Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣልጀዲድ ማሕቡብ፡

ኣልጀዲድ ማሕቡብ፡ 28,09,2018፡           . المرحوم غلطان - .الجديد  محبوب ኣብ እዋን ቃልሲ ቋንቋ ዓረብ ከምገለ እንተጽናዕኩዋ ክቀናጠብ እንከለኹ ካብቶም ተዛረብታ ብጾትና እዘን ክልተ ጥቕስ ታት ኣዘውቲረ እሰምዐን ነበርኩ። ኣብ ሰማኒያታት ፖርት ሱዳን ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ሓንቲ

ኣልጀዲድ ማሕቡብ፡ 28,09,2018፡           . المرحوم غلطان – .الجديد  محبوب

ኣብ እዋን ቃልሲ ቋንቋ ዓረብ ከምገለ እንተጽናዕኩዋ ክቀናጠብ እንከለኹ ካብቶም ተዛረብታ ብጾትና እዘን ክልተ ጥቕስ ታት ኣዘውቲረ እሰምዐን ነበርኩ። ኣብ ሰማኒያታት ፖርት ሱዳን ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ሓንቲ መዓልቲ ዓብደልኑር ዝተባ ህለ ሓደ ካብ ሓፋሽ ውድባትና ከተማ ከርአኒ ንወጸልኩም። ኣብቲ ምድረ-ሙቐት ኣብ ዕራብ ጸሓይ ጣዕመ-ሂወት ሙቁ ር ብምዃኑ እናተፈሳህና ንዛወረሉ ኣብዝነበርና ሰዓት ሓያለ ሰባት ንሓደ ብሓደጋ መኪና ዝመተ ሰብ ከቢቦሞ ጸንሑና። ገለ ካብቶም እኩባት ደጋጊሞም “ ኣልመርሑም ቃልጣን” ክብሉ ሰሚዐ ስለዝዘከርኩዋ መሰነይታይ ንወየን ክልቲኤን ደ ሪቡ ክትርጉመለይ ሓተትኩዎ። ወዲያት ክልቲኡ ቋንቋታት ስለዝመልኮ ኣብ ሓደ ጋህዋ ኣእትዩ ከምዚ ክብል ገለጸለይ፦

“ኣልመርሑም ቃልጣን” ማለት “ምዉት’ዩ ጉጉይ” ማለት ከምዝኾነት፣ “ኣልጀዲድ ማሕቡብ” ማለት’ውን “ሓድሽ ተፈታ ዊ” ከምዝትርጎማ ፈለጥኩ። ኣጠቓቕማ ብዝምልከት ድማ ክልቲአን ተዓጻጸፍትን ተመጠጥትን ብምዃነን ብፍላይ ኣብ ግሩህ ህዝብን ተጠቃምነት ሕጊ ዝፈኾሰሉ ቦታን እቲ ዝነፍዐ ከም ዝጣዓሞ ክጥ ቀመለን ከምዝኽእል ተረዳእኩ። ንኣብነት ሓድሽ ብባህሪኡ ተፈታዊ ስለዝኾነ ጽ ባሕ ዝኾኖ ከይተፈልጠ ከምዝኸውን ተገሚቱ ጥራይ’ዩ ዝውደስ። እንተኾነ ሓ ድሽ ብዘይ ባህረታዊ ጡረት ወለድን ሓላፍነት ከባብን ንጽባሕ ከምዘይበቅዕ ም ርድኡ ኣገዳሲ’ዩ። ብተወሳኺ እታ “ኣልመርሑም ቃልጣን” ትብል’ውን ብሰዓቦ-ጉተቶ ነገር ካብ ምብልሑን ተዓቡንሲ ከምቲ ጓሶት ትግረ ጥሪቶም ንዝመንጠሎ ም ዝብኢ ክንዲ ምስዓቡ “ነስኣያ፡ ማሉታ” ኢሎም ዘዋድቑዎ፡ ካብ ሓላፍነት ን ምርሓቕ “ዝመተ መይቱ’ዩ” ካብ ዝብል ብሂወቱ ዘሎ ፈጻሚ ሞት ናይ ምክልኻ ል ተኽእሎ ከምዘለዋ ተረዳእኩ። ከምኡ ዘሕሰበኒ ድማ ናይ ምዉት ናይ እምነ ት ወይ ነብሰ-መከላኸሊ ቃል ኣብዘይብሉን ሰባት ተመሻጢሮም ናብ “ኢልኒ፣ ኢለዮ፣ ርእየ፣ ሰሚዐ” እናተባህለ ዝድርደ ር ሸፈጣት ከውሕዙ ስለዝኽእሉ’የ። ኣብታ ዘጓነፈትና ኩነተ-ሞት ድማ መዋቲ ይጉዳእ ከይነብር ብናይመኖም ጌጋ ከምተ ፈጸመ ከይተጻረየ ጸጸኒሖም “ኣልመርሑም ቃልጣን” ዝብሉ ተኣከብቲ በዚሖም ነበሩ። ግናስ ብሓቂዶኾን ግጉይ ይነብር?

ትማሊ ምሸት ነበረት ነታ “እንኳዕ ካብ ዘመነ ነቢዪ ናብ ዘመነ ኣቢዪ ኣሰጋገረና” ክብል ዝሓንጠጥኩዋ ጽሕፍቲ ደጊመ ዘ ንበብኩዋ። ጥረ-ነገር ብምብዝሑ ናብ ኩሉ መኣዝን ንምብጻሕ ስለዘይተኻእለ ዝበዛሕኩም ኣይረኣኹማን እንተረኣኹማ’ ውን ኣይተገደስኩሙላን ትኾኑ። እንተ ብወገነይ ከምኩሉ ግዱስ በቲ እዋን እንታይ ማለተይ ከምዝነበረ ከረጋግጽ ከምዝ ደለኹ ብዝመስል ደጋጊመ ኣስተማቐርኩዋ። “እንኳዕ ካብ ዘመነ ዮሃንስ ናብ ዘመነ-ሉቃስ ኣብጻሓና!” ምስዝብል ዓመታ ዊ ናይ ዘመን መቐየሪ ጥቕሲ ከኣ ተመሳሰለትለይ። ኣሻበይ’ውን “እንኳዕ ካብ ዘመነ ምጉዳል ናብ ዘመነ ምድማር ተሰጋገ ርና!” ክብል ንነብሰይ ተዋዘኹዋ። ኣብ ፌስቡክ ንምንታይ ኩላፍ ናይ’ዛ ኣርእስቲ ጥራይ ከምዝሰቐልኩ ግን እንድዒኸ!

ነገር እምነት ካብተላዕለ ወያ ብድምቀት ኣበዓዕላ ሓድሽ ዓመታ ዝተፈልጠት ሃገረ ኢቲዮጲያ ኣቀድም ኣቢላ ምስ “እንደ መር” ዝፍልስፍንኡ ሓዲሽ መራሒኣ ደሚራ ከምዘብዓለቶ ክዝክሮ ግዜ ኣይወሰደለይን። ኣብ ኢቲዮጲያ ሃይማኖት ክቡር ምዃኑ ከምዝጽወ መጠን፡ እቲ ብዳሜራን ጎስዒ ጥረስጋን ዝደመቐ መስከረመ-ደማሪ ዝላን ጓይላን’ውን ገና ካብ ኣዒንት ና ኣይተኸወለን። እሞ ድማ ምስናይ ዋሕዚ ዘለላ መደረ ዶ/ር ኣቢዪ ደራሪበ ከስተውዕለሉ እንከለኹ ኢቲዮጲያ ኣብ ሓ ድሽ ዓመታ ንዕዑ ምርካባ ከምቲ ገሊኡ ህዝባ ዝኣምኖ ካብ ሃይማኖታዎ ቆፎ ሰባውነት ዝብርበር ሰማያዊ ጸጋ ተኾልዂ ሉ ዝመጻ ልኡኽ ፈጣሪ ኮይኑ ክራኣዮ ሓቑ ምዃኑ ክድግፎ ተደናናዕኩ። እንተኾነስ ኣቢዪ ጉዕዞ ፖለቲካኸ ይሰለጦዶ?

