Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ቀዳማይ ክፋል)

ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ቀዳማይ ክፋል) ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! ኣሜን!!! ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብድሕሪ’ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቐዘፈ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱዛ፡ ኣብቲ ካልኦት ኣሻሓት ኣሕዋትና ኤርትራውያን ተዓቚቦሙሉ ዘለዉ መዓስከር ማይ ዓይንን

ኣሕዋት ኤርትራውያን! (ቀዳማይ ክፋል)
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን! ኣሜን!!! ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ብድሕሪ’ቲ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝቐዘፈ ሓደጋ ባሕሪ ላምፔዱዛ፡ ኣብቲ ካልኦት ኣሻሓት ኣሕዋትና ኤርትራውያን ተዓቚቦሙሉ ዘለዉ መዓስከር ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን (ኢትዮጵያ) እውን ህይወት ሓደ ዜጋ ዝቐዘፈ ዕግርግር ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሰሚዕና ኔርና ኢና። ከም ደለይቲ ጽቡቕ ክልቲኡ ሓው ህዝብታት መጠን ከኣ በዳሊ መን’ዩ ብዘየገድስ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ካብቲ ጌና ቁስሉ ዘይሓወየ ግጭት ክልቲኦም ህዝብታት ብምብጋስ፡ ኣህዳእን ኣታዓራቕን ዝኾነ ተራ ክንጻወት ከም ዝግባኣና ነፍሲ ወከፍ ኣዛዊሩ ሕሉፍን ህልውን ኩነታት ዝግምግም ሰብ ዝስሕቶ ኣይመስለንን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ተነቃፊ ጉዳይ ከኣ ደጋፊ ወይ ድማ ተደናጋጺ ናይ ሓደ ወገን ኴንካ ኣብ ክንዲ ምቕራብ፡ መንጎኛን ኣታዓራቕን ኣካል ብምዃን፡ ልበናዊ ምዕዶን ምኽርን ብምሃብ፡ ንኽልቲኡ ወገን ከተረጋግእ’ዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ፡ ነገራት ምትዕብባይ ነቶም ዝተፈላለየ ምኽንያት ብምቕራብ፡ ‘ሓሲሙና!’ ወይ ድማ ‘ተበዲልና!’ ዝበሉ ኣሕዋትና ስደተኛታት ኤርትራውያን ይኹን ንኣዕቖብቲ ኢትዮጵያውያን ዝሃሲ’ምበር ዝጠቅም ስለ ዘይኮነ።
ጽሑፈይ ከምቲ ኣቐዲመ ብዕለት 10/10/2013 ናብ ኣካየድቲ ራድዮ ወጋሕታ ዝለኣኽኩዎ ምሕጽንታ፡ ማለት ንምርግጋእ እቲ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ዝተፈጥረ ናዕቢ፡ ዝከኣሎም ክጽዕሩ ብምልባው፡ ኣነውን ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባኡ ዝኣክል ሓበሬታ ምስ ረኸብኩ፡ ዓለቐይ ማለት ርእይቶይ ክህብ ምዃነይ ቃል ብዝኣተኹዎ መሰረት’የ ሕጂ ዝውርቖ ዘለኹ። ናይ መወዳእታ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መዓስከራት ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ዕግርግር፡ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን ሓበሬታ ከኣ ናይ ሓው ታደሰ ኪዳነ እያ ኔራ። ልቢን ኣተሓሳስባን ሓው ታደሰ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ፡ ብጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣንቢበዮ፡ ብድምጺ ድማ ክልተ ግዜ ኣብ ራድዮ ኤረና ሰሚዐዮ። እዚ ድማ ንሕና ኤርትራውያን፡ እቲ ጃንዳ ምልኪ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ኣእምሮና ዘስረጾ ሓያል ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ፡ ጌና ዋላ ነቲ መላኺ እናተቓወምናዮን እናነጸግናዮንውን ካብ ኣታሓሳስባኡን ኣካይዳኡን ናጻ ክንወጽእ ከምዘይከኣልና’ዩ ዘመልክት። ምኽንያቱ፡ እታ ዓባይ ሕማም ናብዚ ዘለናዮ ደረጃ ውድቀት ዘብጽሓትና ማለት፡ እዛ ካብ በደልካ ንምህዳም ጉድለትካ ምሽፋን ትብሃል ነገር ክንስዕራ ኣይከኣልናን።
ሓው ታደሰ ድማ ኣብ መግለጺኡ ነዚ’ዩ ኣንጸባሪቑ። ምኽንያቱ፡ እቲ ንሱ ዘቕረቦ ናይ በደል ጭብጥታት፡ ካብቶም ኣብ ዓይኒ ምድሪ ተሓቢኦም ብተሌፎን ዝሓበሩ፡ ካብ ስእሊ’ቲ ቈልዓ ሰበይቲ ዝበዝሑዎ ደድሕሪ ሓደ መጉልሒ ድምጺ ዝሓዘ ሰብ፡ ዝተባህለ ዝደግሙ ዝነበሩ፡ ጌና ኣዛዊሮም ክሓስቡ ዘይክእሉ ቈልዑ፡ ከምኡውን ካብ ራድዮ ድምጺ ኣሜርካን ካለኦትን ብምእካብ’ዩ ከም ምስክርነት ተቓውሞ ገሊጹዎ። ናይቶም ኣብ ኣደባባይ ወጺኦም መንነቶም እናገለጹ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቦምን ዓለምን ኣብ ራድዮ ወጋሕታ ቃሎም ዝሃቡ ዜጋታትናኸ ንምንታይ ዘይተገልጸ? ብኸመይ ነገር’ዩ እቲ ተሓቢኡ ዝዛረብ ዝእመን እቲ ኣብ ቃልዕ ዝዛረብ ከኣ ዘይእመን ዝኸውን? ብመሰረቱውን እቲ ምትእኽኻብ ሓዘንካ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ባሕሪ ዝተቕዝፉ ኣሕዋትካ ንምግላጽ’ምበር ናይ መነባብሮ ጸገማትካ ንምፍታሕድዩ ኔሩ? ስለምንታይከ ነቶም ንሓዋሩ ብዕሸሎም ካብዛ ዓለም ዝተፈልዩ ህጻውንቲ ከም መመኽነይታ ተጠቒሞሙሎም? እዚ ዘሪአካ ነገር እንተልዩ፡ ቀደም ኣብ ወለድና ዘይነበረ ሕጂ ግን ኣባና ዝረአ ዘሎ፡ ብዛዕባ ነብስኻ ጥራይ ናይ ምሕሳብ ባህልን ልምድን ኣማዕቢልና ምህላውና’ዩ። እቲ ኮይኑ እቲ ግን እቲ ክንገብሮ ዘለና ቁውም ነገር፥ በደላትና ይዕበ ይንኣስ ንእኡ እናጸብጸብና ነገር ምኩምሳዕ ዘይኮነስ ከመይ ጌርና ነቲ ናብዚ ኩነታት’ዚ ንኽንበጽሕ ካብ ሃገርና ኣባሪሩ ካብ ተቐበልቲ ስደተኛታት ናብ ተሰደድቲ ዝቐየረና ጉጅለ ምልኪ ምድምሳስ’ዩ ክኸውን ዘለዎ።
ሓው ታደሰ ግን ነቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ብኣሻሓት ዝቑጸር ህዝብና፡ ሕግታት ሃገሩ ከይፈለጠ፡ ሕግታት ስደት ንኸፍልጦ’ዩ ብዓንቀጻት እናጠቐሰ ከረድኦ ፈቲኑ። ስደት ማለት’ኮ ከምቲ ካብ መገሻ ናብ ዓድኻ ክትምለስ እተካይዶ ጉዕዞ፡ ንእግረ መገድኻ ድማ ኣብ ዝረኸብካዮ ሩባ ንግዜኡ ኣዕሪፍካ ጽምኣትካ እተርውየሉ ዛራ’ዩ ዝመሳሰል። ኣብቲ ኣብ ጉዕዞካ ዘዕረፍካሉ ሩባ ዝነብሩ እንስሳ ዘገዳም፡ ነቲ ጽምኣትካ ከተርውየሉ ዝሓሰብካዮ ጽሩይ ማይ ስለ ዝዘረጉልካስ ምሳእቶም ክትጓየ ግዜኻ ተባኽን ዲኻ? መሲልካ እንታይ ኣምጻእካ’ዩ? ሕጂውን ንሕና ኤርትራውያን፡ ነቲ ትማሊ ብሰንኪ መላኺ ኣብ ዝተወለዐ ኲናት፡ ዝተዳመናዮ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ሓጺርን ውሱንን በደልን በኣስን ረሲዑ፡ ነቲ ዝነወሐን ዝዓበየን ናይ ቀደምን መጻእን ሕውነትናን ፍቕርናን ብምርኣይን ካብቲ ኣብ 1998 ዝፈጸሞ ንቘልዓ ሰበይቲ ብኣልማማ ናይ ምስጓግ ስሕታንን ተኣሪሙ፡ ሎሚ ተገምጢሉ መሬቱ ብናጻ ብምሃብ ንዘዕቆበካ መንግስቲ፡ ኣብ መሬቱ እናተቐመጥካ ብዓንቀጻትን ሕግታትን ዓለምለኸ ስደተኛታት ክትጸባጸቦ ምፍታን ፍታሕድዩ ከምጽእ? መልሱ ንኹሉ ብዓይኑ ዘይኮነ ብኣብሪሙ (ብልቡ) ዝርኢ ሰብ እገድፎ።
ሓው ታደሰ ዓለቑ ብምቕጻል፡ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዜጋታትና፡ በቲ ዝተፈጥረ ናዕቢ ይቕሬታ ምሕታቱ ከም ተኣምር ከም ዝቑጸር’ዩ ገሊጹ።’ እዋእ! እቲ ኣብ መሬቱ መጺኦም እንተ ተበዲሎም እንተ ተደናጊሮም ናዕቢ ዘላዓዓልሉ ሰባት፡ ይቕሬታ ንኽሓቱ ዝሓተተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገበን እንተ ተቖጺሩሉ ደኣ’ሞ እቲ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብወፍሪ ባርነት መሰላቶም ግሂሱ ዘንከላበቶም እሞ፡ ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ ብጥይት እናሰሓቶም ዶብ ሰጊሮም ኣብ ዓዲ ሰላምን ራህዋን ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ኢምባሲታቱ እናኸዱ 2% ካሕሳ እናኸፈሉ ይቕሬታ ክሓቱዎ ዝሓተተ ጃንዳ ህግደፍ ከደኣ እንታይ እዩ ክብሃል!?
ዝኾነ ኮይኑ እቲ እንኮ ካብዚ ዕግርግር’ዚ ዝጥቀም ወገን እንተልዩ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ፋኖ (ቀይዲ በተኽ) ጥራይ እዩ። ስለዚ ንሕና ብሰሪ ምልኪ ስደተኛታትን ተዓቋብትን ስለ ዝኾንና፡ ንሕማቕ ከም ጽቡቕ እናረኣና፡ ክሳዕ ዝርህወና ብዓቕልን ጽንዓትን ክንጸሮ’ዩ ዘለና። ደሓር ከኣ “ሓዊን ነገርን ከም ዚኣጎድካዮ እዩ ዝኸውን!” ከም ዝብሃል፡ ጌና ቁልዒ ከሎ፡ ንነገራት ከየተዓባበና ከነህድኦ’ዩ ዝግባእ። ነቶም ሰብ ጉዳይውን ካብ ስምዒት ወጺኦም፡ ንነዊሕ ብምጥማት፡ ነቲ ዝወዓለ ሓቃኛ ፍጻመ ክገልጹ ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ “ነገር ዚወዓሎ ዳኛ ይፈልጥ፣ ኣሓ ዝወፈርኦ ጓሳ ይፈልጥ!” ስለ ዝኾነ፡ ልዕሊኦም ነቲ ነገር ክገልጾ ዝኽእል ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ምግላጽ ግን ኣብ ገረብ ወይ ድማ ኣብ መንደቕ ተሓቢእካ ዘይኮነስ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ሕግን ደው ኢልካ ክኸውን ኣለዎ።
ትማሊ ብሰንኪ ክልተ ተሃላለኽቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ደም ዝተፋሰሰ ህዝቢ፡ ቁስሉ ከይሓኸኸ፡ ንዝሓለፈ በደል ረሲዑ፡ ንሓድሕዱ ክተሓቛቖፍን ክደጋገፍን ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ንእሽቶ ቁልዒ ኣናኺስካ፡ ነገራት ምትዕብባይ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያትውን ቅቡል ከምዘይኮነ ንኹሉ ሕልና ዘሎዎ ሰብ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ከምቲ “መደረ ወዲ ሰብ መንነቱ ይገልጽ!” ዝብሃል ከኣ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪትና እንህቦ ቅኑዕ ይኹን ጌጋ ሓበሬታ፡ መንነትና ከም ዝገልጽ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። “ዕንጨይቲ እንተዘይከሊእካዮ ሓዊ ኣይጠፍእን’ዩ!” ክብሃልውን ሰሚዕና ንፈልጥ ኢና እመስለኒ። ትርጉም ናይዚ ምስላ እንተ ተርዲእናዮ’ምበኣር ንነገር ካብ ምጉህሃሩ ክንእደብ’ዩ ዝመኽረና። ዋላ በደለኛታት ኢትዮጵያውያን እንተ ኾይኖም፡ በኣስና ምሳእቶም ዘይኮነስ ምስቲ ናብዚ ሕስረት’ዚ ዝዳረገና ኣብ ሃገርና ዘሎ ባልዋ (ኣርሓ መፍለስ) እዩ ክኸውን ዘለዎ።
እዚ ሎሚ ካብ ብሱል ጥረ ብዘምስል ዓይነት፡ ሳሕቲ ካብ ዝተፈላለያ ኤርትራውያን ዝቕመጡለን መዓስከራት ዝረአ ዘሎ ኣርሒቕካ ናይ ምስዳድ ሃንቀውታ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጉጅለ ሓንዘር (ቅንፍዝ) ንሱን እከይ ፍልስፍናኡን ግብኣተ መሬቶም ምስ ኣተዉ፡ ብዘይጸገም፡ ኮሪዕናን ቀሲንናን ካብታ ልዕሊ ህዝባ ሓሳረ መከራ ትረክብ ዘላ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ብምብጋስ፡ ከም ስደተኛታት ዘይኮነስ ከም ተዘናጋዕቲ ዓዋዶ፡ ማለት በጻሕቲ ሃገር ኴንና ናብ ዝደለናዮ ክፋላት ዓለም ክንበርር ዝኽልክለና ኣይክህሉን’ዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ፈቲና ከይፈተና ከምቲ ኣቦታትና ዝመሰሉዎ፥ “ካብ ሃገሩ ዚወጸ ሰብ ክሳዕ ዚምለስ፡ እንተ ጸዓኑዎ ኣድጊ፡ እንተ ለጎሙዎ ፈረስ!” ምዃኑ ተገንዚብና፡ ክሳዕ እዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ደበና ጥፍኣት ተኣልዩ፡ ሃገርና ህዝባዊ መንግስቲ ኣቚማ ሰላማ ተስፍን፡ ሓያል ዓቕልን ተጻዋርነትን ምግባር ክሓተና’ዩ።
መሰረታዊ ድሌታትናን ባህግታትናን ንምፍጻም ግን ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ፡ ቃልስና ምስቶም ንግዜኡ ዘዕቖቡና ኢትዮጵያውያን ዘይኮነስ ምስቲ ካብታ ብኹሉ ነገራ ተባሃጊት ዝኾነት ህያብ ሰማእታት ሃገርና ኤርትራ፡ ብሕሰም ዘባረረና መላኺ’ዩ ክኸውን ዘለዎ። እዚ ኸኣ ኢኹም ነቶም መሪሩና ወይ ድማ ተበዲልና ኢሎም ናዕቢ ዝገበሩ ኣሕዋትና ኤርትራውያን ክትሕቡሩዎምን ክትመኽሩዎምን ዝግባኣኩም። ምስቲ ኣዕቊቡዎም ዘሎ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ምትህልላኽን በደላቱ ምጽብጻብን ፍታሕ ክኾኖም ኣይክእልን’ዩ። ደሓር ከኣ ከምቲ ምስላ ኣቦታትና ዝብሎ፥ “ቀዲሙ ዚሸወተ ዑፍ ትበልዖ፡ ቀዲሙ ዚተዛረበ ሰብ ይጸልኦ!” ስለ ዝኾነ፡ ንነገራት ጠንቁ ብዝግባእ ከይፈለጥናን ከይመርመርናን ‘እከለ በዲሉ! እከለ ተበዲሉ!’ እናበልና ናይ ውልቅና ፍርዲ ንምሃብ ኣይንቀዳደም። እዚ ማለት ግን ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዝውሰድ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ፡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ቅቡል ከምዘይኮነ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ!
ኤርትራውያን ማለት፡ እዞም ሕጂ ብሰሪ ሓደ ደማሒ (መላኺ) ኣብ ምልእቲ ዓለም ተሰዲድና፡ ብነገድቲ ደቂ ሰብ ከም እንስሳ ክንሽየጥን ስድራናን መቕርብናን ብገንዘብ ካብ ሸየጥቲ ዓዲጎም፡ ካብ ሞት ዘድሕኑና ዘለዉ’ኮ ኣይኮናን። እቶም ትማሊ ንሓያላን ዘርዓምና፡ ንዓለም ዘገረምና፡ መዘና ኣልቦ ቅያ ሰሪሕና፡ ብቕልጽምና ሃገርናን ክብርናን ዝወነንናን ብሕጂውን ካልእ ዝዓበየ ተኣምር ክንሰርሕ ዓለም እትጽበየናን ክቡራትን ሕፉራትን ህዝቢ ምዃንና ንዝዘንገዐ ሰብ ይኹን ወገን ምዝኽኻር ኣድላዪ ኮይኑ ይስማዓኒ። ወሪዱና ዘሎ ኣደራዕ ቀልጢፉ ዘይምፍትሑውን ንምፍትሑ ዓቕሚ ስለ ዝሰኣንና፡ ብስንፍናና ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣደዳ’ዚ ኩሉ ሕስረትን ውርደትን ዝገበረና ውልቀ መላኺ ቀጺዕና፡ ናጽነትና ከይነስተማቕር ዝዓንቀጸና፡ “ደም ስኒስ ካብቲ ጡፍ ትብሎ፡ ትውሕጦ ይበዝሕ!” ስለ ዝኾነና ጥራይ እዩ።
ኣብ 2ይ ክፋል ይቕጽል፥
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 28-10-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Amanuel October 28, 2013

    thanks Mesinas for the well said constructive forwards!

  • ahmed saleh October 29, 2013

    Mesinas
    Due my respect , we can not criticize Taddesse for his effort to highlight the plight of Eritreans refugee
    situation at any place . If we feel Ethiopian government is at fault , we should say it upfront without hesitation .
    Open criticism bring understanding , closeness and respect of each other . Do not forget even though the current
    period has been against Eritreans interest but they deserve better than hand-outs . We used to hear stories about
    Eritrean refugees from Ethiopia who settled in USA came out some of them are from Tigray . Anyway the primary question
    which worry us most depends on those youngsters inside refugee camps safety . It is possible out frustration they
    might end up easy prey for those twisted smugglers .

  • ghenet October 29, 2013

    Mesinas,
    Isayas dem sni aykonen. Is has been a long time since he stopped being part of us.

  • Tes October 29, 2013

    Mesinas

    A wise man as usual. grate analysis bisecting both side of the story. As for brother Tadesse himak mealty Wialu. I know him is nice decent guy.But he gave very narrow analysis playing victim. People who accept influx of thousands refugee in their area to blaim them for not doing enough is unfair. Imagine the constrain they create to the locals. On top of it they are not well enough of themselves. They should been appreciated for their generosities. thanks Tegaru and Ethiopian gov. And thanks Mesinas for your clarification. we don’t expect any good from Meskerem & co.They are only trying to give hand to the repressive regime in Eritrea.

  • T. G. Yohannes October 29, 2013

    very mature and farsighted article! we Eritreans please lets look to the whole picture instead of the tree instead of rounding the leaves! the root cause of all the misery of Eritreans is the few PFDJ leaders. Let’s clean our house before we blame others. stop speaking about symptoms of the disease while we have the responsibility to create a remedy for the cause of the disease(PFDJ!

  • elssa October 29, 2013

    I have one question.
    Did they get permit to do this demonstration?
    Because as far as I know in Ethiopia it is not allowed to do any demonstration unless you get a written permition from the gov.

  • ፍትሓዊ October 30, 2013

    መጀመርታ ስለቲ ሓልዮት ናይ ህዝብኻ ከምስግነካ።በዳሊ መን እዩ ብዘየገድስ ዝብል ሓሳብ እንተ ሃልዩካ ክንድዚ ዝምስፍሑ ሓተታ ምጽሓፍ ኣይመድለየካን ። መጀምርታ ሞ ንስኻ ካብቲ ሒዙካ ዘሎ ኣታሓሳስባ ነጻ ውጻእ እሞ ድሓር ንስባት ካብቲ ሕዝዎም ዘሎ ነጽ ክኾኑ ትምዕድ።ብዘይካ ረድዮ ወጋሕታ ካልኦት ቅኑዕ ሓበሬታ ኣይሃባን ትብል ተኾንኻ። ዘይ ምንጭኹም ሓደ እዩ። ንስኻ ንዕኦም ስምዕዎም ትብለና ንሶም ድማ ናትካ ሓበረታ ይህቡና። ረድዮ ወጋሕታ ከምዝበለትና እንተኾይኑ ዓዋሉን ናይ ሓሽሽን ጫትን እዮም ኣድማ ዝገብሩ ክትበል ከላ ሓቃ ኢልካ ዶ ትኽውን ። ነቲ ብኑጽር ሓበረታ ዝረኸቦ ምንጩ እናጠቀሰ ንዝሃበና ሓበረታ ን ታደስ ከትወቅስ ምፍታንካ ምናልባት ቸቡላ ዝበሉኻ ከይህልዉ። እቲ ሓበሬታ ካብ ሽቓቓ ድዩ ወላ ካብ እንዳ ጉሓፍ ሓቅነት እንተለዎ ከናምኖ ኢና። ሓቀኛ ተኾንካ ከም ታደስ ብኑጸር ስምካን ኣድራሻኻን ምነገርካ ። ተዘየለ ንስኻ ውን ካብ ገሊኡ ተሓቢእካ ትጽሕፍ ስለ ዘለኻ ኣነ ጣራይ እየ ቅኑዕ ምባል ግደፎ። ካልእ እቶም ታኣሲሮም ዘለው ዝኾነ መግቢ ኣብጺሕካሎም ዶ ትኸውን ። ኩሎም ካብቶም ዓዋሉን ውሑዳትን ድዮም ወላስ ናቲ ማዓስከር ሽማግለታት ህዝቢ ዝመረጾም።መጀርታ ንስኻ ካብ ዝኾነ ጸቢብ ኣታሓሳስባ ሞ ነጻ ኹን ዳሓር ንኻልኦት ሓራ ክኾኑ ትምዕድ።

  • Habtom October 30, 2013

    Aytgage wala hanty tefalto yeblkan yekrta kihatet zalwo ka mingrsty ethiopia eyo kisab godayom zehalalko srlzalo, neska gin ansare tehasbe alka ezi ka yekryata hatetka balo ka system nay wayane eyo selzi neato tadesa kitnakif akimi yeblkan

  • selamawi October 30, 2013

    MESINAS I AM CALLING YOU MESI..NA.SS ! LISTEN.
    don’t be user, you cannot be like Tahades and you called Tahades as someone who make fights, but once i compare Tahdese’s wrote with your rubbish stuff, Tahdes is 100% right, he but the international law clearly about the refugee protection…
    you Mesinas is a mess and you can not even write Tigrigna as Tahades and your Tigrigna sounds Ethopian Traway. you are Ethopian otherwise you can not say such things to the poor refugee in this poor campe.
    The told us their problelms, they are raped and killed by Ethilopian Tegaru they are used by Ethiopian Tegaru but you and your likes sounds ignorant.you are really really ignorant Tgraway

  • eritross November 1, 2013

    ata seb kem seb emo hiseb mesakin meneseyat messelom hatitom tyit temelislom si ab kindi weyane kithinek foe mehferi sebu ,mejemerta qimkan tsilekan kab wishtika asriyo.

POST A COMMENT