Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንሳ መሰስ ጓላ መሰስ ድሕሪአን ኣቢ ሃሰስ

ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝማዕበለ ናይ ስደትን ብርሰትን መስርሕ  ክትበርስ ዝጸንሐት ሃገርያ። ነዚ ብጽንዓቱን ጭዉነቱን ዝልለ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ዝተናወሐ መሪር መግዛእቲ ሃገራዉነቱ ኣጥፊኡ ናብ ስደትን መከራን ክዝሮ ብስርዓት ህግደፍ ብሓፈኛ ብመራሒኡ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ

ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ዝማዕበለ ናይ ስደትን ብርሰትን መስርሕ  ክትበርስ ዝጸንሐት ሃገርያ። ነዚ ብጽንዓቱን ጭዉነቱን ዝልለ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ዝተናወሐ መሪር መግዛእቲ ሃገራዉነቱ ኣጥፊኡ ናብ ስደትን መከራን ክዝሮ ብስርዓት ህግደፍ ብሓፈኛ ብመራሒኡ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ ብፍላይ ከምዕላማ ተታሒዙ ተሰሪሕሉ እዩ። ከምዝፍለጥ ኣቀዲሞም ብስርዓት ሃይለስላሰን ደርግን ዝወረዶም ግፍዕዳት ኣብ ምብራቅ ሱዳንን ማዓስከራት ስደተኛታት ተደርብዮም ዋላ ድሕሪ ናጽነት ዝፈቅዶም ብምስኣን ዕረ እንዳ ጣዓሞም ዜግነቶምን ባህሎምን ገለ ድማ እምነቶም ቀይሮም ዜግነት ሱዳን ከምዝተቀበሉ ዝፍለጥ እዩ፡

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ዘምጽኦ ናጽነት ኤርትራ ዝኾነ ፍረ ኣይረኸበሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከምቲ፡ ኣድግስ ተማህሊላ በላዒኣ ኣዉረደት ዝባሃል፡ ዝባኣሰ መግዛእትን ኣደራዕን እዩ ወሪድዎ። ሓቂ እዩ እቲ ብኲናት ወረ ኲናት ዝላደየ ህዝቢ፡ ናብ ካልእ ዉሽጣዊ ገድሊ ከኣቱ ሕልናን መንፈስን ክዓርቦ ባህርያዊ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ክንዲ ዓመጽ ክረአ ከሎ ንምእራሙ ድምጹ ዘስምዕ ህዝቢ በብግሉ ክሓስብ፡ ናይ ሕማቃት ምስላታት፡ ወይ ዓዶም ግደፈሎም ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም እናተባህለ ናይ ምድሃልን ምምርካኽን ህድማን ከምጥበብ ተታሒዙ ዓዲ ገዲፉ ኩሉ ተነጊፉ ወጺኡ።

እቲ ንሕስያ ዘይብሉ ኣረሚናዊ ስርዓት፡ መንእሰይ ኣመርኪኹ፡ ኣዕሲቡ፡ ሸይጡ ከይኣኽሎ፡ ንህዝቢ ብተራእዩ ዘይፈልጥ እገዳ ኣሳቅዩን፡ ኣብ ክንዲ ምህናጽ ኣሻሓት ኣባይቲ ኣፍሪሱ፡ ርሂጹ ዘጥረዮ ገንዘብ ብምግባት፡ እቲ መሰረታዊ ቀረብ ዝስተ ማይን ዝሕየኽ ባንን ከምዝስእን ብምግባር፡ መሬት ከምኣፍ ዑንቊ ምስ ኣጽበበሉ ስደት ከም እንኮ ኣማራጺ ክዉሰድ ግድን እዩ። እዚ ቅንጣብ ሕልና ዘይብሉ ጉጅለ፡ ጸጋታት ዉሽጢ ሃገር ከይኣኽሎ ንብዙሓት ህሙላት ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ዉን ኣሽሓት ዶላራት ብመልክዕ ቦንድ ብምትላል ኣብ ሰናይ ኩርምቱ ኣእትዩ እዩ።

እቲ ብዶብ ኣመኽንዩ ብዝፈጠሮ ጸገም ንልዕሊ 20 ዓመት ሃገር ከማስን ዝጸንሐ ዉልቀ መላኺ፡ ለዉጡ ንዝሓተተ ህዝቢ ኩሉ ክጽመምን፡ ብዓቅልን ትዕግስትን ኣካይዳ ኣባጎብየ ኣብ ዕላማ ከምዝብጻሕ ይስበኽ ከምዘይነበረ፡ ሎሚ እንታይ ስለዝተረኽበ እዩ፡ ከምኢራብ ምስ ዶክተር ኣቢን፡ ናይ ዘመና ሰብ ህጣራ ጁባ፡ ልሙሳት ማሓዉር ዝኾኑ ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ጸፋዕፋዕ ዝብል ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ  መግዛእቲ ዘመን ኢሰያስ፡ ንኤርትራን ኤርትራዉያንን ዘርብሕ ቁንጣሮ ስራሕ ኣይተራእየን። ሎሚ ኩሉ ዓቅሚ ሰባ ጸሪሩ፡ መንእሰያ ዝራሕራሓ ሃገር፡ ቅርዕዉ ቁጠባዊ ጽምዶ ምስ ኢትዮጵያ ከተካይድ ኢልካ ምሕሳብ ንዓሻ ይመስሎ እዩ። ኤርትራ እቶም ዝርካቦም ሰብ ራእሰማል ዜጋታት ኣብ ፈቆዶ ሃገራት ኣፍሪቃ ፋሕ ኢሎም ከለዉ፡ ንኢትዮጵያዉያን ኣዉፈርቲ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣብ ሞንጎ ህጣራ ብዕራይን ብጥሜት ዝማሰነ በጊዕን ዝግበር ቁጠባዊ ጽምዶ፡ ንኤርትራ የርብሓ ኢልካ ምሕሳብ ዕብዳን እዩ።

ጎራባብቲ ሃገራት ጥራይ ዘይኮና ዝኾነት ሃገር ምስ ካልኦት ሃገራት ቁጣባዊ ዝምድና ክህልወን ባህርያዊ እዩ፡ እዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጸደፍደፈ ብዘይካ እቲ መንቀንኛ መንሽሮ ሃገር ዝኾነ ኢሰያስ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ነገር የብሉን። ብወገን ኢትዮጵያ ምስ ንዕዘብ ድማ፡  ዶክተር ኣቢ ብዉሽጣዊ ግጭት ትናወጽ ዘላ ሃገሩ ናብ ፍጹም ስርዓት ኣልቦንነት ተመርሕ ዘላ ኢትዮጵያ ዘይፈቀደ፡ ናብ ኢሰያስ ሕግብግብ ዝብል ዘሎ፡ ብዋጋ ኤርትራን ወደባታን ዉሽጣዊ ጸገማቱ ንምፍዋስ ዝስራሕ ዘሎ ድራማ እዩ ዘብርህ።

ናይዚ ሓቅታት እዚ መርትዖ ዝኸዉን ድማ፡ ዶክተር ኣቢ ብዛዕባ መጻኢ ዉሳኔ ወደብ ዓሰብ ብዓይነ ስዉር ግዜጠኛ ምስተሓተ፡ ኣብ ክንዲ ብንጹር ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ኣይነቛምትን ኢና ኢሉ ምምላስ፡ ግዜ ስለዝወስድ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክምልሶ ብዝብል ንእንተታ ኣፍደገ ዝኸፍት መርዛም መልሲ ኣብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙሓን ተዛሪቡ። እቲ ካልእ ኤርትራ ገንሸል መረጋግኢ ዉሽጣዊ ናዕቢ ኢትዮጵያ ጌርካ ሕማምካ ምፍዋስ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ድማ፡ ኣብ ሸሸመነ ብቀትሩ ሰብ ኣብ ጎደና ኣብ ቅድሚ ህዝብን ፖሊስን ዝሰቀሉ ገበነኛታት እኳ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኣይቀረቡን። ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዉን 10ታት ዜጋታትን ብዓሌታዊ ግጭት ተቀቲሎም ኣለዉ። እምበኣርከስ ቀዳምነታት ዶክተር ኣቢ ኣበይ ከምዘሎ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ ኣርእሰይ ከየላግሰኒ እምበር፡ ዶርተር ኣቢ፡ ኣብ ክንዲ ጽባሕ ዋናቱቱ ዝምንዝዕዎ ወደባት ኣብ ምሽማት ግዚኡን ገንዘብ ሃገሩን ዘባኽን፡ ሃገሩ ናብ ዕዳ ዘእቱ ትቦታት ነዳዲ ኢማራትን ስዑድን ዝዝርግሕ፡ ኣብቲ ድሮ ተፋሪቑ ዘሎ ትኪ ኣልቦ ዝኾነ ብጻጋ ኢትዮጵያ ዝኾነ ማያት ፈለግ ኒል ተጠቂሙ ጠለብ ጻዓት ሃገሩን ጎረባብቲ ሃገራትን መዕገበ። ምስ ግዜ ዉን ናብቲ ዓለምና ተሻባሸበሉ ዘላ ንመካይንን ካልእ ዝኾዉን ኤልክትሪካዊ ጻዓት ተፍሪ ሃገር ክትከዉን ክሰርሕ ምትገበአ። ኢትዮጵያዊ ክብርን ቁጠባዊ ዕብየትን፡ ጸጋታት ሃገርን ህዝብን ብጉእ ተጠቂምካ እምበር፡ ምስ ኣዕራብ ተጎናቢሕካ ዝብጻሕ ኣይኮነን፡ ንግዚያዊ ጸገማት ተፈትሐ ዉን ቀጻልነት የብሉን።

ወዮ ድኣ ወደን ከይሓንቃ ወዲ ጎረቤት ከይኮነና እምበር ዶክተር ኣቢ፡ በቲ ኣብ መጀመርያ ማዓልታት ስልጣኑ ዘስምዖ ዝነበረ ናይ ሽሕጣን ቃላት ተስፋ ብዙሓት ኮይኑ ኔሩ። እቲ ሓቂ ግን መን ምዃንካ ክነግረካ ምስ መን ከምትኸይድ ንገረኒ ከምዝባሃል፡ ማሓዛ ኢሰያስ ኣንጻር ኩሉ ሰብኣዊ ሕልና ዝሰርሕ መታለሊ ካብ ኮነ፡ ኣጀምርኡ እምበር መፈጸምትኡስ በሪህልና ኣሎ።  ኢትዮጵያ ብናይ ወሽለኽለኽ ፖለቲካ ምስ ከምኢሰያስ ዝኣመሰሉ ዝነደዩ ዉልቀ መለኽትን፡ ንኢትዮጵያ ብሃይማኖትን ብሄርን ክገማምዕዋ ክሰርሑ ዝጸንሑ ጎይቶት ኢሰያስ ዝኾኑ ኣዕራብን ተሻሪኽካ ዝመጽእ ፍታሕ እንታይ ከምዝመስል ግዜ ዝምልሶ ሕቶ እዩ።

እቶም ኣብዚ ዞባ እዚ ዘሎ ኩሉ ድኽመታት ክምዝምዙ ዝፍትኑ ዘለዉ፡ ህጣራ ጅባታት ስለዝሓዙ ጥራይ ሓያላት ዝመሰሎም ስዑድን፡ ኢማራት ዓረብን ኣብ ዘይወጽዎ ዓዘቅቲ ኲናት የመንን ምትፍናን ቀጠርን ኢራንን ድሕሪ ምሽማሞም፡ ፈራሕ 10 በትሩ ከምዝባሃል ዓቅሚ ሰብ ኤርትራን፡ ልኡላዊ መሬትን ሰማያት ኤርትራን ከምድላዮም ክገብርዎ ብኢሰያስ ሓለፋ ተዋሂብዎም ከይኣክል፡ ናይ ኢትዮጵያ ወጥሪ ተጠቂሞም ንኣቢ ሓድሽ ኩርኩረን ይገብርኦ ምህላወን ካብ ዓይኒ ተዓዛቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ኤርትራ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብ ሓደጋ ትርከብ። ስርዓታት ኢትዮጵያ ብኲናትን ዘይሰዓርዋ ኤርትራ፡ ሎሚ ዜጋታት ገዲፍናይ ምስ ከድና፡ ብቀትራ ትዝመት ኣላ። እቲ ሓቂ ብዋግዋግታ ዘይኮነ ከምጸሓይ በሪቁ ይራኣየና ኣሎ። ኢሰያስ ዕድመ ስልጣኑ ነዊሕ ከምዘይተረፎ ስለዝፈለጠ ሃገር ንገባብል ኣሕሊፍዋ ክሓልፍ ይጓየ ኣሎ። እዞም ኣብ ዉድቕቲ ኤርትራ ረብሓታቶም ክሕልዎ ዝፍርኑ ዘለዉ ሓይልታት ማለት ሱዑዲ፡ ኢማራትን ኢትዮጵያን ናይ ገዛእ ርእሶም ሰፍ ዘይብሉ ዉሽጣዊ ጸገማት ስለዘለዎም፡ ሕጂ ዉን ስርዓት ህግደፍ ብዉሽጣዊ ዓቅምና እንተዓሊናዮ ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያትና ምትእትታዎም ድሩት ስለዝኸዉን፡ እታ ኣብ ገምገም ጸድፊ ትርከብ ሃገርና ከነድሕን ዕድል ክህልወና እዩ። ስለዝኾነ፡ መጸዋዕታ ክቡርን ተባዕን ኣቦናን  ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሃ ንስዓብ።  ከምናቱ ትብዓት ተሳኣና ግን ብዉሑዱ እቲ ዋንኡ ዘሰከሖ እንስሳ እኳ ዝገብሮ ምኽናብ ከምኣማራጺ እንተወሲድናዮ፡ ስርዓት ኢሰያስ ገረብ ብሓኽላ ሜልኡ ከነበርዕኖ ንኽእል ኢና።

ንሕና ኤርትራዉያን ክንፈልጦ ዝግባኣና ሓቂ፡ ሎሚ እተን ስድተኛታት ብምቅባልን ርህራሀን ዝፍለጣ ሃገራት ብብዝሒ ስደተኛታት ስለዘዕለቅለቃ ህዝበን ነቶም ዝጸልኦም ዝነበረ ፓርትታት ክድምጽ ይረአሎ። ናይዚ ኣብነት ብዓቢኡ ኣሜርካዉያን ንትርምፕ ምምራጾም ጽልኣት ስደተኛታት ዘስዓቦ እዩ፡ ኣብ ሽወደን ዝነበረ ምርጫ፡ ኣብ ኣዉስትራይ ዝመርሕ ዘሎ ፓርቲ፡ ኣብ ጀርመን ዝግስግሱ ዘለዉ ካልኦት ጸላእቲ ስደተኛታት ፓርትታት ክጥቀሱ ይከኣል። ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ሃገሩ ኣብ ሓደጋ ወራር ስደተኛታት ይኹኑ ገዛእቲ ክትኣቱ ከላ መንግስቲ ብምቅያር እዩ ለዉጢ ዘምጽእ።

ኤርትራዉያ ጓሂ ዓሻ ረፍደ ረፍዲ ከምዝባሃል፡ ሓንሳብ እገላ ኣብ ሱዳን መጺኡ መሐከሚ ስኢኑ፡ ሓንሳብ ባዓል እገላ ኣብ ሲናይ ይሳቀዩ ኣለዉ፡ ሓንሳብ ኣብ ሊብያ መከራ ረኺቦም ክንብል፡ ነቲ ቀንዲ መሰረት ኩሉ ጸበባና ዝኾነ ስርዓት ኢሰያስ ሓንሳብን ንሓዉሩን ካብ ስሩ ኣብ ክንዲ ምምሓዉ ኣብ ግዝያዉያን ጸገማት ዓቅልናን ኣቅምናን ንጽንቅቅ ኣለና።

ኣብዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ምዕባሌታት ድማ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዶብ ተኸፊቱ እቲ ኩሉ ጸቢብዎ ዝጸንሐ ዜጋ፡ ዋላ ናብታ ሓዊ  ተደፊእዋ ዘሎ ኢትዮጵያ ብጥርኑፉን ብተናጸልን ይዉሕዝ ከምዘሎ ንዕዘቦ ኣለና ። እቲ ሕልሚ ብዝኾነ ዋጋ ናብ ምዕራባዉያን ሃገራት ምእታዉ እዩ፡ ህዝብታተን ግን ዘይከም ኤርትራዉያን ሃገሩ ንስደተኛታት ኣሕሊፉ ክህብ ድሉዉ ኣይኮነን። ኣነ ንባዓለይ ኣብ ስደት ዝርከብ ዜጋ ዓድና ንሓሉ ኢለ ክመክር ኣይመልክዓለልይን ይኸዉን፡ የግዳስ ከምዝቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ዝዋዓለ ይንገር ዝሳጣተ ይምከር ስለዝኾነ እቲ ዘለናዮ ምንጋር ግቡእ ይመስለኒ። ስርዓት ኢሰያስ ሃገርና ንኢትዮጵያዉያንን ኣዕራብን ምስ ኣማስሓ፡ ጽባሕ ተመሊስና ክንረኽባ ስለዘይከኣል፡ ንሳ መሰስ ጓላ መሰስ ብድሕሪአን ከልቢ ሃሰስ ይኾነና ኣሎ እሞ፡ ብፍላይ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሎም ልዕሊ ዝኾነ ግዜ ዕላማን ኣካይዳን ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ርዱኡ ኮይኑ`ሎ። ንሎሚ ዘይኮነ ምክልኻል ጽባሕ ትርጉም የብሉን እሞ፡ ዜግነታዉን ሃገራዉን ሓላፍነትካ ተጠቂምካ ሃገር ከተድሕን መድረኽ ይሓተካ ኣሎ።

ፍትሒ ይንገስ፡ ምልኪ ይፍረስ!

ኣማን ጎይትኦም (23-09-2018)

amang_777@yahoo.com

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Nahon September 23, 2018

    Dear Sir,

    Instead of accusing countries and people around us en masse, in a way that shows racial hatred, it would be better if you could send a message that can help us gain friends.
    We have one problem: a dictator.
    We are talking about a man who is in killing business for the last 50 years.
    Now, we are tired of him. He is not sparing even his close associates. It was OK when he was killing “others”.
    Now we want get rid of him. He ended up being too big.
    The problem is that, you are not even saying he is the only enemy.
    If you create too many enemies, you are actually helping him win new friends. Then you are alone.
    In that case you should face the enemy alone.
    Please stop accusing people because of their race. The latter do not equal a government or a ruling elite. Learn to make friends who can support you and the cause of your people.

    • Yihdego September 23, 2018

      You fucking deserve the dictator for life, his son Abraham Isaias Afeworki will soon be taking over and would be like son of Assad destroying shitty gohaf Eritrea.

      • Nahon September 23, 2018

        Ayhdegka

        Hate has crippled your mind.
        I feel pity for you.

  • Dave September 23, 2018

    We have organised and eliminate the dictator. He is the chance of Eritea.

  • Dave September 23, 2018

    The dictator must go…He is the problem of Eritrea ..

  • Sol September 23, 2018

    The con artist Isayas is exposed to the core and his days are counted. The poor generals who are guarding him are taking long time to understand his malignancy but once they realize that Isayas is systematically working to fulfill his personal secret plans which eventually will eradicate their current privileges, they will turn over him to stand beside their people.

  • Lula September 23, 2018

    ኣማን ጎይትኦም: “ከምኢሰያስ ዝኣመሰሉ ዝነደዩ ዉልቀ መለኽትን፡ ንኢትዮጵያ ብሃይማኖትን ብሄርን ክገማምዕዋ ክሰርሑ ዝጸንሑ ጎይቶት ኢሰያስ ዝኾኑ ኣዕራብን ተሻሪኽካ ዝመጽእ ፍታሕ እንታይ ከምዝመስል ግዜ ዝምልሶ ሕቶ እዩ።

    እቶም ኣብዚ ዞባ እዚ ዘሎ ኩሉ ድኽመታት ክምዝምዙ ዝፍትኑ ዘለዉ፡ ህጣራ ጅባታት ስለዝሓዙ ጥራይ ሓያላት ዝመሰሎም ስዑድን፡ ኢማራት ዓረብን ኣብ ዘይወጽዎ ዓዘቅቲ ኲናት የመንን ምትፍናን ቀጠርን ኢራንን ድሕሪ ምሽማሞም፡ ፈራሕ 10 በትሩ ከምዝባሃል ዓቅሚ ሰብ ኤርትራን፡ ልኡላዊ መሬትን ሰማያት ኤርትራን ከምድላዮም ክገብርዎ ብኢሰያስ ሓለፋ ተዋሂብዎም ከይኣክል፡ ናይ ኢትዮጵያ ወጥሪ ተጠቂሞም ንኣቢ ሓድሽ ኩርኩረን ይገብርኦ ምህላወን ካብ ዓይኒ ተዓዛቢ ዝተሰወረ ኣይኮነን።”

  • k.tewolde September 24, 2018

    ‘ነዚ ብጽንዓቱን ጭዉነቱን ዝልለ ዝነበረ ህዝቢ ኣብ ዝተናወሐ መሪር መግዛእቲ ሃገራዉነቱ ኣጥፊኡ ናብ ስደትን መከራን ክዝሮ ብስርዓት ህግደፍ ብሓፈኛ ብመራሒኡ ዉልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ ብፍላይ ከምዕላማ ተታሒዙ ተሰሪሕሉ እዩ።’…….that is the core of the article and it is pointing straight at the enemy.Some of us figured out early coined it a name (anti revolutionary) and fought it,some took us a few decades and insurmountable national and personal loss to face the facts,some dumbfounded and still couldn’t come to terms and some succumbed to his spell making him their eternal salvation.>>>>>>>yes indeed Aman b Aman ,he did a number on us because we let him, without us he is nothing,just a mere feeble senior citizen.

    • Sol September 24, 2018

      Dear K. Tewolde,
      The socially sick dictator succeeded to conceal his evil nature and his tremendous hate towards Eritrean people from some naive people and got support of some socially sick like him that are suffering from identity crisis. As his current blatant acts exposed him to the core, it is his last drama which will end up throwing him in the garbage of history.

  • Genet Original September 25, 2018

    Amazing events. The writer captured it well. Systematically destroyed our family structures. Since the 1960s killed our people with impunity. For 30 miserable years our people died not only in the front line fithghting the invaders, also in cold blood murdered by Isaias. Our family members died knowing that if they died then, our people would have a chance to live in free Eritrea. But now we know they have died in vain. Isaias fooled us countless times. He put us to war 20 years ago, because he said Ethiopians came back to take our country again. Then, he opened our borders and let the enemy in unchecked. Oky, then why did he needed to have the Eritrean people to suffer and die for 50 years? if this was his wish and goal, why not let our people live as any Ethiopian?

    PM Abiy is just a smooth talker who is doing good by his people. And he is a hero for any Ethiopians. Why because he gain access to our country without lifting a finger. conforming the death of Ethiopians for the past 50 years fighting Eritreans was for a good cause. This Ethiopian PM is no different from Mengistu or Haile Selassie, when it comes to Eritreans or Eritrea. PM Abiy is dealing and wheeling with a known dictator. We will never buy his love and peace shenanigans. He has no love for the Eritreans people. If he doesn’t acknowledge Eritreans sovereignty, his people will never live in peace. How could they? when your neighbor’s house is on fire, yours will be on fire.

POST A COMMENT