Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝኽሪ ክቡር ሐርበኛ አቶ መዋእል መብራህቱ

ንዝኽሪ ክቡር  ሐርበኛ አቶ መዋእል መብራህቱ ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መንግስታት አሜሪካ (ሳን ድየጎ) 20 ሰነ 2014   አቶ መዋእል መብራህቱ ካብ ዕድመ ንእስነቶም አትሒዞም፣ አብቲ ምእንቲ ኤርትራ ዝተኻየደ ነጻነታዊን ሐርነታዊን መሪር ፖለቲካዊን ብረታዊን ተጋድሎ፣ ናይ ነዊሕ ዘበናት ሐርበኛ ተቓላሳይ ነበሩ።

ንዝኽሪ ክቡር  ሐርበኛ አቶ መዋእል መብራህቱ

ብተስፋይ ተኽለ ሕ/መንግስታት አሜሪካ (ሳን ድየጎ)

20 ሰነ 2014

 

አቶ መዋእል መብራህቱ ካብ ዕድመ ንእስነቶም አትሒዞም፣ አብቲ ምእንቲ ኤርትራ ዝተኻየደ ነጻነታዊን ሐርነታዊን መሪር ፖለቲካዊን ብረታዊን ተጋድሎ፣ ናይ ነዊሕ ዘበናት ሐርበኛ ተቓላሳይ ነበሩ። ብኽእለቶምን ብቕዓት ቅልጥፍናኦምን ዝልለዩ በሊሕ፣ አብ ጊዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃይለስላሴ ክሳብ ዘበነ ደርግ አብ ዝለዓለ ጽፍሒ ቦታት ዘገልገሉ ነበሩ። አቶ መዋእል አብቲ አብ ውሽጢ አዲስ አበባ ዝነበረ፣ ብተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ዝተወደበ ዮሃ01  ዝብል መጸዋዕታ ዝነበሮ ውሽጣዊ ጸጥታዊ ስርርዕ፣ ቀንዲ ተዋሳኢ አካሉ ብምዃን፣ ንወተሃደራዊን ጸጥታዊን ምንቅስቓሳት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዕምቆት ብምክትታል፣ ናይ ሰውራና ምንጪ ሰነዳትን ሐበሬታን ብምዃን አብ ምዕዋትን ምድሐንን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ አስተዋጽኦ ዘበርከቱ ታሪኻዊ ጅግና አቦ ነበሩ። ፈለማ ከም መምህር ኮይኖም ዘገልገሉ፣ ንብዙሐት ዳሕራይ አብ ፖለቲካ  ኤርትራ ተዋሳእቲ ዝኾኑ እንኮላይ  አቶ ኢሳያስ አፍወርቂ  ዝርከቦም ተመሃሮ መምህር ነበሩ። ጸኒሖም ናይ ሕጊ ጠበቓ ብምዃን ንብዙሐት ብጸላኢ ዝተታሕዙ ተጋደልቲ ንሂወቶም ከይፈርሁ አነ ይጣበቐሎም ብምባል አብቲ ጸላም ጊዜ ሂወቶም ዘይበቐቑ ነበሩ። ቀጺሎም ካብ አስመራ ከተማ አባል ናይ ፓርላማ  ኢትዮጵያ ኮይኖም ብምምራጽ፣ አብ ህዝቢ ኤርትራ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝወረደ ሰፊሕ ግፍዒታት ተቓውሞኦም አብ  ማእከል አኼባ ፓርላማ  ከይፈርሁ ዘስምዑ፣ ንህንጻ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሐዲጎሞ ንብጾቶም አባላት ፓርላማ ዝነበሩ ኤርትራውያውያን መሪሖም ዝወጹ ነበሩ። እዚ ተረኽቦ’ዚ  አብቲ ናይቲ እዋን’ቲ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ፣ አብ ዜናታት ናይ ዓለም ተቓሊሑ ነበረ። ብዘበነ ደርግ  ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ ዝርከብዎ “መርማሪ ኮሚስዮን” ተባሂሉ ዝተሰምየ አባል  ኮይኖም ብምስራሕ ናይ ብዙሐት ኢትዮጵያውያን ሂወት ንኽድሕን ግደኦም ተጻዊቶም ኢዮም። ብአካል ቤተሰቦም ሂወት ረኺቦም ዝደሐኑ’ውን ምስክራት ረኺብና ኢና። ብ 1977 ዓ.ም. ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ራሕሪሖም፣ ናብቲ ሂወቶም ምሉእ ሰገጥ ከይበሉ ብተወካፍነት ዘገልገልዎ ሰውራኦም ብፍላይ ከአ ናብ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ተጸንበሩ። አብ በረኻታት ኤርትራ ናብቲ ክልተ ሐርበኛታት ደቆም ቄሳርን ሙሉጌታን አግአዚትን ዝነበርዎ ብምሕዋስ ሐርበኛዊ ቃልሶም ቀጸሉ። አቶ መዋእል አብ ሐድነት ሰውራና ዝነበሮም ጽምአትን ድሌትን ከምቲ ዝብሃግዎ ኮይኑ አይረኸብዎን ወትሩ ስኽፍታ ከም ዝነበሮም ከአ ይሕብሩ። ብርግጽ ሰውራና ካብቲ ዝነበሮም ስኽፍታት አይድሐነን። መንጸብረቕታኡ ከአ ክሳብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራ የሳቕዮ አሎ።   ደላይ ፍትሒን ሐድነትን ዝኾኑ አቶ መዋእል፣ አብ ሃገሮም ኤርትራ ልዑላውነት ግዝአተ ሕጊ ንኽህሉን፣  ብመሰረት ቃል መግለጺኦም ”ብሹም አሕዋት እትመሐዳደር ህዝባዊት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ኽትህሉ” ዝብል ወትሩ መውጽኢ አፎምን መኽፈቲ ቃሎምን ነበረ። አብቲ ብዛዕባ ቅዋም አኼባታት ዝግበረሉ ዝነበረ መድረኽ ከአ፣ “አስተዋጽኦ ንህዝቢ ኤርትራ ( A Contribution to the Eritrean People) ዝብል ሰፊሕ ብዛዕባ ቅዋም ዝምልከት ስነ ጽሑፍ ብምድላው አበርክቶኦም ሂቦም ኔሮም ኢዮም።  አበርክቶን ታሪኽን ናይ አቶ መዋኣል ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፣ ንዝኽሮም ዘንጸባርቕ እዚ ዝስዕብ ግጥሚ ነፈነዋኦም ነቕርብ።

 

 

ሐለፍካ’ዶ መዋእለይ ጅግና

ቅያኡ ዘይውዳእ ብዓል ታሪኽ ዝና

ካብ ንእስነቱ ክሳብ እዋን እርግና

ንሃገረይ ዝበለ ኤርትራዊ ሐርበኛ።

 

ቃልሱ ካብ ሐረካ ዝጀመረ

ብስም ጋንታ አዱሊስ ዝተዋፈረ

ኩዕሶ አምሲሉ ንቓልሲ ዘጐሃሃረ

አካ ጅግና ሐለፈ ተሪር ብዓል ስረ።

 

መምህር ጠበቓ አባል ናይ ፓርላማ

አብ ዝአተዎ ብቑዕ ንኹሉ አላኢማ

ህርኩት ቁልጡፍ ሐያል ብዓል ግርማ

ሰፋሕ ኢያ ታሪኽካ በይነይ ከይዛዝማ።

 

ጸላኢ ዝሐዞም ጀጋኑ ተጋደልቲ

ንብዓል መሐመድ ቸኪኒ ዝሐለፉ ብመስዋእቲ

ዕጅብ ከይበለካ አብቲ ጸላም መግዛእቲ

ከይፈራህካ ዝኾንካዮም ጠበቓ ተማጓቲ።

 

ሕነ ጀነራል ተሾመ ከረን ተሸቢራ

ዘስካሕክሕ ዕንወት ዑና ብስኪዲራ

ሕርቃንካ ነዲሩ ህልቀት ናይ ኤርትራ

“ሰራዊትኩም አዓግሱዎ” ክትብል ልሳንካ መዲራ።

 

አቕርብዎ ተባህለ ናብ ዙፋን ብጃንሆይ

ዘውድና ዝደፍር’ከ ኤረ መን’ዩ እንታዋይ

አቤት ዝወረደ ራዕዲ ምፍርራህ ሆይሆይ

አጆኻ ቁም ነገርካ አይረሳዕናን መዋእለይ።

 

አብ ጸላም ማሕዩር አብ ሽዋ ተአሲርካ

ሂወትካ ክትስወር “ሸኘው” ዝብል ተፈሪድካ

አምላኽ ግን ሐያል’ዩ ንዘበናት ዓቂቡካ

ከረምትኻ አሕሊፍካ’ስ ከረምቲ ዳሕሮት አርኪቡካ።

 

 

 

እቲ ኹሉ ከልበትበት እቲ ኩሉ ጉያ

ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብዓባያ

ዓዲ ፍትሒን ዘንጊን ክትኮነልካ ዝተመነኻያ

ሐለፍካ’ዶ መዋእለይ ባህጊኻ ከይረአኻያ።

ዘይርሳዕ ቃልካ “ሹም አሕዋት” ዝብል

ህዝቢ ቆጽሊ ዘንበረሉ መንግስቲ ክተክል

ወትሩ ምስ ቃጨለ ደወሉ ደው ዘይብል

ሰላምን ቅሳነትን ሂቡ ንኹሉ ዘጽልል

ንሱ ኢዩ ኔሩ ቀንዲ ሕልሚ ናይ መዋእል።

 

ንሃገረይ ክትብል  እትሃሲ ርእስኻ

ሹመትካ ጠንጢንካ ዝወጻእካ በረኻ

ነጻነት’ስ ተረኺቡ ነይከም ባህግኻ

ብኹሉ ተመሳቒሉ ጉዳይ ናይ ህዝብኻ

አሪገ ከይበልካ ክንደይ’ወ ጐዪኻ

ቀጸልካ ድአ ቃልሲ ምሳና ምስ ደቅኻ።

 

ብሹመት ብስልጣን ከይተደናገርካ

እቲ ምንታይ ስለ’ታ እትፈትዋ ሃገርካ

ንጥዑም ሐዲግካ መሪር ዝመረጽካ

መዋእለይ ሐያል ግቡእካ ከቲትካ።

 

አካ ብሂወትካ መሪር ድርብ ተቓሊስካ

ምሳኻውን እቶም ሕያዎት ስድራ ቤትካ

ሐያል ፈተነ’ወ ውዕሎ አብ ዓራትካ

አየ ሰብ ምዃን ዘይኽወን ከም ባህግኻ

እንታይ’ሞ ተረፈ ብኹሉ ተጋዲልካ።

 

መዋእለይ አንታ ብዓል በሊሕ አእምሮ

ቁም ነገርካ ዘይውዳእ ክትዝርዝሮ

ለጋስ ሃያብ ኔርካ ንኹሉ ትሕንግሮ

ዓለም እንዶ’ሞ ዘርያ እዛ መንቀራቕሮ።

ብዙሕ’ዩ ዝርዝሩ ሞያ ናይ ማይ ቤትካ

ሕሉብካ ንጹፍካ ንኤርትራ ዘበርከትካ

ንሮዚና ምስ ክልተ ደቃ ድሕሪት ራሕሪሕካ

ንቔሳርን ሙሉጌታን መስዋእቲ ዝኸፈልካ

አሰሮም ሒዛ ዝተጋደለት አግአዚት’ውን አላትካ

ሚዛኑ’ስ  ከቢድ’ዩ እንታይ’ሞ ገዲፍካ።

 

ነቐልካ’ዶ ሎሚ ሐዊ ህባብ ሐያል

ስብራ ዘይብሉ ስቓይ ነዊሑ ምግዳል

ምመለስናካ ኔርና አሐዲስካ እንተዝከአል

ንአምላኽ ጠሪዕና’ወ  ጸሊና ብምምህላል።

ድሐን ኩን አቦይ ዓርከይ ፈታዊየይ

ርእየ ከይተሰናበትኩኻ ግን ይቕረ በለለይ

ክሳብ ዘርክበካ  ክዝክረካ ኢየ ብሂወተይ

ወትሩ ነባሪ ኢኻ አብ ሕልና ቀልበይ።

 

 

መዋእለይ!!!

 

ዕረፍቲ ይሃብካ አብ ግዝያዊ ቦታኻ

ሎሚ እንተዘይጠዓመ ቀብሪ ዓደቦኻ

ወትሩ አይጽልምትን ኢዩ ክወግሕ’ዩ አጆኻ

እቶም ዘለዉ ጽባሕ ብዓጀባ  ይወስዱኻ።

 

ጽንዓት ይሃብኪ ወይዘሮ ሮዚና

ሕያወይቲ ርግቢት አደ ናይ ኩሉና

ጽንዓት ይሃብኪ አግአዚት ሐፍትና

ጽንዓት ይሃብካ ነስሪ ሐውና

ጽንዓት ይሃብኪ አርገ ሐፍትና

ተመስገን ክንዲ ኩሎም ብሂወት ዘለኹምና።

 

ንክቡር ሐርበኛ አቦናን መቓልስትናን አቶ መዋእል መብራህቱ መንግስተ ሰማይ የዋርስ

ንስድራ ቤቶምን ቤተሰቦምን ከአ አምላኽ ጽንዓት ሂቡ ብኹሉ ይባርኽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Mogos June 22, 2014

    R.I.P

  • Hagherawi June 23, 2014

    I learned that Memhir Mewail Mebrahtu was one of great sons of Eritrea.
    His contribution to the making of Eritrea was immense.
    It’s very sad to see him and many brave men of his generation being buried away from the land they loved so much.

    My his soul rest in peace.

  • ahmed saleh June 23, 2014

    Thanks Tesfay for the information about this great man . I didn’t know
    he was a lawyer though . Now I get
    the picture why he was famous among
    ERITREAN nationalists . Thanks again.

POST A COMMENT