Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታትናን ጋዜጣታትን – ትርጉም ናጻ ፕረስ

ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታትናን ጋዜጣታትን ትርጉም ናጻ ፕረስ   ኣማዕድየ ጠሚተ ናብ’ታ ኣድማስ ከስተማቕር ትርጉም ናጻ ፕረስ እንተዘይብሉኺ ኣብ ውልዶኺ ምልዕስ ምፈልፈለ ቃላትኪ ከም ዛራ ማይ ይፈስስ ጸሓይ ዒራዒሮ በርቲዑኪ ስኢንኪ ዝኹስኩስ ሓሊነ ዝኽሪ ቃላትኪ ከይሃስስ ሰይድ ዓብደልቃድር ክድበስ!   መለኸት ብሩህ ተስፋ መቓልሕ መኣዲ ዘተ ትምህር ተብልሕ ፈልፋሊት

ንዝኽሪ እሱራት ጋዜጠኛታትናን ጋዜጣታትን

ትርጉም ናጻ ፕረስ

 

ኣማዕድየ ጠሚተ ናብ’ታ ኣድማስ

ከስተማቕር ትርጉም ናጻ ፕረስ

እንተዘይብሉኺ ኣብ ውልዶኺ ምልዕስ

ምፈልፈለ ቃላትኪ ከም ዛራ ማይ ይፈስስ

ጸሓይ ዒራዒሮ በርቲዑኪ ስኢንኪ ዝኹስኩስ

ሓሊነ ዝኽሪ ቃላትኪ ከይሃስስ

ሰይድ ዓብደልቃድር ክድበስ!

 

መለኸት ብሩህ ተስፋ መቓልሕ

መኣዲ ዘተ ትምህር ተብልሕ

ፈልፋሊት ሓሳባት ከም ማይ ጃሕጃሕ

ማቴዎስ: ዳዊት: ሰላምይንገስ ተሓሊኾም ብሞቑሕ

ብመግረፍቲ ይነብዑ ዝርንዛሕ

እዚ ለይትስ ደቀይ ክንደይኮን ይነውሕ

ንገሩኒ’ባ መዓስ’ዩ ዝወግሕ?

 

ክሓተኪ’የ ኣነ መልስለይ ዘመን

ብቕኒት የማነ ባርያ ሜሎዲ ናይ ሓዘን

ኣበይ ኣቢልክዮም ኤማን ፍጹምን

ሓሪምክዮም ብርዕን ቀለምን

መጢኽዮም ንዒራዒሮ ተስፍኦም ክምህምን

ኔው በልዮ ዜና ዕረፍቶምሲ ኣይግድን

ቀውዒ ኣውጅሎም ጮራ ትስፍው እዋን!

 

ኣበይ ኣሎኺ በኹሪ ገዛ ሃገራዊት ሰቲት

ድምጺ ህዝቢ ናይ ፍትሒ ነጋሪት

ሰንድዮ ቃላት ናይ ጆሽዋ፡ ናይ ዳዊት

ፈለግ ሓሳባቶም ኣይተጻዕደን ብሰንሰለት

እንተኸሓድዎም ናይ እከይ ሃዋርያት

ጥልመት ‘ዚኣመሎም ሰብ ነውሪ በሃማት

ዝኽሮም ክነብር’ዩ ምሳና ንዘንትእለት!

 

ትንግርቲዶ ክብሎ እዚ ናትክስ ኦ ጽጌናይ

ጽፈ ፊደላት ቃላትኪ ይርኣየኒ ኣብ ዓይነይ

ዘኪረዮ ከም ንህቢ ክዓስለኪ ዓሚልኪ ነባባይ

ንገርኒ ሰብ ኪዳንኪ ስኢነሎም ደሃይ

ዮሱፍ፡ ዘመንፈስ፡ ገብሪሂወት ኢልኪ ስመይለይ

ኢልክዮም ‘መስለኒ ውረስዎ ስመይ

ትሕቲ ምድሪ ክነብሩ ብዘይ ብርሃን ጽሓይ!

 

ሓባሪት ኣኸዛ ግርማዊት ቀስተ-ደበና

ከም ቀደምኪ ኩኒ ወረ ሃብና ወረ ፍልፍል ሰለሙና

ከመይ ኣለዉ በዓል መዳ: ተሜ መተዓብይትና

ሓደራኺ መንፈሶም ከይስበር ከይደክም ሕልና

ዘይነጽፍ ንብዓቶም ሓንስስልና ቁስሎም ዘንንልና

ሃምን ሰርብን ይኹን ድምጺ ነጎዳ ኣስምዕና

መልሲ ምህለላና ብስራት ሒዝኪ ይኣክል በልና!

 

ፍቕርን ሰላምን’ዩ ዊንታና

መሰልን ፍትሕን’ዩ ሃረርታና

ባዕሉ ፈጣሪ ምስ ዓለምና ዝዓደለና

ዲሞክራሲ’ዩ ልዕልና ሕጊ ዋሕስና

ጋዜጠኛታትና ፈቲሕኩም ክንዛረብ ክንካታዕ ግደፉና

ክንከውን ወነንቲ ሓሳብናን ምርጫናን ባዕልና

ክንነብር ብናጽነት ክብረት ኣብ ሃገርና!

ተስፋኣለም

ምንጪ፡ ብኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ደቡብ ኣፍሪቃ እትሕተም መጽሔት መሰለይ: ቁ.2 መስከረም 2013

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT