Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሰብ ምንጻል ብስነኣእምሮ ምቕታል ኢዩ::

ንሰብ ምንጻል ብስነኣእምሮ ምቕታል ኢዩ::   ሳራ ክልተ ወርሒ ብዝተቐየደት ውነኣ ተዘናበለ:: ንሳ ቅልጡፍ ኣሳጉማ እግሪ ሰምዐትን ብልጭታ ተራእያን::ኣብታ ሸላ ድማ ብኣርባዕተ መሓውራ እናንፈሓኾት እዝና ናብ  ማዕጾ ኣጸጊዐ ትጸናጸን:: ሳራ ኣብ ኣኽራናት ኩርድ ዒራቕ ምስ መሓዙታ እናተንቀሳቐሰት:ከይፈለጣ ዶብ

ንሰብ ምንጻል ብስነኣእምሮ ምቕታል ኢዩ::

 

ሳራ ክልተ ወርሒ ብዝተቐየደት ውነኣ ተዘናበለ:: ንሳ ቅልጡፍ ኣሳጉማ እግሪ ሰምዐትን ብልጭታ ተራእያን::ኣብታ ሸላ ድማ ብኣርባዕተ መሓውራ እናንፈሓኾት እዝና ናብ  ማዕጾ ኣጸጊዐ ትጸናጸን::

ሳራ ኣብ ኣኽራናት ኩርድ ዒራቕ ምስ መሓዙታ እናተንቀሳቐሰት:ከይፈለጣ ዶብ ኢራን ብምጥሓሰን ብስለላ ተኸሲሰን ኣብ ተህራን ኣብ ዝርከብ ኢቪን ዝተባህለ ቤትማእሰርቲ ነንበይነን ተቐየዳ:: ንሳ ንበይና ምስ ሰብ ከይተራኸበት 10 ሽሕ ሰዓት(ክልተ ወርሒ)ተኣሲራ:: ሓደ ካብቲ ዘሻቕል ሳዕቤን ድማ ነውጺ  ነበረ::”ኣብቲ ዝርእዮ ዘበለ መስታ ክስኣለኒ ብዝጀመረ ኣብራኸይ ብምንቅጥቃጥ ገለነገር ከምዘየልቦ የረጋግጽ” ብምባል ንሳ ኣብ 2011 ኣብ መጽሄት ኒውዮርክ ታይምስ ጽሒፋ::”ሓደሓደ ጊዜ ገለሰባት ዘእውዩ ኮይኑ ይስምዓኒ:እንተኾነ እቲ ሓላው ቤትማእሰርቲ ገጸይ ብዝዳህሰሰኒ እቲ ኣውያት ናተይ ምንባሩ ይግንዘብ ነበርኩ”ትብል ሳራ::

ንሕና ካብ ጸቕጢን ካብ ጭቕጭቕን ክንድሕን ጽምዋ ንመርጸሉ እዋናት ኣሎ::እቲ ንመርጾ ግን ፍጹም ጽምዋ ኣይኮነን::ዝተናውሐ ማሕበራዊ ተነጽሎ ግናይ ኢዩ:ብፍላይ ንስነኣእምሮ::ሕማቕ ሳዕቤን ማሕዩርን ምእጋድ ርክብ ምስ ሰብን ካብ ጸብጻብ እሱራት ዘይኮነ  ብተሞክሮ ስነኣእምሮ እውን ተረጋጊጹ ኢዩ::

ስለምንታዩ ነገራት ዘይተቐየረ ክነሱ ኣእምሮና ዘየልቦ ዝፈጥር?ደው ምባሉ ኸ ይከኣል ዶ?

