Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሰላምዶ ወይስ ሓዲሽ መጻወድያ ግሩሃት

ንሰላምዶ ወይስ ሓዲሽ መጻወድያ ግሩሃት ሃብተጽዮን ተወልደ   ሓደ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ በዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ንዝቀነየ ርኽክባት ተመርኲሹ፡ ደስ ይበለና ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ሰላም ኰይኑ እናበል ናይ ደስታ ስምዒቱ ገለጸለይ። እቲ መንእሰይ ዘረባኡ ብምቅጻል፡ ተዓጽዩ

ንሰላምዶ ወይስ ሓዲሽ መጻወድያ ግሩሃት

ሃብተጽዮን ተወልደ

 

ሓደ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ በዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ንዝቀነየ ርኽክባት ተመርኲሹ፡ ደስ ይበለና ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ሰላም ኰይኑ እናበል ናይ ደስታ ስምዒቱ ገለጸለይ። እቲ መንእሰይ ዘረባኡ ብምቅጻል፡ ተዓጽዩ ዝነበረ መንገዲ ጽርግያታት ተኸፊቱልና፡ ኣቋሪጹ ዝነበረ መስመር ተለፎን ቀጺሉ፡ ነፈርቲ በረራ ጀሚረን፡ ወዘተ … እናበለ ነቲ ብመራኸቢ ብዙሓን ክፍኖ ንዝቀነየ ዜና ደገመለይ። ኣነ ግን ነቲ ሰናይ ናይ ሰላም ድልየቱ ብምስትባሃልን፡ ሰላም ድሌት መላእ ኣህዛብን ድሌት ህዝብናን ብምዃኑን፡ ቃልካ ይስዓር በልኩዎ። እወ፡ ሰላም ንኽስዕር ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ። ዕንቅፋት ናይ ሰላም ድማ እቶም ወግሔ ጸብሐ ኦኣምላኽ ሰላም ኣውርደልና እናበለ ዝጽልን፣ ዝምነን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ እቶም ሰላም እንትኾነ ስልጣና ካብ ኢድና ክምንዛዕ እዩ፡ ካብ ዝብል ፍርህን፣ ስሱዕ ኣተሓሳስባኦምን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ውግኣትን፣ ቅልውላውን ከርተት ዘብልዎ ዘለዉ፡ እዞም ናይ አርትራዊነት ሃገራዊ መንነት ጸገም ዘለዎም ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን፣ መሻርኽቶም ትምክሕተኛታት አትዮጵያውያንን፡ ንዕኦም ዝምችእ ጥጡሕ ባይታ ክሳብ ዝምስርቱ፡ ዝኣለምዎ ተንኮል ምዃኑ ክስወረና የብሉን። ከምቲ ናይ ዕዳጋ ዕግርግር ንሰራቂ ይጥዕሞ ዝብልዎ፡ እቲ ንመንነቶም ዝምችእ ጥጡሕ ባይታ፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላውን፡ ጸጥታ ኣብ ዘይተረጋግኣሉ ዘሎ እዋንን፡ መርሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ ዓቢ ኣፍደገ ከፊቱልና ኣሎ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ሰብ ሰላም ኮይኖም ክረኣዩ ይጽዕሩ ኣለዉ። ብዓይኒ ኤርትራውያን ግን፡ ናይዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ መዓትን መከራን ቀጥታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተሓታቲ፡ ዲክታቶር ኢሰያስ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ “ወንጮ እንተገምጠልካዮ ወንጮ” ኮይኑ፡ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ምንም ዓይነት ጥቅሚ ምስ ዘይብሎም በኣታታት እዩ ሰላም ኮይኑ ዝበሃል ዘሎ።

 

እቲ ክንዕዘቦ ዝቀነና ትያትር ንምእማኑ ዘጸግም እኳ እንተነበረ፡ ብዙሓት ገርሃኛታት ኤርትራውያን ግን ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ከይተመራመሩሉን፡ ነቲ ዝተባህለ ከየስተብሃሉሉን፡ ብደገ ጥራሕ ብምጥማት ኣብ ሃገርና ሰላም ወሪዱ ብማለት ናይቲ መንገዱ ዝሰሓተ ጓይላ መዳምቅቲ ብምኻኖም፡ ካብ ናይ ታሪኽ ተመኵሮና ብምምርኳስ፡ ከይተሃወኽና ህዲእ ኢልና ንሕሰብ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝወጻእኩ ኰይኑ ኣይስመዓንን። ንህዝቢ ኤርትራ ውግእ ኮይኑ፣ ወይ ውን ብኣንጻሩ ሰላም ኮይኑ እንተተባህለ ምጥቃዕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ወሳኒ ተራ ንክህልዎ ክቃልስ ኣማራጺ ከም ዘይብሉ ምእማን ኣገዳሲ እዩ። ናይ ሰላም መስርሕ መሲሉ፡ ግንከ መኣዝኑ ኣብ ዝሰሓተ ፖሊቲካዊ ሓሸውየ ሸንኰልል ከይበልና፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጲያን ተበጺሑ ኣብ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ከይተገራህናን ከይፈራህናን ንጥቅሚ ሃገርና ክንቃለስን፥ ከይተሰከፍና ድማ ርእይቶና ክንህብን ሃገራዊ ግዴታና ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ። ክምቲ ኣቦታትና ዝመሰልዎ፡ ክሰርቀኒ ዝረኤኽዎስ ክውስኸኒውን ነይኣምኖ ዝበልዎ፡ ሕቶና ስለምንታይ ምስ አትዮጵያ ሰላም ተገይሩ ዘይኮነስ፡ እረ ብመሰረቱኸ እንታይ ዘባእስ ነይሩና፡ አለ ክሓትት እፈቱ። ዶብ እንተኾነ፡ ዶብ ትርጉም የብሉን ዝብል ጽውጽዋይ ካብቶም ንዂናት ዝወልዑ ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን ይንገረና ኣሎ። እዞም ሕጂ ቆርበት በጊዕ ተወንዚፎም ሰላም ኰይኑ ዝብሉና ዘለዉ፡ ከምቲ ዓዋን ሓደ ደርፉ ዝብልዎ፡ ግደፉባ ሰላም ንግበር ምስ ዝበሃሉ፡ ምስ ወያነ ሰላም ዘግብር የብልናን፡ እምብለይ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣይንዕረቅን፡ እናበሉ ኣእዛና ኣጽሚሞምና ከም ዘይነበሩ፡ ማይ ንዓቀብ ከም ዝብልዎ፡ ሎሚ ተገምጢሎም ናይ ሰላም ሃዋርያ መሲሎም ከታልሉና ምፍታኖም ክገርመና የብሉን። ንህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ግን ብዳግማይ ክይታለል ኣብቲ ምቁር ናይ ሰላም ዘረባኦም ዘይኮነስ ኣብ ተግባራቶም ንኸተኵር ሃገራዊ ግዴታኡ ይኸውን።

 

