Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢድኩም ተሓጸቡ!

ኢድኩም ተሓጸቡ!   ኣብ’ዚ እዋን ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ -19 ዝላበዓሉን ሂወት ሚልዮናት ሰባት ዝቐዝፈሉን ዘሎ ህሞት፡ ኢድካ ምሕጻብ ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝወሃብ መከላኸሊ ናይ’ዚ ለበዳ ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብና’ኳ  ኢድካ ምሕጻብ ብህጻንነትና ካብ ወለድናን

ኢድኩም ተሓጸቡ!

 

ኣብ’ዚ እዋን ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ -19 ዝላበዓሉን ሂወት ሚልዮናት ሰባት ዝቐዝፈሉን ዘሎ ህሞት፡ ኢድካ ምሕጻብ ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝወሃብ መከላኸሊ ናይ’ዚ ለበዳ ኢዩ። ኣብ ሕብረተሰብና’ኳ  ኢድካ ምሕጻብ ብህጻንነትና ካብ ወለድናን መማህራንና ንመሃሮ መባእታዊ ልምዲ ምዃኑ ኩልና ንፈልጦ ሓቂ’ዩ። ከም’ዚ  ስለ ዝዀነ ካባና ዋላ ሓደ’ኳ ኢዱ ምሕጻብ መኣስ ከም ዝተማህሮ ክዝክር ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። እዚ ድማ ሓደ ካብ’ቲ መርኣያ  ጽቡቕን ምዕቡልን ባህልና’ዩ።እሞ ድማ ወለድና ብዛዕባ ህላወ ደቀቕቲ ህዋስያን (germs) ኣፍልጦ ዘይነበሮም ክነሶም ልቦናን ምስትውዓልን ግን ከም ዝነበሮም ይበርሃልካ።

 

ንምልባዕ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ዝዓለመ፡ ኣብ ሃገርና ብተደጋጋሚ ብ ERI-TV ዝመሓላለፍ ኣስተምህሮታት “ኢድኩም ተሓጸቡ” ክበሃል ንሰምዕ ኣሎና። እዚ ትምህርቲ’ዚ ኣብ ቅኑዕ መምርሒ ህዝባዊ ጥዕና ዝተመርኰሰን እዋናዊን ምስ ዓለም ትኽተሎ ዘላ ኣጋባብ ምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ-19 ዝቃዶን ኢዩ። እንተዀነ ብዛዕባ’ዚ ኣስተምህሮ’ዚ ክትግረምን ከይፈቶኻ ክትዛረብን ዘገድደካ ኩነታት ይርኣየካ።

 

እዚ ኢድኩም ተሓጸቡ ዝብል ጠቓሚ ምኽሪ ዝመስል እምበኣር ፡ ንዓይ ሓደ ቅድሚ 300 ዓመታ ኣቢሉ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ዝተዘርበ ናይ ትዕቢትን ንዕቀትን ቃላት ኣዘኻኺሩኒ። ንሱ ድማ ሓረስቶት ፈረንሳ ክብሪ ናብራን፡ ሕጽረት ኣቕሑትን  ሓፍ ዘይብል ቀረጽን ዘቐተሎ ጥሜትን ሕሰምን ምስ በርተዖም፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም ናብ’ቲ ቤተ-መንግስቲ ከዱ’ሞ፡ እታ መሪ ኣንቱዋነት ትበሃል ንግስቲ እንታይ ኰይኖም’ዮም?  ክትብል ሐተተት። ጠሚና ይብሉ ኣለው ምስ በልዋ፡ “ዋእ እንታይ ኰይኖም ኬክ ዘይበልዑ” ክትብል መለሰት። ኬክ ካብ ባኒ ዝኸበረ  ስለ ዝነበረ፡ ኬክ ይትረፍ ባኒ ዘይረኸቡስ፡ እታ ንግስቲ ማዕረ ክንደይ ሽግር ህዝባ ዘይትፈልጥን፡ ዘይግድሳን  ከም ዝነበረት ዘብርህ መልሲ’ዩ  ነይሩ።

 

እዚ ፍጻሜ’ዚ ቅድሚ 300 ዓመት’ኳ እንተነበረ ምስ’ዚ ሕጂ ማይ ኣብ ዘየሎ  ኢድኩም ተሓጸቡ ዝብል፡ ኣብ ሃገርና ዝወሃብ  ምኽሪ ብዙሕ ተመሳሳልነት ዘለዎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ካብ መነባብሮ ህዝብኻ ዝረሓቐ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይተመርኰሰን፡ ክትግበር ዘይከኣልን ብምዃኑ፡ ሽግር ህዝባኻ ዘይምፍላጥ  ዝሕብር ኢዩ። ምትግባርስ ይትረፍ፡ እኳ ደኣ ነቲ ሰብ ዝያዳ ሻቕሎትን፡ምስትምሳልን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ኢዩ ዝፈጥረሉ።

 

ኣብ ኣስመራ ዘሎ ሽግር ማይ፡ ኣይኰነንዶ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቕመጡስ፡ ኣብ ወጻኢ ንነብር ኩልና ኤርትራዊያን’ውን ንፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ዘይስንኻስ ሑጻ ቈርጥመሉ ከም ዝብሃል ግን ኣብ ኣስመራ ማይ መሊኡ’ሎ  ኢሎም ዓይንኻ ዘንቁሩ ግና ኣሎው። ኣቱም ሰባት ሃየ’ባ ልቦና ንግበር እዚ’ኮ ናይ ሞትን ሂወትን ደኣ’ምበር ናይ ደጋፊን ተቕዋሚን ፖለቲካ ኣይኰነን!  እዚ ኰይኑ እቲ፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ ገዲፍና ናብ ጓል ነገር ከይንኸይድ ናብ ኣርእስትና ንመለስ።  ሕጽረት ማይ ኣብ ዘለወሉ ከተማ ኢድኩም ተሓጸቡ ዝብል ምኽሪ ብሓቂ ኣብ ግብሪ ክትግበር ይከኣል ድዩ? ንገለ ሰባት ከም ዋዛ ገይረ እዚ ሕቶ ወስ ኣቢለሎም ነይረ። ዳርጋ ኩሎም ስሒቖምኒ። ኣብ’ዚ ንነብረሉ ምዕቡል ሃገር የስሕቕ ይኸውን፡ ኣብ’ቲ ህሉው ኩነታት ዓድናኸ? የንብዕ፡ የሕዝን፡ ተስፋ የቚርጽ፡ ምፍጣርካ የጽልእ ግዲ!

ዶክቶራትና’ውን  ኣብ ERI-TV ቀሪቦም ብዛዕባ ሕማም ኮሮና ቫይረስን መከላኸሊኡን  ኣድላዪ ኣስተምህሮታት ከቕርቡ ርኢና። ነቲ ብዛዕባ ሕጽረት ማይን ኢድ ምሕጻብን ካብ ህዝቢ ዝቐርበሎም ሕቶታት  ንምምላስ ይጽገሙ ክም ዝነበሩ ድማ ተዓዚብና። ክንደይ ሕማማት ዝፍውሱን መጥባሕቲ ኣካይዶም ንህዝብና ዘድሕኑን ክኢላታት፡ ንመባእታዊ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ሕቶ እቲ መልሲ እንዳፈለጥዎ  ኣብ ወጥሪ  ክኣትዉ  ክትዕዘብ የሕዝነካ።

ኣነ በቶም ነዚ ኣስተምህሮታት ዘመሓላለፉ ሰብ ሞያ ጥዕና ክዋራዘ ደልየ ኣይኰንኩን፡ ከመይ’ሲ ኣብ ሞንጎ ከውሒ ዝተቓቐረት ኪታ ከም ዝዀኑ ስለ ዝርድኣኒ። ብዓቢኡ ድማ ቀረብ ማይ’ኮ ስራሕ ናይ ሓካይም ኣይኰነን፡ ናይ ትካላት መንግስቲ ደኣም’በር!  ደሓር ከኣ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ዝነበረ፡ ማይ ዘይብልናስ ክመይ ጌርና ኢና ኢድና ክንሕጸብ? ዝብል ሕቶ ከም’ቲ ዝፈልጥዎ እንተዝምልስዎኸ ሳዕቤኑ እንታይ ምዀነ? ንዝብል መልሱ ብሩህ’ዩ። እቲ ጸገም ናይ’ቲ ማይ ከቕርብ ዘይክእል ስርዓት ደኣ’ምበር  ናይ’ቶም ዶክቶራት ሃገርና  ከም ዘይኰነ በቲ ዝህብዎ ዝነበሩ ዓሚቚ ኣቀራርባ ክንግመቶ ወይ ክንመዝኖ ይከኣል።   ነብስኻ ኣብ’ቲ ናቶም ቦታ ኣቐሚጥካ ክርትእዮ ከሎኻ፡ ነቶም ነዚ ኩሉ ተጻዊሮም ንህዝብና ዘገልግሉ ዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ ከተመጉሶም ትግደድ።

ኣብ’ዚ ንነብረሉ 21 ክፍለ-ዘመን ሓደ መንግስቲ ንሓያሎ ዓመታት ንህዝቡ ማይ ምቕራብ ክስእን  እንታይ ኢዩ ጉዱ? ነባሪ ዝማዕበለ ትሕተ-ቅርጺ ዘለዋ ከተማ ኣስመራ፡ ንዓመታት ብሕጽረት ማይ ክጻቐ ክትርኢን ክትሰምዕን ዘስደምም’ዩ! ኣብ’ዚ እዋን ሕማም ኮሮና ቫይረስ ሰብ ቦጥ ኣዋፊርካ ንህዝቢ ኣብ ገገዝኡ ማይ ከተቕርበሉ ዘይምኽኣል እንታይ’ዩ እቲ ጸገም?  ተፈናተቱ፡ ኣብ ገዛኹም ተወሸቡ፡ እንዳበልካ ሰብ ካብ   ገዝኡ ወጺኡ ማይ ኰነ ካልእ ዕለታዊ ሃለኽቲ ነገራት ክምእርር ናብ’ቲ ሕማም ግድን ክቃላዕ’ዩ።   ዓመት መጽአ ህጡር ክራማት ኣሎ ክበሃል ንሰምዕ፡ ዲጋታት ከም ቃንጥሻ ኣበ’የ ቦታኡ ተስሪሑ፡ ብማይ ዘቕቢቡ  ከም ዘሎ’ውን ወግሐ-ጸብሐ ብ ERI-TV ይቃላሕ። ናብ ህዝቢ ዘይበጽሕ ወትሩ ሕጽረት ማይ ዘለዎ እዋን ዲና በጺሕና? ኢልካ መልሲ ዘይትረኽበሉ ሕቶታት ትሓትት።

ኣብ 70ታት ኣብ ኣስመራ ከቢድ ሕጽረት ማይ ከም ዝነበረ እዞም ሽዑ ዝነበርና ኩልና ንዝክሮ ኢና። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡  መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም በዓል ኣቦና ዑቕበ ሃይለ ቦጣት ኣዋፊሮም ካብ ማይ ዘለዎ ቦታታት ሃገርና እንዳጓረቱ ንህዝብና ይዕድሉ ነይሮም። እሞ ከኣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበርናሉ እዋን ምዃኑ ክትዝክር ከሎኻ ብአኦም ብዙሕ ትሕበን፡ በዚ ህሉው ግርምቢጥ ኩነታት ከኣ ትሓዝን። ከመይ ኢና ንኸውን ዘሎና? ኢልካ መልሲ ንምርካብ ድማ ደምበርበር ትብል፡ ግን ወይከ! መልሲ የለን።

ሕጂ’ውን  ዋላ መንግስቲ ማይ ክቕራብ እንተሰነፈ’ ከም ጊዝያዊ ፍታሕ ማይ ከቕርቡ ዝኽእሉ ርህሩሃትን ሰብ ጸጋን  ኤርትራውያን ከም ዝህልዉ ኣይጠራጠርን።  እሞ እቲ ማሕንቖ ደኣ ኣበይ ኢዩ ዘሎ? መልሱ ብሩህ’ዩ።

 

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ።

 

ዶ/ር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

ካልጋሪ፡ ካናዳ

yakobe@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Socrates April 21, 2020

    Amen Dr. T/michael about the almighty God protecting
    Eritrea and her all children, save & protect us from this awful disease.

    • k.tewolde April 22, 2020

      Since when a medieval Greek philosopher became Eritrean,it reminds me of Pushkin’s statue in Asmara,birds of the same feather flock together,you can smell them from faraway,unfortunately we know you as much as you know us.

  • Abrham Yohannes April 21, 2020

    Well said and very relevant. Marie Antoinette’s example hits the nail right on the head. Sad to say but we should be ready with the panacea “guillotine”.

POST A COMMENT