ተነጽሎ ንኣካል እውን ግናይ ኢዩ:: ንጹላት ሰባት ንልዑል ጸቕጢ ደምን ንሕማምን ቅሉዕት ኢዮም::ሕማም ረሲዕን ምስጋልን እውን የጥቅዖም::ጽምዋ ንመዓልታዊ ስርዓት ምንቅስቓሳትና እንተላይ ሰዓታት ድቃስ የዘናብል:ኣድህቦ ይሰርቕን ብክውንነት ምሕሳብ የህስስ::ጠንቂ ናይዚ ብርግጽ ዝፍለጥ ኣይኮነን:እቲ ቐንዲ ነገር ግን ተነጽሎ ሓያል ናይ ባህርያዊ ርእሰ ምክልኻል ከምዝፈጥር ኢዩ:: ከም ውጽኢቱ ድማ ጻዕቂ ነዝዒ ሆርሞናትን ዝፈጥሮ ረኽሲ ይስዕብ::እዚ ጸገምዚ  ቀዳሞት  ሰባት ካብ ስድራቤቶም ክንጸሉ ከለው ኣብ ዝወርዶም ዝነበረ ጉድኣት ተራእዩ::እንተኾነ ኣብዚ ዘሎናዮ ጉድኣቱ ዝዓዘዘ ኢዩ::

ኣብ 50ታትን60ታትን ቺና ነቶም ኣብ ኩናት ኮርያ ዝማረኸቶም ወተሃደራት ኣሜሪካ ሓንጎሎም ንምሕጻብ ጽምዋ ማእሰርቲ ብምጥቃማ ትሕመ::መንግስቲ ኣሜሪካን ካናዳን ነቲ ሜላ ክፍትነኦ ድሌት ኣርእየን::ዝተፈላለየ መደባት ምርምር ብምስራዕ ድማ ባጀት ሰልዓ::እቲ ሰፊሕ ምርምር ኣብ ማእከል ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ማክጊል ተኻይዱ::ኣብኡ ነቲ መርመራ ዝበቕዑ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ገንዘብ ተኸፊሎም ቀሪቦም::እቶም ተመሃሮ ሳምንታት ወይ መዓልታት ንበይኖም ክፍለዩን ዘርእይዎ ግብረ መልሲ ንምፍላጥ ብምሁር ስነልቦና ዶናልድ ሀብ ዝተመርሐ ውጥን ተዳልዩ:: እቶም ተመሃሮ ኣብ ድምጺ ዘየሕልፍ ርቡዕ ኩርናዕ ሰፊሮም ምስ ሰብ ከይራኸቡ ተዓጽው::ከባቢኦም ብዳህሳስ ከየለልዩ ኣእዳዎም ብጡጥ ዝተኣልመ ጨርቂ ሸፊኖም  ጫፍ ኣጻብዕቶም ካርቶን ኣሰሩሎም::

ድምጺ ከይሰምዑ ድማ ኣብ ቅርጺ ከፋት ሳንዱቕ ሰፍነግ ከምዝድቅሱን ነቲ ውሑድ ድምጺ ናይ ግዳም ዝውሕጥ  መዝሓል ገዛን (አየር ኮንዲሽነር)ወልዑሎም::ድሕሪ ውሑድ ሰዓታት እቶም ተመሃሮ ዓቕሎም ተኸረጠ::ነቲ ኣሰልቻዊ ኩነታት ንምግጣም መበራበሪ ተበላሓቱ:ምስ ነብሶም ተዛረቡ:ዘመሩ:ግጥምታት ለፍለፉ::መብዛሕትኦም ስምዒታውያንን ዝደንጸዎምን ኮኑ:: ስነኣእምሮኣዊ ብቕዓቶም ተነኽአ:ሕሳብን ቃላት ምትስሳርን ጸገሞም::

እቲ ዘሰንብድ ሳዕቤን ግን ሃለውሳ ወይ ነውጺ ሓንጎል ነበረ:: ብሓደ ነጥቢ ብርሃን ጀሚሮም:መስመራት ወይ ቅርጽታት ይሰኣሎም::ቀጺሉ ናብ ዘይንቡር ቅርጽታት ማለት ምጹጽላያት ካሻ ጸይረን ኣብ መንኩቦም ዝኸዳ ዘለዋ ኮይኑ ይስምዖም ወይ መነጽር ዓይኒ ኣብ ጎደናታት ተዘርዩ ይቕጀሎም::ነቲ ዝርእይዎ ክቆጻጸሩ ኣይከኣሉን:: ሓደ ካብኣቶም ኣኻልብ ጥራይ ርእዩ:ካልእ ሰብ ድማ ህጻናት ተሳእልዎ:: ገለ ካብኣቶም ሃለውሳ ድምጺ ፈጠሩ::ሙዚቃ ወይ መዝሙር ብሓባር ተሰምዖም::ካልኦት ድማ ናይ ምትንካፍ ስምዒት ኣማዕበሉ:: ሓደ ኣብ ኢዱ ብጥይት ዝተወግአ ኮይኑ ተሰምዖ::ካልእ ድማ ማዕጾ ክኸፍት ተዘዝታ ኤለትሪክ ዝገበረሉ ኮይኑ ተሰምዖ::

እቶም ንሳምንታት ክቕጽሉ ዝመደቡ ተመራመርቲ በቲ ዝረኣይዎ ውጽኢት ተሻቒሎም መደቦም ሰረዝዎ::ውሑዳት ክልተ መዓልቲ ተጻዊሮም:እንኮ ሰብ ሰሙን ኣይጸንሐን::ብድሕሪ ዚ ድማ ሀብ ነቲ ምርምር ዝመርሐ ምሁር ስነልቦና

ኣብ መጽሄት ስነልቦና ኣሜሪካ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ::

”እቲ ውጽኢት ዘየቕስን ኢዩ::ቺናውያን ሓንጎል ንምሕጻብ ኣብ እሱራት ተገልጊሎሙሉ ኢልካ ምስማዕ ካልእ ነገርዩ: ንንቡር ትርኢት:ድምጺን ኣካላዊ ምትንኻፍን ካብ ጥዑይ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ ንውሑድ መዓልታት ምእላይ መሰረቱ ዘነቓንቕ  ፈተነ ቤተ ምርምር ድማ ዝተፈልየ ኢዩ”

ኣብ 2008 ስነልቦና ክሊኒክ ኢያን ሮቢንስ  ምስ ቢቢሲ ብምውህሃድ ነቲ ናይ ሀብ ምርምር ዳግማይ ንምፍታን ንሹዱሽተ ወለንተናታት ኣብ ድምጺ ዘይሕልፍ ዕርዲ ን48 ሰዓታት ወሸብዎም::እቶም ሰባት ርእሰ ስግኣት:ጭንቀት:ርኡይ ምንካይ ብቕዓት ኣእምሮ ኣርኣዩ::ኣትማን:ኣድጊ በረኻ:ደቀቕቲ መካይን:ዝበርር ገዛ:ጣንጡ:ነፈርቲ ውግእን ክዝምብያ ተራእዮም::

ነዚ ኣብ ቢቢሲ ዝቐረበ ጽሑፍ ብዘንበብኩ ንነብሰይ ኣብ መርመራ ኣእተኽዋ:: ኣብ ንእሽቶ ቤት ተዓጽየ ኣጽቀጥኩ ዓቕለይ ድማ ጸንቀቕኩ:: ኣዒንተይ ናብ መንደቕ ሓሳበይ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ በረረ::ካርቸሊ:ዒላዒሮ: ኣደልሰር:ዊዓ: ሓዲሽ መዓስከር: ዓዲ ኣበይቶ ኣብ ዘይተፈልጠ ኣማኢት ኣብያተ ማሕዩርን ኮንተይነርን ዝሳቐ ዝሳቐያ ዘሎ(ዋ) ኤርትራዊ(ያን) ተራእየናኒ:: መዓልቲ: ሰሙን:ወርሒ:ዓመት: ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሰብ ተነጺሉ ኣብ ጸላም ዝሳቐ ዘሎ ተጋዳላይ: ኣማኒ: መንእሰይ ሽማግለ ዘለዎ ኩነተ ኣእምሮ: ድቃስ ዝኸልእዩ::ሕማም ሽኮር: ጸቕጢ ደምን ካልእ ጸገምን ዘለዎ ሰብ ብኽንክን ተታሒዙ እውን ሂወቱ ዘተኣማምን ኣይኮነን:: እኹል መግብን: ዝስተ ማይን ንጽህናን ኣብ ዘይብሉ: ብለይቲ ቁሪ ብቐትሪ ትንፋስ ዘሕጽር ሙቐት ተጻዊሩ ዝኸይድ ጽኑዕ ኤርትራዊ ኣሎ:: እቲ ጽንዓት ግን ምስ ጊዜን ምድፋእ ዕድመን ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ከይከይድ ስግኣት ኣብ ቦታኡ ኢዩ:: ማሕበራዊ ሂወት መግለጺ ሂወት ሰብዩ::ይትረፍ  ንሰብ ንእንስሳ እውን ካብ ባህርያዊ ከባቢኡ ምንጻል ሕማምን ሞትን የስዕብ::

