Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንዝኽሪ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ደሴት ላምፐዱሳ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ።

ንዝኽሪ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ደሴት ላምፐዱሳ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ። ሓደ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ብምውህሃድ ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ብዝግባእ ናብ ረብሕኡ ብምቕያር፡

ንዝኽሪ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ደሴት ላምፐዱሳ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ።

ሓደ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ብምውህሃድ ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ብዝግባእ ናብ ረብሕኡ ብምቕያር፡ ናብ ጎደና ዕብየትን ምዕባለን ንኸምርሕ ኣገደስቲ ካብ ዝኾኑ ረቛሒታት ሓደ ሰላም ኢዩ። ሰላም፡ መሰረት ናይ ብዙሓት ንወዲ ሰብ ዘድልይዎ ጸጋታት’ያ። ስለዝኾነ እዩ ኻኣ ብዙሓት ህዝብታት፡ ንሰላም ንምርካባ ይኹን ንምዕቃባ ብዙሕ ዋጋ ክኸፍሉ ዝርኣዩ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ከም ኩሎም ካልኦት ደለይቲ ሰላም ህዝብታት፡ንሰላም ንዋታውን ህይወታውን ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ምዃኑ ነጋሪ ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ከምቲ “ዘራጊ ማይ እንከሎ ጽሩይ ማይ ነይስተ” ዝተባህለ፡ እቲ ንሰላም ሃረር ኢሉ ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላሙ ተዘሪጉ፡ ንኽትረቑሖም ኣጸገምቲ ንዝኾኑ ሓሳረ መከራ ካብ ዝሳጣሕ እነሆ 23 ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ።

ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ በትረ ምልኪ ዝጨበጠ ጉጅለ ኢሰያስ ዝጠንቆም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸሙ ዝጸንሑን ዘለውን በደላት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ንሎሚ ነታ ጅምላዊ ህልቂት ናይ ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ዝተፈጸመላ ጸላም ዕለት 03, ጥቅምቲ 2013 ምርኩስ ብምግባር፡ ካብቶም በደላት ሓደ ንዝኾነ ስደት ክንጠቅስ።

ስደት፡ ከምቲ ገለ ዘይሓላፍነታውያን ዝብልዎ፡ መጋየጺ ዘይኮነስ ኣማራጺ ስኢንካ ዝወሰድ ስጉምቲ ኢዩ። ስለዝኾነ ኻኣ ህዝባዊ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ባእታታት፡ ስደት ንዘይምትብባዕ ንዜጋታቶም ብፍትሓውን ዲሞክራስያውን ምሕደራ ብምምሕዳር፡ ዘድልዮም ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ብዘይ ምሕላል ክሰርሑ ዝራኣዩ። ብሸነኽ ናይ ኤርትራ እንተሪእናዮ’ውን፡  ንስለ ነጻነት ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ ሓደ ካብ ራኢታት ናይ ህዝብን ተጋደልትን፡ ብሰንኪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ሃገሮም ዝወጹ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ዝብል ምንባሩ ናይ ቀረባ ተዘክሮ ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ቅንጣብ ህዝባዊ ሓላፍነት ዘይብሉ ጉጅለ ኢሰያስ፡ ኣብ ግዜ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተሰዱ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ጥጡሕ ባይታ ምምዕርራይ’ሲ ይትረፍ፡ ኣብ ሃገር ዝነበሩን ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ዝተወልዱን፡ እንተላይ’ውን ንስለ ነጻነት ናይ ህዝቦምን ሃገሮምን ናይ ንእስነት ዕድሚኦም ኣብ በረኻ ዘሕለፉን ቀሊልን ከቢድን ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ስንክልና ዘጋጠሞምን ዜጋታት ናብ ስደት ንኸምርሑ ዝቕስብ ጨቋኒ ኣካይዳ ኢዩ ክኽተል ጸኒሑን ዘሉን።

ንጨፍላቒ “ምሕደራ” ጉጅለ  ኢሰያስ ብምቅዋም፡ ዝብገስሉ እምበር ዝዓርፍሉ ቦታ ከይፈለጡ ካብ ሃገሮም ክስደዱ ኣብ ልዕሊ ዝተቐሰቡ ኤርትራውያን ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን በደል መግለጺ ዝርከቦ ኣይኮነን። ዶብ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ብ“ቶኪስካ ቕተል” (“Shoot and kill”) መምርሒ መራሕቲ ናይ ጉጅለ ኢሰያስ ዝተቐትሉ፡ ዶባት ክሰግሩ ብኣራዊት ዝተበልዑን ብውሕጅ ዝተወስዱን፡ ኣብ ዶባት ብወታሃደራት ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸመን፡ ንመሸጣ ናይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ብምቅላዕ ብደዎም ናውቲ ናይ ሰብነቶም ዝተወስደ፡ ግዳያት ኣጻምእ ምድረ በዳን ምጥሓል ኣብ ባሕርን ናይ ዝኾኑ ዜጋታት ቁጽሪ ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። እምባእርከስ፡ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ንግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ላምፐዱሳ ክንዝክር እንከለና፡ ነቶም ብቕድሚ እቲ ተረኽቦ ይኹን ብድሕሪኡ፡ ህይወቶም ካብ ጨፍላቒ ጉጅለ ኢሰያ ንምድሓን ናብ ስደት ከምርሑ ህይወቶም ንዝሳኣኑ ዜጋታትና ብሓፈሻ ክንዝከር ይግባእ።

ተረኾቦ ላምፐዱሳ ሓደ ካብ ብዙሓት ተረኽቦታት ምዃኑ ዘይካሓድ ሓቂ ኢዩ። ዓሚ ከምዚ ሎሚ፡ ኣብ መላእ ዓለም እንነብር ኤርትራውያን በቲ ፍጻሜ ክንስንብድን ክንሓዝንን እንከለና፡ ተመሳሳሊ ፍጻሜ ንኸይክሰት ቅንጣብ ውሕስነት ከምዘይነበርና ኣንዳዕዲዕና ንፈልጥ ኔርና ኢና። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ’ዚ ውሽጢ ዓመት’ዚ ብዙሓት ኣሰቀቕቲ በደላት ኣብ ልዕሊ ኤትራውያን ተፈጺሞምን ብዙሓት ኤትራውያን ድማ ኣብ ሳሃራን ባሕርን ህይወቶም ስኢኖምን ኢዮም። ሕጂ’ውን፡ ከምቲ “ሰይጣን ኣይስማዕ” ዝተባሃለ፡ ኣይግበሮ’ምበር ተመሳሳሊ ሓደጋታታ ንኸየጋጥም ዘቐመጥናዮ ውሕስነት የለን።

ሎሚ ብ”እንታይ ገደሰኒ” ጥራይ ዘይኮነስ እንተላይ’ውን ብ”እንታይ ገደሰካ” ሕማም ዝተለኽፈ ዘይሓላፍነታዊ ዜጋ እንተዘይኮይኑ፡ መንቀሊ ናይ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ በደል ዘይፈልጥ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ግርህነት ጥራይ ኢዩ። እወ፡ መንቀሊ ናይ ኩሎም ጸገማትና ጉጅለ ኢሰያስ እዩ። እንተስ ብዕሙት ሃገራዊ ስምዒት እንተስ ብኻልእ ተደፊኑ፡ ኣብ መንጎ ህዝብን ጉጅለ ኢሰያስን ዘሎ ፍልልይ ክርኢ ዘይድሊ እንተሃልዩ፡ ኣዒንቱ ከፊቱ የማነ ጸጋሙ ጥራይ ኢዩ ቁሊሕ ክብል ዘለዎ። ሎሚ ኩነታት ሃገርና በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ፡ መጻኢና ኣዝዩ ኣሰካፊ’ዩ። ኤርትራውያን ሃገሮም ክትንፈጎም፡ ዜጋታትና ንበደዊን፡ ባሕርን ሳሃራን እንክቃልዑ፡ ወተሃደራት ተቓወምቲ ውድባት ናይ ኢትዮጵያ ድማ ሰብ ጉዳይ ናይ ኤርትራ ክኾኑ፡ “ክልተ ሞት” ኢዩ ዘብል።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽናዮ፡ ሰላም እምነ ኩርናዕ ናይ ኩሉ ዓይነት ግስጋሰ ኢያ። ግን ድማ ብቐሊሉ ትርከብ ኣይኮነትን። ንሕና ኤርትራውያን ንስለ ሰላም ንነዊሕ ዓመታት መሪር ቃልሲ ኣካይድና። ድሕሪ እቲ ኩሉ ዝሓለፈ ሓሳረ መከራን ዝተኸፍለ ዋጋን ድማ ሰብኣዊ ነጻነትና ተጋሂሱ ሰላምና ተዘሪጉ እነሆ ንተራእዮምን ተሰሚዖምን ዘይፈልጡ በደላትን ሓደጋታትን ንቃላዕ ኣለና። ሎሚ’ውን ከም ትማሊ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድና እዩ። ሓቢርና ብሕድሕድ ምትእምማንን ምክብባርን ምስ እንሰርሕን፡ እንጻር ናይ ሓባር ጻላኢና ዝኾነ ጉጅለ ኢሰያስ ደው ምስ እንብልን፡ ራህዋና ርሑቕ ኣይክኸወንን  ኢዩ።

በዚ ኣጋጥሚ እምባኣር፡ ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ ንኹሎም ግዳያት ብልቢ እናዘከረ፡ ሎሚ’ውን ከምወትሩ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ ንምትካል ኣብ ዝግበር ዘሉ ቃልሲ እጃምና ንምብርካት ድሉዋት ምዃና ንገልጽ።

ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Delay selam October 1, 2014

    Job well done. We will be all ways with you. PFDJ in Atlanta is gone for good. It’s a city of energizer to many peace loving group. And still is a city of challengers. The Eritrean American community, EGS, EYGM, now a chapter of EYSNS, and other civil organizations working together and been doing very effective job.

POST A COMMENT