Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣምልኾ መንእሰያት ህግዲፍ (ypfdj)፡ ቀዳማይ ክፋል ጸብጻብ ወዲ ውሻጠ – ትርጉም

ብዛዕባ ሓደጋ ህግዲፍ ከጠንቅቖም ከለኹ ኤርትራውያን መሓዙተይ ብንጽህና ኣይወስድዎን ኢዮም።ከም ቀንዲ ኣባል መህግዲፍን ምንባረይን ካብቶም ውሑዳት ተመምዮም ናይ ሹዱሽተ ወርሒ ምስጢራዊ ፖለቲካዊ ስልጠና ኣብ ኤርትራ ዝወሰዱን፡ንኤርትራዊ ኣስተምህሮ ክህብ ኣይክእልን ይኸውን፡፡ገለ ሰባት ካብ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ተበጊሰ

ብዛዕባ ሓደጋ ህግዲፍ ከጠንቅቖም ከለኹ ኤርትራውያን መሓዙተይ ብንጽህና ኣይወስድዎን ኢዮም።ከም ቀንዲ ኣባል መህግዲፍን ምንባረይን ካብቶም ውሑዳት ተመምዮም ናይ ሹዱሽተ ወርሒ ምስጢራዊ ፖለቲካዊ ስልጠና ኣብ ኤርትራ ዝወሰዱን፡ንኤርትራዊ ኣስተምህሮ ክህብ ኣይክእልን ይኸውን፡፡ገለ ሰባት ካብ ውልቃዊ ቅርሕንቲ ተበጊሰ ወይ ምስ መህግዲፍ(ypfdj) ብዘይምርድዳአይ ነቲ ማሕበር የጸልም ኣሎ ዝብል ምጉት ከቕርቡ ይኽእሉ ኢዮም።ንሓደጋ ምንቅስቓስ መህግዲፍ ብዝምልከት ምስ ተራ ኤርትራውያን ክላዘብ ከለኹ፡መሓዙተይ ኣብ ህግዲፍ/መህግዲፍ ገለ ዓይነት ፖለቲካዊ ስልጣን ክረክብ ጽዒረ ዘይተዓወትኩ  ተበላጺ ብምግማት ኣንጻር እቲ ማሕበር ሕነ ንምፍዳይ ቤላበለው ይዝርግሕ ኣሎ ይብሉ።ኣነ ብመሰረቱ ስምዒታዊ ይኹን ውልቃዊ ዕላማ የብለይን።እቲ ሓቂ ድማ ብኣንጻሩ ኢዩ።ኣብ መህግዲፍ ኣብ ጥርዚ ብቕዓተይ ከለኹን ዋላሓደ ከየባረረንን ድማ ንመህግዲፍ ገዲፈዮ።ኣነ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ መህግዲፍ ነይረ።

ነቲ ማሕበር ዝገደፍክዎ ድማ ዘይጥዑይ ውድብ ንመንእሰያት ኤርትራውያን ምንባሩ ምስ ተነጸረለይ ምበር ብኻልእ ምኽንያት ኣይኮነን።ከም ሓቂ ብንቡር ኣገላልጻ ምንቅስቓስ ወይ ውድብ ኣይኮነን።ካብ ማሕበራዊ፡ፖለቲካዊ፡ማሕበራዊ ወይ ሲቪክ ውድብ ንላዕሊ ከም ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ኢዩ።ብዛዕባ ቅንዕና መህግዲፍ ንዓመታት ክጠራጠር ድሕሪ ምጽናሕ፡ንቑሕ ኣእምሮይን ውሽጣዊ መንፈሰይን ደሪኹኒ ነቲ ማሕበር ቅድሚ ሓደ ዓመት ገዲፈዮ።ሞራላውን ስነ ምግባራውን ሂወት ክነብር ይመርጽ።ንዘይረብሕ ስልጣንን ጽዩቕ ዝናን ኣንጻር ውልቃዊ እምነተይ ክኸይድ ነብሰይ ክጸቅጥ ኣይከኣልኩን።ዘይ ከም እቶም ብዙሓት ኣብ መህግዲፍ ከም ተኽሊያ መኮነን ኣብ ፍራንክፈርት፡ሰምሃር ገብረኣብ ካብ ጀርመን፡ተድሮስ ጎይትኦም፡ሲራክ ባህልቢ፡ዮዲትን መሓሪን ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ቢንያም ታረቀ፡ስምረት ኪዳነ፡ተድሮስ ያረድ ካብ ኖርወይ፡ኤደን ከበደ፡ሰናይ ሰለሙን ካብ ደንማርክ፡ ወዘተ..ውሽጣዊ እምነተይ ኣንጻር ፍትሕን ሕግን ብቐንዱ ድማ ኣንጻር ዲሞክራስያዊን መንፈሳዊን መትከላት  ክኸይድ ኣየፍቀደለይን።ኣነ ስሱዕ ኣይኮንኩን።ስለዚ ኣብ ስቅያት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣትኪለ ንነብሰይ ካብ መዝነት ፖለቲካ ህግዲፍ ከግልል መሪጸ።

ከም ሓደ እሙንን ኣገዳስን ኣባል መህግዲፍን፡ብሓደ ደስበለ ዝተባህለ(ምሉእ ስሙ ኣይገለጸን)ምስቲ ሰይጣናዊ ባህርያት ውሽጣዊ ስርዒት ህግዲፍ ኣብ ኤርትር ዝተላለኹሉ፡ከም ክፋል ናይቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ካድር ኢዩ።ንሱ  ኣብቲ ሃፈጽ ዘብል ሙቐት ሳዋ ኣብ ንእሽቶ ክፍሊ ማሕበራዊ ስነኣእምሮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ኮርስ መደረ ጀሚሩልና።

እቲ ኮርስ ብዝሓሸ መንገዲ ንህዝቢ ንምሕጋዝ ወይ ንምግልጋል ከምዘይኮነ ንምርዳእ ኣየጸገመናን፡፡ኣይፋሉን፡እቲ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ዘመናዊ ምቁጽጻር ሓንጎል ሰባት ማለት ንጠባያት፡ስምዒታትን ኣተሓሳስባታትን ደቂሰባት ንምቁጽጻር እንታይ ብልሓት ትጥቀም ዘተኮረ ነበረ።ንሱ፡ነቲ ቀደም ጊዚኡ ዘሕለፈ ገበትቲ መንግስታት ከም ሕብረት ሶቪየት፡ናይ ማኦ ቺና፡ናዚ ጀርመን፡ኩባ፡ሰሜን ኮርያ፡ዒራቕ፡ሊብያ፡ቺለ፡ኢራን፡ን ናይ ቀደም ዩጎዝላቪያን ካልኦት ውሑዳት ተመሳሰልቲ ስርዓታትን ዝተጠቕሙሉ ምልዛብ ባህርያት መዲሩልና።

እዚ መምህር ፖለቲካ ሳዋ ንሓንጎል ሰባት ንምጥምዛዝ እተን ዝወደቓ መንግስታት ዝተጠቕማሉ ብልሓት ምስትምሃሩ ኣነ ብውልቀይ ሰንቢደን ቅሩብ ሓኒኸን፡፡ዘይተጸበናዩ ኢዩ።ነቶም ካብ ሃገራት ምዕራብ ብክብሪ ተመሪጽና ገለ ሃገራዊ ስልጠና ፖለቲካ ንሹዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሳዋ ወሲድና ናብ ምዕራብ ክንምለስ ትስፍዋትን ሕጉሳት ዝነበርና ንመብዛሕትና ደንጸወና።እቲ ሹዱሽተ ወርሒ ብሙሉኡ ኣብ ሳዋ ኣይኮነን ሓሊፉ።መብዛሕትኡ እቲ ጊዜ ኣብ ኣስመራ ብመስተ፡ግብጃ፡ዝሙትን ከምኡውን ዓበይቲ ዓወታት ሻዕብያ ብፍላይ ከመይ ዝኣመሰለ ዓቢ በዓል ራእይ መራሒ ከምዝነበረ ብምዝራብን ሓሊፉ።ኩሉ እቲ ትምህርቲ ፖለቲካዊ ስልጠና ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ብፍጹም ወተሃደራዊ ስልጠና ኣይነበሮን።

ደስበለ ባህርያት ንምምዕርራይ እንጥቀመሉ ዝተራቐቐን ዝተዛብዐን ሜላ ብዝምልከት መምርሒ ይህበና ነይሩ።ንሱ እቲ ብልሓት ንስነኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕና ውልቀሰባት ከምዘዕኑ ብኩርዓት ይጀሃር ነበረ።ደስበለ ዝኾነ ኤርትራዊ ብልሑ ብዘየገድስ ንምቁጽጻሩ፡ንምድናኑ፡ንምንጻሉ ኣብ መወዳእታ ድማ ረድዩ ይኹን ከይረደየ ኣባል ወይ ደጋፊ ህግደፍ ከምዝኸውን የስተምህር።ቀንዲ ነጥብታት ኣስተምህሮኡ ድማ ንባህርያት ንኣተሓሳስባን ስምዒትን ደቂሰባት ንምቁጽጻር እንታይ ዓይነት ሜላ ትጥቀም ዝብል ኢዩ።

ንሱ፡እንተደኣ ባህርይ ሰብ ክትቅይር ክኢልካ፡ንኣተሓሳስባን ስምዒትን ከምኡውን ብኣንጻሩ ክትቅይር ከምዝከኣል ገሊጹልና።ነፍስወከፍ ክፋል ኣብ ቶም ክልተ ካልኦት ሓያል ሳዕቤን ኣለዎ፡ነቲ ሓደ ቀይሮ እቶም ካልኦት ክስዕቡ ክድረኹ ኢዮም።ሰለስቲኦም ምስ ተቐየሩ እቲ ውልቀሰብ ምሉእ ለውጢ ይገብር።ኣብ መንጎ ኣተሓሳስባ፡ስምዒት ወይ ባህርይ ዘይምቅዳው ምስ ዝህሉ ነቲ ግርጭት ንምንካይ እቶም ዘይቃደው ይልወጡ።ምኽንያት ናይዚ ድማ ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ እቶም ንመንነቱ  ዘቑሞ ክፋላት ዝፍጠር ለውጢ ንዝተወሰነ ዓቐን ጥራይ ስለዝጻወር ኢዩ።እንተኾነ ብመሰረት ኣስተምህሮ ደስበለ እዚ ዘይምውህሃድ መንግስታት ንምምዝማዝን ምቁጽጻርን ሓፋሽ ባዕላተን ይፍብርኽኦ።

ምቁጽጻር ባህርይ ምቁጽጻር ብሕታዊ ኣካላዊ ክውንነት ኢዩ።

እዚ ምቁጽጻር ኣበይ ይነብር፡እንታይ ይምገብ፡ልብሱ፡ድቃስ።ስራሕ፡ጽምብል ወዘተ የጠቓልል።ስለዚ ዩ መብዛሕትአን ገበትቲ ስርዓታት፡ፖሊሳዊ መንግስታት፡ለውጢ ከነምጽእ ዝብላ ውድባት ንኣባላተን ብጽኑዕ መደባት ዝቕይዳ።ኩሉ ጊዜ ኣብ ለውጢ ከምጽእ ዝብል ፋሽስታዊ ኣጀንዳ ዘለዎ ሃይማኖታዊ፡ፖለቲካዊ ወይ ካልኦት ማሕበራት ኣዕናዊ ነገር ኣሎ።ነፍስ ወከፍ ውድብ ወይ መንግስቲ ድማ ዝጠምሮ ፍሉያት እኩባት ባህርያት ኣለዎ።

ኣባል እቲ ውድብ ንክሳተፎን ኣብ ርእሱ ንዝወርድ መቕጻዕቲ ይግበኣኒዩ ብምባል ክኣምነሉን እቲ ምቁጽጻር ሓያል ክኸውን ኣለዎ።ኣተሓሳስባ ሰብ ዝኾነ ክእዝዞ ኣይክእልን ኢዩ።እንተኾነ ብመሰረት ሰባኺ ህግደፍ ደስበለ ፡ምቁጽጻር ሓንጎል፡ንባህርያት ውልቀሰብ እንተተቓጻጺርካዮ ልቡን ሓንጎሉን ክስዕብዩ።

ብተወሳኺ፡ደስበለ ንመስርሕ ምቁጽጻር ኣተሓሳስባ ውልቀሰብ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕሪቡልና፡፡ጽማቑ እነሆ።

ኣባላትን ተራ ኤርትራውያንን ብጻዕቂ ምስባኽ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ፡፡መስርሕ ኣተሓሳስባኦም ናብ ረብሓኻ ንምቕያር ክስበኹ ኣለዎም።ስነሓሳባት ህግዲፍ ከም ሓቀኛ  ክሰርጽ ኣለዎ ኢሉና ደስበለ።ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ብኢሪ ቲቪ፡ራድዮ፡ኢንተርነት፡ብኣባላት ህግዲፍ/መህግዲፍ ኣብ ኣኼባታት፡ባህላውን ብሕታዊን ኣኼባታትን ኣብ መዓልታዊ ዕላል ኩሉ እቲ ሓበሬታ ካብ ህግዲፍ ተጻርዩ ክመጾምን  ሓበሬታ ነቲ ድሮ ብህግዲፍ ዝተባሕተ ኣእምሮኦምን ክሰርጾን  ለይትን መዓልትን ብፕሮፖጋንዳ ህግዲፍ ክስበኹ ኣለዎም።

ህግዲፍ ሰብ ከመይ ይሓስብ ናቱ ብልሓት ቃንቃን ብልሓት ባህርይን ኣለዎ።እዚ ኣብ መንጎ ኣባላት ህግዲፍን ሓፈሻዊ ኤርትራውን ዓቢ መሰናኽል የቐምጥ።

ካልእ ኣገባብ ምቁጽጻር ምሕሳብ ደው ምባል ብልሓት ኢዩ።እዚ ብዙሓት መልክዓት ክወስድ ይኽእል። ሃገራዊን ሃይማኖታውን ግብጃታት፡በዓላት፡ምርኢት፡መዝሙር፡ሰሚናር፡ዋዕላታት፡መኸተ፡ዝክረ ሰማእታት፡ፕሮፕጋንዳ ማዕከናት ዜና፡ቃለመጠይቓትን ህግዲፍ ዝሰርዖ መደረ ምሁራት፡ዙረት ብድሆ፡ዋዕላ መህግዲፍ፡ፈስቲቫል ሳዋ ወዘተ..።እቲ ሸቶ ሰብ ርትዓዊ ሚዛን ንኸይገብር ንምእጋድ ኢዩ ክገብር ከኣ ኣይክእልን።ሰባት  ንኩነታት ከይመዝኑ እቲ ዘድልዮም ኣገዳሲ ሓበሬታ ስለዝኽልከሉ፡ኣብ መጻወድያ ፋሽስታዊያን ውድባት ይወድቁ።

ሓይሊ እቲ ስነኣእምሮእዊ  መቑሕ ማዕረ እቲ ካብ ሕብረተሰብ ተፈልዩ ዝተዓጽወ ሰብ ይገብሮም።እዚ ስነኣእምሮኣዊ መስርሕ ሓያል ብምኻኑ ንዝኾነ ኣብ ቅድሚኦም ንዝተቐመጠ ኣገዳሲ ሓበሬታ መምዮም ብግቡእ ክምስርሕዎ ብግቡእ ዝዓይ ውሽጣዊ መስርሕ ይጎድሎም።

ኣገባብ እዚ ብልሓታት ድማ  ነቲ ሰብ ብዘይካቲ ብህግዲፍ ዝተሰንዐ ነገራት ንካልኦት ሓቅታት ከይመዝን ንዓቕምታቱ ኣብ ዕጽው ዓንኬል የዝውሮ።እቲ ሰብ ብዛዕባ ህግዲፍ ኣዎንታዊ ሓሳባት ጥራይ ይሓስብ።ጸገም ምስ ዝህልው እውን እቲ ኣባል ሓላፍነት ወሲዱ ኣበርቲዑ ይሰርሕ።

ደስበለ ንደረጃታት ስምዒታት ሰብ ናብ ረብሓኻ ንምቕያሩ  ንስምዒት መህግዲፍን ካልኦት ኤርትራውያንን ብኸመይ ከም እትቖጻጸሮ መደርኡ ቀጺሉ።ጸጸት ወይ ዝሓቕየካ(guilt) ከምኡውን ፍርሒ መቆጻጸሪ ኢዮም።ኣባላት መህግዲፍ/ህግዲፍ ነቲ ብገበን ወይ ጸጸት ምቁጽጻር ክርእይዎ ኣይክእሉን ኢዮም።ከም ካልኦት ግዳያት ዓመጽ ኣብ ርእሶም ጌጋ ተፈጺሙ ከብቅዕ ንነብሶም ከምዝወቕሱ ኢዮም ተቓንዮም፡ሕሉፍ ሓሊፎም ንዝጠሓስዎ ነገር መራሒኦም ከጠንቅቖም ከሎ የመስግኑ።

ብመሰረት ደስበለ ፍርሒ ብኽልተ ኣገባብ ንረብሓኻ ትጥቀመሉ።እቲ ቀዳማይ ናይ ወጻኢ ጸላኢ ምምሃዝዩ(ንሕና ኣንጻር ንሳቶም)እቶም ዘሳቕዩኻ።እቲ ካልኣይ ፍርሒ እንተዳኣ ብመሰረት ንውድባዊ ስነግብሪ ዘይተማእዚዝካ ብመራሕትኻ ከይትቕጻዕ ምፍራሕ።ብመሰረት ውድባዊ ስነግብሪ ምኻድ ማለት ነቲ ስነሓሳብ ብልክዕ ምስዓብ ኢዩ።

እቲ ዝሓየለ ምቁጽጻር ስምዒት፡ኣርዒድካ ምስባኽ ኢዩ።እዚ ንመህግዲፍ/ህግዲፍ ክርሕርሕ ዝሓስብ ራዕዲ ዝፈጥር ኣገባብ ኢዩ።ካብ ምንቅስቓስ መህግዲፍ ወጻኢ ምንባር ምሕሳብ ዳርጋ ከምዘይክኣል ጌርካ ይውሰድ።ናብቲ ካብ ኣባልነት ክወጽእ ዝሓስብ ሰብ ዝቐንዐ ዝትኩስ ብረት የልቦን፡እንተኾነ እቲ ስነኣእምሮኣዊ ብረት  ካብቲ ዝትኩስ ብረት እንተዘይሓይሉ ኣይሰንፍንዩ።

እቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ኣስደሚሙኒ።ኣብ ልዕሊ ኣባላት ብጾተይ መህግዲፍን ካልኦት ኤርትራውያንን ክጥቀመሉ ዝወሃበኒ ዝነበረ ትምህርቲ ምቁጽጻር ሓንጎል ግዳይ ይኸውን ከምዘለኹ ተሰወጠኒ።ብውልቀይ ንደቂ ሃገረይ ከም መሳርሒ፡ከም ጥሪት ብላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ ክዝወሩን ክጥቀሙሎምን ኣይተዋሕጠለይን።መራሕቲ ህግዲፍ ብዘይ ገለ ሕቡእ ዕላማ ብምልኣትን ብምሉእ ልቦምን ንህዝቢ ኤርትራ ብተወፋይነት የገልግሉ ኢዮም ኢለ ምሕሳበይ ገርሂ ነይረ።ብኣንጻር ሰናይ ትጽቢተይ ድማ ብፍላይ ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ህግዲፍን መህግዲፍን ኩሉ ናይ ስልጣን ጸወታ ከምዝኾነ ተገንዚበ።መህግዲፍ መእከብ ተበለጽቲ፡ተወልጀ፡ደቓሉ፡ሕውስዋስ ኤርትራውያን ብባህሊን ስነኣእምሮን ኤርትራውያን ዘይኮኑን መብዛሕትኦም ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ድማ ንኤርትራ ረጊጾማ ዘይፈልጡ ኢዮም።

እቶም ውሑዳት ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩን ጽፉፍ ትግርኛ ዝዛረቡን ተገሊሎም ኣብ መህግዲፍ ከም ጋኖት ኢዮም።ዘስሕቕ ኢዩ ግን ከኣ እቲ ሓቂ ንሱዩ።ኣብ መህግዲፍ እቶም ሓቀኛ ኤርትራውያን ፍንፉናት ኢዮም፡ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ወይ ዝዓበዩ ኤርትራውያን ብፍላይ ሕውስዋስ፡ ትግርኛ ዘይመልኩን ብዛዕባ ኤርትራ ንእሽቶ ፍልጠት ዘለዎም ዝያዳ ይምረጹ፡ምኽንያቱ ንትእዛዛት ብምቕባልን ኣበርቲዖም ብምስራሕን ኤርትራውነቶም ከመስክሩ ህንጡያት ኢዮም፡፡እቶም ሓቀኛ ኤርትራውያን ግን ትግርኛ ብስሩዕ ይፈልጡ፡ብዛዕባ ህሉው ኩነታት መንግስቲ፡  ተኣፋፊ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሕቶ ብክፉትን ብምርምርን ይምልከትዎ።

ንሳቶም ናብ ዋዕላ የማነ ማንኪ ከም መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ዝዓበዩን ሕውስዋስ ቆልዑ ንግብጃን መስተን ዘይኮነ ብዛዕባ ሃገራዊ ሕቶ ክዝትዩ ኢዮም ዝመጽኡ፡፡መብዛሕትኦም ድማ ካልኣይ ንከይምለሱ ካብ መህግዲፍ ንዘይተወሰነ ጊዜ ይባረሩ።

ኣብዚ ግልቡጥ ዘመን ታሪኽ ኤርትራ፡ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ማንካ ዘይልዓሉ፡ኣብ 1998-2000 ዶባዊ ግጭትን ኣብ 22 ዓመት ምህናጽ ሃገር ዘየበርከቱ፡ደቆም ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝተወልዱን ዝዓበዩን ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም ተጠቒሞም ይድሰቱ ኣለው።እቶም ንኤርትራ ዝተቓለሱን ሕሰም ዘሕለፉን ቅድምን ድሕሪን ተጋድሎ፡ኣብ ዘመን ምህናጽ ሃገር ዘገልገሉ ከም ጋኖትን ከድዓትን ተታሒዞም።

ብሓቂ ድማ ልግጫን መሪርን ፍጻሜ ኢዩ።ዘመነ ግርንቢጥ።እቲ ሓደ መጎታዊ ወይ ናብ መጎት ዝቐርብ መግለጺ ድማ ኣብታ ጸሓይ ዝነበረታ መዓልቲ ኣብ ሳዋ ደስበለ ዘንፈሶ ኣገዳሲ ዘረባ ሰውራ ደቃ እናበልዐት ኢያ መጺኣ ዝብል ኢዩ።ሰውራ ኤርትራ ደቃ እናበልዐት ማዕቢላ።ንሱ ብተወሳኺ ገለ ደቃ ኣብቲ ናይ ድፋዓት ውግእ ከምዝተበልዑን ካልኦት ፋሉላውያንን ፖሊቲካዊያንን ድማ ብውድብ ከምዝተደምሰሱ ኣብሪሁ።ንሱ እቲ መስርሕ ባህርያዊ ከምዝኾነን ሰባት ንሓያልነት ውድብ ዝፈታትኑ ከምዘይድለዩን ብህጹጽ ከምዝጎሓፉን ገሊጹ።እቶም ንትእዛዛት ዝፍጽሙን ዝተባህሎም ዘተግብሩን ከምዝዓብዩ ነጊሩና።ንሱ፡ኣባላት መህግዲፍን ህግዲፍን ነቲ ኣጸጋሚ ትእዛዛት ብትብዓት ዝፍጽሙ የድልዮም ኢሉ።ደስበለ ከይሓፈረን ሰገጥ ከይበለን ክቱር ምትእስሳር ምስ ህግዲፍ ዘለዎምን ካብቶም ሰብ ሓንጎልን ሰብ ዲግሪን ዝያዳ ከምዘድልዩ ገሊጹልና።

ስለዚ መህግዲፍ ካልእ ትካል ፕሮፖጋንዳን ገንዘብን ህግዲፍ ከምዝኾነ ንጹር ኢዩ።

ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ደስበለ ጸረ ህግዲፍ ባእታታት ብኸመይ ከም እትቃለሶምን፡ ብፍላይ ነቲ ደስበለ ብምንእኣስ መንእሰያት ደብረዘይት ዝሰመዮ ብዓይኒ ደስበለ ኣዝዩ ሓደገኛ ጸረ ህግዲፍ ባእታታትን እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጸረ መጥቃዕቲ መህግዲፍ ብመንገዲ ፕሮፖጋንዳ ከምኡውን ከምኣድላይነቱ ብጎነጽ

ኣብ ዝኾነ ቦታን ጊዘን

ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Sahil March 17, 2013

    Thank you for your brilliant article, it tells the truth.
    I like the picture the way you presented Yemane monkey and his blind followers it fits them well. This picture is like a 1,000 words.

  • Sahil March 17, 2013

    Thank you for your revealing article, it tells the truth.
    I like the picture the way you presented Yemane monkey and his blind followers it fits them well. This picture is like a 1,000 words.
    This reminds me of The Guyana Tragedy: Jim Jones Story November 1978 mass suicide of 913 people at the South American religious “colony” of Jonestown.
    In 2013 Happening in Eritrea with Yemane monkey and his blind followers.

  • ኣዶናይ March 17, 2013

    “ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ደስበለ ጸረ ህግዲፍ ባእታታት ብኸመይ ከም እትቃለሶምን፡ ብፍላይ ነቲ ደስበለ ብምንእኣስ መንእሰያት ደብረዘይት ዝሰመዮ ብዓይኒ ደስበለ ኣዝዩ ሓደገኛ ጸረ ህግዲፍ ባእታታትን እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጸረ መጥቃዕቲ መህግዲፍ ብመንገዲ ፕሮፖጋንዳ ከምኡውን ከምኣድላይነቱ ብጎነጽ”.

    The writer of this is responsible for the terrorism and crime that has taken place in Sweden and other countries against the Eritrean community Centers. Your article tells that truth.

  • ኣዶናይ March 17, 2013

    “ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ደስበለ ጸረ ህግዲፍ ባእታታት ብኸመይ ከም እትቃለሶምን፡ ብፍላይ ነቲ ደስበለ ብምንእኣስ መንእሰያት ደብረዘይት ዝሰመዮ ብዓይኒ ደስበለ ኣዝዩ ሓደገኛ ጸረ ህግዲፍ ባእታታትን እዚ ድማ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጸረ መጥቃዕቲ መህግዲፍ ብመንገዲ ፕሮፖጋንዳ ከምኡውን ከምኣድላይነቱ ብጎነጽ”.

    The writer of this article is responsible for the terrorism and crime that has taken place in Sweden and other countries against the Eritrean community Centers. Your article tells that truth.

    • ahmed saleh March 18, 2013

      The habit of silence to ignore real facts put the country on darkness . The writer showed
      courage to speak up against injustices . Speaking about terrorism , I recommend you ask those
      poor souls inside the country who live under inhumane conditions and those in fear and paronoid
      when they hear the name of evilish HGDF system surrounding them .
      For the writer ; to write the article in English and then in Tigrigna was a smart move , thanks .

  • Tedros March 18, 2013

    Monkey say, monkey do….case in point.

  • bashy March 19, 2013

    ኣንታ ሓውና ወይ ሓፍትና ዶ ክንብል። መን ኢካ ምስ መን ትዛረብ ኣለካ ንመን ከ ተቓልዕ ደሊኻ፡ መን ከመሃረሉ ትደኒ? እንተ ደኣ መንእሰያት ኤርትራ። ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ መልስኻ፡ ውጻኣ ክብቲ መጋረጃ ስምካ ጥራይ ዘይኮነ ምስልኻ ኣቐሚጥካ ንህዝቢ ሓብር። ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብቲ ናይ ጥልመት ዕላማ ህግደፍ ብጌጋ ዝስዕቡ ዘለዉ እቲ ሓቀኛ ምስልኻ
    ኣቐሚጥካ መልእክትኻ ስደድ ናብ መእሰያት ኤርትራ። ይኣክል ልሙስ ቓልሲ፡ ደልዲልካን ኣግሂድካን መጉት ክትረትዕ። ኣርርርርርርርርርርርርርክብ ከይትግዳዕ ሓዎም/ፍቶም!!

POST A COMMENT