Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሕናን ፍርሕናን

ብዛዕባ <ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና> መእተዊ እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና ንጽውዓ ሃገርን ህዝባን ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዙ፡ ብፍላይ  እቲ ቀይሕ ባሕራዊ ገማግማን ክፋላት ከበሳን መታሕትን ካብ ሓደ ባዕዳዊ ገዛኢ ናብ’ቲ ካልእ እንዳተቈላለበት ክትመጽእ ዝጸንሐት ሃገር እያ። ገለ

ብዛዕባ <ዝበረቐ ጸሓይና ዝነገሰ ንጉስና>

መእተዊ

እዛ ሎሚ ኤርትራ ኢልና ንጽውዓ ሃገርን ህዝባን ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዙ፡ ብፍላይ  እቲ ቀይሕ ባሕራዊ ገማግማን ክፋላት ከበሳን መታሕትን ካብ ሓደ ባዕዳዊ ገዛኢ ናብ’ቲ ካልእ እንዳተቈላለበት ክትመጽእ ዝጸንሐት ሃገር እያ። ገለ ካብ ኣካላ መረብ ምላሽ ተባሂሉ ብገዛእ ገዛእቱ ዝተመሓደረሉ እዋን ኔሩ እዩ። ብጠቕላላኡ ግን ንገለ ሓሙሽተ ዘመናት ብዝወሓደ ንገለ ክፋላታ፡ ንገለ እዋን፣ ፈለማ ቱርካውያን፡ ደሓር ግብጻውያንን ኢትዮጵያውያንን ገዚኦሞ ነበሩ። ብ1869-1889 ጣልያን ካብ ዓሰብ ጀሚሮም ክሳብ ኣስመራ ሓዙ። መጋቢት 2፡ 1889 መንግስቲ ጣልያንን ኢትዮጵያን ስምምዕ ውጫለ ተፈራረሙ። ብመሰረቱ ከኣ ጥሪ 1፡ 1890 ከኣ መንግስቲ ጣልያንን ኢትዮጵያን ነዛ ሔዚ ከም ኤርትራ እንፈልጣ ሃገር ሰኒዖም ግዝእቲ ጣልያን ኮነት። ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ከኣ፡ ኤርትራ፡ ብምምሕዳር እንግሊዝ ኣቢላ ግዝእቲ ኢትዮጵያ ኮነት። እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኵላትና ንፈልጦ።

እዚ ይኹን እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ፡ ነዚ ይኹን ነቲ መሬት ምስ ሓዘ እዚ ይኹን እቲ ነባሪ ተቕማጢ’ቲ መሬት እንታይ ገበረ? በትሩ፡ ኵናቱ፡ ሴፉ ኣልዒሉ’ዶ? ግብጻውያን ንከበሳ ከስፋሕፍሑ ሃቂኖም ሃጸይ ዮሓንስ (ዓጋመ) ኣብ ጉንደትን(1875) ጉራዕን (1876) ስዒሮሞም። ከምኡ’ን ጣልያን ንከበሳ ሓማሴን ክሕዝ ነቂሉ ብ1887 ኣብ ዶጎዓሊ ብኣሉላ ኣባ ነጋ (ዓጋመ)ተሳዒሩ።  ትግራዎት፡ ኣብ መሬት ምላሽ (ናይ ሔዚ ኤርትራ)

ተዘይዘመትካ ንጉራዕ

ንኖኻ ትኾነን ሰኽታት ቁራዕ

‘ተዘይዘመትካ ንዶጎዓሊ

ንኖኻ ትኾነን ሰኽታት ጻሕሊ

ኢሎም ፈኪሮምን ተዋጊኦምን እዮም። ኣብ’ቲ ኵናት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን እውን ኣሎዉ። ምስ ጸላኢ ዘሻረዉ እውን ኣይሰኣኑን። ክልተ ገዛእቲ ኣብ ውሻጤኻ እንዳተሃናኾቱ ነፍስኻ ምህዛም ኣሸጋሪ እዩ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ንፈልጦ ተቓዉሞ የሎን። ሓንቲ ነገር ግን ንፈልጥ። ህዝቢ መረብ ምላሽ፡ ኣብ ገለ እዋን ናይ’ቲ ነዊሕ መግዛእቱ “ዝነገሰ ንጉስና ዝበረቐ ጸሓይና!” ኢሉ መሲሉ። እዚ ምስላ’ዚ ሕማም ሕበጥ መቐመጫ ኴይኑ ብዙሕ የሳቕየኒ። ነዚ ምስላ’ዚ ባርያዊ፡ ዓፋራዊ፡ ቢለናዊ  ኣይመሰሎን ትግርኛ እዩ’ሞ መሳሊኡ ግድን እቲ ከበሳዊ ትግራዋይ እዩ። ናይ ነዊሕ ዓመታት ተሞኵሮኡን ኵነታቱን ኣብ ሓንቲ ሓጻር ምልእቲ ሓሳባት ኣጠቓሊሉ። እቲ ምስላ ንባዕሉ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ  ታሪኻዊ ሓተታን መርገጽን እዩ። መዓስን ምሰየናይ ታሪኻዊ ፍጻሜን ተተሓሒዙ ተፈጢሩ ኣይፈልጥን። ንስነኣእምሮኣዊ ኵነት ናይ’ቲ ሽዑ ዝመሰለ ህዝቢ ግን ግርም የንጸባርቕ። ‘ደኺምና ተመንዩና እዩ መን ይገዝኣና ኣይግድሰናን! ንዝመጸ ገዛኢ ሓንጎፋይ ኢልና ክንቅበሎ ኢና! ሰላምና ሃቡና! … ‘ ይእምት። ምስላ ፍርሒ ጥራሕ ኣይኮነን ልዕሊ’ዚ ዝኸደ መረጋገጺ  ህልከትን ቅብጸትን ኢድ ምሃብን እዩ። ሓደ ምሉእ ንያታዊ ውድቀት።  ከም’ዚ’ሉ ንመዋእላት ዓንዚዙ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ፡ ህዝቢ፡ ብ1961፡ ነጻነት ወይ ሞት ኢሉ ተላዕለ። ን30 ዓመታት ከኣ ተኸታኸተ። ነጻነቱ ከኣ ብሓይሉ መንዝዐ። ኣብ ሞንጎኡ እንታይ ተኣምር እዩ ተፈጢሩ? ምፍላጥ ዕዙዝ ኣገዳስነት ኣሎዎ።

ብዛዕባ መንፍዓትን ሕመቕን፡ ሓይልን ድኽመትን፡ ጅግንነትን ጃጃውነትን ሃዝቢ ንምዝራብ ንኣይሁድ ከም ኣብነት ምውሳዶም ዝበለጸ እዩ ነዊሕ ምዝጉብ ታሪኽ ስለዘዎምን ክሳብ ሔዚ ከኣ ሕቶ ህልውንኦም ስለ ዘይተረጋገጸን። ሓያሎ ሳዕ ተወሪሮም፡ ተኣሲሮም፡ ተሰዲዶም፡ ተቐንጺሎም፡ ናብ ባርነት ወዲቖም፡ ቤተ መቕደሶም ሰለስተ ጊዜ ዓንዩ። እንተኾነ ኵል ጊዜ ከኣ ናብ ዓዶም ይምለሱ’ሞ ቤተ መቕደሶም ይሃንጹ። ብዝተመልሱ ከኣ ብተርታኦም ንከባቢኦምን ነቲ ዘይመስሎምን የዕንዉን ይሕዙን ይዕምጹን። ኣብ ግብጺ ባራዩ ኴይኖም ንዓመታት ተጨፍጪፎም፡ ሓደ መራሒ፡ ሓደ ወዲ ንጉስ፡ ሙሴ፡ ኣለዓሊሉዎምን ወዲብዎምን ከኣ ካብ ባርነት ናብ ሃገሮም ኣምለጡ። ዝወጸሎም ወትሃደራትን ጀጋኑን ኴይኖም ከኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ’ኡ ቦታና ንዝብልዎን ከባቢኡን ዝተቐመጠ ህዝቢ ኣጥፍእዎ። ካበይ ዝመጸ ብቕዓት’ዩ’ዚ? ካበይ ዝመጸ ትብዓትን መንፍዓትን?

ሙሴ፡ ከምሓደ ማሕበረ ሰብ ክጥርንፎም ክሳብ ክንደይ ከምዝጸገሞ ንፈልጥ። እዚ’ውን ኣምላኹ ባዕሉ እንዳሓገዞ!  ን400 ዓመታት ኣብ ባርነት ተቛሪኑ ዝጸንሐ እሞ ኵሉ ግብረገብነትን ሕግን ነፍሰ ክብረትን ዘጥፍአ  ሓተላ ሕብረተሰብ ናብ ሓደ ዕላማ ንምጥርናፉ ፈለማ ኣብ ሓደ እምነትን (ስነሓሳብ) ሓደ ኣምላኽን (ውድብ) ክጥርንፎምን ሕግን ስርዓትን ከኣ ክሰርዓሎም ከምዘሎዎ ፈሊጠ። ከም’ኡ ድማ ገበረ። እንተኾነ ቀሊል ዕማም ኣይነበረን። ምእንትኦም ሸውዓተ ተኣምራት ተፈጺሙ ሓያሎ ሰባት፡ ህጻናት ከይተረፉ ተኾስቲሮም። ደም ሰትዮም። ብለመምትን ነፈርትን ኣራዊት ተላሕሱ። ኣይሁዳውያን ከኣ ሓራ ወጹ። ሙሴ ንባሕሪ ጨዲዱ ሩባ ኣሳገሮም። ኣብ’ቲ ደረቕ ምድረበዳ ከኣ ጻዕዳ ዓይኖም ክሳብ ዝግልበጥ ማና ኣብለዖም። እንተኾነ ኣብ ዝነኣሰት ፈተነ ንድሕሪት ናብ’ቲ ዝፈልጥዎን ዝለመዱዎን ባርነት ክምለሱ እንዳደለዩ ንመራሒኦም ኣትከኹዎ።  ንመጠረስትኡ ከኣ እያሱ መሪሑዎም ናብ መሬተ መብጽዓ በጺሑ። ኣብ’ቲ ሙሴ ዝሰርሖ ኣምላኽ ንዘይኣመነ ከባቢኦም(ከነኣናውያን፡ ሚዳናውያን) ኣጽነቱዎ።

ኣብ እዋን ሂትለር፡ ሓደ ወትሃደር ንሓያሎ ኣይሁድ ከመባጊዕ በእዛኖም ወጢጡ ናብ ኣዳራሽ መርዚ የእትዎም ነበረ። ብርግጽ ናብ ሞት ይጎዓዙ ምንባሮም ይፈልጡ’ኳ እንተነበሩ፡ ሓደ’ኳ፡ ብዝወሓደ ተቛዊመ እሙት ዝበለ ኣይነበረን። እቲ መንፈሰ ሙሴ ናበይ ከይዱ? እቲ ሽዑ ሂትለር ነቲ መንፈስ ኣይሁድ ቀቲልዎ እቲ ኣይሁድ ጓንጓ ነበረ። ህያው ሬሳ።  እቲ ብ1969 ዘርኣዮ ድፍረትን ጅግነትን ርእሰ እምነት’ከ ካበይ መጸ?

ዕላማ  ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ነዚ ምስጢር’ዚ ንምግላጽ እዩ። ንሕና’ኸ እንታዩ ዓዚሙና ብሓደ ሰብ ዝተመለኽና? እቲ ኣብ ሓርነታዊ ውግእ ዘርኣናዮ ጅግነት ናበይ ኣበለ?

ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ መሳርሒ ገዛእትን ውልቀመለኽን ኣብ’ቲ ተገዛኢ ፍርሕን ራዕድን ምፍጣር እዩ’ሞ ብፍርሒ ክንጅምር።   

እንታይ እዩ ፍርሒ?

ነቒሕናሉ ኣይነቒሕናሉ፡ ፈቲና ኣይፈቲና፣ በፍንጫ፡ ኵላትና ፈራሓት ኢና። ፍርሒ ኣበው ስምዒት ሰብ’ዩ።  ፍርሒ እቲ ኣብ ኵነታት ሓደጋ እንክንኣቱ ካብ’ቲ ሓደጋ ከነምልጥ ዝደፍኣና ስምዒት እዩ። ፍርሒ ሓደ  ካብ’ቶም ቀንዲ መሳርሒ ስረትና እዩ። ነዚ ስምዒት’ዚ ከኣ ነፍሲ ወከፍና ይፈልጦ። ፍርሒ ብወግዒ ኣብ’ዚ እኔኹ ኣይብልን መብዛሕትኡ ግዝያት ኣብ ነፍስና ባዕሉ ዝፈጥሮም ሕማማትን(psychosomatic symptoms) ዓመጻዊ ተግባራትን ሕርቕርቖትን ነፍሳዊ ጸቕጥታትን(depressions)፡ መንፈሳውነትን፣ ኮታ ኣብ ኵሉ ሕልፊታትናን ጉድለታትናን ተሓቢኡ ፍርሒ ኣይመስልን። ኣንጻር ፍርሕታትና ከኣ ስትራተጂታት ነፍሰ ምክልኻል ነማዕብል ኢና።

ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ዘመን ነናቱ ፍርሕን፡ ኣገባብ ኣገላልጹን፡ ኣመኻኽትኡን ኣሎዎ/ነቢሩዎ። ንደቂ ቀደም  ሕማምን ውግእን ጥምዬትን እቶም ዝበርትዑ ምንጪ ፍርሓቶም ነበሩ። ክሳብ ሔዚ’ውን እቶም ዝዓበዩ ምንጪ ፍርሓትና’ዮም። እንተኾነ፡ ሰብ፡ ነዞም ምንጪታት ፍርሒ ብመጠኑ ተቘጻጺሩምን፡ ፈጺሙ ከጥፍኦም እንተዝደሊ’ውን ከጥፍኦም ከምዝኽእልን ፈሊጡን እዩ። ብኡ መጠን ከኣ  ፍርሕና ጎዲሉ። እንተኾነ፡ ዘመን’ና ከኣ ናቱ ካልኦት ሓደስቲ ፍርሕታት ፈጢሩ። ዝለመድናዮም መሰረታዊ ማሕበረ-ፖለቲካዊ ቅርጻታት ከይቅየሩና እቲ ዝዓበየ ፍርሕና’ዩ። ህጹጽ ተክኖሎጂካዊ ምዕብልናን ለውጥን ንንፈልጦን ዝለመድናዮን መንነትና ከይቅይሩ ኣዚና ንፈርሕ። ምቕያር ክሊማ ዓለምን ጠንቅታቱን ምንጪ ግዙፍ ፍርሒ እዮም። ሓደ በየን መጸ ዘይተባህለ ዓርሞሸሻዊ ደንጎላ (ኮመት ወይ ኣስተሮኢድ) ከይፍንጥሓና ንፈርሕ። ክሳብ ካብ ወጻኢ ዓለማት ከይንውረር’ውን ንፈርሕ።

ካልእ ዓይነታዊ ለውጢ ኣብ ፍርሕና፡ ንሱ ከኣ እቲ ዝዓበየ ፍርሕና እዩ፡ ፍርሒ መጻኢ እዩ። ወዲ ቀደም፡ ፍርሑ ኣብ ሎ’መዓልቲ ጥራሕ ዝተደረተ ነበረ። ሎም’ዘመን ግን 70% ካብ ፍርሕና ብዛዕባ መጻኢ እዩ። ካብ ስራሕ ዶ’ኮን እስጎግ? እቲ ምሉእ ህይወተይ ዝለፋዕኩሉ ኣብ ባንክ ዘሎ ገንዘበይ’ስ እምበር’ዶ ድሑን እዩ?  ምስ ኣረግኩ እንታይ ክወርደኒ እዩ? … ንፈርሕ። እምበኣር ፍርሒ ወርትግ መናብርትና እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ምሉእ መዋእልና ከም ሰባት ከም ሎም’ዘመን ጌርና ፈሪሕና ኣይንፈልጥን። ይሰማማዓኒ’ዩ፡ ይዕቅበኒ እዩ እንብሎ መካን እንተንረክብ’ውን ገና ብጽሞናና ም’ፈራሕናን ም’ተሳቐናን። ከም ዘመን’ና ጌሩ ንወዲ ሰብ ጸምዪዎ ኣይፈልጥን። ብሕትውናን ጽሞናን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ምስ እኩባት ሰባት እንዳሃሎና’ውን ይጽምወና እዩ። ነፍሲ ወከፍና ከኣ ንውልቁ ኣብ ውቅያኖስ ፍርሒ ጠሊቑ ንውልቁ ኣንጻር ፍርሑ ክምክት ይርከብ።