ኢሳያስ ኣብ 2001 ነቶም ቅዋም ክትግበርን ገምጋም ስራሕ ክግበርን ዝጠለቡ ኣባላት ባይቶ ቅድሚ ምእሳሩ ”ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትምሽምሹ” ኢኹም ብምባል ተዛሪቡ:: እነሆ ድማ ዘረባኡ ኣብ ተግባር ፈጺምዎ::ዓሰርታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣሲሩ ገሊኦም ብሂወት ይሃልው ኣይሃልው ጽጹይ ሓበሬታ የልቦን::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • ahmado salihado January 28, 2015

    The quality of leadership in any society is a good indication of its health. However, when authority is trusted on unqualified people, Islam warns, is a sign of doomsday.
    Leftists revolutions hate history, tradition, religion and family values. They consider them reactionary forces that must be eradicated. All mass movements that lean left from center suffer from the original – they are vultures of individual rights and freedom. The further left the movement, the more dangerous it becomes ; the more it chants equality the less freedom it provides.
    The loyalty of EPLF fighters was primarily to the front and not to their comrades for the latter requires individualism. When Isaias, the chairman of the secret party, made it possible for the EPLF to take some draconian measures against dissidents, there was none in the leadership who uttered words of condemnation. In fact, most of the information we have access to indicate that they had cheered for all his decisions. Isaias evolved into what he is because there was no meaningful voice to check and balance him. His comrades who evolved with time were seen as apostates who betrayed the cause, and genuinely he saw them as defeatists and collaborators with foreign enemies. What is even more, they were, through their acquiescence, the enablers who put him on his road to perdition.
    They knew full-well what the punishment for transgression was, but they were not brave enough to pull the trigger and relieve him of the burden of the revolution. He despises his comrades, but even more, he despises the Eritrean people who have not, in any meaningful way, stood up to him to defend their honor and dignity.

  • WediHagher January 29, 2015

    “ኢሳያስ ኣብ 2001 ነቶም ቅዋም ክትግበርን ገምጋም ስራሕ ክግበርን ዝጠለቡ ኣባላት ባይቶ ቅድሚ ምእሳሩ ”ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትምሽምሹ” ኢኹም ብምባል ተዛሪቡ:: እነሆ ድማ ዘረባኡ ኣብ ተግባር ፈጺምዎ::ዓሰርታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣሲሩ ገሊኦም ብሂወት ይሃልው ኣይሃልው ጽጹይ ሓበሬታ የልቦን::”

    ደጎል ድራር

    From the day he joined ELF in mid-sixties, Iseyas has been very consistent in what he says and does. Throughout the last 40 years he has been a very divisive and controversial figure. After he joined the Ala-group in late sixties, a veteran fighter who was in charge of the group before him died in mysterious circumstances. The incident was mentioned in a book written by an Israeli expert who was adviser to Ethiopian government of the time on counter insurgency, Dr. Haggai Ehrlich (the man believed to be one of those behind the “Commandis” project of Decamere, i.e. Eritreanization of the conflict).
    Iseyas’ connections with CIA, and the role played by Ras Asrate Kasa in dealing with ELF led gorilla warfare, remain buried in the archives of Ethiopian military intelligence in Addis. There is no way we can know who was behind Iseyas and why ?.
    Despite all that, Iseyas is still popular among some who cannot see where their country is heading under his mafia type leadership. It’s sad that these people can’t understand what is going on and are totally detached from reality of their country. For some of them humanity is not important, they are indifferent, till it’s their turn to be on the receiving end.

  • ERITRAWIT January 29, 2015

    This is horrific to think about it not alone to be in it. sometimes when I see container on the road I just stop and cry how come someone will put a human being between 40-50 people inside no air nothing underground,shella… the day Isaias gone the world will witness something never happened before.
    God bless my people.

POST A COMMENT