Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል) እዚ ‘ሰብ’ዩ ናብ ማይ ዝኸይድ’ምበር ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን’ዩ!’ ብምባል፡ ዘሽካዕልለልና ዘሎ ዕቡይ መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ስለምንታይ እዩ ንሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ እንስሳ ሓሲቡዎ!? ብምባል፡ ነዚ ስግንጢር ሕቶ’ዚ መልሲ ንምርካብ፡

ኣሕዋት ኤርትራውያን!
(ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል)
እዚ ‘ሰብ’ዩ ናብ ማይ ዝኸይድ’ምበር ማይ ናብ ሰብ ኣይመጽእን’ዩ!’ ብምባል፡ ዘሽካዕልለልና ዘሎ ዕቡይ መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ስለምንታይ እዩ ንሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ እንስሳ ሓሲቡዎ!? ብምባል፡ ነዚ ስግንጢር ሕቶ’ዚ መልሲ ንምርካብ፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ብምውራድን ብምድያብን ንሕናዶ እንስሳታት ኢና ብኸምዚ ንታሓዝ!? ኢለ ብምግራም፡ ንነብሰይ ደጊመ ደጋጊመ ብምሕታት፡ ነገራት ፈታትሸ ሃሰው እንተ በልኩውን ብፍጹም መልሱ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ተስፋ ከይቆረጽኩ ድሕሪ ክንደይ ኮለል ግን ኣብ መወዳእታ እታ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብሓው ታደሰ ኪዳነ ብሓሙሽተ ተኸታታሊ ክፋላት ዝተጻሕፈት፥ “ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን” ዘርእስታ፡ ነቲ ብባጊርነት (ብፍጹም ድሕረት) ዝቑጸር፡ ማለት ብወገን፡ ብሃይማኖትን ብዓሌትን ናይ ምፍልላይ ደበራ (ጽዩፍ ስራሕ) እትዝርዝር ጽሕፍቲ ትዝ ስለ ዝለበትኒ፡ ደጊመ ብኣኣ ክሓስብ ጀመርኩ። እሞ በቃ እዚ ፍጹም ድሕረት’ዚ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ እንተልዩስ ሓቁ’ዩ ጃንዳ ህግደፍ ነዚ ህዝቢ ከም እንስሳ ቈጺሩ ፍጹም ንዒቑዎ ዘሎ ክብል፡ ሓንቲ እንትርፎ ብእዝነይ ብዓይነይን ብልበይን ዘየረጋገጽኩዋ ምኽንያት ናይ ሕስረትና ረኸብኩ። እዚ ኸኣ ሶፍር (ቅርጸት ከብዲ) እዩ።
ኣብዚ ሎሚ እዋን ዓለም ኣብ ሓደ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ንምምጋብ ጸሊምን ጻዕዳን ከይፈለየት እትጠራነፈሉ ዘላ ግዜ፡ ኣብታ ንናጽነት ህዝብን ሃገርን ኢሎም ኩሉ ድሑር ኣተሓሳስባታት ቀቢሮም፡ ሓደ ኣካልን መንፈስን ብሙዃን፡ ንዓርሞሸሽ ገዛእቲ ሓይሊታት ስዒሮም፡ ክብርቲ ህይወቶም ሰዊኦም፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ዝተቐብሩ ሰማእታትና ዘውረሱና ሃገር ኴንና፡ ብዛዕባ ዓድን ዓውድን ንዛረብን ንፈላልን ሰባት እንተሊና፡ ማዕረ እንስሳ ክንስራዕውን ነቲ ግቡእ ስርሑ ዝፍጽም እንስሳ ውርደት ስለ ዝኾነ ምስ ግኡዛን ወይ ድማ ምስ ኵስሒ (ቀልቀል) እንተ ተቈጸርና፡ ይንእሰና’ምበር ዝበዝሓና ኣይመስለንን። በዚ መገዲ’ዚ ሃገሩን ህዝቡን ከጥፍእ ዝሓሰብ ሰብ ኣሎ ኢለ ስለ ዘይኣምን ግን የለን ምባሉ መሪጸ ኣለኹ። እቲ ሓው ታደሰ ‘ናይ ውልቀይ ትዕዝብቲ’ዩ’ ብምባል፡ ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት መቓቒሉ ዝተንተኖ ርእይቶውን ከምቲ ዝበሎ ናይ ውልቁ ትዕዝብትን ኣተሓሳስባን’ዩ ኢለ’የ ኣቐዲመ ዝኾነ ይኹን ዓለቕ (ርእይቶ) ከይሃብኩ ኣንቢበ ጥራይ ሓሊፈዮ። በሉ ካብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ወጺአ ስለ ዘላገስኩስ ይቕሬታ እናሓተትኩ ናብ ዋና መበገስየይ ናብ መዓስከር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ክመልሰኩም፥
እዚ ህዝቢ’ዚ ድሌቱን ባህጉን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ናብራ ስደት ከመይ የሕልፎ ከም ዘሎ ሓቲቱ፡ ቃሉ ናብ ዝደለዮ ኣካል ዘማሓላልፈሉ በታኒ ወረ ማለት ማዕከን ዜና የድልዮ እዩ። ነዚ ብምግንዛብ ከኣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብዘይካ’ታ ኣብ ሃገሩ ዘላ ብስሙ እትጽዋዕ፡ ኣገልጋሊት ምልኪ ዝኾነት ኤሪ ቲቪ፡ ካልኦትስ ይዕበ ይንኣስ፡ ሓቂ ይኹን ሓሶት፡ ዳርጋ ብምሉአን ኣውያቱን ርእይቶኡን ከቃልሓ ቀንየን’የን። ኤሪ ቲቪውን ኣቐዲማ ብኣምበሳደር ህግደፍ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣቢላ፡ ‘ኣብ ኢትዮጵያ ስደተኛታት የብልናን!’ ስለ ዝበለት’ያ ሎሚ ተመሊሳ ኣውያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምቅላሕ ዓቐበት ኮይኑዋ’ምበር ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዝብሎ፥ “ኣይኮነንዶ ነጸላ ረኺብኪ መዘሪ፡ ብዓንተቦኡውን ቅልጥፍቲ እግሪ!” ስለ ዝኾነ፡ ልሳን ህግደፍ ከም ኣመላ ወያነ ንምባል፡ ኣፋ ማይ እናማዓጓ’ያ ከተጽቅጥ ተቐሲባ ከም ዘላ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ብኻልኦት ማዕከናት ዜና ዝዋዛዕ (ዝብተን) ወረውን ነገር ዘህድእ፡ ሓዊ ዘጥፍእ ደኣ ክኸውን ኣለዎ’ምበር ልሳን ቁጡዓት እናቖለብካ ነገራት ዘጋድድ ወረ ምንዛሕ ክኸውን የብሉን።
በሉ ኣነውን ከም ስነ ጥበበኛ መጠን ሞያይ ስለ ዘገድደንን ወድኹምን ሓውኹምን እውን ስለ ዝኾንኩን ሕውነታውን ዜግነታዉን ምኽረይ፡ በዘን ንዓፈና ምልኪ ብትብዓት ብምትርባዕ፡ ህዝቢ ዝደለዮን ዝተራእዮን ሓሳባት ንኽለዋወጥ ዕድል ዝኸፈታ ሃገራውያንን ህዝባውያንን ማዕከናት ዜና ኤርትራውያን ኣቢለ፡ ናብ ክልቲኡ ህዝብታት፡ ርእይቶን ለበዋን ከማሓላልፍ ንዝፈቐዳለይ ናጻ መራኸቢ ብዙሓን ሃገርና ብልቢ እናኣመስገንኩ፡ ሰላም፡ ፍቕሪ ከምኡውን ዕብየትን ምዕባለን እምነየለን። ምኽንያቱ፡ እቲ ይሕመቕ ይጸብቕ ብዘይስክፍታ፡ ዓለቑን (ርእይቶኡን) ሓሳቡን ከይገልጽ ብምልኪ ኣፉ ተለጒሙ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘተንፍሰለን ቆስያኡ (ሳንቡኡ) ስለ ዝኾና።
በዚ ኣጋጣሚውን ንኹሎም ገበርቲ ሰናይን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራውያንን መሳርሕቶምን ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ኣውያት ኤርትራውያን ኣብ ዝተሰማዓሉ ቦታ ኩሉ፡ ሓደገኛነቱ ከይዓጠጦም፡ ህዝቦም ንምርዳእ፡ ከይተሓለሉ ዝረባረቡ ዘለዉ፡ ክቡራት ኣምበሳደራት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾኑ፥ ክብርቲ ሓብቲ ሜሮን እስቲፋኖስ፣ ክብርቲ ሓብቲ ኤልሳ ጭሩም፣ ክብርቲ ሓብቲ ኣልጋነሽ ፍሳሃን ከምኡውን ኣቦና ኣባ ሙሴ ዘርኣይን ክልተ ነገር ክላበዎም ፍቐዱለይ? ብመጀመርያ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ፡ ማለት ሃገርና ቀደም “ባሕሪ ነጋሽ” እናተጸወዐት ከላ ይኹን ብድሕሪኡ ብመግዛእቲ ጥልያን ኤርትራ ምስ ተሰምየት፡ ኣብቲ ዝሓለፈቶ ኣዝዩ ጽንኩር እዋንውን እንተኾነ፡ መትበር (ዶብ) ብምስጋር፡ ብኣሻሓት ኣብ በረኻታት ትግራይ፡ ኣግነት (ብተንኮበትን ሳዕርን ዝስራሕ ጎጆ) ሰሪሑ፡ እናተመጽወተ ዝሰፈረሉ እዋን፡ ብያታ (ኣፈ ታሪኽ) ይኹን ብጽሑፍ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ኣበሳ ወሪዱዎ ንዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ብሓቂ መድሕን የድልዮ ስለ ዘሎ፡ ጸገሙ ንምፍታሕ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምርኻብ፡ ከም ልማድኩም መድሕን ውጹዓት ብምዃን፡ ዳሃዩ ክትገብሩ ብልቢ እላበወኩም።
እቲ ካላኣይ ሕቶይ ድማ፥ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሕሰም፡ ‘ቀታሊ እዞም ኣብ ላምፔዱዛ ኣብ ደቓይቕ ዝጠፍኡ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን፡ ምምሕዳር ዋሽግተን’ዩ! ጭብጢ ኣሎኒ!’ ይብል ስለ ዘሎ፡ ነቲ ኣሎ ዝበሎ ጭብጢ ብስም ህዝብን ሃገርን ከቕርቦ ብምሕታት፡ ንመንግስቲ ኣመሪካ ወግዓዊ ናይ ቅትለት ክሲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትምስርቱሉ’ዩ። ምኽንያቱ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሎኽመኛ ሽፍታ፡ ንየዋሃት ንምድንጋርን ኣቓልቦ መንግስቲ ኣመሪካ ንምርካብን ኢሉ፡ ብቕትለት ኣማእት ዜጋታትና ወንጂሉዎ ስለ ዘሎ፡ ዳግም ብኸምዚ ዓይነት ኣላጋጭ፡ ብህይወት ዜጋታትና ከይጻወት ምእንቲ፡ ዕርቃኑ ክወጽእ ኣለዎ በሃላይ እየ። ወየ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ለባምን ዓቕለኛን ህዝቢ ብምኻኑን፡ መግለጺ ጃንዳ ህግደፍ ከኣ ሓሶት ምዃኑ ስለ ዝፈልጥን’ዩ እምበር ከምቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝግበር’ኮ ሕነ ደቁ ንምፍዳይ ኢሉ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኣምባሲ ኣመሪካ ዘዘሊሉ ምኣተዎ ኔሩ’ዩ። ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ንምትሕብባርኩም ኣቐዲመ ልባዊ ምስጋናይ አቕርበልኩም።
በሉ ፍቑራት ወለዲ፡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ነቲ ናይ ትማሊ በኣስን ግርጭትን፡ ብናይ ሎሚን ጽባሕን፡ ፍቕርን ሕውነትን ንምትካእ፡ ግብራዊ ስጉምቲ ወሲዱ ዘሎ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ “ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን” ብዘርእስታ ናዕታ ኣቢለ፡ ነቶም ይዕበ ይንኣስ ሽግር ኣሎና ዝበሉ ኣሕዋቱ ኤርትራውያን፡ ከይሰልከየ ድምጾም ንኽሰምዕ ደጊመ ክላወቦ ፍቐዱለይ? የቐንየለይ።
ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን!
በቲ ናተይ ዝብሎ *ተስታይ ወዲ ላሙ       *ዝጸረየን ዝተቐጥቀጠን ብዕራይ
እዚ ለዋህ ህዝቢ ሕድሪ ተጠሊሙ
መቑሰልትን መስዋእትን ኩሉ ተጸሚሙ
*ዘላሚ ቀጺዑ ከምቲ ናይ ቀደሙ            *ጨቋኒ፡ ረጋጺ
ብቓልሱ ከይፈትሕ ዘይምኽኑይ ጸገሙ
ደቁ ዘሪዑዎም መላኺ ኣቐዲሙ!
ንሕሱም ገዛኢ ምስ ኩሎም ደገፍቱ
ልዕሊ ርብዒ ዘመን ብትብዓት መኪቱ
ሃገር ምስ ጨበጠ ብኽቡር መስዋእቱ
ምልኪ ረጊጹዎ ኩሉ መሰላቱ
ህዝቢ ምስዳዱ ናብ ጎረባብቱ
ግድን’ዩ ክፍተን ዘይክማህ ጽንዓቱ!
ፍትሒ ዘይምርካቡ ኣብ ናጻ ሃገሩ
ሓዊ እናረገጸ ዘይስገር ሰጊሩ
ብመግዛእቲ ምልኪ ዝወጸ ኣንጸርጺሩ
እንተ ተጋገየ ብናብራ ኣማሪሩ
ኣይትጨክኑሉ ኣሕዋትና ተጋሩ!
ሰይጣን ተፈጢሩ ዘባርር ካብ ቤቱ
*ኣግነት ካብ ተኸለ ኣብ ጎረባብቱ       *ብተንኮበት ዝተሰርሐ መዕቖቢ
ንስኻትኩም ኢኹም ናይ ቀረባ ኣሕዋቱ
ካብ ጥፍኣትን ሞትን ኣድሕኑ ህይወቱ!
ግዜ ኮይኑ’ዩ እምበር መሬት ጸቢባቶ
እቲ ሙዉቕ ናብራኡ ኮይኑ ቢቲቢቶ
መሬታ ምስ ባሕራ ምልኪ ዝበሓቶ
ብኹሉ ትብሃግ እምብዛ እትፍቶ
ዜርካ ዘይትምኖ ሃገር’ኮ ኣላቶ!
ስለዚ ኣዕቖብቲ ፍቑራት ኣሕዋትና
ብሰንኪ ድያብሎስ *ደማሒ ሃገርና        *መላኺ
ካብታ ማሙቕ ቤቱ ዝወጸ ህዝብና
ብዓወት ክሰግሮ ግዝያዊ ፈተና
ደቂ ሓደ ሩባ ኣሕዋት ብምዃንና
ነዚ ውጹዕ ህዝቢ *ድባቡ ኩኑልና!         *ጽላሉ
ብሰንኪ ንቑጽ ግን ከንድድ ንርሑስ
ፍቕርን ሕውነትን ናይ ህዝቢ ዝድምስስ
ልኡኽ ናይቲ እኩይ ንቑልዒ ዘናኽስ
ኣብ መንጎ ከይህሉ ሓንኪሩ ዘኹውስ
ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ከባቢኡ ይዳህስስ!
ሃገርና ካብ ጸላም ክሳዕ እትወግሕ
ገሊኡ ክማሃር ገሊኡ ክሰርሕ
ናጽነት ረኺቡ ኣይሽቑረር ኣይፈርሕ
ዕድል ካብ ሃብኩሞ ህይወቱ ክመርሕ
ንሰናይ ተግባርኩም ምስጋና ከየብጽሕ
መን ኮን’ዩ ከም *ጻዕብ ኣኹድር ክረግሕ  *ካብ ዒሉ ፍርዝን ዚበለ ኣድጊ
ኣብ ማእከል ኣባጊዕ ብዓውታ ዝነብሕ!
ምህርትኻ ካብ ዓውዲ ብሓይሉ *ዝቐምዕ             *ዝዝርፍ
ዋና ከተምባሁቕ ንሱ ግን ዘጉስዕ
ኣርሓ መፍለስ ከሎ ደምበኻ ዝምንዝዕ
ስሑል ኣቕርንትኻ ናብኡ ከይተቕንዕ
እንታይ በዲሉካ ዘዕቆበካ በጊዕ
ኣብ ገዛእ ደምበኡ ሰላሙ *ተዛብዕ!                 *ትዘርግ
ሕውነት’ዚ ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእቲኹም
ንጽልእን ቅርሕንትን ብሕድገት ደቢኹም፡
ንግዳያት ምልኪ *ሽባኻ እናኾንኩም        *መጽግዒ እናኾንኩም
ክሳዕ ዩኒቨርስቲ ብናጻ ዘምሃርኩም
ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን *ስብሓትና ይብጻሕኩም!   *ምስጋናና
ነዚ ህዝቢ፡ መፍቶ እቶም ኣብ ማዕዶኡ ኮይኖም ‘ሕራይ ኮኑ’ እናበሉ ብኾራርምቶም ዝስሕቑ ዘለዉ መላኽን ዕሱባቱን ከይትገብሩዎ ሓደራ! ሓደራ! ሓደራ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 02-11-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Woldai Sereke November 18, 2013

