Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሓ ምስ ሓራዲአን፡ ማይ ይሰትያ!

ኣሓ  ምስ  ሓራዲአን፡ ማይ  ይሰትያ! ሃብተማርያም ኣብራሃ ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ 21 ግንቦት 2015 ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሕሱም ግዜ፡ ዝስመዓኒ ሃገራዊ ሓዘንን ጓሂን ምስ ናይ ዕድመ ተመኩሮይ ከካፍለኩም እንከለኹ፣ ደስ ይብለኒ። ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’

ኣሓ  ምስ  ሓራዲአን፡ ማይ  ይሰትያ!

ሃብተማርያም ኣብራሃ

ለንደን-ዓዲ እንግሊዝ

21 ግንቦት 2015

ሰላም ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ኣሓተይን ደቀይን። ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሕሱም ግዜ፡ ዝስመዓኒ ሃገራዊ ሓዘንን ጓሂን ምስ ናይ ዕድመ ተመኩሮይ ከካፍለኩም እንከለኹ፣ ደስ ይብለኒ። ‘ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ’ ዝተባህለ፡ ብትኽክል ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ኣከያይዳ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝመስል። ብሰንኪ ሕሱም ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወወርሒ ህዝቢ ይሃልቕ ኣሎ። ባሕሪ መዲተራንያን ከኣ፡ ወሓጢት መንእሰያት ኤርትራውያን ኮይና ኣላ።

እዚ ሰንካም ስርዓት’ዚ ከምቲ ንቆልዓ ክስንብድ ኢሎም “ዝብኢ መጸካ” ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ካብ 1998 ክሳብ ሎሚ “ወያነ መጺኦሙኻ፡ ወራር ይቀራረብ ኣሎ፣ ወይልኻ ጠፋእካ!” ብዝብል ለበዳ ሓሶት፡ ህዝቢ ናብ ኣደዳ ራዕዲን ሽበራን ከም ዝንቆት ገይሩዎ ይርከብ። ኤርትራ ንኢሰያስ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ኣጉዶ ኢያ ተቐይራ ዘላ። ናብዚ ሎሚ ዘሎ መልክዕ ሃገርና ንምብጻሕ ከኣ፡ ካብታ ዝተሰለፈላ መዓልቲ ኣትሒዙ ደቂሱ ኣይፈልጥን ኢዩ።

ወላ’ኳ ብዙሓት ገዳይም ተጋደልቲ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢሰያስ ንክገልጹ ዕጭ እንተበሉ፡ ኣነ ብንኡስ ዓቕመይ ንኢሰያስ መንነቱን መንገዱን ብዝምልከት ካብ ነዊሕ ዓመታት ተዛሪበን ጽሒፈን እየ። ከምዚ ናተይ ዝተዛረቡን መጽሓፍ ዝጸሓፉን እውን ኣለዉ። ግን ከምቲ ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ዝበሃል፡ እዚ ፈሊጡ ዝጸመመ ህዝቢ’ዚ ክሳብ ኣእዛኑ ዝኹኩዕን ኣዒንቱ ዝኸፍትን መቕዘፍቲ መንእሰያትና ገና ክቕጽል ኢዩ።

ነቶም ሃገር ዘፍረየቶም ደቂ ህዝቢ፡ ብሰንኪ ጨካን ኣተሓሕዛ ኢሰያስ ሃጽ ኢሎም ዝሃደሙን ዝጠሓሉን፡ “ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ኢሉ ከም ዝጸውዖም ዚዝከር ኢዩ። እቲ ሞት መመሊሱ ደኣ ገደደን በዝሐን እምበር ኣይነከየን። ድምጺ መርድእ ኣብ መመዓልቲ ኣብ ዘቃልሓሉ ዘሎ ግዜ፡ ናይ ሓዘን ዳሳት ኣብ ነፍስ ወከፍ ገዛ ተተኺሉሉ ኣብ ዘሎ ሓያል እዋን ግን እቶም ኣዝዮም ካብ ስነ ምግባር ህዝቢ ዝረሓቑ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ንማዓልቲ ናጽነት ዝዳሎ ዘሎ ዳሳት ንክስዕስዑ ይቀራረቡ ኣለዉ’ሞ፣ ዓገብ ክብሎም እደሊ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳይ ምስ ተረኽበ ኢዮም ድማ ኣቦታት “ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ” ዝበሉ።

ከምቲ ዝወዓለ ይንገርካ፡ ዝሰሓተ ከኣ ይምከርካ ዝበሃል ምስላ ኣቦታትና፡ ኣነ ብዕድመይን ብተመኩሮይን ምስቶም ናጽነት ንምምጻእ ብዘይሕለል ንያት ዝወዓሉን፣ ምስቶም ኣንጻር ሕሱም ኢሰያስ ተቓሊሶም ህዝባዊ ዕላማ ንምህራም ዝሰሓቱን ዜጋ እየ። ክቡራት መንእሰያት ደቀይ! ካብ ስሕታንን ጌጋታትን ተማሂርኩም ብሓደ ኣሰጓጉማ ንጸላኢኹም መክቱ።

ከምቲ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም “ምስ ዘራእቲ ነይረስ፡ ምስ ዓጻዶ ከኣ ተራኺበ” ዝበሎ፡ ኣነ’ውን ብዘይ ምግናን ምስቶም ዘርኢ ናጽነት ዝዘርኡ ቀዳሞት ነይረስ፡ ሎሚ ከኣ ምሳኹም ምስቶም ዓጻዶ ሓርነታዊ እንዳእቲ ተራኺበ። ድሌትናን ኣከያይዳናን ነንበይኑ ብምዃኑ ግን፡ ናብ ፍጹም ዓወት ክንበጽሕ ኣይከኣልናን። ወላ’ኳ እቶም መጣቓዕቲ ምርጭኦም ኮይኑ “ኢሰያስ ይንበረልና፡ ብዘይካ ንሱ ንኤርትራ ክመርሕ ዝኽእል ሰብ የለን” እንተበሉ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ እውን ቁልፍና ኣይተረረን። ኣብ ኣርበዓታት፡ ሓምሳታትን ድሕሪኡ እውን ኣብቲ ን30 ዓመታት ዝነበረ መጋርያ ኲናት፡ ኤርትራዊ ከምዚ ኣይነበረን። ዕጡቕን ተባዕን ከም ዝነበረ ታሪኽ ምስክር ኢዩ። ኣይኮነን’ዶ ንፍትሒን ራህዋን፡ ቀዳሞት ኣቦታት ናብ ጫካታት መረብን ተከዘን ወፊሮም ኣንበሳ ቀቲሎም’ውን ሓኔታይ ይበሃሉ ነይሮም ኢዮም። ክብርታትናን ትብዓትናን በዚ ንጥፍኣትና ዝተሰለፈ ገበነኛ ኢሰያስ ክብለል እንከሎ ከኣ የተሓሳስበኒ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዋእል፡ ንሕና ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዝና ክንከይድ ይግባእ።

ዝኸበርካ ህዝበይ! ዕድል ናይዚ ወለዶ እዚ ኣብ ታሪኽ መወዳድርቲ የብሉን። ከምዚ ኤርትራ ረኺባቶ ዘላ ሕሰም፡ ኣብ መጻሕፍቲ ኣይተጻሕፉን። ኣብ ሃገርና፡ ዘይተበግረ’ምበር ዘይተገብረስ የለን። ገበናት ኢሰያስን ጉጅለኡን ንምጽሓፍ፡ ባሕሪ ቀለም እንተዝኸውን እውን ኣይምእእኸሎን። ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ! ነዚ ኩሉ ህልቂት እናረኣዩ ድማ፡ ገና ዘጣቕዑ ሰባት ኣለዉ።

