Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንመስርዕ ለማ፡ ኤርትራ መሬታ`ምበር ህዝባ ከም ዘየድልዮም ዘነጽር ግምገማ

ንመስርዕ ለማ፡ ኤርትራ መሬታ`ምበር ህዝባ ከም ዘየድልዮም ዘነጽር ግምገማ ምቕናይ ማሕረዶ ግናይ? ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 1982 ዓ/ም ሓደ ብውትድርና ዘይሕመ ግን ከኣ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ጠባይ ዝነበሮ ተጋዳላይ ካብ ዞባ ምብራቕ ሃዲሙ ስዑዲ ይኣትወልኩም። ኣብ 1988 ዓ/ም

ንመስርዕ ለማ፡ ኤርትራ መሬታ`ምበር ህዝባ ከም ዘየድልዮም ዘነጽር ግምገማ

ምቕናይ ማሕረዶ ግናይ?

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 1982 ዓ/ም ሓደ ብውትድርና ዘይሕመ ግን ከኣ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ጠባይ ዝነበሮ ተጋዳላይ ካብ ዞባ ምብራቕ ሃዲሙ ስዑዲ ይኣትወልኩም። ኣብ 1988 ዓ/ም ድማ ይጥረዝ`ሞ እንደገና ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ሰራዊት ይጽንበር። ድሕሪ ምፍራስ ናዶው እዝ ምስ ገለ ክፍልታት ናይ ውድብ ናብ`ቲ ኣሃዱና ዝነበረቶ ቦታ ስለ ዝተንቀሳቐሰ ንገለ ንጣር ካብ ኣባላት መበቈል ደቂ ኣሃድኡ ነበር ዝኾና ይረኽበና። ናይ ብሓቂ ድማ ይሕጐስ`ሞ `ኣነ ዕድለኛ እየ ምስዂም ናይ ቀደም ብጾተይ ምርኻበይ ደስ ኢሉኒ እናበለ ሽኸርከር ይብል። ሓደ ካብ ኲልና ተጠማቲ ዝኾነ ማእከላይ ሓላፍነት ዝነበሮ ሰብ፡ ብተግባራቱ ቅጭ መጺኡዎ `እወ ሓቅኻ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ድሕሪ ብጾትና ተሪፍና ምሳኻ ተራኺብና` ኢሉ መሊስሉ። ክልቲኦም ናይ ልቦም እዮም ዝዛረቡ ነይሮም። ምቕናይ ንሓደ ግናይ ነቲ ካልእ ሕራይ።

እዞም ክልተ ሰባት ከም ኣጋጣሚ ብህይወት ኣለዉ። እቲ ናይ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ምግዳል ኣብኲሩ ዝነበረ ሎሚ ተጣይሱ ኣብ ስደት ከምዚ ኸማይ ይኽርትት ኣሎ። እቲ ድሕሪ ስዉኣት ብጾትካ ተሪፍካ ምቕናይ ከም ሕማቕ ዕድል ዝገልጾ ዝነበረ ግን ጹሩራታት ተር ኣቢሉ እንተስ ብቕሳነት ወይ ብናይ ዕድመ ዕቤት ብስብሒ ተተኽቲዂ ኣብ ቲቪ ኤረ ርእየዮ። ውሽጡ እንታይ ይስመዖ ግን እዝግሄር ዋንኡ። ወያ ምቕናይስ ሎሚኸ ንመኒኦም ሕራይ ንመኒኦምከ ግናይ?

`እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሶው ኣፈር ኣልብሶው` ዝበሃለሉ ዝነበረ ጸልማት ግዜ ዘርከብክምሉ ሰባት ካብ ኣእምሮዂም ዝሕከኽ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ `ኣቲ መሬት ሃህ ኢልኪ`ባ ወሓጥኒ` ኢልካ ዝጽለየሉ መዋእል ስለ ዝነበረ። እቶም እምቢ ያለ ሰው… እናበሉ ዝኣተዉ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ዘጥፍኡ ኣጥፊኦም ሓንከስከስ እናበሉ መራዂስ ተደጊፎም ክወጹ ከለዉ ዘርከብኩም ወይ ድማ `ክእትዉ ቀራናት ክወጹ ጓዕማማት` ዘርእስታ ፊልም ዝተዓዘብዂም ዳግማይ ህልቂት ህዝቢ ንምርኣይ ካብ ምቕናይ ዝኸፍእ ሕማቕ ዕድል ከም ዘየሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ምድማር ህዝቢዶ መሬት?

