Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣስመራና ጻዕዳ!

ኣስመራና ጻዕዳ! መበገሲ ጽሑፈይ፡ እዚ ትማሊ ረቡዕ 12 መጋቢት 2014 ኣብታ ብጉጅለ ህግደፍ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብመደብ ክትዓኑ ተፈሪዱዋ ዘሎ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ዝዘነበ (ዝናብ ኪብሃል’ኳ ኣይከኣልን) ምኽንያቱ፡ ከምዚ ዓይነት ዝናብ፡ ዝናብ ኣይጽዋዕን’ዩ።

ኣስመራና ጻዕዳ!
መበገሲ ጽሑፈይ፡ እዚ ትማሊ ረቡዕ 12 መጋቢት 2014 ኣብታ ብጉጅለ ህግደፍ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ብመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብመደብ ክትዓኑ ተፈሪዱዋ ዘሎ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ዝዘነበ (ዝናብ ኪብሃል’ኳ ኣይከኣልን) ምኽንያቱ፡ ከምዚ ዓይነት ዝናብ፡ ዝናብ ኣይጽዋዕን’ዩ። ጭፍጨፋ’ዩ ዚብሃል። እዚ ኣብ ውሽጢ ሰዓትን ፈረቓን ክሳዕ ሓደ ሜትሮ ንላዕሊ፡ ኣብ መሬት ዝተኰረ በረድ፡ ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ወሪዱ እንተዝኸውን ኔሩ፡ ካብ ሓያል ኣንበጣ ንላዕሊ ቀለብ ዓመት መጥፍአ ኔሩ። እቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝነብሩ ዝነበሩን ዘለዉን ወለድናውን ንኸምዚ ዓይነት ዝናብ፡ “ካብ ኣምላኽ ዝወረደ መቕጻዕቲ ሓጥያት’ዩ” ብምባል’ዮም ዝገልጹዎ። ምስ’ዚ ሎሚ ኣብ ምድረ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ እምነት ህዝቢ ኣብ ፈጣሪኡ ኣጥፊእካ፡ ከም ቻይናውያን ቡድሂዝም ናይ ምምላኽ ግናይ ወፍርን ክፍኣትን ከኣ ‘ሳዕቤን ሓጥያት’ዩ’ ዘየብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጉጅለ መላኺ፡ ንኣቡን ኣይንሕፍ ንሙላህ፡ ንኹሉ ብሓባር ይደፍር ስለ ዘሎ።
እዛ ብመልክዓን ጽባቐኣን ካብ ኩለን ጥንታውያንን ዘመናውያንን ከተማታት ዓለም፡ ኣብ ራባዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ህም (ፍናን፡ ንያት፡ ሓበን) ኩሉ ኤርትራዊ ዝኾነት ዋና ከተማና ኣስመራ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ዘላቶ ኩነታት ብልቢ እንተ ተዓዚብና፡ ህያው ምስክር ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ ደጋጊሙ ዝገለጾ፡ ንሃገርና ናይ ምዕናው ወፍሪ ኮይና ኣላ። ፈንጊ (ጃንዳ) ህግደፍ ኣቐዲሙ፡ “ኣብዛ ሃገር ንከተማን ገጠርን፣ ንሃብታምን ድኻን ማዕረ ክሰርዖም’የ!” ኢሉና ኔሩ’ዩ። እወ። ህግደፍ  ኣብዚ ውሽጢ 23 ዓመታት ናይ ውግእን ወረ ውግእን ዕድሜኡ፡ ዕላማኡ ጽቡቕ ጌሩ ፈጺሙዎ’ዩ። ብርግጽ ከኣ ሰሊጡዎ።
ምኽንያቱ ሎሚ፡ ኣብ መንጎ ከተማ ኣስመራን፡ ገጠርን ፍልልይ የለን። ብኹሉ ሸነኸን ተማዓራርየን’የን። ከምኡውን ጋግ ሃብታምን ድኻን እንተ ርኢና፥ ኣብ መንጎ፡ ኣብቲ ኣብ ግዜ ደርጊ ብዓል ጸጋ ናይ ከተማ ኣስመራ ዝነበረ ‘ብሼል’ ዚፍለጥ፡ ኣቦና ዕቑበ ሃይለን ኣብ መንጎ’ቶም ኣብ ምሕላው ቅስፍ (ዓይኒ ምድሪ) ከተማ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ “ኣሕምልቲ ነዘውትር” ብዝብል ኣሽሙር ዝፍለጡ፡ ኣቦና ኣቦይ እከለን (ስሞም ክጠቕሶ ኣይደለኹን) ማዕረ ናይ መነባብሮ ደረጃ’ዩ ፈጢሩ ዘሎ። ‘በየናይ ተኣምር’ዩ ግን ሰጲራ (ጭፍራ) ህግደፍ ሎሚ ንኹሉ ማዕረ ሰሪዑዎ ዘሎ?’ ዚብል ሓታታይ ግን ኣይሰኣንን ይኸውን።
መልሱ ቀሊልን ብሩህን’ዩ። ንብዓል ከም ከተማና ኣስመራ ዝኣመሰላ ምዕሩጋትን ውቁባትን፡ ውርሻ ገዛእቲ ዝኾነ ከተማታት፡ ነቲ ዝጸንሐን ትሕተን ልዕለን ቅርጺ ብምዕናው፡ ወይ ድማ ንኽዓኑ ትም ኢልካ ብዘይጽገና ብምርኣይ፡ ፍጹም ከም ዝድወና ብምግባር፡ ናብ ደርጃ ገጠር ብምውራድ፡ ንከተማ ምስ ገጠር ብኹሉምሉ፡ ማለት ብምብሕጓጒ ናይ ቅጥራን ጎደናታት፣ ብምዕናውን ምርሳሕን መናድቕን ሆርን (መስኮትን) ህንጻታት፣ ሓድሽ ትሕተ ቅርጺ ብዘይምስራሕ፣ ከም ብዓል ቤት ጊዮርጊስ ዝኣመሰለ መናፈሲታት ከተማ ኣስመራ ብምዕናውን፣ መብራህቲ ጎደናታት ብምጽልማት፣ ቱቦታት ናይ ጽሩይ ዝስተ ማይ ይኹን ናይ ማይበላ ብምዕጻው፣ ስቱር ኣብ ትሕቲ መሬት ዝቕመጥ፡ መጉሓፊ ባጎኒታት ብዘይምድላው፣ ወዘተ. ብምግባር ንኸተማና ኣስመራ ምስ ኩለን ገጠራት ኤርትራ ማዕረ ሰሪዑዋ ኣሎ።
ንተጃራት (ንኣዝዮም ሃብታማት) ድማ ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ዕዉት ነጋዳይ፡ ናቱ ብዘይተጎ (ብዘይቀረጽ) ዚሰርሕ ትካል ብምኽፋት፣ ናይ ኣቁሑ ምምጻእን ምልኣኽን ፍቓድ ብምትዕንቓፍ፣ ናይዘይሰራሕካሉ ኣታዊታት ግብሪ ክትከፍል ብምሕታት፡ ኣብ ዕዳ ብምእታው፣ ፍቓድ ኩፖን ብምኽላእ፣ (ምኽንያቱ፡ ኣብ መግዛእቲ ህግደፍ ኩፖን ኣብ ኤርትራ፡ ካብ መንነት ወረቐት ንላዕሊ ስለ ተገልግል፡ ብዘይብኣኣ ዚኾነ መንግስታዊ ኣገልግሎት ክትረክብ ዝከኣል ኣይኮነን)፣ ብተኣምር ነዚ ኹሉ ፈንጢስካ፡ እንተደኣ ትካልካ ከይዓጸኻ ቀጺልካ ድማ ሹማምንቲ ዱኳናት ህግደፍ፡ ምስጢር ዓወትካ ንምፍላጥን ንምጽናዕን፡ ኣባላት ሃገራዊ ጥፍኣት (ሃገራዊ ድሕነት) ልኢኾም ይስልዩኻ፣ ዚኾነ ይኹን ገበናዊ ስራሕ እንተስኢኖሙልካ ድማ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ውሽጥኻ ኣትዮም መታን ክቛጻጸሩኻ፡ ‘ብርኪ የእትወና፡ ማለት ብሓደ ንስራሕ’ ይብሉኻ። እንተኣቢኻ ድማ ድኳንካ ብዘይገለ ምኽንያት ከም ዝዕጾ ይገብሩ፤ ወይ ጨውዮም የሕቑቑኻ። በዚ ድማ ኤርትራና ሎሚ ብዘይካ ውሑዳት መስታዓይቲ (ኣሳሰይቲ) ምልኪ እቲ ካልእ ህዝቢ ኩሉ ደኽዩ፡ ተጸባዪ ወዲ ዓከር ኩፖን ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ። ኩፖን ብኩፖኑ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ግዜ ደርጊ ዝነበረ፡ ስርናይ ከናዳ እንተዝኸውንውን ኣይምኸፍአን።
በዚ ኣጋባብ’ዚ ድማ’ዩ ፈንጊ ህግደፍ፡ ነዳይን ተጃርን ኣደላዲሉ፤ ንኸተማታት ብምዕናው እውን ምስ ገጠራት ኣማዓራርዩ ዘሎ። እቲ ፈለማ ጅር ህግደፍ ክእዉጆ ከሎ ግን ንሕና መሲሉና ዝነበረ፡ ንሃብታማት ኣተባቢዕካ፡ ብናህሪ ከም ዝሰርሑ ብምግባር፡ ኣብ ትካሎም ሰራሕተኛታት ብምቑጻር፡ ካብቲ ንሃገር ዝኸፍሉዎ ቀረጽ ብምትብባዕ፡ ድኻታት እናጠወሩ እግሪ ብምትካል፡ ማዕረ ሃብታማት ዝሰርዑዎም መሰለና’ምበር፡ ኣእጋርን ኣእዳውን ሃብታማት ብምእሳር፡ ንኹሉ ብሓባር የድክዩዎ እዮምዶ ኢልና!
ከተማን ገጠርን ንምምዕርራይውን እንተ ኪኢልካ ንኽልቲኡ ብማዕረ ምምዕባል፡ እንተዘይክኢልካ ድማ ነቲ ከተማ ብውሕዱ፡ ጽገናታት እናገበርካ ከም ዘሎዎ ብምዕቃብ፡ ዝዓበየ ወፍርኻ ድማ ናብቲ ድሑርን ርሑቕን ገጠራት እናገበርካ፡ ናብ ደረጃ ከተማ ክብ ብምባል፡ ንኹሉ ዘደላድል መሰልና’ምበር፡ ንዲማ (ንጥንታዊ) ከተማታት እናኣዕነኻ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠር ሚእቲ ገባር ዝነብሩላ ዓዲ፡ ዓይኒ ምድሪ ብምስራሕን፡ ብወፈራ ዓዲ ዒላ ብምኹዓትን ‘ረአዩ ገጠር ምስ ከተማ የማዓራሪ ኣለኹ’ ብምባል፡ ግዜኦም ህዝቢ ብተለቪዥን ኣብ ምትላል የሕልፉዎዶ ኢልና!
እልፊ ኣእላፍ ህዝቢ ኣብ ዋና ከተማኻ ኣብ ድሕሪ ገዛኡ ደገ እናወጸ ደ’ኣሞ ኣብ ጭው ዝበለ በረኻ ወፊርካ ማይ ዘይካዓዎ ጉድጓድ ብምኹዓት፡ ‘ኣብዚ ቀልቀል ውጹ’ ኢልካ ንቑንጣሮ ህዝቢ ተገድድ ኢኻ!? ኣኽላባትን ኣእዱግን ዓዲኸ እንታይ ክቖርሱ እዮም!? ጸሞም ዘውዕሎም ተጻባኢ’ኮ ረኺቦም። ጉጅለ መላኺ ቅንጣብ ሓልዮትን ሂሳንን (ክብርን) ህዝቢ እንተ ዝህሉዎ ኔሩ፡ ቅድም ቀዳድም ኣየናይ ቦታ’ዩ ብብዝሒ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ዘሎ? ኢሉ ብመጽናዕቲ፡ ነቲ ህዝቢ ብብዝሒ ዝግልገለሉ ቦታታት ዝግባእ ትሕተ ቅርጺ ከዳልወሉ ምተገብአ። ወላዲውን’ኮ ቀዲሙ ካብ ሚጨኡ (ውሉዱ) በዂሪ ስድራ ከየምሰለ ንሕሳስልደ ኣየምስልን’ዩ። በሉስ’ከ ካብቲ ኣነ ዝፈልጦ ብዙሕ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ቦታታት ንኽልተ ክጠቅስ ፍቐዱለይ?
ቀዳማይ፥ ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ክሳዕ ዓዲ ጓዕዳድ ዘሎ ጎደና’ዩ። እዚ ጽርግያ’ዚ ብግዜ ጥልያን ዝተሰርሐ ንሰለስተ ዝተፈላለዩ ተጠቀምቲ ፍኖት ብሓባር ከገልግል ዘይክእል ጸቢብ’ዩ። መኻይን፣ ብሽግለታታት፣ ሰብን ጥሪትን ብማዕረ ይንቀሳቐሱሉ። ምሸት ድማ ኣብ ኣስመራ  ክሽቁሉ ዝወዓሉ ሰራሕተኛታትን ሰብ ዕዳጋን፡ ኣብቲ ጎደና መብራህቲ ስለ ዘየለ፡ ብጸልማት ደርገፍ ክብሉ፡ ብማኪና ዝህረሙ ሰብ ብሽግለታን ኣጋርን ውሑዳት ኣይኮኑን። ነዚ ከምዚ ዝበለ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝንቀሳቀሰሉን ህይወት ዜጋታት ዝቐዘፈሉን ጎደናዶ ደኣ ን23 ዓመታት ትም ኢልካ ትርእዮ ኢኻ!? እዛ ጎደና’ዚኣ ንውሓታ ክንደይ ኪሎ ሜተር ትኸውን ኢልኩም ትግምቱ? ክልተ ሰለስተዶ ትኸውን?
ካለአይቲ ኸኣ እዛ ኣብ ሰምበል ዘላ ካብቲ ቀንዲ ጎደና ንየማን ተኣሊኻ፡ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እትወስድ ሓደ ኪሎ ሜተር ዘይትኸውን ናይ ሓመድ ጎደና’ያ። ነቲ ናብኡ ዝመላለስ ህዝቢ ርኢኻ ኸኣ እቲ ጎደና ሓጋይ ብደሮና፡ ክረምቲ ድማ ብጭቃ ሰብ ምሕላፍ ክኸልእ ክትርእዮ ከለኻ፡ እዛ ከተማስ እምበርዶ ኣማሓዳሪ ኣሎዋ’ዩ ኢልካ ዘየሕትት ኣይኮነን። ንነገሩ ኣስመራ ካብ ምሉእ መዋእላ ኣብ ግዜ ህግደፍ ጥራይ እያ ብዘይኣማሓዳሪ ትነብር ዘላ። ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዛ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ብዘይከንቲባ “ምምሕዳር ዞባ ማእከል” እናተባህለት’ያ ትኸይድ ዘላ! ከንቲባ ሓረጎት ኣይስማዕ’ዩ ዘብል! ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፡ እቲ ብህግደፍ ዝመጸ ጸገም ኣልፋን ኦሜጋን ስለ ዚኾነ፡ ንኹሉ ክዝርዝር ድሩት ብምዃኑ ንምምልኡ ግን ተሳታፍነትኩም ብኽብሪ ይሓትት። ስለዚ፡ እንተ ደኣ ፍቓድኩም ኮይኑ ናብዛ “ኣስመራ ጻዕዳ” ዘርእስታ መዛዘሚት ጽሑፈይ ዝኾነት ናዕታ ከብለኩም። ክሳዕ ኣብ ቀጻሊ ብተመሳሳሊ ንራኸብ ሰናይ ቅነ።
ኣስመራና ጻዕዳ!
ኣብ ምሉእ ታሪኽኪ ተራእዩ ዘይፈልጥ
በረድ ሃሪሙኪ ዘሰንብድ ዘንቀጥቅጥ
ቀዳዊኺ ይግበሮ ሕሰምኪ ዚቕንጥጥ፡
ሓሳር መከራኺ ናብ ራህዋ ክትልውጥ
ጀሚራዶ ማርያም ዓይና ከተፍጥጥ
ክሳዕ መዓስ ደኣ ትም ኢላ ከተጽቅጥ!
ብሰንኪ’ዚ ርጉም ናይ ጠላማት ጠላም
ኣንቲ ኣስመራ ጻዕዳ ተኸዲንኪ ጸላም
ኣንቲ ፈቃር ኣደ’ወ ለዋህ ኣርማ ሰላም
ሰብኣይ ብምስኣንኪ ቆሪርኪ ከም ሓያም
ርስሓትኪ ሓጺባ ክፉእ ርእያ ማርያም!
ኣንቲ ለጋስ ኣደ የለን ዘይትፈልጢ
ብኣራግጽ ህግደፍ ልብኺ ክትሓብጢ
ክሳዕ መዓስ ኢኺ ክፍኣቶም ክትዓብጢ
ክፍኣቶም ክሕጸብ ብኦሞ ብሽብጢ
ሃየ ኣጋልጽዮም ንዓለም ኣፍልጢ!
ሕቖ ገጻብ ኣድጊ መሲሉ መንደቕኪ
ብሓዘንን ጓህን ማድዩ’ቲ ገጽኪ
ብሕሰም መከራ ኣደ እናነባዕኪ
ግዜ ከይወሰደ ዚሰጉግ ኣባይኪ
*ቃርባይ ዚዓጠቐ ኣያዶ ስኢንኪ!      *በሊሕን ነዊሕን ጭማራ
ከምዛ ኣብ ኣኻውሕ ዝተኣስረት በቕሊ
ኣዕጽምትኺ ወጺኡ ሰንከልከል ክትብሊ
ጅግና ተሳኢኑ’ወ ሕሰምኪ ዚኣሊ
ምዕራፉ ዚዛዝም ወፍሪ ወዲ ዓሊ!
ኣንቲ ለዋህ ኣደ ሕሰም ዝኸበዳ
ሳላ እዛ ማርያም ግን ዝለመነት ወዳ
ርስሓትኪ ክትሓጽብ ኣይሂ ማይ ኣውሪዳ
ዋላ እተን መዓልታት ኣዝየን ይውሓዳ
*ከሊኺ ቀንጢጥኪ ተኸዲንኪ ጻዕዳ!    *ጸሊም ክዳን ሓዘንኪ
ኣብ ወርሒ መጋቢት ጾመኣርባዓ ምድሪ
እዚ ጀሚሩ ዘሎ ዝናብ ናይ ፈጣሪ
ሕሰምናን ሽግርናን መኡ ከጽሪ
ጸሎት ኣይነቋርጽ ሓቢርና ብፍቕሪ!
ኣስመራና ጻዕዳ’ወ ሓበን ናይ ኩልና
ኣደ ሃብታም ድኻ ዘይብልኪ መዘና
እዚ ሕሱም ጉጅለ ከይገብረኪ ዑና
ኣብ ውሽጥን ወጻእን ደቅኺ ሓቢርና
ብኣጋ ክንኣልዮ ንቃለስ ኣለና
እጃምኪ ግበሪ ቊሩብ ሓግዝና!
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 17-03-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • luna March 17, 2014

    When I saw photos of Asmara covered with snow and rain flooding city streets I thought it is a blessing. We have been praying for rain. Water shortage has been an on going problem to the residents of the city. There is hardly enough water to be able to cook, take a bath and wash clothes. All of a sudden, rain rushed and flooded city streets and that was a news maker all over the world!

    If Municipality of Asmara had quickly seen the ‘rain and snow’ as an opportunity to clean-up city sewers going through ‘Mai Bela’ they could have mobilized staff including volunteers to help clear ‘fagnaturas’. Just for lack of water, the sewers had been clogged for a long time. Another problem with the fagnaturas is that foreign objects which get dumped into it by the public. Resulting in blocked sewers creating great health hazard to the entire population. The municipality missed the helping hands which were standing with folded hands standing and watching idle.

    Did residents harvest rain water after this huge downpour? The water is soft water and needs little soap making big lather when using it to wash clothes.

  • selamawit2 March 17, 2014

    neither russia nor hgdef are in the position to control or order snow and rain – don’t make them more powerful than they are.

  • Mesinas March 17, 2014

    ዝኸበርኩም ኣንበብቲ ኣብዛ እትስዕብ ሓረግ ናይ ሰዋስው ጌጋ ፈጺመ ስለ ዘለኹ ይቕሬታ እናሓተትኩ እንሆ እርማታ እጽሕፎ’ሞ ነቲ ጌጋ በዚ ቅኑዕ ተኪእኩም ንኸተንብቡዎ ብትሕትና እሓትት።

    “ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ክሳዕ ዓዲ ጓዕዳድ ዘሎ ጎደና’ዩ።” እዚ ብኸምዚ ዚስዕብ ኪትካእ ኣለዎ። “ካብ ብሎኮ ጎዳይፍ ክሳብ ዓዲ ጓዕዳድ ዘሎ ጎደና’ዩ።” ተባሂላ ንኽትእረም ደጊመ ብትሕትና እሓትት። ምኽንያቱ ክሳዕ መዐቀኒ ግዜም’በር መዐቀኒ ርሕቀት (ቦታ) ስለ ዘይኮነ። የቐንየለይ።

  • Bokre March 17, 2014

    The writer said, “ጭፍጨፋ’ዩ ዚብሃል።”

    Please refrain from using any natural phenomenon or calamity for any political consumption. Hgdef has no control on nature, it does surely over-control Eritreans though.
    Plus, the snow or hail that followed a heavy rain the entire week can be seen as a blessing to Eritrean highlands and the lowlands that are dependent at the mercy of the floods from Kebesa.

    In the land that I live now, snow is blessing that they pray every Winter.

  • ERITRAWIT March 17, 2014

    Mesinas,
    Well done very nice poem God is watching Mesaken yehwat ab Container, Underground zelewes kemey kelomo yhlew Amlak balka akemey habom. Isaias shetet elka ba brska tetkeyd!!!!!!!

  • Zufana March 17, 2014

    Higdef mendef ‘chew egrom’ (corrosive) will be more than enough to clear the snow. Asmara is however dying from simply inhabited by them. Asmara is a peculiar city: she had seen off Ras Alula, The Italian Fascist, The British Administration, Imperial and Socialist Ethiopia. All have passed, and now she(Asmara) quietly is waiting the passing of these last higdef riffraffs. Probably she a wise old lady indeed.

  • kuku March 18, 2014

    kkkkkkk ezi wn isseyas u ahrimwo malet u ala bejakum eba sens zelewo negerat ngeber

  • Hidat March 18, 2014

    BZEYKELEALEM EWO HIGEDEF NWEYANNEN ACHAFERTOMEN MENDEF.

  • abeba March 22, 2014

    anta kindey tedengixu. qurub niseb kishib zikil xihufat aqrbu. AYFELTKUMN alekum ember ISAIAS dea huruy nay amlak endiyu. ab zimexa werhi amlak tsehay qeltifa kitberq eya eluwo alo.

  • danny March 23, 2014

    Asmara is additional example that black man ought not equate himself with the white man. It puts to rest the question if black man is equally creative and productive as a caucasian if given the same opportunity to a resounding no. Let alone to build from scratch what a white rulling power has built in a strange and foreign place called Eritrea, we could not even maintain in 2014 what a foreign force built in the 1800s in our own native backyard. And we use a communication technology whiteman created for advancement of mankind’s life to bullshit the world and ourselves. PFDJ is proof that there is such a process called evolution, where the developmental stage of mankind has begun at a primitive stage and there are species displaying not much change since in appearance and intelligence. One of those species is PFDJ and its goons.

POST A COMMENT