ደቂሰብ ንሃይማኖት ከም ምስ ፈጣሪ ዘራኽብ ግላዊ ስነምግባርን ምስ መንግስተ-ምድሪ ዘይደባለቕ ናጻን ምዃኑ እናተዛ ረቡሉ ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ እታ ከም መራሒት ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ትጽብጸብ ኣመሪካ ፋዕራኡ ከምዘይብላ መሲ ላ ክልቲኡ ብምቁሙጣዕ ተሳልጦ ዕንወት ዓለም ትዳሃኸሉ ስለዘላ ክንዛረበሉ ንድረኽ ኣለና። ንሳ እንተድልዩዋ ብመገዲ ሃይማኖት በላዕቲ ሳዕሪ ደቂ ሰብ ተፍሪ’ያ። እንተድልዩዋ’ውን ምስ ኣምላኽ ብምርኻብ ሓድሽ መልእኽቲ ተተኾልዂሎ ም ዝተመልሱ ሰባት ትቕርበልና። ፊን ከብላ’ውን በዚ ሰይጣናዊ ሓድሽ ሃይማኖት ክሳውዲ ምስዝጎንኡ ሕሉፋት ከተና ቑተና ምንም ኣይትጽገምን። እሞ ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ተደርጊሙ ኣብ ክንዲ ከምተልእኾ ፈጣሪ ናብ ሰላም ዝቐንዕ፡ ዕዮ ፈጣሪ እናቀንጠቡ ከም ልኡኽ ፈጣሪ ብዝቐርቡ ካድረታት ብዝስዕብ ዕንወት ምሒር መሪርና ኣሎ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኮይኖም ንሰላምን ምርግጋእን ካብዝወፈሩ ቡዙሓት ከም ኣብነት ጥራይ ንምጥቃስ እቲ ብ1964 ናይ ኖቨል ተሸላሚ ዝነበረ ዶ/ር ቀሺ ማርቲን ሉተር ኪንግ፡ ጸግዒ ውጹዕ ህዝቡ ኮይኑ እናተቓለሰ ብ1968 ብተጻብኦ ደቂ-ሰ ባት መስጣ ህዝቡ ተበጀወ። እቲ ክሳብ ሎሚ ብሂወቱ ዘሎ ቀሺ ደዝሞንቱቱን ካልኦትን’ውን ክንጠቅስ ንኽእል። ኣብ ማ እከል ሃገርና ብደጋፍነትን ተቓዋምነትን ገዛእቲ ዝነበረን ዘሎን ገድሊ’ውን ኣይወሓደናን። እዚ ሎሚ ምሒር ተፈትዩ ዘሎ ማሕቡብ ዶ/ርን ጠቕላሊ ሚ/ርን ኣቢዪከ ምስኣየኖት ነእትዎ?” ኢዩ’ቲ ናይ ሎሚ ቀንዲ ኣርእስትና።

ቅድሚ መፈጸምታኡ ኣብ ኣመጻጸኣኡ እንተርኣና ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ሃይማኖት ዝተመርኮሱ መራሕቲ ዝፈልዮ ነገር ኣ ይተራእየን። ርግጽ ካብሰማይ ከምተላእከ ተመሲሉ ልቢ ኣማኒ ክሰርቕ ምእንቲ ምስ’ዚ ዘመን ክሰማማዕ ዝተጠበ ቡዙሕ ናይ ጠንቋሎ ምርኢታት ቀሪቡ ኢዩ። ሃይማኖት ኣብ ምጉስጓስ ልዑልን ስሉጥን ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ፍሉጥ ኮይኑ፡ ክሳ ብ’ታ ነብሳ ብምስሊ ማሪያም ብህየታ ዝቐረጻት “ነቢዪት” ዝብሉዋ ጓልሰብ ኣንበርኪኻ ክትጥንቁለሉ እንከላ ዘርኢ ድራ ማ ተፈንዩ ነበረ። ብዙሕ-ብዙሕ! እሞ ድማ ከምቲ ናይ ሃይለማሪያም ንወዮ ሓድሽ ዶ/ርን መራሕ ሃገርን’ዩ’ዚ ኩሉ!

ንነገሩ ኢቲዮጲያዊያን በቶም ኣብ ዝጸንሑ ጸኒሖም ‘ጌታ ከምተቐበሉ’ ንምምሳል “ኣምላኽ ምስጋና ይግባዉ” ብዘብዝሑ መምሰልቲ ተጎቦኣ ከምዘላ ትፈልጡ ዲኹም? ብገሊኦም ኣመንቲ እዚ ተርኢዮ’ዚ ከም ምልክታ ምጾታት ናይታ ሃገር ዝት ንትኑዎ ኣይወሓዱን። ትሕትና ኣሪዮስ! ይብሉኹም ቤተ-ክርስቲያኖም ብእልፊ ርኹሳት ምስተጎብአት1

ዓላማ ኣቢዪ እንታይ ምዃኑ ክንመራመር ግዜና ክንዲ ነጥፍእ ንሱ ንለውጢ ብዘለዎ ድሌት ኣብ ደብሪ ምድማር ደይቡ ክጽሊ እንተተመነየ’ውን ወይ ሰኣንኣእጋር ወይድማ ሰኣን ኩነት ኣይክሰግሮን ኢዩ። እንተ ንእዋናዊ ተቐባልነቱ’ሞ ኢቲዮ ጲያ ‘ምህርቲ’ እንከላ ካብቲ ሱር ዝሰደደ መስፍንነት ምልቓቕ ስለዝሰኣነት ናይ ዶ/ር ኣቢዪ ካብ’ቶም ስሞምን ዘርኦምን ብዓቢኡ ካብ ፈጣሪ ዝተጎንዕዎ ሓይልን ከምዝነበሮም ዝንገረሎም ንጉሰ-ነገስት ሃይለስላሴ ስለዘይፍለ፡ እቲ ብሃይማኖታ ዊ ፖለቲካ ተጎሃሂሩ ኣብ ህዝቢ ዝሰርጽ ስሉጥ ጎስጓሳቶም ካብ ጥንቱ ብከምዚ ዝስዕብ ተዛሚዱ ክቐርብ ከምዝካኣል ን ምንጽጻር ለኪመዮ ክሓልፍ ኢየ።

እቲ ብዘመናዊ እምነቱ ካብ ንእስነቱ ከምዝነግስ ዝተነግሮ ዶ/ር ኣቢዪ ብመንጽር’ቶም ኪኖ ትንቢት ተነበይቲ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምተደርገመ ዝተወርየሎም ንጉሰ-ነገስቲ፣ እቶም ብትውልዲ’ውን ወዲ ሞኣ ዘኣንበሳ ዘእምነገደ ወዲ ይ ሁዳ፣ እቶም ኣብ ርእሲ’ቲ ሕጹብ ከም ጲላጦስነቶም፡ ባሕሪ ዘይብላ ኢቲዮጲያ ከይሪኡ ምእንቲ ኣብ ማይድጋም ዝመል አ ገበራ ተኣሊኾም ፈጣሪኦም ክጽልዩ ዝሓድሩ ዝነበሩ ንጉሰ-ነገስቲ፣ እቶም’ውን ኣብ ብሽፍቱ ጽንቡር ዝሸፋሺፍቱ ደም ገንሸል የንቅዑ ከምዝነበሩ ዝንገረሎም ፍጹም ሃይማኖተኛ ክርአ እንከሎ ንሱ ኣብኦም ክበጽሕ ብዙሕ ተሪፍዎ ክንሱ ግና ስ ነገር ‘መርሑምነት’ ንጉስ ድሃዮም ክትሃጥም እንከላ ወዩሓድሽ ብጀዲድነቱ ስሙ ኪኖ’ቶም ሰማያዊ ሰማይ ዓሪጋ’ላ።

ፖለቲካዊ በሰላታት ብሃይማኖታዊ ፍወሳ ከሕዊ ዝቃለስ ዘሎ ሓድሽ መራሒ ኢቲዮጲያ ኣብ ስልጣን ዘምጽኡዎ ሰበ- ስ ልጣን ኢህወደግ ረፋቲቱ ድምጽማጾም ከህጥሞም እንከሎኸ ብሓይሊ ናይታ ጻዕዳ ባንዴራኡን ኣጸልሚቱ ዘብጽሖ ጾሎ ቱን ዲዩ? እምበርከ ብምስጢር ምድማር የፍርሶም ዲዩ ዘሎ ወይስ ከምቲ ዝመስሎ ዓባይ ሃገር ይዕቅብ? ብቀንዱ ወዮ ሽርሒ ምድማርሲ ናብ ትግባረ ዓንቀጽ 39 ዶኾን የምርሕ ወይስ ናብ ዕቃበ ታላቕ ኢቲዮጲያ?

