Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኢድ ግዲ ኔሩዋ!

ኣብ *ኣንገብ ፈርኔሎ ዝወዓለ          *ዕርዲ፡ መዝገብ ኣብ ግጥም ቦሊቮል ዘይተሳዕረ ድፋዓት ፊደል ፐ ዘየድፈረ መንድዩ ኣታ እቲ ስውእ ሓየት ብዓል ፋረ!?   ፑሽኪንድዩ ኣታ ኔሩ እቲ ዘይሕለል ጅግና ክውን ንኽገብር ህያው ናጽነትና ህይወት ዝወፈየ ስለ ሓርነትና ሰማእታት ወኪሉ ክብሪ መንነትና ሓወልቱ ዚትከል ኣብዛ መዲናና፡ ከመይ እዩ’ዚ

ኣብ *ኣንገብ ፈርኔሎ ዝወዓለ          *ዕርዲ፡ መዝገብ

ኣብ ግጥም ቦሊቮል ዘይተሳዕረ

ድፋዓት ፊደል ፐ ዘየድፈረ

መንድዩ ኣታ እቲ ስውእ ሓየት ብዓል ፋረ!?

 

ፑሽኪንድዩ ኣታ ኔሩ እቲ ዘይሕለል ጅግና

ክውን ንኽገብር ህያው ናጽነትና

ህይወት ዝወፈየ ስለ ሓርነትና

ሰማእታት ወኪሉ ክብሪ መንነትና

ሓወልቱ ዚትከል ኣብዛ መዲናና፡

ከመይ እዩ’ዚ ነገር ሕውስውስ ኢሉና

ሹማሙንቲ ህግደፍ እስከ ግለጹልና?

 

ዶላርዶ ይዓቢ ካብቲ ክቡር ህይወት

ንሓወልቲ ፑሽኪን እዚ ኹሉ ክብረት

ኣብታ መዲናና ፍጹም ዝዓነወት

ንስውእ ረሲዕኩም ገንሸል ናይ ሓርነት

ንሓወልቲ ፑሽኪን ኣምሲልኩሞ ገነት!

 

መርዓትን መርዓውን ጋማኦም ክኣስሩ

ብቪድዮን ካሜራን ፍቕሪ እናደብተሩ

ኣብ ሓወልቲ ፑሽኪን ብሓበን ክዞሩ

ምስሊ ስውኣትና እንተ ዚኸውን ነይሩ

ታሪኽ መዘንተወ ባዕሉ ኣፍ ፈጢሩ!

 

ከም ሓያል ክረምቲ ቦምባ እናነጐደ

ኣብ ረመጽ ዘሊሉ ዘይበለ ነዲደ

እዚ ኹሉ ጅግና *ድርጐ ዝወረደ      *በጃ ዝሓለፈ

መስተንክር ታሪኹ እንከይ ተሰነደ

ምልኪ ነጊሱ’ምበር ህዝቢ ዘዋረደ

ዉሉዱ ዶ ሎሚ ዳግም ምተሰደ!?

 

እታ በጃ እግሩ’ኳ ሓርበኛዊት ሽዳ

ኣብ ጐደና ሰማእታት ኔራ ተሰኒዳ

ካብ ስፍራኣ ደኣ ሎሚ መን ወሰዳ?

ብመላኺ ዶኾን ከም ሰብ *ተቐፊዳ!?    *ተኣሲራ

 

እታ ዓባይ ዝኽሪ’ወ ናይቲ ስውእ ጅግና

ኣብታ መቓብሩ ሓመድ ዘይደበና

ኣብ ቅርዓት ንያላ ቆይማ ምስ ረኣና

ንዝኽሪ’ቲ ስውእ ሓወልቲ ብምዃና

ሰብ ሕድሪ ስውኣት ተስፋ ጌርና ኔርና!

 

ሕጂ ግን፥

 

ምስ ግሩፕ ጂ15 ኢድ ግዲ ኔሩዋ

እዚ ውልቀ መላኺ ፍጹም ፈንፊኑዋ

ብድሕሪ ምእሳሮም ዚንጎ ሸፊኑዋ

ንነዊሕ ዓመታት ፍጹም ምስ ኣዕነዋ

ኣብ መወዳእታኡስ መንቊሱ ኣጥፊኡዋ!

 

ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!

 

ካብ ሓውኹም መሲናስ 30-07-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Pleroma Righteousness August 27, 2013

    Atta Hawna Entai Ekha Tblenna Zellekha ! Hji Tessi’eka Kab Dqaska …. Genna Kal’e Gud Ktr’en Ktsem’en Ekha ! Aytgerem Jambo!

  • Deki adi September 23, 2013

    The typical tigay tigrigna written by Portugess pop of the 17 centureis assure that ታሪክ ራሱን ይደግማል እንዲሉ ከአፄ ዮውሓንስ ሞት በኋላ ግማሽ አካለችን የሆነው ከምጽዋ እስከ መረብ ያለው አገር ዳግም ላይመለስ ተቆርሶ ሂዷል:: ጣልያኖች እና ምኒሊካውያን ኢትዮጵያን ማሸነፍ የሚቻለው የትግራይን ህዝብ እርስ በራሱ በማጣላት ካለሆነ በጦርንት እንደማይሆንላቸው በማወቃቸው ጥንታዊት ኢትዮጵያን ለሁለት በመገዝገዝ ግማሹን በጣልያን እጅ የተቀረው ደግሞ በሸዋ እጅ እንዲሆን የተሳካ ሴራ ጠንስሰው ኣሳክተዋል:: ከአድዋ ድል በኋልም የድሉ ባለቤቶች የነበሩት ራስ አሉላ አባነጋ: ራስ ሓጐስ ምርጫ (የኢሳያሰ አፈወርቂ ቅድመ ኣያት) እርስበርስ ተባልተው በመሞታቸው እነዲሁም ራስ መንገሻ ዮውሓንስ ወደ ሸዋ ተወስዶ ባልዋለው ውንጀላ በመገደሉ ምክንያት ትግራይ ያለ ተቆረቋሪ ኣባት (በዘይ ኣያ) ቀረታለች:: ይህንንም ተከትሎ በሸዋ ሰዎች አሻሸጭነት ሰራየ እና አካለ ጉዘይ በ 5 ሚሊዮን ሊሬ እንደተቸበቸበ ታሪክ አንብበን እብረዳ:: የሽሬ ኣካል የነበረው የአሁኑ ባርካ: የኣጋመ ኣካል የነበረው ደንከል ከትገራይ ተቆረጠው ወደ ትግራይ የነፍጥ መተላለፍያ ቀዳዳ ለመዝጋት በምስጠራዊ ውል ያለ ትግራይ መሳፍንት እውቅና ለጣልያን እንደተሰጡ እንረዳ:: ወልቃይት: ፀለምቲ: ፀገዴ: ታሕታይ አርማጭሆ: ሰቲተ ሑመራ: ጋሽ ሰቲት: ተሰነይ: ከሰላ ግማሹ ለጣልያን የተቀረው ከተከዜ በስተደቡብ ያለው ምንም ታሪካዊ ትስስረ ወደ ሌለው የቤገምድር ግዛት እንደተጠቃለለ ኣንርሳ:: እንዲሁም ከመስዋእቲ እስከ አለዋህ ያለው የትግራይ መሬት በወሎ ክፍለሃገር ስር እንደተደረገ እናስታውስ:: ውንድማችን የሆነው የዋግ ህዝብ ቋንቋውን እና ብሄራዊ ማንነቱን ትቶ ሳይሆን ኣማራ የሆነበት ሰበብ እናሰተውል:: ልብ እንበል እውነት ለመናገር እኔ ከአሉላ በስተቀር ከላይ የተዘረዘትን የትግራይ መሳፍንት በእኔ እበልጥ ለጠላት ስላጋለጡን ኣልወዳቸውም: ኣለከብራቸወም:: በእርግጠኛነት የምናገርው ግን መንገሻ ዮውሓንስ በህይውት እያለ ወንሞቻቸን የሰራየ እና አካለ ጉዘይ ሰዎች ኣይሸጡም:: ባይሳካ እንኳ ሙሉ በሙሉ በጣልያን እጅ ወድቃ ኣንድነትዋን ጠብቃ ነፃ ትሆን ነበር:: ቀድመው በውጫሌ ውል ኣንቀፅ 3 መሰረት ለጣልያን የተሰጡት ሓማሴኖችም መጨረሻ ይመለሱ ነበር::
    ስለዚህ በኛ መካከል ለሚፈጠር አለመስማማት እዳው አንተም እኔም እንደምንሸከመው አንርሳ:: ስለዚህ ቢቻል የአንድ ሸሕ ዘመን የባርነት ዕዳ ያራገፈልንን ህዝባዊ ተጋድሎ ከንቱ እንዳይቀር ጠንቀቅ መሪዎቻችንን እንምከር:: በመጨረሻ የእስራኤል መሪ ቤነጃሚን ኔትንያሁ ባለፈው ዓመት የዒራን ሐገረ ፋርስ የኒኩሌር ውጥን ኣስመልክቶ በተመድ ጠቅላላ ጉባዔ ያለውን ላስታውሳችሁ “history will not give second chance to the Jew people; this is a chance that we have gotten in 2000 years, therefore we should not let the Iranians possess the devastating weapon” ብተመሳሳሊ ትግራይውን ታረክ ኣብ ሓደ ዘመን (1000 ዓመት) ዝረኸበቶ ዕድል ብከንቱ ከይኣጥፋእና ኣብዙርያ ጥንክርቲን ምዕብልቲን ትግራይ ንሓገረ ኢትዮጵያ ዳግም ንሀድሳ እብል:: ትግራይ ምስትደክም ኢትዮጵያ ሓቢራ ትደኽም: ትግራይ ምስትጥንክር ኢትዮጵያ ብምልእታ ትነቓቓሕ::
    ————————————–ወስብሐት ለእግዚአብሔር

  • Getch November 25, 2013

    WAW Deki Adi, your point back in history tells all the facts and that is good to know what went wrong in the course of the last two centuries.
    Thanks.

  • Dawit April 27, 2015

    ሃዬንታ ኣሎዎ
    ብዳዊት ክፍለዝጊ ስሜን ኣሜሪካ

    ሃዬንታ ኣሎዎ ዝኹለይ መከራ
    ንሰማዒ ዘደንጹ ኣብ ጽምጽም ሳሃራ
    መሳኪን ቆልዓ ምስ ስበይቲ ንጥይት ንኻራ፡
    ንህልቂት ወሪዶም ንዕዳጋ ጃምላ

    ካብ ሞት ንኸምልጡ ጉዑዞ ንዓዲ ሞት
    ሰላም ምስተ ሳእነት ናይ ቅንጣብ ሓርነት
    ምስ ተዳራረበ ግፍዓዊ ባርነት፡
    ትርጉም ኣልቦ ምስ ኮነት ነጻነት፡
    መዋጽኦ የለን ካብ ሞት ንዓዱ ሞት፡

    ዓቅሉ ምስ ጸበቦ ወጽዓ ስቓይ ምስ ተዳራረቦ፡
    ኒሑ ምስ ጸንፈፈ ጻሓይ ዕራርቦ፡
    ኣያ ኣብዘይብሉ ዝህቦ ኣቃልቦ፡
    መዋድቆኡ ዘይፍለጥ ዕድሉ ዝሃቦ

    ሓዘን ድሕሪ ሓዘን እንዳ ተዳራረበ
    ጌና ዝቐደመ ዳሕራዩ እንዳኣርከበ፡
    ስርዓተ ቀብሪ ዘይርከቦ ኑቡር ሓመድ፡ድበ፡
    ቲሓደ ይሓልፍ ቲ ሓደ እንዳርከበ
    እንታይ ስጋብ ንኸውን ንማዓስ ንጽበ፡
    ምሕረትና ጠፊኡ ማትና እንዳዘነበ፡

    ይጠፍእ ይነፍጽ እግሩ ናብ ዝመርሖ
    ምንባር ምስ፡ሳአነ ዝአልዮ ዝመርሖ፡
    ዓለም ብብርሃና ምስ ጸልመቶ ኑጉሆ
    ከም መኸዳ ኣቡዑር ምስ ተበህለ ዓሪ፡ሆ”
    ኣማራጺ ሲኢኑ ካልእ ዝብዶሆ፡
    እዝን ወዲ ኸምዝን ንስደት ዬምርሖ፡

    መን ዓዱ ይገድፍ ዝጣዓሞ፡
    ሰብአዊ መሰላት ዘይተ ሐርሞ
    ብሕጊ ዝምእዘዝ ባዕሉ ብዝሸሞ
    ሂወቱ ንምምራሕ ማዓስ ምስጸገሞ፡

    ብአንጻሩ ግን ምሕደራ ውልቀ ምልኪ
    ኢደ ወነናዊ ንጥፍአት ንሃልኪ
    ሃገር ብሃገራ ዘሕዝን ዘብኪ

    እሞኸ እንታይ ንግበር ኣሕዋት ደቂ ሃገር፡
    Eሂን ብሂን ምክብባር እቲ ዋና ነገር
    Eደይ፡Eድካ ንስገሮ ዝስገር
    ብባይቶ እንዳባ ብሐባር እንተዝምከር፡
    ጥምሮ ሓድነትና ኣብ ዘዕቁብ ማእከል

    ስደት ፍታሕ ኣይኮነን ደቂ ኤረይ ሐቦ ንበል፡
    ኩልንትናዊ ዓቅምና ናብቲ ዓቡይ ገበል
    ኣትማኑ ጨፍሊቕና ኣብቲ
    ጎልጎል ሰንበል
    ፍትሓዊት ባንዴራ ብህዝባዊ ማዕበል፡
    መሐውር ዲክታተር ብዕሊ ክስበር፡
    ከም ደብዳብ ሃዳሙና እንተንቀባበል፡
    ርስቲ ንሰብ ርስቲ ተመንዘዔ መገበር፡
    ነበረ ያ ነበረ ንታሪኽ ምስክር።

    ግንከ ኣብ ሞት ዘሎ ሂወት
    ኣብ ሂወት ዘሎ ሞት
    ንግዝያዊ ረብሓ ንዝሓልፍ ሽመት
    እንከይ ጸራረገ ናይ ዓይኑ ጉልመት
    እናራአዬ እንዳ ሰምዔ ዘስቅጥ ዝዕመት
    ሕድሪ ዝጠለመ ህያው መስዋእትነት
    ሓንሳብ ንሓዋሩ ዘኻዕበተ ጥልመት
    እዝን ወዲ ኸምዝን እንከለኻ ኢዩ ሞት።

    በቲ ሓደ መዳይ ኣብ ሞት ዘሎ ሂወት
    ዘጠልም ዘይክሕድ ኣብ ዝኾነ ህመት
    ንህዝቡ ዝብጆ ንመሰል ንኽብረት
    ብዉጹዕ ዝጣበቅ ንራህዋ ንዕቤት
    ካብ ሓቂ ዘይርሕቅ ዘይ ጸምም ዘይ ዕመት፡
    መናን ንሂወቱ ኣብ ንጉሆ ንእስነት
    ዘልአለም ነባሪ ንወሎዶ ኽብረት
    እዚ ሓቂ ኣብ ሞት ዘሎ ሂወት።

    በሉ እስከ ቅራና ቅራና ንጹቡቕ ምርሓና፡
    ካብ ዘን ዝተጠቕሳ ጉቡእና ፈሊጥና፡
    ንሓቂ ንሞጉት ንስለ ረብሓና፡
    ብሲኒት ብፍቅሪ ብሰናይ ልቦና
    ደቂ ዛ!ሎዋህ መሬት ርስቲ ዓዶ ቦና
    ይአክል ንበሎ ሕሰም መከራና፡
    እታ በትሪ ኣብ ኢድና ተመን ኣብ እግርና፡
    ዓኾኻይ ንበሎ ጸላእ ሰናያትና፡
    ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብ መሬት ማያትና