Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ንቁም በብህላወነ!’ ክሳብ መዓስ?

ሃብተማርያም ኣብራሃ                                 ለንደን - ዓዲ እንግሊዝ                                     15 ነሓሰ 2016   ዝኸበርኩምን ዘፍቅረኩምን  ህዝበይ ብጠቕላላ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ መስገደል ስርዓት ኢሰያስ ዘለኹም ህዝበይ፡ ኣብ ወጻኢ እትነብሩ ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን ኤርትራውያን፡

ሃብተማርያም ኣብራሃ

                                ለንደንዓዲ እንግሊዝ

                                    15 ነሓሰ 2016

 

ዝኸበርኩምን ዘፍቅረኩምን  ህዝበይ ብጠቕላላ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓጺናዊ መስገደል ስርዓት ኢሰያስ ዘለኹም ህዝበይ፡ ኣብ ወጻኢ እትነብሩ ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን ኤርትራውያን፡ ሕውነታዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። እወ፡ ህዝበይ እንተበልኩኹምሲ ባሕሪ ከብደይ ብፍስሃ ይመልእ ኣሎ።

ጽሕፍቶና ኮይኑ፡ ወግሐ ጸብሐ ክንሓዝንን ክንበኪን ጸኒሕና’ሞ፡ ዘመን ይመልሰልና። ንህዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ዘውጽአ ኣምላኽ ከኣ፡ ንህዝብናን ሃገርናን፡ ኤርትራዊ ሙሴ ልኢኹ ሓራ የውጽኣና። ክቡራት ህዝቢ! ዝግ ንበል’ሞ፣ ሎሚ ሰራውር ሃገር ከይተበትከ እንከሎ፡ ገለ ንሕሰብን ንግበርን።

‘ኣብ ኢድና ዘሎ ሰይጣን ኣይኽኣሎ’ ክበሃል ሰሚዕኩም ትኾኑ።  ነዚ ጥቕሲ እዚ ዘምጻእኩሉ ቀንዲ ነገር ከኣ፡ ናብ ሕጋዊ መዕለቢና ንክንበጽሕ፡ ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎን ክንገብሮ እንኽእልን ጉዳይ ሓደ ምዃን፡ ዘይምትግባርና ኢዩ። ብዘይ ሓድነትን ሕድገትን፡ ናብ ወላ ሓደ ዕላማ ክንበጽሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ወዮ’ኳ ኣቦታት ክዓርቁን፡ ንጋር ነፍሲ ከዳቕሱን እንከለዉ፡ ‘ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይውሰዶ፡ ኣብ ጎቦ ዘሎ ድማ ንፋስ ይውሰዶ’ ኢሎም ንጉዳያት ዝፈትሑ፡ ንሕና ደኣ ከመይ ዝኣመሰልና ናይ ታሪኽ ሓተላ ኴንና ኢና ሽግርና ክንፈትሕ ዘይከኣልና። ዘገርም ኢዩ! ኣብዚ ኣዋጣሪ ግዜ፡ ንትርጉምን ጥቕሚን ሓድነት ንዒቖምን ሸለል ኢሎምን፣ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ መናፍቓን ኤርትራውያን  ብዙሓት ኢዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ ልዕሊ 30 ዓመታት ተመኩሮ ደምበ ተቓውሞ፡ ምብትታን መለለይና ኮይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ‘ንቁም በብህላወና’ ዝዓይነቱ ኣቀዋውማ ነይሩን ኣሎን። እዚ ፈንጨጋር ስነ ሓሳብ እዚ፡ ክሳብ ክንደይ ክሳራ ከም ዘውረደልና ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተኸወለን። ምስ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ብምግንዛብ፡ ኣዝዩ ኣድላዪ ዘይኮነ ጥራይ ከይኣክልሲ፡ ብስነ ምግባር ህዝብና ዝተፈንፈነ ድሑር ኣወዳድባታት ነይሩን ኣሎን።

