Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣርኪቡሉ ኣድጊ ስርቂ ይሕሉ

ወርሒ ግንቦት፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ መዳርግቲ ዘይብሉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ መግዛእቲ ሓደ ዘበን ዝዓጸወላ፣ ናጽነቱ ዝጨበጠላ ወርሒ ብምዃና፣ ብድምቀት ክትዝከርን ክትጽምበልን ዝግብኣ ታሪኻዊት ዕለት እያ። እንተኾነ፣ ንናጽነት ኤርትራ ዋናኣ መን እዩ፣ መን’ዩ ኸ ከብዕላን ክጽንብላን ዘለዎ፣ ብኸመይ?

ወርሒ ግንቦት፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ መዳርግቲ ዘይብሉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ መግዛእቲ ሓደ ዘበን ዝዓጸወላ፣ ናጽነቱ ዝጨበጠላ ወርሒ ብምዃና፣ ብድምቀት ክትዝከርን ክትጽምበልን ዝግብኣ ታሪኻዊት ዕለት እያ።

እንተኾነ፣ ንናጽነት ኤርትራ ዋናኣ መን እዩ፣ መን’ዩ ኸ ከብዕላን ክጽንብላን ዘለዎ፣ ብኸመይ? ዝብል ሕቶ፣ ኣገዳሲ እዋናዊ ጉዳይ እዩ።

እቶም ህዝቢ ኤርትራ ብዘይዕቃበ ንዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ጠሊሞም ንናጽነት ኤርትራ ዝሰረቑዋ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጉጅሊኡን፣ ነቲ መሰረት ሰላምን ራህዋን፣ ፍትሕን ምዕባለን ክኸውን ዝነበሮ ናጽነት ኣባኾኖም ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሪር ሓዘን ሸሚሞሞ ክንሶም፣ ንሰነዳት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላዩን ንስልጣኖም ብዘርብሕ መልክዕ እናጠማዘዙ፣ ንወርሒ ግንቦት ናይ ፕሮፖጋንዳ ወቕቲ ካብ ዝገብሩዋ 23 ዓመታት ኮይኑ ‘ሎ።

ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ከምቲ ኣርኪቡሉ ኣድጊ ስርቂ ይሕሉ ተባሂሉ ዝተመሰለሉ ምርኡይ፣ ቅንጣብ ሕንከት ዘይብሎም ሰረቕቲ ደኣ ኮይኖም እምበር፣ ንቡር ሰራቒ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ክኸወልል ክሕባእ እዩ ዝግብኦ። ንሳቶም ግን፣ ግንቦት መጸ ከም ገበርቲ ጽቡቕ ኣብ መድረኽ ተሰቒሎም፣ ብዘይሕንከት፣ “እዚ ጌርናልካ፣ እዚ ፈጢርናልካ፣ እንተተጸሚምካ ኸኣ ገና ካልእ ክንውስኸካ ኢና” እናበሉ ብናይ ሓሶት መደረ ከታልሉዎ ተራእዮም። ሎሚ ዘበን ‘ውን ከም ኣመሎም ወሃብትን ከላእትን ኮይኖም ክሕስዉን ከታልሉን ይዳለውን ይወናወኑን ኣለዉ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 23 ዓመታት፣ ቤትማእሰርቲ ማዕረ ቤትምህርታት በዚሑ፣ ቁጽሪ እሱራት ክንዲ ናይ ሰራዊት ኮይኑ፣ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ በንጻሩ ብስደትን ማእሰርትን ማሲኑ ኣስከሬን ጥራይ ተሪፉ፣ ሃገርና ኤርትራ ከም ጸማልያ ረይረይ ትብል ኣላ።

ጊላነት ወልቀ ምልኪ ዝመረሮ መንእሰይ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ምድረበዳታት ሰሃራ ክሳብ ሊብያ በሽሓት ተዘርዩ፣ ብሞት ዘርጠብጠብ እናበለ ውሕስነት ኣብ ዘይብሉ፣ መኣዝኑ ኣብ ዘይፍለጥ ቀጻሊ ጉዕዞ ስደት ይርከብ። ኣብ ዓድታትን ከተማታትን ኤርትራ ተሪፉ፣ መግቢ፣ መብራህቲ፣ ማይ ስኢኑ፣ ኣይምዉት ኣይስሩር ኮይኑ ዘሎ ህዝብና፣ በቶም ብዘይቆጸራን ሓደራን ነፊጾም ዝጠፍኡ ደቁ ሰንፈላል ተወሲኹዎ፣ “ዓይኑ ዝረኣየ ይብራህ” እናበለ፣ ጭልምልም ዝበለ መሪር ህይወት የሕልፍ ኣሎ።

ኣብዚ 23 ዓመታት እምብኣር፣ እቲ ዘይተጸበዮ መዓት ዝወደቖ ህዝቢ ብኹሉ እንትንኡ ከሲሩ፣ ከም ህዝቢ ናጽነቱ ተገፊፉ ናብ ዝኸፍአ መግዛእቲ ተመሊሱ፣ እታ ሕሉቡን ንጹፉን ጸናቒቑ ዝረኸባ ኤርትራ ከም ሃገር ከይትወድቆ ክጽልን ክምህለልን ይርአ። ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ደቂ መዛምርቱን ከኣ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ንምውራዱ ዝኣለሙዎ ውዲት ይሰርሓልና ‘ሎ ኢሎም ስለዝነዓቑዎ ‘ዮም፣ ሰረቕቲ፣ ቀተልቲ፣ ገበነኛታት ክንሶም ከም ንጹሃት ብዘይሕፍረት ኣብ መድረኽ ተሰቒሎም ከባጭዉሉ ዝረኣዩ ዘለዉ።

እዞም ነታ ዝሰረቑዋ ናጽነት ዋናታታ ኮይኖም ዝዋስኡ ዘለዉ ሰረቕቲ ግን፣ ብዕድል ናይቲ ዘይኢዱ ዝረኸበ ውጹዕ ህዝቢ ተጣሊዖም ክድቅሱ ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ዝንበሮ እምነት በኒኑ፣ ትዕግስቱ ካብ ዝጽንቀቕ እዋን ሓሊፉ እዩ። ብስም ግንቦት ዝተፈረሸ ፕሮፖጋንዳ ሶል ወንበር ስልጣን ጌርካ በጠጥ ምባል ‘ውን ኣብቂዑ እዩ። ስለዚ ኸኣ’ዮም፣ ነቲ መድረኽ ብጠበናጁ ተኸቢቦም ዝሓዅሩዎ ዘለዉ። ህዝቢ ኤርትራ፣ ተሪፋቶ ዘላ እንኮ ስጉምቲ ነቲ መሰነይታ መታለሊ ፕሮፖጋንድኡ ኮይኑ ዝጸንሐ መጋረጃ ፍርሒ በሲዑ፣ ነቲ ሓቀኛ ጠለብ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾነ ናይ ሓርነት ድምጹ ብዓውታ ክድርጕሖ፣ ይኣክል ክብል ኣለዎ። ነዚ ተባዕ ስጉምቲ ‘ዚ ንምውሳድ ከኣ ካብዛ ወቕቲ ናጽነት ዝኾነ ወርሒ ግንቦት ዝዓብን ዝምችእን ኣጋጣሚ የለን።

ንኢሳይያስን መሓዮታቱን ይመስሎም ይኸውን ደኣምበር፣ ጀጋኑ ህዝቢ ኤርትራ ብመስዋእትን ማእሰርቲ ኢሳይያስን ኣይተወድኡን። እቲ መስዋእቱ ናጽነት ዘረጋገጸ ጅግና ህዝቢ ኤርትራ፣ ተስፍኡን ርእሰተኣማንነቱን ኣበራቢሩ፣ ጅግንነቱ እንተዘኪሩ፣ ሻምብቆ ብረት ናይቶም ዓመጽቲ ናይ ግድን ክልወ እዩ። እቲ ናይ ዝሰረቖ ናጽነት ዋና ኮይኑ ክወራዘ ን 23 ዓመታት ኣብ መድረኽ ናጽነት ዝተሰቕለ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ብመግሓጢ ሓዊ ተገፊፉ ናብ ህዝባዊ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርብ ከም ዓርኩ ቀዛፊ ኣብ ቢንቶ ክሕባእ፣ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ባይትኡ ክምለስ እዩ።

ስለዚ እቲ ዋና ናጽነት ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብቲ ናይ ሓሶት ጽምብል ግልል ኢሉ፣ ተስፋን እምነትን ተዓጢቑ ናይ ገዛእ ርእሱ መጋርያ ሓቂ ብምትካል፣ ነዚ ክቡር ዕለት’ዚ ሕሱም ጸላኢኡ ከለልየሉን ክፈርደሉን ይግባእ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

 

ኣማኑኤል ኢያሱ

5 ግንቦት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • kemal Ali May 6, 2014

    well said brother Amanual.

  • kalsi nfthi May 6, 2014

    Ewe haki lbi neabi kulatna well said ama dhay aytetfe tetumu aamana

  • Lilay May 6, 2014

    Very impresive text. Good job brother Emma.

  • Teclay May 6, 2014

    Assena
    Assena with all respect, i found out the article contains several unrealistic points.
    – 1st The comparison to say worst,one have to have bad and worse . Mengstu was neither bad nor worse :Yes Mengistu had been misunderstood by all(Ethiopians&Eritreans), other wise he was the best leader by African standard, don`t understand me wrong i said by African standard
    -2nd ” ሰረቕቲ ” who is SERAKI ,,if you mean Isaias. The Ghedli belonged from the beginning to him.Isn`t it ? According to Temenwo`s narration,the only and only shareholder was Isaias, so one can not say he is a thief.

  • rahwa May 6, 2014

    wow! amazing, thanks assenna. keep it up guys!

  • Teclay May 7, 2014

    Dear riders
    consider the following points for your general information.
    -Is Mengistu really lost the war?
    -Let us say it was a civil war, in a civil war there is no winner. Let us see practically in our case.In one side we and the Tigrians waged a brutal war in the mountains, in the other side we had enjoyed our citizenship and positioned at the helm of the power not to mention the civil servants through out Ethiopia,including in Mengstu`s residence, served as spies who were proud to boast about their previous secret activities.
    Ex how difficult was in the 90th to control the Jihadsts ? even in Semenawi-Bahri which is not far from the Capital were murdered tourists.
    – Until the last, unlike other counter parts in Africa ,recent example South-Sudan, Mengistu never used ethnic as a weapon . Had he used ethnic as a weapon which is a norm in Africa you could imagine the result would have been.

  • MightyEmbasoyra May 7, 2014

    ሱሌማን ሳሊም፥
    እዚ ኣብ ላዕሊ ተጻሒፉ ዘሎ ኣንቢብካዮ ዶ፧ ዝስቆረካ ኳ ኣይመስለንን፥ ግን ምናልባሽ

POST A COMMENT