Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርኣያ ፍትሒ 3ይ ክፋል 3/6

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ “ ነጻ ኮይኖም ዝተወልዱ ደቂ ሰብ፡ ማዓስ`ዮም  ባራዩ`ኹም ኮይኖም ?!“Omer Bin khetab (634 – 644 ዓ.ም) ሎሚ ነልዕሎ ዛዕባ ተማሓደርትኻ እንታይ ሃይማኖቶም እንታይ ትውልዶም …….. ብዘየገድስ፤ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

“ ነጻ ኮይኖም ዝተወልዱ ደቂ ሰብ፡ ማዓስ`ዮም  ባራዩ`ኹም ኮይኖም ?!“Omer Bin khetab (634 – 644 ዓ.ም)

ሎሚ ነልዕሎ ዛዕባ ተማሓደርትኻ እንታይ ሃይማኖቶም እንታይ ትውልዶም …….. ብዘየገድስ፤ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክህልዎም ዝግባእ ማዕርነት ዝምልከት ክኸውን`ዩ ፡-

  • ሰይድና ዑመር ኣብ ከተማ ሓደ ይሁድ ሽማግሌ ክልምኑ ምስ ረኣዩ ” እንታይ ዝኾንኩም ኢኹም/እንታ`ዩ ጸገምኩም ?” ኢሎም ሓተትዎም።

እቶም ሽማግሌ ኸኣ፡-

  • ንጅዝያ መኽፈሊ ሲኢኔ ኢሎም መለሱ
  • ንዓኹም ጅዝያ ዘኽፍል መን`ዩ?!
  • ሰራሕተኛኻ / ሰራሕተኛ መንግስቲ

ዝብል መልሲ ምስ ሰምዑ  “ ዝኾነ ብስእነት ድዩ  ብዕድመ  ምድፋእ  ጅዝያ ክኸፍል ዘይከኣለ ሰብ ምሕረት ይግበረሉ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ቤተ`ልማል ደሞዝ ክስላዓሉ ኣዘዙ።

መብሪሂ፡- ጅዝያ ማለት ግብሪ ማለት`ዩ ። ኣብ ብእስልምናዊ ሕጊ ትማሓደር ሃገር እቲ ኣስላማይ ሩብዒ ዕሽርት ካብ ንብረቱ/ገንዘቡ ዘካት ከውጽእ/ ክኸፍል  እንኮሎ ዘየስላማይ ከኣ ዘካት ስለ ዘይምልከቶ ጅዝያ የውጽእ/ይኸፍል፤ ኩሉ`ዚ ዘካት ይኹን ጅዝያ ንቤተ-ኣልማል ይኣቱ። ቤተ -ኣልማል ከኣ  ንምክልኽል፡ ንጸጥታ፡ ንሕክምና ፡ትምህርቲ ;  ንሓገዝ/ደሞዝ ጽጉማት  ……………. ተውዕሎ ።

  • ኣብ ሓደ ናይ ፈረሰኛታት ውድድር ወዲ ኣማሓዳሪ ምስሪ ብሓደ ጉብጢ ምስ ተሳዕረ፤  ነቲ ሳዓሪ ወቆዖ።

(ጉብጢ ክርስትያን ምስሪ ዝፍለጡሉ መጸውዒ ስም`ዩ) እቲ ግፍዒ ዝተሰሞዖም ወላዲ ነቲ ዝተወቅዔ ውላዶም ሒዞም   ናብ ሰይድና ዑመር ዝርከቡሉ  (ንመዲና) ተጓዒዞም ክሶም  ኣቅረቡ፤ ……. ኣማሓዳሪ ምስሪ ምስ ወዱ ንመዲና ከተፍ ክብሉ ተነግሮም ።

እቲ ግፍዒ ከም ዝተፈጸመ ምስ ተረጋገጸ ፤እቲ ዝተበደለ ከምታ ዝተበደላ ንዝሃረሞ ክሃርም ኣኽኣልዎ ። ኣስዒቦም እቲ ሃራሚ ልዕልና ተሰሚዕዎ ዝሃረመካ ንስልጣን ወላዲኡ ተኣማሚኑ ስለ ዝኾነ ነብኡ`ውን ህረሞ  ምስ በሉ ። ተበዳሊ ኸኣ  “ እዚ ጉቡኤይ እንተዳኣ ኾይኑ ሕድገት ጌይረ`ለኹ “ በሉ።

ኣብዚ ኩነታት`ዚ`ዮም ከኣ ሰይድና ዑመር ነቲ ክሳብ`ዚ ግዜና ከም ሓወልቲ ኣብ ኣእምሮ ፍትሓውያን ደው ዝበለ፤  ክሳብ ሕጂ ፍትሒ ዘገድሶም ዝደጋግምዎ ፤እቲ ኣብ መጨረሽታ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ዝተዓወተ ፍትሒ ዘንገሰ ስውራ ፈረንሳ ኣብ ናይ ዓወቱ ዕለት መግለጺ ዝጠቀሶ “

متى استعبدتم الناس وقد ولدتهم أمهاتهم أحرارا؟  “ ነጻ ኮይኖም ዝተወልዱ ደቂ ሰብ፡ ማዓስ`ዮም  ባራዩ`ኹም ኮይኖም ?! “How could man enslave his fellow man when he was born free” ዝብል መግለጺ ዝሃቡ።

 

ካብ`ዚ ንማሃሮ እንታይ`ዩ

  • ዝኾነ መራሒ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ዘለዉ ዜጋታት ሃይማኖቶም ዘርኦም ብዘየገድስ ብሓደ ዓይኒ ክርእዮም ከም ዝግባእ። ሕብሮም ባህሎም እምነቶም ኣብ ሓደ ሸነኽ ናይ ሚዛን ፍትሒ ነንብሮ መዔቀኒ ከምዘይኮነ፤ ክብደት ደቂ ሰባት ሓደ ምዃኑ። እቲ ክረኤ ዝኽእል ምዝንባል ኣብ ዝምቡል ኣእምሮ ጥራሕ ዘሎ ነገር ምዃኑ`ዩ ።

ደቂ ሰባት እምነቶም ዘርኦም ደርቦም መዝነቶም ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ክኾኑ ከም ዝግባእ፤ክብሪ ሰብ  ኣብ ትሕቲ ዝኾነ  ይኹን ኩነታት ክሕሎ ማለት ሕጊ ንዝተበደለ ድኹም ክዘርየሉ ከም ዘለዎን።

 

ኣብ 4ይ  ክፋል  የራኽበና

 

ምስ ሰናይ ትምኒት

AAHafiz (229)28/02/2018

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde March 1, 2018

    It has been awhile since this core value of humanity disappeared in our homeland and replaced with Franco Nero and his gladiators.

POST A COMMENT