Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ዕፋፈቱ ዘርግፍ ዝኣረገ ገበል

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስሉይነት፡ ጃህራን ሓሶትን ዝሕመረቱ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወፈራ የካይድ ኣሎ። እቲ ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ “ኤምባሲ ሜድያ” ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ምልካዊ

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስሉይነት፡ ጃህራን ሓሶትን ዝሕመረቱ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወፈራ የካይድ ኣሎ። እቲ ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ “ኤምባሲ ሜድያ” ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ዘስደምም ግን ዝኣረገ ቃለመጠይቅ ድማ ሓደ ካብኡ’ዩ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ቅድሚ ናጽነት ሓደ ካብቶም ብደረጃ ላዕለዋይ ጽፍሒ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ንጡፍ ተራ ዝነበሮም መራሒ’ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ግን ዝኣረገ ኣንበሳ ወኻሩ ይጻወታሉ’ዩ ኮይኑ። ብዘይካ ኣብ ሃገራውን ሃይማኖታውን ብዓላትን ስነ ስርዓት ቀብሪ ተጋደልትን ምስታፍ፡ ኣብ እዋን ምምራቅ ገመድ ማለት (Ribbon) ብመቀስ ምቁራጽን ኣብ ጎድኒ መላኺ ኢሳያስ ልሕግ ምባልን፡ መልሓሱ ኣውጺኡ ኣብ ቃልዕ ምዝራብ ኣይተራእየን። እዚ ማለት ግን፡ ኣልኣሚን ንኢሳያስ ከሕጉስ፡ ከይእሰርን ብምቾት መታን ክነብርን፡ ብሰላሕታ ተንኮላት ኣይኣልምን ማለት ኣይኮነን። ኣብ እዋን ሰውራ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን መሪሕነትን ህዝባዊ ግንባር እንከሎ፡ ኣልኣሚን መሓድ ስዒድ ዝመርሖ ሰሚናር ወይ ኣኼባ ንምክፋል ወይ ቃለ መጠይቅ ንምስማዕ ካብቶም ዝህንጠዩ ዝነበሩ’የ። ኣልኣሚን  መሓመድ ስዒድ ኣብ ኤምባሲ ሜድያ ዝሃቦ መልስታት ግን፡ እንተስ ነቂሐ እንተስ እቲ መኣዝኑ ዝሰሓተን ቃጭዋንን መደረኡ ፈጊዑኒ፡ ዓጀውጀዉ ክሳብ ዝውድእ ሰልቸወኒ። ብኣንጻሩ ሓታቲ፡ ማለት ሓላፊ ኤምባሲ ሜድያ ኣቶ ያሬድ ተስፋይ፡ ነቲ ዝተሓተቶ መልሲ ምሃብ ገዲፉ፡ ካብ ኤርትራ ሓንሳብ መዋእል ኣዱሊስ ጸኒሑ ናብ 3 ክፍለ ዘመን ዝህውትት ዝነበረ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ብኣንክሮ ይከታተሎ ነበረ። ካብ መጀመርታ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ካብ ኣቡኡ ኢሳያስን ኣገልጋሊኡን የማነ ማንኪን ዝፍለ መደረ ክህብ’ዩ ኢለ ኣይገመትኩን። ኣልኣሚን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ብሓሶትን ምድንጋርን ንኢሳያስን ንየማነ ማንክን ክሓልፎም’ዩ ኢለ ግን ኣይተጸበኹን።

ዝበዝሕ ኣልኣሚን ዝሃቦ መልሲ፡ ናይ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለናን መጽዓንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከበሮን እግርን በበይኑ’ዩ ኮይኑ ነይሩ። ኣቶ ኣልኣሚን፡ “ብኣጋጣሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስጢር ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ’ዩ ዝግለጽ” ዝብል ሕቶ ምስቀረበሉ፡ መልስታቱ ናብ ሓደ ኣንፈት ዝቀንዐ ኮይኑ፡ “ኣብ ዓለም ከም ህዝባዊ ግንባር ስጡም ሓድነት፡ ቅኑዕን ንጹርን ራእይ ስነሓሳብ ዝነበሮ፡ ህዝቡ ዘፍቅርን ንማእለያ ዘይብሎም ዕንቅፋታት ዝተጻወረን ውድብ ኣይተራእየን” ኢሉ። ኣብ መሬት ዘይወድቅ መልሲታት ኣልኣሚን ከም ሓቂ እንተተራዒሙ፡ ጽቡቅ ቅርስታት ህዝባዊ ግንባር ድኣ ድሕሪ ናጽነት ናበይ ተሸርበ? ምናልባት ብኣገላልጻ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ልቦና፡ ሓልዮትን ቅኑዕ ዕላማን ህዝባዊ ግንባር፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ናብ ስደት ክግዕዝ፡ ስልጣንን ቁጠባዊ ንጥፈታትን ብህግደፍ ክብሓት፡ ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ተሓታትነትን ዘይብሉ ስርዓት ንህዝብና ክረግጽ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ግሉጽነትን ክሕረም እንተነይሩ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ፖሊሲታቱ ከስፍሮ ዝግብኦ ዕላማታት’ዩ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ንኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ከም ጸሓፊ ህግደፍ’የ ዝፈልጦ ነይሩ። ካብዚ ኣብ ኤምባሲ ሜድያ ዘካየዶ ቃለመጠይቅ ግን፡ ኣልኣሚን ናይ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ተመራማሪ ታሪኽ፡ ስነ ቅርሲን ሃይማኖትን ኮይኑ’የ ራኺበዮ። ኣልኣሚን፡ ምስጢር ዓወት ህዝባዊ ግንባርን ህግደፍን፡ ካብዚ መበቆል ምዕባለ፡ ታሪኻዊ ቦታን ስልጡን ህዝብን ስለዝተወልደ ትኣምር ክሰርሕ ክኢሉ ብምባል፡ ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ ኤርትራ ብኻልኦት ዝተኻየደ ምርምራትን ዝቀረበ መጽናዕትታትን ፈጠራ ምዃኑ ሓቢሩ። ራዛ ናይ ኣቡኣ ሓዛ ከምዝብሃል፡ ኣልኣሚን ከምቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሰማይን መሬትን ዘጣብቅ ዘቅርቦ ሕጫጨ፡ ኣብ ኤርትራ መሰል ሃይማኖትን ሰብኣዊ መሰልን ከምዝኽበር፡ ናጻ ኣገልግሎት ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ፡ መብራህቲ፡ ዕድላት ስራሕን ቀረብ ሃለኽቲ ከምዘሎን ህዝብና ኣብ ዝደለዩ ከምዝንቀሳቀስን ወደል ኣድጊ ክጸሮ ዘይክእል ሓሶት ደርዲሩ፡፡

ኣልኣሚን፡ እቲ ንጉጅለ 15፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት፡ ንጋዜጠኛታትን ካልኦት ደለይቲ ፍትሕን ዝረኸቦም ማእሰርትን ስቃይን ስለዘየጋጠሞ፡ ኢሳያስ ካብ ዜጋታት ሃጊሩ ዘረከቦ ቪላ ስለዝውንን፡ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ በብዓይነቱ መግቢ ስለዝበልዕ፡ ብላንኩረዘር ኣብ ዝደለዮ ቦታ ስለዝዛወርን ስለዝሕምብጥን፡ ህዝብና ብሓለንጊ ጥሜት እናተገርፈ ኣሽሓት ደሞዝ ዝለዝረክብን፡ ኣብ ኤርትራ ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ጸገም የለን እንተበለ ኣይተጋገየን፡፡ ንምንታይሲ ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለዝኾነ። ንኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ እቶም ህይወት ኣብ ኤርትራ ጸቢብዎም መዓልታዊ ብጠያይቲ እናተሳሕቱ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩን ኣብ ኣተፈላለየ መዓስከራት ስደተኛታት ሕሰም መነባብሮ ዘሕልፉ ዘለዉ ልዕሊ 150 ሽሕ ቆልዓ ሰበይቲ ዝረከብዎም ኤርትራውያን፡ ናብ ንግደት ማርያም ደዓሪትን ማርያም ደብረሲናን ወይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ገርግሱም ክሕምብሱ ዝኸዱ’ዩ ዝመስሎ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብ ኤርትራ ናጻ ኣገልግሎት ሕክምና ኣሎ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ሆስፒታል ከረን መጥባሕቲ ንምግባር፡ ሕሙማት ንጀነረተር ዝኸውን ነዳዲ ሒዝኩም ምጹ ከምዝተባህሉ ኣይፈለጠን ኽኽውን ኣለዎ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ “ኤርትራ ካብ ዓለም እታ ዝበለጸ ሰብኣዊ መሰል ተኽብር ሃገር’ያ” ክብለና እንከሎ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ኣብ ኮንተይነራት፡ ኣጻምእ፡ ቆራርን ጎዳጉድን ንዓመታት ብዘይ ፍርዲ፡ ብስድራቤቶም ከይተበጽሑ፡ ስኣን ሕክምናን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ብሕማም ይሳቀዩ፡ ኣእምሮኦም ይስሕቱን፡ ይሞቱን ከምዘለዉ ዝጠፍኦ ኣይመስለንን። ኣልኣሚን ወዮ ድኣ ደቁ ወይ ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝተቀዝፉ፡ ኣብ ኣጻምእ ምድረበዳ ዝነቀጹ፡ ብነጋዶ ሰብ ዝተሓርዱ የብሉን ኮይኑ እምበር፡ ዓለም ንኤርይራውያን ግዳያት ሞትን ምጥሓልን እናተዛረበትሎም፡ እንከላ፡ ኤርትራ ሰላም ዝሰፈና ሃገርያ ክብለና እንከሎ፡ ኣልኣሚን ናይ ወዲ ሓደ ዓመት ሓንጎል ተሰኪሙ ይነብር ኣሎ ማለት’ዩ። ካልእ ይትረፍ እቶም ብዕድመን ግድምናን መዛንኡ ዝነበሩ፡ ንኣረሜናዊ ኣሰራርሓ ስርዓት ህግደፍ ዝተቃወሙ፡ በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ፡ በራኺ ገብረስላሰ፡ ጀርማኖ ናቲ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ ሳልሕ ከኪያ፡ ብርሃነ ገረዝግሄር፡ ዕቁበ ኣብርሃ፡ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ዝርከብዎም ዜጋታት ኣበይ ከምዘለዉን እንታይ ከምዘጋጠሞምን፡ እናፈለጠ ዝጸመመ ተበላጺ ኣልኣሚን ይፈልጥ’ዩ። ኣልኣሚን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝበለጸ ሰብኣዊ መሰል ኣሎ ዝብል መግለጺኡ ዝቃረን፡ “ምስ ናትና ፖለቲካዊ መስመር ዘይከይድ ቅድሚ ሕጂ ንኣስር ጸኒሕና ሕጂ’ውን ንኣስር ኣለና” ክብል ምናልባት ድኣ ካብ ኢሳያስ መዘዝ ከይመጾ’ምበር፡ ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ዕርቅን ዘተን ዘቀድም፡ ብሒም ዝበለ ኤርትራዊ ቦታኡ ማእሰርቲ ምዃኑ ወይ ከዳዕ ዝብል ስም ከምዝጥመቅ ኣነጺሩ። ኣልኣሚን ብሓንጎል ኢሳያስ ዝኸይድን ንኣረሜናዊ ተግባራት ህግደፍ ዝሓብእን ሓደ ካብቶም ሕሰም ህዝቢ አርትራ ዘናውሑ ገበነኛታት’ዩ። ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎን ኣብ መንፈንጠራ ኢሳያስ ክሳብ ዝኣቱን፡ “ኣብ ዓለም ከም ህዝባዊ ግንባር ዝበለጸ ሓርነታዊ ምንቅስቃስን ፖለቲካዊ መስመርን የለን” እናበለን ዝኣረገ ዓፈፍኡ እናነገፈን ክነብር’ዩ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ሓቂ ግን፡ ኣብ ዓለም ከም ስርዓት ህግደፍ ተንኮለኛ፡ ብልሹዉ፡ ጨካን ስርዓት የለን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 16 ግንቦት 2018

 

 

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • k.tewolde May 17, 2018

    How many of him are here in diaspora and back home.The character is talking to and on behalf of those fraction of the population who are benefactors of the military dictatorship in Asmara,and they are getting ready to celebrate their own version of anniversary,anybody ready to jump on the bandwagon? Folks,the ambivalence is what killing us,you can’t wear the same jersey and go play your opponent in the field,that is why the audience can’t tell who is who and the game keeps on going with no end in sight.Thanks Tsilal.

    • Simon G. May 17, 2018

      I give him one year and you will see Alamin will be arrested. He is setting him up and when he gets arrested people will say ጽቡቕ ገበሮ!
      ሕፍረት ዝበሃል ቀንጢጦም ጒሒፎማ: ዋላ ጠቕሊሎም ኮሊሶማ ‘ዮም።
      ትብደዐን ድንቁርናን ግን ናትና ኢሎም ካብዝሕዝዎ ዘመናት ሓሊፉ።
      ነውራማት!

    • Gezae May 18, 2018

      I don’t know what to say about Mr. Alamin tribute except thank you. I’m puce with contentment. As we know history is not the story of strangers, aliens from another realm; it is the story of us had we been born a little earlier. I want to define history as important events that have happened in the past, and the ones that are presently happening. Some people do not think of this as doing history; they engage in it often without special awareness. Sure most of us we haven’t arrived them. This does not stop us from admiring and praising our heroes who got there early and risked their lives to advance causes that we now take for granted. But we have to inherited them and understand they were born out of blood and suffering.

      A human beings are practicing historians. Thus we Eritrean as a human beings what we remember, what we stress as significant, and what we omit of our past defines our present. And since the boundaries of our self-definition also delimit our hopes and aspirations, our history affects our future. If we see ourselves as victimized, as powerless and overwhelmed by forces we cannot understand or control, we will choose to live cautiously, avoid conflict and evade pain. If we see ourselves as loved, grounded, powerful, we will embrace the future, live courageously and accept challenges with confidence.

      At closure let me disclose you I have prudent disagreement with the Government. But, as an Eritrean, I do not hate it. Hate is a big word; however, it is so often used here on Assenna as a default statement or positionn, maniacal rubbed into one stereotyped bag. To generalize in much easier, of course, there could be arguments, disagreement; but, why is that even primary source evidence can be somewhat tainted.

      I guess most of the problems which have confronted the so called Eritrean opposition groups over the last 20-30 years have not been solved or show any progressive changes. I remember, once at best, some groups have been patched out , but I believe eventually the patches started to peel off and leak steam. Now badly broken; radiation in all directions. Finally as we detect they completely became verbatim-infiltrators and collaborators who stand against their own history.

  • Tesfai May 17, 2018

    ካብ እንዳ በዓል ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ፡ ደኣ እንታይ ክትጽበ ፡ መን ምዃኖም ፡ ካበይ ከም ዝመጹ ብዓንተቡ ዝጠለሙ እንድዮም:-

    “… ነቲ ዝተሓተቶ መልሲ ምሃብ ገዲፉ፡ ካብ ኤርትራ ሓንሳብ መዋእል ኣዱሊስ ጸኒሑ ናብ 3 ክፍለ ዘመን ዝህውትት ዝነበረ ”
    “እቲ ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ብሓሶትን ምድንጋርን ንኢሳያስን ንየማነ ማንክን ክሓልፎም’ዩ ኢለ ግን ኣይተጸበኹን።”

  • Israel Kuflom May 17, 2018

    slementay bsabu nsareb beal alamin nay tarihom usurat iyom sekru ahwat eritrawyan 73 kemu dma 77 alamin hade kaptom keytokesu zeatewu wedi keyeh bahri iyu.mesenagi yegbruna alewu

  • Wedi Hagher May 17, 2018

    Alamin Mohamed Seed is one of the top most criminals in Higdef of mafia world.
    He should be brought to justice.

  • hgdf 000000 May 17, 2018

    ኣየ ህግደፍ

    ካብ ሽኮር ዝበዝሖ
    ጨው ዝበዝሖ እጥዕም

    ኢሎም ከእምኑና ጸሓይ ዓሪባቶም።

  • Amare Resom May 17, 2018

    ኣላሚን መ ስዒድ ሎሚ ድዩ ጸይቑሉ ወይ ካብ ቀደሙ’ዩ ባዶ ገረወይና ኔሩ?! ምስ ዕድምኡ ዝመዛዘን ልቦና ክንዲ ዘጥርስ ኣብ እርጋኑ ሓቂ ንምቕባር እዚ ኩሉ ናብ ዘይፈልጦ ታሪኽ ምንጣርን ሃለውለውን እንታይ ወረዶ! ዋይ ሞት ስትራን! ሱቕ እንተብዝሐስ ይልብም ዘሎ ዝመስሎም ዝነበሮም’ውን ሎምስ ካዕቦ ሓሶቱ ክፍኑ ምስ ሰምዑ ቀቢጾም ይኾኑ። ካብ ቅቡጽ ዝመርሖ ህግደፍ ከኣ ‘ቅብጸት!’ ጥራይ ምጽባይ ኢዩ። ኣብ ዘባህርር ሕልሚ ምጥሓል’ዩ ዝኸውን። ተወልደ ረዳ፡ ‘ኣቦይን ኣደይን ካብ ዶ ረጊምኩማ … ኣነ ዘጉህየኒ ናይዞም ደቀይ…!’ ብማለት ዘቃልሖ ስቓይን ጥፍኣትን ህዝብና ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ዝቕንጥጥ ብልሓት ወይ ተኣምር ብምፍጣር ህዝብን ሃገርን ምድሓን ንጽባሕ ዝብሃል ኣይኮነን። ኢድና ከይሓወስና ዝርከብ ዓወት ስለ ዘየለ ግን ነዚ ብሓሶትን ክፉእ ምህዞን ምድንጋርን ዝተሃንጸ ኳና ንምፍራስን፡ ጽላል ዝኸውንን ነቕ ዘይብል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናጽን ኩሉ ብድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ዜጋ ክዕጠቕ ግድን’ዩ ዝኸውን። ካብቶም ኣበይ ድኣ ኔርካ ትማሊ! ዝብሃሉ ካብ ምዃን የድሕነና!

  • amanuel May 17, 2018

    He admitted that his gov. Is committing crimes though. If he said he has been throwong people b/s of their different views from him and iseyas, then that is an admission to comitting crimes. Hope some one is documenting.

  • almaz May 19, 2018

    Is he still alive? I thought he was dead.

    • Simon G. May 20, 2018

      He is already dead, but he can repeat what has been told, just like a parrot.

  • መፍቀሬ ኢየሱስ May 20, 2018

    Alamin Mohammes Seid is a disgrace: it is likely that he wound be found guilty in a court of justice.

    Alamin:said “በቲ ንቡር ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣፈታትሓ ሽግር፡ ክንፈትሖ ኢና. . .“ ብዝብል መርዛም ዘረባ፡ ንጉጅለ 15 ካብ ዘጥፍኡዎም ውሻጠ ህግደፍ ሓደ ኢዩ።

    ንቡር ኣሠራርሓ ህዝባዊ ግንባር ዝተባህለ ድማ፥ ነቶም ንኽብሪ ኤርትራውያ ሕጋዊን ደሞክራስያውን ኣሠራርሓ ዝደለዩ ቀዳሞት ኣባላት ህዝባዊ ግንባር፥ “መንካዕ፡ የማንውያን. . . “ ብዝብል ናይ ሓሶት ክስታት ኣጥፊኦምዎም ኢዮም። ነዚ ኢዩ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብፈኸራ ዝዘከረ። ክሓፍረሉን ክሕባኣሉን ዝነብሮ ኢዩ።

    ኣልኣሚን፡ ዓብደላ ጃብር፥ ሙስጣፋ ኑር ሑሴን፡ ፊሊጶስ ወልደዮሓንስ፡ የማነታት፥ ዘምህረት . . . ንጉጅለ 15 ይኹን ንካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታት ኣጥፊኦምዎም ኢዮም።

    ኩላቶም ኤርትራውያን ኣብ ሓደ እንተ ዝጥርነፉ፡ ኣልኣሚን ይኹን ካልኦት ዓመጽቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ምኸኣልና ኔርና። ሰብና ቀቲሎምስ ሕጂ ድማ ኣብ ሓሳብና ግፍዒ ክፍጽሙ ይጽዕሩ ኣለዉ። ተበራበር፡ ተኣከብ፡ ኣብ ሓደ ተወደብ ኤርትራዊ!

POST A COMMENT