Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንቕሓትና ነዕብይ

ንቕሓትና ነዕብይ ቀዳማይ ክፋል፡ - ንነፍስና ንፈትሽ ካብ ደብረ (09/07/2015) ንነፍስና ኣበየናይ መደብ ኢና ንሰርዓ። ደጋፋይ መንግስቲ ወይስ ተቃዋማይ ወይስ ላንጋ ላንጋ። ነፍስና ንፈትሽ። ብዛዕባ ዕላማታት መንግስቲ ምዝራቡ ንጊዚኡ ገድፍና፡ ብዛዕባ ዕላማታት ተቃዋማይ ቁሩብ ክዛረብ። ተቃዋማይ ክህልዎ ዘለዎ

ንቕሓትና ነዕብይ
ቀዳማይ ክፋል – ንነፍስና ንፈትሽ

ካብ ደብረ (09/07/2015)

ንነፍስና ኣበየናይ መደብ ኢና ንሰርዓ። ደጋፋይ መንግስቲ ወይስ ተቃዋማይ ወይስ ላንጋ ላንጋ። ነፍስና ንፈትሽ። ብዛዕባ ዕላማታት መንግስቲ ምዝራቡ ንጊዚኡ ገድፍና፡ ብዛዕባ ዕላማታት ተቃዋማይ ቁሩብ ክዛረብ። ተቃዋማይ ክህልዎ ዘለዎ ዕላማታት ንጹር ‘ዩ። እቲ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዕላማ፡ እቲ ገዛኢ ስርዓት ካብ ሕግን ስርዓትን ወጺኡ ህዝቢ ከይብድል ንህዝቢ ምጥባቕን ንስዉርን ርኡይን ዝግበሩ ጌጋታት መንግስቲ መአረምታ ምሃብን ‘ዩ። ተቃዋማይ እቲ ገዛኢ መንግስቲ ንባዕሉ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕጊ ንነፍሱ ተማእዚዙ ክኸይድ ቀይዲ በተኽ ኮይኑ ቃሕ ብዝበሎ ከይኸይድ ይከላኸል። ክፋእ ግብሪ ገዛኢ መንግስቲ የቃልዕን ዓገብ ይብልን። ህዝቢ ድምጹ ከይዕፈን ይከላኸል። ብሓጺሩ ዕላማታት ተቃዋማይ ዓንዲ ሕቆ ቁዋምን ሕግታትን ሓንቲ ሃገር ኮይኑ እዩ ዘገልግል።

ሓደ ዓማጺ መንግስቲ (ከምዚ ንሕና ረኺብናዮ ዘሎና) ብተቃወምቲ ክምእኸል ሕሊንኡ ኣይፍቅደሉን ‘ዩ። ዓማጺ ውሽጣዊ ርእሰ ተኣማንነት ስለዝጎድሎ መአረምታን ነቀፌታንን ካልኦት ክቕበል የጸግሞ። እዚ ከኣ ንነፍስኻ ካብ ምትሓት ዝመጽእ ፍርሂ ‘ዩ ዝብገስ። እዚ ፍርሂ ዘበገሶ ራዕዲ፡ ተንኮላት፣ ጸለመታት፣ ሓሶታትን ሚስጢራትን (ሕቡኡነት)፡ ብዝበሃሉ መሳርሒታት ተሸፊኑ፡ ኣብ ሊዕሊኡ ሓይሊ ተጠቒሙ ብሕንፍሽፍሽን ራዕዲን ክገዝእ ይመርጽ። ቀይዲ በትኽ መለሊኡ ይኸውን። ብዘይካ ንነፍሱ ንኻልእ ክሰምዕ ኣይደልን። ብዝኾነ መዐቀኒ ተሳዓርነት ኣይቅበልን። ተሳዓርነት ካብ ምቕባል ህዝቡ ከህልቕ ቅጭጭ ኣይብሎን (ድሕር ኣይብልን)። ናይ መጻንሒ ፖሊሲታቱ ከኣ ብጭካነ የተግብር። ፖሊሲ እዚ ስርዓት ዝበሃሉ ከመይ ዝኣመሰሉ ‘ዮም? እስከ ብዝርዝር ንርኣዮም፡-

  1. ነቲ በሊሕ ምእላይን ምጉዳምን እቲ ቀዳማይ ስርሑ ‘ዩ። በሊሕ ማለት ብኣጋ ዝነቕሐ ትጋገ ኣሎኻ፣ እቲ እዚ’ዩ እቲ ‘ዩ ቅኑዕ መንገዲ ዝብሎ ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ‘ዩ። ንዓማጺ፡ እዚ ክፋል ሕብረተሰብ ‘ዚ፡ ካብ ቕድሚኡ ክእለ ወይ ክጎድም ኣለዎ። ክእለ ክበሃል ካብ ናብ ዓዲ ጓና ምስዳድ ክሳብ በቲ ስርዓት ምጽጋዕ (ምቕታል) ማለት ‘ዩ። ምጉዳም ማለት ከኣ ኣፍካ ካብ (ትም ማለት) ክሳብ እድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ዓነውነው ምባል ክኸውን ይኽእል። ምጥቃን፣ ደይናቱ ምጥማቕ፣ ብዘይገብሮ ምውንጃል፣ ወ.ዘ.ተ. ሽም ምሃብ ቀንዲ ጥበባት ዝጥቀመለን መሳርሒታት ‘የን። እዞም ኣብ ፈቀዶ ቤት ማሕቡስ፡ ሃላዋቶም ዘይፍለጥ ብዘይ ፍርዲ ተሓይሮም ዘለዉን ኣብ ፈቀዶ ስንጭሮታን በረኸታትን ዝተጸግዑን (ዝተቀተሉን)፡ ከምኡ ‘ውን ብምረት እቲ ስርዓት “ካብ ዝበሉኻ ክትገረሎም ዓደይ ከይፈተኹ ክገድፈሎም!” ኢሎም ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ዓዲ ጓና ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ነቲ ስርዓት ቶባእ ኢሎም ብጋህዲ ብትብዓት ዝቃለስዎ ዘለዉ ኣብነት ክንብሎም ንኽእል። ኣብ ውሽጢ ሃገርም ብስቱር ሚስጢር ዝቃለስዎ ዘለዉም ኣለዉ።
  2. ዓማጺ፡ ንግሩሃትን የዋሃትን ንምዕሻው፣ ምፍዛዝ፣ ምድንዛዝን ምንህውላልን፡ ብዘይ ዕረፍቲ ኣበርቲዑ ይንቀሳቀስ። ዘይኮንካዮ እንዳመሰልካ፣ ዘይተዓደኻዮ እንዳተዓደኻ፣ ዘይገበርካዮ ከምዝገበርካዮ እንዳምሰልካ፣ ሓሶት ከም ሓቒ ኣምስሊካ ደጋጊምካ እንዳነዛዕኻ፣ ነቲ ሓቂ ከይፈልጡ ኣብ መዋጥርን ሕንፍሽፍሽን የእቲኻ እንዳዋኸብካ፡ ብከልበትበት ከምዝመሃደሩ ፈሪድካ፣ ብዛዕባ ካልእ ከይሓስቡን ከይነቕሑን ኣእምርኦም ጅሆ ብምሓዝ ግዙኣት ምግባር ዝተካሃንዎ ቀዳማይ ዕማሙ ‘ዩ። ንቕሓቶም ትሕት ዝበለ፡ ዕለታዊ ድራሮም ኣብ ምምእራር ዘለዉ፡ ብድኽነት ዝተዳህኹ ክፋል እቲ ሕብረተስብ ቀንዲ ተጠቃዕቲ እዚ ጥበብ እዮም። ንቕሓት ዝጎደሎም ሰብ ስገረ ማዕዶ፡ ብዝነበረ ዘምልኹ፡ በቲ ፕሮፓጋንዳ እተን ጥበባት ዝተዓሸዉ፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዘይፈልጡ፡ ተገምጢሎም ነቲ መንግስቲ ከናፍሮም ክመጥሉ ዝውዕሉ ለዋሃት ኣብዚ ክፋል ‘ዚ ይምደቡ።
  3. እቲ ካልእ ብፍርህን ራዕድን ከምኡ ከኣ ብጥቅማጥቅሚ ተማእዚዙ ዝኸይድ ‘ዩ። እቲ ምፍርራሕን ምርዓድን ካብ ንብረትካ ምህጋርን ነፍስኻ ምስኣን ክሳብ ስድራኻ ምሕያርን ምቕታልን ይኸይድ። ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝርከቡ ብግበር ኣይትግበር ዝምእዘዙ፡ ኣብ ማእከላይ መነባብሮ ዘለዉ ንቕሓቶም ብዛዕባ እቲ ዝግበር ክፍኣት ክብ ዘበሉ፡ ሃብታማት ነጋዶ፡ ኣብነት ናይዚ ክፋል እዮም። እቲ ዝበዝሐ ክፋል እቲ ማሕበረሰብ ብመቁነን (ኮታ) ክነብር ተፈሪዱ። ዝተባህሎ እንተዘይገበረ እዛ ከም መጽንሒ እስትንፋስ ዝተመደበት መቁነን ይኽልከል። እቶም ሃብታማት ከኣ ዋላ እታ ዝነኣሰት መንቀሳቀሲ ፓስፖርት ይኽልከሉ። ኣብ ወጻኢ፡ ዝነብሩ ዕድመ ዝበልዑ፡ ኣብ ሃገሮም ዝተረፈት ዕድሚኦም ከሕልፉ ዝደልዩ ተበለጽቲ ወይ ኣብ ዓዶም ሓመድ ድበ ዝደልዩ ሬሶኦም ዓዲ ከይኣቱ ከይክልከል ዝሰግኡ “ሓሳበይ ይስመረለይ” ዝብሉ ድኹም ኣተሓሳስባ ዘለዎም ‘ውን ኣብዚ ክንምድቦም ንኽእል።
  4. ነቶም ብስሚዒት ከገልግልዎ ዝኽእሉ መካይደይ ዝብሎም ኣብቲ ናቱ ሓጥኣት ዝተቆማጥዑ፡ ጀነራላት፡ ሚንስተራት ወዘተ ብጥቕማጥቕሚ ልቦም ብምስላብ፡ ተሳተፍቲ እከይ ተግባር ኮይኖም ክቕጽሉ ይገብሮም። ቅሩብ ካብቲ ዘለዉዎ መስመር ምንቕ እንተ ኢሎም ሓጥኣቶም እንዳዘኻኸረ ናብታ ምድንዳን ልቢ ይመልሶም። ብሕልንኦም ዋል ‘ኳ ግብሮም ክፉእ ግብሪ ምዃኑ ይፍለጡ፡ ኣብቲ ሓጥኣት ስለተቆማጠዑ፡ ኣክንዲ ጉልባቦም ቀሊዖም ዝቃወሙ ብፍርሂ ዝኣክል ንዑኡ ከጣቕዑ ትርእዮም።

ነፍስና እንተፈትሽና፡ ኣብ ላዕሊ ካብ ዘስፈርክዎን ኣርባዕተ መስመራት ኣበየናይ ክፋል ንርከብ ኣለና። ካብቶም ዝጎድሙ ወይስ ካብቶም ዝደንዘዙ ወይስ ካብቶም ምእዙዛት ወይስ ካብቶም ድንዱናት? እርግጸኛ ‘የ ንነፍስና ኣብ ሓደ መስመር ሰሪዕናያ ከምዝኾኗ እምነተይ ኢዩ። ኣብ ኣርባዕቲኡ መስመር ነናቱ መስመር፣ ጸገማትን ብድሆታትን ኣለዎ።

እዚ እዋን እዚ ባና ለውጢ ዝፈለመሉ ይመስል። ተነቃፊ ጊዜ ስለዝኾነ ልዑል ጥንቓቀ ዘድልዮ እዩ።

ካልኣይ ክፋል ይቕጽል

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ሓውኹም ደብረ

(09/07/2015)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • FAKE SINGAPORE July 10, 2015

    ሓው ደብረ,

    ደጋፋይ ምዃን ይኹን ተቓዋማይ ምዃን ዕላማ ኣይኮነን።ደጋፋይ ህግደፍ ማለት ጭራ ማለት እዩ።ከማዛዝን ዝጽግሞ።ተቓዋማይ ምዃን ማለት ምቅዋም እንተዘይኮይኑ መፍትሒ ዘይብሉ መዕዘምዘሚ ፣ጀነቫ ተሰሊፉ ኢሳያስ ዝወድቕ ዝመስሎ ካናዳዊ ወርቂ ቢሻ መኽሰብ እንተገበረ ድማ ሃገር ዝፈረሰ ዝመስሎ ብዓላማ ዘይኮነ ብስምዒታዊ ቴርሞሜተር ዝኸይድ ሰብ ማለት እዩ። ነብሰይ ፈቲሸ,… ነገራት ክጣመሙ ከለዉን ናይ ህግደፍ ሓቀኛ ገጽ ኣብ 1998-2001 ክቕልቀል ምስ ጀመረ ዓቕመይ ብዘፍቀዶ ነቶም ናይ ቀረባ ኣሕዋተይን ገለ ኣዝማደይን ካብ ኤርትራ ኣውጺኤ።ናይ መጨረሻ ተሪፋትኒ ዝነበረት ናይ ቀረባ ዘመድ ካብ ባድመ ንኣንፈት ምስ ወጸት 2001 ብሱዳን ጌረ ናብ ኤውሮጳ ኣእትየያ ።ብሰላም ትነብር ኣላ።እዚ ናይ ብሓቂ ክዉንነት እዩ።ሕጂ, ደቂ ካልኦት ምስ ተረፉ “ተሰውኡን” ጥፍኡን ክብል ሕልናይ ኣየፍቅዶን እዩ።እቲ ኣብ ባሕሪ ምጥሓልን ብበደዊን ምዕማጽን ልበይ እናሰበሮ ብሰላም ክወጽእ ዝኽኣለ መንእሰይ ኣብዛ ከም ዳስ ሓውያ ዝኣቱ እምበር ዝወጽእ ዘይብላ ወጻኢ መጺኦም ሂወቶም እንተኣድሓኑ እንቋዕ ድሓን ኣተኹም እየ ክብሎም።ከምዛ ከመይ ኣግሂዱ ዝዛረብ ኣሎዶ ወይሲ ኣይ ውዑይ ኣይዝሕዑል ዝኾነ ሓቂ ዘይብሉ ኣምስሉ ዘረባታት ዝውቅጥ።

  • Eritra July 11, 2015

    Brother ደብረ

    Don’t be discouraged by comments made by the guy who uses multiple nick names (FAKE SINGAPORE) to injects hopelessness in every discourse.
    The regime in Eritrea is controlled by people like him.
    Keep writing against the brutal regime.

POST A COMMENT