Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢሳያሳዊ ምንቃጽ/ምድራቕ ፍልፍል ኤርትራውነት፡ ውዲት ንትግባረ ኢትዮጵያዊ ኢስትራተጂ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣይድልየናን ኢዩ” – 2ይ ክፋል

ኣብ ቀዳምይ ክፋል፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ዘሎ ምስጢራዊ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ ከይቕየር’ሞ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ነብሰሀር መለስን ዝነበር ኩነታት ከይደግሰና ንፈርሕ ኢልና ነርና። እቲ ሕጂ ክንፈርሖ ዘለና “ደግሲ”

ኣብ ቀዳምይ ክፋል፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ዘሎ ምስጢራዊ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ ከይቕየር’ሞ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ነብሰሀር መለስን ዝነበር ኩነታት ከይደግሰና ንፈርሕ ኢልና ነርና። እቲ ሕጂ ክንፈርሖ ዘለና “ደግሲ” ግን፡ ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ከይጻልኡ’ሞ፡ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ካኣ ናብ ዳግማይ ናይ ዶብ ውግእ ከየእትውወን ዘይኮነስ፡ እቲ ፍቕሪ ናብ ‘መርዓ’ ተለዊጡ፡ ኤርትራ ካኣ ናይ ኢሳያስ ገዝሚ ኮይና ናብ ኢትዮጵያ ከይትኸይድ/ከይትድመር እሞ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካኣ ናብ ካላኣይ ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ክኣቱ ከይግደድ ኢዩ። መቸስ፡ ኢሳያስ ንኤርትራ ከም ናይ ውልቑ ንብረት ስለዝቖጽራ በቲ ሓደ ወገን፡ እንታይ ትገብር ኣለኻ ኢሉ ዝሓቶ ‘ዕሕሕ’ ዝብል ሓይሊ መንእሰይ ይኹን ሓይሊ ህዝቢ ከምዘየለ ስለዝገበረን ስለዝፈልጥን ካኣ በቲ ካልእ ወገን፡ ብዘይ ገለ ናይ ህዝቢ ውከሳ ይኹን ኣፍልጦ፡ ንበይኑ (ዋላ ነቶም ብቐረባ ምስኡ ይሰርሑ ኢዮም ዝባሃሉ ከይሓወሰ) ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ዘይንጹሩን ሚስጥራውን ውዕላትን ስምምዓትን ብሽም ኤርትራ ክገብር ጸኒሑን ኣሎን። ብዛዕባ እዞም ተገይሮም ኣለዉ እንዳተባህለ ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝናፈሱ ናይ ውዕላት ስምምዓት፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤሪትራ ዝሓበሮ ‘ዝኾነ ይኹን’ ንጣር ወግዓዊ መግለጺ ጥራሽ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ነናሻብ እንዳተመላለሰ ንኽብርን ንሉዕላውነትን ኤርትራ ኣዝዮም ዝድውኑ፡ ኣሕፈርትን ኣጸየፍትን ተግባራትን መደረታትን ክገብርን ከስምዕን ጸኒሑን ኣሎን። እስከ ካብቶም ኢሳያስ ዝበሎምን ዝገብሮም፡ ንገለ ካብኣቶም ንርአ፦

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • SenAfe February 28, 2019

    BORING BORING BORING BORING BORING BORING BORING BORING ASENA SHIT,

    • Hagherawi March 4, 2019

      SenAfe ኣበይ ትፈልጣ ኣታ ወዲ ዘምቢል።
      ኣብ ሰንዓፈ ደቂ ትግራይ ወይ ደቃሉ ምልላይ ኣይካኣሊን እልካ ድኽ ?
      ኣይኮነን ኣብ ሰንዓፈ ፥ ኣብታ ካብ ዶብ ቁሩብ ረኺባ እትርከብ መስሓል ወዲከለ ፥ መን እዩ ኤሪትራዊ ፉሉጥ እዩ።
      ከተደናግር ኣይትፈትን ።

  • ወዲ ህዝቢ March 2, 2019

    ኣስናን ዘይብሉን ኣእዳዉ ኣርትራይተስ ዘልመሸንንን ኣንበሳስ ፍክር ውዒሉ ፍክር እንተሓደረ ምንም ከም ዘይገብር ፍሉጥ እዩ ብሓቂ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ከም ዝግበር ዘሎ ጠፊእዎ ድዩ ክሳዕ ሎሚ ዘየድምዓ ውድባት ክነግርኦ ? በጃኹም ተጎልቢብኩም ደቅሱ ግደፍዎ ህዝብና እቲ ምድማር ክብረተይ የጉድለለይ እዩ ኢሉ እንተዘይተቐቢልዎ ህዝባዊ ዓመጽ ከላዕል ጸገም የብሉን ሳላሳ ዓመት ንኽብሩ ዝተቓለሰ ህዝቢ እዩ

  • ሃብተ March 2, 2019

    ሓንቲ ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት ናይ ሙሴ

    ኣይትሓሱ ትብል ኣሰናድኢ ኣሰና ረሲዕካዮ ከይትኸውን ኢለ እየ።

  • Hagos March 5, 2019

    Habte mruk wey Trit ztewenenka nbret higdef eka ymesleni kab mzraf natka hasab glez.

Post a Reply to Hagos Cancel Reply