። ግን ተግባር፣ ተግባር፣ ስልቲ፣ ስልቲ፣ ውዳበ፣ ውዳበ፣ ውዳበ ከድልዬና እዩ።
    ዓቢ ምኽሪ ንህገደፍን ዓንኬልን ጥሪቶምን (ኮራኹሮምን)
    ዕድመ መዋእልኩም ኣዝዩ ይሓጽር ስለ ዘሎ፤ ናይ ምውዳቕኩም ዜሮ ስዓት ከይኣኸለ ተናዘዙ፤ ተጣዓሱ፤ ዳሓን ኣነ እቲ ዝድለ ናይ ጣዕሳ ኑዛዜ ኸምዚ ክጽሕፈልኩም።
    በስሰዔናን፣ ክፍኣትናን፣ ዕሽነትናን፣ ድንቁርናናን ምኽንያት ኣብዚ ሕጂ እዋን ጭንቀትን ዓቐሊ ጽበትን ወሪዱና ኣሎ። እቲ ዶብ ዘይብሉ ክፍኣትናን፣ ተንኮልናን ኣስናን ሓርገጽ ፈጢሩ ንኽዘጋግለና ይፈታተነና ኣሎ። ነዚ ንኽንብደህ፣ ከም ዝቖሰለ ነብሪ ንህዝቢ ኤሪትራ ኣጥፊእና ክንጠፍእ፤ ሕላገት መከራኡ ዘይውዳእ ናይ መቓቒልካ ግዛእ ዝሕመረቱ ኣተፋናንን (ባእስን) መሰረት ሃኒጽና ክንከይድ ኢና ንደሊ ኔርና። ግን ዝኾነልና ኣይመስልን። እታ መሸንቆቓ ገመድ ኣዝያ ትጸብብ ኣላ። ስለምንታይ እዚ ኩሉ ብድሕረይ ሳዕሪ አይትብቆላ ኢሉ ንዝሓትት ሕልና፤ እቲ መልስና ብሓጺሩ እዚ እዩ “ነዚ ኩሉ በዲህካ ጠጠው ናይ ምባል ደርማስ ሓይሊ ካብ ውሽጥን ንግዳም ከነገነፍል’ ስለዘይ ካአልና እዩ። ሓቂ ይሓይሽ እቲ ዝድለ ዘሎ ደርማስ ሓይሊ እውን የብልናን። እቲ ተሪፉና ዘሎ መከራ ህዝቢ ኤሪትራ ንኸይዛዘም ንጥቀመሉ ናይ ተነኮልን ሽሕጣንን መኽዘን እዩ።”
    ብፍላይ ንህዝቢ ኤሪትራ ምውት ሓሳብ ወኒኑን ከም ልሙስ ህዝቢ ኮይኑ ሰጥ ለበጥ ኢሉ ባሪያ ኮይኑ ክግዛኣልናን ክምዝመዘልናን ስለ እንደሊ ለይትን መዓልትን በዚ ክፍኣትዚ ንሰርሕ ኔርና ግን ኣይታዓወትናን። ህዝቢ ኤሪትራ ስጋኡን ነፍሱን ኣጣሚሩ እንተ ኣህጢሩዎም ሕልናኡ ተግባሩን ማዕረ እምባ ወጺኡ ንዓና ከልግሰናን ከጥፋኣናን ስለዝኽእልን ዝያዳ ዓቕሚ ከምዘህጥር ስለዝተገንዘብና። ብሕም ዝበለ እንዳሓጎምና ንሰርሕ ኔርናን ኣሎናን። ሰብ ሓሳባት ክሞቶ ከምዝኽእል ንዓና ድማ ንህዝቢ ኤሪትራ በግቡእን፣ ርትዓውን ከምኡውን ዲሞክርሲያዊን ኣገባብ ከነማሓድሮ ክእለት ብኸቢድ ሓጺሩና
    ስለምንታይ ኣእምሮና ብጀካ ክፍኣት ካልእ ሰናይን ሰነፍለጠትን ክቕበል ብቕዓት ስለዝውሕዶን። ክፍኣት ስለ ዝጋረዶን ሰለዝነበሮን ዘሎን። ካልእ ምኽንያት የብሉን።
    ዝተፈላለዩ ሓሳባት ኣብ ዝራጸምሉ እዋን ሓደ ተዓዋቲ ኰይኑ ጸብለል ዝብለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። እቲ ሓሳቡ ዝተረትዐ፣ ከም እተረትዐ እንተ ዘይኣሚኑ ሓደገኛነቱ እናዓበየ ይኸይድ። ንሕና እህግደፋውያን ድማ “እወ ተጋጊና ካብ ጌጋና ድማ ክንማሃር አሎና ስለዘይንብልን ብፍጹም ስለዘይወጻናን፤ አነሆ ካብ ጥፍኣት ናብ ጥፍኣት ተነቑትና ንንቈት ድማ ኣሎና። እነሆ ሕጅስ ብሰነኪ ድንቁርናናን ዶብ ዘይብሉ ክፍኣትናን ዝረገጽናዮ ኩሉ ረመጽ ኰይኑና። እቲ ዘገርም ሳላ ዕሽነትናን፤ ድንቁርናን ውድዓዊነትን ሓቅነትነ ዘይብሉ ስነሞጎት ስለዝተኸተልና እነሆ ሰብ ዋዕዋዕታን ሆይሆይታን እምበር ካልእ ብዘይምግባርና ንነብስናን ንህዝቢ ኤሪትራን ኣብ ገምገም ጸድፊ ኣብጺሕናዮ። ብፍላይ እዞም ኣብ ወጻኢ ኣብ ዘምናዊ ጊላነት ተዋፊርና ንነብር ዘሎና ኣኻልብ ህግደፍ ካብ ዝኾነ ጊዜ ሰምቢድናን ርዒድናን ኣሎና። ዋእ እታ ኣይነበርኩን፣ ዋእ የለኹሉን፣ ንብለላ ናይ ንስሓ ጊዜ ድማ እንዳቐረበት ትኸይድ ከምዘላ ይስማዓና አሎ። ሐጂኳ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድኽነት ከውጽኦ ዝጽዕረሉን ዝሰርሓሉን ደኣ ‘ምበር፣ ከምዚኽማና ፍለሖ በሊዑ ንዘብርሶን፤ ንዘዋርዶን፤ ንዘድክዮን፣ ንዘንዕቖን፣ ከምኡውን ንዘደንቁሮን ክህውትት ዝውዕል ዝቕበል ሕልና ከም ዘይብሉ ድሮውን ከመስክር ጀሚሩ አሎ።
    ኦ ህዝቢ ኤሪትራ ይቕረ በለልና ናብ ንቡር ናብ ሰብኣውነት ክንምለስ፡፡ ኣቱም ላባማትን ፈላጣትን በጃኹም ምኸሩና። ኣብ ምንታይ ጉድጓድ ክምንኣቱ ኣንድዒ። ኣቱም ካሎኦት ንዓና ሪኢኹም ተቐጽዑ።

