Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኽትጠፍእ ከምዛ ዋዛ- ትጸበያለኻ ንቓሬዛ

                                   Tesfamariam Wel. 17/08/2015 Norway   ኣንታ ህዝቢ እንታይኻ በዲልካ? እዚ ኹሉ ተንኮል ኣብ ልዕለኻ ክንዲ ዝቐለብካ ዝሓብሓብካ ሓንጎፋይ ኢልካ ሰብ መሲሉካ ቅንይ ተልካስ ቀዳሞት ጸላእትኻ   ርስትኻ መሬትካ ገዛኻ ተዘሚትካ ወሊድካ ከምዘይ ወለድካ ገረሙኻ ዘላኣለም ባርያ ህግደፍ ክትከውኒኻ ዘይተነግረሉ ስዉእ ኢኻ ኮንካ ዘለኻ   ብዘይ ከውን ኢኻ ትቕንጸልዘለኻ ንሞት

                                   Tesfamariam Wel.

17/08/2015 Norway

 

ኣንታ ህዝቢ እንታይኻ በዲልካ?

እዚ ኹሉ ተንኮል ኣብ ልዕለኻ

ክንዲ ዝቐለብካ ዝሓብሓብካ

ሓንጎፋይ ኢልካ ሰብ መሲሉካ

ቅንይ ተልካስ ቀዳሞት ጸላእትኻ

 

ርስትኻ መሬትካ ገዛኻ ተዘሚትካ

ወሊድካ ከምዘይ ወለድካ ገረሙኻ

ዘላኣለም ባርያ ህግደፍ ክትከውኒኻ

ዘይተነግረሉ ስዉእ ኢኻ ኮንካ ዘለኻ

 

ብዘይ ከውን ኢኻ ትቕንጸልዘለኻ

ንሞት ከም ዕቁብ ብተራ ትጽበ ዘለኻ

ብረት ተሓንጊጥካ ኣብ ጎኒ ማእገርካ

ገዛኻ ናፈረሰ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ

ንሎሚ ዘይኮነ ድኣ ንመዓስዩ ዓቕምኻ

 

ኣብ ዓዲ ዘለኹም ሕመቕ ኣጥቂዑኩም

መከራ ትፍደይዎ ዘለኹም ንስኹም

ሓቦ ግበሩ ንሕናውን ክንሕግዘኩም

ሞት ኣይትጸበዩ ክሳብ ትኣቱ ቤትኩም

 

ካብ ህግደፍ ቃረዛ ጥራያ ትጽቢትኩም

ታሪኽ ጀጋኑ ሕሉፍ ኣብነት ኣለኩም

ቅያ ዝሰርሑ ምእንታና ምእንታኹም

ግዜኹም ኣይተጥፍኡ ተኾራሚኹም

 

ህግደፍ ሻማሻማ ንዘይንብረቶም

ክዘምቱ ጀመሩ ማዓጹ ሰባቢሮም

ህዝቢ ደንጽዩዎ በቲ ተግባራቶም

ህግደፍ ቁርሱሳት ጨው እግሮም

ነዚኦም ኣጥፍኡ ክትነብሩ ብሰላም

 

መሬትና ምድረ በዳ ሰሃራ ኮይኑ

ዝብላዕ ዝስተ ጥር ዝብል ተሳኢኑ

ተካላይ ህዝቢ ብኸብዱ ተጨኲኑ

ሕጉስ ዝነበረ ግዜ ህግደፍ ሓዚኑ

ደቁ ንሃገሩ ዝወፈየ ጻሙኡ ሲኢኑ

 

ክንዲ ዝርህዎ ብመግዛእቲ ተቖሪኑ

ሃገር ዘውሕሱ ገዲፎም ንዓና ዝኾኑ

ጠላማት ተኪኡዋ ህዝቢ ዝጩኩኑ

ብሕጊ ናይ ጫካ ዘሕቐቑ ንጀጋኑ

 

ሓቂ ንዝተዛረቡ ቀንጺሎም ከወግኑ

ብዘይ ገለ በደል ህዝቢ ሓመድ ከስሕኑ

ቀኒዖም ዘይሰርሑ ብዘይካ ንህዘቦ ከሕዝኑ

ብደቂ በረኻ ንምራሕ ኣለና ሰብ ተሳኢኑ

 

ከም ህግደፍ ሓሳድ ቀናእ የለን ኣብ ዓለም

ክዳን ተጻዕደኻ ብቕንኢ ዓቕሎም ዝጸቦም

ንዝጠመየን ንዝሸገሮን ክሪኡ ደስ ዝብሎም

ህዝቢ ክሽግሮን ክኸፍኦን ጥራዩ ሕልሞም

ዘይ ጎይቶት ጎይታይ እናበለ ክሰግደሎም

ላንድኩሮዘር ተዘዎሩ ፈላጣት ዝመስሎም

 

ከተማና ተበላሽዩ በዞም ቀራናት ደቂ በረኻ

ሃገርና ኣጸልሚቶማ ተደዊና ግርማኣ ተሓኺኻ

ጽሩይ ጽርግያታትና ተቐይሩ ናብ ረሳሕ ዋላኻ

ዘየተኣማምን ብሽንተማይ ከይወሓጥ እግርኻ

ቀደም ትፈልጣ ከተማና እንታይ ትብልላለኻ

 

ኣስመራ ውቅብቲ መልክዓ ተዳሂሉ

ካምፖቺታቶ መናድቓ ጠልጠል ኢሉ

ንኽትዛወር ትስከፍ ከይወድቕ ዱብሉ

ማዘጋጃ ቤት ዘጽንሓ ሓጺቡ ወላዊሉ

ሎሚ ግን ኣብ ማእገራ ርስሓት በቍሉ

ኣላዪ ሲኢና የድሕነና መዓልታ ኣኺሉ

 

ናብራ ህዝቢ ኣብ ጸላም ብዘይ ማይ

ዓይነ ስዉር ኮይኑ ኣስላማይ ክስታናይ

ህዝቢ ተበሳቢሱ ብናይ ሰይጣን ዛቑናይ

ገዛውቱ ምሰዕነዉሉ ዓንቃዕሪሩንሰማይ

 

ህዝቢ ኣሲሮሞ ቀቲሎሞ ምውዳእ ኣብዩ

መንእሰይ ተገፊፉ ሕልፈቱ ሳዋ ተደርቢዩ

ከይንፋረ ከይምርዓዉ ዶብ ክሕሉ በልዩ

ዓደቡኡ ተዘሚቱ ጸባ ጸገብ ዝነበረ ዓንዩ

 

ሰሚዕና ኣብ ሆስፒዳል ቁንጨቱኳን

ኣግሂደን ክዘረባ እመብዛ ምስመረረን

ሩሑቕ ከይከድና ኣብ ከተማ ከረን

ሕርሲ ዝሓዘን ዝገብርኦ ጨኒቑወን

ዝስተስ ይትረፍ ጥር እኳ መሕጸቢአን

 

ሆስፒታላት ህግደፍ ጋራጅ ዝመስል

ደሓን ኣቲኻስ ኣብ ምውጻእካ ትቖስል

ክድን ዝኣተወ ኣብ ምውጽኡ ክምብል

ሃገር ትጽበላ ሓኪም ሕማማ ዘቐምስል

ሃገርና ንፈውሳ ከም ዓለማ ክትመስል

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde August 19, 2015

    He armed you, he told you, ‘feshilna’, basically ,he saying , i am tired , get rid of me ,what you waiting for?

  • Berhe Tenesea August 19, 2015

    As long as people choose the dictator and dancing the kareza will be very busy.

POST A COMMENT