Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንፍልጠት ንቀዳደም፣ ስደት ንዝህበና ናጽነት ከኣ ንጠቐመሉ!!

ዝኾነ ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ሰባት እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ ኢዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን። ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት

ዝኾነ ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ሰባት እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ ኢዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን። ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እዉን መስተዉዓሊ፣ ንፉዕ ሰማዒን ትኩር ጠማትን ብምዃን ንህይወትካ ብኣወንታ ዘማእዝንን ዘናብረካን ፍልጠት ምምእራር ይከኣል እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲርካ ምስ ሰባት ምዝታይን ምምኽኻርን ንገዛእ ርእሱ፣ ብዛዕባ ከባቢኻን ዓለምን ሰፊሕ መረዳእታ ንኽህልወካ ሓጋዚ እዩ። እቲ ዘየቋርጽ ምንጪ ፍልጠት ግን መጽሓፍ እዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ በብግዚኡ እናማዕበለ፣ እናዓሞቐን እናተሓደሰን ዝኸይድ ምንጪ ሓበሬታ ስለዝኾነ።

መጽሓፍ ናይ ምንባብ ባህሊ ዘለዎ ሰብ ምስ ነፍስ-ወከፍ ስጒሚ ምዕባለ ዓለም ክጓዓዝ ይኽእል። ብመገዲ እቶም ዘንብቦም መጽሓፍቲ ኣቢሉ ከኣ ንነብሱ ወትሩ ምስ ሓዳስ ዓለም ብምልላይ ድሕሪት ካብ ምትራፍ ይድሕን። ኣብዚ ሎሚ ዓለም ብምዕባለ እትሕምበበሉ ዘላ ዘመን፣ መሃይምነት ዝበሃል ፊደል ዘይምቑጻር ጥራይ ዘይኮነ ምስ በብግዚኡ እናተሓደሰ ዝኸይድ ዓለም ክትላለ ዘይምኽኣል እዉን እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኢዩ ወላ እቲ ሊቕ ዘስሚ ትምህርቲ ዝተማህረ ሰብ ባህሊ ንባብ ክሳብ ዘይሃለዎ ካብ መሃይማን ኣይፍለን ኢዩ ዝበሃል።

ብግቡእ ኣይንጥቀመሉን ኢና እምበር ኣብ ግዜና ዘሎ ናይ ሓበሬታ መተሓላለፊ ኣገባባት ብዙሕ ኢዩ። ኣብ ዝኾነ ግዜ ክትዉከሶ እትኽእል ብጽሑፍ፣ ስእሊን ቪድዮን እተሰነደ ሓበሬታ መሊኡ’ዩ። ግን ከኣ ካብ መጽሓፍቲ ወጻኢ ዘለዉ ናይ ሓበሬታ መተሓላለፊ ኣገባባት ዓሚቕ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉን ብግቡእ ዝተተንተነን ሓበሬታ ዘይርከቦም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ መጽሓፍቲ ዝሰፍር ሓበሬታ ዝበዝሕ ግዜ ምሉእን መሰረት ዘለዎ ትሕዝቶ ዝርከቦን ኢዩ። እቲ ዝበዝሕ ኣብ ናይ ጸረ ህግደፍ ቃልሲ ዝዋሳእ ሰብ ግን መጽሓፍቲ ምንባብ ከሰልክዮ ይረአ። ኣብ ክንዲ መጽሓፍቲ ኣንቢቡ፣ ሰሚዑ ወይ ቁራጽ ሓበሬታ ኢንተርነት ሒዙ ተባህለ ንምባል ይቀዳደም። ዘይምሉእ ወይ ቁንጫል ሓበሬታ ጥራይ ሃሰዉ ምባል ሃካይ ኢዩ ዝገብረካ። ብኣቋራጭ ሓበሬታ ናይ ምርካብ ህንጡይነት የሕድረልካ። ኣብ ናይ ኮነ ተገብረ ሓሸዉየ ይሸመካ። ኣብ ክንዲ ብዓቕሊ ኣኮማሲዕካን ብኹሉ ኩርናዓት (Perspectives) መርሚርካን ዝተማልአ ሓበሬታ ምዉሓጥ፣ ላህመታዊ ሓበሬታ ጎሲምካ ንዕላል ከም እትጓየ ይገብረካ። Magazine Knowledge ወይ ድማ Tabloid I.Q ዝብል ኣበሃህላ ነዚ ኢዩ ዝገልጽ።

ናይ ምጽሓፍን ምንባብን ዓለም እቲ ኣመና ዝብርሃኒ ዓለም እዩ። ኣታ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ከለና’ኮ ብርቱዕ ጽምኢ ሓበሬታ ኢዩ ነይሩና። ናይ ምጽሓፍ ናጽነት የብልካ! ከም ድላይካ እናገላበጥካ እተንብቦ መጽሓፍቲ የለ! ጸልማት እዋን’ኮ ኢዩ! ኣብ እንዳ ዜና ዘላ ናይ ሳንሱር ኣሃዱ “ነዛ ሃገር’ዚኣ ኣየድልያን እዩ” ብምባል ናብ ዝመጾ ሃገር ዝመለሰቶ መጽሓፍቲ’ኮ ማእለያ የብሉን። ካልእስ ይትረፍ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ መጓዓዝያ ዝመሓደር ኣገልግሎት ፖስታ ኤርትራ ብሓደ ገዲም ኣባል እንዳ 72 ዝነበረ ሓላፊ ጸጥታ ይመሓደር። ኢሳያስን ከደምቱን ከምቲ ዜጋታትና መዓልታዊ ንዘካይድዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርባት እናጠለፉ መን እንታይ በለ ክብሉ ዝዉዕልዎ፣ ብትካል ፖስታ ንዝመጽእን ዝኸይድን ዕሹግ ፖስታታት እዉን እናኸፈቱ እዮም ዝፍትሽዎ። ካብ ደገ ንዝለኣኽ ናይ ስድራ ቤት ናይ መርዓ ሲዲ እኳ ክንዲ ዝነዉሐ ይንዋሕ ኮፍ ኢሎም ይዕዘብዎ። ብፖስታ ካብ ደገ ንዝኣቱ መጽሓፍቲን መጽሔታትን ከፊቶም የንብብዎ። ባህ ዘይብሎም ትሕዝቶ እንተረኺቦምሉ ድማ ናብ ዝመጾ ሃገር ይመስልዎ። ነዚ ዕማም እዚ ብንጥፈት እተሳልጥ፣ እዛ ኣቐዲመ ዝገለጽኩልኩም ኣሃዱ ሳንሱር እንዳ ዜና እያ።

ብሓበሬታ ዝደኸየ ሕብረተሰብ ብኢሳያስን መሰልቱን ንኽግዛእ ዝቐለለ እዩ። ኣብዚ ዓለም ካብ ሓበሬታ ክትስእን’ኮ ገንዘብ ክትስእን ይሓይሽ!! ምዃን ግን ዘይብቐደሙስ ሓበሬታ እንደኣሉ ንገንዘብ ዝፈጥሮ። ገንዘብ ክሰርሑ ዝዉዕሉ ሃብታማት ነጋዶ፣ ሓበሬታ ዕዳጋታት ዓለም ንምርካብ እንድዮም ምስ መስትያት ኮምፒተሮም ግንባር ንግንባር ኮይኖም ኣብ ጫካታት ኢንተርነት ዝዉዕሉ ዘለዉ!

ዝኾነ ኾይኑ ሓበሬታ ኣገዳሲ ኢዩ ጥራይ ተባሂሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ኣገዳሲ ካብ ምዃን ሓሊፉ ብሶላ ህይወት እዉን ኢዩ። ብዘይ ሓበሬታ እንጓዓዞ ስድሪ ህይወት የለን። ብሓጺሩ ሓበሬታ ሓይሊ ኢዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሕስብ ከብሎ ከለኹስ፣ እዘን ጎረባብትና ሃገራት’ሲ ወላ ብህላወ ሓበሬታ እየን ዝቕድማና። ርሑቕ ከይከድና፣ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ይትረፍ ኣንቢብካ ቀዲድካ’ኳ ዘይትዉድኦ በብዓይነቱ መጽሓፍቲ (ንመንግስቲ ዝነቅፍ ወይ ዘንቋሽሽ ከይተረፈ) ንመሸጣ ተዘርጊሑ ይዉዕል። ሸለብ ገለብ ከይበልካ ትዕድጎ። ተሓቢእካ ዘይኮነ ከኣ ኣብ ኣደባባይ ተንብቦ። ኣብ ሓንቲ ድኻ ጎረቤት ሃገር ተሰዲድካ ዝደለኻዮ ኣንቢብካ ዝደለኻዮ ሓበሬታን ፍልጠትን ክትረክብ ምኽኣል (እሞ ከኣ ኣብ ዓድኻ ዝተነፈግካዮ) ንዓይ የቕንኣኒ እዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኩሉ ዓይነት ናጽነት ክሓስብ ከለኹ ናይ ንጽጽር መወከሲየይ (Point of Reference) ህሉዉ ኩነታት ኤርትራ ስለዝኾነ! ኣብ ዓደይ ዘየሎ ኣብ ዓዲ እንዳማተይ ግን ወላ ብዉሑድ ሚእታዊት ንዘሎ ናጽነት የድንቕ ኢየ።

ናይ ጽሑፍን ንባብን ዓለም ዝብርሃኒ ዓለም እዩ ኢለ ኣለኹ። ስለዝኾነ ድማ ብመከራ ስደት ተሰኒፈ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ሸዉሃተይ ንኸይመዉት ብሞራል ዝከናኸኑኒ ኤርትራዉያን ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሓት እዮም። እቲ ጽሑፍ ዘስተማቕር ጽሑፍካ ኣንቢቡ የበራትዓካ። እቲ ጽሑፍ ዘየስተማቕር እዉን “ኣጆኻ!” ንምባል ኣይሓምቕን እዩ። እቲ ገሊኡ ንጽሑፍካ ዘንብቦ ናእዳን ነቐፌታን ሓዋዊሱ ይህበካ። እቲ ንጽሑፍካ ኣንቢብዎ ዘይፈልጥ እዉን ወላ ንኣመሉ ይበሃል እዩ ኢሉ ብዛዕባ ዘየንበቦ ጽሑፍካ ይዉድሰካ። ዓይነት ሰብ ብዙሕ እዩ!

ኣብ ሚኒስትሪ ዜና መሳርሕተይ ዝነበሩ’ሞ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ዘለዉ ናይ ሞያ ብጾተይ፣ ስሕት ኢለ ኣብ ኢንተርነት ክረኽቦም ከለኹ “ጻዉዒት ዉሽጥኻ ክትሰምዕ ብምብቃዕካ እንቋዕ ሓጎሰካ!” ይብሉኒ እዮም። ሓቆም እዮም። ብሓባር ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ነናይ ዉሽጥና ጻዉዒት ክንደይ ሳዕ ዘይጸቐጥናዮ! ሓቂ ንኽንምስክር፣ ዝተበሃልናዮ ገዲፍና ዝኣመንናሉ ንኽንጽሕፍ ሕሹኽ ዝብለና ጻዉዒት ዉሽጢ ነይሩና። ምቕናይ ስለዝመረጽና ግን ኣይሰማዕናዮን። ንኹሉ መዓልቲ ከም ዘለዎ ግን ንፈልጥ ኔርና ኢና። ንሳቶም ኣብታ ብሓባር እነማርረላ ዝነበርና ማሕዩር ኮይኖም ዕለተ ስደቶም ይጽብጽቡ ኣለዉ። ኣነ ድማ ተሰዲደ ኣለኹ። እንተ ኣነ ምስ ተሰደድኩ ብዙሕ ነገራት ስኢነ። ነጻ ኮይነ ክሓስብን ክጽሕፍን ግን ክኢለ። ወላ እዉን ተገዲድካ ኣብ ዘይትኣምነሉ ሰልፊ ተሰሪዕካ ምኻድ ዉርደት እዩ። ካብቲ ዉርደት ዝጸልእ ሕብረተሰብ ስለዝተወለድኩ ድማ ክብረት ምስ ሓሳረ መከራ ስደት መሪጸ።  “ካብ ሽሕ ዓመት ብዉርደት ሓንቲ መዓልቲ ብኽብረት” ድዮም ዝበሉ ኣቦና ዓብደልቃድር ከቢረ።

ብዛዕባ ህግደፋዊ ጋዜጠኛነት ክሓስብ ከለኹ ወትሩ ዝዝክራ ቃል ናይ ሓደ ምዕራባዊ ጋዜጠኛ ኣላ። እዛ ቃል’ዚኣ ዋና ኣሰናዳኢ ናይ ሓንቲ ስማ ዝረሳዕኩዋ ግን ከኣ ብደረጃ ዓለም ግንንቲ ዝኾነት ጋዜጣ፣ ብጥሮታ ካብ ስርሑ ምስ ተሰናበተ ኣብ ዝተገብረሉ ወግዓዊ ናይ ስንብታ ጽንብል ዝተዛረባ እያ። ከምዚ’ያ ትብል፦

The politicians pull the strings, we dance. We are intellectual prostitutes. ነዚስ ኣብ ክንዲ ቃል ብቓሉ ዝትርጉሞ “ፖለቲከኛታት ከረርቲ፣ ንሕና ከኣ ተለሃይቲ ኢና” ኢለ ከቐምጦ ይሓይሽ። ኣብ ትሕቲ ፖለቲከኛታት ኴንካ እትነብሮ ናይ ጋዜጠኛነት ህይወት ኣይነበር ኢዩ!! ፖለቲከኛታት ኣብ ዝተኸሉዎ ጓይላ ተኹድድ። ነቲ ከበሮ ባዕላቶም እዮም ዝድስቑዎ። ነቲ ክራር’ዉን ንሳቶም’ዮም ብዝደለይዎ ቅኒት ዝወቕዕዎ። ናትካ ተራ ኩዳ ጥራይ ኢዩ። እግሪን ከበሮን በበይኑ ከይከዉን ልዑል ጥንቃቐ ኢኻ ትገብር። ካብ ቅኒት ወጺእካ እንተኣኹዲድካ ኣብኣ ትረኽባ! ኣብ ቅኒት ንምእታዉ እትገብሮ ጻዕሪ ድማ ናጽነትካ የስእነካ። ከምዚ ዓይነት ሃለዋት ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ትሕቲ መለኽቲ ስርዓታት ኢዩ ዝረአ። መለኽቲ ስርዓታት ነቶም ናጽነቶም መንጢሎም ዘስርሑዎም ጋዜጠኛታት “ተለሃይቲ” ኣብ ክንዲ ዝብልዎም “ልምዓታዊ ጋዜጠኛታት” ዝብል ሓድሽ ስም ሰኒዖምሎም ኣለዉ።

ናብታ ናይ ህግደፍ ኤርትራ ንመለስ። ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ኴንካ ክትጽሕፍ ከለኻ ህግደፍ ነተን ትጽሕፈለን ብርዒን ወረቐትን ጥራይ ኣይኮነን ዝዉንነን። ነታ ርእስኻ እዉን ናቱ ኢዩ ዝገብራ። ኣብታ ባዕሉ ዘዳለወልካ መቓን ኴንካ ትሓስብ፣ ኣብታ ዓለም እቲኣ ኴንካ ድማ ቀለም ብርዕኻ ተፍስስ። ነዚ ምስ ዘይትገብር ኣብ ዓዲ ኣቤቶን ማይ ስርዋን ትረአ። ወይ ከኣ ደሃይካ ደሃይ ሰብ ዒራዒሮ ይኸዉን። ካብዚ ባርነት’ዚ ነጻ ትኾነላ ሓንቲ መፍትሒ ግን ኣላ። ንሳ ከኣ ስደት! እወ እዛ ብዙሕ ነገራት እተስእነካ፣ እንሓንሳእ እዉን ምስ ዘይመራኽብትኻ እተራኽበካ ስደት!!