ብናይ ምድማር ፍልስፍና ጎጻጒጹ ንኩሉ ፖለቲካኛ’ታ ሃገር ዓዲሙ ክንዲ ባሕሪ ጣና ንዝዕብየቱ መከራኦም ሓንቢሶም ክወጹዎ’ኳ እንተመኸረ ገሊኦም ብዝጸንሓ ኣረጋዊያን መራኽቦምን ጃላብኦምን ክሳለዩ ከለዉ ገለ’ውን ሓደስቲ ሰንጠቕቲ የስርሑ ምህላዎም ይውረ። እንተ’ቶም ጃለ ሓንበስቲ’ሞ እንተተማሊኦሞም ክጉርበቱ፡ ብዝተረፈ ተለኻኺሞም ክጥሕሉ ምዃና’ታ ናይ ጽባሕ ዕድሎም ፖለቲከኛታቶም ይጣርዑሉ ኣለዉ።

ተቐባልነት ኣልማሕቡብ ንቃወሞ ዘለና ብመንጽር ፖለቲካዊ ረብሓ ሃገርና ክንሪኦ ኣብ ሞቑሎኡ እንከሎ ከምዘየጽግበና ስለዝተረዳኣና’ምበር ኣብኦም ኣምጺእዎ ዘሎ መዘዝ ኣስጊእና ወይ ብኡ ስለዘይተተስፈና ኣይኮነን። ንበል እቲ ኣብ ጽባሕ ስልጣኑ ኣብ ዝደኸመት ሃገር ዘሎ መራሒ ኮነ ጀናራል ከምደረጃኡ ከምዘይኸብር ዝማዓደ በዓል ሓድሽ መተርኣስ ምስ’ ቲ ብዶብ ኣሳቢቡ ከብርሰና ከምዘይጸንሐ ተገምጢሉ ነገር ዶብ ጎሲዩ ሃገሩ ዘዋረደ ፕረሲደንት ክመሓዞ ክርአ ኣልጀዲድ ቃሉ ብምዕጻፍ ምስ ዕሱብ ካብተሓቛቖፈ፡ መማኽርቲ ዕሱብ ንርእሱ ዕሱብ ምዃኑ ከምጸሓይ ቀትሪ ደሚቕልና ኣሎ። ብ ኣውራኡ ፖለቲካዊ ዓወት ካብ ፖለቲካዊ ግራት በቚሉ ዝሕፈስ ምህርቲ’ምበር ብጾሎት ጥራይ ዝርከብ እቶት ኣይኮነን።

ኣቢዪ ሰይጣን እናሓቖፈ መስቀል ምድማር ኣምሪሑ ከምዘባርሮ “ዶብ ግመ ጥራይ’ዩ። ኣብ ዘድሊየና ጉዳይ’ምበር ዶብ ከየሰማምዓና ስለዝኽእል ብዛዕባኡ ኣይተዘራረብናን” ክብል’ዩ ተሰምዑ። ‘ቲ ዝገደደ ነቲ ብክቡር ደምን መስዋእትን ተዓ ቲሩ በዕጽምቲ ህዝብና ዝተሓጽረ ደረትና ክንደይ ከምተኸፍሎ ከይዓጠጦ ዶብ ኣርቲፊሻል ምዃኑ ክገልጽ ምድፋሩ’ዩ።

“ንነገሩ ዶብ ከም ግመ፣ ከም ኣርቲፊሻል ምግላጹስ እንታይ ማለቱኾን ይኸውን?” ኢልና ኣይንወጠር። ከመይሲ ኣብ ዓ ለም ዘሎ ሃገራዊ ዶባት ሰብ ከምዝሰርሖ ስለንፈልጥ። ኣባና ክበጽሕ በተረጓጉማ ጀዲድነቱ እንታይ ብዝብልኮን ተርጒም ዎ ኮይኑ? ምስ ‘ወዲሃገሩ’ መራሒ ስለዝተማሓዘወስ ኩልና ሓደ ህዝቢ ኢና? ሓደ ህዝቢ ስለዝኾናስ ደቂ ሓንቲ ሃገር ኢ ና? ክልቲኤን ሃገራት ዳግም ሓቢረን’የን ዲዩዝበለ? ሓዚላን ዘላን ተሓዚላ ዘላን ኩለንሓደ” ከምዝባሃል ኮይኑ ነገር ኣቢዪ!

እምበርከ ሕቡእ ፖለቲካ ዝባሃል ከምዘይብሉ ከምዘይገለጸ ከመይቢሉ ሕቡእ ውዕላት ይገብር፣ ይፈራረምን ይዕብዕቦን ከምዘሎ ርኢኹም ዝዓጅበኩም ኣይትሳኣኑን። እንተኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዞም ካብ ዝመጹ ገሊኦም ሚሲዮናዊያን እን ታይ ከምዝገበሩ ዝፈልጥ ዘበለ ሎሚ ጻውዒት ሰላም ኣቢይ ካብቲ ኣርዮሳዊ ትሕትና ናይ’ኒ የማነ ፍሻለ ከምዘይፍለ ዝጋ ሃደሉ እዋን ኣይክነውሕን’ኳ እንተኾነ ጋና ካልእ “ኣልጀዲድ ማሕቡብ” ዘብለኩም ነገራት ስለዘሎ ካብሕጁ ምሒር ኣይን ተዓጀቡሉ። ከመይሲ ንሱ ንሓዋሩ’ውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ዶብ ዝኣክል ዝዶጎሎ እሳት ብጥራይ እግሩ እናተሰራሰረ ከ ምባዓል ድሓን ናይ ሰላም መዝሙር እንተቃልሐ ኣብ ሰብ ከይበጽሐ ከምዝልብለብ ንምግማት ትንቢተኛ ምዃን ኣይሓ ትትን። ምኽንያቱ ብሃይማኖታዊ መባኹዕቲ ዝተነፍሐ ፖለቲካዊ መስሕባቱ ብሰይጣናዊ መሰንቀር ከምዝነፍስ ፍሉጥ’ዩ፡

ነገር ኣልጀዲድ ማሕቡብ ዎኣልመርሑም ቃልጣን ምስታ “ዝተሸመ ተኸተሎ፡ ዝተሳዕረ ተሰበሎ” ትብል ምስላ ሃገርና ት ዛመድ ኮይና ተሰሚዓትኒ ኣላ። ምኽንያቱ ሓድሽ ተፈታዊ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ ክሳብ ዘለዎ ምኽታሉኸ እንታይ ከይ ብል! እንተወዲኡ ድማ ሓድሽ ንምዕዳም ንዝወድአ ምስባሉ’ውን ኣየሕጥን ጥራይ መገዲ ምስባል ምምራጽ’ዩ ዝምረጽ።

ብዛዕባ ምስባል ካብዘከርና ኣብዚ ሃገርና ትጻዓረሉ ዘላ ቅዉጥ እዋን ለውጢ ብውህደት ደላይኡ ክመጽእ ከምዝግባእ ካ ብ ከስተምህሩ እንጽበዮም መራሕቲ ነበር ነቲ ዝበታተን ዘሎ ሽቑል ህዝቦም ክንዲ ምርግጋእ ንድሕሪት እናተመልሱ ንመ ርሑማት ክጠቓቕኑ ኣስተብሂልና ኣለና። ብዓንተቦኡ ክቑርጠጥ እንተዘይተኻኢሉ ምስ ጠረጥካ እግሪ ክእከብ’ውን ኣይ መኽፍአን። ንዝመሓሉሉ ብጻዮም ከይጠልሙ ነቲ ዝኣመኖም ህዝቢ ክጠልሙ ክርኣዩ ግና ሃየንታኡ እንተዘይከቢድዎም ሲ ግርም። እንተ’ታ ለውጢ ወይ ብእግራ ወይድማ ብርእሳ ቦሎኽ ከምትብል’ሞ ተመናይ ጥራይ ኣይኮነን ዝጽበያ ዘሎ።

ምኡዛት ጥቕስታት ጠ/ሚር ዶ/ር ኣቢዪ እምባኣር ንረብሓና ስለዘየውሕሳ ብእዋኑ ክእደበሉ ነዘኻኽሮ ኣለና። እንተድኣ ኦፐረተር ኢሳይያስ ክኸውን መሪጹ ግና ታሪኽ ዒሊ ዓብዱ ትጽበዮ ከምዘላ ክፈልጥ ኣለዎ። ከምኡ’ውን ከምታ ንጃንሆ ይ ወኻሪያ ዝበልዐቶም፡ ንኣቢዪ ድማ ድሙ ከተሕልቖ ከምዝካኣላ ክንነግሮ ንፈቱ። እንተተኣዚዙ ድማ ማንም’ውን ከል ካሊ ከምዘይብሉ ልዕሌና ንሱ ስለዝፈልጦ ክሳብ ዝኾኖ ዝኸውን ምጽናሕ ጥራይ ኣይትሕመቑ።

ክሳብ ትራሓም ድሓን ቀኒ ኣልጀዲድ ጠ/ሊ ሚ/ር ኣቢዪ!

ወዲ ጥሮታ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Simon G. October 1, 2018

    ወዲ ጥሮታ፡
    I admire your sense of humor!
    I remember few years ago someone commented about your writing style.
    Most of your sentences carry messages that buried in a double layer.
    Every time I read your article, I imagine an orator is sitting next to me and telling amazing stories.
    If you can, please use YouTube Audios (not recommencing Videos, since I am assuming your want to stay Mr. X)

  • ወዲ ጥሮታ፡ October 1, 2018

    ስምኦን፡ ስለ’ቲ ኣተባባዒ ርኢቶኻ ኣኣዚየ የመስግነካ። እንተ ነገር ጽሑፋተይ ግና ካብቲ ትሕዝቶኡን ኣገባቡን ንላዕሊ ናትካ ናይ ምስትምቓ ር ብቕዓት’ዩ በርቱዑ’ሞ ከምትቅጽሎ ድማ እትስፎ። ከምቲ ዝበልካዮ ከኣ ብዛዕባ ዘቕርቦ ዝነበርኩ ነቓፊ ርኢቶታት መጺኡስ መሊሰሉ’ውን ነይረ። ብዝኾነ ብወገነይ ሰብና ጥረ ነገር ከይስእን’ምበር ንዝተቐረበ በቢዝጥዕሞ እንተተርጐሞ ዘሰክፍ ከምዘየለ ከብርህ እፈቱ። ልዕሊ ኩሉ ኩነተ-መጻኢት ሃገርና ብኣኹም በቶም ውሑዳትን ብሉጻትን ተኸራኸርቲ ክልቴኹም ጾታ ክግምግሞ፡ “እዛ ሃገር ብርግጽ ሰብ ኣለዋ” ብማለ ት ብሞራልኩምን ብቕዕትኩምን መሊሰ ዚያዳ ከቕርብ ከምዘተባባዕኩሙኒ እናገለይኩ መመሊስና ክንራኸብ’ውን እትስፎ።
    ብዛዕባ ኣብ ዩቱብ ብድምጺ ክፍንዎ ዝሓበርካኒ ነገር ኣነስ ምኸኣልኩ። ግናኸ ሓንቲ ጽሕፍቲ ከቕርብሲ ይትረፎ ከንብብ “ነዊሑ” ካብዝብል ትህኪት ወይ ግዜ ካብምስኣን ኣዒንቱ ዘዐምት ሰብ ካብዘይዋሓደ፡ “ነዚድኣ መን ክሰምዖ” ኢሉ ኣእዛኑ ዝልኩት ሰብ ድማ ኣይውሑድን’ዮ። ስለኡ ንዓይ ተገዳስነት’ዩ ወሳኒ ዝመስለኒ። ግናኸ ማለትካ “ንኣሳልጦን ብቀሊሉ ክቕሰምንሲ ምስማዕ ይቐልል” ትብል ዘለኻ ይመስለኒ። ኣባ ጁጎ ኣኻእሎኡን ግዜን ይፍጠረለይ’ምበር ንምግባሩስ ብስመይን ስእለይን ክፍንዎ’ውን ጸገም የብለይን። ዝፈነኹዎ ቪዲዮታት’ውን ኣሎ’ኮ።
    ብዝኾነ ቡዙሕ-ቡዙሕ የቐንየለይ ስምኦን!

POST A COMMENT