Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንመጀመርያ ግዜ ብጃላቡ ካብ ኤርትራ ንሱዳን ዝኣተዉ 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ሰዋኪን ብኣባላት ኤሚግሬሽን ሱዳን ድሕሪ ምትሓዞም ናብ ኤርትራ ‘ክጥረዙ’ ስለዝተወሰነሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡ ምንጭታት ኣሰና ሓቢሮም።

ንመጀመርያ ግዜ ብጃላቡ ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ዝሓለፈ ሰሙን ምብራቕ ሱዳን ዝኣተዉ፣ ሓደ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓን 9 ደቀንስትዮን ዝርከባኦም 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኤሚግሬሽን ሱዳን ተታሒዞም ኣብ ሰዋኪን ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም ናብ ኤርትራ ‘ክጥረዙ’

ንመጀመርያ ግዜ ብጃላቡ ካብ ኤርትራ ተበጊሶም ዝሓለፈ ሰሙን ምብራቕ ሱዳን ዝኣተዉ፣ ሓደ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓን 9 ደቀንስትዮን ዝርከባኦም 32 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኤሚግሬሽን ሱዳን ተታሒዞም ኣብ ሰዋኪን ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምቕራቦም ናብ ኤርትራ ‘ክጥረዙ’ ስለዝተወሰነሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝርከቡ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ፣ እቲ ብ ምትእትታው ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ወሲኑሎም ዘሎ ቤትፍርዲ፣ ነፍሲ ወከፎም 2000 ፓውንድ ሱዳን ክኸፍሉ እንተዘየለ ክልተ ወርሒ ክእሰሩ ‘ውን ኣዚዙዎም ኣሎ።

እተን 9 ደቀንስትዮን እቲ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓን ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ እዮም ተተሓዚዞም ዘለዉ።

ኣብ ፖርት ሱዳን ነባሪት ዝኾነት ዓባዩ ነቲ  ቆልዓ፣ ‘መጻኢ ኩነታት ናይታ ምስኡ ተኣሲራ ዘላ ኣዲኡ ክሳብ ዝረጋገጽ፣ ምሳይ ክጸንሕ’ ኢላ ንፖሊስ ፖርት ሱዳን ኣጥቢቓ ኳ እንተለመነቶም፣ ሰማዒ ስኢና፣ እቲ ቆልዓ ኣብቲ ዘይጽወር ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ከቢድ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ምስ ኣዲኡ ይሳቐ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

እቶም  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ፖለቲካዊ ኩነታት ዓቕሎም ኣጻቢቡሎም ብቐይሕ ባሕሪ ሱዳን ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ “ብመንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ እንተተመሊስና ዝበኣሰ ግፍዕን ማእሰርትን ክወርደና እዩ” ኢሎም ኣብ ከብዲ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ይርከቡ ኣለዉ።

መንግስቲ ሱዳን ብተደጋጋሚ ግዜ ሓያለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ከምዝመለሰ ይፍለጥ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
30 COMMENTS
  • Ajoka hizbey, amlak'iyu feradi ab mewedaita May 20, 2015

    Izi hizbina zeyrekebo neger intelo fithin democracn tiray iyu, iti zikefie shigir ika betsihnayo. Aye eritreawian mesakin. tesfa gina alona hade mealti.

  • Teclay May 20, 2015

    ሓቂ
    ሓቂ ኣየ ሓቂ ገታር ፤ይደፍኑኺ ይቐብሩኺ፣ግን ጸጸኒሕኪ ቅልቅል ትብሊ ፣ዘይተደቅሲ

    ክልተ ሕቶ ንሕሉፋት ሀገራውያን እና ብሃልቲ;

    1,This question applies only to the men nationalists…..If Isiais is the only problem ,why don’t you kill him ? again why don’t you kill him??? who do you want to do the job for you ? be a man !30-40ዓመት ምኒን ዝብሉ ሰብኡት ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን አይፈልትን እዩ። Your answer nationalist ?

    2,you nationalists have been claiming we are a united ppl ‘ሐደ ልቢ ሐደ ሕዝቢ’..Show us the unity of those 50 plus so called opposition orgs to 10 ,, i said not to 2 or 3 but to 10 orgs … I do not need the excuse Isaias ….Isaias is not in London and for sure not in Washington …….Do you have an answer nationalists??

    • Masawa May 20, 2015

      ዝኸበርካ ተኽላይ፤ ህዝቢ ኤርትራ ህሉውን ታሪኻዊ ቅልውላዉን ብግቡእ ንኸይርኢ ዓንቂጸሞ ዘለዉ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመኑ ብሓሶት “ታሪኽ” ተባሂሎም እተማህዙ ፖለቲካዊ ጽውጽዋያቱ እዮም። ንህዝቢ ኤርትራ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሓደ ካብቶም ብዙሓት ናይ ፖለቲካን ኣተሓሳስባን ሽግራቱ እምበር እንኮ ጸገሙ ኣይኮነን፤ ኣይነበረን ድማ። ንኢሳያስ ከም እንኮ ጸገም ኤርትራ ዝርኢዎ ገሊኦም ብገርሆም ገለ ድማ ብተንኮል ነቲ ቐንዲ ሱር መሰረት ከይንሪኦ ሕልኮ ክጻወቱልና ዝደልዩ፤ ሱር ዝሰደደ ናይ መንነትን ትሑት ናይ ርእሰ ተኣማንነትን ዘሳቕዮም ባእታትን “እሊት” ጉጅለታትን እዮም።

      እዚ እዩ እቲ ቐንዲ ሱር ሕማምን ቅልውላውን ኩነታት ኤርትራ።

      መምህር ኣማኑኤል ይብል: “ኮሎንያል መንታሊቲ ዚብል ኣዘራርባ ኣሎ። ናይ ግዙእነት ባህርያት ምዝውታር ወይ ምንጽብራቕ ማለት እዩ። ናይቲ ዚመርሕ ወይ ዚገዝእ ዘሎ ሓይሊ፡ ናቱ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ምቕባልን ንኣኡ ድማ ካብ ዝግባኦ መጠን ኣልዒልካ ምርኣይ ከም ባህሊ ትወስዶ። ከምዚ ክትገብር ከሎኻ፡ ነቲ ብጥንቲ ዘጥረኻዮ ወግዕን ክብርታትን ከም ዘይናትካ ትርእዮ፡ ንባህልኻን ንማሕበረሰብካን ለኪሙ ኪፈርስ ከሎ ድማ ትም ኢልካ ትርእይ። ነቲ ናትካ ክትንዕቆ ስለ ዝመሃሩኻ።”

      • Teclay May 20, 2015

        Massawa

        ቐንየለይ ክብረት ይሃብካ እዚ ሓወይ

        ጽቡቕ ኣሎኻ ፣እቶም ቀንዲ ዝቃወሙና ዘለዉ ፣ፈሊጠዮም ኣለኹ፤ሓድነትና ፣ህግደፍ፣ ኢሳያስ ዝብሃላ ዝኣዘዙልና ናይ መደንዘዚ መስተ፣እናጨለትና ፣ክሳብ ናይ መጨረሽታ ጥፍኣትና፣ ደንዚዝና ክንጸንሕ እዩ።እቶም ዝበዝሑ ገርሂ ልባ ስዓብቶም ድማ ዕድመ ዝበልዑ ፣ቀደም ዘተኣታተውዎ ኣጉል ሀገራውነት ኣብ ሓንጎሎም ዝቦኽቦኸ እዮም፣
        እቲ ዝገሪምኒ ዘሎ ግን ናይ ኣሰና እዩ፣ እቲ ቐንዲ ሽግር እናተረድኦም ካባና ንላዕሊ ብዙሕ ሓበሬታ እናሀለዎም፣ከም ጋዘጠያታት መጠን፣ነቲ ዘይነቕሐ ሕዝብና ክእምትሉ ይግባእ ነይሩ፣
        በዚ ኮነ በቲ እዚ ነገር ክምዚ ሕጂ ዘለዎ ን4 ዓመት እንተ ቐጺሉ፣ከም ሓገር ይትረፍ ከም ሕብረተሰብ እውን ከም ቀያሕቲ ህንዳውያን (Red Indians ) ክንጸንት ኢና።ሽዑ ዋይ ዋይ ድማ ፣ካብ መስሓቕ ሸራፋት ሓሊፉ ዋጋ የብሉን።

        • Simon G. May 20, 2015

          Teclay,
          So, what is your solution? Unless I missed it somewhere, I haven’t seen any guidance on what to do to fix our issues. You have a chance to provide your say and let’s hear it.

          • Kokeb Selam May 20, 2015

            Brother Simon G,
            Why are you asking Mr Teklay for Eritrea’s solutions as though it was all his fault? It was not Mr Teklay who got you in the mess you are in and simply you should be pointing your fingers at the man (DIA) who you and your likes have been worshiping for far too long.

            Hope would mean nothing to anesthetized people; what they really need is a shock therapy. When are you people going to stop the blame games and the higdef style of character assassination? Time to take full and collective responsibility for Eritrea’s predicament and seek solutions together.

          • Simon G. May 20, 2015

            Brother/Sister Kokob (since we use Kokon for both gender),
            All I have asked Teclay was what his solution. Since he writes many comments on our problem, he may as well have a solution. Is that wrong to ask?

            “you and your likes have been worshiping for far too long”. Really? How do you know if I am one of those few who was objecting Pappa Isayas (if I may borrow the term from SYE)? However, you are half right. I was not worshipping the lunatic guy, but I was admiring him for so long (this is before 2001 or so). Who didn’t should be the question.
            Please read my comment and you will see mine was just a question. How about grab a bottle of red wine and relax. Then, please read it again. Your brother Simon G.