ዘመን’ና ኣብ ፍርሕና  ካልእ ሓዲስ ባእታ’ውን ሓዊሱ እዩ።  ኣብ ታሪኽ ፍርሕና፡ ንሕና ባዕላትና፡ ንፈለማ እዋን  ምንጪ ገዛእ ፍርሓትና ኴይና። ከም ሕርቕርቖት ኣምላኻቶኦም ስለዝወሰድዎም በርቅን ነጎዳን ንደቂ ቀደም ብርቱዕ የፍርሑ ኔሮም። ንሕማም’ውን ከም መልሰ ቍጥዐ ኣማልኽቲ ይርድእዎ ነበሩ’ሞ ንኣምላኻቶም ከረስርሱ መስዋእትታት የቕርቡን ንምሕረት ይምህለሉን። ኣብ ሃገርና’ውን ምህለላ ገና ዝውቱር እዩ ብሓቂ ደቂ ቀደም ኢና። ጥዑም እዋን’ዩ ዝነበረ ሽዑ ምንጪ ፍርሓትና ኣምላኻትና ነበሩ። ሎም’ዘመን ግን  ሰብ ንባዕሉ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ ንሰብን ዓለምን ኴይኑ። 6 ነሓሰ 1945 ወድ ሰብ ኣብ ሓዲስ መዋእል ርእሰ ጥፍኣት ኣተወ። ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሂሮሽማ ኣቶም ቦምብ ደርበየት። ድሕሪ ክልተ መዓልታት ከኣ ናጋሳኪ ተሃርመት። ሽዑ ንሽዑ ከኣ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቲ ነታጕ ዘስዓቦ ራድዮ ኣክቲቪቲ ብዙሓት ሰባት ቀተለን ኣሕመመን። ሕማማዊ ሳዕቤናቱ ክሳብ ሔዚ ኣይሓደገን። ነዚ ጅምላዊ ኣዕናዊ መሳርያ’ዚ ንምውናን ከኣ ሃገራት ኣብ ቅድድም ኣቶዋ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ሩስያ፡ ድሓር ፈረንሳ፡ ድሓር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ድሒራ ከኣ ቺና ኣቶማዊ ነታጕታት ሰርሓ። እቲ ውድድር ኣብ መን ዝበዝሐ ወነነ ዘንበለ። ክሳብ ፍርቂ ሰማንያት ከኣ ዓለም 65,000 ኣቶማዊ ነታጕታት ወነነት። ፍርሒ ኣቶማዊ ሕድሕዳዊ ምትዕንናው ከኣ ነተን ሓሙሽተ ልዕለ ሓያላን መንግስታት መሳርያተተን ከይጥቀማሉ ኣጊዱወን ጸንሑ። እንተኾነ፡ ሓያሎ ሻዕ፡ ዓለምና ኣብ ገምገም ኑክሌርያዊ ውግእ በጺሓ እያ። ሰብ፡ ንፈለልማ ጊዜኡ ንብዘላ ህይወት ዓለም ከጥፍእ በቒዑ።

ኣዝየን ደንጕየን ከኣ እስራኤልን፡ ህንድን፡ ፓኪስታንን ሰሜን ኮረያን ኑክሌርያዊ መሳርያታት ሰርሓ። ሔዚ ሔዚ ከኣ ኢራን ነዚ ነታጕ’ዚ ንምስራሕ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ። እዚ ከኣ ንዓለም ናብ ዝለዓለ ኑክሌርያዊ ሓደጋ ኣውደቑዋ ይርከብ። እተን ኣርባዕተ ዳሕረዎት ሃገራት ብድምር 21,500 ቦምብታት ይውንና። እዚ ከኣ ማዕረ 150,000 ነታጕ ሂሮሺማ እዩ። እተን ኣርባዕተ ዳህረዎት ሃገራት ኣብ ሕልኽላኻዊ ግዝኣታዊ ሃይማኖታዊ ዞባዊ ግርጭት ይርከባ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣህጉራዊ ቍጽጽር ኣየፍቅዳን። ግርጭታተን ከኣ ብሃይማኖታዊ ድርቅና ዝጸቕበበ እዩ። ኣብ ዓለም ኑክሌርያዊ ኵናት ንምውላዕ ሓደ ጽሉል መራሒ ወይ ከኣ ኣሸባሪ ጥራሕ ይኣክል። ሓደገኛነት ኵነታትና ንምርዳእ እስከ ኣብ ሞንጎ ፓኪስታንን  ህንድን ኑክሌርያዊ ውግእ ኴይኑ ንበል።  ነፍሲ ወከፈን ከኣ ሓሓሙሳ ክንዲ ቦምባ ሂሮሽማ ኣንቶጓ ንበል። 20 ሚልዮን ኣህዛብ ሽዑ ንሽዑ ይሞቱ። ሚልዮናት ቶናት ሓዅምሽቲ ንሰማይ ይዓርግ። ዓለም ንዓሰርተ ዓመታት ትጽልምት። ትዝሕል። ብዙሓት ኣታኽልቲ ይሞቱ። እትዋት እኽሊ ይወድቕ። ሓደ ሚልያርድ ህዝቢ ከኣ ይጠሚ። እስከ ደጊምና ከኣ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኴይኑ’ስ ኵሉ’ቲ ንውንኖ ኑክሌርያዊ መሳርያታት ተጠቒምናሉ ንበል። ዓለም ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኑክሌራዊ ክረምቲ ትድወን። ዝኾነ ዝብላዕ ኣይነብርን። ሰብን እንስሳታትን ኣታኽልትን ይሓልቁ። ነዚ ፍርሕና’ዚ ናብ ዝኾነ ኣምላኽ ክንድርብዮ ኣይንኽእልን። ስነፍልጠታውን መንፈሳውን ምዕብልናና ነቶም ምንጪ ፍርሓትናን መዕቈቢናን ኴይኖም ዝጸንሑ መሳርሒታት- ሃይማኖትን ካልኦት ልዕለ ባህርያዊ እምነታትን- ካብ ዓለምና እንዳኣርሓቈም ከይዱ ሽሕ’ኳ ሓቀኛ መንቂ ፍርሓትና ፈሊጥና ነፍሳትና ክንፍውስ ኣብ ዝበለጸ ቦታ እንተሃሎና በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ናብ’ኡ እንድርብዮን ካብ’ኡ ከኣ ምሕረት እንልምኖን ‘ኣምላኽ’ ብዘይካ መተካእታ እንዳሰኣንናዮ ኬድና። ኵነታትና፡ መዕቈቢ ቤትካ ባዕልኻ ኣፍሪስካ ባዕልካ ዲኖዛውርያ ከም ምፍጣር ይመስል። ነቶም ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ጭንቀትና ዘማዕበልናዮም ንፍርሕታትትና ዘማኻንዩን ዘደዓዕሱን ኣንፊ ተስፋ ፍታሕ ዘቕርቡን መሳርሒታ(mechanisms)፡ እምነታትን ጽንብላትን ሰብኣዊ ማሕበርነታትን(እንዳ፡ ቀቢላ) ተደናጊሮም ንውልቅና ኣንጻር ፍርሕታትና ቈይምና ንርከብ።

ካብ ፍርሕታትና ብኸመይ ነጻ ንኸውን? ብዘይ ፍርሒ ከመይ ንነብር?-  ስነኣእምሮኣዊ  ፈላጣትን መንፈሳዊ መራሕትን ለባማትን ኣዓሸውትን ነዊሕ ትንተናታትን ምኽርታትን ይህቡናን ይሸጡልናን እዮም። ፍርሐኣልቦ ህይወት! ዝመባጽዑልና ብዙሓት’ዮም። እዚ መብጽዓ’ዚ ብግብረ ገብነታዊ  ዓይኒ  ኣዝዩ ኣጣያቒ ኴይኑ ብገለ ልምምዳትን (essoteric trainings) ማረኽቲ ሓረጋትን ምስላታትን ቃላትን(karmas)  ንፍርሒ ካብ ሱራ ንምብንቋሳ ይከኣል’ዩ ምባል እቲ ዝዓበየ መሕልም  ዘመን’ና እዩ ከም’ቲ ንቃንዛን እርጋንን ሞትን  ከተጥፍእ ምኽኣል መሕልም ዝኾነ። ፍርሒ ዘይቀሪ መናብርትና እዩ ከከም ኵነታቱ ከኣ ፈታዊናን ጸላኢናን።

ፍርሕታትና ክልተ ዝዓይነቶም እዮም። ህልውናውን ተሞኵሮኣውን።

ሀ. ህልውናዊ ፍርሒ (existential fear)

ህልውናዊ ፍርሒ መሰረታዊ ምንጪ ፍርሕና እዩ። መን/ እንታይ’ዬ ኣነ? ስለምንታይ ኣሎኹ? ናበይ’ከኣ እኸይድ? እንታ’ዩ ሞት? ብጥርሱ ስለምንታይ ኣድማስ ሃልዩ? ካብ 45 ሚልያርድ ዕድመ ኣድማስ ገለ ሰብዓ ዓመታት’ዬ ‘ተነበርኩ። ኣብ’ቲ ዘይነበርክሉ ጊዜ ኣበይ/እንታይ ኔረ? ናበይ’ከ እኸይድ? ስለምንታይ’ከ እመውት …? ዝኣመሰሉ ህልውናዊ ሕቶታት ህልውናዊ ቅልውላውን ፍርሕታትን ይፈጥሩ። ጽዑቓት ኣመንቲ ከይተረፉ፡ እግዚሄር ኣበይ ኣሎ? እንታይ ይገብር ኣሎ? እምበር’ዶ ኣሎ’ዩ? ኣብ ዝበለ እምነታዊ ቅልውላው ይኣትዉ። ክምለሱ ዘይክእሉ ሕቶታትን ምንጪ ዓሚቝ ፍርሕታትን። ስለ’ዚ እምነት ዝተባህለ ግሩም መምለጢ ምሂዝና። ኣብ ንእምነታትና ዝዝርጉን መልህቓት ህይወትና ዝምሑቕን ኵነታት ምስ እንኣቱ፡ ህልውናዊ ቅልውላው ይበሃል፡ ንፈርሕ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ ስነፍልጠትን ዘመናውነትን ንመሕቢኢታትና እንዳፈሓቑዎም ከይዶም መሕቢኢታትና እንዳወሓዱን እንዳጸበቡን ከይዶም መሊስና ንፈርሕ።       

እቲ ዝዓበየ ህልውናዊ ፍርሒ ሰብ ሞት’ዩ። ሰብ ዘይውዳእ ዕቁር ብቕዓተ መጻኢ ከምዘሎዎ ይፈልጥ። እንተኾነ ህልውንኡ ብጊዜ ዝተሓጽረ ኴይኑ ንኵሉ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ሞንጎ ብጊዜ ዝተገደበ  ሕዋሳውነት ኣካሉን ዘላቕነትን ነጻነትን ነፍሱን ተዋጢሩ ከኣ ይፈርሕ። ህይወትን ሞትን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ተርእዮ - ህልውና- እዮም። ህልውናና ሓድነት ክልተ ተጻረርቲ ኴይኑ፡ ንሕና ሰባት፡ ኣብ’ቲ በሊሕ መላጸ ሓድነቶም ተቐርቂርና ንፈርሕ።

እቲ ኣሉታዊ፡ ንኣብነት ሞት፡ ግድን ኣሉታዊ ሕማቕ ወይ ክፉእ ማለት ኣይኮነን። ከም’ቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣሉታዊ ሸነኽ ናይ ባተርያ ዝኾነ ሞራላዊ ዕቃቤ ዘይብልና  ከም’ኡ’ውን ኣብ’ቶም ነቲ ምሉእ ዘቑሙ ተጻረርቲ ሸነኻት ባህሪ ዝኾነ ሞራላዊ ሚዛን ከነንብር ኣይንኽእልን፡ ኣይግብኣናን ። እቲ ኣሉታ፡  ኵነተ ህልውና ናይ’ቲ ኣዎንታ እዩ። እቲ ግምጣሉ’ውን ሓቂ።  ፍርሒ (ኣሉታ) እዛ ዓለም ቤትና ከምዘይኮነት የዘክረና። ፍቕሪ (ኣዎንታ) ከኣ ንዓለምና ፍጹም ባዕዳውያን ከምዘይኮን’ና የዘክረና። ብኵራት ፍርሒ ከኣ እቲ ዝኸፍአ ስነኣእምሮኣዊ  ኵነት ወድ ሰብ ም’ኾነ።  ብዘይካ ፍርሒ ኣብ መንፈሳውነትና ክንምዕብል ኣንበይከኣልናን። ብዘይካ ፍርሒ ከኣ ኣብ ሓያሎ ሓደጋታት ህይወት ም’ወደቕና።

ንሓይልታት ዘላቕነትን (ህያውነት) ንሓልታት ጊዝያውነትን (ሞት) ምምዝዛን ኣብዘይንኽእለሉ ኵነት ምስ እንኣቱ ከኣ ናብ ስነኣእምሮኣዊ ሕማማትን  ጽላለን ንበጽሕ። ጠንቂ ጭንቀትና እዚ ግርንቢጥ ኣተሃላልዋና እዩ። እሞ ህልውናዊ ፍርሒ ኣበው ፍርሕና ኴይኑ ክንስዕሮ ኣይንኽእልን (ኣካል ህልውናና እዩ) ክንርድኦን ኣብ ህይወትና ከኣ ከነጠቓልሎን ከም ዝኾነ ኢልና ከኣ ክንነብሮን ግን እንኽእል።

እምበር ህይወት ብዘይ ፍርሒ የሎን። ኣብ ኣገባብ ኣረዳድኣናን፡ ኣገላልጻናን፡ ኣመኻክታናን ንፍርሒ ክንፈላለየ ንኽእል። ዘይፈርሕ ግን የብልናን እቲ ዘይፈርሕ ምዉት ወይ ዓሻ  ጥራሕ’ዩ እኳ ንብል። እዚ ብሓፈሽኡ ሓቂ ኴይኑ፡ ልዕለ ንቡር ኵነታት ልዕለ ንቡር ድፍረትን ሓይልን ክፈጥሩ ንዕዘብ። ፍርሒ ኣብ ጕዕዞ ሰገምታዊ ምዕብልናና ዘማዕበልናዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ መሳርሒ ውልቃዊ ስረትና እዩ። እንተኾነ ፍርሕና ፈጺሙ ዝሕከኸሎም ኵነታት ኣሎዉ። ኣደ፡ ውላዳ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝወድቕ፡ ውልቃዊ ስረታ ከይገደሳ ምስ ልዕለ ዓቕማ’ውን ትፋጠጥ። ብዓይኒ ዘላቒ ስረት (evolutionary survival) እቲ ውሉድ ካብ’ታ ወላዲት ንላዕሊ የገድስ። እታ ኣደ ምንእንቲ ዘርኣ ክሰርር ንሳ ክትስዋእ ትመርጽ። ኣብ ብዙሓት ዓሌት እንስሳታት ዝርአ ስረታዊ ስነሞገታዊ ባህሪ እዩ። ሳሕቲ ዝፍጠር ፍርሐኣልቦኣዊ ኵነት። ስነኣእምሮኣውያን ኵነተ ‘ኵናታዊ ዕንዘዛ’ (war trance)  ይሰምዪዎ።  ዝተቐየረ ኵነተ ንቕሓት እዩ። ሓያል ስነሓሳባውን ሃይማኖታዊ እምነትን ስምዒትን እውን ተመሳሳሊ ዕንዘዛ ይፈጥር’ዩ። ረምታዊ ውቃዕ ኮቦሮ፡ ጭፈራታት፡ ደርፍታት፡ ምቕባእ ኣካል … እውን ተመሳሳሊ ዕንዘዛ የስዕቡ። ቀንዲ ስርሖም ውልቃዊ መንነት ምሕዳግን  ብሓባራዊ መንነትን ጥቕምን ምትካእን እዩ።

ኣብ እምነታዊ/ስነሓሳባዊን ማሕበረ/ፖለቲካዊ ጎንጽታት፡ እዚ ስነኣእምሮኣዊ ተቐራብነት ንውግእ ኣብ ውሽጢ ውድብ ጥራሕ እዩ ዝኽሰት። (> መግለጺ ሓፋሽ)

ስትራተጂታትና ኣንጻር ፍርሕታትና 

እቶም ደቂ ሰባት ፍርሖም ንምምካት ዘማዕብልዎም ሜላታት ኣብ ምቋም ጠባያቶም ዓቢዪ ተራ ይጻወቱ። ፍርሒ ባህርያዊ ክነሱ ዝበዝሑ ሰባት ከም ዝፈርሑ ክኣምኑ ኣይደልዩን። ብዙሓት ሰባት ብፍርሖም ይሓንኩ  ንፍርሖም ይሓብኡዎን፡ ይጥምዝዝዎን ገጹ የጥፍኡዎን። እቲ ናይ ብሓቂ ተባዕ ግን እቲ ከምዝፈርሕ ዝኣምን እዩ።  ሰባት ፍርሖም ስለዝሓበኡ ንፍርሒ ኣታሊሎማን  መኪቶማን ስዒሮማን ኣየስምዕን። ፍርሒ ከኣ ብቐሊሉ ትዕሾ ዓንጃል ሽግር/ምረቓ ኣይኮነትን። ካብ ፍርሕና ንምሕባእ ሰለስተ ዓበይቲ ሓፈሻዊ ስትራተጂታት ነዘውትር።

  1. ምንጻል (Isolation)- ጭንቀታት ንዝፈጥሩ ሕቶታት ካብ ኣተሓሳስባ ምልጋስ።
  2. 2.   ምግላስ (distraction) – ሓሳብትና ናብ ካልኦት ንጥፈታት ብምትኳር ፍርሕና ምትላል።
  3. 3.   ምልዋጥ (Sublimation) እዚ ማለት ንሓደ ባህርያዊ ድርኺት ማሕበራዊ ተቐባልነት ንምርካብ ምግላጹን ምጽራዩን ማለት’ዩ። ስነ ጥበበኛታት፣ ደረስቲ፡ ሰኣልቲ ንፍርሒ ኣፍራሕነቱ ኣልጊሶም ናብ ስነ ጥበባዊ ጽባቐ ክልውጥዎ ይኽእሉ። ኵሎም ምስ ፍርሕና ተሰማሚዕና ክንነብር ዘኽእሉ ሜላታት ኣብ’ዞም ሰለስተ ናይ ነፍሰ ምክልኻል ስትራተጂታት ዝተሰረቱ እዮም።

ምንቃልን ምግላስን ፍርሒ እቶም ቀንዲ መሳርሒ ምቍጽጻር ፍርሒ እዮም። ሕሉፍ ስፖርትን ካልኦት ውድድራትን፡ ሕሉፍ ህርፋን ስልጣንን ሃብትን፡ ኵሎም ወልፍታትን ክንጠቅስ ንኽእል። ባህልን ልምድታት’ውን ግሩማት መሕብኢ ፍርሕታትና እዮም።

እቲ ዝዓበየ ፍርሕና ግን ፍርሒ ፍርሕና እዩ። ሽሕ’ኳ ካብ ፍርሕና ነፍስና ንምክልኻል ብዙሕ ሜላታት ንጥቀም እንተኾንና፡ ንፍርሕና ኣዕይንትና ኣፍጢጥና ክንጥምቶም ግን ንፈርሕ። እቲ ዝዓበየ ፍርሕና ፍርሒ ሞት ወይ ጽሞና ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ፍርሕና ፍርሒ ፍርሕና እዩ። እምበኣር ንህልውናዊ ፍርሒ ከነጥፍኦ ኢና ምባል ሕልመታዊ እዩ። ምስ ፍርሕና ክንጋተርን ክንርድኦን ክንቈጻጸሮን ግን ንኽእል ኢና።

ፈለማ ንዝኾነ ፍርሒ ቅርጻ- ስምን ጠንቅን- ክንህቦ ይግብኣና። ፍርሒ ንኵላትና ዘጥቅዕን ንምሉእ ህወትና ድማ ዘሳልየናን ስምዒት ኴይኑ፡ ወርትግ፡ ብሓደ ከም ምልክት ፍርሒ እንፈልጦ ምልክት ይፍኖ። እቲ ምልክት ካብ ሓደጋታት ክከላኸለልና’ዩ ዝፍኖ። ምልክታት ፍርሕና ንህይወትና ግድን ዓበይቲ ሓደጋታት እዮም ማለት ኣይኮነን። ፍርሕና ብባዕላዊ ኣተሓሳስባናን ኣተረጓጉማናን ስለዝቅረጽ ዓቀንቱ ንሕና ኢና። ስለ’ዚ ንነፍሲ ወከፍ ፍርሒ መቐመጢን መዓቀንን ዕትሮ ክንሰርሓሉ የድልዮ። ቅርጹ ዘይሓዘ ፍርሒ፡ በጋሚንዶ ፍርሒ፡ ኣብ ወልቀ ሰባት ጥራሕ ከይተደረተ ሓባራዊ ማሕበራዊ ወይ ፖለቲካዊ ፍርሒ ይኸውን እሞ ነናብ ዓቕምታትና ክንመታትሮን ክንካፈሎን ክንምክቶን ስለ’ዚ ከኣ ክንቈጻጸሮን ኣይንኽእልን። ንከም’ዚ ዝኣመሰለ ፍርሒ ሸቶታቶም ንምዕዋት ፖለቲከኛታት ይጥቀምሉ። ንፍርሒ ዘይቅርጻኡ የትሕዝዎ፡ የንበድብድዎ፡ የጕህርዎ እንተዘየለ ከኣ ይፈጥርዎ። ድሓር ከም መድሕን  ፍርሒ ጌሮም ንነፍሶም የቕርቡ።

ለ. ተሞኵሮኣዊ ፍርሒ (empirical fear)

ካብ ሓደ ሕማቕ፡ ኣሳቓዪ፡ ኣሰንባዲ ፍጻሜ ብንቕሓት ይኹን ብዘይ ንቕሓት ዝወረስናዮን ዘማዕበልናዮን  ፍርሒ እዩ። ፍርሒ ሓደ ዝተወሰነ እንስሳ፡ ፍርሒ ሓደ ዝተወሰነ ነገር ወይ ቅርጻ ንኣብነት ፍርሒ ስፍሓት፡ ቁመት፡ ዑምቜት፡ ፍርሒ  እኩብ ሰብ … ወዘተ።  ሽሕ’ኳ ንብዙሓት ሰባት ዝዓምም ሕማም (ጉድለት) እንተኾነ ብባህርያቱ ውልቃዊ ሽግር ኴይኑ ክፍወስ (ክሰዓር) ዝከኣል እዩ። እቲ ቀንዲ ኣብ’ዚ ንኵላትና ዘገድስ ግን እቲ ፍርሒ ዲክታቶር እዩ።

ራዕዲ

ራዕዲ ንሰባት ንምቍጽጻርን ንምምላኽን ዝግበር ውዱብ ኣጠቓቕማ ኣካላውን መንፈሳውን ዓመጻ እዩ።

“ኣብ ቅድሚ ሽሕ ሓደ ሰብ ኣስካሕኪሕካ ቅተል። ንሽሕ ከኣ ትመልኽ” ይመክር ሓደ ጥንታዊ ቺናዊ ምስላ።

ንሓቅነት እዚ ኣበሃህላ’ዚ ንቺናውያን ክንኣምኖም ኣሎና። ኣብ ቺና፡ ራዕዲ፡ ኣብ ኣማኢት ዘመናት ብኣማኢት መለኽቲ ነጋውስን መሳፍንትን ሊቃውንቶምን ዝማዕበለን ዝረቐቐን  ፍቱን መሳርሒ ውልቀ ምልኪ እዩ። ሊቀ መንበር ማኦ’ውን ኣብ’ታ ቀያሕ መጽሓፉ ይጠቕሶ።  ራዕዲ ኣካላዊ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተላይ ነፍሰ ቅትለት እዩ። ስነ ኣተሓጻጽባ ኣእምሮ ኣጠቓሊሉ ስነ ራዕዲ ኣብ ቺና ኣዝዩ ጥንታዊ ፍልጠት’ዩ። ኢሳያስ ከኣ ኣብ’ዚ ዓውደ ትምህርቲ’ዚ ዝበለጸ እመስለኒ። ገለ ካብ ኣርዓዲ ተግባራት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እነሀዉ።

 

  • ምቕታል ኣካለ ስንኩላት። ኣብ ዝኾነ ሃገር  ስንኩላት ምክልኻል ሃገር  እቶም ዝኸበሩ ኣባላት ሕብረተሰብ’ዮም። ክሳብ ከም ቅዱሳት ሃገር’ውን ይውሰዱ። ውፉያት ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ ጻድቃናት እዮም። ንዓርሳ እታ ኣስሊ ገነት እውን ንስለኦም እያ ተፈጢራ። ዲክታቶር ኢሳያስ ግን ፍትሓዊ ሕቶታት ንዘቕረቡ ስንኩላት ብረሻሻት ቀንጸለ። እቲ ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእኽቲ ‘እዚ ደኣ ንስንኩላት ሓርነት ዘይሓደገ ድኣ ነቲ ካልእ እንታይ ክናሕሲ!’ ዝበለ ፍርሒ ንምንዛሕ እዩ።   
  • መጭወይትን ቅትለትን ኣካላዊ ምጕዘይትን ኤርትራውያን  መንእሰያት ምጻርን ምውዳን ካብኡ ምኽሳብን። ከም’ዚ ዝኣመሰልዎ  ኣረሜናዊ ጭካኔ ንዝኾነ ህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ ዘርዕድ እዩ።   
  • ዘስካሕክሕ ኵነታት ማእሰርትን መቕጻዕትን። በዚ ማእሰርቲ ዝሓለፈ ኵሉ ምስ ምሉእ መንፈሳዊ ጥዕንኡ ኣይምለስን። ህያው ሬሳ እዮ’ሞ ንዕኡ ዝረኣየ ኵሉ ይስንብድ።    

ምኽልካል ሬሳ ናይዝጊ ክፍሉ ንጹሕ ስነኣእምሮኣዊ ራዕዲ እዩ። ናይዝጊ ምሁርን ገዲምን ተጋዳላይ እዩ። ናይዝጊ፡ እቲ ኢሳያስ ናብ ኣምላኽነት ክሓኵር እንክፍትን፡ የሎን! ከማይ ሰብ ኢኻ ንዓዳ ድኣ ንመሬት ውረድ! ክብሎ ዝኽእል ዝነበረ ሓደ ካብ’ቶም ሒደት ንኢሳያስ ከም ሰብ ዝፈልጥዎ እዩ። ናይዝጊ ሓደ ካብ’ቶም ሒደት ጽንቃቕ ነፍሰ ክብሪ ዝነበሮ ተጋዳላይ ነበረ። እቲ ሓደ ተጋዳላይ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ፡ ብዛዕባ ኤርትራውነቱ ከይተረፈ፡ ክዋዘን ክሕጭጭን ዝኽእል ዝነበረ እዩ። ኢሳያስ ድማ ከም ዝኾነ ዲክታቶር ንውልቃዊ ክብረቱ ኣዝዩ ቀናእ ስለዝኾነ ነዚ ኵሉ ከም ቂም ሓዞ። ሽሕ’ኳ ብህይወቱ እንከሎ ክሃስዮ እንተዘይከኣለ ኣብ ልዕሊ ሬስኡ ሕኔኡ ፈደየ። ዝኾነ፡ ጎንበላት ኢሳያስ’ውን ከይተረፉ፡ ከም’ዚ ዝተጸበየ ኣይነበረን። እቲ ሬሳ ሓደ ፍሉጥን መዘናን ኢሳያስ ዝኾነ ተጋዳላይ ኣብ ዓዱ ከይቅበር ምኽልካል ኣብ ኤርትራዊ ስነኣእምሮ ዓቢዪ ራዕዲ ይፈጥር። እቲ በዚ ተግባር’ዚ ዚመሓላለፍ መልእክቲ ከኣ ኢሳያስ ክትንበዮ ዘይከኣል፡ ንዝቐረቡ ብጾቱ’ውን ዘየናሕሲ ጽሉል ኣራዊት እዩ። ጎንበላት ንዓርስኻትኩም ተቐንቀቁ! ዝበለ ራዕዲ እዩ።  መንግስቲ ኤርትራ ናይ ብሕም ዝበለ ይተሓጎም መንግስቲ ምዃኑ ኣብ መንፈስ ህዝቢ ምውቃርን፡ ዝኾነ ከኣ ርጉጽ ድሕንነት ከም ዘይብሉ ንምግላጽን ኮነ ተባሂሉ ዝተወስደ ስጕምቲ እዩ። ኵሉ ተግባራት ኢሳያስ ንህዝቢ ቅሉዕ መልእኽቲ እዩ። ቅበጽ! ይብል። ኣምባሳዶር ግርማ ኣስመሮም ኣብ’ቲ ድሕሪ ናዕቢ ፎርቶ ዝሃቦ መግለጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ተቓዉሞን መፈንቅለ መንግስትን ክፍትን ከምዘይክእል ጃጅዩን ተበቲኑን እዩ1 ክብል ብንጹር ገሊጽዎ እዩ።

 

ራዕዲ፡ ከድምዕ፡ ኣብ ፍጹም ጸልማት ክካየድ ኣሎዎ። ካብ ምእጋድ ሓበሬታ ዝጸልመተ ጸል,ማት ድ,ኣ ኣይህሉን።  ጽልመተ  ሓበሬታ ግፋ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ ንባዕሉ ሓደ መልክዕ ራዕዲ እዩ ልክዕ ከም’ቲ ክዉን ጸልማት ዘርዕድ። ኣካላዊ ራዕዲ ተሓዊሱዎ ከኣ ኣዝዩ የርዕድ። ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንምሉእ ሓበሬታን ማዕከናት  መዘርገሒኡን ንውልቁ ይውንን። ከም ዝተፈተዎ ሓበሬታ ይዝርግሕን ይገትእን። ንሓቂ ዘጥፍእ ንዕኡ ዘልምዕ ሓበሬታ ይምህዝ። ይሕሱ፡ ይኽውል፡ ይጥምዝዝ።

ብራዕድን ጽልመተ ሓበሬታን  ጥራሕ ኣይገዙን ወልቀመለኽቲ። እቲ ዝዓበየ መሳሪሒኦም፡ እቲ ዝዓበይ መዕወሪ ዘይፍጸሙ መብጽዓታት እዮም። ዝኾነ ዲክታቶር ገነት ይመባጻዕ። ትሑዝ። ሔዚ። ኣብ መሬት። ሰማያዊ ገነት ብምብጻዕ ዘዕግቡ፡ ዝገዝኡ ጎራሕት ኣእመንቲ እውን ኣሎዉ። እንተኾነ ክልቲኡ ገነታት  ብዙሕ መስዋእትን ጽንዓትን ጽርዬትን ከምዝሓትት ኣቐዲሞም የስተውዕሉን የለዓዕሉን። ንመንፈስ ህዝቢ ከኣ ምእንቲ መሬታዊ ገነትን ሃገራዊ ድሕነትን ልዑላውነትን ንምእዙዝነት  ክሳብ ሞት ይቕርብዎ።

ለኒን/ስታሊን ማኦ ላዕልን ታሕትን ዘይብሉ ማዕርነታዊ ማሕበረሰብን ሓዲስ ሰብን ክንሰርሕ ኢና! ተመባጽዑ።

ሂትለር ህዝቢ ጀርመን እቲ ዝበለጸ ዓሌት ዓለም (super race) ምዃኑን ንዓለም ክገዝእ ከኣ ከምዝተጻሕፈሉን ኢሉ ኣእመነ። ሂትለር መብጽዓን ጉቦን እዩ ኣቕሪቡ። ፕሮፓጋንዳ ሂትለር ሳልሳይ ገጽ’ውን ኔሩው። ሂትለር ካብ ኣይሁዳውያን ጸላእቲ ሰርሐ። ጸላኢ ብዘይካ’ኡ ዝኾነ ዲክታቶር’ኳ ክዓኵኽን ክነብርን ዘይኽእል ቀንዲ  መሳርሒ እዩ። ዲክታቶር፡ ጸላኢ እንተዘይሃለዎ ጸላኢ ይሰርሕ።

 

ሂትለር  ንሽሕ ዓመታት ዝጸንሕ እቲ ዝዓበየትን ዝሓየለን ዝበልጸገን ዝሰልጠን ግዝኣት ክምስርት ምዃኑ መሓለ ጠሓለ። ህዝቢ ድማ ንሕና ሂትለር ሂትለር ከኣ ንሕና! በለ። እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኵላትና ንፈልጦ ሂትለር 65 ሚልዮን ሰባት ዝቐንጸለ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣበገሰ። ኣብ 15 ዓመታት ከኣ ነታ ሃገር ኣዕነዋ።

መብጽዓ ኢሳያስ

ኢሳያስ ብዙሕ እዩ ተመባጺዑ። ነጻነት፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ማሕበርነት፡ ምዕብልና፡ ሓድነትን ልዑላውነትን ሃገር። ሓደ ንጡፍ  መኪና ውግእ ሰሪሑ  ከኣ ነቶም ‘ኣብ ግብሪ’ ኢሉ ብዙሕ ዝምከሓሎም ተግባራት ፈጸመ።  ነጻነት ኤርትራ ከኣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ተዓወተ። ህዝቢ ከኣ ንባዕዳውያን ገዛእቲ ኣባሪሩ ናብ ምሉእ ሓርነት ዝመርሕ ኣግኣዚ፡ እቲ ሓደ ጅግና ሓላይ ህዝቢ፡ ተኸላኻሊ መሰል ህዝቢ፡ ፈዳይ ሕነ ህዝቢ ጌሩ ክረኣዮ ጀመረ። ድሕሪ ነጻነት፡ ንኤርትራ ናብ ኢንዱስትሪ ምስራቕ ኣፍሪቃ (ሲንጋፖር ኣፍሪቃ) ክሃንጻ ተመባጽዐ። ኢትዮጵያ ቀንዲ ዕዳጋኡ ክትከውንን ሓለመ። ምስራቕ ኣፍሪቃ ብሕርሻ ኤርትራ ብኢንዱስትሪ ኢሉ ኸጠጠ። ኢደ ጠበብ ኣምላኽ ብመገዲ ጥልያን ኣቢሉ ዝተዓደለና ብሕታዊ ት ጸጋ እዩ! ንሕና ናይ ስራሕን ቴክኒክን ሰባት ኢና! ኢትዮጵያን  ሱዳንን ዓዲ ሓረስቶት  ሶማል ከኣ ዓዲ ጓሶት እዬን ያኢ!

ዝኾነ መብጽዓ ኢሳያስ ግን ኣይተፈጸመን። እቶም ኵሎም ጕድለታት ጠባዩ፡ ቀንዲ ፍቕርን ኣድናቖትን ነፍሱ፡ ናብ ውልቀ ምልኪ ክመጽእ ዝሓገዝዎ ጎድኡዎ። መደባቱ ኵሉ ይፈሽል እንተኾነ ፍሽለት ኣይቕበልን ኣፍሸልቲ ይደሊ ይቕንጽል። ካብ ኤርትራ ከኣ ሰሜን ኮርያ ሰርሐ።

ስዕረት ውግእ ባድመ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራ፡ ንነዊሕ መጻኢ ሓደ ኣሉዋዊ ጭሕጋር ክሓድግ እዩ። እቲ ዘይሰዓር ኣርማ ዓወት፡ እቲ ኵርዓት ኵላ ኤርትራ፡ እቲ ሓበናን ጃህራኣን እዩ ኣብ’ቲ ዶራን ጎላጕል ተሳዒሩ። እቲ መምህር፡ እቲ ኣብነት፡ እቲ ፈላጥን ከኣለኵሉ እዩ ተሳዒሩ። ርእሰ እምነት ኤርትራ እዩ ተሳዒሩ። ካብ ኵሉ ድማ እቲ ናርሲስታዊ ጠባይን ስእልን ኢሳያስ ተሳዒሩ። ኢሳያስ ብተማሃሪኡ ተሳዒሩ። እቲ ኣነ ካብ ዝሰዓርስ ጽሓይ ብምዕራብ ክትበርቕ ይቐላ ኢሉ ዝፈከረ ተሳዑሩ ጸሓይ ከኣ ብምዕራብ በረቐት። ኢሳያስ ግን ንስዕረት ፈጺሙ ኣይቅበልን። ንሱ ኣይተሳዕረን። እቲ ህዝቢ፡ እቲ ፈጻሚ መብጽዓታት፡ ንሱ ነቶም መብጽዓታት ክፍጽሞም ኣብ ታሪኽ ኣይበቕዐን!

ነቲ ቈልዓ ኣብ ውሽጢ ኢሳያስ ግን  መለስን ኢሳያስን ጥራሕ‘ዮም ተቓሊሶም መለስ ከኣ ኣውዲቑ። እዛ ባዕለይ ቃልሲ ዘምሃርኩዋ ከመይ ትስዕረኒ! ንኢሳያስ ንምሉእ ህይወቱ ዘሳቕዮ ሕምሞ እዩ። ሓንቲ መዓልት’ስ ሕነኡ ክፈዲ ኣሎዎ። ሒቂቕ እንዳበለ ከኣ ይጽበ። ምስ ዓበይቲ መንግስታት ይቈራቆስ። ንሳቶም እንተዘይሕግዝዎ መለስ’ስ ንበይኑ ኣንበይሰዓረንን! ይንድር። ጸላእቲ የብዝሕ። እንጽርጽሮት ፍሽለቱ ከኣ ኣብ’ቲ ኣብ ታሪኽ ዘይበቕዐ ህዝቡ የውዕሎ ህዝቡ ይቐጽዕ። (ጥምዬት፡ ሁከት፡ ስደት … )

ኤርትራ ከኣ ከም ኢንዱስትርያዊ ተኣምር ኣይማዕበለትን። ብተክኒካዊ ክእለታ ንቐርኒ ኣፍሪቓ ኣይሸፈነትን።  ብሕርሻን ሕክምናን’ውን ነፍሳ ኣይከኣለትን። ኤርትራ እታ ዝደኸየትን ዝጸመዋን ሃገር ዓለም ኮነት። ምስ ኵለን ጎረባብታ ተዳምያ፡ ብዓለም ተኻዒባ፡ ካብ ዓለም ተነጺላ፡ መዓጹኣ ዓጽያ ዲክታቶራ ባህርያዊ ሞት ክሞተላ ትጽበ ኣላ።

አረ ከመይ’ሉ እዩ እቲ ኢሳያስ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንታና ናብ  ዲክታቶር ቦቝሉ? ከመይ’ከ ሰሲኑ?

ከም ዝኾነ ብቝሊ ሰላሕ ኢሉ፡ ለመም ኢሉ ቦቝሉ። ንገለ ጠቢሩ ንገለ ቀንጺሉ ከኣ ሰሰነ። ሔዚ ከኣ ብጻልጣ ራዕን ዓመጻን ይቕጽል ኣሎ። እቲ ቀንዲ ፈጣሪ ዲክታቶርነት ከይዓዄዄ ዘይምቕታሉ እዩ። ጠንቁ ከኣ  ኢተገዳስነት ይበሃል።

ኢተገዳስነት?

“እቲ ተመሃሮ ክጭፍጨፉን ክእሰሩን ሓገዘይ ሓቲቶም ኣይሓገዝኩን።

እቲ ሓረስቶ መሬቶምን እትዋቶምን ክዝረፉ ሓገዘይ ሓቲቶም ኣይሓገዝኩን።

ሰራሕተኛታት ኣብ ጎደናታት ክጭፍጨፉን ክእሰሩን ክቕተሉን ሓገዘይ ሓቲቶም ኣይመለስኩን።

እቲ እምነታትን መራሕቲ እምነታትን ክእሰሩን ክሕየሩን ሓገዘይ ሓቲቶም ኣጻብዕቲ’ኳ ኣየልዓልኩን።

እቲ ደቂ ኣንስትዮ ክጭፍጨፋን ክዕመጻን ሓገዘይ ሓቲተን ኣውያተን ኣይሰማዕኩን።

ሔዚ መዓልተይ በጺሑ ኣነ ተኣሲረ ኣነ ተጨፍጪፈ ሓገዝ ሓተትኩ። ኵሉ ተኣሲሩን ተቐንጺሉን ብህይወቱ ተቐቢሩን ከኣ  ኣውያተን ዝሰምዕ ኣይተረኽበን።”  (ዘይፍሉጥ ደራሲ)

እቲ ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ኣቦታቱን ኣዴታቱን ክቅተሉን ክእሰሩን  ተቛዉሞ ፋይዳ የብሉን ኢሉ ዝቐበጸን፡ ነፍሱ ዝፍተወን  እዩ ንኢሳያስ ኣሳሲንዎ። ንዘይተገዳስነት ከኣ ምኽንያታት ኣሎዎ። ቀንዶም ውልቃዊ ፍርሕን ውልቃዊ ረብሓን ምስ ዝወሓዘ ምውሓዝን እዮም።

ሕጂ’ከ እንታይ ይገበር?

ህዝቢ ካብ’ቲ ወሪድዎ ዘሎ መዓት ብትብዓትን ኣእምሮን ልብን ብምቅላስ ጥራሕ ነፍሱ ሓራ ከውጽእ ዝኽእል። ትብዓት ብኵራት ፍርሒ ኣይኮነን። ትብዓት ፈሪሕካ ክነስኻ ነቲ ክትግበር ዘሎዎ ዕማም ምፍጻም እዩ። ካብ ውድብ ወጻኢ ከኣ ትብዓትን ኣእምሮን ልብን ኣይህልዉን። እቲ ተቓላሲ፡ እቲ ተዓዋቲ ውዱብ ሓፋሽ ጥራሕ’ዩ።

ውዱብ ሓፋሽ?

እቲ ቃል ‘ሓፋሽ’ ብዝሒ፡ ግዝፊ፡ ቅርጻኣልቦነት ይእምት። ስቅ ኢሎም ኣብ መሬት ዝተደርበዩ ኣእማን፡  ኣብ መሬት ዝተኾደመ ኵምራ ጭቃ፡ ኣብ ትግርኛና ገና ኣይተለምደን እምበር ሓፋሽ ጭቃ፡ ሓፋሽ እምኒ ክንብሎ ምኸኣልና ልክዕ ከም’ቲ ንእኩብ ሰብ ሓፋሽ እንብሎ። ነቲ በእማንን ጭቃን ዝተነድቀ ቤት ግን ሓፋሽ እምንን ጭቃን ኣይንብሎን ቤት እዩ። እቲ ዝሮምሮ እምንን ብዑጥ ፅቃን ቅርጻን ሸቶን ሒዙ ካብ’ቶም ዘቘምዎ ብዓይነቱ ዝተፈልዬ፡ ዝበለጸ፡ ዝኸበረ ሓዲስ ግዛዕ ኴይኑ። እምንን ጭቃን ተወዲቦም ቤት ኴይኖም። ዕላማ ድማ ኣቝሞም ቅዱስ ዕላማ ንወድ ሰብ ካብ ሓይልታት ባህርዪ ንምክልኻል። ነቲ ሓፋሽ ናብ ቤት ዝወደበ ነዳቃይ ከኣ ኣሎ። ዕላምኡ ንነፍሱ ካብ ሓደጋታት ባህርዪ ንምክልኻል እዩ። እቲ ቤት መሳርሒኡ እዩ። ንእምንን ጭቃን ወዲቡ ከኣ ሓኒጽዎ።  እቲ ቤት ከኣ ንዕላማ ነዳቒኡ ከም ዕላምኡ ወሲድዎ።

እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ልኽዕ ከም’ቲ ኣብ ፈቐድኡ ዝተደርበየ ኵምራ እምኒ ጭቃን እዩ። ክቕረጽን ክህነጽን ሸአቶ ከኣ ክህልዎን ዝጽበ ህዝቢ። ስለ’ዚ ከኣ’ዩ ሓይሊ፡ ስልጣን  ኣብ ፈቐዶ ጎልጎልን ጎቦን፡ ኣብ ፈቐዶ ጽርግያታት ተደርብዩ ካብ መሬት ዘልዕሎን ዝእክቦን ኣብ ጥቕሚ ዘውዕሎን በዓል ስዬ ይጽበ ዝተባህለ። ከም’ቲ እቲ ቤት ነዳቒ ዘድልዮ ነቲ ሓፋሽ እውን ናብ ዕላማዊ ሓፋሽ ዝሃንጾ ነዳቒ የድልዮ። ንሱ እቲ መስራቲ ሕመረት ውድብ እዩ። ፡

እምበር እቲ ብሓጺሩ ብዛዕባ ‘ሓፋሽ’ ክንዛረብ እንኮለና ብዛዕባ እቲ ንቝሕ፡ ሸቶኣዊ፡ ውዱብ  ህዝቢ ኢና ንዛረብ። ብዛዕባ’ቲ ካብየናይ ማሕበራዊ መበቈልን ደረጃን፡ ንቕሓትን፡ ብቕዓትን መጺኡ ብዘየገድስ፡ ተወሃሂዱ ንሓንቲ ናይ ሓባር ዕላማ ዝቃለስ ህዝቢ።

እቲ ቤት ግን ፈለማ ክስራሕ ኣሎዎ።  ንዝኾነ  ኣብ ኣደባባይ ዝተኣከበ ህዝቢ ሓፋሽ ክንብሎ ኣይንኽእልን።  እቶም ንውዱብ ሓፋሽ ካብ’ቲ ፍኑው ሓፋሽ  ኣደባባይ ዝፈልዪዎ  ዝስዕቡ ብቕዓታት  እዮም።

  1. ውዱብ ሓፋሽ ናይ ሓባር ዕላማ ኣሎዎ። ብሓባራዊ  ስነሓሳብ፡ መደብ ዕዮ፡ ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ፡ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ሞያዊ ሸቶ ከኣ ይጥርነፍ።
  2. ዕላምኡ ንምዕዋት ከኣ ስትራተጂን ሜላን ይሕንጽጽ መገዱ የነጽር።
  3. ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውድብ ውልቃዊ መንነቱ፡ ኣተሓሳስባኡ፡ ስምዒታቱ፡ ውልቃዊ ሸቶኡ ኣራጊፉ ብሓባራዊ መንነትን ስሞዒትን ኣተሓሳስባን ይኸይድ። ንሓባራዊ ሸቶ ንምዕዋት ሓደ መንፈስ የማዕብ። እዚ ብኸማኡ ኣይግነን ሓያል ንቕሓታዊ/ሕጽቦ ሓንጎላዊ ስራሕት ይሓትት።

 

ኣባላት ሓፋሽ ከካብ ማሕበራዊ መበቈሎም ሒዞም ዝመጹ ብቕዓታትን ክእለታትን ኣወሃሂዶም ሓደ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ማሕበረሰብ የቝሙ። ብቕዓት ናይ’ዚ ውድብ’ዚ ካብ እኩብ ድምር ውልቃዊ ብቅዓታት ኣባላቱ ኣዝዩ ዝለዓለን ንጡፍን እዩ። ውልቃዊ ስምዒትን ሓሳብን ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናብ ሓደ ኣቕጣጫ ኣቕኒዑ ይበስዕ። እቲ ዝዓበየ ሚስጢሩ፡ ውድብ፡ ወልቀሰባት ውልቃዊ ነፍሰነቕሓቶም ኣረኪቦም ዝለዓለ ሓባራዊ ውድባዊ ንቕሓት ክፈጥሩ ዘኽእል  ምዃኑ እዩ።

‘ሓፋሽ’ ስንጭሮ  ናብ ዝመርሖ ዝሕንበብ  ብርቱዕ ፈለጋዊ ሓይሊ እዩ። ገዛእ ኣእምሮኡ ተሓዲጉዎ  ናብ’ቲ  እቲ ሕመረት ዝመርሖ ስለዘቕንዕ ከኣ ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ መሳርሒ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ክቕየር ይኽእል። እቲ ሕመረት ህግሓኤ/ህግደፍ ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ውድብ እዩ ሰሪሑ። ነዚ ውድብ’ዚ ንምፍራስ ከኣ ብመንጽሩ ክንውደብ ይግብኣና።

እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኵሉ ግናያት መንግስቲ ኤርትራ ጸይሩ ምኻዱ ብፍጥረቱ ጃጃዊ ስለዝኾነ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ነጻነታዊ ቃልሲ ምዕዋቱ ከኣ ብፍጥረቱ ጅግና ስለዝኾነ  ኣይኮነን። ህግሓኤ ድሓር ህግደፍ  ንህዝቢ ኤርትራ ብሒቱ ንነዊሕ ዓመታት ንሱ መድሕን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣእሚኑ። ህዝቢ ከኣ ኣሚኑ ተቓሊሱን ተዓዊቱን። ድሓር ተጠሊሙ። ሔዚ ካብ መቝረንቲ ዲክታቶር ንምልቓቕ ሰለስተ ዝተፈተኑ መሳርሒታት ኣሎዎ። ቀዳማይ፣ ምውዳብ። ካልኣይ፣ ምውዳድ። ሳልሳይ፣ ምውዳብ። ካብ ውድብ ወጻኢ ጅግንነትን ተወፋይነትን ዓወትን የሎን።

ዓወት ንውዱብ ሓፋሽ!

ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ

07.05. 2013

ጀርመን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
58 COMMENTS
  • Halafi Mengedi May 12, 2013

    Interesting read. BTW, did you mean “battle trance”?

  • መጻኢ ኤርትራ May 25, 2013

    ክቡር ሓው ዳንኤል

    ዓወት ንውዱብ ሓፋሽ ዲኻ ዝበልካ?ኣይ እቲ ዝተወደበ ሓፋሽ እንድዩ ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ንኤርትራ ኣብ ሕልኮ ኣእትዩ ነቶም ካብ ሓፋሽ ወጺኡ

    ከምዚ ከማይ ንጉስ ነብሱ ኮይኑ ንውልቁ ንዝሓስብ (ካብ ኣብ ዝተወደበ ሃፋሽ ኣቲየ ምስ ሓፋሽ ኣብ ገደል ክጸድፍ ኣይድልይን ንዝበለ )ዘሳድድን ዝንጽልን ዘፈራርሕን ዝዘርፍን ዝነበረን ዘሎን እኮ እቲ ውዱብ ሓፋሽዩ ኔሩ።ረሲዕካዮ ዲኻ?

POST A COMMENT