Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

አረ ጌና ካልእ ክንሰምዕ ኢና – ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

11/03/ 2012 Norway ንህዝቢ ኤርትራ ናቐንጸለ ዓንዲሩላ ብጭካኔ ሙሩጻት ጀጋኑ ዝቐዘፈላ ንቡዛሓት ኣቦታት ኣደታት ዘንብዓላ ንምቕባር ታኣጊዱ ከምዘይ ተወልደላ ውጽዕቲ ኣደ ሎምስ መርገማ ዓሪጉላ ናይዝጊ ክፍሉ ንጥፍኣት ዝቓልስኻ ስልጣኑ ኸተናውሕ ተረጋም ጎይታኻ ንምሸቱ ከም ፈርሲ ብዕራይ ጉሒፉካ ን2ሜትሮ መቓብር ጉድጓድ ከሊኡካ መድሕንካ ዝተቐብሮ ብገዛእ መሬትካ ንምሸቱስ

11/03/ 2012 Norway

ንህዝቢ ኤርትራ ናቐንጸለ ዓንዲሩላ

ብጭካኔ ሙሩጻት ጀጋኑ ዝቐዘፈላ

ንቡዛሓት ኣቦታት ኣደታት ዘንብዓላ

ንምቕባር ታኣጊዱ ከምዘይ ተወልደላ

ውጽዕቲ ኣደ ሎምስ መርገማ ዓሪጉላ

ናይዝጊ ክፍሉ ንጥፍኣት ዝቓልስኻ

ስልጣኑ ኸተናውሕ ተረጋም ጎይታኻ

ንምሸቱ ከም ፈርሲ ብዕራይ ጉሒፉካ

ን2ሜትሮ መቓብር ጉድጓድ ከሊኡካ

መድሕንካ ዝተቐብሮ ብገዛእ መሬትካ

ንምሸቱስ ታኣምራታዊ ጉድ ረኺብካ

እንቋዕ ኣይትሪኦ ሓንሳብ ብድድ ኢልካ

ምፈለጥካ ክንደይ ህዘቢ ከም ዝጸልኣካ

ንማይ ቤት. ደቅኻ ጸሊም ታሪኽ ሓዲካ

 

መቓብርካ ኣይጽበብ ተመሲሉ በቦታትና

ዛ.ምስላስ ንናይዝጊ ክፍሉ እምበር ኮይና

ውዒሉ ሓዲሩ ጽባሕ ሞት ዘይተርፈና

ጌታ ዓለም ካብዚ ሕማቕ ታሪኽ መሓረና

ከም ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ኩፉእ ኣይተሪአና

 

ዓሻክር ዲክታቶር ታይኮን ይብሉለዉ

ብሓደ ዘይረብሕ ሕማቕ ሰብ ዝጀጀዉ

ሸየንቲ ኣብ ስረኦም ኣሜን ከይፈተዉ

ኣብ ክንዲ ፍንሕንሕ ዝብሉ ዝቃናጠዉ

ድሃይ ናይዝጊ ከይሓቱ ተፋጢጦም ኣለዉ

 

ናይ ባራት ጀጋኑ ስርሖም ኣመንዝራ

ሰነፋት ዊስኪ ጥይቶም ካላሽኖም ቢራ

ተለበሱ ሰብ ዝመስሉ ውሽጦም ፋራ

ሳኣን ሓደ ሓደ ዘይምህላው ደቀስመራ

ሰብኣይ ተጻዊቱሎም ብሕሱር ሽጣራ

ተራኹም ከይመጸ ከም ናይ ናይዝጊ ክፍሉ

ስረኹም ዕጠቑ ሕሹኽ ገዲፍኩም ዕጠቑሉ

ዝመረሮ ህዝቢ ኣብ ጎነኹማሎ ኣይትዳሃሉ

ግዜ ዲክታቶር ኣብቂዑይ ሕጂ ተዓወትሉ

ምስማዕ ታኣበኹም ከምዛ ናይዝጊ ክፍሉ

 

ብሰንኪ ድኻምኩም ዓዱ ገዲፉዎ ኩሉ

ብዘይ መንእሰይ ሃገር ትርጉምኳ የብሉ

ኣሳፊሕካ ሞት ብኾፍካ ሞትገለ መሃዝሉ

ብዝሓለፈ ተመሃሩ ዕጢይጥይ ኣይትበሉ

 

ዝመረሮ ሰራዊት ኤርትራ ዋርሳይ እካኣሎ

ተስፋ ቆሪጹዩ ንጎረቤት ኢዱ ዝህብ ዘሎ

ጥዑያት መራሕቲ ምስ ሳኣነዩ ዝሳገርዘሎ

ብጻይካ እናረሸንካ ሃገር ከመይሉ ትሕሎ?

ታሪኽኩም ብጸሊሙ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

ን ናይዝጊ ክፍሉ ሓዚነሉ ወይ ተሓጒሰሉ

ዘስምዕ ዘይኮነስ ነቶም ብጾቱ ከም ናቱ ተራኦም

ዝጽበዮም ዘሎ ቁሩብ እንተሓሰቡ እያ ዛ.መልእኽቲ

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT