Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ንነብሱ ዘቀየረስ ንኻልኦት ክቕይር ኣይክእልን”

ቅድሚ ኩሉ ዓይቢ ሓውና አቶ ብርሃነ ገ/ንጉስ ዝጸሓፎ ብዛዕባ “ዓገብ ንበሎም ንመራሕቲ ባይቶ፣ ዓገብ’ውን ንበሎም ንመራሕቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት” ብዝብል ኣርእስቲ ቁሉዕ ወቐሳን፣ ዝተሰምዖ ጓሂን፣ ዘይዕግበት ትጽቢቱን ትጽቢት መብዛሕቲኡ ኤርትራውያን ዘይምኻኑ ብመገዲ ገሰጻ ነቲ ተሪኺቡ

ቅድሚ ኩሉ ዓይቢ ሓውና አቶ ብርሃነ ገ/ንጉስ ዝጸሓፎ ብዛዕባ “ዓገብ ንበሎም ንመራሕቲ ባይቶ፣ ዓገብ’ውን ንበሎም ንመራሕቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት” ብዝብል ኣርእስቲ ቁሉዕ ወቐሳን፣ ዝተሰምዖ ጓሂን፣ ዘይዕግበት ትጽቢቱን ትጽቢት መብዛሕቲኡ ኤርትራውያን ዘይምኻኑ ብመገዲ ገሰጻ ነቲ ተሪኺቡ ዘሎ ግርጭት ኣመንጎ መራሕቲ ሃገራዊ ባይቶ ፍታሕ ክግበረሉ ኤርትራዊ ምሕጽንታኡ ምግላጹ ብጣዕሚ ዝምስገን ኢዩ። አነ’ውን ከመስግኖ እፈቱ። እንተኾነ እቲ ሕማም ምግርጫውን ምፍንጫልን ቀንዲ ምኽንያቱ ከይተፈወሰ ብሽፍንፍንን ናይ ቀለዓለም ክኸውን የብሉን።

ነዚ ጽሑፍ ንምድላው ዘበገሰኒ ቀንዲ ምኽንያት ከአ ቁሩብ ንድሕሪት ተመሊስና ክንሓስብን ክንምርምርን እንተዘይኪእልና ነቲ ንቕድሚት ዘሰጉመና መፍትሕ ክንገብረሉ ማለት ዘይሕሰብ (unrealistic thinking or wishful hope) ጥራይ ከይኮነስ ነቲ ሓቅነት ምኽሓድን፣ ካብ ሕልሚ ዘይምብርባር ይኸውን። ከምትፈልጥዎ ብዙሓት ምጥርርናፍን ምብትታንን ታሪኽ ገድሊ ኮነ፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን  ህዝቢ ኤርትራ ኣስተዊዒሉን ኣጋንፉዎን’ዩ። ብቓላት ሸፋፊንካ ዝቕየር ወይ ዝከሓድ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ናይ ትማሊ ኩነታት ሓዲስ ክኾነና የብሉን። ኣብ ሑጻ ዝተሰርሐ ገዛ መሰረት ከምዘይብሉ፣ ኣብ ቅኑዕ ዕላማን መትከል ዘነጸረ ምትእኽኻብ ዝጎደሎ ናይ ሃታሃታ ምጥርናፍ ዘስዕቦ ዕንወት ቀሊል ኣይኮነን። ፈቲና ጸሊእና እቲ ቀንዲ ሽግር ናይ ባይቶ ኣመሰራርታን ኣቃውማን ክሳብ ክንደይ ጉድለት ከምዝነበሮ ምምርማር ከድሊ’ዩ።

እቲ ዝተሓተ ጠለብ ከም ናይ ሃገራዊ ኣጀንዳ ገይርካ ናብ ዝለዓለ ሃገራዊ ዕማማት ክትሰግር ምዕቃንን ምሕሳብን ማለት፣ ድልዱል መሰረት ከይረገጽካ ነቲ ሰፊሕን ነዊሕን ሩባ ካብ ሐደ መዳይ ናቱ፣ ስር ኢልካ ትሳገሮን ኣብቲ ሐደ መዳይ ክትዓልብ ምሕሳብን ሐደ ናይ ዘይ ምድላው ሽግር’ዩ። ከምቲ ውሕጅ ሒዙካ ዝኸይድ፣ እቲ ስራሕ ምስስግጋር ከአ ቀሊል ስለዝይከውን፣ ብዘይካ ግዜዃን ትጽቢት ናይ (ህዝቢ) ካልኦት የዋሃት ምምካንን ዋጋ ኣይፍርን’ዩ። ነታ ጀልባ ናይ ባይቶ ዘዝመጽአ ተዋሳኣይ ብሽም ሃገር ክድይባ ስለተፈቕደ፣ እታ ነቲ ሰፊሕን ነዊሕን ሩባ ክተሳግር ዝተሓስበት ጀልባ ከይተበገሰት ጥሒላ። ብቐሊሉ ሰብ በዚሑዋ። ስለምንታይ እንተበልካ? ዋጋ ወይ እቲ ዝሕተት ጠለብ ብጣዕሚ ዝተሓተ ሕሱር ስለዝነበረ፣ ዘዝመጸ ክድይባ ገደብ ኣይነበሮን። ናይ ሃገርን ህዝብን ጉዳይ ከአ ብዘዓበየን ዝነጸረን መትከል ክተሓዝ አለዎ እምበር፣ ብዝተሓተን ብዝተበታተነን ዕላማ ክኸውን የብሉን።

ንድሌት ህዝብን ሃገርን ብብዙሕ ዝተመቓቐለ ዕላማን መንገድን ክትመርሖ ኣሸጋሪ ጥራይ ከይኮነ፣ ናይ መራሕቲ እቲ ቃልሲ ሙሉእ እምነቶምን ድሌቶምን ብሐደ ጠርኒፎም ክሰርሑ ኣይክእሉን ኢዮም። ሕጂ’ውን ዝተራእየ ግርጭት ውጺኢት ናይ ጉድለት ኣመሰራርታ ባይቶ እምበር ናይ ኣገባብ ኣሰራርሓ ጉድለት ኮይኑ ክረኣይ የብሉን ይብል። ብናተይ ርእይቶ። ሎሚ ንተሓቛቖፍ ጽባሕ ንበታተን ኢልካ ቃልሲ ኣይተካይድን ኢኻ። መሰረትካን ዕላማኻን ብመትከል ጠርኒፍካ ክትሓብር ከለኻ፣ ነቲ ዝለዕለ ጠለብ ክትርኢን፣ ንቕድሚት ክትጋዕዝ ኣየሸግርን።

ደሞክራሲ’ውን ንባዕሉ ገደብ አለዎ። ባዕሉ ኤርትራዊ ምኻን ጥራይ ኣብሐደ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ክትጥርነፍ አለካ ማለት ኣይኮነን። ወይ ከአ ምስ ዝመስሉኻ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ብሐደ ክትጥርነፍ ኣይትኽልን ዝብል መምርሒ ኣይኮነን። ነቲ ዝዓበየ ኣጀንዳ ግን ብሐደ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ማለት ኣይኮነ። ሕጂ እቲ ዝዓበየ ኣጀንዳ ከአ ንህግደፍ ምእላይን ዲሞክራሳዊ ስርዓት ምትካል ምስ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ኢዩ።

እንተኾነ ንህግደፍ ንምእላይ ተስማሚዕኻ ግና ደሞክራሳዊ ስርዓት ገዲፍካ ሃይማኖታዊ ስርዓት ክተክል ትቃለስ እንተኾይኑ፣ ሓቢርካ ንምቅላሱ ከሸግር ኢዩ። ስለዚ እቲ ዝግበር ቃልሲ ህዝቢ ዝደገፎ ክኸውን አለዎ። ሕጂ’ውን እቲ ሽግር ብግልጹነት ንኹሉ ተዛቲኻሉ ድሌት ህዝብን ሃገርን ከዕውት መደብ ብንጹር ምሕንጻጽ ከድሊ ኢዩ። ብዝተሓተ ጠለብ ምትእኽኻብ ከምዘይሰርሕ ንእመነሉ። እቶም ንዕኡ ዝጠልቡ ግና እቲ ቃልሲ ከይዕወት ዝደልዩ ባእታታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ክኸውን ስለዝኽእል መሰሎም ኢዩ። ግና ብዝተሓተ ጠለብ ብሐደ ክትሰርሕ ማለት ካብ ጌጋታት እዚ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዘይምምሃር ጥራይ ይኸውን።

ኣብ መወዳእታ እዛ ትስዕብ ግጥሚ “ስምረትካ ናይ ግድን” ትብል፤ ካብታ ብ1988 ዓ.ም ኣብ ሃገር ጀርመን ዘሕተምኩዋ በኹሪ መጽሓፈይ “ሕልና” ተመሊሰ ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ስለ ዘዘኻኸረኒ ደጊመ ነንብብቲ ከቕርባ’ሞ ኣንባቢ ባዕሉ ኩነታት ከመዛዝን እገድፈሉ። ሕጂ’ውን ድሕሪ ናጽነት ስኣን ምስምምዓን ጉዳይና ብሓላፊነት ብሓባር ንፈትሕ፣ ኣብ ናይ ቃላት ሸኾርተትን ኣብ ዝሓለፈ ልሚዲ ምንቃጽን ብኸንቱ ጊዜ ከነቃጽል ንውዕል። ብኣንጻሩ ከአ ብሕሉፍ ጨቛኒ ስርዓትን፣ ውልቀ መላኺ ዲክታተር ዋኒን ከአ፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድራዊ ገሃነብ ክሳቐ ይርከብ።

ሃገር እንዳጸነተት፣ መንእሰያት እንዳተበተነ ፈቐዶ በረኻታት፣ ሕጻናት ኣብ ዓዲ ጋኖት ብህይወት እንዳተሳቐዩ ኣብዝርከብሉ እዋን፣ ክንዲ መፍትሒ ንምርካብ ምርብራብ፣ ስለምንታይ ምብትታን ተመርጸ? – ሕማቕ ልምዲ ስለዘማዕበልና ናብቲ ቅኑዕ መስመር ክንሳገር ዓቕምና ስለ ዘየፍቅዶ ጥራይ’ዶ ይኸውን? ኩላህና እስኪ ብሕልናና ንመርምሮ። እታ ነጻ ዝወጽአት ሃገር ብጀጋኑና መስዋእትን መሰንከልን ንብዙሓት ደቃ ጋህሪ ዝተኣጉዳ ሲኦል ክትኸውን መንከ ተጸበዮ?። ቅንዕና ዝጎደሎ ቃልሲ ናይ ተቛውሞ ተውሲኹ ክርምሳን ክሕምሳን’ከ ንመን ይሕጉስ? ንመንከ ይጠቅም እንተበልና፣ ነቲ ጨቛኒ ስርዓት ህድግፍን ሰዓብቱን ዕድመ መናውሒ ጥራይ ይኸውን እቲ መልሲ።

ስምረትካ ናይ ግድን

(1988 ዓ.ም)

ጅግና ተበራበር – ተንስእ ብጽንዓት

ንህዝብኻ ህይወት – ንዓድኻ መሰረት

ንታሪኽ ምስክር – ንመጻኢ ኩርዓት

ጉቡኻ ኣበርክት – ብሰንክኻ ከይጉተት።

አስተውዕል ተመራመር- ንሃገርካ ዝድለ

ተሪፋ ስለ ዘላ – ቀስ ብቀስ ክትሳለ

ድኽነት ድሕርነት – ለመም እንዳበለ

ደቛቑሱ ስለ ዘትረፋ – ከየርኣያ ምዕባለ።

 

ጭቡጥ ክይነታት – ብምምዝዛን ተገንዚብካ

ኣብ ጸልማት ክምትርከብ – እታ ወላዲትካ

ጊዜ ኣይትጸበ – ብትህኪት ተጻዊድካ

ኣእምሮኻ ብምድንዛዝ – ንሕልናኻ ሸፊጥካ።

ኢድካ ኣንብረሉ – ብስሚዒት ከይትተርፍ

ብናይ ኻልኦት ጻዕሪ – ክትብለጽ ከይትሃርፍ

ኣይትዘንግዕ ቀልጢፍካ – ገዲፍካዮ ከምትሓልፍ

ግዳስ ብቕንዕና ሕዛ – እታ ናይ ሓቂ ሴፍ።

 

ከም ኣሕዋት መጠን – ኩላህና ንኹን ተፋቐርቲ

ብምሕዝነት እሱራት – ፍጹም ተኸባበርቲ

ንሽግርና ብሓባር – ብሜላ ብዘተ ፈታሕቲ

መንዚዕና ከነውጽኣ – ካብ ዝጠሓለቶ ዕዘቕቲ።

 

ጓና ኣብ መንጎ ከይኣቱ – ክገብረና መሳርሒ

ሃሰስ ንበል ብዘተ – ነቲ ቅኑዕ መፍትሒ

ንምትእምማን ውሕስና – ንፍቕርና መስፋሕፍሒ

ዲሞክራሲ ይውዓል ኣብ ግብሪ

ኣይንቓላት መስብሒ።

ካብ ንባዕልኻ ምቑጻር – ብጣዕሚ ፈላጥ

ኣናኢስካ ብምሕሳብ – ሓውኻ ንምጉባጥ

ብተንኮል ንጥምኻ – ንሓቂ ምሽፋጥ

ቅጥዒ ንግበረሉ – እንዳፈለጥካ ምጽቃጥ።

 

ተሓባበር ብብልሒ – ኣወጊድካ ግፍዒ

ድልየትካ ክእለትካ – ንሃገርካ ለምዒ

ከይትኸውን ሓወይ – ብጣዕሳ ነባዒ

ግዜ ዝሓ’ለፎ – ዝተደርበየ ገልዒ።

ሕማቕ ባህርያት – ፈኩስ ቂምተኛ

ቀንጠብጠብ ረሳሕ – ርሙስ ህውከተኛ

ብትግሃት ይቀየሩ – ናብ ርጉእ ብልሓተኛ

ብግብሪ ደንፋዒ – ብሞራል ሓቦኛ።

ህዝበይ ዝበሉኻ – ጥራይ ኣይትእመን

ተመራመር ንምፍላጥ – ብንቕሓት ፍናን

ብስምዒት ግደፍ – ብሰነ ፍልጠት ቅሰን

ቃልሲ ሓፋሽ ክዕወት – ስምረትካ ናይ ግድን።

ሕልና – 1988

(ንሓዲስ ወለዶ ዝምልከት – 2013)

ቃልሲ ህዝቢ ክዕወት – ስምረትካ ናይ ግድን

መንእሰይ ተበገስ – ረሳዓዮ ናይ ቀደም

ጊደ ታሪካ ስራሕ – ሃገር ክትልምልም

ቀሲንካ ክትድቅስ – ጽቡቕ ክትሓልም።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 08-01-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT