Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዓመታ’ሞ ግድን ሓዲኡ ኣሎ።

ንዓመታ’ሞ ግድን ሓዲኡ ኣሎ።      26.01.2016፡ WEDI DIMBEZANon January 16, 2016 at 10:26 pm said: “ከምቲ ኣዴታትና ዝበልኦ “ጉልቻ ምቅይያር ነቲ ጸብሒ ኣየመቅሮን”። እቲ ጉዳይ ካብቲ ሱሩ ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰን ናይ ባዕዲ ባ ህሊ ዘዅርዖ ቃልሲ ፣እቲ ውሽጡ ውሽጡ ንሕና

ንዓመታ’ሞ ግድን ሓዲኡ ኣሎ።      26.01.2016፡

  1. WEDI DIMBEZANon January 16, 2016 at 10:26 pm said:

“ከምቲ ኣዴታትና ዝበልኦ “ጉልቻ ምቅይያር ነቲ ጸብሒ ኣየመቅሮን”። እቲ ጉዳይ ካብቲ ሱሩ ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰን ናይ ባዕዲ ባ ህሊ ዘዅርዖ ቃልሲ ፣እቲ ውሽጡ ውሽጡ ንሕና ካብዘን ጥላም ዝወድያ ዓጋመን, ጥረ ስጋ ዝበልዓ ኣምሓራን ዝሰልጠንና ኢና ዝብ ል ኣጉል ውሽጣዊ ከንቱ ሓበን ዘበገሶ መምርሒ ሕጂ ብቸረቶ/band aid ኣጣቢቕካ ዕላማ ኣይስራሕን። ብካ ኣእማን ጁዋፋ/juice ክትጸሙቕ ከም ምፍታን እዩ።”                                                                                                          ——————————————————————————————————————————————

ኣቐዲመ “እንኳዕ ገጽን ቃላትን ክቡር ፕሪሲደንትና ኣርኣየናን ኣስማዓናን” ክብል እፈቱ።

ቀጺለ ንምንታይ’ቲ ናይ ሓድሽ ዓመት ቃለ-መሕትት ፕረሲደንት ኣብ ጥሪ 21 ክቐርብ ከምተደለየ ንዝምልከት ክብሎ ዝደለኹ እና ሃለወ፡ ከምቲ በታ ዕለት’ቲኣ ሕልፈት ውፉያት ደቂ-ህዝቢ ዝተራእየ፡ ሕልፈት ናይቲ ነብሱ ብቀመማት ነፋፊሑን ብሽብርያ ጓል ሽ ብርያ ኮሓሒሉን ዝቐረበና ስኑዕ ምስልን ምስሩሕ ፖለቲካን ከምዘስዕብ ስለዝርዳኣኒ፡ ከይበልኩዎ ከምዝርደኣኩም ብነብሱ ተረዲእ ኒ ከምዝገደፍኩዎ ክትርድኡለይ እትስፎ። ብዝኾነ እንኳዕ ምስ ‘መልእኽቲ ዮሃና’ ክቡር ፕረሲደንትና ተራኸብና! ብሂወቱ ካብ ተቐ ልቀለስ መዛዘሚ ሓሳብ ሕብእቲ ሰልፍና ተንጠልጢላ ትጽናሓለይ ኢለለኹ “ክንዲ ንጠይቁ ምድራዑሲ” . . . ኢለ ግዲ ኮይነ።

ሓደ ግዜስ ሓደ ግዱስ ዜጋ ጸሓፊ ንፖለቲካዊ ኩነታትና ብቲ “ቶምን ጀርን” ዝስመ ብውክልና ድሙን ኣንጭዋን ዝተመሰለ ካርቱን ወኪሉ ንዘቕረቦ ጉርሓዊ ቁርቁስና ተዓዚበ ክንደይ’ዃድኣ ከምተመሰጥኩሉ’ውን እዝክር። እንሆ ጉርሒ ተምን ጀርን ይቕጽል፦

“ . . . . ናይ 2016 ከይርሕቀና ምእንቲ፡ ኣብ 2015 ናይ ብሓቂ ናበይ ገጽና ክንነጥፍ ከምንኽእል ወይ ናበይ ገጽና ክንከይድ ከምንኽ እል ከተንህረና ወይ ከተረደኣና ዘለዋ ዓመት ኢያ ኢልና ኢና ንዛረብ ኣብዚ ዘለናዮ ምኽንያቱ፡ . . . . ኣብ ኣፈፌት በጺሕና ኣለና’ሞ 2015 ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግረና ዓመት’ዩ። . . . . ድሕሪኡ 2 ዓመት ድዩ 3 ዓመ ት እንታይ ይመስል’ቲ ኣድማስ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ክንሪኦ ንኽእል ኢና። ስለዚ ዓቕሊ ጌርና’ዛ 2015 ኣብ ፍርቂ ንብጻሓያ’ሞ ድሕሪኡ ምናልባሽ ቃለ-መጠይቕ እንተጌርካ ክነግረካ ይኽእል’የ”

ዓሚ ከምዚ ሎሚ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2015’ዩ ነይሩ’ዚ ዘረባ’ዚ። ንሱ በቲ ግዜ’ቲ ‘ነቒለ’ እናበለ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እንተተሪፉ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ሃገርና ናበይ ገጻ ከምትምርሽ ክነግረና ምዃኑ ገሊጹልና ነበረ። ሽዑ ‘ታይ ተጸቢኹም ኔርኩም?

ሎሚ ዓመት ድማ ኮነ። እታ ንቕሎ ተመሓይሻ ግዲ ጋዜጠኛታት ካብ ቆጸርኦም ሽዱሽተ-ወርሒ ድሒሮም ከም ናይ ዓሚ ተዓዲሞ ም ኣብ ቅድሚ ፕረሲደንት ተኾደሙ። ዓዳምን ተዓደምትን ኣብ መድረኽ፡ ንሕና ተዓዘብቲ ኣብ ዘዘለናዮ ምርኢት ተጀመረ። ካብ ቲ ናይ ዓሚ ምንም ዝቐየርዎ ከምዘይነበረ ኣቕሊብኩሙሉዶ? ኣከዳድናኦም፡ ትሕዝቶ ሕቶታቶምን መልስታቱን ፈጺሙ ለውጢ ከ ምዘይነበሮ ዝኾነ ተዓዘቢ ክርድኦ ኣየጸግምን። ፍሉይነት እንተነይርዎ ክንዲ ብሓደ፡ ብክልተ ጋዜጠኛታት ምቕራቡ ጥራይ ነበረ።

ድሕሪ’ቲ ኩሉሳዕ ዝስማዕ ሸንኮለል መራሒና፡ ጋዜጠኛ ስሌማን ዓበ ተሰኒንዎግዲ ጽግዕ ኢሉ ከምዛ ትስዕብ ድቦላ ሕቶ ደርጓሓሉ፦

“ ምስ’ዛ ጳውሎስ ኣልዒልዋ ዝጸንሐ ሕቶ፡ ኣብ 2016 ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ህንጸት ሃገር እንታይ ክንጽበ ንኽእል?”

2015 ድሮ ዓሚ ኮይና’ያ። እሞ ወዲ-ዓበ ነታ ናይ ዓሚ ቆጸራ ዝዘከራ ኮይኑ ተሰማዓኒ። ሓቢሮም ጎራሕ ሰሓቕ ካብ ተለዋወጡ ግና ኣተሓትታኡ ካልእ ዝተመስጠረ ነገር እንተዘይነይርዋ ብርግጽ ንትጽቢትና ከምትገልጽ ተረዳእኩ። እንተኾነ መራሒና ንጠለብ ህዝባ ዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ፍጹም ከምዘይሓሰበሉ፡ ግናኸ ካልኦት (ናይ ወጻኢ ሃገራት) ዝሕንጽጹሉ ስራሕ ክፍጽም ድሉውነቱ ገለጸ።

ናይ ወጻኢ ተጻብኦ ከምዘለና ኣምሲሉ ቀጻሊ ክቕሽሸና ብምፍታኑ ብዕድሉን ዕድልናን ከይጉሃኹ ኣይተረፍኩን። “መዓስ ኢዩ ኢሳይ ያስ ዕሱብ ምዃኑ ከምዝፈለጥናዮ ተረዲኡ ዝሓፍር? “መዓስ’ዩኸ ህዝብና ካብ ተዋስኦ’ዚ ዘይናህና ዘናግፍ ዓቕሚ ዝረክብ?” ማለተ ይ’የ። እምበር እቲ ብ’ተጻብኦ’ ዝስንዖ ባዕሉ ዝገብሮ ምትንኳል ምዃኑድኣ ድሮ ተጋሊጹ እንድዩ። ንኣብነት፦

ኣብ ደሴታት ሓንሽ ዝተወስደ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ነዚ ሎሚ ኣብ የመን ተወሊዑ ዘሎ ኩነት ክሰርሕ ዝተወጠነ ምንባሩ ሎሚ ን ሱ ከይደገመልና በኺናሉ እንዲና። ኣውራ’ቲ ሓንሸ ንየመን ተወሲና ክንሳ በየናይ ሕጋውነት ህዝብና ዓሳ ክገፍፍ መሰል ከምተዋህቦ ንዝምልከት ኣብ ዝደለዮ እዋን ክትኩሶ ዝቐበሮ ነታጒ ምንባሩ ብእዋኑ ኣቃሊሕና እንዲና። ሎሚ የመን ምስተመታተረት ምስጢሩ ተረሲዑ መሲልዎ ከምዘይወዓለሉ ከሳሲ ኮይኑ እንተጉባዕብዐ ንመን ከደናግር ይኽእል?።

እንኮላይ ናይ ባድመ። ንሱ ኪኖ ዶባት ዝዓለመ ፖለቲካ ኮንፈደረሽን እናጠመተ ብጠቕላሊ ሚኒስተር መለስ ዝምራሕ ፖለቲካድማ ኣይሰነፈን እሞ ኢሳይያስ ነቲ ዘይኣገዳሲ ውግእ ብዘይሕጋውነት ዱቦላ ውግእ ከምዝጀመረን፣ እንኮላይ ዘላቒ ፍታሕ ንምርካብ ብኢ ቲዮጲያ ዝግበር ፈተነ ጎስዩ ወጥሪ ምምራጹ ነቲ ንብርሰትና ዘነጻጸረ ድጉል መጻወድያ ከምዘብርህ ከምዝፈለጥናዮ ኣይፈለጠን ዲዩ? ሓቁ ንሱ እናኾነ ብስም ባድመ ንኤርትራ ተወሲና ጸሓዩ ከምዘይዓረበት ክትስፎ ይርአ። ሰበ-ስልጣናት ኢቲዮጲያ’ውን ነቲ ህዝቦም ዘይደገፎ መሬቶም ንሱዳን እናሃቡ ንምንታይ ነታ ብውድብ ኮሙሽን ዶብ ናህና ምዃና ዝተነግረቶም ባድመ ዘይገደፉልና ዘተሓትት ጥራይ ዘይኮነ ገና ክልቲኦም መንግስታት ሰብ ስዉር ውዲት ምዃኖም ዘነጽር’ዩ። እንተ ብወገን ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ ሓንሽ ዝተጸበ ዮ ምስ ኢቲዮጲያ’ውን ደጊሙ ዝምነዮ ወጥሪ ከምዘሎ ክበርህ ዘጸግም ኣይኮነን። ከምኡ ተንጠልጢሉ ዘሎ ናይ ጂቡትን መሰሉን።

መራሒና ህዝቢ ኤርትራ ከይጸነተ ድቃስ የብሉን፡ ምኽንያት ስለዘለዎ። ብምዃኑ እንሆ’ውን ሎሚ ናይ ወጻኢ ለኣኽቱ ኣብ ግምባ ር ስዑድያ ሓድሽ ስራሕ ረኺቦሙሉ ክእንጎት ክሽብሸብ ይርአ። ብሓቂ ዲዩ ንድሕነት ስዑድያን መሻርኽታን ተሓሊቑ ምስኦም ተሰ ሊፉ? ንሶምከ ይኣምንዎዶ? ኩሉ ጽባሕ ከይተጸበና ብሎሚኡ ንፈልጦ ውጽኢቱ። ዝሓንጸጹሉ ከምዘተግብር ዝተኸሽሐ መራሒ ም ስቶም መሻርኽቱ ፍጹም ርክብ ከምዘየብሉ ክመስል ምፍታኑ ኢዩ ዝያዳ ዘንዕቖ።

ኢሳይያስ ዘይርድኦን ተረዲእዎ’ውን ዘየሰንፎን ነገር ንምጥቃስ ባህሪ ህዝቢ ኤርትራ ኪኖ ኢሳይያስ ምዃኑ ኢዩ። ብምዃኑ ብጉርሑ ዝጀመረ ኣጋጣሚ ዕላል ሓድሽ ዓመት ናብ መንነቱ ክመርሓና ግድን ኮይኑ እንተዘተናሉ ምንም ኣየጥፋእናን።

ኣቐዲመ ነዛ ኣብ ምእተዊ ጽሑፈይ ሰሪዐያ ዘለኹ ርኢቶ ወዲ ደምበዛን ክትዕዘቡለይ ብትሕትና እሓተኩም ኣለኹ። ከምኡ መበልየ ይ ኣብዚ ኣብ ዝቐርቡ ጽሑፋት ተቓወምቲ ዝግበር ድራማ ወስ ከብል። መቸም እዛ ብወዲ ደንበዛን ቀሪባ ዘለ ርኢቶ መን ከምዝጸ ሓፋ ከየገደሰ ብርግጽ ንእምነት ኢሳይያስ ከምትውክል ግና ከይተጠራጥርኩ ክብሎ እኽእል ኢየ። ንነገሩ እኒ ባዕሉ ፕረሲደንት፡ እኒ የማነ ህበይ ኣብዚ ስራሓት መራኸቢ ብዙሃን ተጸሚዶም ከምዝውዕሉ ትፈልጡዶ? ትፈልጡ እንተኾንኩም ኢሳይያስ ኮነ እኒ የማነ ብክንደይ ኣስማት ምሳኹም ከምዝውዕሉን ከምዝሓድሩንከ ትግምቱዶ? ኤርትራዊ ሃገራውነት ንምዕናው ድዩኸ ወይስ ‘ንምህናጽ’?

ዝኾነ ኮይኑ እዛ ተመዝጊባ ዘላ ርኢቶ ብርግጽ ንናይ ኢሳይያስን ደቂ መዛሙርቱን እምነት ትውክል ኢያ። ኢሳይያስ ብእዋኑ ብዝተ ፈብረኸ መንነት’ዩ ክዋሳአ ጸኒሑ። ምምሳል ምስ ፈሸሎ ሎሚ ከም ቀዳሞት ገዛእትና ብግሁድ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘርእናን ሃገራውነ ትናን ከጽንት ይጋደል ኣሎ። ፍልልዩ ንሳቶም ካብ ስግር፡ ንሱ ግን ብ’ሃሳሳትና’ ኣብ ሕምብርትና ተኾይጡ ኣቐዲምና ሰሚዕናዮ ብ ዘይንፈልጥ ንዕቀት “ብካ ኣእማን ጁዋፋ/juice ክትጸሙቕ ከም ምፍታን እዩ።” ክብል ኣከሻምሹና። እሞ ደጊምከ እንታይ ተረፈ?

ከምዚ ናይ ሎሚ ናይ ወዲ ደምበዛን ርኢቶ፡ “መን እዩ እቲ ዓጋመ?” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጻሕፈ ‘ኣስተምህሮ’ውን ተቐልቂሉ ነበረ ። ብዛዕባ መንነት ዓጋመ ክንዛረብ ዘድልየና’ኳ እንተዘይኮነ ዓጋመ’ሞ ሓንቲ ወረዳ ትግራይ ምኳና ምግላጽ እንታይ የጸግመና። ግና ስ ዝና ወረዳ ዓጋመ ካብተላዕለ ክንምልሰሉ ንዝብህግ ክንብሎ ዘለና ክሰምዓና ንምሕጸኖ።

ጸሓፊ ኣብ ኣርእስቱ “ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ብሄረ ትግሪኛ መቐጸልታን ላጤፋን ናይ ትግራይ ትግሪኛ እዮም” ኢሉ ንዘቕረቦ ትንተና በቲ ክንየተሉ ዝፈተነ ‘ንቕሓቱን ፍልጠት ታሪኹን’ ንርእሱ ዕጥቂ ትግራይ-ትግርኚ ስለዘየዕጥቖ ትርጉም ኣይህብን’ዩ’ሞ መ ልሲ ኣይመድለዮን። እቲ ኤርትራዊ ኣብ መሬት እንዳማቱ ከምዘሎ ከምስል ዝፈተኖ’ውን ታሪኽ ከየጽንዐ እንተዘይተመነዮ ምሓሾ።

ነዛ ኮሜንት’ዚኣ ምስ ኣንበብኩ ቀልጢፋ ዝመጸትኒ ሓሳብ ዘረባ ኣምባሳዶር ዓንደብርሃን ነበረት። ንሱ ኣብ ዝጸሓፋ መጽሓፉ ኢሳ ይያስ መምስ መዓጐ መሳርሕቱ “ዓጋመ” ከምዝብሉዎ ኣግሂዱ ከምዝወቕሶም ስለዝገለጸ ኣን’ውን ደጊመ በቲ ብነብሰ-ምሕያኽ ተሓ ይኹ ክንሱ ክሕባእ ክብል ከም ብፍቕሪ ጫካ ዝተለኽፈ ካብ ኩሉ መንግስታውን ፕሮቶኮላውን ክብርታት ክኽወል መሪጹ ናብቲ ዘነኣእሶ ጫካን ጫካዊ ምሕደራን ክጠልቕ ዝመረጸ ክቡር መራሒና ክቱር ከምተሓየኽኩሉ ብልበይ እብለኩም ኣለኹ። ግናስ ነብሰ ይ ንምትዕሽሻው ዲየ ንምጽንናዕ ግዲ ኮይነ “ኢሳይያስሲ እንኳዕድኣ ተፈጥረ” እብላ ተገምጢለ ንነብሰይ።

ደጊመ ንሱስ እንኳዕድኣ ተፈጥረ። ምኽንያቱ ከምቲ ጥራጥ ብምቕርቃሩ ጽባሕ ክጠርጥዶ ክፈሱ ከምዝሕሾ እናሓሰበ ኩሉ ሓደ ኮይ ንዎ ነቆናጽቦ ዝመስሎ ዘይኮነስ እኳድኣ ከም መምህርና ከምንርድኦ ክፈልጠልና ንደሊ። ከዳዕ መባኹዕቲ ከይገደፈ ኣቐዲሙ ነብሱ ከምዝኸድዕ መጠን፡ ሳላ’ቲ ሃገራውን ዓለማውን ምስጢራቱ ዝተቐልዐ፡ ሳላ ድማ ብድንዕታ ማሕነቕቲ ናይታ ንድሕነቱ መሲልዎ ኣ ብ ክሳዱ ዘእተዋ ገመድ ሎሚ ትንዕታ ምስ በዝሐ መሰወሪ ተሳኢንዎ ብዙሕ ዘይፈለጥናዮ ክንፈልጥ ስለዘኽኣለና ብርግጽ መምህርናዩ።

ቅድሚ ውሑድ ዓመታት ህዝብና ኣብ ልዕሊ መራሒኡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበሮ ኣፍልጦ ኣዝዩ ድሩት ነበረ። ብሓጺሩ’ቲ ናይ ና ጽነት ገርሂ ኣጠመምታ ንመንነት ኢሳይያስ ከጥርጥሮ ኣይከኣለን። እሞ ብዘ-እምነቱ ኢሳይያስ ከም ተቓላሲ ናጽነት ጥራይ እናተጠ መቶ ለካስ ንሱ ብክፍኣትን ገበንን በስንዩ ነበረ። ሎሚ ሳላ መንነት መራሒና ዘይፈለጥናዮ የብልናን። ብቀንዱ ‘ሃሳሳት’ ከምዘነበርና ምሂርና። ሳላ መንነት ኢሳይያስ እቲ ዓጋመታይ’ውን ክንፈልጦ ኣኽኢልና። ከምቲ ብኣፍ 03ኡ ኤርትራዊ መንነትን ዓላማ ቃልስን ዝበሃል ከምዘየሎ ክዘርኦ ዝሓድር፡ ብኣፍ ወዲ ደምበዛን’ውን “ብቸረቶ/band aid ኣጣቢቕካ ዕላማ ኣይስራሕን” ክብል ኣላጊጽልና።

ግና’ንዶ ህዝብና “ዓጋመ” ክብል ኣንከሎ ንምንእኣስ ዲዩ? ዓጋመ ናይ ሓደ ፍሉይ ህዝብን ቦታን መንነት ምዃኑ ዝጠፍኦ ሰብና ኣሎ ዲዩ? እንተኾነስ መግዛእታዊ ምሽማው ድማ ነይሩን ኣሎን። ሕሉፍ ባህሊ ኣገዛዝኣ ከምዘብርሆ፡ ኩሎም ገዛእቲ ክሳብ ንገዛእ ህዝቦ ም ክገዝኡ ምስ ናይ ማዕዶ ጓኖት ገዛእቲ ከምዝዋደዩ ታሪኽ ምሂርና’ዩ። ንበል ኣብ ግዜ መስፍናዊ ወራራት ማለት መጀመርታ 19 ክ ፍለ-ዘመን ዓጋመታይ ደግያት ስባጋድስ እቲ ቀዳማይ ንከበሳታት ኤርትራን ክሳብ ባጽዕን ክገዝእ ዝተመጣጠረ ብምንባሩ ንዘጓነፎ ህዝባዊ መኸተ ከንበርክኽ ከምዝፈተነ ካብ መንግስቲ እንግሊዝ ሓገዝን ፍቓድን ዝሓተተሉ ሰነድ ይምስክረሉ። ስባጋድስ ኣብ ህዝ ብና ዝገደፎ ስንብራት ድማ ታሪኽና ይምስክሮ። ከምኡ ናይ በዓል ራእሲ ሚኪኤል ስሑልን መሰሉን ተዘክሮ ኣለዎ ህዝብና ። ብተወሳኺ እቲ ብጭካነኡ ምሒር ዝንወር ደጊያት ውበ ቅሉው ዓተር ብእሳቱ ኣብ ኣእዛን ህዝብና እናደርገመ ነበረ ዘጽንተና ዝነበረ። ከምገለ ካብ ሞት ዝተረፈ ክሳብ ሞቱ ብጸማሙ “ዝባን ውበ” ክብል ይነብር ከምዝነበረ ምሱል’ዩ። እንተ ናይቲ ኣብ ህዝብ ናብ “ንደርሆን ብማሸላ፡ ንሓማሴናይን ብማሕላ” ብዝፍለጥ ስምብራት ጥልመቱ ምሒር ዝጽላእ ወዲ ዓዱ ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተንቤነታይ ራእሲ ኣሉላ’ሞ እንታይ ክዝረቦ። ኣብ ውግእ ዓድዋ ዝተራእየ ክድዓቱ ድማ መወዳድርቲ’ኳ ነይርከቦ። እንተኾነ ንኩላቶም ዘነኣእስን ዝጻረድን ቅርሕንቲ ክህልወና ኣይግባእን።

 

ናብ ኢሳይያስና ክንምለስ፡ ዝተባህለ እንተተባህለን እንተተፈተነን፡ ክሳብ’ውን ኩምራ ሽብጢ ጀፊዕካ ወይ ፊስቶ ባራኪና እናኣንጠ

ብጠብካ ምዝው ውዒልካዮ እንተዝሕደር’ውን መራሒና ኤርትራዊ ዓጽመ-ስጋ ኮነ መንነት ከምዘይብሉ ዝማጎቱ ኣለዉና። ንሱ ብ አንዳቦ ኮነ እንዳኖ ካብ ስግር፡ ወዲ ራእሲ ሓጎስ ተንቤነ-ዓጋመታይ ምዃኑ ጥሉል ፍልጠት ክንቛጽር ተኻኢሉ ኣሎ። ብፖለቲካዊ መንነቱ’ውን ብንጉህኡ ልኡኽ ኢቲዮጲያ ኮይኑ ንሰውራ ብደሞዙ ተዓሲቡ ከምተጋደለ፡ ብተወሳኺ ሲኣይኤ ከምዝቖጸረቶ፡ ሞሳድ ከምዝደገመቶ፡ ኮታ ብፖለቲካዊ ሽርሙጥና ከምተቖማጠዐ፡ “ኣይፋል” ዝብል እንተኾይኑ ድማ እንሆ ጎልጎል እንሆሀውን ፈረስ! ካብዚስ በሉ እንታይ ዓይነት ሃገራዊ ስምዒትን ታሪኽን ትጽበዩ?

 

ከፍአ ናይቲ ምስ ናይ ማዕዶ ገዛእቲ ተመሻጢርካ ዝግበር ውዲት መግዛእታዊ ውርሻ! “ዓጋመ ከምትብሉኒ እፈልጥ ኢየ” ኢሉ ብቅርሕ ንቲ ዘርእና ከጽንት ብዝገብሮ ዘሎ ወጠጥ-መጠጥ ብጽንተት ዘርኢ ህዝቢ (Genocide) ኣየሕትቶን ዲዩ? “ድጊም ይኣክል፡ ባቃ” ን ብል። ሎሚ “ይኣክል” ዘይበለ፡ ኪኖ ፖለቲካዊ ውደባ ዝሓለፈ ብጽንተት ዘርኢ ህዝቢ ዘሕትት ገበነ ከምተሰከመ ክፈልጥ ኣለዎ።

 

ናብ ቃለ-መሕትትና ክንምለስ። 2015 ድሮ ዓሚ ከምዝኾነት ጠቒሰ ኣለኹ። ግናስ ዓሚ ኣብ ሃገራዊ ቃልስና እንታይ ኣስተዋጽኦ ከ ምዝነበራ እንተዘኪርና መጻኢና ክንትንበ ንኽእል ኢና። ብመንጽር ናይቲ ነታ ዓመት ምንም ከይሰርሓላ ሞቱ ዝጽበ ዘሎ ስርዓት ክ ርአ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዘፍረዮ ምስእንግምግም ተረኺቡ ዘሎ መኸተ ኣዝዩ ግዚፍ ኢዩ። ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፡-

ካብቲ ጉሉሕ ናይ ለውጢ ፈተነ፡ ስዉእ ወዲ ዓሊ ኣብ ዝኽርና ሂያው ኮይኑ ክነብር ኢዩ። ካልእ ኣብ ትሕቲ ቤት-ማእሰርትታት ኮ ነ ኣብ ስርዓት ህግደፍን ካልእ ሓፋሽናን፡ ብዙሕ ውሽጣዊ ውዳበታት ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝብን ኣብ ጥርዙ ከምዝበጽሐ ምጥቃሱ ጥራይ ይኣክል። ብወጻኢ ዝተራእየ ብድሆታ ድማ፡ ህግደፍ ብዓለሙ ተጠቒዑ ኣብ ውሱን ዕርዲ ምክልኻል ተወሲኑ ከምዘሎ ዘነጽ ር ከም ናይ ኣብ ኢቲዮጲያ፣ ደጋጊሙ ኣብ ኢስራኤል ዝተራእየ፣ ኣብ ጀነቫ፣ ጣልያን፣ ኣመሪካ፣ እንግሊዝ፣ ስዊድን፣ ኖርወይ፣ ደቡ ብ ኣፍሪቃን ካልእ ዝተራእየ ብዙሕ ህዝባዊ ተቓውሞታት ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ነቶም ምስ ኮሙሽን ምጽራይ ገበናት ህግደፍ ዝሰ ርሑ ሃገራውያን ዓቢ ደገፍ ኮይንዎም ንብስርዓቱ ፈጥ-ፈጥ ዘእተወ ፍጻመ ኮይኑ ምህላዉ ክጥቀስ ኣለዎ።

ነብሱ ይምሓር ናይ ከምእኒ ዶክተር ተወልደ ባካሮ ዝኣመሰለ ተበግሶ ዝፈጠሮ ጥርዚ ናይ ምግባር ተበግሶ ተረሳዒ ኣይኮነን። እቶም “ኣስቂጦም” ተባሂሎም ክሕመዩ ዝጸንሑ ኣካል ናይቲ ስርዓት ዝነበሩ ብስም “መድረኽ” ዝተቐልቀሉ ተቓለስቲ’ውን ናይ ባዕሉ ሰብ ትስፉው ተበግሶ ምዃኖም ክጥቀስ ይግባእ። ከምኡ ብውልቆም ዝጋደሉ ዘለዉ ዜጋታትና ከም ስነ-ጥበባውያን፣ ደረስቲ፣ ወደብቲ፣ ጎስጎስቲ ዝኣመሰሉ ምሒር ዓምቢቦም ምህላዎም ኣብቲ ስቕታ ዝዓሰሎ ድጉል ሃገራዊ ስምዒት ዘግህድ ኩነት ኮይኑ ኣሎ። ብሓቂ’ውን ተጋድሎ ህዝባዊ ናዕብታት ምዕንባቡ ዘበስር ተርእዮ’ዩ።

እቶም ኩሉ ዓይነት ሞት ከይዓጠጦም ባሕሪ ክሰግሩ ክሳውዶም ብጎዘሞ ናይቶም ’እስላማዊ’ ዝጠመቑ ሕሉፋት ፖለቲከኛታት ዝተ ጎንኡን ዝተሸጡን፡ ክብረን ዝተገሰሰ ዜጋታትናን ኣብ ፖለቲካ ሃገርና ፍሉይ ተዘክሮ ከምዘለዎ ምዝካሩ ኣገዳሲ ኢዩ። ብሓጺሩ እም ቢታ ናይቲ ብቀይዲ ባርነት ክምለኽ ዝተሓሰበ መንእሰይና ንምረት መግዛእትናን ውሕስነት መጻኢናን ዝገልጹ ብምዃኑ ፍሉይ ኣድ ናቖተይ ክበጽሓለይ እትስፎ።

ካብዚ ዝተፈልየ፡ ብዙሕ ግምት ዘይሃብናዮም ንመራኸቢ ብዙሓትና ዘለኒ ኣድናቖት ደረት ከምዘይብሉ ክገልጽ እፈቱ። ዋላ’ኳ ሓን ሳብ ንመኽሰቦም፡ ካልእ-ሳብ ድማ ንፖለቲካዊ ውዳበኦም እናበልና ንዝልፎም እንተኾንና፡ ኩሎም ብመንጽር ዝህብዎ ክቡር ኣስተ ዋጽኦ፡ ኣስተምህሮን ሃገራዊ ተሓላቕነትን ኣዝየ ከምዘምስግንን ውልቃዊ ምስክርነተይ ክበጽሓለይ ከምዝምነን እናገልጽኩ፡ መጻኢት ዓመት ከምታ ዝሓለፈት ብዘይምዃና፡ ግድን ወይ ላምና ብትወልዶ ወይ . . .፡ ስርዓት ህግደፍ ተመንኪሉ ኩልና ኤርትራውያን ኢደ-ኢድ ተተሓሒዝና ሃገርና ንድርገመላ ዓመት ክትከውን ዘለኒ ምንዮት ደረት ከምዘየብሉ ደስ እናበለኒ ክገልጽ እፈቱ።

ዓወት ንሓፋሽ!

ጎደፋ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! January 27, 2016

    Dear Godefa
    While Eritrean people determination in national struggle for freedom
    was the prior given attention , Issayas plan was very calculated and
    deceiving acts for long term outcome to our nation from day one of
    his presence in Eritrean politics . If we go back to identify his role played on exploiting the weakness of GHEDLI politics for his self serve
    purposes advantage , by now we can realize that he outsmarted everyone .
    Remember he was strict opponent to sign agreement with ELF for UNITY &
    reconciliation that left us divided until this time . Unfortunately his
    dirty influences domination effect paralyzed our anticipated dream .
    And if Issayas , Monkey alike participate in this forum in disguise ,
    that doesn’t surprise us at all because bad habit is hard to die .

  • ogbai January 28, 2016

    We were fooled by the old tricks of the dictator and his companies for so many years. But now thanks God all his mischief tools has came to its end. The only thing missing now is to know how to bury it by all means. Even though, We know some people left behind him, and trying to support him, for no good reason. I am sorry,no more excuse any more,that their time is up. Unfortunately it is going to cost them or us for their poor emotion and ignorance. HOWEVER, IT IS UP TO THEM TO COME TO THEIR TRUE SENSES OR TO FACE THE CONCIQNCES TO BE DESTROYED WITH HIM. No OTHER OFFER THAT WE HAVE AT HAND. TAKE IT OR LEAVE IT. THE CHOICE UP TO THEM ENOUGH IS ENOUGH,PEOPLE!!!!

  • aus 17 February 1, 2016

    Please check this ISAYAS AFEWERKI’s philosophies in the struggle:

    #Try not to know,or find out secrets.
    #say not I’m here untill they tell you.
    #ask not where to go until they order you.

    These are directives of the elite in EPLF that turned Eritrea into the present prison. By this they killed all curiosities, Creations and any other thinking ouside their own box. Anyone who tries out of these frames is found dead, execued in mass, labelled anti Eritrea. Medrekh is the Product of these philosophies and mind sets. Do you Think they can open for open minded Eritreans for democracy, freedom and free thinking. Their bullying character we saw in Nairobi is perfectly in line with their past, then who can teach an old dog a new tricks! non. then Medrekh’s old guards are unchangáble, obsolete, they just own a depreciated value. thus, modern Eritrea hardly needs them.

Post a Reply to ogbai Cancel Reply