  • ogbai May 20, 2015

    ተወሳኺ ርእይቶ ኣለኒ
    ቀዳማይ ነገር፡ ገዛእቲ ሓይልታት ወይ ውልቀ መልኽቲ ብሃንደበት ብሓደ ማዓልቲ ኣብ ስልጣን ኣይኮኑኑ ዝድይቡ። ኣብ ውሽጢ እቲ ህብረተ ሰብ ንዝፍጠር ቅልውላዋት ገስገስቲ ተምሲሎም ይዓኩን ይጉቡዝን’ሞ፡ ኣብ ጎኖምን ከባቢኦምን ዝርኤን ዘይረኤን ጸጥታዊ ረቂቕ ዕርዲ ሰኪዔታት እና ፈጠሩ እዮም ናብ ስልጣን ምምንዛዕ ዘድህቡን ዝድይቡን።
    ካልኣይ ነግር፡ ኣብ ስነ ኣእምሮ ናይቲ ሕብረተ ሰብ እምባ ገነነቶም ክምዘጸባርቕ፡ ብርቂቕን ግሉጽን ናይ ፕሮፖጋንዳ ማዕከናት ፈጢሮም ስልጣኖም ዝጭብጥሉ ህንድሳታት መልክዖም እንድቅያየሩ ይጋዕዙ፡ ተጻባእቲ ውይ ተቓውምቲ ምስ ዝቃላቀሉ ብእዋኑ ናይ ጸለመ ዘርእታት ብምዝርእ፡ ብዝተፋላለየ ዝየእሩም ኣግባባት፡ ብዝያዳ ሓለይቲ ህዝቢ ወይ ወድብ ተመሲሎም ብቶም ዘፍረይዎም ሃሱሳት ጌሮም ይቅንጸልዎም። ብሓንት ዳርባ ክልተ ናይ ብሕቶም ዓወት የመዝግቡ፡፡
    ሳልሳይ ነግር፡ ኣብ መውዳእታ ኣብቲ ዝላዓለ ጸፍሒ ምስ በጽሑ ዋላ እቲ ኣብቲ መንበር ዘብጽሖም ባእታ እንተንቕሓሎም ጨግሪ ዓኖም እንተኾነወን ክትንክፎም ኣይክእልን እዩ፡ ምኽንያቱ ከኣ ምተካእቶኦም ዝኾንዎም ኣጥርዮም ናኣብነት ነቲ ገዲም ምኩር ተጋዳላይ ብዋርሳይ ይካኣሎ ኣቢልካ \ላይክ ዩዝ እንድስሮ\ ምጥቃም ወዘተ..
    ራባዓይ ነገር፡ ነቲ ሰላሳ ኣርባዓ ዓመት ኣብቲ ጥርዚ ክበጽሑ ወሰደሎም፡ናብ ታሕቲ ከተውርዶም ክንድቲ ክድይቡ ዝወሰደሎም ጊዜ ወይ ድርብ ጊዜ ክውስደሎም ከምዝኽእል ኣጽቢቖም ፈሊጦም ዝሃንደስዎ ጉዳይ ስለ ዝኾነ እዩ ዕድሚኦም ዝነውሕ።
    ስለዚ ናብ ጉዳይ ሃገርና ተመሊስና እንተራናዮ ናይ ኢሳያስ ዕድመ ምንዋሕ ንቶም እምነ ኩርናዕ ወይወን ኣጉዑር፡ ስሚንቶ ኮይኖም ብፍላጥ ብዘይፍላጥ ብዘየግድስ፡ምፍራሶም ቡልዶዞርስ ከድልይና እዩ። ኢሳያስ ዘይኮንስ እቶም ብርቱዓት ሓጹር ኮይኖም ኣብዚ ዘሕላፍናዮ ናይ ብረታውን ፕሎቲካውን ናይ ቃልሲ ዘመን ምስኡ ሰጢሞም ስለ ዝመጹ።ዋላ ዓዲ ህልም ትበል ብዘይ ወዲ ኣፎም እንታይ ትኸውን ሃገር ዘብሉ ወይውን ነቲ ኩሉ ምሃንዲሶም ኣብ ኣእምሮኦም ዘትቅርጽ ሓሳባዊ ስእለ ቅርጺቀዳማይ ቦታ ብምሃብ። ንቲ ኩሉ ነቲ ዝተመርዘ ኣእምሮ ሳዓብቶ ንምምሳጥ ኮነ ኢሉ ዝህውትቶ መናፋሓት፡ ሓቂ ጌሮም ስለ ዝወስዶዎ። ውለዶም ዝቕተሎ ከምዘለውና ዘጠራጥር ጉድይ ኣይመስለንን።
    እቲ ዝሕዘን ዋላ እቶም ብዙሓት ካብቶም ነዳቖ ናይዚ ኩሉ ሽግርወን ተገንዚቦም ኣብ ዘርሕርሕዎ ጊዜ። ብቲ ሓፍሽ ክምቲ ዘደለ ተቕባልነት ኣይርኸቡን ዘገርም ጉድይ እዩ። ክሃንጹ ድልዋትን ውፉያትን ኮኖም ክሳብ ዝይካኣሉ ዕድመ መላኺ ክናዋሕ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ ነቲ ጠንቂ ስቕያትና ኣጽኒዕም ዝሕቡሩናን ዝሕጉዝናን መሃንድሳት ውፍያትን ክሳብ ዘይርኽብና ውህደትን ምርድዳእን ክይፈጥርና እቶም ንቃወም ኣለና እንብል ወን ንሃገርናን ህዝብናን ፍታሕ ከነቕርብ ብዘይምብቃዕና ኩልና ጸገም ኮይና ኣለና። ከቢድ ፈተናታት ይካይድ ኣሎ ተስፋ ብዘይምቕራጽ ክንቅጽል ምኻና ሓደ ማዓልቲወን ክንበጽሖ ነዚ ብዙሕ ክቡርን ህይወት ፈሲስዎ ዝተረኽበ ዓወት ህዝብና ብውልቀ መለኽቲ ጉጅለን ተውኒኑ ኣይክተርፍን እዩ፡ ብኽUሉ ዕቕምና ኣዋሃሂድና ህዝባዊ ስርዓተ ሕጊ ዝነፈሶ ህዝብን ህገረ ኤርትራ ክንፈጥር እና!መሃንድሳት ተቐረቡ ኣጉዑርንኮወን ድልዋት እና፡ኣብ ርእሲ እሳያስን ሳዕብቱን ኡፍ ኡፍ እፍ እንተልናውን ካኣክል እዩ። እቲ ቡልዶዞር ማልትይ ህዝባዊ ማዕብል ምፍጣር ንምብቃዕ ክንቃለስ ይግባና። ቅድሚ ኩሉ ብቕዕ ፈውስና ንምርካብ ሕማምና ጸግምና ምልላይ ይድልየና ኣሉ።
    እቲ ጸገምና ክምቲ መምህር ኣማኔኤል ዘበሎ ኣብ ኣተሓስስባ እዩ።
    ብጊዜ ውቤ ዝጸመመስ ዘባን ውቤ ክብል ይነብር ክምዝባሃል ኮይንና ኣሎ። መግዛእተ ምልኪ ክሓጸር እንተኽይኑ ኝቕሓት ሕብረተ ስብና ክብ ንብል!