  • Tesfu Kidane July 4, 2014

    Ato yohans ezi xHufka ab bietekrtsyan iyu kbhal zelewo. Hji nweldesus entay gber tblo. K’ilka teQales! aykealkan tm ble. A ab zkone qalsi gega alo, eti gegatat enateareme dma ab mewedaeta awet alo. Ksab kndzi tesfa zequrx aykonen. Kb’u bele bzaeba halafnet mihtat teqawami tray zeykone mlu’e hzbi ertra teahatati iyu. kab wedi 18 nilaeli zelo kulu nezi agatimu zelo hsem tehatati mkwanu kifelit alewo. Hzbi nteqawami ykun nHGDEF kiqawem ente zeyki’eli tehatati iyu. Kibdel kelo embi zeybil hzbi kali’e ente agatemo ewn nayegermin. Lki’e kem adgin zb’en iyu zimesasel. Slezi, mejemerya nefska nqef, aytqozim.

  • ERITREAN UNCLE July 4, 2014

    Yohannes,

    ኣነስ ለምዚ ናትካ ውሕልል ዝበለ ጌረ ክጽሕፍ እደሊ እሞ ፣እቲ ሕርቃነይ እናሰዓረኒ።ሓደራ ዮውሃንስ ፣መንእሰይ ኩን ዓቢ ብዘየፈድስ ነዞም መንእሰያት ምኽርኻ ምኽሪ ለባማት ስለ ዝኾነ ሓደራ ኣይተቋርጾ።ኣነ ንኣሽቱ ክሞቱን ክዕመጹን ምርኣይ ልበይ እናሰበሮ ኣይክ ኣልኩዎን።ሜላ ዝሃበካ ይባረኽ

    • Yohannes July 4, 2014

      Dear Eritrean Ancle:

      Thank you for your compliment. I just contributed very very small. I will try at least to expand the outreach to the young the country will depend on in the future. We need to skillfully fight against PFDJ dictatorship.

  • Yohannes July 4, 2014

    ኣቶ ተስፉ ኪዳነ፡

    ብጌጋ ተረዲእካኒ ይመስለኒ። ናይ ሐውና ወልደሱስ ምኸርን ትንተናን መልእኽትን ኣዳዕዲዔ ይድግፎ እዬ። እወ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ምዕባለን ዓወትን ድማ ብተማላላእነትን በሓባራዊ ቃልስን እዩ ዝመጽእ። ኣነ ንቑሕነት ንተግባር እዬ ዝበልኩ። ተጋገይ እነተኾይነ ይቕረታ ግበረለይ። አቲ ሕመረት መልእኸተይ ግነ ተማላላኢ (complemenrary) ኤዩ።

  • Yohannes July 4, 2014

    ኣቶ ተስፉ ኪዳነ፡
    ብጌጋ ተረዲእካኒ ይመስለኒ። ናይ ሐውና ወልደሱስ ምኸርን ትንተናን መልእኽትን ኣዳዕዲዔ ይድግፎ እዬ። እወ ቃልሲ ቀጻሊ እዩ። ምዕባለን ዓወትን ድማ ብተማላላእነትን በሓባራዊ ቃልስን እዩ ዝመጽእ። ኣነ ንቑሕነት ንተግባር እዬ ዝበልኩ። ተጋገይ እነተኾይነ ይቕረታ ግበረለይ። አቲ ሕመረት መልእኸተይ ግነ ተማላላኢ (complementary) ኤዩ።

  • windshield July 4, 2014

    Stop sensationalizing the the Lampedusa issue. We mourn and feel the pain of Eritreans who perished in the Mediterranean sea. Time to stop aggrandizing the issue you should instead unite your opposition parties for a common cause and political path. Bologna should give you an insight how the EPLF’s and supporters are organized. Shame on you guys!!!!

    • Sorobeti July 4, 2014

      Windshiel

      You said ‘Bologna should give you an insight how the EPLF’s and supporters are organized?”
      “It is crystal clear that EPLF and its supporters are organized on under national belief.

POST A COMMENT