መስርዕ ለማ፡ ካብ ናይ ኒዮሊበራሊዝም (neoliberalism) ኣዳቒሎም ዝተለቀሕዎ ናይ ምድማር ክልሰሓሳብ ብፍቕርን ይቕረታን ሸፊኖም ንጉሆን ምሸትን ሱፍን ክራቫታን ቀያይሮም ብሜክኣብ እናተማላኽዑ፤ ሓደ ህዝቢ፡ ዶብ ኣልቦ ፍቕሪ፡ ይቕሬትን ምሕረትን ንደመር ንደመር ንደመር…!! እንተ ተፋቒርና ዶብ ኣየድልየናን እዩ ይብሉና ኣለዉ።

ምድማር ብምንታይ? ብኣካልዶ ብመንፈስ? ከምቲ መጀመርታ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ እናዘወሩ ብቊጠባ ንደመር ዝብልዎ ዝነበሩ እንተኾይኑ፡ ግርም ሕራይ ነዚ ደኣ መን ይጸልኦ? ሃየ ዘለና ሂብና ዘይብልና ክንረክብ ኲልና ናይዚ ዞባ ኣህዛብ ብቊጠባ ዝደኽደኽና ስለ ዝኾና ጥቓሚ ሕሳብ እዩ`ሞ ንማላላእ። ከምቲ `ፈረንጂ እንተ ተፋቐሩ በብያቶም` ዝበሃል፡ ነናትካ ምስ ፈለጥካ እዩ ትለጋገስን ትለቓቓሕን’ሞ  ደረት ዶብና ንምፍላጥስ ይጽነሓለይ ዘይበሃሎ ጒዳይ ምዃኑ ግን ከተዘንግዑና ኢልኩም ኣይትሕሰቡ። ክንዮው`ዚ ሰጊርካ ግን ንሕና`ውን እቲ ሓዳሪ (cronich) ናይ ጐበጣን ምስፍሕፋሕን ሕማምኩም ደጊሱ የስዕለኩም ምህላዉ ንሰምዖ ኣለና።

  • ሁለቱ ሃገራት ሲደመሩ እንደ ማተማቲክስ ቀመር ሁለት ሳይሆን ኣንድ ነው የምንሆነው።
  • እኔና ኤሱ ስንደመር ኣሰብን እንካፈላለን።
  • የመካለል ጒዳይ secondary issue ስለ ሆነ እስከ ዛሬ ድረስ ምንም የተዋየይንበት ነገር የለም።
  • ክቡር ጠ/ር፡ በታሪክና በህግ እንዲሁም በሞራል ኢትዮጵያን ቀይ ባህር የመወነን መብት ኣላት ብሎው ያምናሉ? ዶ/ር ኣቢይ፥ ትልቅ ስትራተጂክ ጒዳይ ሆኖ ግዜ ስለ የሚወስድ፡ እኔና ኣንተ ኩጭ ብለን እንወያየትበታለን።
  • ኣንድ ህዝብ ስለ ሆነን ለወደፊት ኣንድ ሃገር የማንሆንበት ምንም ምክንያት የለም።
  • እናንተ ዲያስፖራዎች፡ የኢትዮጵያ ኮሙኒቲ ብቻ ከምቋቋም ይልቅ፡ ሰፋ ብታድርጉት እና ኢትዮ-ኤርትራ ኮሙኒቲ ብላችሁ ብትጠሩት ለቀጣዩ እቕዳችን ምነኛ ይጠቅመን ነበር።
  • ለኣንድነት ታላቅዋ ኢትዮጵያ ሲሉ የተዋደቁ የቀድሞው ሰራዊት ለምንድነው ኣኲሪ ውለታቸው የተነፈገባቸው?
  • እቲ ኣኽሊል ንግስነት ዝተደፍኦን ካባ ወርቀ-ዘቦ ዝተወድዮን ውልቀ መላኺ፡ `ዶ/ር ኣቢይ፥ ካብ ሕጂ ንደሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ምሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ` ምስ በሎ ተጎንቢሑ ኢድ ነሲኡ ከብቅዕ፡ ብኣፉ ዝተዛረቦ ግን ክሳብ ክንደይ ኣምሰሉ ምዃኑ ብቐረባ ንምግማት ኣየጸግምን።
  • ኣብ ድሌትካ እዋን ከም ድላይካ ኣብ ድላይካ ቦታ ክትበጽሕ ትኽእል ኢኻ፡ ነዓይ ምሕታት ኣየድልየካን እዩ። ኲሉ እዚታት ኣበይ እዩ መዓልብኡ? `ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈልጥ ኣይሃዳናይን` ከም ዝበሃል ንቃና ሞትኩልሽ ጐረባብትና ዘይግጥም ኤርትራዊ እንተ`ልዩ ትሕረመኒ።

ክሳዕ ሕጂ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ህዝብና ንሰላሳ ዓመት ዘውረዶ ናይ ምጽናት ስጒምቲ ካሕሳ ኣይሓተትናሉን። ሕጂ ግን ንሶም ነቲ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ብብዝሑን ዓይነቱን መወዳድርቲ ዘይነበሮ ሰራዊቶም ስለ ዝደምሰስናዮን `ልኡላውነትና ብሕጋዊ መንገዲ ብምርግጋጽ 27 ዓመት ወደብ ኣልቦ ናይ ዝገበርናዮም` ተገምጢሎም ካሕሳ ከይሓቱና`ሞ ንውሉድ ወለዶና ዕዳ ከይንገድፈሎም ይኽደነና ዘብል እዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ጒዳይ ሃገርና ብምሉእና ህዝቢ ኤርትራ ከም ጓና ተገሊልና፡ እንታይ ይግበርን ይሕሰብን ተሓሪሙና፡ ዓይንና ተዓሚቱ እዝንና ተለኲቱ ስለ ዘሎ።

ኢሳይያስ እንታይ ስለ ዝገበረ እዩ ዝውደስ፡ ዝምጐስ፡ ዝሽለምን ናይ ንጉሰ ነገስት ዘውዲ ዝድፈኣሉ ዘሎ?

