Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንገዲም ተጋዳላይ ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም ዝተገጥመ ግጥሚ።

ንገዲም ተጋዳላይ ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም ዝተገጥመ ግጥሚ። ወዲ-ቀሺ ወልደማርያም ሙሉእ ደብተር ቆልዓ ዓዲ-ዃላ ሙሉእ ደብተር ኣጎስማ ሽመጃና ሙሉእ ደብተር ይበል ሊቅነት ምሉእ ደብተር በሊሕ ዜጋ ኣላይ መግደር ነዊሕ ቁመት ብመጽዓን ዘይጥመር ሙዑት ሓርበኛ ብመግዛእቲ ዘይግረር ኣባኻ’ሞ ከመይ ኢልካ ይሕፈር ውሽጠይ ካብ በለኒ ድፈር ፍልጠት ዝሃብካኒ

ንገዲም ተጋዳላይ ስውእ ተስፋማርያም ወልደማርያም ዝተገጥመ ግጥሚ።

ወዲ-ቀሺ ወልደማርያም ሙሉእ ደብተር

ቆልዓ ዓዲ-ዃላ ሙሉእ ደብተር

ኣጎስማ ሽመጃና ሙሉእ ደብተር

ይበል ሊቅነት ምሉእ ደብተር

በሊሕ ዜጋ ኣላይ መግደር

ነዊሕ ቁመት ብመጽዓን ዘይጥመር

ሙዑት ሓርበኛ ብመግዛእቲ ዘይግረር

ኣባኻ’ሞ ከመይ ኢልካ ይሕፈር

ውሽጠይ ካብ በለኒ ድፈር

ፍልጠት ዝሃብካኒ ብኸፈር

በሊሕ ሰብኣይ ብዓመጽ ዘይክተር

ንዓመጸኛታት ብመጎት ዘብሎም ተር

ባዓል ብሩህ ኣእምሮ ዘይብሉ ወደር

ኩሉሳዕ ትሑት ፈለጥኩ ኢሉ ዘይግተር

ሕሳስ ልደት ቤት ኩሉሳዕ ዘቐድም ሃገር

ጽኑዕ ምርኩስ ብስሰዐ ዘይስበር

ወለላ-ማዓር ፍልጠት ዝብርበር

እንትርፎ ምስማዕ ኣብ ቅድሚኡ ዘይምደር

መሰታ ቀዳሞት ዘይብሉ ኣበር

ከም ማይ ዝጽማእ ንፍልጠት ዝሕደር

ፍታሕ ህዝብን ሃገርን ኣብ ልብኻ ይስተር

ብህዝብን ሃገርን ዘይብሉ ኣበር

ኩሉሳዕ ብሩህ ብነቕጺ ዘይቅደር

ሓጺን ባሌስትራ ዘይስበር

ከም ሹም ፍረ-ሓንስ ናይ ምኽሪ ማህደር

ኣካ ነገርካና ብዙሕ ቁም-ነገር

መዋዕልቲ ኣሕመድን፥ መልኣከን፥ ናይ ታሪኽ ማህደር

ምልምል ሳንታ ፋሚልያ ናይ ፍልጠት መደበር

ኣካ ጻሓፍካዮ ብዙሕ ቁም-ነገር

መን’ሞ ዘይፈልጥ ናትካ ነገር

“ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ፤ ዓወት፤ ገስግስ” ሎሚ እንተዝዝከር

መቕረበ ናይ ብቕዓትካ ምስክር

ንምትንባህ እንተዘይኮይኑ ፍልጠትካ ማዓስ ይስፈር

ነቐልኩ ካብ በልካስ ኪደናይ እምበር

መገሻ ሞት ማዓስ ኣልይዎ ወዓል ሕደር።

ነጋሲ በየነ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • wediare March 30, 2015

    Well done.It deserves to Tesfamariam, a smart and wise guy. Almighty God rest his soul in peace.

    • Saba March 30, 2015

      I am from Atlanta, but never heard his name and I do not think he was active in the Eritrean community. My condolences to his family.

      The poem is well written but not for the average Eritrean. For example the first stanza does not make sense to me. What does it mean. Negasi please explain to me what you mean by:
      ወዲ-ቀሺ ወልደማርያም ሙሉእ ደብተር
      ቆልዓ ዓዲ-ዃላ ሙሉእ ደብተር
      ኣጎስማ ሽመጃና ሙሉእ ደብተር
      ይበል ሊቅነት ምሉእ ደብተር
      በሊሕ ዜጋ ኣላይ መግደር
      I am lost. How is Adi Quala and Shimejana related in these lines.

      • wediare March 30, 2015

        I think the word “ኣጎስማ” you donot understand.”ኣጎስማ” means my friend or Mehazay.

        • wedi keshi January 9, 2016

          ክክክክክክክል ኣጎስማ ማለት ማሓዛይ ኢልካዮ።ኣይይይይ ኣታ ናበይ ኢና ኣንፈትና።እንታይ ኣምጸኦ ዘይንስኻ ምምሳል ሓወይ።ኢንግሊዝ ክትዛረብ ትግርኛ ሃዲማትካ።ኣጎስማ ሽመጃና ክብል ከሎ ኣዲኡ ጓል ሽመጃና ወይ ድማ ዓዲ ኣኮታቱ ሽመጃና ማለት ኢዩ።ትገርሙ ስርባት ኢኩም።ትግርኛ ረሲዕካ ኢንግሊዝ ምዝራብ ዓቢ ሰብ ኣይገብረካን።ቋንቋኻ ባህልኻ ኣይትረስዕ ።ሃይማኖትካ ኣይትቀይር ኤርትራዊ።

  • Gezae March 30, 2015

    The word “ኣጎስማ” doesn’t mean my friend or Mehazay.”ኣጎስማ” means Son-in-law or wedi-habtey.

  • Gezae March 30, 2015

    CORRECTION:
    I am sorry the word “ኣጎስማ” doesn’t mean my friend or Mehazay.”ኣጎስማ” means Nephew; Niece or in Tigrigna wedi-habtey.

  • Fontana March 30, 2015

    ኣጎስማ ማለት ወዲ ሓፍተይ ማለት ኢዩ ስለዚ ንሱ ኣደኡ ካብ ከባቢ ሰንዓፈ ሚኩኣና ይነግረሉ ኣሎ በቲ ሓደ ድማ ካብ ዓዲ ዃላ ከምዝውለድ ይዛረብ ኣሎ። ኩሉ ኣብ መልቀስ ይኹን ኣብ ማሰ ዝዝረብ ይርደኣና ወይ ንፈልጦ ማለት ኣይኮነን። ነጋሲ በየነ ጽቡቅ መልቀስ ይብል ሳባ ኩኒ እቶም ካልኦት ሰባት ድማ ኣብቲ ትነብርሉ ነይሩስ ኣይፈለጥናዮን እሞ ፍሉጥ ኣይነበረን ክትብሉ ዝከኣል ኣይመስለኒን ምኽንያቱ ኣነ እንተ ዘይፈልጥኩዎ ናተይ ጉድለት ደኣ እምበር ናቱ ኣይኮነን። ምናልባት ኣብቲ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ናቱ ጥራሕ ዝያዳ ይነጥፍ ነይሩ ይኸውን። ናብ ሳባ ክምለስ፣ ብሓፈሻ እታ ቀዳመይቲ መስመር ናቱ ታሪኽ ማለቱ እዩ ብደብተር ዝብል ቅጽል ገሊጹዎ ዘሎ። እዚ እንድዩ ታሪኽካ እዚ እንዲኻ ዝገበርካ ካብ ምባል ደብተር ኢሉ ኣጠቓሊሉዎ። ነዚ ምግባር ዋሕዚ ቃላትን ምልከት ኣሰዃኹዓን ይሓትት። ንኡድ ቀጽሎ ዝበሃል ናይ መንፈዓት መግለጺ ንወሃብ ኔርና ጽቡቕ ነጥቢ እንተ ኣምጻና እሞ፣ ሕዺ ድማ ንኡድ ቀጽሎ ይብለካ ነጋሲ። በተሰቡን ፈትወቱን ንመዋቲ ድማ ጽንዓት ይሃብ። ነዓኡ ከኣ ኣምላኽ ይቀበሎ ኣብ መንግስቱ።

  • Mesinas March 31, 2015

    ንኣቦና ሓርበኛ ስውእ ተ/ማርያም ወ/ማርያም መንግስተ ሰማያት የውርሶም እናበልኩ፡ ንስድራቤቶምውን ጽንዓት እምነ። ካልእ ንእግረ መገደይ ቀጺለ ከተሓሳስቦ ዝደሊ ነገር፡ ነቲ ንሓርበኛ ዘመጉስ ናዕታ ዝወረቐ ክቡር ሓው ማሰኛ ነጋሲ በየነ ልባዊ ምስጋናይ እናቕረብኩ፡ ሓደ ሓደ ዘይዝውቱር ቃላት ስለ ዝተጠቕመ ግን ኣብ ነበብቲ ናይ ምርዳእ ጸገም ፈጢሩ ከም ዘሎ ካብዚ ኣብ ትሕቲ እቲ ጽሑፍ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ርእይቶ ሓሳባት ጎሊሑ ይርአ ዘሎ ተዓዚበ። መፍትሒ ናይዚ ከኣ ከምቲ ኣነውን ወትሩ ዘዘውትሮ ነቶም ዘይዝውቱራት ቃላት፡ ብምልክት ኣብ ድሕሪኦም ትርጉሞም ምጽሓፍ ሓጋዚ ኮይኑ ይስምዓኒ። በዚ መገዲ ኣቢልካ ከኣ ነቶም ቃላት ምስቲ ዝረሰዖምን ዘይፈልጦምን ህዝቢ ተላልዮም ማለት’ዩ።

    ንኣብነት፥
    ሙዑት ሓርበኛ ብመግዛእቲ *ዘይግረር *ሸርኽረኽ ዘይብል፡ መጒስዕ ዘይመልስ
    *ኣጎስማ ሽመጃና ሙሉእ ደብተር *ወዲ ሓብቲ/ሓውቲ
    በሊሕ ዜጋ ኣላይ *መግደር *? (ጸሓፊ ክሕብረና እላቦ?)
    *ፍልጠት ዝሃብካኒ *ብኸፈር *ትርጉም ኣብ ታሕቲ ርአ
    *ከፈር፡ ኣስታት ዕስራ ኪሎ ግራም እኽሊ ዚሕዝ ብላኻ ዝተሰፍየ ሒላብ ዝመስል ኣቕሓ’ዩ።
    ኩሉሳዕ ብሩህ ብነቕጺ *ዘይቅደር *? (ጸሓፊ ክሕብረና እላቦ?)
    *ቀደር ግን ደቂቕ ኪነፍር ዚኽእል ሓሸራ’ዩ።
    *ባዓል ብሩህ ኣእምሮ ዘይብሉ *ወደር *? (ጸሓፊ ክሕብረና እላቦ?)
    ብተወሳኺ ሓደ ሓደ ቃላት እቲ ቅኑዕ ኣጸሓሕፋኦም ከምዚ ዚስዕብ ሙዃኑ ክሕብር እደሊ።
    ወዲ-ቀሺ= ወዲ ቀሺ
    ቆልዓ ዓዲ-ዃላ= ቈልዓ ዓዲ ዃላ
    *ባዓል= ብዓል
    *ሕሳስ ልደት= ሕሳስ ልደ
    *ወለላ-ማዓር= ወለላ መዓር
    *ቁም-ነገር= ቁዉም ነገር
    *ማዓስ ይስፈር= መዓስ ይስፈር
    *ማዓስ ኣልይዎ= መዓስ ኣልዩዎ የቐንየለይ።

POST A COMMENT