Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንከተማ ሮማ ዘናወጸ ኣውያት መራሕቲ ህግደፍ

ኣፍንጫ እንድሕሪ ደኣ ተሃሪማ ዓይኒ ትነብዕ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ኣሎ። ርእሲ እንድሕሪ ደኣ ተሃሪማ ኸ፧ ብገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተወስደ ናይ ግብረ መልሲ ስርሒት ከም መወከሲ ምስ እንጥቀመሉ፡ “ኣፍ ተእዊ” ዝብል መልሲ ከም

ኣፍንጫ እንድሕሪ ደኣ ተሃሪማ ዓይኒ ትነብዕ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ኣሎ። ርእሲ እንድሕሪ ደኣ ተሃሪማ ኸ፧ ብገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተወስደ ናይ ግብረ መልሲ ስርሒት ከም መወከሲ ምስ እንጥቀመሉ፡ “ኣፍ ተእዊ” ዝብል መልሲ ከም እንረክብ ዘጠራጥር ኣይኮነን።  ከምይሲ፡ የማነ ማንኪ ርእሱ ተሃሪሙ ምስ ወደቐ ዘስመዖ ኣውያት ቆልዓ እውን ክደግሞ ስለ ዘይክእል። እዚ ክንብል ከለና፡ ንጎንጺ ምጥባቕ ከስምዕ ይኽእል እኳ እንተ ኮነ፡ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ ኢዩ። ዕላማ ናይዚ ጽሑፍ ድማ ንፍትሓውነት ናይቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝተወስደ ናይ ግብረ መልሲ ስጉምቲ ንምጽብራቕ ኢዩ።

የማነ ማንኪ ዝርከቦም ውሑዳት ኣዘዝትን ኣመሓደርትን ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ሞትን ብርሰትን ከም ዝገበርዎ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኮነን። እዞም ውሑዳት ምልካውያን ገበርቲ እከይ ናብ ልቦም ተመሊሶም ብሰለማዊ መንገዲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከረክቡሲ ይትረፍ፡ ሎምስ ኣሪግና ኢናሞ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ብደምን ርሃጽን ኤርትራውያን ዘኻዕበትናዮ ሃብቲ ይኣኽለና ኢዩ ኢሎም እውን ክእለዩ ዘይሕሰብ ኢዩ። እዚ ካብ ኮነ ዕጫ ኤርትራውያን፡ እቲ እንኮ መፍትሒ: እዞም ውሑዳት ምልካውያን ገበርቲ እከይ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ ተኣልዮም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ምድሓን ኢዩ። ፍትሓውነት ናይቲ ኣብ ሮማ ዝተወስደ ስጉምቲ እምበኣርከስ: ንውሑዳት ጠንቂ ብርሰት ዝኾን ሰባት ብተግባር ኣሊኻ ንዝበዝሐ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ኣብ ዝብል ዕላማ ዝተመርኮሰ ምዃኑ ኢዩ። ብይኾኑ ኢዮም ዝብል ጥርጣረ ገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ እኳ እንተ ኣተው፡ እቶም ናይ በሓቂ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ ደለይቲ ፍትሒ ንስለ ውጹዕ ህዝቦም ኢሎም ቁኑዕን ውጽኢታውን መንገዲ ብምምራጾም: ጀጋኑን ፍትሓውያንን ምዃኖም ኢዩ ዘረድእ። እቲ ዘስደምም ነገር ግን ሓደ ቀታሊ ሰብ ካብ ሕጊ ዘይብሉ ሃገር ናብ ሕጊ ዘለዎ ሃገር መጺኡ ንንጹሃት ሰባት ብቕትለት ክሲ ክምስርተሎም ከሎ ኢዩ። የማነ ማንኪ ርእሰይ ተሃሪመ ኢሉ ወላ ክሲ ይመስርት ደኣ እምበር: ማህረምቲ ርእሱ ምስ ማህረምቲ ርእሲ ማእከላይ ምሕደራ ህግደፍ ጥራይ ኢዩ ክተኣሳሰር ዝግበኦ።

ንሕሰም ፈለማ ብዓቕሊ ምሕላፉ ናይ ለባም ህዝቢ ባህሪ እዩ። ሕሰም ግና ደረት ኣለዎ። ደረቱ ምስ ሓለፈ ናይ ህዝቢ ቑጠዓ መላሲ የብሉን። እታ ደረት ዝፈልጣ`ውን እቲ ህዝቢ ባዕሉ ይኸውን፡ እንበር ካሊእ ክሕብሮ ኣይክእልን። ካብ ህዝቢ ዝገንፈለ ቑጠዐ ከኣ ነባሪ ለውጢ ከምጽእ ባህርያዊ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ጾር ኣቓሊለ እናበለ፡ ከይተጸበዮ ኣንፈቱ ክስሕት ዝገበሩ ከም ቁርዲድ ኣብ ዝባኑ ጠቢቖም ደም ዝመጽዩ ኣጋጢሞምዎ ይርከቡ። ናተይ ብዝበሎም ግና ስርሖም ዘበለ ካብ ናይ`ቶም ባዕዳውያን ዝኸፈአ ኣደራዕ የውርድሉ ኣለዉ። ኣቦታትና ክምስሉ “ዝኣመንካዮ ኣይጥለምካ” ይብሉ። ሓቆም እዮም። ነቲ ዘይኣመንካዮስ ተጠንቒቕካ ኣብ ደምበኻ ከይኣቱ ትሕልዎ። ወዮ ዝኣመንካዮ ግና ኣብ ውሻጠኻ ኣትዩ ክሳዕ ዘሳፍሕን፡ ብገዛእ ቤትካ ብውሽጢ ልዳትካ ዓጽዩ ኣይወጽእን ክሳብ ዝብል ከገርሃካ ብግብሪ ንሪኦ ኣለና። ቤትካ ግና ቤትካ ሙኻኑ ስለ ዘይተርፎ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሜላን ፍትሓዊ ዕላማን ብዝተሓወሶ ጎነጽ፡ ነቲ ደፋር ሉኽመኛ ምውጽኡ ኣይክተርፍን ኢዩ።

እዞም ትብዓት ዝሰነቑ ደለይቲ ፍትሒ እምበኣር፡ ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትና ዓቕሎም ጸንቒቖም፡ ካብ ልስሉስ ተቓውሞ ናብ ፍትሓዊ ጎነጽ ዝተሓወሶ ስጉምቲ ከም ዝተሰጋገሩ ዘርኢ ኣብነት እዩ። ክንደይ ባሕሪን ምድረበዳን ሓሊፎም ብሰላም ክንነብረሉ ኢና ኢሎም ብሂጎም ዝመጽእዎ ሃገር፡ ስድራ ቤቶምን ዓዶምን ሓዲጎም ሃጽ ኢሎም ንኽጠፍኡ ዝገብርዎም ዓመጽቲ ደድሕሪኦም እናመጹ ሰላም ምስ ከልእዎም፡ ከመይ ዓቕሎም ዘይጽንቐቕ።

እዞም መንእሰያት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ንህግደፍ ራዕዲ ከም ዝፈጠረሎም ዘረጋግጽ ሓደ ሓቂ ኣሎ።  ንሱ ድማ የማነ ማንክን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢታልያን ዝኣኽሉ ተሃሪሞሞ ከብቅዕ: ህግደፍ ነዚ ጉዳይ ብዕብጥብጥ ክሓልፎ ምፍታኑ ኢዩ። ከም ቀደሙ ሓለንጊ ሰውራዶ ኣርሒቕካ ዝኣሰርካያ ደርሆዶ እንዳበል ክፍክር ኣይተራእየን። እቲ ንህዝቢ ኣርዒዱ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝጽዕር ምልካዊ ስርዓት፡ ፍርሒ ከም ዝተሳዕረን ንሱ እውን ከም ዝተደፍረን ከይገሃድ ኣብ ናይ ቅበሮ ቅበሮ ወፍሪ ጥራይ ኢዩ ተተኺሉ ዘሎ። ገበርቲ እከይ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝኸዱ እንተኸዱ ደረቶም ነፊሖም ሸናዕ ዝብልሉ ግዜ ብምብቅዑ ዝሽቚረሩ ንሶም እቶም ገበርቲ እከይ ጥራይ ኢዮም። እዚ ኣብ ሮማ ዝተወስደ ስጉምቲ ድማ ልሑኽ እናበለ ናብ ማእከል ዓዲ ኣትዩ ድቃስ ከም ዝኸልኦም መተሓሳሰቢ መቸም ኣየድልዮምን ይኸውን።

ውድቀት ህግደፍ ክቀላጠፍ፡ እቶም ተበዲልና ኢና ንብል፡ ብፍላይ ድማ ንፍትሒ ንጠልብ ዘለና፡ ከይተሓለልና: ነታ ክንዲ ጸጸር ትኸውን ፍልልይና ወጊድ ኢልና ምትሕግጋዝ ከድልየና እዩ። ብውልቂ ይኹን፡ ብጉጅለ ንዝውሰድ ስጉምትታት ከነተባብዕ እምበር ከነነኣእስ ኣይግባእን። ኩሉ ሰብ አእጃሙ እንድሕሪ ደኣ ጌሩ ሕሰምና ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ከም ዘብቅዕ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ቃልስና ስርዓት ንምንጋስ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብኡ ንምብጻሕ ግና ንጸላኢና ብዝርድኦ ቋንቋ ምዝራቡ የድሊ። ከሚኡ እውን ህግደፍ ነቲ ኣብ ቃልሲ ዝነበሮ ኣሉታዊ ተራ ቀቢሩ፡ ንታሪኽን መንነትን ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ ሰርቑ፡ በዚ ናይ ሎሚ ተግባራቱን ውዲታቱን ንናይ ጽባሕ ዕድላት ሃገርና ኣጥፊኡ ክጠፍእ ከይደቀሰ ኣብ ዝሓድረሉ ዘሎ እዋን፡ ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ምእላይ እዚ ገባር እከይ ስርዓትን ምዕቃብ ክብርታትናን ምውሓስ ሓድነትናን ክንጽዕር ይግበኣና። ህግደፍ ጸጽቡቑ ካብ ህዝብና ሰሪቑ ናተይ ኢዩ እንተ በለ፡ ሐሕማቑ ካብ ተግባራቱ መሪጹ ናትኩም ኢዩ እንተ በለና፡ በዚ ክንደናገር ኣይግበኣናን። ንተግባራት ህግደፍን እከይ ዕላማታቱን ብግቡእ ምስ ንርዳእ ጥራይ ኢና ናይ’ቲ ብመልክዕ ዓድን ሃይማኖትን ታሪኽን ካልእን ገኒዙ ዘካይዶ ወራራት ግዳያት ከይንኸውን ክንከላኸል እንኽእል። ደጊም ክብሪ ኤርትራውያን ናብ ቦትኡ ዝምለሰሉን ሽግር ኣብቂዑ ንብዓት ወለዲ ዝሕበሰሉን ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ከቢሮም ሂወቶም ዝመርሕሉን ኩነታት ንምፍጣር ብግብሪ ንቃለስ። ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ሞራል ነስንቐሉ እዋን እንበር፡ ሞራል ህዝቢ ዝሰብር ፍልልያት ብመጉልሒ መስትያት እነናድየሉ ግዜ ኣይኮነን።

ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ስርሒት ዝፈጸሙ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ፡ ደለይቲ ፍትሒ ብምዃኖም ጥራይ ሞራላውን ገንዘባውን ምትሕብባርና ከድልዮም ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዓት ምስ እነዘውትር ኢና ድማ ጽባሕ ንግሆ ጀጋኑ መንእሰያት ብኣሽሓትን ብቐጻልን ናብ ደምበ ፍትሒ ንኽውሕዙ መንገዲ ውሕጅ ክንጸርግ ንኽእል።

ፍትሓዊ ቃልሲ ክሳብ ዓወት

መርበብ ተቓለስቲ ኤርትራውያን

ምንቅስቓስ ከኾብ ሰሜን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Eden July 24, 2017

    Excellent article. Thank you, this is yhe begening of the end for pfdj.

  • Eden July 24, 2017

    Excellent article. The begining of the end for pfdj.

  • k.tewolde July 24, 2017

    ‘ቃልስና ስርዓት ንምንጋስ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብኡ ንምብጻሕ ግና ንጸላኢና ብዝርድኦ ቋንቋ ምዝራቡ የድሊ።’ Indeed,breaking one jaw at a time,they can afford to have reconstructive surgery with the money they stole from the Eritrean people,but one thing is for sure,they can’t reconstruct the fake crumbling Empire they erected on the foundation of quick sand of lies and deceit. Hurrah Northern Star.

  • Nahon July 24, 2017

    “ናተይ ብዝበሎም ግና ስርሖም ዘበለ ካብ ናይ`ቶም ባዕዳውያን ዝኸፈአ ኣደራዕ የውርድሉ ኣለዉ። ኣቦታትና ክምስሉ “ዝኣመንካዮ ኣይጥለምካ” ይብሉ። ”

    መርበብ ተቓለስቲ ኤርትራውያን
    ምንቅስቓስ ከኾብ ሰሜን

  • sara July 24, 2017

    Assenna needs to start fund raising for those heros for their legal expenses to help justice to speak louder than injustice. We need to help but no open channels. Assena can make a big impact.

    • Nahon July 26, 2017

      Start looking for lawyers who support human rights organizations.
      This could be done with the help of Italian and European human rights organizations.
      The incident has a political context, and well documented human rights abuses of a brutal dictatorship.

  • ገረዝጊሀር July 25, 2017

    ጎነጽ መፍቲሒ ሽግር ኣይኮነነን”ሓደ ሓደ ግዚየ ግን መፍቲሒ ሽግር ኢዩ”።ህግደፍ ብጎነጽ እምበር ብልዝብኽእለ ኣይክእልን።

  • Aron fist July 25, 2017

    የቀንየልና ደለይቲ ፍትሒ ስርሒት ሮማ ተዳኺምና ነርና ብ Monkey business መንክስ እንተተሰብረት ዘረባ ተዕርፍ.

  • Berhane Habte July 26, 2017

    Next time please kill the Ass-whole

  • amanuel July 27, 2017

    Hgdf will deceive itself like the derg till the end. The few at the top though know that we the people hate them and are very frastrated. They are visibly involved in a denial defense mechanism. But until when?

  • amanuel July 28, 2017

    Smashing the heads of hgdf criminals anywhere they are is the right step in the right direction.