Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንእሽቶ ምኽሪ ንኣመንቲ ኣባጎብየ

ንእሽቶ ምኽሪ ንኣመንቲ ኣባጎብየ ማሕሙድ ሳልሕ ኣብ ዓመተ-ምህረት ሓርነት ሓደ ናጻ ኣቦ ንወዱ ዘዕልሎ ኣብ ዓድና ዓመት መጸት መብጸዓታት ዘብዝሕ መራሒ ነይሩ። ኣዝዩ ጨካንን ተንኮለኛን ስለዝነበረ፡ ዓበይቲ ዓድና ከክፍኡ ኣስማት እንተፈተኑሉ ዝኣኽሎ ተሳእነ። በቃ ክሉ ንኢስዎ። እቶም

ንእሽቶ ምኽሪ ንኣመንቲ ኣባጎብየ

ማሕሙድ ሳልሕ

ኣብ ዓመተ-ምህረት ሓርነት ሓደ ናጻ ኣቦ ንወዱ ዘዕልሎ

ኣብ ዓድና ዓመት መጸት መብጸዓታት ዘብዝሕ መራሒ ነይሩ። ኣዝዩ ጨካንን ተንኮለኛን ስለዝነበረ፡ ዓበይቲ ዓድና ከክፍኡ ኣስማት እንተፈተኑሉ ዝኣኽሎ ተሳእነ። በቃ ክሉ ንኢስዎ። እቶም ቆልዑ’ኳ ዓመት-ዓመት ገለ ጸይቀ-መይቂ ኣስማት ይልጥፉሉ’ሞ ገሊኡ ንኣዋርሕ ጥራይ ገጢምዎ መሊሱ ይንእሶ። ኣብ መጠረሽትኡ፡ ተሓሊሎም መስለኒ እቶም ዓበይቲ ዓዲ፡ “እቲ ርጉም ንጉስ” ክብልዎ መሪጾም። እቲ ርጉም ንጉስ፡ ንኹሉ ድኽመታቱ በታ ትማሊ ዘንበብናያ ዛንታ ናይ ማንቲለን ኣባጎብየን ክሸፋፍን ይነብር ነበረ። ህዝቢ ጨኒቑዎስ በቶም ምስለነታት ጥርዓናት ካብ ዘቕርብ ግዜ ነዊሕዎን ትዕግስቱ ኣዝዩ ተነቓኒቑን ተባህለ። ህዝቢ በቲ ወትሩ ዘይማላእ መብጸዓታት ርእሱ ዘይርዎ  ትሕምሕም ምስ ዝብል፡ እቲ ርጉም ንጉስ ነታ ዛንታ እናልዓለ “ ቀስ ኢልና ኢና ንስጉም፡ ላባማት ስለዝኾንና፡ ባህልና ናይ ጎበየ እዩ፤ ጎሰስ ምባል ኢና…..ወዘተ” ኢሉ እዩ ዝደጋግም ነይሩ። ዘይተማልኡ መብጻዓታት መቸም ኩምራ ኮይኖምስ ወላ’ቶም ገደቦ ዓድታት ከስተውዕሉሎም ጀሚሮም። ስለ’ዚ ገለገለ ተባዓት ዜጋታት ትሕምሕም ገዲፎም ምረቶም ብዓውታ ክደጕሕዎ ጀሚሮም-ላግጽን ረገጻን ገደብ ኣለዎ’ንድዩ። እቲ ርጉም ንጉስ ግን ርእሱ ንዘልዓለ ቀቈሊቡ ናብታ ዓባይ ስንጭሮ ይዳጕኖ ነበረ።

ሓደ ግዜ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመት፡ ህዝቢ ኣኪቡ ከም ልሙድ፡ ሎም ዘመን እዝን-እትን ክገብር እየ ኢሉ መደርኡ ከይወደአ፡ ሓደ ኣቦ ተሲኦም “ ሓድሽ መብጸዓስ ተስምዑና’ለኹም። ጽቡቕ’ዩ። ግን ዝቀደመ መብጸዓ ፈጺምካ’ዩ ናብ ሓድሽ ዝሰጋገር። ሓድሽ ዲጋ ኢልኩም። ድንቂ። ግን እቲ ናይ ዓሚ ዲጋ ‘ኳ ድሮ ግለት መሊኡ። እቲ ዓሚ ዝተመረቐ ጽርግያን ድልድልን ገለ ከይሓከመ ዝሓለፈ ክራማት ሓጻጺብዎ እዩ ከይዱ። እቶም ተመሃሮ ደቅና እውን ከይጸገብናዮም ዓመት-ዓመት ኣግራብ ክተኽሉ ትወስዱልና። ጎይታና፡ዝጠቅም ገረብ ኣይረኣናን። ንባዕሉ እቲ መሬት ተምሪ ሙሳ ዝብልዎ ርጉም ኣግራብ ወሪርዎ። ዝሓለፈ ግዜ፡ ‘ ኮነ ተባሂሉ ብሲ.ኣይ.ኤ. ዝተኣታቶ ዘሎ ንሃገራዊ ድሕነትና ዘስግእ ገረብ’ዩ’ ኢልክም ነይርክም። ገረብ ምልቃም’ንዶ ኣይቀልልን ካብ ሰባት፡ ጎይታና። እቶም ክቡር ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ደኣ እንታይ ‘ዩ ስርሖም?” በሉ እቶም ኣቦ። ብደሆ ህዝቢ ይቀላቐል ከምዝነበረ በቲ ናይ ድሕነት ሚኒስተሩ መዓልታዊ ይበጽሖ ነይሩ’ዩ። እታ መዓልቲ’ቲኣ ግን ፍልይ ዝበለት ክትከውን ከም ትኽእል ምልክታት ነይሮም። ህዝቢ ማሕለኻታት ክብንጥስ ይሕንሕንን ወስታታት የርእን ነይሩ። ንዕኡ ንምዕጋስድማ ከምቲ ልሙድ ነቶም መሳኪን ሚኒስተራት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክቐልጦምን ከባጭወሎምን ነይርዎ። ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ ምኩርታም’ዩ- በቲ ሓደ ዝወዳደሮ ሰብ ከምዘየለ የርኢ በቲ ካልእ ከኣ ክሉ ፍሽለታቱ ነቶም ሚኒስተራት የሰክም። እንተወሓደ እቶም “ ንበይኑ እንድዩ ኮይኑ፡ ዝሕግዞ’ኳ የብሉን” ዝብሉ የዋሃት ኣይከስርን።

ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ክንሱ ከክንዲ ሻሕኒ ዝኾኑ ሳን ግላስስ (sun glasses) ገይሩ እቲ እንኮ ዘይደቀሰ ሚኒስተር‘ዩ ነይሩ። ብሱሩ እውን ድቃስ ኣይትሕምቖን ተባሂሉ ይውረየሉ ነይሩ። እኩይ ስረሓት ክለጋግብን ክፈናጥሕን ‘ዩ ዝሓድር ነይሩ ይብልዎ። እቲ ርጉም ንጉስ ዳርጋ 90% ግዚኡን ገንዘብ ዓድናን ትሕምሕም ህዝቢ ኣብ ምክትታልን ደስ ዘይበልዎ ኣብ ምእሳርን የሕልፎ ስለዝነበረ፡ እዋእ፡ ዓድና ባዲማ። እቶም እርይ ቁጽር ኣቢሎም ዘምጽኡሉ ዝነበሩ ብጸላምን ታሕቲ-ታሕትን ዝሰርሑ ተካል መሸከሎም ‘ናይ እዝኒ’ ይበሃሉ ነይሮም። ኣመና ብዝሒ ከኣ ነይርዎም። ከምዛ ሃመማ ዘይኣትውዋ ቦታ ኣይነበሮምን ይበሃል።ቁጽሪ መምሃራንን ተመሃሮን ዶካትራን ኢንጂነራትን ደሚርካ ክንድቶም ናይ እዝኒ ኣይኮኑን።

እቶም ሽማግለ ኣቦ ኣስዒቦም፡ “ እቶም ናይ ድሕነት ነዚ መስኪን ህዝቢ ክንዲ ዘሰራጥው ነዚ ሲ.ኣይ.ኤ. ዝዘርዎ ዘሎ ኣኺስ ገረብ እንተዘጥፍኡ ጽቡቕ ነይሩ። ፋሳት መሊእዋ እዩ ዓድና። ኣጓብዝ ቆራጾ እውን ኣለዉና። ጥራይ ፍሕትሕት ክብሉ ግደፍዎም። ንስኹም እውን ቀሲንክም ምሓደርክም፤ ግናይ ገረብ እዩ ኢሎሞ፤ ጽንሕ ኢሉ ለመም እናበለ ኣብታ ርሻንክም ሓደጋ ክወድቀክም ኢዩ፤ ግናይ ገረብ….” እናቀጸሉ ከለዉ፤ እቲ መራሒ በዚሕዎ መስለኒ ነቶም ኣቦ ኰሊፉ “ እቲ ጸገም ንስኹም ኢኹም። ሰሪሕና ዘረከብናኩም ንብረት ኣይትከናኸኑን። ከመይ ከም ትጥቀሙሉ ዘይምፍላጥ እዩ። ንምሳሌ’ኳ ዝሐለፈት ዓመት ዝተወደአ ድልድል ሓርማዝ ክትሓልፈሉ ገዲፍኩማ እንሆ ሮሞቝ ኢሉ። ሓርማዝ ዝኣክል እንስሳ ከ ከመይ ኢሉ’ዩ በቲ ድልድል ክሰግር ሸለል ዝበልኩሞ? ሕሰቡ’ሞ፡ ከመይ ኢሉ’ዩ መስኪን ድልድል ንሓርማዝ ክጸውር ትጽበይዎ? ድልድል ‘ኮ ንኣውቶቡሳትን ታንክታትን በጣሓትን እዩ ዝስራሕ።ዝምልከቶ ኣካል ኣቓልቦ ክገብረሉ ኣለዎ። ንምዃኑ እቲ ሓርማዝ በየን ኣቢሉ መጺኡ? እዚ እውን ኣካል ናይቲ ምስ ተምሪ ሙሳ ዝተእሳሰር ኣንጻር ሃገራዊ ድሕነትና ብኣሜሪካን ወያነን ዝግበር ሽርሒ እዩ” በለ መቓምጦኡ እናማዕራረየ። ናይ ሕርሻን ህንጻን ሚኒስተራት ብየማነ-ጸጋሙ ድሮ ተታኺሶም ኪኽ ይብሉ ነይሮም።

ኣብ ግዜ ንግስነቱ ክሉ ነገር ግርንቢጥ እዩ ነይሩ። ንታንኪ ዝተሓስበ ድልድል፡ ንሓርማዝ ምጻር ስኢኑ! ቀጺሉ እቲ ንጉስ “ኣካይዳና መቸም ናይ ኣባጎብየ እንድዩ፤ ነዚታት ክንጽግን ክንደይ ይወስደልና?” ኢሉ ነቲ ኣብ ጎኑ ዝሕርንኽ ዝነበረ ሚኒስተር ሓተቶ። እቲ ሚኒስተር ቅሩብ ሰንቢዱን ምዩቕዩቕ ኢሉን “ ጎይታና፡ እታ ቅድሚ ዓሚ ዝሰራሕናያ ቤት-ማእሰርቲ ንፋስ ስለዘዕረቓ ንዕኣ ንጽግን ኣለና። ንፋስ ሎም ዘመን መቸም ሓያል እንድዩ ነይሩ። ስራሕ’ታ ቤት-ማእሰርቲ ገዲፍና ናብዛ ድልድል ክንመጽእ ንኽእል ኢና። ግን ቅድምኡ እቲ ሓድሽ ኤርፖርት ‘ውን ሜንተናንስ የድልዮ’ሎ” ኢሉዎ ናይ ፍርሒ ፍሽኽታ እናርኣየ። እቲ ንጉስ ተጸዊጉ ናብ ገጽ’ቲ ሚኒስተር ቅርብ ኢሉ ብሕሹዅታ፡ “ እላገጽ የለኹን። እታ ቤት-ማእሰርቲ ቀዳምነት ሃብዋ” ኢሉዎ። ድምጹ እናማዕራረየ ናብቶም ኣኼበኛታት ጥውይ ኢሉ ድማ፡ “ ንምዃኑ፡ እቲ ሓድሽ ኤርፖርት ነፈርቲ ይወርድኦ ድየን?” ሓተቶ ነቲ ሚኒስተር። እቲ መስኪን ሚኒስተር ኩሉ ተሳታፊ ዝተዓዘቦ ናይ ምግራምን ፍርሕን ኣጠማምታ ኣርኣየ። እታ ከቀላጥፋ ዝተኣዘዛ ቤት-ማእሰርቲ ሓንቲ ደሓን ዝኾነት ሴል/ ሸላ ከዳልወላ ከምዘለዎ ከቶ ኣይሰሓቶን። “ ጎይታይ፡ እቲ ኤርፖርት’ኮ ሓድሽ ኣይኮነን። ሕጅስ ዓመታት ‘ኳ ኣቝጺሩ’ዩ። ከም ዝመስለኒ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመርዓወ ወደይ ክውለድ ከሎ እዩ ተመሪቑ። ክሳብ ሕጂ መቸም መዓርፎ ኣቡኸምሲን እዩ ዘሎ። ስሕት-ስሕት ኢሉ እውን ጸሓይ ዘሰነፈተን ኣዕዋፍ ዘርጠብጠብ ይብላሉ’የን። ኣቡ ኽምሲን ከኣ ከም ትፈልጥዎ ስሚ ሓጺነ-መጺን እዩ። ባጀትና ኣብ ምክንኻኑ ተወዲኡ” በለ። ኣዕንቱ ብፍርሒ ይሰራሰራ ነይረን።

ዘረባ እቲ ሚኒስተር እቶም ኣኼበኛታት ከምዝሰምዕዎ እቲ ንጉስ ኣስተውዒልሉ። ገጹ እንደገና ናብቲ ሚኒስተር ኣቕኒዑ “ ከመይ ኢልክም ዘይሰርሕ ኤርፖርት ክንድዚ ሚልዮናት ተጥፍኡሉ? መን እዩ ከ ክስራሕ ዝኣዘዘ?” ኢሉ ሓተተ።እቲ ንጉስ ባዕሉ ገባርን ሓዳግን ክንሱ ሕመቕ ንግስነቱ ኣብ ዝቃላዓሉ ግዜ ‘ኣሉ’ ምባል ኣይማተኣሉን ነይሩ ይበሃል። ቀጺሉ እቲ ንጉስ “ ኣሕምሕም..” ድሕሪ ምባል ሸነቡ እናደራረዘ፡ ከምቲ ክሉ ግዜ ፍሽለት ክትውጥሮ ከላ ዘርእዮ፡ ታሕተዋይ ኣስናኑ ገዪጹ” መቸም ኣካይዳና ናይ ኣባጎብየ እንድዩ …..” እናበለ ቃላት ከካውስ ግዜ ቀቲሉ። እቲ ኣቦ ጌና ብደዎም ነይሮም፤ ሕልክስክስ ናይቲ ንጉስን ሃመማን ተዛረዩሎም። ብትጽቢት፡ ግዜ ካብ ምንውሑ ዝኣክል እታ ዝጥቀሙላ ዝነበሩ ጭራ በብሓንቲ ተነጽያ ተወዲኣ። ኣብ እዋን ግዝኣት ናይቲ ንጉስ ሰባት ከምዚ ሎሚ ንግዜ ብሳዓት ዘይኮነስ ብዓስርተታት ዓመታት እዮም ዝቆጽሩዎ ነይሮም። ዘመነ ሓጎግን ሸንኾለልን እዩ ነይሩ’ዚ ወደይ። ክፉእ ኣብ ምእላም ግን ነቲ ንጉስ ዝቅድም ኣይነበረን።

እቶም ኣቦ ዕድመ ጸጊቦም ስለዝነበሩ ንፈጣሪ‘ምበር ንደቂሰባት ዘምልኹሉ ግዜ ኣይነበሮምን። ነገራት ተደራሪቦምዎም ቅጭ እውን ኢልዎም ይመስሉ፤ መልሲ’ቲ ንጉስ ኣይተጸበዩን። ንመጀመርያ ግዜ “ እዚ’ኮ ከማና ሰብ እዩ። ሰብ ድማ መስትያቱ ሰብ’ዩ። ምናልባት እቲ ልሙድ ምጥቓዕን ናይ ሓሶት መጐስን  ጽቡቅ ኣይነበረን” ሓሰቡ ብልቦም። ነብሶም ሃንደበት ናይ መንእሰይ ሓይሊ ወረሮ። ኣእምሮኦም ከም ሽዑ ጸርይሎም ኣይፈልጥን። ኣዕንቶም ኪነው እቲ ዓፋኒ ግመ ብርሃን ከምዘሎ ኣመታሎም። ሳናብኦም ድሕሪ’ቲ ትክን ደሮናን ጽሩይ ኣየር ከምዘሎ “እሕእ..እሕእ” ብምባል ኣተንበሃሎም። ኣብሮኾምን ዳናጉኦምን ብዕጽፊ ክስግሙን ነቲ ቀይዲ ክበትኩን ከምዝኽእሉ ዘርኢ ሓይልን ወጥርን ሓዞም።  ሓራ ዝኾኑ ኮይኖም ተሰመዖም። ነቲ ንጉስ ገጸ-ገጹ ኣትኲሮም ብምጥማት ምኽሪ ክህብዎ ፍቃድ ሓተትዎ። ካብቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ብገለ ጫፉ ዝጀመረ ናይ ትሕምሕም ማዕበል እናበረኸ ከይዱስ “ ዕድል ሃብዎ….ዕድል ሃብዎ” ዝብል ጻውዒት ክቃላሕ ጀመረ።

እቶም ሽማግለ ነታ “ጎይታና” ትብል ልዑላውነት’ቲ ንጉስ እትገልጽ ተለጣፊት መዓርግ ኣትሪፎም ድማ ንመጀመርያ ግዜ ብስሙ ጸወዕዎ። “ ክብረት ህዝብኻ ብምኽባርን ጽቡቕ ብምስራሕን ’ዩ ዝርከብን ዝዕቀብን። ስምዓዮ በል’ዚ ባይቶ” በሉዎ። ናይ መወዳእታ ወስታ ምስ ገበሩላ ጭርኦም ጉና ጥራይ ኮይና ተሪፋ። እቶም ከሸግርዎም ዝወዓሉ ሃመማ እንታይ እዋኖምን በየንን ከምእተሸርቡ ዝፈለጠ ኣዝዩ ውሑድ ‘ዩ ነይሩ። ኣብኣ ከላ ድማ ብርቱዕ ሂምታ ናይ ነጎዳ ነቲ ኣዳራሽ ነቕነቖ። ኣዕንቲ ዝደጕሕ ማሕታ በርቂ ንመሳኵቲ’ቲ ኣዳራሽ ሰንጢቑ ገጽ ናይቶም ኣብ ማእከል ባይቶ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኣቦ ኮለዖ። እቶም’ቲ ኣኼባ ካብ ዝምጅር ክሳብ ሽዑ ዝሕርንኹ ዝነበሩ ሚኒስተራት’ውን ኣብ መናብሮም ኣይነበሩን። ምስቶም ሃመማ ‘ዮም ጭልጥ ኢሎም። እቶም ኣቦ ግን ጌና ኣብ ቦትኦም ነይሮም። ገጾም ናይ መንእሰይ ሓይልን ግርማን ዓሲልዎ ነበረ። “ እታ ሓቂ በሪቓ!” በሉ ብዓውታ። እቶም ኣኼበኛታት እውን ንነዊሕ እዋን ተሰሚዕዎም ዘይፈልጥ፤ መላሕሶም ከዕገርግርዎም ጀመሩ- ክወሳወሱ’ሞ ነታ ሓቂ ቶግ ከብሉ። እቲ ንጉስ ርእሱ ኣድኒኑ ንባይታ ጠመተ’ሞ ድሕሪ ብዙሕ ምሕሳብ ካልእ መዋጽኦ ስለዝይነበሮ ነቶም ኣቦ ክቅጽሉ ይሕብሮም። እቲ ርጉም ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ከደንን ንፋልማይ ግዚኡ ነይሩ። እታ መዓልቲ ፈላሚት ብዙሕ ነገራት ነይራ። “ መዓልቲ ሓርነት” ከድምጹ ዝተሰምዑ’ውን ነይሮም። እቶም ኣቦ ነገር ኣመል ኮይንዎም ነታ ጉና ጭርኦም እናጻወቱ ከምዚ በሉ ይበሃል።