ዝኸበርኩም ህዝበይ! መን ኣበጊሱዎ፡ ንጥቕሚ መን ኢዩ’ኸ፡ ንመጻኢ ወለዶና ከመይ ዝኣመሰለ ስንብራት ይገድፍ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ውሕልነት ኢዩ። ኣቐድም ኣቢለ ኣብ ዝጸሓፍኩዎ ጉዳያት፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ተናኺፈዮ ኢየ። እቲ ብድሕሪ ናይ ብሄራት ውድብ ዝኸፍአ ድማ፡ ኣወዳድባ ብሃይማኖት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዓዲ እብርሂምን ብጠቕላላ ህዝቢ መታሕትን ብትእዛዝ ሃይለስላሴ ክሕረዱ እንከለዉ፡ ህዝቢ ዖናን በሲግዲራን ክጸንት እንከሎ፡ ህዝቢ ሳሆ ኣባይቱን ንብረቱን ክነድድ እንከሎ’ኳ፣ ናይ ኣስላም ውድብ ክንፈጥር ኢና ኢሉ ሓሊሙ’ውን ኣይፈልጥን ኢዩ።

ሎሚ ደኣ ስለምንታይ ኢዮም ገለ ናይ ፖለቲካ ነጋዶ ንካልእ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ገሊሎም፡ እስላማዊ ውድብ፡ ናይ ጂሃድ ውድብ ወ.ዘ.ተ… እናበሉ ሃይማኖታውያን ውድባት ፈጢሮም ዘልዉ። ናይ ፖለቲካ መንባሃቑቲ፡ ዓሚ ብስም ደቂ መታሕት ኣብ  ዓዲ እንግሊዝ ዝገበርዎ ምትእኽኻብ’ኳ ኣይረሳዕናዮን። ንሕና ኤርትራውያን ክርስትያን’ውን፡ ከበሳዊ ብሄራዊ ውድብ፡ ክርስትያናዊ ውድብ ኢልና ክንቀውም፡ ናይ ደቂ ከበሳ (ሓማሴን፡ ኣከለጉዛይ፡ ሰራየ) ምትእኽኻብ ኢልና ክንጋባእ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን። ግን’ከ፡ ንስምረት ህዝቢ ኤርትራ የወጻጽእ ድዩ? ኢልና መርሚርናዮን ፈንፊንናዮን ኢና። ‘ጸማም ሓደ ደርፉ’ ከም ዝበሃል፡ ገለ ናይ ፖለቲካ ተቛመርቲ፡ ነቲ ኢሰያስን ቁንጣሮ ጭፍራ ህግደፍን ዝበሓትዎ ፖልርቲካዊን ቁጠዊን ስልጣን፡ ናይ ክርስትያን መንግስቲ፡ ናይ ትግርኛ መንግስቲ፡ ናይ ሓማሴን ስርዓት ኢሎም ይዛረብሉ ኣለዉ።

‘ደም ስኒ ካብ ጡፍ ትብሎስ ትውሕጦ ይበዝሕ’ ከም ዝበሃል፡ መፍቶ ህግደፍ ንከይንኸውን ልቢ ኣዕቢና። ዓገብ! ኤርትራውያን ኣስላም፡ እሕሕ ዝብል ለባም ሰብ ድለዩ። ብስርዓት ህግደፍ ንሕና ኢና ተወጺዕና ከም እትብሉ ንሰምዕ ኢና። እህምምም! ጳጳስ ድዩ ተኣሲሩ ወይስ ሙፍቲ፡ ቤተ ክርስትያናት’ዶ ተዓጽዩ ወይስ መሳጊድ? ኣብተን ልዕሊ 300 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ኢሰያስ፣ ክርስትያን ድዮም ወይ ኣስላም ብብዝሒ ተኣሲሮም ዘለዉ። ዒራዒሮ’ውን ትመስክር! ክንደይ ኣስላምን ክንደይ ክርስትያንን ኢያ ውሒጣ? ኣብ ቅድሚ ኢሰያስ፡ ብዘይካ ስልጣን፡ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ዓሌት ትርጉም የብሉን። ንሱ ክጻባኣኒ ይኽእል ኢዩ ንዝበሎ ሰብ፡ ንሕስያ ዘይብሉ ኣራዊት ኢዩ። እሞ’ኸ ደኣ፡ እዚ ሓቂ እዚ ይወሓጠልኩም’ዶ ይኸውን ኣሕዋትና ኤርትራውያን ኣስላም?

ካብቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ጸጽባሕ ብኣሽሓት ዝሃልቁ ዘለዉ መንእሰያት’ከ ካበየናይ ሃይማኖት ይበዝሑ፡ እቲ ዝርዝር ኣስማት ምዉታት ላምፐዱዛ’ኸ ኣንቢብኩሞ’ዶ? ናይ ሓዘን ዳሳት’ከ ኣበይ ዓድታትን ከተማታትን ኢዩ ተተኺሉ? ኣብ ሲናይ ዝተሓርዱ’ኸ ደቂ ኣየናይ ሃይማኖት ኢዮም … ወዘተ ክንጸባጸብ ኣይንደልን ኢና። እቲ ምንታይ ልቢ ምዕባይ ስለዝመረጽና። ምስዚ ኩሉ መሰክሕ ህልቂት፡ ንቁም በብህላወነ የወጻጽእ ዶ ይመስለኩም?

ሓድነት ዕርድና ኢዩ። ሓድነት መድፍዕናን ዋልታናን ኢዩ። ስለዚ ናብቲ ንብህጎ ጥርዚ ንምብጻሕ እንኮ ምርጫና ሓድነት  ኢዩ። ስምረት ከኣ ሕላገትና ንክንገብሮ ክንሰርሕ ኢና። ‘ሕድሪ ጎሮሮኻ’ ከም ዝበሃል፡ ለበዋ ጀጋኑ ሰማእታት ኤርትራ ናብ ግቡእ ዕላምኡ ንምብጻሕ፣ ቃልሲ ክሳብ ፍጹም ዓወት ብኒሕ ሒዝናዮ ኢና’ሞ፡ ኣንታ መንእሰይ ወለዶ ካብ ዶሮና ምብትታን ወጺእካ ስለ ህዝብኻ ኣብ ኣሰር ጀጋኑ ስዉኣትካ ልገብ።  ኣተሓሕዛና ነንበይኑ ስለዝኾነ፡ እዚ ንነዊሕ ዓመታት ነቀይነቀይ እናበለ ዝኸይድ ዝነበረን ዘሎን ገበነኛ ስርዓት፣ ናብ ታሪኻዊ ቦትኡ ክጓሓፍ ኣይተኻእለን። መስሓቕ ሸራፋት ኮይንና! ተቓወምቲ፡ ኣብ ክንዲ ብሓደ ናህሪ ሳቮያ ኢሎም ዝምርሹ፣ ልዕሊ ሰላሳ መጋርያታት ኣጒዶም ንርእዮም ኣለና። እዚ ከኣ እቲ ካልእ ዘይተፈትሐ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢዩ።

ውድብ ከም ሃይማኖት ተቖጺሩ። በብመዓልቲ ዝራብሓ ውድባት፡ ሕብርታት ቀይሮም ዘደናግሩ ምንቅስቓሳት፡ ኮሚሽንን ባይቶን ብዝብል ጽውጽዋይ ዘተሃራርፉ ጎየይቲ ርኢናዮም ኢና። ካልእ’ውን ኣሎ! ኣውራጃዊ፡ ብሄራውን ጀብሃን ሻዕብያን ምምቕቓል። ኤርትራ ንኩላተን ብሄራትን ሃይማኖትን ብማዕረ ትብጽሐን እንተኾይና፡ ንሕና ድማ ብማዕረ ክንቃለሰላ ይግባእ። ብሰንኪ ‘ንቁም በብህላወነ’፡ ኣስናን ህዝብና እናረገፈ ኣብ ዘለወሉ ግናይ ግዜ፡  ካብ ኣስናን ጸላኢና ህግደፍ ንሓንቲ ዓቃቢቶ’ኳ ከነጉርፍ ኣይከኣልናን። ጸላኢና ናብ ውሽጥና ዝኣጎዶ ሓደገኛ ሓዊ ከነጥፍኦ ኣይከኣልናን። ብድሕሪ ህግደፍ፡ ንምንዋሕ ስቓይ ኤርትራውያን ከኣ፡ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ እስላማውያን ሃይማኖታውያን ውድባት ብካልኣይ ደረጃ ተሓተትቲ ኢዮም።

መድረኽ ቃልሲ ንፍትሒ፡ መድረኽ ተዋስኦ ሰብ ዋኒን ኢዩ። ሰብ ዋኒን ድማ ንሕና’ቶም ስለ ሓርነት ንቃለስ ዘለናን ስለ ምምላስ ጅግንነታዊ ታሪኽና ዋጋ ንኸፍል ዘለናን ደቂ ኤርትራ ኢና። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲን ድርብ ስረ ደቂ ኤርትራን ብሓደ ወገን፡ ገበናት ኢሰያስን ጭፍርኡን ድማ ብካልእ ሸነኽ ተዛሪብናሉን ጽሒፍናሉን ኢና።

ህዝቢ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ጸቒጥዎ ንዘሎ ደንጎላ ያዕ ኢሉ ናጻ ህዝቢ ክኸውን ኢዩ። ሃገር ጀጋኑ ነይሮማ ኢዮም። ሎሚ’ውን ሰብ ከም ዘለዋ ትማሊ ጀነቫ መስኪራቶ ኣላ። ካብቲ  ዝነበረ 16,000 ሰልፈኛ ህዝቢ፡ ካብ ኣሕዋትና ኣስላም ክንደይ ካብ ሚእቲ ኢዮም ኣብኡ ነይሮም? ወላ’ቶም ምሁራት፡ ዶክተራትን ፕሮፌሶራትን ዝበሃሉ ኤርትራውያን’ከ ክንደይ ኢዮም ነይሮም፡ ክንጸባጸብ ኣይንደልን ኢና።  ከም ኤርትራውያን፡ ማዕረ ብዝሒ ኣለና፡ እታ መሬት ምስ ባሕራ ከኣ ብማዕረ ኢያ ትብጽሓና ምባል፡ ጣቋ የብሉን። ኮቦሮን እግሪን ነንበይኑ ይዘልል ከም ዝበሃል፡ ኣሕዋትና ኣስላም ግብርኹምን ዘረባኹምን ደጋጊምኩም ንክትርእዩዎ አዘኻኽር። ‘ንቁም በብህላወና’ ካብ መከራ ህግደፍ ዘውጽእ ኣወዳድባ ኣይኮነን።

ንሎሚ ወስ ከብሎ ዝደለኹዎ ጉዳይ፡ ብዛዕባና ብዛዕባ’ዞም ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ኢዩ። ፍትሒ እንታይ ማለት ኢዩ? ደለይቲ ፍትሒ’ኸ በዓል መነመን ኢዮም ኢልካ ምጅማር ጽቡቕ ይመስለኒ። ነዚ ፍጮ ዘብቆለ ገፋዒ ስርዓት ኣካሒዳ ህግደፍ ንምፍላጡ ዛዕጎል ኣየድልዮን ኢዩ። ብዙሕ ዝተፈላለየ ዘመናት ሓሊፉ ኢዩ’ሞ ኣይከም ዘመነ ኣካሒዳን። እቲ ኩላትኩም ዳሕረዎት ወለዶ ብእዝኒ ትሰምዕዎ ዘመነ ኣካሒዳን፡  እዚ ሕጂ ኣብ ቅድሜኹም ተገቲሩ ዘሎ ዘመነ ህግደፍን ማዕረ ኢዩ።

ዘመን ኣካሒዳ፡ ዘመነ ጥልመትን ክፍኣትን ምስ ኮነ፡ ‘ንቁም በብህላወነ’ ተባሂሉ ቀደም። ሎሚ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ኣብ ናይ ፖለቲካ መኹባዕቲ ኣእቲና እንተጸሚቕናዮ ድማ፡ ብትኽክል መልክዕ ደምበ ተቓውሞ የነጽረልና ኣሎ። ኣብ እምነት ክርስትና፡ ‘መን ፈጠረኪ ነፍሲ፡ ስላሴ! ንመን’ከ ትኣምኒ ንስላሴ’ ከም ዝበሃል፣ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ፡ ህዝቢን ሃገርን ንክንከውን፡ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲንና ዝወጻእና፡ መስተንክር ታሪኽ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልስና ኢዩ ፈጢሩና። ገድሊ ህዝቢ ጌሩና፡ ገድሊ ሃገር ገይሩና፡ ተጋድሎና ድርዒ ታሪኽ ወሲኹልና ኢዩ’ሞ፡ መንእሰያት ደቀይ ካብዚ ዘሎ ፍለ-ፍለ ርሒቕኩም፡  ካብ ታሪኽ ኣቦታትኩም ንክትመሃሩ በዚ ኣጋጣሚ እዚ አዘኻኽር።

ዝተደወነ ታሪኽና ንምድማቕ፡ ዝተጨውየ ሓርነትና ካብ ኣፍ ምንጋጋ ህግደፍ ንምምንዛዕ፡ እንታይ ክንገብርን ከመይ ዝኣመሰለ ቃልሲ ከነካይድን ከም ዝግባእ፡ ሕቶ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ጸላኢና ብወለዶ ዝተኣኻኸበ፡ ሓላፍነት ኣልቦ ማፍያን ሓደገኛን ጉጅለ ኢዩ። መንነቱን መንገዱን ከኣ፡ ንጹር ኢዩ። ብዛዕባ መበቆልን መንነትን ኢሰያስን ጉጅለኡን ብጭቡጥ ታሪኽ ጽሒፈሉን ተዛሪበሉን ኢየ።

እቲ ንሎሚ ጸቒጠ ክብሎ ዝደሊ ዘለኹ እምበኣር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣስመራ ዓስኪሩ ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባና፣ ብዛዕባ እዞም ደለይቲ ፍትሒ እንበሃል ጉጅለታት ናይ ፖለቲካ ድኳናትን እየ ንክዛረብ መሪጸ። ታሪኽ ዕድመን ጉዕዞ ደምበ ተቓውሞ ከም ዝሕብሮ፡ ልዕሊ 35 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። እዚ ከኣ ካብ መኸተምታ ውግእ ሓድሕድ 1981 ክሳብ ሎሚ ኢዩ። ‘ህርፋን ጸባ ዘለዎስ፡ ጓጉድ ማይ ጨለጠ’፣ እዚ ህርፋን ፍትሒ ዘለዎ ጉጅለ’ዚ ብሓፈሻ፡ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ኣሕዋትና ኣስላም ድማ ብፍላይ፡ ብዘይካ ድሌት ሓርነት፡ ኣገባብን መንገዲን ሓርነት ንክፈልጥ ኣይተዓደን። ቅኑዕ መንገዲ ንክትክተሉ፡ ኣብ ወውሽጥኹም መራግእቲ ንከተንጥቡ ድማ ኣምላኽ ምሕረት የውርደልኩም።

 

ደበስ ንኤርትራውያን ኣዴታት!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Mohamed August 17, 2016

    “እዚ ህርፋን ፍትሒ ዘለዎ ጉጅለ’ዚ ብሓፈሻ፡ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ኣሕዋትና ኣስላም ድማ ብፍላይ፡ ብዘይካ ድሌት ሓርነት፡ ኣገባብን መንገዲን ሓርነት ንክፈልጥ ኣይተዓደን። ቅኑዕ መንገዲ ንክትክተሉ፡ ኣብ ወውሽጥኹም መራግእቲ ንከተንጥቡ ድማ ኣምላኽ ምሕረት የውርደልኩም።”

    ሃብተማርያም ኣብራሃ

    You are taking too seriously bankrupt groups who are mostly doing business in Sudan than Eritrean politics. If they had followers and support from public, the situation on the ground would be different. Eritrea would be a lot different than the one we know today.
    Although Mr. Iseyas and his ‘Halewa Sewra’ regime will be there for some time unless removed by force, I think there is some consensus among Eritreans that only an organization at national level can do that.

  • k.tewolde August 17, 2016

    My favorite Eritrean wise mentor who speaks his mind,I wish we have many like him.I heard those words he used when I was in the field, ‘AL DEKAKIN AL SIYASIYA’, ‘MULTITUDE OF POLITICAL KIOSKS’,all trying to have a piece of the small village called Eritrea.My mom use to say,FERAHSI ASERTE BETRU,no need to say more. Even-though the article is authentically true,I wish it was written by an Eritrean with a name like Nuredin Mustafa,it would have brushed off the religious hues out of it.

  • Wedi Barkay August 17, 2016

    We should not give much attention and credit to organizations of nearly zero presence in the ground. They represent no body except their leadership.
    Let’s all work together to answer the Eritrean question of the day and focus towards satisfying the people. Pointing hands to each other is a sign of failure. Let’s find the best option.
    Islamist organizations or ethnic based groups lack the vision and lack the support of the people.

    Mr. Habtemariam, come up with an opinion that helps us to set our differences aside and march towards a national unity government instead of a group of mafia led by people whose identities are not known to the Eritrean people.

    Peace to our home!

  • lemlem August 18, 2016

    , well religion could a point of unity all opposition factions are passive if the moslims could do the difference they are better than nothing

  • ኣርዓዶም August 19, 2016

    ብዛዕባ ምስሊም ኤትራውያን የሕዋትና ብዙሕ ብዙሕ ተዓዚብናን ርኢናን፡ ልቢ የዕቢና ትም እንተበልና ግን ከም ዝፈራሕናዮም ወይ ዘይንጠቕም ወሲዶምና ኣለዉ። ሓደ ክልተ ምስሊም የሕዋትና ዝገበርዎ ኣበርክቶ፡ ከም ኩሉ ምስሉም ዝገበርዎ ገይሮም ይወስድዎ፡ ብተመሳሳሊ ድማ፡ ነቶም ሓደ ክልተ ዘበርከቱ ምስሊም ንሕና ክርስትያን ኣዚና ነኽብሮምን ንድግፎምን ብምዅና፡ ዝና ስለዘብዛሕናሎም፡ ካልኦት ምስሊም ሳንቲም ከየበርከቱ ብሓደ ክልተ ዘበርከትዎ ምስሊም ክምክሑን ንክርስትያን ክንዕቑን ክጸልኡን ክትርኢ ካን ይገርም።

    ክፈልጥዎ ዘለዎም ግን ኤርትራ ብዘይ ክርስትያናዊ ሓይሊ ፍጹም ከም ሃገር ከማን ኣምቖመትን፡ ኣቶም ዝተሰዋእናን ዝሰንከልናን ብብዝሒ ኤትራውያን ኢና፡ ኣቶም ብታሕቲ-ታሕቲ ብሽም ሃይማኖት ዘይገደሞም ድማ፡ ግዜን ቦታን ኣብ ዝረኽብሉ፡ ንክርስያን ክሓርዱን ከሳቕዩን ካብ ዝነበሩ ብብዝሒ ድማ ምስሊም ኢዮም።
    ንሕና ግን ብኹሉ ዋላ ንዕ ኦም `ውን ገንዘብና ኣዋጺእና ዘስነቕና ህዝቢ ክርስያን ኢና። እስከ ኣብ`ቲ ንሰበይቲ-ጅግና ዓሊ ዝተዋጽአ ገንዘብ ምስሊም ክንደይ ኣዋጺኦም ብዘይካ 3 ሰባት፡ ኩሎም ክርስትያን ዘይኮኑን፡ ኣብ`ቲ ንደጀን ዓንደ ሕሸል ዝተዋጽአ ድማ ዋላ ሓደ ምስሊም ኣይነበረን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ናይ ቓልሲ ኣንጻር ህግደፍ ኣብ እንገብሮ፡ 10 ሙሉም ካብ 100 ምእቲ ክርስትያን ይርከቡ፡ ሕጂ ድማ ሕፍር ከይበሉ፡ ኤርትራ ምስሊም ክትከውን ኣለዋ ናይ ምስሊም ምውድዳብ ይገብሩ ኣለዉ፡ ጽቡቅ ኣብኡ የራክበና፡ ሓደ ክልተ ለባማት ምሳና ሰልዘለዉ፡ ንዝበዝሑ ገበርቲ ክፉእ፡ ስቕ ኢልና ክንሓልፎም ጽቡቕ ኣይኮነን። ንሶም ከም ድለኢቶም ምስሊም ን ምውድዳብን ክገብሩን ክዛረቡን፡ ክርስትያን ድማ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣይትዛረብ ክብሃል፡ ክንደይ ግዜ ዘይርኣና።
    ብሓጺሩ፡ ከምዚ ምስሊም ዝገብርዎ ዘለዉ፡ ናይ ክርስትስያን ሓይሊ ክህሉ ድማ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ፡ እዚ ድማ ንድሕነትና ስለዝኮነ።
    ዓወት ንኹሉ ደላይ ሰላም

    ኣርዓዶም

POST A COMMENT