(ንባዕላቶም ናብ ዉሑስ ቦታ ተሰዲዶም ዝነብሩ ክነሶም ንስደት ዝኹንኑ ገለ ወገናትና፣ “ስደት መፍትሒ ኣይኮነን” ክብሉ ይስምዑ። ኣይትሰደዱ ማለቶም እንተኾይኑ ክእረም ዘለዎ ኣበሃህላ ኢዩ። ምኽንያቱ ሽግርና ንስደድ ምዃንና ኣይኮነን። እንታይ ደኣ! ምስ ተሰደድና ኣብ ናይ ለዉጢ ቃልሲ ኢድና ክንሕዉስን ዓቕምና ዝፈቕዶ ከነበርክትን ድሉዋት ዘይምዃንና እዩ። “ዉድባት ሓሚቐን” ዝብል ምኽኒት ቅቡል ኣይኮነን። ሕምቀት ዉድባት ወላ ብዉልቅኻ ንኸይትቃለስ ኣእማኒ ምኽንያት ክኸዉን ኣይክእልን። መብዛሕትና ኣብ ስደት እንርከብ ዜጋታት ግን ይትረፍ ተቓለስቲ ተቓወምቲ’ኳ ክንበሃል ኣይንደልን።)

ብዛዕባ ናይ ምጽሓፍ ናጽነት ክሓስብ ከለኹ እዘን ዝስዕባ ቃላት ናይ ኣርባዕተ ህቡባት ደረስቲ ወይ ኣሰናዳእቲ እዝክር። በብሓደን በቲ ዝተጻሕፋሉ ቋንቋን ከቐምጠን፦

“ንመንእሰያት ጸሓፍቲ ዝላበዎም፣ ዘይኣምኑሉ፣ ዘይተመራመሩሉን ናይ ግዜ ፈተና ዘይሓልፍን ጽሑፍ ንኸይጽሕፉ እዩ።”

እዚ ቃል’ዚ ደራሲን ተመራማሪ ታሪኽን ኣለምሰገድ ተስፋይ፣ “ንመንእሰያት ጸሓፍቲ እንታይ ኢልካ ምተላበኻዮም?” ተባሂሉ ብኣሰናዳእቲ መጽሔት ነጸብራቕ ምስ ተሓተተ ካብ ዝመለሶ ዝወሰድኩዎ እዩ።

እቲ ካልእ ቃላቱ ክጥቀም ዝሓረኹዎ ደራሲ በኣሉ ግርማ እዩ። ንመጽሓፍ “ኦሮማይ” ዝዝክር በኣሉ ግርማ መን ምዃኑ ኣይጠፍኦን እዩ። ኣቶ በኣሉ ኣብታ “ደራሲዉ” ዘርእስታ ልብወለድ መጽሓፉ ካብታ ናይ ኣለምሰገድ ዘይትፍለ ለበዋ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል፦

“ድፍረት የሌላት ብእር ወረቀት ባታበላሽ ይሻላል። ከኣድርባይ ብእር ባዶ ወረቀት ይበልጥ ብዙ ይናገራል”

በተን “Animal Farm”ን “1984”ን ዝበሃላ መጽሓፍቱ ዝፍለጥ ደራሲ ጆርጅ ኦርዌል ድማ ኣብ ግዚኡ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፦

“Journalism is printing what someone else does not want printed. Everything else is public relations”

ናብቲ ራብዓይ ሰብ ክሰግር። Wikileaks ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ መስሪቱ ዲፕሎማስያዊ ምስጢራት ኣሜሪካ ብምቅላዕ ንዓለም ዘናወጸ ኣዉስትራልያዊ ጁልያን ኣሳንጅ፣ ኣብ ሓደ ቃለ መሕትት፣ “ነዚ ስራሕ’ዚ ክትጅምሮ ከለኻ ዝተበገስካሉ ጭርሖ እንታይ እዩ ነይሩ?” ተባሂሉ ምስ ተሓተተ “Courageous Contagious!” ዝብል መልሲ ሂቡ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ነቲ ንሱን ብጾቱን ዝሰርሕዎ ስራሕ ብልክዕ ዝገልጽ ጭርሖ!! ከምቲ ጁልያን ኣሳንጅ ዝበሎ ትብዓት ተላጋቢ እዩ። ኣሳንጅ ብድሕሪኡ ካልኦት ከም ዝስዕቡዎ እናተተስፈወ እዩ ናይ ትብዓት ሞዴል ክኸዉን መሪጹ – እሞ ድማ ብዋጋ ህይወቱ። ብርግጽ ንኽትተብዕ ናይ ትብዓት ሞዴል የድልየካ። ትብዓት ዝሓትት ስራሕ ኣበጊስካ ኣብነት ትብዓት ክትከዉን ምሕላን ከኣ ኣገናዕ ክበሃል ዝግብኦ ተበግሶ እዩ።

ናብ ናትና ኩነታት ምልስ ኢልና እንተርኢናዮ ኣብ ስደት ሓያላት መርበባት ሓበሬታ፣ ብሎጋትን ማዕከናት ዜናን ከፊቶም ነቲ ህግደፍ ሓበሬታ ንምዕፋን ዝጥቀመሉ ናይ ዓፈና መጋረጃ ኣብ ምትርባዕ ዝርከቡ ዜጋታት ኣለውና። ህግደፍ ነዘን ምንጪታት ሓበሬታ ንምዕፋን ሚልዮናት ገንዘብ ዘፍስስ ዘሎ ንህላወኡ ሓደጋ ስለዝኾንኦ እዩ። ስለዚ እቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኮይኖም ብሓሳባዊ ጽላሎት ህግደፍ ምዩቕ እናበሉ ዝፈልጡዎ ካብ ምዝራብን ምጽሓፍን ተቖጢቦም ዝነብሩ ዜጋታትና ካብዞም ዝጠቐስኩዎም ወገናትና ክመሃሩ ንምሕጸኖም። ኣብ ዓዲ ከለና ዝተሸቑረርናዮ ይኣክል!! ድሕሪ ስደትናስ “እምቢ!” ምባል ደኣ ንልመድ። “እምቢ!” ትብል ቃል ኣብ ብራና ልብታትና ተጻሒፋ ኣብ መንፈሰ-ሕልናና ክትሰርጽ ኣለዋ። ኮራኩር ህግደፍ “ኢሱ ዘይበለ ካባና ይፈለ!” እንድዮም ዝብሉ!! ንሕና ከኣ “እምቢ ዘይበለ ካባና ይፈለ” እናበልና ክንዝምር ኣለና።

ኣማኑኤል ማህደረ

(iamamanuel@yahoo.com)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Mesinas July 27, 2013

    መግለጺታት ምሃብ ብዛዕባ ጉዳይና
    ከም ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን ባህልና!

    “ጽቡቕን ሕማቕን ዝተገብረ ነገር
    ባህልና ኣይኮነን ንህዝቢ ኪንገር
    ስለዚ፡ ትም በሉ ዚተገብረ ይገበር
    ባዕልና ኣለናዮ ጉዳይ ናይዛ ሃገር!

    እናበለ መላኺ ፈቲኑ ኪገንሓና
    ሓዊ ኣናኺሱ ክሳዕ ዝጠብሰና
    ብዓቕሊ ክንጽበ ከምቲ ናይ ቀደምና
    ዳግም ከይሓፈረ ኣፍኩም ሓዙ ኢሉና!

    መሰል ናይ ሓሰውቲ ከነኽብር ኢልና
    ሓበሬታ ኣይሃብናን ናብ ህዝቢ ቀሪብና
    ብዓንዳ ርእሱውን ካብ ሜዳ ጀሚርና
    መግለጺታት ምሃብ ብዛዕባ ጉዳይና
    ከም ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን ባህልና!

    ኢሉና መላኺ ኣብ ቲቪ ቀሪቡ
    ብግህሰት መሰል ሰብ ነፊሑ ኣፍ ልቡ፡
    ህዝቢ ዘይምሕባር ኣብ ጉዳይ ሃገሩ
    በዚ ድሑር ህግደፍ ባህሊ ተቖጺሩ!

    መንከ’ሎ ኣታ ናብ ህግደፍ ዚጸሉ ኣእዛኑ
    እንተ ሓበሩውን መዓስ ሓቂ ኮይኑ!

POST A COMMENT