Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንመሰረታዊ ለውጢ! ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝሰረቱ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንምረጽ!

ነዚ ናይ መሰረታት ምንቅስቃስ (Grassroots Movement) ዝሰረቱ፣ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንምምራጽ ዝተበገሰ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፣ በቶም ኣበገስቲ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ፣ ኣብ ኣሰና ድሕሪ ዝተገብረ መጸዋዕታ’የ ተጸንቢረዮ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ፍትሒ ዘሎ ናይ መሪሕነት

ነዚ ናይ መሰረታት ምንቅስቃስ (Grassroots Movement) ዝሰረቱ፣ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ንምምራጽ ዝተበገሰ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፣ በቶም ኣበገስቲ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ፣ ኣብ ኣሰና ድሕሪ ዝተገብረ መጸዋዕታ’የ ተጸንቢረዮ። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ፍትሒ ዘሎ ናይ መሪሕነት ሃጓፍ ብግሩህ-ለበይ ምግንዛበይ እዩ። ህላወ መሪሕነት ከኣ፣ ኣብ ሃገርና ምልኪ ኣኽቲሙ፣ ንዕዉት ድሞክራስያዊ መስግጋር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምኻኑ ጽኑዕ እምነተ ኣለኒ። ሓቂ እዩ፣ ብዘይ መሪሕነት፣ የለን ዓወት!። ብተወሳኺ፤ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንምዕዋት፣ ውልቃዊ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ፤ ሓባራዊ ተሓታትነትን’ውን ስለ ዘለኒ። ምጽንባረይ ከኣ ሓላፍነት ንምሓዝ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ናይ’ዚ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኣባላት ሓይሊ ዕማም መሪሕነት ክሕዙ ፍጽም መደብ ከም ዘይብሎም ብቃሎምን ብጽሑፉን ኣራጋጊጾም’ዮም። ሓላፍነት ናይ’ዚ ዓለምለካዊ ተበግሶ ሓይሊ ዕማም ከኣ ምስላጥ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ጥራይ እዩ።

ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝሰረቱ፣ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ፈጢርና፣ ነዚ ህሉው ኩነታትና (status quo) ማለት፣ ኣብ ተቓለስቲ ፍትሒ ዘሎ ፖሎቲካዊ ድኻም ኣብቂዑ፣ ሓድነትና ክንዮ ሰልማዊ ሰልፍ በሪኹ፣ ናብ ምድሓን ሃገርና ክመርሓና እዩ። ብተወሳኺ፤ እቶም ብብዙሓት ኤርትራውይን ተቃለስቲ፣ ድሕሪ ኒው ዮርክ’ኸ ናብይ ኢና፧ ድሕሪ ጀነቫ’ኸ፧ ዝብሉ እዋናውያን ሕቶታት ዝምልስ፤ ዝጭቡጥ ተግባራዊ ስልትታት ብምውጣን፣ ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎ፣ ዝተፈላለየ ፖሎቲካዊ ኣራኣእያታት ዘልዎም ኤርትራውያን ሃገራውያን ኣብ ሓድነት ብምምጻእ ክሰርሕን ከስርሕን እዩ። እዚ ኣዝዩ ደሞክራስያዊን ኣሳታፊ ብዝኾነ መንገዲ፣ ንኹሉ ሓይልና፣ ክእለትናን ሃብትናን ናብ ዕላማና ብምቅናዕ፣ ንዕላማታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተቃላሲ ፍትሒ፣ ፖሎቲካዊ ውዱባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ኣብ መፈጸምታኡ ዘብጽሕ ዝበለጸ ኣገባብ እዩ። ሓደ ኣዝዩ ብሩህ ክኸውን ዘለዎ ግን እዚ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ነተን ዘለዋ ህዝባዊ ምንቅስቃሳት ይኹን ፖሎቲካዊ ውዱባት መተካእታ ወይ ብኻልእ ንምቅያር ኣይኮነን፤ እኳ’ደኣ ነተን ዘለዋ ፕሎቲካውያን ውዱባት ይኹን ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዘሐይልን ዘበራትዕን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢርትራውያንን ዝወርድ ዘሎ ስቓይን መከራን ማንም ኣይስሕቶን’ዩ። ኩቡር ሓው ፍጹም ኣብራሃም፣ ኣቐዲሙ ኣብ ኣሰና ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ብትኽክል ገሊጽዋ እዩ። ደረጃ ናይ’ቲ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒን ስቃይን ኣብ ኩሉ መዳያት፣ ሰብኣዊ፣ ባህላዊ፣ ፖሎቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ማሕበራዊ፣ ቑጠባዊ፣ ኣብዛ ምድሪ ብዝሓለፉን ዘለዉን ረገጽቲ ስርዓታት ተፈጺሙ ብዘይፈልጥ መልክዑ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ብሕጽር ዝበለ፣ መላኺ ኢሰያስ፣ ንሃገርና ኤርትራ፣ ናብ ሓንቲ ኤርትራውያን ዝሃልቁላ ማዓስከር ቀይርዋ’ሎ። ብቅንዕና ክዛረብ! ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ጥራይ ዘይኮነ፣ ምጽናት-ዘርኢ (genocide) ኤርትራውያን ዝገማገም ገበን እዩ ዝፍጸም ዘሎ።

ነዚ ኩሉ ግፍዒ፣ ስቓይ፣ ስደትን መከራን፤ ህልቂት ኤርትራውያንን መወዳእታ ክንገብረሉ፣ ከብቅዕ፣ ኤርትራውያን፣ ካባና ዝተመርጸ ብልዕለና ዘይኮነስ ምሳና ኮይኑ ዘገልግል፣ ቅኑዕ መሪሒነት የድልየና። ኣብ ቃልሲ ንረጋጺ ስርዓት ኢሳያስ ኣሊኻ፣ ምትካል ልዕልና ሕጊ፣ ፍትሒን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ቅድመ-ግንባር ስለ ዝርከብ። ኤርትራውያን ከኣ ኣገዳስነት ቅኑዕ መሪሕነት ንዝኾነ ይኹን ጉጁለ፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ደረጃ፣ ዝጠፍኣና ኣይመስለንን። ስለ’ዚ ብህዝቢ፣ ካባ ህዝቢ፣ ናብ ህዝቢ ብዝተመርጸ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ክህልወና፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ተቃላሲ ፍትሒ ሓለፍነት እዩ።

ህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ተቃለስቲ ፍትሒ፣ ብፍላይ ከኣ ተቃወምቲ ዉዱባት ኤርትራን ብሩህ አዩ። ንሱ ከኣ፣ ሓደ፣ እተን ዘለዋ ፖሎቲካውያን ዉዱባት ነንሕድሕደን ዝካሰሳሉ፣ ከምኡውን እተን ዝተፈላለያ ናይ መንእሰይ ምንቅስቃሳት፣ ዋላ’ካ መብዛሕትአን ፖሎቲካዊ ዉዱባት አንተዘይኮና። ኣብ ምግባር ሰላምዊ ሰልፍ ንሓብር፣ እቲ ሰላምዊ ሰልፊ ዕዉት ንኽኸውን ብሓባር ንሰርሕ። ንጽባሒቱ ከኣ ናብ’ቲ ንቡር ምክሳስ ንምለስ። ሓደ፣ እቲ ታሕተዋይ (grassroots) ነቲ ላዕለዋይ (elite) ብዘይ ምምራሑ ዝኸስስ፣ እቲ ላዕለዋይ ከኣ ንትዕቢት እቲ ታሕተዋይ ዝኸስስ። እዚ እዩ እቲ ህሉው ኩነታት። ኣብ ፖሎቲካዊ ውዱባት ኤርትራ ዓሚቅ ፖሎቲካዊ ይኹን ስነ-ሓሳባዊ ፍልልያት የለን። ኣብተን ቦሎቲካዊ ወዱባት’ውን ዘይኮና፣ ናይ መንእሰይ ምንቅስቃሳት ከኣ ፍጽም ክህሉ ኣይኽእልን እዩ። ከም ሓቂ፣ ጸገም ናይ’ዚ ኣብ ዲያስፖራ ዝቅመጥ ኤርትራዊ ተቃላሲ ፍትሒ ከኣ፣ ነፍሲ ወከፍ ዝኸኣለት ጉጁለ፣ ዝግበኣን ዘይግበአን፣ ሕጋውነት፣ ዉዱብ፣ ገለ ገለ እዋን’ውን ተማራጽነት ስለ ትጠልብ እዩ። ኣብ ዝበዝሕ አዋን፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን፣ ንህዝቢ ዘእምን፣ ጭቡጥ ስን-ሓሳባዊ ይኹን ፖሎቲካዊ መርሓ። ከምኡ ብምኻኑ ከኣ፤ ብመገዲ ውዱባት ሓደ ህዝባዊ ተቀባልነት ዘለዎ ንኹሉ ዘሳትፍ ዓለምለኻዊ መሪሒነት ኣብ ምምስራት ኣይቀንዓናን። ኣብ መወዳእትኡ ከኣ፣ ኣብ መወዳእታ-ዘይብሉ ነብሰ-ግዳይነት፣ ሕድሕድ ምክሳስ ንሽመም።

ስል’ዚ ካኣ ህላወ ዓሰርተታ ፖሎቲካዊ ውዱባትን ናይ መንእሰይ ምንቅስቃሳትን፣ ንሰልማዊ ሰልፊ ኣንጻር እከይ ስርዓት ኢሳያስን፣ ንሓዘን ዘየቃርጽ ስቅያት ኤርትርውያን ጥራይ እኹል ኣይኮንን። ዋላ’ካ እዚ ብሓያል ጻዕሪ ህዝብዊ ምንቅስቃስ፣ ፖሎቲክዊ ዉዱባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራት፣ ጋዜጠኛታት ዝመጸ ሓድነት ዕዉት ስራሕ እንተኾነ፡ ብቅንዕና ካብኡ ንላዕሊ ክንገብር ከም እንኽእል ግን ብርቱዕ እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ብቀጥታ ይኹን ብዘይ ቀጥታ፤ ነንሕድሕድና፣ ነዚ ዘየቃርጽ ስቃይ ኤርትራውያን መወዳአታ ክንገብረሉ ክሳብ ዘይተሰማማዕና፤ ነንሕድሕድና እንዳተጠራጠርና፣ ብዛዕባኡ ዋላሓንቲ ስጋብ ዘይገበርና፣ እካ ደኣ ብጾትናን መቃለስትናን ኣብ ምጽራፍን ምዝላፍን ግዜናን ሓይልናን ስጋብ ዘጥፋእና፤ ኢድና ኣብ ምምልካት ስጋብ ዘለና ትርጉም የብሉን። እዚ ጠፋሽ ምኽንያት ናይ ድኻም፤ ካብ ሓላፍነት ምህዳም፣ ንኻልኦት ምልጋብ እዩ። ካብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት ወጺእና፣ ብሓባር ናይ ሓባር መሪሕነት ክህልወና ግድን ይኾነና።

ኣድላይነት ዓለምለኻዊ መሪሕነት ኤርትራውያን ከኣ፣ ኣብ ኩሉ ጽፍሒ ዝርከብ ኤርትራዊ ተቃላሲ ዝሰማመዓሉ ጉዳይ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፤ ጽቡቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ፤ ውሑዳት ተቃለስቲ፣ እካ’ዳኣ ዝተባረኹ! ንምስላጥ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፣ ነዚ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ብትብዓት ኣበጊሶም። ኣስማቶም ኣብ’ዛ ጭራም ርእይቶ ክዝርዝሮ ክብሪ ይስማዓኒ። ስለ’ቲ እዋናዊ፣ ተባዕን ዝነኣድን ተበግሶኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ስለ’ቲ ንኤርትራን ንህዝባን፣ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፣ ናይ ዓሰርተታ ዓመታት ኣብርክቶኦምን፣ ስለ’ቲ ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ፣ ደሞክራስን ፍትሒን ንኽትከል ዝገብሩዎ ዘለዉ ዘይሕለል ጻዕርን፡ ንሳቶም ከኣ ፕሮፌሶር ኣርኣያ ደበሳይ፣ ኣሕመድ ብርሃኑ፣ ኣማኒኤል እያሱ፣ ኢብራሂም መሓመድ፣ ዶክቶር ሰሎሙን ገብረዝጊ ከምኡውን ተኽኣ ዮሃንስ። ቃላት ኣጎልግሎቶም ንምግላጽ እኩላት ኣይኮኑን! አዚኣ’ቶም ካብ’ቶም ብቀረባ ዝፈልጦም ኮይኖም፤ ካልኦት ቡዙሓት ብተመሳሳሊ ዘበርከቱ ተቓለስቲ ከምዘለዉ ከዘኻኽር ይፈቱ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ዝእምሞ ዘሎ ኣገባብ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ኣብ ሓደ ኣካባቢ/ከተማ ናይ ዝነብሩ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብዝተኻእለ መጠን ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ብዘሳትፍ መንገዲ ናይ ከተማ/ኣካባቢያዊ ባይቶ – ባይቶ ዓዲ- ይቕውም። ኣካባቢያዊ ባይቶ ዓዲ ብደረጃ ዞባ ተኣሳሲሮም ከከምኣድላይነቱ ብደረጃ ክፍሊ-ሃገር (states) ዞባዊ ባይቶ የቝሙ። ዞባዊ ባይቶ ዓዲ ብደረጃ ሃገር ተኣሳሲሮም ናይቲ ዝነብሩሉ ሃገር፡ ሃገራዊ ባይቶ የቝሙ። ኩለን ሃገራት ብደረጃ ዝርከበኦ ክፍሊ-ዓለም (continents) ብምትእሳር ዓለምለኻዊ ባይቶ ብምቛም ብዓለም ደረጃ ይሰምራን ይተኣሳሰራን። ዓለምለኻዊ ባይቶ፡ ናብ ድሕነትን ደሞክራሲያዊ ምሕደራን ዘሰጋግር ዕዉት ቅርጸ መንገዲ መሪሕ ዝትራተጂ ይስእል፣ ነቲ መሪሕ ስትራተጂ ብምሉእ ስልጣናት ዝፍጽምን ኣብ ግብሪ ዝትርጉምን ፈጻሚ ኣካል ይመርጽ።

ኣብ መወዳእታ፤ ከም ሓደ ምቕሉል፣ ንልዕልና ሕጊ፣ ደምክራሲን ፍትሕን ኣብ ኤርትራ ደው ዝበል ኤርትራዊ ዜጋ፣ እዚ ዓለምለኻዊ ተበግሶ፣ ንምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፣ ብመገዲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኽዕወት እጃመይ ከበርክት ውልቃዊ ሓላፍነተይ ጥራይ ዘይኮነ ሓባራዊ ተሓታትነት’ውን ኣለኒ። እዚ ማለት ከኣ ብውልቀይ ናብ ሰለማዊ ሰልፊ ምኻድ፣ ኣንጻር አቲ ስርዓት ደው ምባል፣ ብዓውታ ምዝራብ፣ ምጽሓፍ ወይ ፍትሒ ብምጽዋዕ እኹል ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፤ ሓባራዊ ተሓታትነትውን ማለት፣ ምስ ካልኦት ናይ ቃልሲ ብጾተይ ሓቢረ ክሰርሕ ግድነት ኣለኒ። ንሱ ከኣ ኣብ ምምራጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነት ብምስታፍ ንጡፍ ኣበርክቶ ብምሃብ ክኸውን ይኽእል። ኣብ’ቲ እትነብረሉ ከባቢ ክትመርጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ምርጫ ንኽካየድ ወኪል ብምዃን ነዚ ተበግሶ ምውዕዋዕ፡ ምጉስጋስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ከም ዝሳተፍን ምግባር እዩ። በዚ ከኣ ነዚ እከይ ረጋጺ ስርዓት ንምእላይ፣ ዕዉት መሰጋገሪ ናብ ደሞክራሲ ንምርግጋጽ፣ ምስ ካልኦት ብጾተይ ብምስራሕ ውልቃዊ ሓላፍነተይን ሓበራዊ ተሓታትነተይን ይስከም።

ኣብ መደምደምታ፤ ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ዝሰረቱ፣ ዓለምለኻዊ መሪሕነት፣ እቲ ዝበለጸ ከገልግል ዝኽአል፡ ብኣዝዩ ደሞክራሳያዊን ኣሳታፍን መንገዲ፣ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓላሳይ ሓያል ክአለት፤ ጉልበትን ንዋታዊ ትሕዝቶን ንለውጢ ዘቕንዕ፤ ዝበለጸ ኣገባብ ቃልሲ ምኻኑ ብምግንዛብ፤ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን! ህልቂት ኤርትራዊ ከብቅዕ፤ ምልኪ ክፈርስ ፍትሒ ክነግስ፤ ብኹሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ፣ ፖሎቲካዊ ዉዱባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ክድገፍን ክባራታዕን ይግባእ። ስለ’ዚ ኤርትራውያን ብጾተይ፣ ኣነ ነዚ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ምጽንጋባረይ ሕቡን ምኻነይ አንዳገለጽኩ፣ ክትጽንበሩ ይምሕጸነኩም!

ደቂኤረይ ዕሰሉ! ንኺድ ንምረጽ ዓለምለኻዊ መሪሕነትና! ንበገስ ንመሰረታዊ ለውጢ!

ኣብ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ንምጽንባር በዚ ኢመይል ተወከሱ፣ gieegm@googlegroups.com

ሃብቶም መሓሪ፤ ኢመይል፣ habtomehari@gmail.com

እስራኤል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde August 16, 2016

    Great call from Habtom,like I said since its inception by The Voice,this is the best thing that ever happen in Eritrean political history.Lets work on this project hand in hand to make it a reality,it is not only a cure from the ailment that is consuming us alive,it is a goal to establish a democratic process and rule of law by the people for the people in our homeland where no one person will dictate how we live,learn,eat,sleep,move,worship………….but the people themselves and live happily and peacefully ever after without HGDEF’S duress.Thanks again for the dedicated men and women who are erecting the pillars of this magnificent edifice.

  • Berhe Feshaye August 20, 2016

    Basically brilliant

POST A COMMENT