    BREAKING NEWS!!!!!!
    The Economic Intelligence Unit (EIU), an independent business within The Economist Group, ranked Eritrea the second fastest growing country in Africa for 2013.
    So fastly advanced, in its 20 years of birth Eritrea could produce Mig fighters and started to export. Already 3 of that include pilots are delivered to SAUDI ARABIA. Those who think this as an absurd can come to Saudi Arabia to see it.

  • Aster November 18, 2013

    This is the beginning of Eritrea becoming a fail state. Somalia is already ten times better than Eritrea, because Somalia has food and water.

  • fithawi November 18, 2013

    Haw Mesinas, engera ezgi bilae!
    ni baal tsibuk’ka hade giberelu hade nigerelu eyu. kisab gizie zihibena emo lekahna nimelis, neti tsibuk tegbar kinemesginin kin’negrelun gubue eyu. etom ab zitekerebe shishay hamed minisnas zilimadom ekuyat gin hawi kab misiwar addi aykiwuelun eyom, kin’nekih yigibae. neti baal tsibuk eed, ede-sebara kigebru dikas aybilomin. ab leali 360 resatat ahwatom guaylan dankeran misgebru, kibutsat mikuanom baelom awijom endyom.
    mihret kab amlak, selam’n fikri’n ni hizbi Eritrea

  • Keren November 18, 2013

    Thanks to Jebha and shaebia. Eritrea was long designed to be a failed state. What do you expect from people who hate themselves so much they burned their own languages to be closer to others and so coward, they would not dare to defend their women and daughters from Arab slavery and Ghedli slavery.

  • Sorobeti November 18, 2013

    Mesinas

    May the great creator bless you for providing us this wonderful poem which depicts generosity, passion, courage and love.

  • Hidat November 18, 2013

    ETI KANZA HIZBI SOMAL MOT SIDET BWEXETENATAT ZIZEREF ZELO HABTI SOMAL ETEN BPLASTIK AB ZITEKEDENE KEM GEZA TEHASIBU MS HIXAWENTI DEKEN ZIMASNA ZELEWA ADETAT SOMALN AHWATEN ZEHLEFWO ZELEWU ENTE ZIFELETEKUM NEIRU ERITRA SOMAL KITKEWN ZIBEL ZEREBA KAB AFKUM AYMEWXEKUMON NERKUM.NEHADE NEKEYKEWN TIFERHO NEGER KAB AFKA KETEWXOWN YESEKEFEKA EYU MESLENI.ASHMBAYDO ERITRAWS KULATNA AB KERNI AFRIKA ENNEBR AHZAB BHADE DIMXI ANXAR EZOM NEGEZE REBHATATOM KERNI AFRIKA WETRU AB HIWKET TESHEMIMU KINEBIR ZEMENEYU TEBELEXETI MIERABAWIAN YEAKEL KINEBEL EYU ZIGEBANA.””””Somalia isalready ten times better than Eritrea”””Ayyeeee Hayenta.Aster xebuk nekedim.

  • Dawit Meconen November 18, 2013

    First and foremost, there is no Ethiopian Government; there is only a Western proxy government and the proxy is woyane. How come then the writer failed to see the obvious fact? Because he is woyane and he takes it his duty to try to confuse and mislead people, Libi Tigrai Twi Twai. Besides his use of substandard Tigrigna is self-evident of his identity.

    Before woyane became Western proxy, it was EPLFs’ puppet for seventeen years. I mean woyane is intrinsically spineless to stand on its feet. If you are in doubt about my assertion, read the history of the so called Hatse Yohannes too who came to the position by committing National Treason as a collaborator of General Napier, a British Military General sent to Ethiopia to forcefully release prisoners under the control of an Ethiopia king, Hatse Tewdros.

    Just recall the hundreds of thousands of Eritreans woyane deported from Ethiopia so heinously that only the savagery of the Nazis could match and when asked why?

    The reply was typical of a savage ” we will deport any one even if we do not like the color of his/her eyes”.

    In 1998, ostensibly, in response to the Isaias Invasion, woyane bragged to reach Asmera within 48 hours. Although purposely weakened by Isaias Afewerqi, in terms of experience in war and war logistics, the Eritrean Defense Forces resolutely stood up their ground and crushed the woyane army offensive, not only once but twice.

    What happened then during the 3rd woyane offensive that the Eritrean Forces at Gash Barka Front had to withdraw from their position?

    The answer is very crucial and it will be remembered in the annals of Eritrean history because it exposes and substantiates concretely Isaias Afewerqi’s betrayal and conspiratorial role against our country and our Sovereignty.

    During the first two woyane offenstives , Eritrean Generals were leading the war. Before the 3rd offensive however, under the guise of spectacular success, Isaias Afewerqi, took the mantle of leadership from the Generals. Lo and Behold, woyane military, with donkeys and mules, crossed into Eritrea and surprised Eritrean Forces from their behind.

    The movement had been noted by Eritrean militia and they passed the information to Military Headquarters but was purposely ignored and suppressed by Isaias afewerqi to give woyane a blank-check.

    No genuine Eritrean ought to underestimate the cost of this betrayal by Isaias Afewerqi because the human and material toll is catastrophic. If he were a genuine Eritrean, he would at least have accepted responsibility and resign his position, or commit suicide. He did neither of that. Why?

    The Gash Baraka was not a debacle for Isaias Afewerqi but a beginning of a success he had long dreamt about. That was why he commanded the Assab Front of our Defense Forces to withdraw their position. If they did not defy his order and foiled the conspiracy , our beloved Port of Assab would have been under woyane now.

    But did their defiance go without severe retribution by the impostor, Isaias Afewerqi? No.

    To begin with, our military forces were purposely equipped with almost nonworking guns, primed for defeat. To the desmay of the impostor commander, Isaias Afewerqi however, they scored their victory by using the guns they snatched from woyane maggot army.

    They ought to have been congratulated for their courageous and heroic deeds, but the defied and outwitted Isaias was looking instead for a cause for revenge.
    Knowing full that the soldiers had thrown away the nonworking guns and armed themselves with the guns they snatched from woyane maggot army, Isaias Afewerqi held every soldier that threw away the nonworking guns to account and shot every one of them. This is the absolute Truth gotten from those who were part of our Defense Forces.

    Evasion and out right lie have been Isaias Afewerqi tools of survival since he joined Eritrean Liberation Struggle. Those whom he feared for waking up to his conspiracy, he does away with them invariably accusing them of the very act he was doing;

    He invaded Ethiopia 1998 illegally in collaboration with woyane and turns around calls it Self-Defense;

    He led the Eritrean Army to a debacle during the woyane third offensive, then he turns around and sent to his dungeons the Generals and Senior EPLFs accusing them of the very act he set out to achieve by launching the war.

    Genuine Eritreans:

    The writer is a foxy woyane, like the fox in the following story and must be rejected.

    Once upon a time there were A fox and A rooster. It was early in the morning, the fox felt hungry and went out of its den to look for its morning snack.

    Up yonder, she heard a happy rooster crowing loudly and beautifully. She felt happy and began walking faster to get him before other foxes did. To her sadness, she saw the rooster high up on the tree.

    My goodness, how do I get him, she inquired herself?. Naturally crafty that she is, an idea quickly flashed through her mind.

    With a big smile on her lips and looking up, she bid him good morning my cousin; it has been quite awhile since I saw you. I was far away visiting our relatives. You have become big and handsome, I really miss you a lot and want kiss you so bad. I’m in hurry, an urgent task is waiting for me. Please, hurry up, come down.

    The smart rooster replied, you are neither my aunt nor my anything. You are asking me to come down not to kiss me but to eat me.

    The fox, showing sad face and sad voice, said, What? My goodness, how could you say like that to your aunt?

    Rooster, go cheat others and not me.

    • HABTE November 19, 2013

      Dawit M
      You better check with your doctor you do have a sick mind completely controlled by your imagination and brain washed by Higdef. no need to reply to such sick mind.
      cheers

  • marsa November 18, 2013

    Dwit
    All I can say is you hit the nail right in the head. I can not say it more than that.
    For your information about the war I have credible information the Eritrrean
    Melisha who where stationed around Molki where reporting to the General
    (Merah ginbar) about the open place between dibono and dokonebya
    There where only few local melisha there but no body listned them and no body cares about it as a result the enemy penetrate easily
    Through that place and after that every body know what happened.

  • ታደሰ ኪዳነ November 19, 2013

    ሃው መሲናስ። ኣስማትና እናጠቐስካ ክትጽሕፍ ቀኒኻ። ንስኻ መን ኢኻ? ብዛዕባ’ቲ ኣብ ትግራይ (ኢትዮጵያ) ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትና ዝተፈጸመ በደል ኣልዒልና ምጽሓፍና ጻዕጻዕ ኢሉኻ። ስለምንታይ? ኣብቲ ዝሓለፈ ጽሑፍካ ‘ነቲ ዑቕባ ዝሃበ መንግስቲ ብኣህጉራዊ ውዑላት ክትጸባጸብዎ’ ክሳብ ምባል በጺሕካ። እሞ እንታይ ድኣ? ስቕ ክንብል። ኢትዮጵያ ኣብ 1969 ነቲ ሰነድ ክትፍርመሉ ከላ፣ ‘ከተግብሮ ኢየ’ ኢላ ኢያ ፈሪማትሉ። ነቲ ዝፈረመትሉ ሰነድ ከተኽብር ድማ ግዴታ ኣለዋ። ከምኡ ድማ ኢና ዝበልና (ኣነ ይኹን እተን ካልኦት ኣስማተን ጠቒስካየን ዘለኻ ኣሓት)። ነቲ ንስኻ ትነቕፎ ዘለኻ ነቲ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጸገም ኣሕዋትና፣ ኣብ ኢንተርነት ጥራይ ኣይኮንኩን ኣውጺአዮ። ኣብቲ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብእካል ብምኻድ’ውን ተዘራሪበሉ። ከም ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝምልከቶም። ንሳቶም ግን ከምቲ ንዓኻ ጻዕጻዕ ዘበለካ ኣይረኣኹሎምን።

    ‘ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፣ ኣይበልናን። ነቶም ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራ መንግስትና ዶብ ሰጊሮም ይኹኑ፣ ካብ ካልኦት ሃገራት ብምትሕብባት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሩ ዝእተዉ ኣሕዋትና፣ ብሕጊ ኢትዮጵያን ውዕላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ክኣልዮም (ከመሓድሮም) ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዴታ ኣለዎ። ነዚ ድማ ኣዘኻኺርና። ተሓቢእና ዘይኮነስ፣ ክሳብ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምሕጽንታና ኣስሚዕና። ልዕሊ’ቶም ወግዓውያን ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ናዓኻ ጸላዕላዕ ኢሉኳ። ኣብ ውሽጢ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ንመንግስቶም ዝነቅፉ ኢትዮጵያውያን የለውን ድዮም? ንስኻ ብሓቅን ንሓቅን ትዛረብ እንተሊኻ፣ ንምንታይ ክትገንሓና ፈቲንካ? ንምንታይ ዓገብ ዘይበልካ?

    ሓው መሲናስ፣ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ በደል እንተጸሓፍና፣ ‘ነቲ ጠንቂ ስደትኩም ዝኾነ መንግስትኹም ንቐፉ’ ኢልካና። ብዛዕባ’ቲ ህግደፍ ህዝቢ ንምፍልላይ ዝጥቀመሉ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልይ እንተጸሓፍና፣ ትሕቲ እንስሳ ቆጺርካና። እሞ እንታይ ድኣ ክንጽሕፍ? እሞ እንታይ ክንጽሕፍ፣ ብዛዕባ ምንታይ ክንዛረብ ከም ዘለና፣ ንድፊ ሃበና’ሞ ክንርእዮ።
    ኣብዛ ‘እሕዋት ኤርትራውያን’ ክትብል ኣብ ሰለስተ ከፊልካ ዝጸሓፍካያ ጽሕፍቲ መንነትካ ብንጹር ኢያ ትገልጽ’ሞ፣ ንሕና ኣሕዋትና ኣብ ዝኾነ ሃገር ንዘጋጥሞም ጸገም ድምጺ ክንኮም ኢና። ብርግጽ ሓይሊ ክንኮኖም ኣይከኣልናን። ድምጺ ክንኮኖም ግን ድሉዋት ኢና። ኣቀራርባኻ ኣብ ገሊኡ፣ ህዝቢ ዘናሹ’ውን ኢዩ። ሎሚ ኤርትራውያን ብርግጽ ሓሲሙና ኣሎ። ግን ከምቲ ትማሊ ብቓልስና ናጽነትና ዘረጋገጽና፣ ሓርነትና ክም እነረጋግጽ ጽማ ንተኣማመን ኢና። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግዜ ነዊሑ ይኸውን። ግን ክንሰግሮ ምዃንና ድማ ዝሓለፈ ተመክሮና መምህር ኢዩ።
    ስለ’ቲ ርእይቶኻ ግን የቐንየልና፣ ኣንቢብናዮን ርኢናዮን ኢና።
    ታደሰ ኪዳነ

  • Mesinas November 20, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ታደሰ ኪዳነ፡ ብመጀምርያ ኣብ ርእይቶይ ይጋገ ኣይጋገ ብዘየገድስ ስለ ዘቖጠዓካ ጥራይ ኣቐዲመ ይቕሬታ እሓተካ። ምኽንያቱ፡ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ንሓድሕድና ክንተኣራረምን ዘዝጎደለና ክንማላላእን’ምበር ክንጠቓቓዕ ስለ ዘይግብኣና። ስለዚ፡ ኣብቲ ስምካ ኣልዒለ ዝሃብኩዎ ዓለቕ (ርእይቶ) ቂር ዝበለካ ነገር ጽሒፈ እንተኾይነ ይቕሬታ ግበረለይ? እንተ እቲ ነገራት ካብ ምጉህሃር ምትህድዳእ ከም ዝግባእ ግን ብኣይ ወገን እቲ ቅኑዕ ንሱ ስለ ዝኾነ ይቕሬታ ክሓተሉ ዝግባእ ኣይመስለንን። ካልእ ዘየስተብሃልኩሉ ዝጎዳእኩኻ ነገር እንተልዩ ግን ኣይትሓዘለይ? ይቕሬታ ጥራይ እየ ክብለካ ዝደሊ።

    ኣብቲ “ኣሕዋት ኤርትራውያን” ብዝብል ኣርእስቲ ጽሒፈዮ ዘለኹ ቁውም ነገር፡ ሓደን ሓደን ጥራይ እዩ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ምስ ወዲ ጎረቤትካ ንዝተባእሰ ውላድካ፡ ነገራት ንኸየተዓባቢ ገጽ ንዘይምሃቡ እትወስዶ ስጉምቲ ኮይኑ፡ ምስቲ በዳሊ ጎረቤት ኣብ ህልኽን ሰዓቦ ጉተቶን ከይኣተኻ ብውርዝናን ብጥበብን ንዝመጽእ ጎነጽ ከም ምእላይ ጌርካ ክውሰድ ከም ዘለዎ ከተሓሳስብ እደሊ። በዚ ድማ’የ ነቲ ንስኻ ዘቕረብካዮ ናብ ዜጋታትና ጥራይ ዘዘንበለ ርእይቶ ዝነቐፍኩዎ። ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ስለ ዝዓቢ። እምበር ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን ኣይቃላሕ! ወይውን ይተዓበጥ! ማለተይ ኣይኮነን። ከምኡ ክብልውን ዘይሕሰብ’ዩ።

    ካልእ፥ “እሞ እንታይ ድኣ ክንጽሕፍ? ብዛዕባ ምንታይ ክንዛረብ ከም ዘለና፣ ንድፊ ሃበና’ሞ ክንርእዮ።” ኢልካኒ። ሓው ታደሰ: ክሳዕ ክንድ’ዚ የቖጣዓካ’ዩ ኢለ ብርግጽ ኣይሓሰብኩን። ኣነ መን ኮይነ እየ’ሞ ንኣኻ እዚ ጸሓፍ እዚ ኣይትጽሓፍ ክብለካ? ብኣንጻር’ዚ ወየ ደኣ ቀዲምካኒ’ምበር ጽሑፋትካ ካብ ትሕዝቶኦም ንላዕሊ ኣቐራርበኦምን ጽፉፍ ናይ ትግርኛ ኣሰራርዖምን ስለ ዝምስጠኒ፡ ብልቢ ኣድንቖተይ ብምግላጽ ከምስግነካ እናሓሰብኩ’የ። እምበር ንስኻ ዝመስለካ ዓለቕ ስለ ዝጸሓፍካስ ንኣይ ጻዕጻዕ ማለት ጸላዕላዕ ዘብለኒ ምኽንያት ዋላ ሓደ ነገር የለን። ኣብ መወዳእታ ስለ’ቲ ብዘይቀለዓለም ዝተሰማዓካ ብግሉጽ ምንቃፍካ ወይ ድማ ምዝራብካ እናኣመስገንኩ ደጊመ ይቕሬታ እሓተካ።

    ሓውኻ መሲናስ 20/11/2013

POST A COMMENT