እቲ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክንርእዮ ዝቀነና፡ ደይ መደይ ተባሂሉ ዝተደርሰ ናይ ተዋስኦ ምርኢት፡ ዋዛን ቁምነገርን ዝሓዙ መልእኽትታት ነይርዎ። እቲ ዋዛ ከምቲ መንእሰይ ዝበሎ ኣብ መእተዊ ዝጠቀስኩዎ፡ ሰላም ኰይኑ፣ ተዓጽዩ ዝነበረ መንገዲ ጽርግያታት ተኸፊቱልና፣ ኣቋሪጹ ዝነበረ መስመር ተለፎን ቀጺሉ፣ ነፈርቲ በረራ ጀሚረን፡ ወዘተ … ዝብሉ ብምዑዝ ቃላት ዝተወቀጡ ክንሰምዖም ዝቀነና ምደሬታት እዮም። እቲ ቁም ነገር ግን፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ሕዝቢ እዩ፣ ዶክተር ዓቢይን ኢሰያስን ዓሰብ ክሻረኹ እዮም፣ ኣብ ፍቅሪ ዝምርኮስ ንአርትራን ንአትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቆፎ ዝዕሽግ ናይ ምድማር መደብ ዕዮ ምጅማሩ፣ ምስ ኢትዮጵያ ሕቶ ዶብ ትርጉም ከም ዘይብሉ፣ ብሓጺሩ ባህሪያት ናይ ዲክታቶር ኢሰያስን ደቂ መዛምርቱን፡ ካብ ልዑላውነት ኤርትራ ምሕላው ልዑላውነት ኢትዮጵያ፣ ካብ ፍቅሪ ኤርትራ ፍቅሪ ኢትዮጵያ፣ እምነቶም ከም ዝኾነ ብግልጺ ዝተጋህደሉ መድረኽ እዩ ነይሩ። ዲክታቶር ኢሰያስ ከይሓፈረ ተጠሊዑ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዮም ኢሉ ድሕሪ ሕጂ ዝዛረብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ፡ ዓገብ!! ንሕናስ ክልተ ኣህዛብ ኢና፡ ሓደ ንኽንገብሮምስ ንሰላሳ ዓመት ዘቃልስ ኣይነበረናን፡ ወይ ድማ ብ1998-2000 ዓ.ም. ሃገርኩም ተዘሚታ ስለ ዝበልኩሞ ኣብ ናይ ዶብ ውግእ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና መይኣሰዋእናን ዝብሎ ግን ኣይረኸበን። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ብሽም ሰላም ዝንፋሕ ታቱላ ትርጉም ኣይረኸብናሉን፡ ንምእማኑ እውን ዘጸግም ኮይኑ ረኺብናዮ። ግንከ ኣብቲ ቁምነገር ምልስ ኢልና፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ናይ ሰላም ጉዳይ ንምኣምኑ ዘጸግምና ዘሎ ኢልና ምስ ንሓትት እዞም ዝስዕቡ ሓቅታት በሪሆምልና።

 

ቀዳማይ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ 1998 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ነበረ? ጠንቂ ናይቲ ብ1998 ዝተጀመረ ውግእ ወላእኳ ብመንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ጉዳይ ዶብ ምስ ባድመ ዝተኣሳሰር ምኽንያት እንተ ተዋህቦ፡ እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ግን እቲ ኲኖ ዶባት ኤርትራ፡ ፍሉይ ህርፋንን ህንጥይናን ናይ ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን ከም ዝነበረ፡ ምስ ጉዳይ ዶብ ባድመ እውን ጨሪሹ ዘይራኸብ ከም ዝኾነን ኣብዚ እዋን እዚ ኣዓርዩ ክበርሃልና ክኢሉ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ነቲ ውግእ ክገልጽዎ ከለዉ ዶብ ከም ምኽንያት መባርዒ ድኣ ተጠቂሞምሉ ምበር፡ እቲ ብቀዳምነት ከም ግዳማዊ ረቃሒ ዝጥቀስ ቀንዲ ምኽንያት መጀመሪ ውግእ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነበረ ኪዳን፡ ኢሰያስን ሰዓብቱን ኣብ ሽቶኦም ከይበጽሑ ስለ ዝፈረሰ እዩ ይበሃል። እቲ ከም ውሽጣዊ ረቃሒ ዝጥቀስ ጠንቂ ምጅማር ውግእ ንመንእሰይ ኤርትራ ኮነ ኢልካ ብምጽናት፣ ንሕቶ ዲሞክራሲ ንምጕዕጻጽ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርዓን ደይመደይ ተባሂሉ ዝተኣልመ ማእለማ እከይ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን እዚ ብዙሕ ዝዝመረሉ ዘሎ ናይ ሰላም ርኽክብ ነቲ መሰረት ግርጭት ናይ ክልቲአን ሃገራት ከይተንከፎ ብዕበጦ ዕበጦ ሰጊርዎ። ኣብቲ ናይ ዘተ ኣጀንዳ እውን ኣይሰፈረን። እቲ ዝገርም ምኽንያት መበኣሲኻ ከይፍለጥካስ ሰላም ኮይኑ ተዓሪቅና ተብሂሉስ ክንድዚ ዳንኬራ! ተሰሚዑኳ ኣይፈልጥ።  ሕማም ንኽትፍውስ ሳዕቤን ጥራሕ ዝይኮነስ ትርኢ ጠንቂ ቲሕማምውን ክምርመር ይግባእ። ገለ ድኣ ክሓብእዎ ዝደለይዎ ምስጢር ሃልይዎም እምበር፡ መስርሕ ሰላም ዝኣክል ብሸፍኖ ሸፍኖ፣ ድሕረ ባይታ ግርጭት ከይተመራመርካ፡ ብናይ ጐደና ከበሮን፣ ሳዕስዒትን ስለ ዝደመቀ ክዕወት እዩ ኢልካ ምሕሳብ ልቦና ዝጐደሎ ነፍሰ ምትላል እዩ።

 

ካልኣይ፡ ፖሊቲካ ፍቅሪ ገደብ ኣለዎ። መቸስ ፍቅሪ ክበሃል እንከሎ ማንም ሰብ እዩ ዝምሰጥ። ንምዃኑ ብዘይካቶም ዓመጽትን ጨቆንትን፡ ኩሉ ሰብ ፍቅሪ ጽቡቅ እዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን ፡ ግርጭት ግን ብፍቅሪ ጥራሕ ክፍታሕ ኣይከኣልን። ብዓይኒ መንፈሳውነት ክንጥምቶ ከሎና፡ ኩልና አርትራውያን ዜጋታት፣ ኣመንቲ ክርስትናን፡ እስልመናን ነጻነት፣ ሰላም፣ ፍቅሪ፣ ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ሓጎስ፣ ፍትሒዝብላ ጥምሮ ሓሳባት ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቡና ጽጋታት እዮም ንብል። ኮይኑ ግን፡ ብሰንኪ ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነጻነት ግፍዕን፣ ማእሰርትን፣ ጭቆናን፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከትን፣ ውግእን፡ መቅዘፍትን፡ ኣብ ክንዲ ፍቅሪ ባእስን፣ ጽልእን፡ ኣብ ክንዲ ራህዋ ስቃይን፣ መከራን፣ ውርደትን፡ ኣብ ክንዲ ቅሳነት ሕንፍሽፍስ፡ ኣብ ክንዲ ሓጎስ ሞትን፣ብኽያትን፣ ሕሰምን፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ዓመጽን፣ ብልሽውናን ተዓዲላ ትርከብ። እዚ ዝሕብረና፡ ፍቅሪ መሓዙት ጥራሕ ዘይኮነስ እዞም ዝተጠቅሱ ሰይጣናዊ ህያባት ተጻባእቲ ከምዘለዋ ክንርዳእ ይግባእ። ዝኾነ ግርጭት ብፍቅሪ ጥራሕ ዝፍታሕ እንተዝነብር፡ ብደረጃ ሃገር ዕጡቅ ሰራዊት፣ ፖሊስ፣ ፈራዶ፣ ቤት ማእሰርቲ ስለምንታይ መድለየ? እዚ ዘረድኣና ከምቲ ዶክቶር ዓቢይ ኣሕመድ ዝበሎ ዘይኮነስ፡ ፍቅሪ ኣብ ምፍታሕ ግርጭት ብዘይቶም ካሎኦት ጸጋታት ብፍላይ ድማ ፍትሒ ኣብ ዘይብላ ሃገር፡ ንበይና ሰላም ንኸተስፍን ኣይትኽእልን እያ። ፍቅሪ ትበሃል ኣብ መዝገበ ቃላት ናይ ዲክታቶር ኢሰያስን ሰዓብቱን የላን። ፍቅሪ ብይቅሬታ እዩ ዝጅመር። ክሳብ ሃገርና ኤርትራ ካብዚ ሰይጣናዊ ስርዓት ዲክታቶር ኢሰያስ እትገላገል፡ ብፖሊቲካ ፍቅሪ ጥራሕ ዝመጽእ ሰላም ይልቦን።

 

ሳልሳይ፡ ናይ ሰላም ጥጡሕ ባይታ። ኣብ ዘበን ዲክታቶር ኢሰያስ ሓደ ከም ዓቢ ሓድጊ (legacy) ዝቁጸር ነገር እንተሎ፡ ብዝኾነ ይኹን ይዕበ ወይ ይንኣስ፡ ብናይ ፖሊቲካን ሕልናን ጉዳያት ተጠርጢሮም ዝእሰሩ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይወጹ ኣብታ ዝተኣስሩላ ቦታ ይሓቁ። ክምቲ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝብልዎ፡ ናይ ፖሊቲካን ሕልናን እሱራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ከምዝቁጸሩን፡ ንኤርትራ ድማ ናይ ኹምራ መዳጎኒ ቤት ማእሰርቲ ቀይሮማ ከምዘለዉ ይሕብሩ። እሱራት ክወጹ እዮም ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ኣነ ከም ውልቀይ ንስርዓት ዲክታቶር ኢሰያስ ካብ ነውሕ ጊዜ ከም ዝተዓዘብኩዎ፡ ስልጣኑ ንምዕቋብ ራዕድን ሽበራን፡ እተን ዝለዓላ ዝጥቀመለን ሜላታት ምዃነን ብእዋኑ ተረዲኡኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖሊቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ ርኢና ትሓጒሽና። ኣብ ኤርትራ ግን ዝወጸ እሱር ኣሎዶ? ወላ ሓደኳ ወጺኡ ዝብል ኣይሰማዕናን። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ፡ ሕቶ እሱራት ኣብ ፍትሓዊ ቃልስና ማእከላዊ ሕቶ ስለ ዝኾነ፡ ኢትዮጵያን እተን ንዕርቂ ሓልይቲ ኢና ዝብላ ሃገራትን፡ ንሕቶ እሱራት ኣወንዚፍካ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተብጽሔ ስምምዕ ይኹን፡ ወይ ድማ ንብድሕሪ ሕጂ ዝግበር ስምምዓት፡ ጊዚያዊ እምበር ነባሪ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነጻ ምልቃቅ ናይ ኩሎም እሱራትን፡ ከምኡውን ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ንዝተሰውኡ ኣገባብ ኣሰዋውኣኦም ብዕሊ ምግላጽን እተን ዝተሓታ ቅድመ ኩነት ናይ ሰላም እየን። ሰላም ጥጡሕ ባይታ ይደሊ፡ ባይታ ሰላም ግን ኣይተብጽሔን።

 

ራብዓይ፡ ጉዳይ ዶብ። ዲክታቶር ኢሰያስ ካብ ምጽሕታር ውግእን፣ ምፍጣር ቅልውላውን ድሕር ዘይብል፡ ብዓንዳሪ ጠባይ ዝግለጽ ጽማኣተ ደም ዘለዎ ዘይሰብኣዊ እኩይ ግለ ስብ ኮይኑ፡ ብሕቶ ዶብ እናመሳመሰ፡ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ኲናት እናጻሕተረ መንእሰያትና ዘሕለቀ ሰብ እዩ። ነቲ ብሰንኪ ባድመ ዝተላዕለ ኩናትን፡ ኣስዒቡ በቲ ናይ ኲናት ሃዋህው ዝተፈጠረ ውጥሪን ክልቲአን መንግስታት ብሰላም ክፍታሕ ምውሳን ኣዎንታዊኳ እንተኾነ፡ ሕሉፍ ጌጋታት ንኸይድገም፡ ሕቶ ዶብ ብግቡእ ተዘተየሉ ክትግበር ዘለዎ ጉዳይ ምኻኑ ከዘኻኽር እፈቱ። ብመሰረቱ ዲክታቶር ኢሳያስ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ከይተሓንጸጸን፡ ወይውን ነቶም ምስ ዶብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ስምምዕ ከይተገብረሎም፡ ነቲ ኣብ ድሮ ዋዜማ ነጻነት 1993 ዝብሎ ዝነበረ ኣበሃህላ ብምድጋም፡ ኣብዚ እዋን እዚውን ተግምጢሉ “ዶብ ትርጉም የብሉን” ምባሉ፡ ሃናጺ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ነቲ ናይ ቀደምን ናይ ሕጅን ኣዘረባኡ ብምዝካር ድማ መመሊሽና ኣብ ሻቅሎት ንርከብ ኣሎና። ከምቲ ብተመን ዝተዳህለ ካብ ልሕጺ ሃደመ ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብ ብኢሰያስ ተታሊሉ እዩ። ሕጂኸ እንታይ ዝጻሕተሮ ህልይዎ ኾይኑዩ “ዶብ ትርጉም የብሉን” ዝብል ዘሎ? ይስተረና! ጥራሕ ኢና ንብል ዘሎና።

 

ሓምሻይ፡ ፍልስፍና ምድማር ብመንጽር ሃገራዊ ልዑላውነት። ፍልሰፍና ምድማር ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ብሓንሳብ ይጠምረን። ሓደ (ኢትዮጵያ) ተደመሮ ሓደ (ኤርትራ) ኣብ ክንዲ ክለተ ዝኸውን ብናይ ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ ኣገላልጻ ግን ሓደ ይኸውን። ትርጉም ናይዚ ኣሃዱነት እንታይ እዩ፧ ከም እንዝክሮ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ፈደረሽን ንሓድነት እትዮጵያ እኹል ኣይኮነን ኢሉ ምስ ኣፍረሶ ናይ ነጻነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ተጀሚሩ። እቲ ዝቀጸለ ቃልሲ ኣብ ምዕባሌ ክልቲኤን ሃገራት ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝነበሮ ንኹልና ብሩህ እዩ። ሰፍ ዘይብል ናይ ሕይወትን ንዋትን ዋጋ ድማ ከፊልና። መራሕቲ ሃይማኖት ፍቅሪ ኢሎም እንተሰበኹ ስራሖም እዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ኮይኑ ግን መራሕ መንግስቲ፡ ፍቅሪ ንኹሉ መፍትሒ እዩ እንተበለ ምትላል ጥራሕ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ ራእዪ ኣሎኒ ዝብል እንተኾነ ካብ ስምዒታዊ ኣተሓሳስባ ፍቅርን ምድማርን ርሒቁ፡ ቅድም ቀዳድም ንዘሎ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወድዓዊ መንጽር ተመልኪቱ፡ ብስርዓተ ሕግን፡ ብሃገራዊ ቁዋምን ተመርኲሹ ነቶም ኩሎም ሽግራት ክፈትሖም ክቃለስ ይግባእ። ከምቲ ብኣምሓርኛ “የነ ተሎ ተሎ ቤት ግድግዳው ሰንበሌጥ” ማለት “ናይ ተሎ ቤት መንደቁ (ግድግዳኡ) ቀሻሺ” ከም ዝብልዎ፡ ዝተዋህለሉ ፖሎቲካዊ ጸገማት ብጉያ ጉያ ክፍትሑ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ዘበለኒ ድማ እቲ ንኢትዮጵያውያን ጽቡቅ ዝስምዖም ነጥብታት ኣልዒልካ ምጭፍር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይቶም ክድመሩ ዝድለዩ ኣህዛብ ኩነታን፣ ስክፍታን፣ ስግኣትን ብግቡእ ክርኤ ኣለዎ። ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ሕማቅ ደማዊ ታሪኽ ፖሎቲካዊ ምትእምማን የብልናን። እዚ ዝተበጽሔ ስምምዕ ንኽልቲኡ ኣህዛብ ዘተኣማምን ሃዋህው ክፈጥርዩ ዝብል እምነት የለን። ንዓና ንኤርትራውያን ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዘገድሰና መሰል ሰብን፣ ቅዋምን፣ ልዕልና ሕግን ዘኽብር ሰርዓት ምትካል እዩ። ኢትዮጵያውያን እንተ ደለዩ ይደመሩ፣ ይጕደሉ፣ ይርብሑ፣ ወይ ድማ ይመቀሉ፡ ንዕኦም ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግን “ከምቲ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብልዎ መሰልና ከይተሓለወ ናይ ምድማር ፍልስፍና ኣብ ጉዳይ ልዑላውነትና ጣልቃ ስለ ዝኣቱ ኣየድልየናን እዩ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣይንድመር፣ ኣይንጎድል።

 

ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ፡ ሓንቲ ሕቶ ክሓትት። ሕይወት ኤርትራዊ ንዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን፡ እንታይ ኮን ትብጽሖም? መልሱ ሓጺር እዩ፡ ሕይወት ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚኦም ወላ ሓንቲኳ ትርጉም ይኹን ዋጋ የብላን። ካብ ሞት ኤርትራዊ እቲ ኣዚዩ ዘገድሶምን፣ ዘሕምሞን እቲ ዝበኾሮም ዝኽፈል ወርሓዊ ገንዘብ እዩ። ወላ እውን ሕይወት ኤርትራዊ ውልቃዊ ንብረትና ኢዩ ኢሎም ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መቊሖም ጅሆ ገይሮሞ እንተለዉ፡ ከምቲ ንንብረትካ ከይበላሸወካ እትከናኸኖ ግን፡ ነቲ ኣብ ዝበልዎ ከርተት ዝብል መስኪን ኤርትራዊ፡ ንብርትና እዩ ኢሎምውን ግቡእ ናይ ንብረት ኣተሓሕዛ ኣይኣርኣዩን። ብከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ስምዒት ብዘይብሎም ዝተረግሙ ከም መዓል ዲክታቶር ኢሰያስን፣ ጭፍርኡ መራሕቲ ህግዲፍን፡ ንህዝብና ብዘስካሕክሕ ጭቆና እናኣሳቀዩ ከለዉ፡ ሰላም ከምጽኡልና እዮም ኢልካ ምሕላም ተስፋ ዘይብሉ ናይ ድቃስ ዓጀውጀው እዩ። ኤርትራ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነታ ምእዋጃ፡ እሞ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጽነታ ኣሚኖም፡ ከም ነጻ ሃገር ምስፈለጡልና፡ እቲ ኣብ መንጎ ከልተና ሃገራት ዝጸንሔ ናይ 30 ዓመት ናይ ናጽነታዊ ቃልሲ ውግእ መደምደምታ ተገይሩሉ። እዚ ዳሕራይ ናይ 1998 – 2000 ውግእ ግን ዲክታቶር ኢሰያስ ዝጻሕተሮ ውግእ ስለዝኾነ፡ ንዕዑ እዩ ዝምልከት፡ ተሓታቲ እውን ንሱ ጥራሕ ምኻኑ ካባና ንላዕሊ መርሕነት ኢትዮጵያ ኣዕሪዮም ይፈልጥዎ። ነዚ ኣወንዚፍካ ዝግበር ሰላም ነፍሰ ቅሸሻ ኢዩ። ንሕና ሕቶና ሕቶ ፍትሒ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ፍትሕን፣ ስርዓተ ሕግን፣ ቅዋማዊ ምሕደራን ዝርከብ ሰላም የልቦን። እሱ ሰልዝኾነ ድማ፡ ወላእኳ ሰላም ንክኸውን ምሉእ ብምሉእ ንድግፎ እንተኾነ፡ በዚ ጀሚሮሞ ዘለዉ ሰላም ዘርእስቱ ተዋስኦ፡ ምንም መንገዲ ሰላም ዝሕብር ኣንፈት ስለ ዘይብሉ፡ ብኣንጻሩ እኳ ንዓና ንኤርትራውያን ዘገድሰና፡ ካብቲ ዲክታቶር ኢሰያስን ደቂ መዛምርቱን፡ ምስ መሻርኽቶም ትምክሕተኛታትን፣ ኣስፋሕፋሕትን ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ንሕልቀትና ኣጻዊዶምልና ዘለዉ መጻወድያ ግሩሃት ክንጥንቀቅ ይግበኣና።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde August 8, 2018

    ‘ንሕና ሕቶና ሕቶ ፍትሒ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ፍትሕን፣ ስርዓተ ሕግን፣ ቅዋማዊ ምሕደራን ዝርከብ ሰላም የልቦን።’ writes Mr. Tewolde,it is an insightful and beautifully narrated article.Yes indeed,the one and indispensable prerequisite to a genuine and lasting peace,otherwise what is being displayed in front of us is a choreographed virtual reality by those who have the power and money to produce and direct it.Don’t insult the Eritrean people’s intelligence,like the Farmers Ins. commercial motto,”we have seen a thing or two”.In other words,you can hand out red roses,give us fake smile,kiss and hug and pave the highways with gold..nothing matters unless the one in quotes above is fulfilled,I still remember the last time when you came in,you threw confetti candies and a dollar bill at us,here we go again.Would history repeat itself?

  • Degoli August 9, 2018

    is there anything new here? The destruction in the current Eritrea has been going since 1960s. How else can you explain the destruction of the millennial history, the burning of Tigre Tigrnya languages in order to Arabize and import alien Arabic identity?
    Hating ones own values and imposing alien Arabic identity at the expense of Eritrean values is still the major destruction. Land or sea with out its people, languages and history is useless..

POST A COMMENT