Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንኢድ ጸጋ ጦርሰራዊት ቆሪጾማ፣ ንኢድ ቢንያም ከኣ ህግደፍ!

  ከመይ ከኒኺ ሃገረይ ! ሃገረይ፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፣ ደቅኺ ንመበል 24 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ክልተ በበይኑ ዳሳት፣ ብ ጓሂ ወይ ከኣ ብዝተሰነዐ ሓጎስ፣ ዝበዝሑ ድማ ካብ ክልቲኡ በዅሮም በብፋንጣኦም ከምዝዘከሩዎ መቸም ድሮ ኣስተብሂልክሉ ኣለኺ።

 

ከመይ ከኒኺ ሃገረይ !

ሃገረይ፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፣ ደቅኺ ንመበል 24 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ክልተ በበይኑ ዳሳት፣ ብ ጓሂ ወይ ከኣ ብዝተሰነዐ ሓጎስ፣ ዝበዝሑ ድማ ካብ ክልቲኡ በዅሮም በብፋንጣኦም ከምዝዘከሩዎ መቸም ድሮ ኣስተብሂልክሉ ኣለኺ። ኣነ ‘ውን ኣብ ድሮ ናይቲ ጽምብል፣ ምስሊ ናይቶም ብረሃጽ ኣባቕል ዝተባህብሁ ዳሳት-ማዕዶ እንታይ ከምዝመስል ንምዕዛብ ሓንሳብ ናብ ‘ቲቢ-ኤረ’ ተቐልቂለ ነይረ።

ኣብቲ ህዝቢ ብግዴታ ገንዘብ ኣዋጺኡ፣ ብምምሕዳራት ህግደፍ ተኣዚዙ ዝተኸሎ ዳሳት፣ ህዝቢ ምሩኽ ክመስል ዝን ኢሉ እናቕባሕበሐ፣ ኣጥባተን ገጸን እናጸፍዐን ዘዳኽራ ቆለ ዘለወን ውሑዳት ኣንስቲ ምስ ተዓዘብኩ፣ ሓደ ሓው፣ ኣብ ዓደምሓራ፣ ሓዘን ከድምቓ ተኸፊለን ዘልቅሳ ምኩራት ኣንስቲ ከምዘለዋ ዘዕለለኒ ዛንታ ተዘከረኒ ‘ሞ፣ ህግደፍ ‘ውን ነቲ ኩሉ ፈንፊኑዎ ናይ ልቢ ዘየብቆሉ ቆልዑ ኮይኑ ተሪፉ ዘሎ ልብወለድ ጓይልኡ ንምድማቕ ገንዘብ ከፊሉ ዘዐንድረን ኣርሆታት ምዃነን ክርዳእ ግዜ ኣይወሰደለይን።

ፈለማ፣ “ቀደም ዘጕህየን መስዋእቲ ተጋዳላይ፣ ሎሚ ‘ውን ዘሕዝነን ሞት ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት የለን” ኢለ ስለዝገመትኩ እየ “ኣባቕል” ዝበልኩወን። ጸኒሑ ከምዚ ኸማይ ንኹነታት ናይዘን ኣብ ልዕሊ መቓብር ክስዕስዓ ዝተዓስባ ኣንስቲ ዝተዓዘበ ሓው፣ ብዙሓት ካብኣተን ኣንስቲ ጦርሰራዊት ዝነበራ፣ ብህግደፍ ገንዘብ ዝተኸፍላ ምዃነን ምስ ኣረጋገጸለይ ግን፣ እቲ ነገር ካብቲ ዝገመትኩዎ ዝኸፍአ ምዃኑ ተገንዘብኩ። ምኽንያቱ፣ ከምተን መዳምቕቲ ልቕሶ ገንዘብ ጥራይ ዝዓጠን እንተዝነብራ ካብ መዓንጥአን ንላዕሊ ከም ድላየን እናተቛጻጸያ፣ ነቲ ኣዕጽምቲ ሓቢኡ ዘሎ መሬት ኣጸቢቐን ካብ ምርጋጹ ምተሰከፋ ነይረን። እቲ ንሕስያ ዘይብሉ ዝላአን መቓብር ዘፍርስ ሓይሊ ዘለዎ ምንባሩ፣ ብሓቂ ኣንስቲ ጦር ምንባረን፣ ብውሽጠን “ሳላ ኢሱ እንታይ ተሳኢኑ” እናበላ፣ ካብቲ ንሰብኡተን ዘሰክሐ ሽም ዝሓዘ ባጤራ ናቕፋ ዝረኽባኦ ረብሓ ንላዕሊ፣ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ኤርትራን እቲ ኮብኵቡዋ ዝኣተወ ተጋዳላይን ህዝብን ን24 ዓመታት ኣሊኸናኦ ዝጸንሓ ሕነ ይፈድያ ከምዝነበራ ተሰቆረኒ።

ምስኪና ህዝቢ ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ንኽንደይ ዘይጠቕሙ ኣሕሊፉ ዘይሃበካ። ራሻይዳ፣ በደዊን፣ ደምሒት፣ ኣንስቲ ጦር። ወረ ገና፣ ካብቲ መጕሓፊ ባዴልኡ ወሪድካ ካብ ወንበሩ ክሳብ ዘይዓለኻዮ፣ ስሞም ሰሚዕካዮም ዘይትፈልጥ ተላሃይቲ እናምጽአ ኣጸቢቑ ከላህየካ እዩ።

ካብዘን ደቂ ብዳማ ንላዕሊ ንጦርሰራዊት ዘዘከረኒ ግን ሓደ ካልእ ዘሕዝን ፍጻሜ ‘እዩ።

ኣብ መጀመርያ ሰማንያታት፣ ሓደ ኣብ ዓውደ ውግእ እግሩ ተቖሪጹ ዝሰንከለ ናይ ትግርኛ መምህርና ‘ፍጻሜታት’ ተባሂሉ ካብ ዝጽዋዕ ናይቲ እዋን ወግዓዊ ጋዜጣ ህዝባዊ ግንባር “ኢድ ጸጋ ጦርሰራዊት ቆሪጾማ” ዘርእስታ ዛንታ ናይ ሓንቲ ብወተሃደራት ደርግ ኣብ ዕሸልነታ ኢዳ ዝሰኣነት ኤርትራዊት ቆልዓ ከንብበልና ይዝከረኒ።

ሽዑ ኣነ፣ ብቓንዝኣ ድሕሪ ምቕንዛወይ፣ ንገዛእ ርእሰይ ካብኣ ብቑሩብ ጥራይ ይዓቢ ስለዝነበርኩ፣ ኣብቲ ዘይበሰለ ኣእምሮይ ምስሊ ህጻንነታ ስኢለ፣ “ምስኪነይቲ ቆልዓ፣ ከመይ ኢላ ክትጻወት ‘ያ” ዝብል ሓሳብ ኣጨኒቑኒ ነበረ።

ድሕሪ 35 ዓመታት ሕጂ ክርእዮ እንከለኹ፣ ጸጋ ኣብ ዓለም እንተልያ፣ እቲ ብመዅለፍቲ ጸወታ ክሳናኸል ዝጀመረ ህይወታ፣ ስንክልናኣ ዘመንጨዎ ማዕረ-ማዕረ ዕብየታ ዝውስኽ ኣካኣውን ስነኣእምሮኣውን ጸገማት ከምዘይሓደጋ ‘ውን ይግምት። መን ይፈልጥ፣ ብሰንኩ ዘይተመርዓወት ዘይወለደት ‘ውን ትኸውን። እቲ ሽዑ ንጸጋ ዝወረዳ ግን ሓደጋ መግዛእቲ እዩ። ካብ መግዛእቲ ኸኣ፣ ምቝረጽትን ሞትን ኢኻ ትጽበ። ምስኪነይቲ ጸጋ፣ መቸም ካብዚ ኹሉ ኣነ ዝፈራሕኩዎ ጸገማት ሓራ ኮይና ዓብያ ክትከውን እምነየላ።

ንጸጋ ዘዘከረኒ ኸኣ ቢንያም እዩ።

ኣብ ጽባሕ ናይቲ 24 ዓመታት ዘቝጸረ ‘መዓልቲ ናጽነት’ 24 ግንቦት 2015፣ ካብ ከሰላ ኣብ ዝተቐበልኩዎ ጻውዒት ተሌፎን፣ ሓደ ቢንያም ገብራይ ዝተባህለ ካብ ዕድመ ናጽነት ኤርትራ ብ 5 ዓመት ዝንእስ (ወዲ 19 ዓመት)፣ ብዕሱባት ኢሳይያስ ኣብ ተሰነይ ን10 መዓልታት ተኣሲሩ ድሕሪ ምቕናዩ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ቀጥ ኢሉ ኣብ ዓጽሙ ዝበጽሐ ምቑሕ ማእሰርትን ገደብ ዘይብሉ መግረፍቲ መርመርቱን ኢዱ ሓሊቑ ሓካይም ሱዳን ንመቝረጽቲ ኣዳልዮሞ ከምዘለዉ ተረዳእኩ።

Biniam_K_1ካብ መጠን ንላዕሊ ሰንቢደ! ምሉእ ህይወቱ ገና ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ዕሸል መንእሰይ ድሕሪ 24 ዓመታት ናጽነት ኢዱ ክስእን? ብፍጹም ኣይተዋሕጠለይን። ሃለዋቱ ፈሊጠ ኣጆኻ ክብሎ ምስ ደወልኩሉ ‘ውን ስንባደይ ኣይጎደለን። መሊሱ ደኣ ወሰኸ። ቢንያም በቲ “ኢድካ ክትቍረጽ እያ” ዝብል ምኽሪ ሓካይም ከሰላ ዝሓደሮ ሻቕሎት ነቲ ምጕዳል ኣካላት ጸጋ ዘሕደረለይ ስግኣት ኣረጋገጸለይ። ቢንያም ንመቍርጽቲ ከም ሞት ፈሪሑዋ ከምዝነበረ ካብ ዘረብኡ ስለዝተገንዘብኩ፣ ቁጽሪ ቴለፎን ናይቶም ላዕለዎት ዶካትር ኣናድየ፣ ኣብ ካርቱም ዝሓሸ ሕክምና ክህሉ ይኽእል ‘ዩ ‘ሞ ቢንያም ካብ መቍረጽቲ ናይ ምድሓን ዕድል ‘ውን ይረክብ ካብ ዝብል ግምት፣ ተቐዳዲሞም ኢዱ ቅድሚ ምቝራጾም ናብ ካርቱም ክሰዱዎ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ኣጥቢቐ ለመንኩዎም። ንሳቶም ሓልዮተይ ተገንዚቦም፣ ማህሰይቱ ከቢድ ምዃኑ ብምቕሉል ቃላት ገሊጾምለይ። ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ እንኮ ምርጫ ‘ኢድ ቢንያም ዶ ህይወት ቢንያም’ ምዃኑ ‘ውን ኣረድኡኒ። ንጽብሓይቱ፣ ኢድ ቢንያም ተቖሪጻ! ንኢድ ቢንያም ዝቖረጹ ግን፣ ሓካይም ከሰላ ኣይኮኑን፣ ህግደፍ እዮም። እወ፣ ንኢድ ጸጋ ጦርሰራዊት ቆሪጾማ፣ ንኢድ ቢንያም ከኣ ህግደፍ። ህግደፍን ደርግን፣ ናጽነትን መግዛእትን ደኣ እንታይ እዩ ፍልልዩ? እንታይ እዩ ፋይዳ መስዋእቲ ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ!

ቢንያም ንሱዳን ክትሃድም ሓሲብካ ተባሂሉ ብሓሶት ተኣሲሩ ኢዱ ኣብ ዝሓልቀሉ ዝነበረ 10 መዓልቲ፣ ቅነ ናጽነት ተባሂሉ ያኢ፣ ኣብ መላእ ኤርትራን ኣብ ወጻእን፣ ንናጽነት ዝውድስ ናይ ሓሶት ዳሳት ተተኺሉ፣ እቶም ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዘይዓጦም ነውራማት ኣርሆታት ኣቐዲሞም ይስዕስዑ፣ እቶም ምንጪ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾኑ ኢሳይያስ ጭፍርኡን ከኣ፣ ኣብ ዳስ ሓሶት ዝምደር ሽሕጣኖም ክሳብ ዝዳሎ ይሰኽሩ ነይሮም።

ሃገረይ፣ ናይ ኤርትራ ነገር ካብ ኣልሰር ናብ ካንሰር እዩ!

ኢሳይያስን ሰብ ብርዑን፣ ነቲ “ጥፍኣት ወለዶታት፣ ካብ ጻት ናብ ጻት” ዝብል ብቐይሕ ቀለም ዝጸሓፉዎ ጭርሖ፣ ብላዕሊ “ልምዓት ብጽንዓት” ብዝብል ቀጠልያ ጽሑፍ ሸፊኖም፣ ንሕሱም መግዛእቶም ናጽነት ዝብል ሳጓ ኣጠሚቖም ክውድሱ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዳንኬራ ጥፍኣቱ ‘ሆ’ ኣባህለና ኢሎም ከገድዱዎ ክትርኢ ከለኻ ደም ዘፍልሕ እዩ።

ነቲ ዝፈልሐ ደም ዘገንፍል ግን፣ ነቲ ህዝቢ ከጥፍእ ዝተንስአ ሰይጣን ዝለኣኹዎ ኣራዊት ከምዘለዉ ምፍላጥ እዩ። ኢሳይያስ ጥራይ ዘይኮነ፣ ህዝቢ ‘ውን ነንሕድሕዱ ይባላዕ ስለዘሎ ንኢሳይያስ ፕሮጀክት ጥፍኣት ይሰልጦ ‘ሎ።

እታ “ቁረጽ፣ ሕረድ፣ ረሽን” ትብል መጽሓፍ ገበነ-ኢሳይያስ ኣብቲ ናይ ተሰነይ ቤትማእሰርቲ ኳ እንተላ፣ ኢድ ቢንያም ክትሓልቕ ከላ ግን ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ እዩ ነይሩ። ኣብ ምድሪ ኤርትራ፣ ኣብ መንጎ እቶም ኣራዊት ሰባት ዘይርከቡሉ ምኽንያት ደኣ እንታይ እዩ? ኢሳይያስ ንመግዛእቲ ናጽነት፣ ንጥፍኣት ልምዓት ኣምሲሉ ከርእዮም ከሎ፣ ንሳቶም ከ፣ ነቲ ኢሳይያስ ቤትማእሰርቲ ክኸውን ዝደልዮ ‘ኣንደራት’ ቤትምህርቲ ምቕያር፣ እንተኸፍአ ኸኣ ነቲ ሸጥ ዝበለ ማእሰርቲ ዝመስል ፈኵስ ማእሰርቲ፣ ኣብ ክንዲ ሰንሰለት ሰቲ፣ ኢድ ኣሕዋቶም ዘየሕልቕ ማእሰርቲ ምምሃዝ ከመይ ኢሉ እዩ ዘጸግሞም!?

ሓደ ኤርትራውያን ክንምሃሮ ዘለና ዛንታ፣ ዋላ ኣብ ውሽጢ ‘ቶም ንዓለም ብሴፍ ዘሰክሑዋ፣ ህይወት ሰብ ብሚልዮናት ዝበልዑ ዝነበሩ ጨካናት ስርዓታት ናዚን ስታሊንን ‘ውን ህይወት ዘድሕኑ ርህሩሃት ሰባት ከምዝነበሩ እዩ። ስለዚ፣ ኣብ ክንዲ ነቶም ኣረሜናውያን ንኽትመስል ምቅድዳም፣ በቶም ርህሩህት ከቕንኣና ኣለዎ። ነብስና ዘቕስን ጽቡቕ ተግባር ከብህገና ይግባእ። ኣብ ክንዲ ንጥፍኣት ንድሕነት ክንተሓጋገዝ ኣለና።

ካብቶም ኣራዊት ወጻኢ፣ እቶም ኣብ ደምበ ሰባት ኣለና እንብል ‘ውን ንሞት ከይንለምዶ ክንጥንቀቕ ይግባእ። ምናልባት፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ እናተቐዝፉ፣ መቕረጽቲ ኢድ ቢንያም ክንድ’ዚ ዝምረረሉ ምኽንያት ግር ዝብለኩም እንተሊኹም፣ ከይተፈለጠኩም ሞት ናይ ምልማድ ሕማም ዝጀመረኩም ከይትኾኑ ነብስኹም ክትምርምሩ ኣለኩም። ‘ኣብዛ ምእንቲ ሰላምን ሓርነትን ህይወት ኣሽሓት ዝኸፈለት ሃገር፣ ንጣብ ደም ‘ውን ትኹን ንብላሽ ክትፈስስ የብላን’ ዝብል ጽኑዕ እምነት ክህልወና ኣለዎ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ፣ ኣብ ስነሓሳብ ናይቲ ወፍሪ “ጥፍኣት ብጽንዓት” ዘሰላስል ዘሎ እኩይ ስርዓት ኢና ንርዕም ዘለና። እቲ ኣብ ሓኒሽ ዝኸፈልናዮ 12 ህይወት ከቢዱና ኵናት ከይደግሰና ዋሕስ እንተንተክል ‘ኮ ህልቂት ባድመ ኣይምወደቐናን።  ስንኩላና ሰሃራ ቆሪጾም ክስደዱ ከለዉ፣ ጠንቂ ስደትና ኣለሊና ብኣግኡ ፍታሕ እንተንረኽበሉ ‘ኮ፣ ውርደት ሲናይ ቅዝፈት ላምፐዱዛ ኣይምወረደናን።

ንምዃኑ ናይ ቃልሲ ወለዶን ሓዱሽ ወለዶን ኣብ ክንዲ ኣብ ዳስ መርዓ ከም ዋሕስን መርዓውን፣ ኣብ ጉዕዞ ስደት እተራክብ ናጽነት እንታይ ዓይነት ናጽነት እያ?

ኣብ 1971፣ ህዝባዊ ግንባር ቀዳማይ ዓመቱ ከየብዓለ ስለ ናጽነት ዝተጋደሉ፣ ኣብ 1976 ኣብ ዓውደ ውግእ ስለ ናጽነት ዝተቖርጹ ኣበድን ብጾቱን፣ ብምርኩሶም ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ቆሪጾም ምስ ደቆም ክስደዱ ዝቐሰበት ናጽነት፣ መሓወር ኤርትራውያን በሊዓ ኣይጸገበትን። ኣብ 24 ዓመታ ‘ውን ንቢንያምን መዛኑኡን ቆቆሪጻ ናብ ስደት ተፋንዎም ኣላ። ናጽነት ናይ ብሓቂ ናጽነት ክትከውን እምብኣር፣ እዚ ወለዶ ‘ዚ፣ ወለዶ ጥፍኣትን ዕንወትን ካብ ምዃን ኣዕሪፉ፣ ወለዶ ሰላምን ምዕባለን ምዃን ክጅምር ኣለዎ።

ሃገረይ፣ ነዛ ን24 ዓመት ብኸበሮን እምብልታን ተጸዊዓ “እየይ” ምባል ዝኣበየት ናጽነት ብቐጻሊ ብጓይላን ደበላን ስማ ኣብ ክንዲ ንጽውዓ፣ ከም ሃዳኖ ከነምጽኣ ንወፍር።

እንተዘይኮይኑ ግን፣ እቲ ቅድሚ 10 ዓመት ሓንቲ ኤርትራዊት ጓል ነብሓጎኣ፣ “ኣቦይ፣ ብሰላም መታን ክኣቱ መርቑኒ ግዳ፣ ንወጻኢ ይብገስ ኣለኹ” ምስ በለቶም፣ “ወይለ’ቦኺ፣ ጓለይ ሃብሮም ‘ታይ ምርቓይ ደሊኺ፣ ብቐደምኪ ምርቕቲ፣ ሓሳብኪ ንርእሱ ምርቓ እዩ፣ ኪዲ ደኣ ጻዕዳ ይጽናሕኪ፣ እምበር እዚ ትርእይዮ ዘለኺ ሽግር ኤርትራ ደኣ ዘይ ሕጂ እዩ ዝጅምር ዘሎ፣ ገና ገና!” ዝበሉዋ፣ ሽዑ ዋዛ ዝመስል ዝነበረ ሕጂ ግን ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝተጋህደ ትንቢት፣ ካልኣይ ዙርያ ጥፍኣቱ ክቕጽል እዩ። እንሆ ኳ ድሮ ነታ ብናይ 30 ዓመት ቃልሲ ዝረኸብናያ ናጽነት ኣብ ውሽጢ ‘ዚ 24 ዓመት ኣጥፊእናያ። እወ፣ ምዉት ምንቕናቕ ገዲፍና፣ ነዛ ተቐልቂላ ዝጠፍአት ናጽነት ንምለሳ፣ ሃየ ሓቢርና ንውፈር፣ ሓቀኛ ናጽነት ክንፈጥር።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ሰላም ቀንዪ ሃገረይ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

28 ግንቦት 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • keven May 28, 2015

    Well done ema

  • elias May 28, 2015

    Emanuel is it true,I was food doctor in the front line for 5 years, why he fled then what is the point. If he lost his hand with them, he should stay, I do not know how is that happened.If the guard did that he let him out to cover for himself or what. But Emanuel you have too much hate rage against Eritrea.

    I remembered when you reported Iseyas died, Asmara are circled for civil war,is this the same story or is it true?

    • Simon G. May 28, 2015

      ኤልያስ:
      ብሓቂ ብደውካ ዝሞትካ። እዚ ኣንቢብካ ዘይትሓዝን ፍጡር: ከመይ ዓይነት ፍጡር? ግደፎ ከም ኤርትራዊ መጠን: ከም ወድ-ሰብ ጥራይ ከማን ደምካ ክፈልሕ ይግብኦ ኔሩ።
      ኣማኑኤል:
      ናይ ብሓቂ ዘሕዝን ነገር ዩ ወሪዱና ዘሎ።

    • Planet May 28, 2015

      Brother Elias,
      It is true as they say what goes around comes around indeed. The facts on the ground are different than what some people would like to preach us about ‘hager tiHinbeb ala’ life in Eritrea.
      We should all be prepared for the worst things yet to come to poor Eritrea as people have been dancing and celebrating for far too long for meaningless independence and freedom.

    • ERITRAWIT May 29, 2015

      elias Doctor you writing is as bad as mine so I could try to be a Doctor then?
      Amanule it wouldn’t been possible to know what really is going on. I told you before you work and others stronger than a pullet.
      Thank you our dear Brother God bless you.

    • Ibrahim May 30, 2015

      Elias,
      If you see Eritrea is the mafia orgnization PFDJ and its criminalboss DIA, then you are socially sick person. Every fair and sane Eritrean hates PFDJ which is causing unimaginable sufferings to our people.

  • Tuum Ghebreyohannes May 28, 2015

    Please set up a fund raising page that way we can help him just what we did for dejen

  • Habte May 28, 2015

    Elias፡
    “Emanuel is it true,I was food doctor in the front line for 5 years, why he fled then what is the point.”??? እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ ዘለኻ? ነዛ ሓንት ሕጡብ ብግቡእ ጽሒፍካ ክትገልጽ ዘይከኣልካ ብዛዕባ ኣማኑኤል ዝበሎ ደጊምካ ክትጽሕፍ ልዕሊ ዓቕምኻ’ዩ! ሱቕ ኢልካ ሃለውለው ኣይትበል። እዚ ዘጉህን ዘሰንብድን እዩ።
    ነዚ ብሰንኪ ግፍዕታት ሸፋቱ ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኢዱ ዝሰኣነ መንእሰይ ቢንያም ክኣ ንወሪድዎ ዘሎ ስቅያት ጽንዓትን ኣኽእሎን ይሃቦ።
    ኣማኑኤል ክኣ ስለቲ ዘይሕለል ጻዕርኻን ሓልዮትካ ህዝቢ ኤርትራን ክብረት ይሃብካ! ኩሉ ጸጽብቑ ንዓኻ ይኹን!!

  • Sara May 29, 2015

    it is very sad I am always crying for my people. sad, issais is committing crime over and over. we all are victims of issais. we are forced to leave in exile.

    • Daniel Tewelde May 29, 2015

      Sara mehazay kab ni issayas titsarefa temahirkin englishkin zeytemahayisha tsil si kes elkin merkebkinaalo abey keykedekin

  • kiktkat May 29, 2015

    @ Elias , if u do have dout to what happened to beniam. So why u don’t take phone number of beniam and contact him directly as what happened to him. May God strength to bin during this tough time.

  • Anbesit May 29, 2015

    It is hard to imagine. do have stone heads like Elias in eritrea? Forget being an Eritran what about like a normal person. Reflect for a moment and try to reconcile with yourself. That is what i can say to you. U really need to see yourself how much you are being inhuman.

  • ertra n ertrawyan May 29, 2015

    This is very sad news like usually i heard from Eritrea. The dictator will do many evil things as long as he lives in Eritrean soil. Biniam may God be with you.
    Amanuel Eyasu you are Bahta hagos of our time
    you are Weldeab weldemariam of our time
    you are Ibrahim sultan of our time
    You are hero like your past and present Eritrean heroes

  • fthawi May 29, 2015

    ኢልያስ
    ወዲ ጦርሰራዊት ክትኮውን አለካ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ከጥፍኡ ስለ ዘይሰሊጦም እሰያስ ስለ ዝቅጽሎ ዘሎ ናይ ጦርሰራዊት ትልሚ ንስኻ ሕጉስ ኢካ ኤርትራውያን ክጠፍኡ ሩሑቕ አኮነን ክወግሕ እዩ ብወሮጦ ክንአርየኩም ኢና ልዕሊ ኩሉ ግን ከም ሰብ ሕልና ዘይብልካ እንስሳ ኢካ ምስ አማኒኤል እያሱ ምጉት ክፍትን እየ እንተልካ እቲ ግጥም ናይ ሓርማዝን ኣንጭዋን እዩ ክኮውን ዶንቆሮ ስለ ዝኾንካ ግን ፈትን

  • fthawi May 29, 2015

    እሰያስ አፈወርቁ ምሰ ህዝቢ ኤርትራ ጽልኢ አሎዎ ከምዚ ክብል ከለኹ ቡዙሕ ሰብ ወገን ጌሩ ዝርዶኦ አሎ ምኽንያቱ ሞቦቆሉ ተንቤን ስለ ዝኮነ ንዓይ ዝኾነ አብ ኤርትራ ዝተወልደ ኤርትራዊ እዩ ግን ካብ ካልእ መጽኡ ባህልን ወግዕን ክብሪ ኤርትራውያን ከጥፍእ ኮሎ ግን ፍጹም አይዋሐጠለይን እዩ ንሕና ኤርትራውያን ጸበብቲ ክንኮውን መልክዕ የብሉን ካብ ሰብ ንላዕሊ ተሰዲድና አለና ንደቅና ደቂ እዚ ዓዲ አኮንኩምን ተልዎም ጹቡቅ አይኮነን ደቅና ኣንጻር ዶቆም ትኮይኖም ግን ዋላ እስጎጉዎም እሰያስ ድማ ደቂ ህዝቢ አብ ጉድጓድ እንዳብለየ ንህዝቢ ኤርትራ ደም የንብዖ ስለ ዘሎ ክስጎግ አለዎ።

POST A COMMENT