ውልቀ መላኺ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ፥

                                       ፠ ባዕሉ ኣብ ዝኣወጆ ኩናት ስለ ዘጥፈኦ

፠ ንመላእ መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝስደድ ስለ ዝገበረ

፠ ንምልእቲ ኤርትራ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ ንህዝባ ስለ ዝሓየሮ

፠ ምሉእ ቊጠባ ሃገር ናብ ምጽናት ህዝቢ ስለ ዘውዓሎ

፠ ብዘይ ሕጊ ስለ ዝመርሐ`ምበር ዝፈጸሞ ቅንጣብ ሰናይ ግብሪ የሎን።

በቲ ሓደ ግን፡ እወ ሓቅዂም ብኣኹም ደኣ ኣኽሊል ንግስነት`ኳ ክውሕዶ፡ ናይ ጻድቃናት ስም ሂብኩም ብጹእ ዎቅዱስ ኢሳይያስ እንተበልኩሞን ብስሙ ታቦት እንተሃነጽኩም`ውን ይግበኦ እዩ። ምኽንያቱ፡ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ኤርትራ መሬታ`ምበር ህዝባ ስለ ዘየድልየኩም፡ ንህዝባ ኣጽኒቱ ንመላእ መሬታ ብዘይ ኳሕ ከርማሕን ደም ምፍሳስን የረክበኩም ስለ ዘሎ ካብዚ ዝዓቢ ነገር ክገብረልኩም ዝኽእል የሎን።። በቲ ካልእ ድማ ጸላኢ ጸላኢኹም ኮይኑ ኣንጻር ሓለፍቲ ወያነ ብምዃኑን game over ይብለልኩም ስለ ዘሎ ቀሊል ሚዛን ኣይትህብዎን ኢኹም። እቲ ለይትን መዓልትን ብኣፍኩም ትምድርዎ ንሃንቀውታ ሰላም ዘለዎ ህዝቢ ዘወናውን ቃላትን፡ ናይ ኣቦታትኩምን ኣያታትኩምን ሕሉፍ ታሪኽ ኮነ፡ ህሉው ኣካይዳ ኢሳይያስ ድኣ ዔራን ጥቓን`ኳ ዘይራኸብ።

ዶካትር መስርዕ ለማ፡ `ሕማቕ ዘመን በዓል ጋዕሳ`ለዋ` ኮይኑሎም፡ ከምቲ ሃንደበት ደርግ ንንጉስ ሃይለስላሴ ዓሊዉ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ዘይተዳለወሉ ኮይኑ፡ እንታይ ከም ዝገብር ጠፊእዎ ጸማም ሓደ ደርፋ `ኢትዮጵያ ትቕደም ያለ ምንም ደም` ጥራይ ዝብል ዝነበረ፡ እዚኦም`ውን መደመር፡ ፍቅር፡ ይቅሬታ፡ ምህረት ጥራይ`ምበር ብኸመይ ኣገባብ? ኣብ ናይ ክንደይ ውጥን? ዘውጽእዎ መደብ ዘሎ ኣይመስልን። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ኣብ እዋን ደርጊ ያለ ምንም ደም እናተባህለ ምስ ዘመነ ኖህ ዝዳረግ ደም ዝፈሰሰ፡ ከም ሎሚ ኢሉ`ውን ዓሌታዊ ጽልእን ሕድሕዳዊ ምቅትታልን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣይተራእየን። እዚ ምድማር`ዚ ብቐመር ናይ ተግባራት ቊጽሪ ብኣሉታ (negative) ምርባሕዶ ኣይኮነን?

ንህዝቦም ደረት ኣልቦ ደሞክራሲ ኣዊጆም ብኣልማማ እሱራቶም ስለ ዘውጽኡ፡ እቶም ናይ ምሕረት መሰሎም ዘይተሓለወሎም ድማ ነቲ ዝህደስሉ ቤት ማእሰርቲ ሓዊ ኣቃጺሎም ነናብ ዝመቸኦም ፋሕ ክብሉ ይረኣዩ ኣለዉ። በቲ ወሰን ዘይብሉ ናይ ይቅረታ ኣዋጅ ተረባሕቲ ዝኾኑ ብምጽናት ዘርኢ ኣዳም ተኸሲሶም ኣብ ዘየለዉሉ (absentia jurisdiction) ገበናዊ ውሳኔ ዝሓለፎም ከም ሰብ ደሓን (ንዓባይ ኢትዮጵያ ወላዲት ሃገሮም ከም ዝተዋደቁ) ይውደሱን ናይ ዓጀባ ኣቀባብላ እናተገብረሎም ካብ ሃዲመምሉ ዝነበሩ ይኣትዉ ኣለዉ። እዚኦም ሓድነት ሃገር ድዮም ክዕቅቡ ወይስ ሕማቅ ኣብነት ገበነኛታት ኮይኖም ንናይ ሕጂ ፋሉላውያን ከተባብዑ? ንምሸቱ `ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ` ኮይኑ ወዮ ኣብ ኤርትራ ምስ ሰበይቱ ክምጨን ዝቐነየ ሃይለማርያም ደሳለኝ`ውን `ምስ`ቶም 17 ዓመት ምሉእ ቀም ከየበሉ ኣብዮታዊት ኢትዮጵያ ንምህናጽ ዝደኸሙ ጓድ ሊቀመንበር መንግስቱ` ናፍቖቶም የውጽኡ ኣለዉ። ድሒርና እንታይ ከም ንርኢ ምቕናይ ማሕረዶ ግናይ ዘገም ኢሉ ዝምለስ`ኳ እንተኾነ መስርዕ ለማ ፍቕሪ ድዩ ኣዝኒቡ ወይስ ኣሲድ ብፍርኡ`ዩ ዝምዘን።

ከምቲ ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ ንዂሎም ኣብ ምምሕዳር ጃንዎይ ሓላፍነት ዝነበሮም ብኣልማም ኣድሃሪዎች ኢሉ ዝወንጀሎም፡ ሕጂ`ውን መስርዕ ለማ ዓይኖም ዓሚቶም ንተወለድቲ ደቂ ትግራይ የቀን ጅቦች እናበሉ ብመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኸሓነ ጽልኢ ከም ዝሓድሮም ይገብሩ ኣለዉ። ቅኑዕ ጐባጥ፡ ርህሩህ ጨካን፡ ሌባ በላዕ ናቱ፡ ሃካይ ትጒህ ኣብ ኣብ ኲሉ ሕብረተሰብ ዘሎ እዩ። ንስሰዐን ብልሽውናን ዝምልከት ጒዳይ ናይ ትግራዎት ሕላገት ጌርካ ከተስርጾ ምፍታን ብምንም ተኣምር ፍትሓዊ ኣይኮነን። ንሰብ ብሓፈሻዊ (generalise) ጌርካ ፍርዲ ምሃብ፡ ካብ ትምህትን ስልጣነን ዝጸገቡ ዶካትር ትጽቢት ኣይግበርን።

ሓላዪ ናይ ታሕተዋይ ኣካል እናተመሰልካ፡ ንላዕላይ ክትሃርም ኣብ ልዕሊ ምሉእ ብሄር ብልሓታዊ ጐስጓስ ምክያድ ይረኣይ ኣሎ። ብልክዕ ክስራሕ ዝተደልየ ዕላማ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ፍሉይ ዓሌት ህይወትን ንብረትን ገበን እናተፈጸመ ከሎ፡ ቅንጣብ ስጒምቲ ካብ ምውሳድ፡ ፈደራላዊ ይዂን ክልላዊ ናይ ጸጥታ ትካላት ሱቕ ኢሎም ዝርእዩ ዘለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዘልማዳዊ ኣጸዋውዓ ንመላእ ተዛረብቲ ቋንቋታት ትግርኛን ትግረን፡ ትግሬ ኢሎም እዮም ዝጽውዕዎ፡ በዚ መነጽር ክትርእዮ ከለኻ ለኻኺማ ከይኮነ ዝተርፍ ኣይመስልን። እዚ`ውን ግርም መተግበሪ ብልሓት ናይ መሬት`ምበር ህዝቢ ከም ዘየድሊ ዘሳልጥ ኣገባብ እዩ።

ዲሞክራስን ፍትሕን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ድዩ ዝምልከት?

ናይ ዘመና ሊበራላውያን መስርዕ ለማ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ `ካብ መቊሕ ወያነ ሓራ ኣውጺኦም` ፍትሕን ዲሞክራስን ኣዊጀምሉ ኣለዉ። እቲ ሓውና ዝብልዎ ህዝቢ ኤርትራኸ ተጠቃሚ ናይ`ዚ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰል ክኸውን ኣይግበኦን ድዩ? ሕውነቶም ምስቲ ሰብኣዊ መሰሉ ተጋሂሱ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ድዩ ወይስ ምስቲ ጨፍላቒ ኣካል ኢዮም ምሕዝነት ከደልድሉ ዝደልዩ ዘለዉ? ኤርትራ መሬታ`ምበር ህዝባ ስለ ዘየድልዮም ግን ምስቲ ዘጽንታ ዘሎ ደመኛኣ ይወዳደሱ ኣለዉ። ምስቲ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ነበር ልዕልና ሕጊ ስለ ዝሓተቱ፡ ጋዘጠኛታት ርእይቶ ህዝቢ ስለ ዘቃልሑ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ብእምነቶም ስለ ዝጸለዩ ጥራይ ኣበይ ከም ዘእተዎም ዘይፍለጥ ውልቀ መላኺ ምትዕርራኽስ ኣየምዝንንዶ?

