Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኮፊ ኣናንሲ ዘይናቱ ድኣ ኣይንሃቦ

ሞት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ.) ነበር ኮፊ ኣናን ካብ ቀንዲ ዓበይቲ ዜናታት ዓለም ኮይኑ ምቕናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝበዝሕ ንኤርትራ ዝምልከት ማዕከናት ዜና ግን፡ ወይ ከም ተራ ዜና ኮይኑዩ ተሰጊሩ ወይ ድማ ፈጺሙ

ሞት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው.ሕ.ሃ.) ነበር ኮፊ ኣናን ካብ ቀንዲ ዓበይቲ ዜናታት ዓለም ኮይኑ ምቕናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝበዝሕ ንኤርትራ ዝምልከት ማዕከናት ዜና ግን፡ ወይ ከም ተራ ዜና ኮይኑዩ ተሰጊሩ ወይ ድማ ፈጺሙ ኣይተቓልሐን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ንስሙ ዘጸልም ኣሉታዊ ዜና ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ (social media) ክረአ ጸኒሑ`ሎ። ከም ኣብነት፡ ሓደ ካብ መራሕቲ 03ተን ናይ ህግደፍ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ሰራዊትን ምዃኑ ዝፍለጥ ዶር. ጊደዎን ኣባይ፡ ኣብ ናይ ትዊተር ጽሑፉ ከምዚ ይብል። “ኣምላኽ ንነፍሲ ኮፊ ኣናን ይምሓር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝፈጸሞ በደል ግን ክንርስዖ ኣይንኽእልን።” ቀጺሉ “መጣቕዒን፡ ናይ ኣመሪካን ኢትዮጵያን መጋበርያ`ዩ ኔሩ” ብምባል ይዅንኖ። እቶም ዝተረፉ ናይ ትዊተር ሰራዊት ድማ ኣብ ልዕሊ`ቲ ዋና ጸሓፊ ነበር ተተቐባቢሎም ናይ ኵነኔ ቃላቶም ኣዝነቡ። እሞ ኮፊ ኣናን ብሓቂ ጸላኢ ሃገርና ድዩ ኔሩ?

ኮፊ ኣናን ኣብ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ዕላዊ ምብጻሕ ምግባሩ ይፍለጥ። ቀዳማይ ዑደቱ፡ ደድሕሪ ምውዳእ ኲናት ኤርትሮ-ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ  ኣብ 2004 ዝተፈጸመ ነበረ። ኣብቲ ቀዳማይ ምብጽሑ፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ነቲ ዋና ጸሓፊ ዝግባእ ክብሪ ከምዘይሃቦን፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ክራኸቦ ከምዘይደለየን ኣብቲ እዋንቲ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ኤርትራውያን ይነግሩ። ገለ ውሑዳት ካብዞም ሰበስልጣን “ዓለምከ እንታይ ክትብለና፡ የኽፍኣልናዩ” ብምባል ብልመናን ምቅብጣርን ከምዝረኽቦ ገበሩ። እቲ ናይ 2004ን ምብጻሕ`ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይነበረን፡ ምኽንያቱ ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ው.ሕ. ሃገራትን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወሪዱ ስለዝነበረ፡፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ካልኣይ ዑደቱ ድማ ንምዕጻው ቤ.ጽ. ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ው.ሕ.ሃ. ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ናይ መወዳእታ ርክቡ፡ ርእይቶኡ ብዛዕባ ምዕዋት ውዕል ሰላም ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተሓተ፡ “ኣብ ዓለምና ናይ ዶብ ግጭት ኣብ መንጎ ብዙሓት ሃገራት`ዩ ዘሎ፡ ኲናት ግን መፍትሒ ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል፡ ንኣፈታትሓ ግጭት ዶብ ብዝምልከት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብቲ ናይ ሓውሲ ደሴት ባካሲ (Bakassi Peninsula) ኣብ መንጎ ናይጀርያን ካመሩንን ተመክሮ ክመሃሩ መዓደ። ኵላትና ከም እንፈልጦ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክመሃሩስ ይትረፍ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ተጻብኦ ፖሊሲ ድኣ ተኸተሉ፡ ካብኡ ሓሊፎም`ውን ናብ ኩነት ኣይሰላም-ኣይኲናት ኣሰጋገርዎን፡ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ድማ ኣደዳ ስደትን ከርተትን ኮኑን ናይ መጻኢ ዕድሎም ባኺኑ ተረፈን።