 

ስሕብ ስሕብ፡ ኣብል ኣባጎብየ

ዓዲ ክንኣቱ፡ መሬት ከይመሰየ

ስሕብ ደኣ ኣብል፡ ገና’ዩ ‘ቲ ጉዕዞ

ብጎሰስ ደኣ ፡ከመይ’ልካ ክትወጾ

ሰሓብ ኣባጎብየ፡ ብእዋኑ ክንመንዕ

ጉዕዞና ነዊሕ’ዩ፡ ጎሰስ ነየደምዕ

ቅሩብ ደኣ ሰሓብ፡ ሕጂስ ኣኽፊእካ

ትኽስ ገደብ ኣለዎ ፡ብሱሩ ደንዚዝካ

ዓለም ቅድድም እያ፡ ኣባጎብየ

ጽቡቑን ጥዑሙን፡ ንዝጎየየ

ጉዳም ዛንታ፡ ጎብየ-ማንቲለ

‘ ተዓወተ የለን፡ ንዓኣ ‘ተኸተለ

ስሕብ ስሕብ ኣብል ፡ዓራርቦ ኮይኑ

ጎራሕ ማንቲለ፡ ኣትያ ብእዋኑ

ተተመላሊሳ፡ ለሴ ወዲኣቶ

ቆጽለ መጽሊ የለን፡ ቅልጥ ኣቢላቶ

ድንጋጸ የብላን፡ ጎራሕ ማንቲለ

ንሳ ወዲኣቶ፡ ንስኻ ኣብ ጅማረ

ከይትጸባጸብ፡ ቀደም ፈሪምካላ

ቅጥና ኣስሒቱካ፡ ንዒቕካዮ’ቲ ዝላ

ህላላ ልጓም’ልቦ፡ ግዜ’ንታይ’ለዎ

ግዜ፡ ግዜ’ኳ’ብሉን፡ ጸገምካ ክትጸውዮ

በራሪ’ዩ ግዜ፡ ንቅድሚት ዝሕንበብ

ብርኩ’ኳ ነይዓጽፍ፡ ከም ሕሱም ዝጋልብ

ለባም ማንቲለ፡ ቀም ምባል ገዲፋ

ስዕረት ሓንሳብ’ዩ፡ ኣካይዳ ኣጽፊፋ

ንስኻ ብናይ ትማል፡ ንሳ ብናይ ጽባሕ

መን’ዩ ዝመርሕ፡ መን’ዩ ዝምራሕ

ሃየ! ውዕዕይ በል፡ ንየው በሎ ዘገም

ሕፍንፍን በል ደኣ፡ ነዛ ጎራሕ ቀድም

ዘክር ጋእ-ማን ቀደም፡ ሳዋ ገጽካ ውረድ

ሰንፈላል ኮይና ዓዲ፡ሓዲኡ ክትወልድ

ረኣያ’ንዶ’ታ ዑፍ፡ ገዝኣ ዛዚማ

ትግረመልካ’ላ፡ ንግዳም ወጢማ

ደቃ ክተዕቢ ፡ምስ ግዜ ትፋለም

ክትነግረካ’ያ፡ ናይታ ዛንታ ጸገም

ኣዕዋፍ ክዝምራ፡ ጎረሮ ቃዕ ኢሉ

ዕንባባ መሮር፡ ብትጽቢት ቆምሲሉ

ጸሓይ ከይተረፈት፡ ብርሃና ጎዲሉ

ወርሒ’ታ ጎረቤት፡ ገሪምዋ ክሉ

ስሕብ ኣብል ኢኻ፡ቅሩብ ሕይልይል በል

ንስኻ ኣብ ጸሓይ፡ ‘ታጎራሕ ኣብ ጽላል

ንስኻ ኣብ ራህዲ፡ ንሳ ኣብ ጽሩይ ኣየር

ማርሻ ደኣ ቀይር፡ ቅሩብ ተበራበር

ሕፍንፍን በል፡ የማን ጸጋም ተዓዘብ

ቲፎዞኻ ተር ኢሎም፡ ብሪጋ ተላገብ

ጸሓይ ወዲኣቶም፡ ገና ሓደ ከይበልካ

ሕንከት ኣርኢ ጎብየ፡ ኣመና ደንዚዝካ

ሓጎግ ኮይንካ ጎብየ፡ ሕመቕ ጥራይ ትድርብ

ሓደው ሕፍንፍን በል፡ ሓደው መፍትሕ ኣረክብ

ሓደው ባዕልኻ ወስን፡ ሓደው ክነግሩኻ

ተሳዒርካ ጎብየ፡ ኣብ ዘይከውን ኣቲኻ

መፍትሕ እንዶ ሃቦም፡ ነቶም ቲፎዞ

ጉያ ደሓን እዮም፡ ኣብ ጎልጎለ-ጎቦ

መፍትሕ ኣረክቦም፡ መዓጹ ከርሕዉ

እተጨበጡ ኣብራኽ፡ መታን ክዝርግሑ

ዝደስከለ ሓንጎል፡ ሕፍንፍን ክብል