መስርዕ ለማ፡ ብሓቂ ፍትሓውያን እንተዄንኩም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ስጡም ዝምድና መስሪትኩም ብሓባር ክትዓብዩ እንተ ደሊዂም፡ ሃየ ከምቲ ካብ ዘዝገሽኩሞ ሃገር ንእሱራት ዜጋታትኩም ኣፈፍቲሕኩን ንዓድኹም ትማልእዎ ዘለኹም፡ ኣፍኩም ከም ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ ሓውኹምን ትሓልዩሉን እንተ ኴንኩም ምስ ኢሳይያስ ዘለኩም ምሕዝነት ተጠቂምኩም ኣፍትሕዎም። እንተኾነ ግን፡ ኣይኮነን ነዓኹም ሰሚዑ ክፈትሖም፡ ንእሱራት ዜጋታትኩም`ኳ ከም`ተን ካልኦት ሃገራት ንፕሮፖጋንዳ ዝኸውን መምለስ እግሪ ኣይሃበኩምን።

ብምሁራትኩም ከመይ ኢሉ ሕግን ሕጋውነትን ይጠፊእኩም?

  • እቲ ትዕረቕዎ ዘለኹም ስርዓት ናይ ግዜ ደረቱ ሓሊፉ ብገዛእ ስልጣኑ ዝቕጽል ዘሎ ምዃኑ ኣብ ግምት ኣይተእትዉዎን ዲኹም?
  • ኣብ ኤርትራ ቅዋም ይኹን ባይቶ ከም ዘየሎ ኣይትፈልጡን ዲኹም?
  • እቲ ትገብሩዎ ዘለኹም ውዑላት ምስ ውልቀ ሰብ ምዃኑን ሕጋውን ሞራላውን ተቐባልነት ከም ዘይብሉ ኣይስወጠኩምን ድዩ?

ከም ምሁራትን ዘመናውያን ኣባጽሕን መጠን፡ ብዙሕ ከተገናዝብዎ ዝግበኣኩም ነገር ኣሎ። ፍልስፍና ናይ ኒዮሊበራሊዝም ኣብ ቊጠባን ሕብረተሰባዊ ፖለቲካን ይዋቓዓኩም እንተልዩ (1) William Davies (2016). The Limits Of Neoliberalism (Theory, Culture & Society). Sage Publication Litd. (2) Lionel D. Lyles PhD (2018). Neoliberalism Economic Policy And The Collapse Of The Public Sector. Published by iUniverrse ከም መጻሕፍቲ መጠን እንተ ገናጸልኩመን ኣብ ልዕሊ ዘለኩም ፍልጠትን ናይ ምስብኽ ተመክሮን ድፍረት ደኣ ኣይትቕጸርዎ`ምበር ይጠቕማኹም እየን። ብፍላይ ዶ/ር ኣቢይ ዘካየድካዮ መጽናዕቲ ምስ ADR (Alternative Dispute Resolution) ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይሕበር ኣሎ ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ መንጎ Economical, Social & Political Dispute ናይ ቊጠባዊ ረብሓን ናይ ሕብረተሰብ ዝምድናታት ኮነ ንፖለትካዊ ክርክር ካልእ ኣማራጺ መፍትሒ ተደባሊቚካ ከይህሉ ርግእ ኢልካ ምስትብሃል ከየድለየካ ኣይተረፈን።

ዝኸበርኩም መስርዕ ለማ፡ ሕጅስ ወረ ነጢርኩም ንናይ ኤርትራ ኦርተዶክሳዊት ተዋህዶ ከነታዓርቓ ኢና ትብሉ ኣለኹም። እንታይ ደኣሉ`ዚ ምሕዝነት ናይ ቀሺ ዲጴጥሮስዶ ተቕጅልኩም? ወዳጀ ሓሻ ሓሻ!! ሓቂ እንተ`ልዩኩም `ካብ ጒይይ ምውዓል ክሳድ ምሓዝ ይሰልጥ` ንበዓል ውዕለትኩም ኢሳይያስ ምስ መላእ ህዝቢ ኤርትራ`ሞ ዕረቕዎ ድሕሪኡ ካልእ ኣይንደልየኩምን። እቲ ፍቅር፡ ይቅሬታ፡ ምህረት፡ መደመር ትብልዎ ክንርእዮ ኢና። ኣብ በቦታና ኴንና ብሰላም ተደሚርና ዘይኮነ እናተመላላእና ክነብር ኣየጸግመናን እዩ። `የቖጡን ላውርድ ብላ የብብቷን ጣልች` ይብሉ ኣቦታትኩም፡ ንስዂም ድማ ንኤርትራ ደሚርኩም ህብቡነትኩም ሰማይ ከተዕርጉ ዝሓሰብኩም፡ ክልል ትግራይ ኣዲማትልኩም፡ ሶማሊ ዕጭ ሓንፊፋትልኩም ህዝብኹም ብዓሌትነት ይጫፋጨፍ ኣሎ። ዘረባ እንጀራ ኮይኑ ኣይብላዕ፡ ፍትሒ ጸባ ኮይኑ ኣይጒርዳዕ። ታሪኽ ሁቱን ቱትስን ከይድገም ሓዊ ምስዋር ይትረፍ።

ምቕናይ ጽቡቕ ዲዩ ግናይ ንምርኣይ፡ እዚ ሎሚ ወለላ መዓር ዝጥዕም መተሃራረፊ ዘረባ፡ `በፍጹም ጥርጥሬ ኣይግባቹ እኛ ዉብና ድንቅ ኢትዮጵያውያን 100 ሚልዮን ጭንቅላጥ ኣለን። በኣንድ ላይ ተደምረን ራሳችንን ችለን ለኣፍሪቃን ጭምር ትክሻ እንሆናለን` ስለ ዝተባህለ ብጨብጨባ ዓቕሙ ክሳብ ዝርስዕ ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ጽባሕ እቲ መብጸዓ ብኣሉታ ረቢሑ ምስ መጽአ ክንፈርድ ኢና።

ግርማዊ ጃንሆይ ንፕሮፈሶር በረኸት `ይህን ፈደረሽን የሚባል ብናፈርሰው ምን ይሆናል` ኢሎም ዝሓተትዎ`ሞ ንሱ ድማ፡ `ይህ`ማ የተኛ ኣንበሳን መቀስቀስ ነው` ዝበሎም ኣብ መጠረሽታ እቲ ዝደቀሰ ኣንበሳ ተሲኡ ዝለከሞም እዩ ነገሩ። ኤርትራውያን ወላ ብዲሞክራስያዊ መትከላት እንተ ተፈላለና ብልኡላውነትና ንዝመጸና ግን ጥሙራት ኢና። ድሮ`ኳ እንሆ እዚ ፎዀስኮስ ናይ መስርዕ ለማን ኢሳይያስን ናብ ሓደ ክንዓስል ኣኽኢሉና ኣሎ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎኻ ዝተገፋዕካ ህዝቢ ኤርትራ!! ከምቲ `ሽምጢ ሰበይተይ ሒዙ ዝዋዘ ኣይፍተወንን` ዝበሃል ብልኡላውነትካ ንዝጋናዘ ዲል ኣይትሃብ። ቅድሚ ምሳና ምድማሮም ህዝቦም ዓቂቦም የመሓድሩ። ሕውነት ብፍቕሪ`ምበር ብሸፈጥ ኣይመጽእን እዩ።

 

ልኡላውነት ኤርትራ ተኸቢሩ ይንበር

ልዕመት

ካብ ዓዲ`እንግሊዝ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tsehaye August 25, 2018

    Viva MEDEMER of Eritrea with mama Ethiopia, go for it.

POST A COMMENT