Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ንገለ ምሁራት ጸዊዑ፡ ብዛዕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰብ ንዋይ ኣጽኒዕም ከቕርብሉ ኣዚዙ

ኣምባሳደር  ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ንገለ ምሁራት ጸዊዑ፡ ብዛዕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰብ ንዋይ ኣጽኒዕም ከቕርብሉ ኣዚዙ ከም ዘሎ ኣብቲ ኤምባሲ ዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ዝመጸና ሓበሬታ “ኩሎም ኣብ ዓባይ

ኣምባሳደር  ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ንገለ ምሁራት ጸዊዑ፡ ብዛዕባ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዉ ኤርትራውያን ሰብ ንዋይ ኣጽኒዕም ከቕርብሉ ኣዚዙ ከም ዘሎ ኣብቲ ኤምባሲ ዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ዝመጸና ሓበሬታ “ኩሎም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዝርከቡ ወነንቲ ኣብያተ መግቢ፡ ዘወርቲ ታክሲታት፡ ወነንቲ ኣብያተ ሻሂ፡ ሰብ ደዃኹን፡ ኣብ ንግድን ወፍርን ዝነጥፉ፡ ሓካይም ወዘተ፡ ኮታ ኤርትራውያን በብቲ ዝነጥፍሉ ሞያ፡ ከተማን ዞባን ፈላልዮም መዝጊቦም ከቕርቡሉ፡ ካብ ነብሲ ወከፍ ጉጅለ ከኣ ንመሪሕነት  ይበቕዑ ኢዮም ዝበሃሉ ሰባት ብፍሉይ ተመዝጊቦም ከቐርቡ ኣዚዙ ኣሎ” ዝብል ኢዩ።

ኤምባሲታት ኤርትራ ኣብቲ ዝነብርሉ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን መዝጊቦም፡ ብፍሉይ ንዘድልዮም ዕላማን ተልእኾን ዘገልግሉ ሰባት ንምምራጽ ክጥቀምሉ ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ሎሚ ብኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ዝተዋህበ ዕዮ ገዛ ከኣ፡ ነቲ ስርዓት ኣጋጢሙዎ ንዘሎ ተነጽሎ፡ ሰባት በብማሕበራዊ ጉጅለታቶም ፈላልዮም ጉስጓስ ንምክያድን፡ ህዝቢ ፈላሊኻ ንምሓዝን ዝዓለመ ምዃኑ፡ እቶም ምንጭታት ኣፍሊጦም።

ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ዓድታት በብማሕበራዊ ጉጅለታቶም ተወዲቦም ንብረቶም፡ ገንዘቦም ዋላ’ውን ደቆም ንኣገልግሎት ሰውራን ጉዕዞ ቃልስን ብዘይ ጸገም ከም ዘወፍዩ ንምግባር ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣሰራርሐ ምዃኑ ይፍለጥ። ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ይኹኑ ሰብ ንብረትን ገንዘብን ድማ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ንሃገሮም ዘለዎም ፍቕርን፡ ነቲ ህዝብን ሃገርን ዘብርስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዘለዎም ምእዙዝነትን ፈላልዮም ክርእዩን፡ ዝህብዎ ገንዘብ፡ ግዜ ይኹን ሞያዊ ደገፍ ንመናውሒ ስቓይ ህዝቦም ምኻኑ ተረዲኦም፡ ካብ መጻወድያ  ህግደፍ ክርሕቁ ንላቦ።

ግዱሳት ኤርትራውያን ካብ ዓባይ ብሪጣንያ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Hagherawi February 6, 2019

    እታ ዓባይ ሜላ ህግደፍ ኩሉ ጊዜ ዝጥቀመላ ሓንቲ እያ፥ ንሳ ድማ እዕናዊ ሳዕቤናት ከም ዘለዋ ይፈልጥ እዩ። -> ፈላሊኻ ግዛእ ።

  • Hagherawi February 6, 2019

    እዚ ሰራም ጉጂለ ህግድፍ፥ ሕጂዉን ፥ ኣደናጊሩ ቀጻልነቱ ዘውሕሰሉ ሜላ ኣብ ምድላይ ይርከብ።
    ህዝቢ ከም ዝከሸሖም ግን ገና ኣይተሰቆሮምን።
    መን ኣሎ ፥ ወዱ ወይ ጓሉ ፥ ብሰንኪ እዚ ኣረሜናዊ ጉጂለ ፥ ኣደዳ ስደት ዘይኮኑ ?
    ኣይ ካብ ትምህርቲ ኣይ ካብ ስራሕ ፥ ንእስነቶም ከንቱ ከም ዝሓልፍ ገይሩ።
    በብዝኸዱዎ ፥ ጠፊኦም ምእንቲ ክተርፉ ፥ ኣብ ስደት ከይተረፈ ፥ ኣብ ዉሽጦም ሰለይቲ ኣዋፊሩ ፥ ዝያዳ ከም ዝበታተኑ ኣብ ምግባር ይርከብ።
    መን እዩ ነዚ ፋሺስታዊ ጉጂለ ፥ ከም ጸላኢ ህዝቢ ኤሪትራ ንምልላዩ ዝጽግሞ ?
    ኣንቱም መሰረታት ህግደፍ ፥ ናብ ልብኹም ተመለሱ። መራሒኹም ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ፥ ኣነ ንእትዮጵያ የረክበኩም ኣሎኹ ይብል ኣሎ።
    ሃገራውያን እንተኾይንኩም፥ ሃየ ፥ ሕጂ ንህዝብኹም ኣድሕኑ ።
    ክብርቲ ሃገረይ ንዘልኣለም ነጻ ንበሪ።

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply