Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝኽሪ ጅግናን ተባዕን!!!!!!!!! ተጋዳልይ ቢትወደድ ኣብራሃ፡ ብሪጋደር ጀነራል፡

ንዝኽሪ ጅግናን ተባዕን!!!!!!!!! ተጋዳልይ ቢትወደድ ኣብራሃ፡ ብሪጋደር ጀነራል፡   ቢትወደ ኣብራሃ ዕባይ መንደፈራ ቲቦ ውዒሉ ዓዲ መንጎቲ ዝሓድራ ኣንበሳ በረኻ ዘይውስኽ ጃህራ ቖልዓ ሳንጀርጆ ጅግንነተ ብኹምራ ተገራህካዶ ብጠላማት ደቂ ኣስመራ ሓሶት ዝዕጣቖም ጥራሕ ጉራ ንሳኻ ዘይብሉ ሃገርና ሓሲራ።   ጅግና መማህርተይ ዓድወግሪ ይዝከረካዶ ከነጉሂ ንፊተውራሪ በጃኹም ክብሉና ምስቲ ኩሉናህሪ ክብሉና

ንዝኽሪ ጅግናን ተባዕን!!!!!!!!!
ተጋዳልይ ቢትወደድ ኣብራሃ፡
ብሪጋደር ጀነራል፡
 
ቢትወደ ኣብራሃ ዕባይ መንደፈራ
ቲቦ ውዒሉ ዓዲ መንጎቲ ዝሓድራ
ኣንበሳ በረኻ ዘይውስኽ ጃህራ
ቖልዓ ሳንጀርጆ ጅግንነተ ብኹምራ
ተገራህካዶ ብጠላማት ደቂ ኣስመራ
ሓሶት ዝዕጣቖም ጥራሕ ጉራ
ንሳኻ ዘይብሉ ሃገርና ሓሲራ።
 
ጅግና መማህርተይ ዓድወግሪ
ይዝከረካዶ ከነጉሂ ንፊተውራሪ
በጃኹም ክብሉና ምስቲ ኩሉናህሪ
ክብሉና ሕራይ በሉኒ ንኮለጅ ቀያሪ
ሳንጀርጆ ዓጺና ወሰኽናሉ ነድሪ
ኣይነምሑን ባሎ ካብ ዓድና ምድሪ
ኮማንድስ መጺኦም ክዋቕዕ ብበትሪ
ተማሃርይ እምቢ ኢሉ ወይ ነቕ ስድሪ
ኣበይ ድኣ ጠፍኤ እቲኹሉ ምኽሪ።
 
ተጠሊምካ ሓወይ ጅግና
ኣቐዲምና ኢና ተዓሺና
ሓቂ መሲሉና ኩሉ ዝበሉና
ፈሪድናካ ንጠላማት ሰሚዕና
እጥፊኦሞ! ሽምካ ብገርህና
ሓቅነትካ! ኣይጠፍኤን መጸ ደንጉዩና
ጅግናኢኻ ወዲ ሳንጀርጆ ብዓልዝና።
 
ወዲ ዓዲ መንጎቲ ወዲ ማይተኸላ
ወዲ ኣድመ ምልጋእ ጅርተከላ
ሕጊ ዝትከላ ዝበቑለላ
ሰራይ ዝዓድካ ኣብ ማእከላ
ዓዲ ጃነራላት ቀዳማዮም ተላ
ዓዱ ዘየሕፍር ዝጨድድ ተለላ
ንቕድሚት ዝውርወር ከም ታኼላ
ይእሰር ድኣምበር ወስለትላት ዘይብላ።
 
ነጻነት ኣውጺእካዮ ንህዝብኻ
ጻማ ዘይረኸብካ ናይ ጻዕርኻ
ዝኹሉ ደኺምካ ተዓሚጽካ
ጠላማት ኮይኖም መራሕትኻ
ፍትሒ ተቐቢራ ብድሕሬኻ
ሃገር ጠፊኣ እያ ስለ ዘየለኻ
ሳንጆርጆሞ! ኮይና ተባቲኻ
ኮይኖም ተበላጾ መማህርትኻ
ገልን ወሳሊቶም ዘይከማኻ።
 
ቢትወደድ ጅግና ናይ ሃገርና
ስራሕካ ዘሕብንዩ ንኹልና
መን ሙኻንካ ሕጂ በሪሁልና
ጅግና ኣይክበርን ኣብ ሃገርና
ስለምንታይ ብሸፋቱ ተገዚእና።
 
ሓወልቲ ይተኽሉ እዞም መታለልቲ
መንነቶም ዝሸጡ ንብሽኮቲ
ወዲ መን ምኻኑ ዘይገለጽቲ
እንቅዓ ሓገዞም ብሕፍንቲ
ንፈልጦ ነይብልና ብዕምቆቲ።
 
ህዝቢ ኣይንርስዖን ሙያ ተጋደልቲ
ታሪኽ ክዝከርዩ ሎሚኮነ ጥንቲ
ጀጋኑና ክንምዝግቦ በብሓንቲ
ኣይንርስዕን ጅግንነት ናይ ኣመቲ
ዉርሻ ኽኸውን ሃገራዊ ሃብቲ።
 
ቢትወደድ ሓወይ ኣንታ ጅግና
ረሲዕናካና ብዙሕውን በዲልና
ክንዝክር ነይሩና ኣበይ ከይዱ ኢልና
ካልእ ተተረፈስ ወዲ ቤት ትምህርትና
ኣይትርኣዮ ፈሪሕና ርዒድና
ሕልና ጠፊኡ ጥልመት በዚሑና
ወዲ ዓደይ ዝበለ ኮይኑ ገበነኛ።
 
ስርዓት ናይ ሸፋቱ በርቲዑና
ንነብር ፍርሒ ተሸኪምና
ህዝቢ ተጠላሊሙ ኣብ ዓድና
መቕዘፍቲ በዚሑ ኣብ ሃገርና
ስደት ንነብር ፈሲሱ ሓሞትና።
 
ቢትወደድ ጽን ኢልካ ስምዓና
ብጩቕ ዝብል የለን ገሪሙና
ሳንጆሮ ፈረሰት ኣብ ቅድሜና
ገንዘብ ተኣኪቦ ንስራሕ ኢልና
ገልን ኮኑ ወቀርቲ ካባና
ዓጸፍቲ መልሓሶም ሙህራትና
ርኢናዮም ወስላታታት ደቂ ዓድና
ከይተሃንጸት ፈሪሳ ኮይና ዃና
ኣቦይ እዝጊ ምሕረት የውርደልና።
 
 
ጀነራል ቢትወደድ ብዓል ዝና
ኣይነብርን ኩልሻዕ ጅግና
ንዓኻ ዝትክኡ ነይረኸብና ጌና
እንተ ንስኻሞ ስም ገዲፍካልና
ዘሔብን ታርኽ ንኹልና።
 
ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
 
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንዲያናፖሊስ ኢንድያና
8 ሓምለ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Pleroma Rightousness September 3, 2013

    Deqesmeras Tellemti!? Men’yom Deqesmera? Abe’llowu?…. Kelem Ztzegebu Kab Tzebib Shani Adwnetn Wegenawnetn Zeywetzu Ksa’e Ma’ass Ekhum Hzbi Keters’hu ….. Wedesmera Menyu? Sha’ebya Ebe’ar Wedesmera Eyu? Arkey Ab Nay Tzbah Ertrana Botta Khlweka Bejakha A’emurokha Htzeb ….. Ab Mejemerta 40’tat kab Hager Zwetzakha Ekha Mesleni….. Aye Deqi Lomi Entetrekhbukha Kab Sha’ebya Felyom Aymr’ayukhan ….. Kemekha Z’amessele Seb Nkhem B’al Bitweded Jeganu Deki Hzbi Kt’tqemelom Ayk’alnyu!

  • senay September 27, 2013

    Ata fara Adi deqi asmara telamat elkayom,,,
    Amlak mihret yewridelka

  • h October 13, 2013

    ሃይለ ገብረትንሳኤ Thank you dear May God bless you and protect you from all odd. Where have u been all this time not saying something.I know Bitew and I never here someone asking about him or who he is.Oh thank God and thank you for remembering him.He was and he is an Eritrean Hero.

  • zenbilhakel October 30, 2013

    ኣትም ስባት አንታይ አኩም ተስሙዑና ሰልኩም ወዲ ትካቦ ትማል ትማል ሰብ ስ ይድራፍ አምኒን አንጸይቲን አና ነዔ አንክሎ ኣብ ፈቀዶ ኣድራሻት ኣምሪካ ብሶሶኢትጣጥ የብል ክምዘይ ነብሬ ሎሚ አቲ ዝይሓንክ ምካኑ ዋላ ታ ታጋጌ ምባል ው,ን ካውጻኣ ኣይካለን ኣቲ ዝይ ሃንክ ምካኑ ድማ ብዛዕባ ሓድነት ክምህርና ንምካኑ መን አዩ አዚ ብሃቂ አኬ አረትራዊ ድዩ ካብ ሕቶ ሃኢሙ ህጥው ቀጥው ይብለና በጃኩም ራዲኦ ኣሰና ሳብ መዓንጣኣ ሓሪራ ኣላ ጦዑያትን ሀገራውያንን ሰባት ኣቅርቡ ሰማዒ መንት ክትረክቡ ቻው

Post a Reply to h Cancel Reply