Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣሰና!

ኣሰና! እቶም ኣዝዮም በላሕቲ ዝኾኑ ወለድና ክምስሉ ከለዉ እይንታይ ይብሉ ይመስለኩም፥ “ንሓዊ ሓደው ኣንዲድካ ሙማቑ፡ ሓደው ኣጥፊእካ ምርሓቑ!” ብምባል፡ ብኣግኡ ካብ ጉድኣቱ ንኽንድሕን ምእንቲ’ዮም ሓዲኡ ክንገብሮ ዝመኽሩና። ኣሰናውን በዚ ምኽንያት’ያ ነቶም ከም ዕንጭራር ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም፡

ኣሰና!
እቶም ኣዝዮም በላሕቲ ዝኾኑ ወለድና ክምስሉ ከለዉ እይንታይ ይብሉ ይመስለኩም፥ “ንሓዊ ሓደው ኣንዲድካ ሙማቑ፡ ሓደው ኣጥፊእካ ምርሓቑ!” ብምባል፡ ብኣግኡ ካብ ጉድኣቱ ንኽንድሕን ምእንቲ’ዮም ሓዲኡ ክንገብሮ ዝመኽሩና። ኣሰናውን በዚ ምኽንያት’ያ ነቶም ከም ዕንጭራር ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም፡ ድምጾም ኣብ ደምበኣ ከስምዑና ዝጸንሑ ሃርደ ቢሳታት (ኣንፈቶም ዘይፍሉጥ) መድረኻውያን ብዒሎኹም (ወገንኩም ሓዙ) ኢላቶም ዘላ። ንኣሰና ካብ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ኤርትራውያን ፍሉይ ዝገብራ ነገር እንተሎ፡ ንዝኾነ ንጉጅለ ምልኪ ካብ ሃገር ንምእላይ ይቃለስ’የ ዝብል ሓይሊ፡ ብዘይኣፋላላይ ሓቊፋ፡ እተቃልሶን እተተባብዖን ምዃና’ዩ።
ከምቲ “ሞት ንዘይፈልጥ መቓብር ኣርእዮ!” ዝብሃል ከኣ ኣሰናውን ነቶም ዋላውን ኣብዚ ምዕቡል እዋን፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን እናነበሩ ከለዉ፡ ደሞክራሲ፣ ግሉጽነትን ተሓታትነትን መሰረት ምዕባለ ምዃኑ ገና ዘይተረድኡን ዘይፈለጡን ምሁራት ብቐለም፡ መሃይማን ብስነ ምግባር ዝኾኑ መድረኻውያን፡ በታ ብጻዕረ ሞት ትሳሓግ ዘላ ሳንቡእ ህግደፍ እናኣተንፈሱ፡ ሓንሳብ ደለይቲ ፍትሒ፡ እንሓንሳብ ድማ ጸገንቲ እናኾኑ ለካዕካዕ ክብሉ ዝጸንሑ ዉሽናት (ደቂ ሕድርትና) “እስከ ደሓን እንተ ብጋህዲ፡ እንተ ብውዲ፡ ኣንጻር’ዚ ናይ ሓባር ጸላኢና ዝኾነ ጃንዳ ምልኪ ክሳዕ ዝተቓለሱስ፡ ምስሉይነቶም ብዘየገድስ፡ ብሕርያኦምን ብመገዶምን ጸጸር ይደርብዩ።” ብምባል፡ ከተሳልዮም ጸኒሓ።
“ድሌትን ባህግን ህዝቢ ኤርትራ፡ ግዜ ከይወሰደ ካብ ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ ተጋላጊሉ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ምትካል ምዃኑ ኸኣ ቀስ እናበለ ክበርሃሎም’ዩ።” ብምባል፡ ገሌና “ንደግፎምን መርሓባ ንበሎምን” ኢልና፡ ኣሰር ኣሰና ተኸቲልና ክንድግፎም ከለና፡ ገሌና ድማ ክንቃወፎም (ክንቃወሞም) ከም ዝጸናሕና ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣብዚ ሰሙን’ዚውን ሓው ወልዱ ተኽለ፡ ደጊሙ ንኣኣቶምን ነቲ ስኒት ኤርትራውያን ኣብ ምዝራግ ዓቢ ተራ ዝጻወት ዘሎ ወናኒ መስደመም ኔትን ክቃወም ከሎ፡ ገሌና ግን ሕጂ ንሓድሕድና ምውንጃልን ምጥቕቓዕን ኣየድልየናን’ዩ፡ ካብ ዚብል ሓሳብ ተበጊስና “ህዝበይ ንድሕነትና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ኣቓልቦና ኩሉ ኣንጻር’ቲ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራን ጸላኢ ገዛእ ርእሱን ዝኾነ ጉጅለ ፈያት (ሸፋቱ) ንምቕናዕ ከምዚ ኢልና ኔርና፥
ዕቡይ *ባልዋ ከሎ ቤትና ዝዝመተ   *ኣርሓ መፍለስ
መሬት ኣብ ምውግሑ ሃገር ዘጸልመተ
ብመሬትን ባሕርን ህዝብና ዘጽነተ
ካብ ሱሩ ክንነቕሎ ብሓያል መኸተ
ኢድን ልብን ኴንና ኣብ ክንዲ ንዛተ
ዘርእና’ባ ኣይነህጉግ ገና ከይሸወተ! ብምባል፡ ጓል መገዲ ገዲፍና ሓርነትና ንምርግጋጽ፡ ሓቢርና ኣንጻር እቲ ቀንዲ ጸላኢና፡ ኣንጻር ህግደፍ ንኽንቃለስ ርእይቶና ወስ ኣቢልና ኔርና። ብሓቂ እቲ ክኸውን ዘለዎ ኸኣ ንሱ’ዩ ኔሩ። እንተኾነ ከም ብዓል መስደመም ኔት ዝኣመሰላ ንምዝራግ ፍቕርን ሓድነትን ኤርትራውያን ዝተዓስባ መርበባት ሄባል (ህውከት) ከለዋ፡ ሓቢርካ ብምሉእ ዓቕምኻ ምልክነት ምእላይ ኣይተኻእለን። ነዚ ከም ዝከኣል ንምግባሩ ድማ ኢና ትማሊውን ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ዝገጠምና፥
ብሓደ መሪሽና ቅርዓት ከይንረግጽ
እቲ ዝዓንተረ ንድኹም ክጉዕጽጽ
*ሓንዘር ብድኽመትና ከሽካዕልል ከላግጽ  *ቅንፍዝ
ህዝብና ዝመርሖ ሽም ንህቢ ከይመርጽ
‘ኣይትሕለም!’ ኢሉዎ ተስፋ ንኽቖርጽ! እወ። መላኺ ዓቕምናን ኣካይዳናን ስለ ዝመዝነ’ዩ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 8 ጥቅምቲ 2014 ቃለ ሸንኮለሉ ብንዕቀት ከምዚ ኪብል ዝሓጨጨልና።
ዓቕምና መዚኑ እዚ ዕቡይ *ደማሒ       *መላኺ
ጸዳል ደሞክራሲ ክንደልያ ኣብ ወርሒ
እናሓጨጨልና ንደለይቲ ፍትሒ
ህጁም ከይንኣቱዎ ብሓደ መምርሒ
ሕድሕድ ንምጥቃዕ ክንካሰስ ብሽርሒ
መድሃኒት ኴንናዮ ዕድመ መናውሒ!
እወ። እዚ ናይ ሓድሕድና ግርጭትን ምፍሕፋሕን ዕድመ ስልጣን መላኺ ከም ዘናውሕ ርዱእ ኮይኑ፡ እቲ ን46 ዓመታት ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ዘስረጾ ልኡምነትን ንነቐፌታ ዘይተጻዋርነትንውን ክሳዓርን ክቕበርን ስለ ዘለዎ፡ ንእግረ መገድና ህይወት እንተዘራእናሉ ዝጽላእ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣብ መንጐና ብዝፍጠር ምፍሕፋሕ፡ ክላእ! እዚኣቶም ትም ኢሎም’ዮም! ኣይረብሑን’ዮም! ወዘተ. ብምባል፡ ከም ድሌትን ባህግን ጃንዳ ህግደፍ ተስፋ ክንቆርጽ የብልናን። ምኽንያቱ፡ ንነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን ምጽዋር፡ ነቲ ምስሉይ ፋኖ (ቀይዲ በተኽ) ዚኾነ መላኽን ሰዓብቱ ክንምህሮምን ኣብነት ክንኮኖምን ከምኡውን ካብ ደልሃመት መላኺ ወጻኢ ካልእ ብርሃን ዓለም ከም ዘሎ ብግብሪ ከነርእዮምን ክንክእል ኣለና።
ዝኸበርክንን ዝኸብርኩምን ኣሓትን ኣሕዋትን፡ መበገሲ ጽሑፈይ፡ እዚ ትማሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስደመም ኔት ብዘይስም ጻሓፊኡ ወጺኡ ዘሎ፡ ነቲ ብዘይዚኾነ ሓገዝን ጻዕርን፡ ብጽፍሩ፡ ንተንኮላትን ተጻባእነትን ብዓል ንሕና ንሱን፡ ንሱን ብትብዓት ብምምካት፡ ኣብዚ ደረጃ’ዚ ዝበጽሐ፡ ከይተሓለለ ንኹሉ ደለዪ ፍትሒ ብሓባር ዘአንግድን ዝቃለስን፡ ከፋት በሪ ልሳን ውጹዓትን ዚኾነ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ክቡር ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዘጥቅዕ፡ ብኾረይቲ ዝተጻሕፈ ቅርጣስ (ካርተሊና) ኣብ እንዳ ጓሓፍ ወዲቑ ብንፋስ ከንበልብል ትማሊ ምስ ኣንበብኩ’የ ምእንቲ ኣማኑኤል ዘይኮነስ ምእንቲ ፍትሒ ገለ ክብል ተቐሲበ’ሞ ካብቲ ወርቃዊ ግዜኹም ስለ ዝተሻሞኹ ይቕሬታ እናሓተትኩ፡ ኣብ መወዳእታ ነዛ ልሳን ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነት፡ መዳርግቲ ኣልቦን ሕማም ርእሲ ጃንዳ ምልክን ህዝባዊት ኣሰና፡ በዛ እትስዕብ ሓጻር ናዕታ ኣቢለ ኣጆኺ! ክብላ ፍቐዱለይ?
ኣንቲ *ሌማት ኩሉ ህዝባዊት ኣሰና    *መቐረብ መኣዲ
ሳላኺዶ ኣይኮነን ተኣልዩ *ልባብና    *ንፈረስ ኣዒንቱ ዝሽፍን መጣምር
ብኣኺዶ ኣይኮነን ኣድሚጹ ልሳንና
ብዓልመን ደኣሎም ሕጂ መጺኦሙና
መጉሰይቲ መሲሎም ዝነቕሉ ዕፉንና
*ብዒሎኹም በልዮም ዋናታትኪ ኣለና!  *ወገንኩም ሓዙ
ኣገልጋሊት መርዓት ተፈታዊት *ጥፍሒ   *ንእሽቶ ኣገልግል ናይ መርዓት
ስኽፍ ኣይበልኪ ናይ ምስሉያት ሽርሒ
ካብ ሱሩ ንምምሓው ንስርዓት *ደማሒ    *መላኺ
ኣብ ጎድንኺ ኣለና ሰራዊት ናይ ፍትሒ
መግዛእቲ መላኺ ጸላም ከተውግሒ
ንሓርነት ጥራይ ከም ቀደምኪ ስርሒ!
ረመጽ ወዲ ጓህሪ፡ ቁጡዕ ወዲ ነብሪ
ጽሩይ ማይ ሓርነት ካብ ጎቦ እተዛሪ
ህዝቢ እተገልግል ብሓልዮት ብፍቕሪ
ንደለይቲ ፍትሒ ዓወት ተበስሪ
ንስርዓት መላኺ ተንገብግቢ ቁሪ
ኣላሽ ከተብሊ ናይ ዕሱባት ወፍሪ
*ኣንገብኪ ይደርዕ እቲ ልዑል ፈጣሪ!       *ዕርድኺ
ንጹር ዕላማኺ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ
ነዚ ለዋህ ህዝቢ ሕሰም ክቕንጠጦ
ኳዂቶን እሾኽን ክትነቕሲ ብወረጦ
ብየማነ ጸጋም ኣባይ ተወጠጦ
ዘይክማህ መትከልኪ የለን ዝልውጦ!
ህዝቢ እናተገርፈ ብሕሰም መከራ
ጽቡቕ ኣሎ ዝብሉ ናይ ምልኪ ምሕደራ
ፍትሒ ምስ ነገሰ ጽባሕ ኣብ ኣስመራ
ፍርዶም ክህቦም’ዩ ህዝቢ ናይ ኤርትራ!
ንውልቃዊ ረብሓ ሓፋሽ ንዘጥፍኡ
መንግስቲ ኣሎና ኢሎም ሬሳ ዘተንስኡ
ብባዶ መብጽዓ ራህዋ ከም ዘምጽኡ
ህልዋት ረጊጾም ስውኣት ዘንብዑ
ፍጹም ኣይተርፉን’ዮም ጽባሕ ከይተቐጽዑ!
ኣብዚ *ሃኪክ እዋን ግዜ ኣጠላላም          *ክፉእ ዘበን
ረዳኢ ስኢና እዛ *እዝውቲ ላም            *ብዙሕ ጸባ እትሕለብ
ሓንከስ እናበለት ተታሒዛ *ዕጭ ላም        *ብርቱዕ ሕማም ከብቲ
ካብ ስቓይ ክትድሕን ኣብ ክንዲ ምሕካም
ጸባኣ ሓሊቦም ዘውጽኡዋ ናብ ግዳም
ወይልኦም ዕሱባት ኣሳሰይቲ ጸላም!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 21-02-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Mesinas February 21, 2014

    ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ኣቐዲመ ንዝተፈጸመ ጉድለት ይቕሬታ እናሓተትኩ እታ “8 ጥቅምቲ 2014” ተባሂላ ተጻሒፋ ዘላ “9 የካቲት 2014” ተባሂላ ንኽትእረም ብትሕትና እሓትት።

  • Fanay gebre February 21, 2014

    Medrek is a seasonal project an extension from hgdf.

    • Zufana February 21, 2014

      Fanay gebre
      Well said brother. Spot on.

  • Medber February 22, 2014

    Ajoka Mesnas kesel
    YOU ARE DOWING GOOD JOB.

  • ERITRAWIT February 22, 2014

    Well done Mesinas,
    Ezeom tehabeom zkalesw zelew dahray nhna ena ndskeka deu negeru? Neyenay ewom Ktgenu ferkeshekesh elu zelo bkulu medayt? Ajemamrom des ayblen Assenna zestebahleto neger alo.

  • Fessaha February 22, 2014

    Just for you Mesinas… read on

    Mesinas tesfa q’butzan……
    We’fewassie m’nduban

    Negerike ewe, ewe, au akko akko
    Lehizbeke med’hine zekonko
    Mesinas uhuye,egziabihier zebareko

    Sennay qaleke, we’seffih libbonake
    Antesse tebib, we’mennu zekemake
    Selam lekke ehuye, nazazie libb mikreke

    Dear Mesinas
    I just wanted to say few lines in Geez for you, because your wisdom and inspiring writings mean a lot to us. Your writings have healing effects on us, your wisdom fills us with hope. Thank you Mesinas

    Egzia’bihier yisma’a bikaya we’ge’ara
    Le’bihier’ne Eritra

  • rahwa February 22, 2014

    thanks Mesinas! well done!

  • rahwa February 22, 2014

    ካብ ስቓይ ክትድሕን ኣብ ክንዲ ምሕካም
    ጸባኣ ሓሊቦም ዘውጽኡዋ ናብ ግዳም
    ወይልኦም ዕሱባት ኣሳሰይቲ ጸላም!
    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
    ካብ ሓውኹም መሲናስ 21-02-2014

  • Hanti Ertra Hade Hizbi February 23, 2014

    Mesinas tsibuk tihzto zelewo tsihuf eka titsihif:: eti titikemelu kalat gina nkulu ridue kikewin alewo wey kebid kalat aytitekem use simple words because ur aim is not to show us how much words you know but to transmit an important message to the people. endihir elamaka kitharim delika nkulu seb biziridio mengedi kit tsihif yilabeweka.

  • Mesinas February 24, 2014

    ዝኸበርካ ሓው “ሓንቲ ኤርትራ፡ ሓደ ህዝቢ” ንዝሃብካኒ ሕውነታዊ ምኽሪ ብልቢ ከመስግነካ እፈቱ። እንተኾነ ስነ ጥበበኛ ማለት፡ ደድሕሪ ህዝቢ ቃላት ህዝቢ ዝደግም ፓፓጋሎ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣቐዲመ ብስርዓት ስነ ጥበብ ውጉዝ ምዃኑን ክሕብረካ ባህ ይብለኒ። ካልኣይ፥ ሓደ ካብቲ ዓቢ መልእኽቲ ደራሲ ወይ ገጣሚ ክኸውን ዘለዎ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦም ወይ ዘይጥቀመሎም ኣዝዮም ገለጽቲ ዝኾኑ ቃላት ምስ ህዝቢ ምልላይን ንዝተረስዑ ኣገደስቲ ቃላትን ምስላታትንውን ደጊሙ ኣብ ኣገልግሎት ከም ዝውዕሉ ንምግባር ንተጠቃሚ ምዝኽካርን እተን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስረዓ ዕማም ጸሓፊ’የን።

    ኣብ ርእሲኡ ብዙሕ ቃላት ምፍላጥ፡ ሓሳብካ ብቐሊሉ ንኽትገልጽ ኣዝዩ ሓጋዚ ስለ ዚኾነ፡ ሃብቲ ቃላት ንኹሉ ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ካልእ፥ ዝኾነ ቋንቋ፡ ነተን ህዝቢ ኩሉ ግዜ ዝጥቀመለን ቃላት ጥራይ ብምድግጋም ምዕባለኡን ዕብየቱን ክረጋገጽ ኣይክእልን’ዩ። በዚ መስረት ድማ’የ ኣነውን ኣብ ጽሑፋተይ ዘይዝውቱራት ቃላት ብቐጻሊ ዝጥቀም። ‘እዚ ኸኣ ብሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ…” ማለት’ዩ። ሰብ ንኽርደኦ ኢለውን ነፍሲ ወከፍ ቃል፡ ዘይዝውትርቲ እንተ ደኣ ኾይና፡ ብድሕሪኣ ትርጉማ ይገብረላ’የ። ስለዚ፡ መልእኽተይ ዘይርደኦ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ ዚብል እምነት’ዩ ዘሎኒ። የቐንየለይ።

POST A COMMENT