Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሕና እንተሰሚርና ንመሰልናን መሬትናን መሃንዚት ዝብለና የለን

ንሕና እንተሰሚርና ንመሰልናን መሬትናን መሃንዚት ዝብለና የለን ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ደረጃ መነባብሮ፡ ኣቃውማን ጥርናፈን ስድራቤታት ኤርትራ ስጡምን ነብሱ ዝመርሕን ስለዝነበረ ምስዚ ኣኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዝተዘርገ ኩነታት ብምንጽጻር ፍልልዩ ስማይን መሬትን እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለንን። ሎሚ፡ ወለዲ

ንሕና እንተሰሚርና ንመሰልናን መሬትናን መሃንዚት ዝብለና የለን

ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበረ ደረጃ መነባብሮ፡ ኣቃውማን ጥርናፈን ስድራቤታት ኤርትራ ስጡምን ነብሱ ዝመርሕን ስለዝነበረ ምስዚ ኣኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ዝተዘርገ ኩነታት ብምንጽጻር ፍልልዩ ስማይን መሬትን እንተተባህለ ምግናን ኣይመስለንን። ሎሚ፡ ወለዲ ደቆም ሓቁፎምን ብደቆምን ደቂ-ደቆምን ተኸበቢቦምን ኣብ ሓንቲ መኣዲ ዝምገቡ፡ ኣብ ሓደ ዓዲ ወይ ከተማ  ዝቅመጡ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ሓድሕድ ዝተሓጋገዙ ክትዕዘብ ሳሕቲ ኢዩ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ውላድካ ንትምህርቲ ንወሱን እዋን ክፍለየካ  ብስራሕ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክምደብ ተመርዕዩ ሓዳሩ ክወጽእ ከምኡ ድማ ንሃገሩ ክጋደል ናብ በረኻ ክወጽእ፡ ብስራሕ ናብ ኢትዮጵያ፡ ማእከላይ ምብራቅን ካልኦት ሒደት ሃገራትን ተሰዲዱ ይኹን ዕድላት ትምህርቲ ኣጋጢምይ ይፍለየካ ነይሩ። ሎሚ ግን፡ ብቀንዱ ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዕስለ ስድራቤታት ምስዳድ፡ ንዓመታት ምፍልላይን ናብ ትፈትዋ ሃገርካ ዳግማይ ከይትምለስ ከይትእሰር ምፍራሕን ንቡር እናኾነ መጺኡ። ኣብ እዋን ሞት ሬሳ ሰብ ዝስከሙ፡ ጉድጓድ ዝኹዕቱን ኣብ እዋን መርዓ ዳስ ዝተኽሉን ዘሳስዩን ዓያዪ ጉልበት ጭሕሚ ሰበይቲ ኮይኑ ክብሃል ክትሰምዕ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕን መጻኢት ኤርትራ እንታይ ክትከውን’ያ ኢልካ ትሻቀልን ድቃስ ትስእንን።

ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኢዶም ኣይስኣኑ እናበልና ነቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ህይወትና፡ ንብረትናን ሰብኣዊ ክብርናን ዝወረደና በደልን ነማርር ኔርና። ሎሚ ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣደራዕ ግን ካብቲ ናይ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝኸፍአን ዝመረረን ኢዩ። ሰንካምን ነውራማትን ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድርኩኺት ነፍስ ወከፍ ስድራቤት ኤርትራ ብምእታው ቅሱን ህይወት ተመዛብል፡ ንብረት ትዝርፍ፡ መሰል ሰብ ትግህስ፡ ሰባት ብዘይ ፍርዲ ትኣስር፡ መንእሰያት ክስደዱ ብዘይ ክፍሊት ከም ጊላታት ክግብሩ ተገድድ። ባህሊ፡ ክብርታትን እምነትን ተመራስሕን ትብርዝን ኮታስ ሰብ መታን መፈጠሩ ክጸልእ ኩሉ ከክፉኡን ጽዩፍን ተግባራት ክትኣልም ድቃስ ትስእን። ኣብዚ ነቲ ጸሓይ ዓራርቦ ተርክቦ ዘላ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ዝወርደና ዘሎ ሕሰምን ከልበትበትን ከም ቀዳማይ ተሓታቲ ክንከሶ ጌጋ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንሕና ንባዕልና ከም ጲላጦስ ሕጹባት ኣእዳው ኢና ክንብል ግን ኣይንኽእልን ኢና። ዕንደራን ግፍዕታትን ውልቀመላኺ ኢሳያስ ትንፋስ ክረክብ ዝኸኣለ፡ ኣብ ናትና ስንፍናን ምፍልላይን ኢዩ ክስዕርርን ክነብርን ክኢሉ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላጥን ብተንኮልን እተን መሰረታውያን ጠለባትን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና፡ ማለት ህላወ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ምኽላልን ምውሓስን ዶብ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል፡ ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ዜጋታት ምፍታሕ፡ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ምባል፡ ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ወከልትኻ ምምራጽን ዝብሉ ጉዳያት ክልዓል ኣይደልዮን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘገድሶ ጉዳያት ጎስዩ፡ ኣበራቱን ቁስሉን ንኻልኦት ክጥቅንን ኣቃልቦ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ርሒቁ ከምዝህውትት ይገብሮ ኣሎ። “ብጎረባብቲ ሃገራት ተወረርካ፡ ንሞት ተፈረድካ፡ ተንኮል ተፋሕሰልካ፡ ዓለም ጠለመትካ” ኣናበለ፡ ሓንሳብ ንክልል ትግራይ ካልእ እዋን ድማ ንሱዳን፡ ቱርኪ፡ ቀጠር፡ ኣመሪካ፡ ጀርመን፡ ጁቡቲ፡ ኢራን ክውንጅል ይስማዕ ኣሎ።

ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳያት ዝፍጸሙ ውዕላትን  ዝወሃቡ ውሳኔታትን ህዝቢ ኣብ እዋኑ ክግለጸሉን ምርጫኡ ክሕተትን፡ ተዋሳኢ ክኸውንን እምበር ዋና ክንሱ ሃገር ዝኣክል ብሓደ ውልቀመላኺ ክግበት ናትና ንዕቀት ድዩ ወይስ ናይ ወርሒ ድምቀት? ብርግጽ ናትና ስንፍናን ናትና ንዕቀትን’ዩ። “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ” ከምዝብሃል፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኩሉ እቲ ዝብሃል፡ ብሕብእብእ ዘይኮነ ብግሁድ ብጸሓይ ቀትሪ  ብተደጋጋሚ ገሊጹልና ኢዩ። ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነት ከምዘይወሃቦ፡ ዓቢዪ ኣሕመድ መራሒና ምዃኑ፡  ኣብ 1998 ዝተወልዐ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ሽሕ ምሩጻት ደቅናን ኣሕዋትናን ሰዊእና ክንስና ኣይከሰርናን ምባሉ፡ ቅዋም ከምዝሞተ፡ ምስ ኢትዮጵያ ከምዝተደመርና፡ ሓቢሩና። ናትና ዘይምስማር፡ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ዘይምህላውን ናብ ስደት ምፍላስናን፡ ንገለ ገለ ኢትዮጵያውያን ከሻድኖምን ዘይዓቅሞም ክሓልሙን ኣተባቢዕዎምን ኢዩ። ሕጂ’ውን ኤርትራውያን ሓንቲ ምርጫ’ያ ዘላትና። ሓደ ኣካል ሓደ ኣምሳል ኮይና ንኽብረትናን ንልኡልውነት ሃገርናን ምውሓስን ምርግጋጽን’ዩ። ተንኮላት ኢሳያስ ዒቅ ኢሉና ስለዘሎ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንመናውሒ ዕድሚኡን ሕሰምና ንኽቅጽልን በብግዚኡ ዝኣልሞ ሓሶታት ቦታ ክወሃቦ የብሉን። ኣብ መሰረታዊ ጉዳያትና ነትኩር፡ ንከባበርን ንሕማቅና ዝደልዩ ዕድል ክንህብ ኣይግባእን። ንሕና፡ ንሕና ክንከውን ኣለና። ንሕና ኢና ንመሰልናን ንመርትናን ክቡር መስዋእቲ ዝኸፈልና። ንሕና ኢና በይንና ተጋዲልና ንጸላእትና ዝሰዓርና። ሕጂ ውን ሕድሪ ስውኣትና  ተቀቢልና  ዘይትጭረም ዘይትድፈር ልኡላዊት መሬትናን ባሕርናን ንደቅናን ደቂ ደቅናን ከነረክብን ክቡር ታሪኽናን መንነትናን ከይጅላሕን ከይማራሳሕን መሃንዚት ከይንብሃልን ንመሰልናን ታሪኽናን ጠጠው ንበል።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 9 ሚያዝያ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde April 9, 2019

    “what is bloody needed urgently and importantly is ACTION – real action”>>>Betenom, Tsilal has been consistent with his/her empowering positive message since my exposure to this medium which is one of the contributions to the peeling off the layers of the tyrant and his journey through the Eritrean armed struggle,what is your contribution?apparently the opposite of the pen name you picked for yourself,can you please be the pioneer of the ‘real action’ you advertise every time you get your fingers on the trigger I mean keyboard.

  • Gedamu April 10, 2019

    After 30 yrs of war and destruction, Eritreans all over the world are rethinking the so called Eritrean “liberation”.
    Years ago in late 1980s I debated with genuine Eritreans of every ethnic group and persuasion.
    They were absolutely sure that the solution was separation from mother Ethiopia.
    All our problems was due to our union with mother Ethiopia. To an outside observer it was clear the whole experiment was headed for a wreck and utter disaster. There was no critical appraisal of the idea/madness, the
    movement and their leaders. The guy they see as public enemy #1 today had a God like status in the Eritrean psyche. Eritrea was unique in the world in its perfection!!!!! It sounded like a fairy-tale story. What was amazing was how grown up people, including some with the benefit of good education and background believed this kind of fairy tale.Now the chicken came home to roast and the whole house cards came tumbling down.

    • k.tewolde April 10, 2019

      Gedamu,because you want to eat that succulent pork you calling it a chicken,bon appetite! good try. BTW, if Ethiopia was the mother of Eritrea,who was the mother of Ethiopia? this way we know the family line or Ethiopia was created as a nation by the Divine Trinity since the book of Genesis?

  • Haben April 11, 2019

    Oh poior Gedamu, you reminded me the song ‘ere gedamu gedamu’ gedamu’ can’t you and people like you get it Eritrea was mischievously annexed. with Ethiopia with out Eritreans’ will. The history has been distorted so tell or teach your children if you have one the true history of your country Ethiopia..
    Eritrea was – is and will be soverign for ever and ever.
    SO STOP YOUR DAY DREAM.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply