Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢዋኣኻ ፖለቲካዊ ምንዝርና ኢሳይያስ ፖለቲካዊ ኤይድስ ዝሓድገልካ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!

ኣብ ዓለምና ዝውሰዱ ዘቤታውን ኣህጉራውን ፖለቲካዊ ውሳኔታት፣ ኣብ ኣድማሳዊ ሕግታትን ሞራላዊ ክብርታትን ዝተመርኮሱ መትከላት ከምዝእዝዙዎም ኣብ ጽሑፍን ዘረባን ዓዘፍ ክብሃለሎም ንሰምዕ ‘ኳ እንተኾና፣ ብተግባር ክርአ ኸሎ፣ ብሕልፊ ዲፕሎማስያዊ ውሳኔታት ሃገራት ዓለም፣ ብሃገራዊ ረብሓታት ከምዝጽለዉ ማንም

ኣብ ዓለምና ዝውሰዱ ዘቤታውን ኣህጉራውን ፖለቲካዊ ውሳኔታት፣ ኣብ ኣድማሳዊ ሕግታትን ሞራላዊ ክብርታትን ዝተመርኮሱ መትከላት ከምዝእዝዙዎም ኣብ ጽሑፍን ዘረባን ዓዘፍ ክብሃለሎም ንሰምዕ ‘ኳ እንተኾና፣ ብተግባር ክርአ ኸሎ፣ ብሕልፊ ዲፕሎማስያዊ ውሳኔታት ሃገራት ዓለም፣ ብሃገራዊ ረብሓታት ከምዝጽለዉ ማንም ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ።

ፈቲና ጸሊእና፣ እቲ ክዉንነት ኣብ ባይታ እዚ ምዃኑ ከነስምረሉ ዝግባእ ኳ እንተኾነ፣ ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ ኸሎ ግን፣ ኣብ ኣህጉራዊ ውሳኔታት ‘ውን፣ ሃገርካ መታን ከተርብሕ ንኻልኦት ሃገራት ምውጻዕ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ካርታ እንርእየን ሃገራት ባርጦ ኣይኮናን፣ ህይወት ዘለዎ ህዝቢ ኣለወን።

ነዚ ዝንባለ’ዚ፣ ብዓይኒ ፖለቲካ ሃገርና ኤርትራ ክንርእዮ ኸለና፣ ፖሊሲ ኢሳይያስን ጭፍርኡን ካብቲ ብደረጃ ዓለም ዝግበር ዝንቡዕ ተዋስኦ ‘ውን ዝኸፍአ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ምኽንያቱ፣ ንውልቃዊ ዊንታን ስምዒትን ኢሳይያስ ‘ምበር ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን።

ወልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ኢደበዛ ቀጠርን መሰልታን ዝኣመሰላ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ፣ ነተን ቀንጠባጥቦ ኣእዳዉ ናብ ሶማል ብምምላስ ምስ ኣሸባብ ብምትሕብባር ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ፣ መልክዕ ሃገርና ኣብ ምብልሻውን ሃገርና ካብ ዓለም ኣብ ምንጻልን ዘኸተሎ ሳዕቤን ንምምስኻር ንድሕሪት ከይተመለስና፣ ኣብዚ ግዜ ‘ዚ፣ መሓዮ ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኮይኑ ኣብ ውግእ ሕድሕድ የመን፣ ተለኣኣኺ ግብጺ ኮይኑ ‘ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘዘውትሮ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንዝርና ገና ምስ ሃፍኡ ዘሎ ውዑይ ኣብነት ናይዚ ዝጠቐስናዮ ሓደጋ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነታ ካብ ዓይኒ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ግልል ዝበለት ወደብ ዓሰብ፣ ወተሃደራዊት መዓስር ስዑዲ ዓረብን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንኽትከውን ብቢልዮናት ዶላራት ተመሻጢሩ፣ ኣብ መንጎ ‘ቲ ብስዑዲ ዓረብን መሓዙታን ዝድገፍ ፕረዚደንት የመን ነበር መንሱር ሃዲን ብኢራን ዝሕገዙ ሺዓውያን ተቓውምቲ ሑቱን ዝካየድ ዘሎ፣ ናይ ሱኒን ሽዓን ውግእ ሕድሕድ የመናውያን ኢድ ኣእትዩ ደም ምጽያቑ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ሳዕቤን እምበር፣ ፖለቲካዊ ኮነ ቁጠባዊ ረብሓ የብሉን።

እቶም ደጀኖም ኣብ ሰሜን የመን ዝኾነ ተቓወምቲ ሑቱ፣ ኣንጻር ‘ቶም ባዶነት ስልጣን የመን መዝሚዞም ኣብታ ሃገር ዝጭብጭቡ ዘለዉ ጨንፈራት ኣልቓዒዳን ኣይሰስን ምዃኖም ዝተመስከረሎም ክንሱ፣ ኣብ ሶርያ ይኹን የመን ኣንጻር ጽልዋ ኢራን ንምትህልላኽ ብእተካይዶ ዘይጽፉፍ ምትእትታው ምንጪ ኣሸበርቲ ምስ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብን ሰዓብታን ምሽራኹ፣ ፈለማ ነቶም ኣብ የመን ዝፍልሑ ዘለዉ ኣሸበርቲ ዕድል ብምሃብ፣ ማዕረማዕሪኡ ድማ፣ ነቶም ኣንጻር ኤርትራ ዝኾነ ተጻባኢ መንፈስ ዘይነበሮም ሑቱ ብጽልኢ ከምዝኽሕኑ ወይ ራዲካላዝድ ከምዝኾኑ ብምግባር ንመጻኢ ሰላምን ምርግጋእን ንህዝቢ ኤርትራ ሓደገኛ ዝኾነ ነታጕ ኣብ ምጽዋድ ይተሓባበር ኣሎ።

እቲ ከም ባሪስታ ኣብ ሓደ ለይቲ ምስ ዓሰርተ ምሕዳር ዘየሕንኾ ኢሳይያስ፣ ቅድሚ ቁሩብ ግዝያት ምስ መራሕቲ ኢራን ክምስምስ ይብለሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ንወደብ ዓሰብ መበገሲ ተቓወምቲ ሕቱ ብምግባር ንደቡብ የመን ክቋጻጸሩ ዕድል ከፊቱሎም ከምዝነበረ ብቐጻሊ ኳ እንተተኸሰሰ፣ ከምቲ “ኣብ ሶማል ኢድ ኣየእተእተናን” ኢሉ ተዓሚቱ ኣሉ ዝበሎ፣ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ የመን ኢድ ኣይነእቱን ኢና” ኢሉ ክኽሕድ ፈቲኑ እዩ። እንተኾነ፣ ሕጂ ኸ ብኸመይ ምኽንያት ደኣ ‘ዩ ጉዳይ የመን ኣህጉራዊ ጉዳይ ኮይኑ፣ ንኢሳይያስ ዓዲሙዎ? ጉዳይ የመን ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ። እቲ ዋና ጸገም እምብኣር፣ እቲ ዘይበሊ ኣመል ፖለቲካዊ ምንዝርና ኢሳይያስ እዩ።

ብቐንዱ ስዑዲን ሃገራት ወሽመጥን ንኢሳይያስ ብፔትሮ ዶላር ሓባቢለን ንዓሰብ ኣሕሊፉ ክህበን ዝደለያሉ ምኽንያት፣ መበገሲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ስለዝደለያኣ ጥራይ ኣይኮነን። ክልተ ሰረቕቲ ሓሙዅሽቲ ስንቆም ከምዝብሃል፣ ንኣመንዝራዊ ባህርያት ኢሳይያስ ኣጸቢቐን ስለዝፈልጣኦ፣ እንደገና ገጹ ናብ ኢራን መሊሱ ምስቶም ተቓወምቲ ሑቱ ከይደጋገፍ መታን፣ ብቓል ምእማኑ እኹል ኮይኑ ስለዘይረኸባኦ፣ ብኣካል ኣብ ዓሰብ ረጊጸን ንደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምሕላው ውሕስነት ናይቲ ስምምዕ ከረጋግጻ ስለዝደለያ እየን ነዚ ስጉምቲ ‘ዚ ወሲደን።

ብዓይኒ ቁጠባ ክረአ ኸሎ’ውን ከምቲ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዝተመልከትናዮ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኸቦ መኽሰብ የብሉን። ልክዕ ከምቲ ናይ ወርቂ ቢሻ፣ ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ዓሰብ ብጸላም ተሓቢኡ ዝተቐበሎ ቢልዮናት ዶላራት፣ ኣብ ጸሊም ባንካታት እዩ ሓቢኡዎ ዘሎ። እቲ ኩነታት ‘ዚ፣ ነቲ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ መነባብሮ ቀውጢ ኮይኑዎ፣ ልክዕ ኣብ ደርቂ ከምዝነበር ህዝቢ ብምረት ናብራ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝስወሮ ኣይኮነን። እቲ ደቁ ናብ ስደት ኤክስፖርት ዝገበረ ክፋል ሕብረተሰብና ‘ኳ ተዋሊኡ ነታ ኣብ ወርሒ ሓንሳብ ዝዛረባ ዝነበረ “ሓውሉለይ” እትብል ለመና ኣብ ወርሒ ክልተ ሳዕ ክደግማ ጀሚሩሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ናይ ደገ ደገፍ ዘይብሉ ዝበዝሐ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣምላኽ ደኣ ጸገሙ ይርኣየሉ ‘ምበር፣ ነዚ ተካል እዋን ከመይ ኢሉ ይሓልፎ ከምዘሎ ንምእማቱ ዘጸግም እዩ።

እቲ ኣመንዝራነት ኢሳይያስ ብደቡባዊ ምብራቕ ኤርትራ ዘጻውዶ ክብ ኢልና ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ነታጕ ግን ሓደ ክንፊ ጥራይ እዩ። ብወገን ደቡብ፣ ብኢትዮጵያ ‘ውን ሓደ ካልእ ሓደገኛ ነታጕ ብምጽዋድ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሳንድዊች ክቕርቅሮ ውዲት ኣሊሙሉ ምህላዉ፣ ብቐጻልነትን መጻእን ህዝቢ ኤርትራ ዝግደስ ማንም ኤርትራዊ ክግንዘቦ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

እዚ ኢሳይያስ ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘዘውትሮ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንዝርና ጋሻ ኣይኮነን፣ ንነዊሕ ዓመታት ዝላድዩሉ እዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ሰሙናት ‘ዚ ሓድሽ ምልክታት የርኢ ስለዘሎ ክስትብሃለሉ ኣለዎ።
እቲ ፖለቲካዊ ጸወታ ሓደ እዩ፣ ክቱር ህንጡይነት ወይ ድማ ኢጎ ኢሳይያስ ዘበገሶ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ሓንሳብ ምስ ጀመሮ ምብላይ ዝኣበዮ ዝኸሓነ ህልኽ። እቶም ከም መገብቲ ናይዚ ክሑን ህልኽ ‘ዚ ዝረኣዩ ክልተ ምንጭታት ድማ፣ ቀዳማይ፣ እቲ ድሕሪ 1991 ስልጣን ዝጨበጠ መንግስቲ ኢህወደግ ንኢትዮጵያ ብኽልታት ንምምሕዳር ፈደራላዊ ስርዓት ንምትካል ዝወሰዶ ውሳኔ ዘይምቕባሉ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ከኣ፣ ኣብቲ ባዕሉ ዘበገሶ ብዶባዊ ዝፍለጥ ናይ 1998 – 2000 ዓመተ ምህረት ኵናት ተሳዒሩ፣ ኢጎ ኢሳይያስ ከም ሓምሓም ሓሸምሸም ኢሉ ምስባሩ ዘጋደዶ እዩ።

ከምዚ ዝበልናዮ ህንጡይነት ኢሳይያስ ደኣ ደረት ዘይብሉ ኮይኑ ‘ምበር፣ ከም መራሒ ካብ  ኢትዮጵያ ተነጺላ ናጽነታ ዝኣወጀት ሓዳሽን ንእሽቶን ሃገር መጠን፣ ኢትዮጵያውያን ኢድ መሊሶም ንጉዳይ ኤርትራ ከይሓላልኹዎ ወይ ከይጨውዩዎ ደኣ ክጥንቀቕ ነይሩዎ እምበር፣ በንጻሩ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድ ከእቱ ሃነፍነፍ ዘብል ኣይነበሮን። ነቲ ሓደጋ ‘ቲ ኣብ ክንዲ ምዕጻዉ፣ በንጻሩ ማዕጾ ብምኽፋቱ ኢሳይያስ ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ሰሪሑ። ንውልቃዊ ህንጡይነቱ ዘርብሕ ኩነታት እንተዝፍጠር ነይሩ፣ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ድሕር ከምዘይብል ዘረባታት በጨቕ የብል ከምዝነበረ ‘ውን ህዝቢ ኤርትራ ዘየስተውዓለሉ ኣይኮነን።

እቲ ባዕሉ ዝወልዖ ሓዊ ንኢጎ ኢሳይያስ ኳ ሸባዕባዕ ኣቢሉ እንተቃጸሎ፣ ልዕሊ ኹሉ ዝተጎድአ ግን እቲ ቁስሊ ቃልሲ ናጽነቱ ከይሓወየ ህይወት ኣሽሓት ደቁ ብላሽ ዝኸፈለ፣ ከም ህዝቢ ክብረቱን ሓበንን ዝተቐንጠጠ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ፣ እቲ መሪር ጭብጢ ኣብ ገገዝኡ ስለዘሎ መዘኻኸሪ ኣየድልዮን እዩ። እቲ ዘሕዝን፣ ብሰንኪ መሳወሪ ኣመል ኢሳይያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ሕጂ ‘ውን ዝኸፍአ ስግኣት የንጸላልዎ ምህላዉ እዩ።

ብፍላይ ድሕሪ ናይ ኵናት ስዕረቱ፣ ኢሳይያስ ብቐንዱ ሕኒኡ ክፈዲ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፣ “ርኤኹም እቲ ዝተነበኹዎ ኮይኑ፣ ኢትዮጵያ ተበታቲና” ኢሉ ክጀሃር፣ ሽዑ ንሽዑ ብወገን ሶማል ዘይሩ ዘካየዶ ፈተነ ምስ ፈሸለ፣ ተቓወምቲ ኦሮሞን ኣምሓራን እንተላይ ኣንፈቶም ዘጥፍኡ ተጋሩ ኣብ ኤርትራ ኣኻኺቡ ህልኹ ቀጺሉ። ነታ ብምኽንያት ምግዳብ ዲጋ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ሕዱር ናይ ተጠቃምነት ፈለግ ኒል ያታዊ ስግኣታ ዝተልዕላ ግብጺ ‘ውን፣ ከም ሕቖ ምወላ ናይዚ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣምሪሑ ዘካይዶ ዘሎ ጫለዳ ኵናት ተጠቒሙላ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፣ ተቓውሞ ኦሮሞን ኣምሓራን ዓሚሩ ያኢ፣ ዓጺድ ናይቲ ዝዘርኦ ጽልኢ ኣኺሉ፣ “ኣይበልናን ዶ፣ ኢትዮጵያ ክትበታተን ጀሚራ” እናበለ ከበሮ ሓምሓም ክወቅዕ ይስማዕ ኣሎ።

እዚ ኩነታት’ዚ ነቲ ኵናትን ዕግርግርን ባህታ ዝፈጥረሉ ቖለ ኢሳይያስ ክብርሆ ባህርያዊ እዩ። ብመንጽር ህዝቢ ኤርትራ ክርአ ኸሎ ግን ፋይድኡ ዕንወት ጥራይ እዩ። ብየማነ ጸጋም ጎረቤቱ ሓዊ እንዳነደደ “ቤተይ ደሴት ሰላም እያ፣ ብሰላም ዕረፍ ኢሉ” ኢሉ ቀሲኑ ደቂሱ ዝሓደር ኤርትራዊ እንተሎ ውቕዒ ኢሳይያስ ዝሸልበቦ በሃም ጥራይ እዩ። ብሕልፊ ከምዚ ናትና፣ ብምብራቕ ኣብ የመን፣ ብደቡብ ኣብ ኢትዮጵያ ከዓዊ ላምባን ሸርጣጢ ክርቢትን ዝምራሒኡ ህዝቢ ‘ሞ ኸኣ፣ ከብዱ ካብ ምሕቋፍ ሓሊፉ ሕቖ ናይቲ መንቂ ዝጽውዓሉ ሰባብ ክሰብር ‘ዩ ብሓባር በተግ ክብል ዘለዎ። ምኽንያቱ፣ ሃልሃልታ ወዛል ኢድ መሳወሪኡ ምሽልባቡ ስዘይተርፍ፣ ብኣግኡ ክከላኸሎ ይግባእ።

ኣብዚ ንእግረ መንገድና፣ እቲ ኢሳይያስ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ከም ወናኒ ሓቂ ዘዘውትሮ ምውርዛይ ፍሹል ምዃኑ ንምግንዛብ ክንጠቕሶ ዝግብኣና ናይ ደቡብ ሱዳን ጭቡጥ ተመክሮ እዩ። ንተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኤርትራ ብምዕቋብን ብምድጋፍን ደቡብ ሱዳን ካብ ሱዳን ክትፍለ ኣለዋ ብምባል ዋና ኣጋፋሪ ዝነበረ ኢሳይያስ እዩ። ደቡብ ሱዳን ግን እንሆ ኣብ ደልሃመት ዓሌታዊ ግጭት ተሸሚማ ትሕመስ ኣላ።

እቲ ዝኸፍአ ግብረ-እኩይ ኢሳይያስ ነገር ምስዋሩን ምጽሕታሩን ኣይኮነን። ነገር ተላቢዑ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ኮነ ከምዛ ጻድቕ ወትሩ ክድጎል ዝፍትን ምዃኑ እዩ። ልክዕ ከምቲ ነገር ደቡብ ሱዳን ጋሕሚጡ መትሓዚ ምስ ተሳእኖ ዘጽቀጠ፣ ሎሚ ቕነ እቲ ንሱ ኣባልነት ዝፈረመሉ ምሕዝነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ብዘስዕቦ ዘሎ ጥፍኣት ሰላማዊ ህዝቢ፣ እታ ተሓባባሪት ናይቲ ምሕዝነት ዝኾነት ኣመሪካ ብዓባያ ነገሩ ምኽዋል ጸጊሙዋ ዓው ኢላ ከተድሓሕር ኣብ እትፍትነሉ ዘላ እዋን ‘ውን ከጽቅጥ መሪጹ ኣሎ። ካብቲ ኢዱ ብዘይ ጓንቲ ዝመለሰሉ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግን ፍጹም ክሕባእ ኣይክእልን እዩ።

ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ሓደ ጉዳይ፣ ብወገን መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ሓደገኛ ሸለልትነት እዩ። ኢሳይያስ ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ከም ቀዳሞት ጸላእቱ ኳ እንተረኣዮም፣ ንሳቶም ግን ከም ቀዳማይ ጸላኢኦም ክርእዩዎ ኣይጸንሑን።

ብርግጽ ብሰንኪ ዓማጺ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ እዚ ዘይብሃል ወጽዓ ፈታሒኡ ባዕሉ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቶም ካብቲ ደጀኖም ርሒቖም ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓስከሩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ድማ ትግራዎት ሰበስልጣን ግን፣ ሕማቕ ጉርሒ ሒዙዎም ንመዓልቲ ውድቀት ኢሳይያስ ብቑጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናዓቀኑ ተዛዮም ነቲ ደጀን ተጻባእቶም ዝኾነ ኢሳይያስ ዕሽሽ ብምባሎም ብቐንዱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ብኣግኡ ኣይተኻላኸሉሉን። መገሻ ኣዲስ ኣበባ ንረመጽ ሓሙዅሽቲ ገሊህካ ማይ እንተዘይክዒኻሉ ዳግም ሃልሃል ምባሉ ከምዘይተርፍ ምህሮ ደጎልቲ ሓዊ ኣዴታቶም ኣረሲዑዎም እንተዘይኮይኑ፣ ኢሳይያስ ማዕረ ህዝቢ ኤርትራ፣ ጸላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብዝያዳ ድማ ጸላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ክዝክሩዎ ነይሩዎም። ሕጂ ‘ውን ገረብ ሰሊዕካ፣ ኣብ ወልቃይት፣ ጎንደርን ኣዲስ ኣበባን ንዘዝዓሰለ ኣንበጣ በብሓደ ጨፍጪፍካ ክትቀትል ካብ ምክርኻር እቲ ዝሓጸረ ኣቋራጭ ንኢድ መሳወሪ ሓዊ ቀርሲምካ ዘርእኻ ምድሓን ምዃኑ ኣበይ ከይጠፍኦም። እንተኾነስ፣ “ነውራም መርዓ ‘ሎ፣ መባዕትኻ ቀብሪ ‘ሎ” ከምዝብሉዎ ደኣ ንህዝቢ ኤርትራ ቀብሪ ኢሳይያስ መርዓ ይግበረሉ እምበር፣ እዚ ብሰንኪ ኢሳይያስ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይኮነን።

እቲ ዘሕዝን፣ ኢሳይያስ፣ ነቶም ክሳብ ‘ዚ እዋን ‘ዚ ካርታ ሃገረ ኤርትራ ምርኣይ ዓይኖም ዝደጕሖም፣ ስም ሃገረ ኤርትራ እንክጽዋዕ ከበሮ እዝኖም ዘሳሕዮም እናረረወ፣ ነቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ካብ ሳሕል ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ጎኒ ጎኒ ኤርትራዊ ተጋዳላይ ዝወደቐ ህዝቢ ትግራይን ተጋዳላዩን ኣብ ኩርናዕ ኣእትዩ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ፈተነ ከእትዎ ምሕላኑ እዩ። በዚ ኩነታት’ዚ ከኣ፣ ህዝቢ ኤርትራ ማዕረ ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ትግራይን ክሻቐል ይግብኦ። ብቐንዱ ምእንቲ ድሕነት ገዛእ ርእሱ። ምኽንያቱ፣ በንጻር ሃለውሳዊ ሕልሚ ኢሳይያስ፣ ኣብ’ዚ ማዕበል ነውጺ ዘንጸላልዎ ዘሎ ህዉኽ ዞባ፣ ኤርትራ ንበይና ናይ መብጽዓ ደሴት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ልዕሊ ኹሉ ግን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ኢድ ሓዊሱ ዑቕባ ምዃን እንተኣገሞ፣ እቲ ገባሪ ጽቡቑ ዝኾን ህዝቢትግራይ ከይጽገም ሰናይ ትምኒት ክፍለዮ የብሉን።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ነዚ ዝኾነ ይኹን መመኽኔታ ዘይርከቦ ፖለቲካዊ ምንዝርናን ዕብዳንን ኢሳይያስ ዘይርድኦ ኣይኮነን። ህዝብታት ካልኦት ሃገራት፣ ብስጉምታት መንግስታቶም ከምዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ጠቕሚ ብዘይምርካኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ፖሊሲ ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ክበዝሕ ከሎ ‘ውን ነቲ ዘጋገዮም መራሒ ወይ መንግስቲ ዝቐጽዑሉን ሓላፍነት ዘሰክሙሉን መንገድታት ኣሎ። እቲ ሕገ-መግስትን ባይቶን ዘይብሉ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ናተይ ዝብሎ ሕጋዊ መንግስቲ ተኺሉ ነዚ ውሕስነት ዘለዎ ስርዓት ክሳብ ዘየረጋገጸ ግን፣ ብኸምዚ ናይ ኢሳይያስ ዝኣመሰለ ዓንዳሪ ኣመንዝራዊ ፖለሲታት ካብ ምስቓይ ኣይከዕርፍን እዩ። ንውልቀምልኪ ኢሳይያስ መኪቱ ካብ ቀጻሊ ስግኣት ድሒኑ፣ ምስ ግረባብቱ ተሳንዩን ተሓጋጊዙን ርጉእ መጻኢኡ ከውሕስ እምብኣር ብሓባር ክለዓል ይግብኦ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

22 ነሓሰ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Gezae September 1, 2016

    yes sir, the proposed democratic change [democratic reform package] will/can present too many possibilities and suggestions………..Through what mechanism of democracy is a good question. As democracy and justice seekers citizens, we will always disagree with one another about the judgments we must make in political life. But I believe political judgment who are nonetheless committed to democracy, then, how ought political theorists and philosophers contribute to this disagreement? Any way in a plain English my responses is through national normative democratic.
    I do not believe in Robert Own emotional and Utopist like ideology and hand over my money or prosperity to transform a chaotic and flagging movement overnight into real political democratic force. Whether or not I don’t prefer to be intransigent and cynical person to hardened my attitudes either. So I like to build democratically a bridge not fence. Period.

    • k.tewolde September 2, 2016

      I would have liked to continue this conversation with you,but you sound like a broken record with rigid argument that was drilled into your brain by a pacifist and capitulationist screw driver rendering you to sleep with the enemy unconditionally.Is this English plain enough for you? End of conversation.

POST A COMMENT