እተሰብረ ተስፋ፡ ዳግም ክጽገን

እተሎኽተ መልሓስ፡ ቃላት ክለጋግብ

ተሎ በል ጎብየ፡ ‘ቲ መፍትሕ ኣረክብ

ጎሰስ ኣየዋጽእን፡ ክራማት እናጕረምረመ

ውሕጅ ልቢ’ብሉን ፡ ንዝደኸመ

መንገዱ ሓንቲ’ያ፡ ከይጸራርገካ

ስሕብ ኣብል ጎብየ፡ ኣመና ደንዚዝካ

ናይ ሎሚ ቆልዑ፡ መራሕቲ መኪና

ሰሓብ ከይረግጹኻ፡ ክፉእ ከይረአና

ካሕሳ ኣይክህሉን፡ ሕጊ ንዝሰብር

ጥራይ ተሎ በል፡ መገዲ ተሳገር

ኩሉ ግዜ’ለዎ፡ ኣኺሉ ግዜኻ

ኣብ ዓዲ ጎብየ፡ ‘ወ ጎብየ ነይርካ

ኣብ ዓዲ ማንቲለ፡ ተሓዞ‘ታ ማንቲለ

ተሓዋዊሱና ክሉ፡ ግዜ’ውን ክልለ

ሓጎግ ኮይንካ ጎብየ፡ ሕመቕ ጥራይ ትድርብ

ሓደው ሕፍንፍን በል፡ ሓደው መፍትሕ ኣረክብ

ሓደው ባዕልኻ ወስን፡ ሓደው ክነግሩኻ

ተሳዒርካ ጎብየ፡ ኣብ ዘይከውን ኣቲኻ

……………………ኢሎም እቶም ኣቦ ኣቓልቦኦም ናብቲ ኣኼበኛ ብምዛር “ እሂ’ቱም ህዝቢ?” ሓተቱ። እቲ ህዝቢ ግን ድሮ ቀይድታት በቲኹ፡ ዝምርዖ ክምርዖ፡ ዝመሃር ክመሃር፡ ዝነግድ ክነግድ ዝዛረብ ክዛረብ ጀሚሩስ እቲ ከተማ ተራእዩ ዘይፈልጥ ንጥፈታት ይረኣየሉ ነይሩ። ጸሓይ ንይምሰል ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ጽባቐኣ ተርኢ ነይራ። ንዓመታት ኣእጋሮም ተቀፊዱ ዝነበረ ንጹሃት ከም ዕሸላት ብእግሮም ምኻድ ይላመዱ ነይሮም።ገሊኦም፡ “ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዲኹም ዘለኹም?” ክብሉ ከለዉ፤ ገሊኦም እውን ዓድና ካብቲ ንሶም ዝተጨውዩሉ ግዜ ዝነበረቶ ደረጃ ንድሕሪት ንነዊሕ ከምዘንሸራተተት ኣማሪሮም። “ እንታይ ደኣ ወሪዱክም?” ኢሎም ከኣ ገሲጾምና።

** ንዝኽሪ ብጸይተይን መምህረይን፡ ስውእቲ መምህር/ተጋዳሊት ኣልጋነሽ ገብረሂወት ትኹነለይ።

**ቴማ ናይዛ ጽሕፍትን ዘሰነየታ ግጥምን ኣይምጸልኣቶን ነይራ። ንስሉጥነት እትጣበብን ተጻዋሪትን ነይራ። እንተ እቲ ትግርኛይ ሕጂ’ውን ቀይሕ ምመልኣቶ ነይራ-ግን ምስ ፍሽኽታ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • kidane January 14, 2014

    Nezi kitgieta do tirihtsa.aye seb wata mela keyiru seb aytedakimo 15 amet zereba zereba halemti ajawat.

  • senselomay January 14, 2014

    bihaqi tsbuq miftash tibeb koyna rekibeya eza tshfti brigts swuat enqwae temelisom ayrueyuna kie ele mis hlnay;;

  • michael tedla January 14, 2014

    Gobie Ikonen wedi Gobie .tonkologna yes. Ferrah yes hasawi yes maltu akila sure tsahtsahi yes .berki zkonet hafti.

  • ምክአለ January 14, 2014

    ኪዳነ እንታይ ከተውጽኣሉ ነዚ ጽሑፍ ፡፡ክንዳካ ዘይኣክላስ ብኣካ ይወራዘያ ማሕሙድ ቀጽሎ ጽሑፋትካ መሳጢ እዋናዉን እዩ፡፡ ኣምለክቲ ውልቀ ሰብ ካብነብሶም ንቲ ነጅስ ሰብኣይ የምልኩ ንሶም ይፈትዉዎ ንሱ ግን ኣይፈትዎምን እዩ።

  • Sorobeti January 14, 2014

    Mahmud Salih
    satiric Eritrean reality and great poem.

    You are great, God bless you.

  • MightyEmbasoyra January 14, 2014

    Man, you are so good! Keep it up Mahmud!!!

  • negash January 16, 2014

    ኣቱም ሰባት ነገራት እንዳ በርሁ ይመጹ ኣሎዉ ጥራሕ ተስፋ ኣይንቁረጽ፥ ትፈዞ ኣባ ጎብየ ዊን ዓይኒ ሕፍረት ደኣ እምበር እታ ሓቅስ ፈሊጦማ ኣልዉ ከመይ ገርና ሒጂ ኒምለስ እዚ ኹሉ ሃውቲትና ትቢል ሕማቅ ነብሰ ምትሓት ደኣምበር ሳላ ቢቀረባ ኪከታተሉ ዘዓበየ ዕድል ዘሎዎም ጉዳዮም ሊኪዕ ጉዳይ ዩሁዳ ኣስቆሮታዊ ገርኩም ተረድእዎ

  • ambabi January 17, 2014

    I know we need to encourage them to condemn the dictator

  • kidane January 18, 2014

    you lairs how are u all off u. till now you lied for many years to satisfy your funder weyane and the ethiopian people. but i advuce you to participate in the coming election in ethiopia. i hope that you can win because you helped the weyanes and its people relentlesslly by betraying your people.

POST A COMMENT