    • Hagherawi May 21, 2015

      ” ኢሳያስ ዘይኮንስ እቶም ብርቱዓት ሓጹር ኮይኖም ኣብዚ ዘሕላፍናዮ ናይ ብረታውን ፕሎቲካውን ናይ ቃልሲ ዘመን ምስኡ ሰጢሞም ስለ ዝመጹ።ዋላ ዓዲ ህልም ትበል ብዘይ ወዲ ኣፎም እንታይ ትኸውን ሃገር ዘብሉ ወይውን ነቲ ኩሉ ምሃንዲሶም ኣብ ኣእምሮኦም ዘትቅርጽ ሓሳባዊ ስእለ ቅርጺቀዳማይ ቦታ ብምሃብ። ንቲ ኩሉ ነቲ ዝተመርዘ ኣእምሮ ሳዓብቶ ንምምሳጥ ኮነ ኢሉ ዝህውትቶ መናፋሓት፡ ሓቂ ጌሮም ስለ ዝወስዶዎ። ውለዶም ዝቕተሎ ከምዘለውና ዘጠራጥር ጉድይ ኣይመስለንን።”

      ogbai

      Their mafia boss sooner or later will die. They are a bunch of losers who cannot see beyond him.
      A day will come when people will bring them to justice.

  • rezen May 20, 2015

    “ብጊዜ ውቤ ዝጸመመስ ዘባን ውቤ ክብል ይነብር ክምዝባሃል ኮይንና ኣሎ። መግዛእተ ምልኪ ክሓጸር እንተኽይኑ ኝቕሓት ሕብረተ ስብና ክብ ንብል”!by Ogbai

    “ኝቕሓት ሕብረተ ስብና ክብ ንብል” Thanks Ogbai. This is the biggest hurdle facing Eritrea. By the time:
    a) Issayas is through with Eritea; and
    b) mature understanding, civilized harmony and open relationship is established among the diverse society of the country, the world will have evolved to a radically new face that it would be difficult to find even a resemblance of the little bellisima coloniale Italiano of a century ago. It is called tragic oblivion of a nation that never found itself! መርገም?

    Now let me also refer to Simon G’s question: “So, what is your solution?”. It is not a simple question. It is a fundamental question that Eritreans must honestly ponder over it — over and over.

    My answer (my honest feeling) is this: Eritreans around the Globe in every little county, in every town, in every city, must establish their respective little civic organizations and start TALKING, TALKING and TALKING TO EACH OTHER, thus evolving into eventual cascade of communication around the Globe–thanks to modern instant communication. If this is NOT possible for some intrinsic phenomenon then the fate of Eritrea must have been sealed a long time ago. In that case, the 30-year devastating war was in vain. In retrospect, we can say that Issayas, in his own cruel way, told us so, clearly and devastatingly!

    Let me finish this with a little humour (an ingredient of Life) to my Internet friend: Hi Simon G, Do you think I deserve በራድ ሻሂ መዓመር? Say, YES, please!!!!

    • Simon G. May 20, 2015

      Brother rezen,
      You deserve በራድ ሻሂ መዓመር ምስ ኣርባዕተ ውዑይ ባኒ!
      I agree with your recommendation on we have to start talking in a small group – one at a time. How about doing this: marry from another province. What do you know, I just did. To tell you the truth Eritrea’s problem is within Kebessa. I don’t see any significant division within Eritrean muslim communities. I only see within the 3 awraja’s christian communities. Yes, we can always go back and blame HGDF this and that but since we already know the problem, why is this so hard to get the solution. If we can solve this, how do we call ourselves very smart people (sometime the smartest people on the planet-yes, yes, I used to say that one as well)?
      So, marry from another awraja than yours and create a web. Unless we start on brown vs dark color after that? Who knows.

      • rezen May 21, 2015

        Simon G, Let me briefly comment on your commentary.

        1. Size of groups
        The number of participants in any group in all the counties, towns, cities is not limited. The cardinal aim is to get together and TALK and come to common understanding and benefit.

        2. Problems within the Kebessa Society
        I agree with you, there is problem within that society. But I cannot accept that, as you put it, “Eritrea’s problem is within Kebessa”! Your exclusivity or emphasis on that Community’s sociological shortcomings seems to be single sided view, to put it very mildy. On the other hand, you “don’t see any significant division within Eritrean muslim communities”, Your usage of the adjective “significant” clearly implies that, never the less, there is “Eritrea’s Problem” within that Community too. Indeed, there is no perfect society anywhere in the world regardless of spiritual belief.

        The real Eritrean Problem is monumental

        3. Inter-marriage, etc
        Your commentary on this one, I presume, is intended to be a humour.

        It is always a pleasure and productive to have a civil discourse on any subject, no matter what – but we can’t have a perfect world.

  • Teclay May 21, 2015

    Simon G

    You asked me “What is the solution ?”

    = The solution starts when Assena being open for all,neural and enlightened .
    = The solution starts from being yourself and not being hypocrite.
    = The solution comes when you talk about the core problem not daily events.
    = The solution comes when we know we didn’t marry to the absurd Ghedli rather a free concerned individuals.
    = The solution comes when we all understood what Kokeb said .If he let me to quote it “Hope would mean nothing to anesthetized people; what they really need is a shock therapy”
    Brother Simon i hope you are joking… ” So, marry from another awraja than yours and create a web”… my recommendation is ‘marry to love’.Yes, to Love from any part of our planet from North pole to south Pol .

    • ogbai May 21, 2015

      When we sit in a coffee or tea house we can say a lot of things to learn or to kill the time. I choose the first, but when we come to politics not that easy. Because some one is among as to report to the his Boss. There fore we have to be careful what we are talking about. Otherwise I would be happy to join you. By a chance I am a tea guy. Then my point for today is, our problem is not the high land or the lowland’s people or the Moslems and Christian people. Eritrea belongs to everyone of us that we are the share holders of our land. On the early days were the invader’s and later the elite who wants to divide us and rule us by the gun point. We might have some points a minor disagreements, but not us bad as such to bite each other. The point the British they didn’t did it for us as they claim it themselves. And Isaias as well he didn’t do it for us. My point is we have to do it for our own for us, and this is a serious matter of our job beyond coffee or tea shop talk. But thank you for the tea.

POST A COMMENT