ንኣበርክቶ ኮፊ ኣናን ዝምልከት ነዞም ዝስዕቡ ውሑዳት ጭብጥታት ምርኣይ ጠቓሚ ይመስለኒ። ብ1998 `ናይ ዶብ ግጭት` ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ጀመረ፡ ው.ሕ.ሃ. ብመሪሕነት ኮፊ ኣናንን፡ ምትሕብባር ካልኦት ሃገራትን፡ 1) ኲናት ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ከይድይብ፡ 2) ኲናት ምስቀጸለ`ውን ደው ንምባሉ፡ 3) ክልቲአን ሃገራት ውዕል ሰላም ከምዝቕበላ ኣብ ምግባርን፡ 4) ኣብ ምቛም ልኡኽ ዓቃብ ሰላምን ዓቢ ግደ ከምእተጻወተ ምዝካር የድሊ።  ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ው.ሕ.ሃ. ስርሑ ኣብ ምውሓስ ሰላም ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ነቲ ኣብ ፈቐዶ ቦታ ተዘሪኡ ዝነበረ ፈንጂታት ጸሪጉ ህዝቢ ናብ ዓድታቱ ከምዝምለስን መሬቱ ከምዝሓርስን ገበረ፡ ነቲ እቶም ክልተ መንግስታት “ኣይናተይን፡ ኣይናተይን`ባ’ ብምባል ምቕባር ኣብዮሞ ንዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቝጸር ሬሳ ንጹሃት ዜጋታት ክልቲኡ ሃገር ምቕባር`ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ስርሑ ኮይኑ ነበረ።

መበገሲ`ቲ ወቐሳታት ኣብ ልዕሊ ኮፊ ኣናን፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ክትቅበል ጸቕጢ ዘይገበረ ተባሂሉ ምዃኑ ምግማት ይከኣል። እዚ ግን ንኣሰራርሓ ው.ሕ.ሃ. ድብ ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ስምዒታዊ እዩ ዝመስል። ብተግባር ክረአ ከሎ፡ ው.ሕ.ሃ. ብርእሰ-ሃያላን ዝዕብለል፡ እንካን-ሃባን ዝበዝሖ፡ ካብ ናጻ ጕባኤ ሃገራት ክትብሎ ምስ ሓደ ዓቢ ክለብ ከተመሳስሎ`ዩ ዝቐልል። ሃገራት ኣብ ውሽጢ እቲ ማሕበርን ካብኡ ወጻእን ዝህልወን ዲፕሎማስያውን ምሕዝነታውን ዝምድናታት ከኣ ቀንዲ ጸላዊ ረቛሒ ናይ ዝውሃቡ ውሳነታት`ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ብደረጃ ኣፍሪቃን ዓለምን ዘለዎ ዝምድና ኣብ ው.ሕ.ሃ. ብቐጥታ ይንጸባረቕ፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ፖሊሲን ኣፈጻጽማኡን ርኢኻ፡ ምሕርፋፍ ዝምድና ሃገርና ምስ ው.ሕ. ሃገራትን ካልኦት ክገርመና የብሉን። ንተነጽሎ ኤርትራ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለምን ዘስዓቦ ዲፕሎማስያዊ ክሳራን ቀንዲ ተሓተትቲ መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ድኣምበር ኮፊ ኣናን ወይ መራሕቲ ካልኦት ሃገራት ክኾኑ ኣይክእሉን። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ፡ ንተነጽሎ ኤርትራ መራሕቲ ህግደፍ ከም ቀንዲ ፖሊሲ ከምዝሰርሑሉ እዩ፡ ምኽንያቱ ምንጪ ፖለቲካዊ ረብሓኦም ስለዝኾነ።

ኮፊ ኣናን፡ ከም ምስክርነት ንዘይሕለል ጻዕሩን ተወፋይነቱን ንሰላም፡ ንኣብ ዕርቂን ምርድዳእን ዘለዎ ዘይጸዓድ እምነትን ብቕዓትን፡ ተሸላሚ ናይ ሰላም ስልማት ኖቤል ኮይኑ`ዩ። ንድሕነት ህዝብና ንዘበርከቶ፡ ግቡእ ኣኽብሮት ክንህቦ`ኳ እንተዘከይኣልና፡ ስሙ ናብ ምጽላም ምጕያይናስ ደረጃ ሞራላዊ ውድቀትና ጥራይ`ዩ ዘመልክት።

መብራህቱ ኣተወብርሃን

ለንደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Hilna September 22, 2018

    Mr Kofi Anan, RIP.
    You will be remembered as a pride of black Africa who became the first black UN General Secretary.

  • Zemen yemane September 22, 2018

    Sorry bezhu neger segirka aleka.abe xehufka. ezi Kofi Anan he didn’t play his part.never don’t lie. Isias kemzi gerwo,isias ab airport auteqbelon.i don’t care about isias. What did he (Kofi Anan) do for Eritrean people? African union,Un,IGAD, Kofi Anan same shitttttt. Mara tenoquna alekum. Amanuel kaa qedmi xuhuf mewxaka entay yeble yekwen kemay temherti zelown zeyblun bekemy yeryo Elka hesebelu. Abxelmat ketenbruna aytefetnu.

    • Yohan September 23, 2018

      May be your Eritrea was not part of Kofi Anan’s united nations {UN},
      could it be in a different planet? Nonetheless, he should be respected and RIP.

        • Zemen yemane September 23, 2018

          Ayeee Amanuel,dose it matter what nickname I use? Is that a new rule from assena? Don’t even try to dictate me what to use or not if don’t like my comments say it or not u can delete my comments.

    • Berhane Haile September 23, 2018

      ጥዕና ኣሎካ ድዩ ዘመን፡ መጀመርያ ዝኾነ ሰብ ርእይቶኡ ክጽሕፍ መሰሉ ምዃኑ ፍለጥ። ካልእእይ ነገር ጽፉፍ ቃላት ተጠቐም። ሳልሳይ ነገር ኣማኒኤል ምእንጋድ እዩ ስርሑ። ንሰባት ከምዚ ጸሓፉ ወይ ኣይትጽሓፉ ክብል ኣይክእልን እዩ። ከምኡ ዝብል እንተ ዝኸውን ነይሩ መጀመርያ ንዓኻ ምኸልከልካ፡ ምኽንያቱ ስነስርዓት ዘሎዎ ኣጸሓሕፋ ኣይተጠቐምካን። ራብዓይ ነገር ባዕልኻ ኣብ ጸልማት ክትእእቱ እንተ ደሊኻ ምርጫኻ እዩ። ምኽንያቱ ሎሚ ዘበነ ቴክኖሎጂ ስለ ዝኾነ። ካብኡ በለ ኣብ ጸልማት ክንብረካ ዝደሊ ሰብ የሎን፡ እንተ ተረኺቡ ከኣ ብግቡእ መክቶ።

      • Zemen yemane September 23, 2018

        Mulu tenaa bezab hasbatey du zegedeseka Wala kemy gere yexehef bezaba temhertka yeqnyeley. Mejemerya bezabaka felet.

  • Sol September 23, 2018

    It is very regrettable to see some individuals going very low in the expense of their dignity and conscience to defend a dictator who engineered all the tragedies of our people.

Post a Reply to Berhane Haile Cancel Reply