ብሰንኪ ሓደ ብመንነቱ ዝቑሎ ዝነበረን ዘሎን ኢሰያስ ከኣ ህዝቢን ሃገርን ናብ ደረጃ ምጽናት እናተቓረቡ ይመጽኡ ኣለዉ። ገ እናበሉኻ’ዶ ትጋገ፡ ካብ ዝሓለፉ ጌጋታትና ዘይንመሃር፡ ናይ ትማሊ ዘይንዝክር ሓመይቲን ተገላበጥን ህዝቢ ምዃንና ሎሚ ኣብ ግዜ ዕብየተይ ክመዝኖ እንከለኹ ድማ የሕዝነኒ። ስርዓት ህግደፍ ንምቕያር ቅድሚ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባና ሰውራ የድሊ ኣሎ። ተቓወምቲ ውድባትን ባይቶን ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ሰሪቖሞ ኢዮም። ብዘይ ከውን ተስፋ፡ ሃንቀውታ ህዝቢ ንብዙሕ ዓመታት ተኾሊፉ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ስለ ናጽነት ዝተጋደሎ ዘመን፡ ብትኽክል ፈታዊኡን ጸላኢኡን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ኮር ተግልበጥ፡ ሎሚ ኣብ ክንዲ ግዜ ዝማዕበለ፣ መራኸቢ ክንዲ ዝቐልጠፈ ግን ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ጥራይ ኮይኑ ጉዕዞና። ኣብዘን ዝሓለፋ 24 ናይ ናጽነት ዓመታት ኢልና ዝረዓምናየን ግዚያት፡ ብዘይካ መንገዲ ጥፍኣት ካልእ መንገዲ ርኢና ኣይንፈልጥን ኢና። ንሱ እቲ ኣቐዲሙ ዝመንኮሰ፡ ኣብ ሃገርና ዝተቐመጠ ዲያብሎስ፡ በዓል ጉዳይን ዕላማን ስለዝኾነስ፡ ኣብ መንገዱ ኢዩ ነይሩን ዘሎን።

ንሕና እዞም ተረከብቲ ሃገር ዝኾነንና፡ እቶም ደድሕሬና ዝስዕቡ ዘለዉ ውሉዳት ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ንደሊ ከም ዘመነ ባቢሎን ገና ኣብ ጣቕዒትን ጽላለን ንነብር ኣለና። ንሱ ብደም ህዝቢ ኤርትራ ዝጎስዐ ገበነኛ ኢዩ። ብሞትን ጥፍኣትን ኤርትራውያን ኣብ ዝቆጻጸየሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ኣብ ጓይላ ኣጋንንቲ ዓሲልኩም ተጣቕዑን ትለሃዩን ዘለኹም ዓገብ! ሎሚ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዝጠፍኣሉ ዘሎ ግናይ ዘመን ኢዩ። ሕቑፊ ወለዶም ዘይጸገቡ ሕጻናት ኢዮም ኣብ ምድረ በዳ ዝጠፍኡ ዘለዉ። ሞት ካብ ኣቦና ኣዳም ዝጀመረ፡ ኣብ ዓለም ንቡር ብጽሒት ወዲ ሰብ ኢዩ። ኣማውታ ኤርትራውያን ግን ንበይኑ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መሰክሕ ህልቂት ደቂ ኤርትራ፡ ከም ኣማውታ ጉልሓይ እናተለምደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ምድረ በዳን ባሕርታትን በብወርሑ ዝሃልቕ ዘሎ መንእሰይ መን ይቑጸሮ! ብሰንኪ እዚ ንሃገር ጸቒጡ ገቢትዋ ዘሎ ዲያብሎስ፡ ኣማውታ ኤርትራውያን መመሊሱ ኢዩ ዝኸፍእ ዘሎ። ናይ ሲናይን ባሕሪን ከይኣክል ድማ፡ ኤርትራ ዝወለደቶም መንእሰያት ብደዒሽ /ISIS/ ኣብ ገማግም ማይ ሊብያ ክሳውዶም ተቖሪጾም ኣለዉ።

ኣሓ ምስ ሓራዲአን ማይ ይሰትያ ከም ዝበሃል ድግም፡ ኣንታ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓዘን ግዜ ምስ ሓራዲኻ ክትስዕስዕ ትቀራረብ ዘለኻ፡ ኣንቲ ደቅኺ እናተሓርዱ ዝዋውዕ ዝመስል ወርቂታት ተሰሊምኪ ኮቦሮ ኢሳይያስ ክትሃርሚ ትህንጠዪ ዘለኺ ኤርትራዊት ኣደ፡ ዓገብ እብለኪ ኣለኹ። ብስም መዓልቲ ናጽነት ንዳንኬራ ዝግበር ዘሎ ምድላዋት ብኩሉ ህዝቢ ክፍንፈን ኣለዎ። እንተተኻኢሉ ኩነኔ፡ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ህዝቢ በብእምነቱ ስለ እዚ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ክጽሊ ይግባእ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • simon May 22, 2015

    i will tel you frankley its very goed advice for a niew GENERATION

  • ማሊሻ May 22, 2015

    “ኣሓ ምስ ሓራዲኤን ፣ ማይ ይሰተያ ።” ይብሉ እቶም ወራዙትን ለባማትን ኣበዋት ምድረ ሓበሻ።

    እዚ ሓቂ ብሂል ናይ ቀዳሞት ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ዘመነ ዉርደትን ሕስረትን ብጉቡእ የንጸባርቕ እኳ እንተኾነ ፤ ንሕና ፈዛዛትን ሰብ ቀንፈዘውን በዚ ሕማም ሰፈንላል ካብ ንድነስ ልዕሊ ሱሳ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። ናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ታሪኽ እንዳኣለምና ፤ ኣሕዋትናን መሓዙትናን ጎረባብትናን ብሓሶትን ተንኮልን እንዳቐባእና ፤ መንነትናን ታሪኽናን እንዳቆናጸብና ፤ ንቕያ ነቶም ዓደቦን ስርዓትን ኩርዓትን ዘውረሱና ኣባሓጎታትና እንዳጸረፍና፤ ቋንቋታትናን ልምድናን ብባርዕ ሓዊ እንዳልመስና ፤ ነቲ ናይ ግዳም ባሕሪ ሰገር ናይ ክራይ መንነትን ልምድን ልሳንን ከም ጣኦት እንዳምለኽና ፤ ንሕና ህዝበ ሰፍንላል ደይ ብቐደሙ ጅምር ክትብል ከላ ኢና ምስ ሓራዲና ማይ ክንሰቲ ዝወፈርና። ዓይኒ ከለና ስዉራት ፣ እምሮ ከለና ፈዛዛት ስለዝኾና፤ ሎሚ ኣብ ዓድና ገላዩ፣ ኣብ ዓዲ ጓና ባራዩ “ዓቢድ” ተባሂልና ምስ ተሽጥናን ምስ ተዋረድናን፤ ንገሌና ሕጂ ተፈሊጡና እምበር።

    ዝኾነ ይኹን ሕብረተሰብ፣ ሓዉ ሓብቱ ጎረቤቱ ዘየኽብር፣ ዓደቦኡን ስርዓቱን ዘይሕሉ፣ መንነቱ ቋንቋታቱን ታሪኹን ዝጠልም፤ እዚ ዉርደትን ሕስረትን ኣብ ኣፈፌት ኣዳራሹ ዱብ እንተበሉ ኣየገርምን ፤ እቲ ምንታይሲ: ብቐደሙ ምስ ሓራዲኡ ንሩባ ስለ ዝወፈረ። እዚ ድማ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓት ህግደፍን ሓላፍነት ጥራይ ኣይኮነን ፤ ናይ ኩልና እቶም ተዓሚትና ንሩባ ዝወፈርናን ፣ ንኻለኦት መሳኪንን ገርሂ ልባን ብሓይሊ ኣፈሙዝ ኮብኪብና ዝለከምና ምስሉያትን ኣምሰሉታትን እዩ ።

  • ogbai May 22, 2015

    ክቡር ኣቦና ኣብራሃ ሃብትማርያም ተባዕ ጅግና ወዲ ጀግና ሓቂ ንምዘራብ ድሕር ዘይትብሉ መስታ ቀዳሞትን ዳሕሮዎትን ኢኹም። ምኽርኹምን ማዕዳኹምን ካብዝከታተሉ ሓደ ምኻነይ ብዙሕ ቁምነገር ንጅግንነት ኣቦታት እንዳጠቐስኩም ወኒ እትቕስቅሱ ኢኹም። ብሕጂወን እታ መራኸቢ ብዝሓት እንዳኸነት እትምጽእ ዘላ ብዘይቅልዓለም ንስርዓተ እሳያስን መሻርኽቱን፡ ንምቅላዕ መትካእታ ዝኸነ፡ መርበብ ሓቤሬታ ብዙሓን ኣሰና፡ ኣማኔኤል ኢያሱ ምቕልቃልኩም እንዳምስግንኩ፡ ኣብርክቶኹም ኣዝዩ ዓቢ ስለዝኾነ ደጊመ ኣብ ቦታኹም ብጽቡቕ ዕሊብኩም፡ እንካን ብድሓን መጻኹም ኽብል ፍቀዱልይ።
    ዓቢ ሰነድ ህልዊ ታሪኽ ኢኹም
    እንካን ብድሓን መጻኹም።
    ተስፋ ኣለኒ ክበዝሑ ከማኹም
    ታሪኽ ክነግሩና ክምዚ ናትኩም
    ሓቀኛ ታሪኽ ይዘርዘር ይነገር ይደገም
    ኣፎም ይፈታሕ ኣይሎጎም፡።

    ንቐፈታይ ክቕርብ ግን ፍቐዱለይ
    ንተቓወምቲ ብንቐፊታ ደኣ ኣሩሙለይ
    ኣይግደን ማዕረ እሳያስ ክትሰርዑለይ
    ከምታ መገሻኹም ናይ ኣዲስ ኣበባ
    ድኣ ጎጉደን ኣውጹለይ ድርጉሑለይ
    እዚወን ንምእራም ድኣምበር
    ኣለዋ የለዋንስ ኣይትበሉለይ
    ምህላውስ ኣለዋ
    ኣትሃላልውእን ግዳ ንገሩለይ።

    ተ ወ ሳ ኺ
    ክይተወደበ ዝዕወት የለን በጃኹም
    ንስኹም ምስ ሳዓብትኹምወን ተወደቡልይ
    ስርዕተ መለኽቲ ክኽትመልይ
    ኣብነት ድኣ ንህዝቢ ኩንለይ።
    ዕድመን ጥዕናን ይሃበለይ
    ምስ ሰናይ ኣኽብሮት
    ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!
    ሓውኩም ዑቕባይ ት\ማ

  • Bihdma Hager Badima May 22, 2015

    ኣዝዩ እዋናዊ ምኽሪ ወረጃ ኣቦና ኣቦይ ሃብተማርያም፡ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኩም። እዚ ናትኩም ማዕዳ ቀጻልነቱ ኣይፈለየና፡ ንዓና ነዞም መንእሰያት ዓቢ ትምህርትን ልቦናን ዘቕስም ስለዝኾነ።
    እቲ ዝመረጽክምዎ ኣርእስቲ ኣዝዩ ዓቢ መልእኽቲ ዘለዎ ምስላ ኣቦታትና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ጫምኡ ዝመስል ጉጅለ ግን ከኣ ኣብ እግሩ ዘይኣቱ ፍጡራት ወሊዱ። ኢሰያስ ካብ ነዊሕ ብናይ መንነት ቕልውላው ዝሳቕ ሰብ ከምዝኾነ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ሰሚዕናዪ ኣለና። እንተኾነ እዛ ዓዲ ነዚ ባይታ ዕንደራ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኮይና እንዳበረሰት ነዚ ሰብ ስጉምቲ ክውስደሉ ዝኽእል ሓደ ተባዕ ሰብ ብዘይምርካቡ ግን ሕንቕልሕንቅሊተይ እዩ ዝኾነኒ። ኤርትራውን ካብ ጽንዓትን ጅግነንት ናብ ህድማ ተቐይሩ ታሪኽና ፈራሓት ኮይኑ ስምና። ንሃገር ተቓሉስና ብዘይሃገር ተሪፍና። እቶ እንወራዘየሎም ጎረቤትና ኢትዮጵያ እኳ እንሆ ንሕና መዓልቲ ናጽነትና ኣነ እኳ ባርነትና ኣየ ዝብሎ፣ ኣብ እነኽብረሉ እዋን ንራብዓይ ግዜ ሃገራዊ ምርጫ የካይዱ ኣለው። እዚስ ምስ ምንታይ ክጽብጸብ ይከኣል። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ብስርዓት ደርጊ ዘይወረዶ ሓሳረ መከራ በቶም ደቁ ዝመስሉ ከም ሕሱም ይግረፍ እቲ ጌሊኡ የእዊ እቲ ገሊኡ ድማ ይዕልል። ሎሚ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ናይ ኤርትራ መወዳእታ ታሪኽ መወዳእታ ዝተጀመረ ይመስለኒ፡ ህግደፍ ኣግሂዶም ምስ ኢትዮጵያ ሕብረት ክንገብር ኢና ትርሕ ወያነ ይትፉኡልና ኣብ ምባል በጺሑ ኣሎ። እዚ ዘመልክቶ ሓቂ እንተሎ ድማ እቲ ህዝቢ ንምትላል ደኣ እምበር እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ቛልሲ ህዝቢ ኤርትራስ ናጽነት ከምዘይነበረ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝተኾለዐ ሓቒ ኮይኑ ንረኽቦ ኣለና። ኦ ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ከየለለካ ክሳዕ መዓስ ኢኻ እንዳተሃመልካ ክትነብር። ሎሚ ካብ ድቃስ እትበራበረሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ። ንህዝቢ ኢትዮጵያ ርድኡና ንበሎም፡ ካብኦም ዝቐርብ ሓዊ የብልናን። ፈቲና ጸሊእና ድማ ንዘለኣለም ንሶም ጎረቤትናን መናብርትናን ምኻኖም ኣይንረስዕ። ስርዓታት ሓለፍቲ ኢዮም ኣህዛብ ግን ነበርቲ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገም ግን እቲ ሓላፊ ስርዓት ኣቐዲሙ ነቲ ነባሪ ህዝቢ ትንፉሱ የሕልፎ ስለዘሎ እዩ እቲ ኣተሓሳሳቢ ዝገብሮን ህጹጽ ፍታሕ ዝጠልብን። ስለዚ ኣቱም ብፍቕሪ ሃገርኩምን ህዝብኹምን እትሓሙ፡ ክሳዕ መዓዝ ኢኹም ኣብ ይምሰል ክትነብሩ። ነብስኹም ፈትሹ።

  • gomera May 22, 2015

    Iseyas has killed his brother Amanuel let alone any other Eritrean.His brother was telling ua the truth of whom iseyas is but didn,t get any listsner.He surrvived all the derg era but killed after independence by his brother iseyas..so who are we if he even killed his owen blood????

  • sussun May 23, 2015

    Abiy Nebiy aboy Habtemariam thank you for your wise advise . Ajeka edmen tienan amlak yihabena ember Bandera haki sibah kitembebil eya weileom tewelaweltin degefti gifen.

  • anedo May 23, 2015

    Well said!! May God bless you! Ajokum the dictator has no more supporters. Soon Eritrea will be liberated.

    • ugbaldet May 25, 2015

      KIBUR ATO HABTEMARIAM MEJEMERTA EDMEN TIENAN EMINIYIYELKUM NAY BEHAKI LEBAM ZEREBA NAY BEHAKI HANATSI ZIKHONE TSUHUFKUM AYTIHMEKU MS BIZUH MSGANA UGBALIDET

POST A COMMENT