Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቅሽሽትን ካህናትን ኣብ ኤውሮጳ

ብ ተወልደ ኪዳነማርያም ኣብ ኤውሮፓ ዝርከቡ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ብዝያዳ ከኣ መራህቲ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢና ዝብሉ ኣቐሽቲ መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም፡ ንቤተ ክርስትያን መሳልል ውልቃዊ ናብርኦም ገቢሮም ዝነብሩ ከም ዘለው ይፍለጥ፡፡ ሎሚ እዞም ሰባት እዚኦም ስለምንታይ ነዚ

ብ ተወልደ ኪዳነማርያም

ኣብ ኤውሮፓ ዝርከቡ ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ብዝያዳ ከኣ መራህቲ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢና ዝብሉ ኣቐሽቲ መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም፡ ንቤተ ክርስትያን መሳልል ውልቃዊ ናብርኦም ገቢሮም ዝነብሩ ከም ዘለው ይፍለጥ፡፡

ሎሚ እዞም ሰባት እዚኦም ስለምንታይ ነዚ ጸይቅታት እዚ የኻይዱ? ኣንጻር ሕልኖኦምን ታቦቶምን ደው ዝበሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ምስ ህግደፍ ዘለዎም ምትእስሳር ከመይ እዩ? ከይዱ ከይዱ እንታይ ዕላማኡ ? ቤትክርስትያናት እናፈረሰን እናዓነወን፡ ቤተ ክህነት ብኣስገዳድ ኣናተዓስከሩን እናተኣስሩን ሓንቲ ቃል እኳ ብጩቅ ዘይብልሉ ምኽንያት ስለምንታይ ? ሃይማኖታዊ እየ ዝብልን ኣብ ቤተክርስትያን ዝመለለስን ህዝቢኸ ቤተክርስትያኑ እናፈረሰትን ኣናዓነወትን እንከላ ንምንታይ የጽቅጥ? ጽባሕ ንግሆ ኣብ ክንዲ ንስእሊ ክርስቶስ ንስእሊ ኢሳያስ ክሰግድ ይሕሸኒ ማለት ድዩ? ኣስከ ነፍስ ወከፍና ሐሕልናና ንመርምር? ንዝብል ኣርእስትታት ክትንክፍ እየ።

እዞም ህቡኣን ናይ ህግደፍ መሳርሒ ዝኾኑ ኣቅሽሽትን ካህናትን ኣብ ስደት ንዝርከብ ህዝብና ከም ኣሳሪ ዘይብሉ ማእዶ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ከይተርፍ ብዝብል ምኽንያት ዳርጋ ኩሎም ካብ ኤርትራ፡ ብመንገዲ ቢት ጽሕፈት ሃይማኖታዊ ጉዳያት፡ ድሕሪ ናጽነት ንኤውሮፓ ዝተላእኩ ኮይኖም፡ ገለ ክኣ ብናይ ወልቀ ጻዋዒት ኣብ ኤውሮፓ መጺኦም ዑቕባ ዝሓተቱ፡ ገለ ውሑዳት ከኣ ቅድሚ ናጽነት ሃገርና ናብ ኤውሮፓ ዝተሰደዱ እዮም።

ምስ ህግደፍ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ንክሰርሑ ዘገደዶም ምኽንያት ብሓፈሽኡ ዝተፈላለየ ውልቃዊ ረባሓታት ኮይኑ፡ ማለት ቤተሰቦም ካብ ውሽጢ ሃገር ንምጥላብ፡ ንብረቶም ብህግደፍ ከይምንዛዕ ምፍራሕ፡ ኣብ ቤትጽሕፈታት ህግደፍ ጠልጠል ዝበለ ጉዳያቶም ንምስላጥን እዩ፡፡ ገለ ውን ብጊዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ምስ ደርጊ ተኣሳሲሮም ዝሰርሑ ዝነበሩን ጉዶም ከይቅላዕ ዝሰግኡን እዮም።

እዞም ኣቅሽሽቲ ኣዚኣቶም መሰረታዊ ተሓታትነቶም ንህግደፍ እዩ፡፡ ናይ ስራሕ ውጥን ካብ ህግደፍ ይቕበሉ፡ ሪፖርት የቕርቡ፡፡ ዓዲ ዓዲ ይንቀሳቐሱ፡፡ ኩሉ ሃይማኖታዊ ፕሮግራም ምስ ናይ ህግደፍ የዋሃህድዎ፡፡

ኣብ ኤውሮፓ ኮይኖም ነዞም ኣቐሽሽቲ ዚኦም ዘውዝዑን ዘማእክሉን መምርሒ ዝህቡን፡ ብመራሕ ህግደፍ ዝተመዘዙ ሓለፍቲ ከኣ፡

1. ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡፡ እዚ ሰብዚ ቅድሚ ሕጂ ምስ ናይዝጊ ክፍሉን ኣብርሃ ካሳን ዓሊ ስዒድን ኣባል ኮሚቴ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ፡ ኣብ 1996 ብጃምላ ናይ ዝተኣሰሩ ኣመንቲ ምስልምና ዝኾኑ መማህራንን ካልኦትን ዝርከብዎም ንሞት ፈሪዱ ተባሂሉ ዝንገረሉን፡ እሙን ጊላዋ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂን እዩ።

2. ዘመደ ተኽለ፡፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ፡፡ ኣርባዕተ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበ፡ ዓጽመ ስጋ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡፡ ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ንሩስያ ንትምህርቲ ድሕሪ ምኻድ፡ ካልኦት ኣብ ሩስያ ተመሃሮ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንሜዳ ኣትዮም ክጋደሉ እንከለው፡ ንሱ ግን ኣካያዲ ሽማግለ ናይ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮፓ (ኤ.ና.ኤ) ተመሪጹ ብዝብል ምስምስ ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ኤውሮፓ ተሪፉ፡ ናይ ሰልፊን ናይ ኩሉ ድሑር ሕማማትን ሓላፊ ኮይኑ፡ ዝተዋስአ፡፡ ሰላሕታዊ ጸይቂ ናይ ዘመደ ካብ ሰብዓታት ዝጀመረ ኮይኑ፡ መስፍን ማናን ፡ ጻጸን ብዝብል ሽም ዝጽውዑ ናይ ቀደም ኣካየድቲ ሽማግለታት ኤናኤ ዝነበሩ፡ ንሜዳ ምዕባለ ክርእዩ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስገሹ ዝተቐትሉ፣ ኣብ ጥፍኣት ናይዞም ጀጋኑ፡ ,ኢድ ኣለዎ, ተባሂሉ ዝጥርጠርን፡ ናይ ሓፋሽ ገንዘብ በሊዑ ዝሰወደን እዩ፡፡

3. ተስፋማርያም ወዲ ባሻይ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል። ብወለዶ ቀረባ ቤተሰብ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ። ኣብ 1973 ‚መንካዕ“ ብዝብል ጉልባብ ተኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሓለዋ ሰውራ ኮይኑ፡ ስለያ ኣንጻር መንካዕ ዘካየደ፡፡ ብ2001 ኣብ ኣልጀርያ ዝተኻየደ ናይ ዕርቂ ዘተ፡ ንሱ ምስ የማነ ማንኪ፡ ኣንጻር ሃይለ መንቆርዮስን ሃይለ ድሩዕን ተሰሊፉ ስለያዊ ጸብጻብ ንኢሰያስ እናሃበ፡ ዕርቀ ሰላም ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝራግ ዝፈተነ እዩ። ሞኒተሪንግ ግሩፕ ዝተባህለ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሓዲሽ ጸብጻብውን፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል (ብወዲ ባሻይ ዝመሓደር) ኣብ ሲናይ ዝርከብ ብራሻይዳ ዝካየድ መሸጣ ኤርትራውያን ኢድ ከምዘለዎ ሓቢሩ፡፡

4. ዮውሃንስ ደባስ።  ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ (ኣቶ ጴጥሮስ) ንላዕሊ ብህግደፍ እምነት ዘሕደረ፡፡ ደረጃ ትምህርቲ ሓውሲ መሃይም፡፡ ተመክሮ ባሕረኛ። ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ መንጎ ገዛ ከኒሻን ፎሮቭያን ኣርባዕተ ኣስመራን እናተጻፍዐ ዝዓበየ እስኩኒስ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ቅድሚ ሕጂ ብዘሕለፎ ናይ ሓሶት ጸብጻብ፡ ንኣቶ ብስራት ቆንስል ኤርትራ ኣብ ጀርመን ነበርን፡ ንኣቶ ፎርዖን ወልዱ ሰብኣይ ጓል ኣንከረን፡ ንካልኦት ብዙሓት ኣብ ኤውሮፓ ዝነብሩን ዝምልከት፡ ናይ ሓሶት ጸብጻባት ኣሕሊፉ ዘእሰረ ጸይቀ ዕሉል እዩ። ከም ስኩኒስ መጠን፡ ጀነራላት ህግደፍ ንመገሻ ንሃገረ ጀርመን ኣብ ዝመጹሉ እዋን ከኣ፡ ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ምስሳይ ዝዋፈር ሕሱር ባእታ ኽኸውን እንከሎ፡ ሓንቲ ወርሒ ውን ትኹን ሰሪሑ ዘይፈልጥ ክነሱ፡ እብ ጀርመን መንበሪ ገዛ ይውንን።

ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ኣብ ኤውሮፓ ንዝርከቡ ተወከልቶም ፡ ኣብ ዘዝተመደብዎ ከተማታት ተዘሪኦም፡ ከሳልጥዎን ክዓምዎን ዘውጽእዎ መምርሒታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ እቲ ቀንዲ ግን ብኸምዚ ዝስዕብ ይዝርዘር፡፡

1 ምስ ኣተሓሳስብኦም ንዘይሰማምዑ፡ ኣብ ጎድኒ ሕዝቦም ተሰሊፎም ብስሩዕ ኣገባብ ንዝንቀሳቐሱ ካልኦት ኣቐሽቲ ፣ ናይ ጠቐነ ወረታት ኣኻኺቦም ካብ ህዝቢ ምንጻልን ምፍርራሕን፡ ብዘይ ንሕስያ ምጽላምን፡ ውሕስነት ህይወቱ ከምዘይብሉ ምግላጽን፡፡

2. ብጊዜ ሃይማኖታዊ በዓላት ንመንግስቲ ህግደፍ፡ ምስ ኣምላኽ ጸንቢርካ ምውዳስ፡፡

ዝኾነ ይኹን ብመንግስቲ ዝካየድ ግፍዕን፡ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ኣስካሕካሒ ኩነታትን፡  ከምዘይተገብረን ከምዘየለን ኣጽቂጥካ ምሕላፍ።

3. ምእመናን ተኣኪቦም ኣብ ልዕሊ ሃይማኖትን መራሕታን ንዝወርድ ዘሎ ኣደራዓት፡ ንከይዝትዩ ምዕጋትን ምዝራግን ወይ መኣዝኖም ምስሓትን፡፡ ምእመናን ከም መደንዘዚ (ትራንኩላይዘር) ዝተወግኡ፡ ናይ ሓዝሓዝ ጽሉላት፡ ሰላሕ መላሕ ኢሎም ካብን ናብን ቤተጸሎት ጥራይ ከም ዝመላለሱ ምግባር፡፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ከኣ እቲ ቤተመቕደስ መቐረቱ ዘጥፍአን ኣሰልቻውን ኣምባሃቑን ክኸውን ምድላይ፡፡

4. ኣብ ህግደፍ ዘዋደዶ ሰላማዊ ሰልፍታት ምክፋልን ምጉስጓስን ጸበል ምንጻግን፡፡

5. ኣብ ዝተናውሐ እዋን ንኣተሓሳስባ ህዝቢ ምልማስን፡ ኢሳያስ ጥራሕዩ ነዛ ሃገርዚኣ ጠሚሩ ዝሕዝ ፡ ንሱ እንተዘየልዩ ሃገር ክትበታተን እያ  እናበልካ ሓሞት ህዝቢ ምፍሳስ፡፡

6. ኣብ ህግደፍ ዘይተመዝገቡን ምስ ህግደፍ ዘይደናገጹን ወይ ንህግደፍ ዝቃወሙን ምእመናን ኣብ ዘካይድዎ ውራይ ይኹን ሓዘን ዘይምክፋል፡፡ ወይ ናይ ቃልዓለም ተሳትፎ ምርኣይ፡፡

7. መባእ ተባሂሉ ዝተዋጽአ ገንዘብ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ዝርከብ ናይ ምሉእ ኤውሮፓ፡ ማእከላይ ካዝና ናይ ህግደፍ ምኽዛን፡፡ እዚ ማእከላይ ካዝና ናይ ህግደፍ፡ ክንፈ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ቤተሰብ ሓጎስ ክሻ ዝኾነ ውልቀሰብ ይቆጻጸሮን የመሓድሮን፡፡

8. ኩሉ ዓይነት ፕሮፖጋንዳ ተጠቒምካ ህዝቢ ምውዳብ፡፡

ብስም መራሕ ሃይማኖት ኣብ ወጻኢ ተቐሚጥካ፡ ነዚ ነውራም ዕማማት ከተሰላስል ምጉያይ ናይ ገበን ገበን እዩ፡፡ ብስም መራሕ ሃይማኖት እናነበርካን፡ ኣብ ፈቐዶ ቤት ጽሕፈት እናተመላለስካን ንካልኦት ንጹሃን ምክፋእ፡ ሃየንታ ኣለዎ፡፡  ቅሽነት ወይ ክህነት፡ ከም ኾሎነልን ሰርገንትን ምድራዊ መዓርግ ኣይኮነን፡፡ ሓቅን ሓልዮትን ንከተስፍሕፋሓሉ ዝወሃብ መለኮታዊ ስልጣን እዩ፡፡ እዚ ስልጣን እዚ መሕብኢ ውልቃዊ ጉድለታትካ፡ ወይ ከኣ መብልዕ እንጌራኻ እትሕዞ ስራሕ ኣይኮነን፡፡

ህዝቢውን ብሸነኹ መራሕቲ ሃይማኖታት ነቲ ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ይትግብርዎ ኣለውዶ የለውን ኢሉ፡ ነቲ ሓላፍነት እቲ ዝቆጻጸረሉ መስርዕ ከተኣታቱ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ነፍሲ ወከፍና ኣነ ብወገነይ እንታይ ኣበርኪተ ብምባል ሕልናና ንመርምር፡፡ ሃይማኖታት እናፈረሳ፡ ክቡር ፓትርያርክ ኣብ ቤት ማሕዩር ተቐፊዶም፡ ኣቐሽቲ እናተሰደዱ፡ ደናግል ብወተሃደራት እናተገፍዓን ተዓመጻን፡ ሰላሕ መላሕ ኢልና ናብ ቤተክርስትያን ጥራይ ምምልላስ፡ ትርጉም የብሉን፡፡ ብሰማይ ይኹን ብምድሪ ተሓተትቲ ኢና፡፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • kirosay January 30, 2012

    ኢድ ሓፋሽ ሓጺር አዪኮነን ከረኻኽበሎም ኢዩ ካብ ብዓል ቕዛፊ ዪምሃሩ ቀሪባ ኢያ እታ ሰዓት

  • tes January 30, 2012

    we have to aware about those priestis who they are helping hgdef this time, and ignoring about the case of all people of eritrea. we never separeting them from isayas. all of them are killers.but time is coming ?who they are? we will see them.time is coming to montion thier name one by one from abakidane,,,,,,,,,,,,,,,,,,,to////????????// alona kinber ena kia????

  • Mr. T January 30, 2012

    Blame the Tewahdo priests because they are easy targets. Blame the Tewahdo Church because its followers are meek and numb. If one wants to destroy Eritrea, the easiest and quickest way is to destroy the Tewahdo Church. Instead of blaming the notorious opposition movements (about 40 of them) for crippling our unity, the crooks are trying to get an easy target for scapegoating. The Priests are doing their jobs, and that is serving Eritreans for their religious and spiritual needs. The problem, however, lies somewhere else, and everybody is aware of it. The first step to solving Eritrea’s problem is to get rid of the opposition leaders, condemn the barbaric woyane’s occupation of Eritrea’s territories, condemn the opposition movements which are based on religion and ethnic secession, get a leadership that can unite Eritreans, then target the regime to hand power to the people. It is that simple!

  • tesfaldet January 30, 2012

    this is funny the website off WEYANE & THE OPPOSITION are talking abaout religion now after they heard the bad news from UN for eritrea & ALSHEBAB now they have to find somthing to diveded the eritrean people

  • ghezai January 30, 2012

    Tesfaldet
    hdgef are 100% Right in your mind. this evil goverment or mafia.or you are none human
    no hart n soul .

  • tesfaldet January 30, 2012

    Ghezai aff that is the wishifull thinking of the oppostion & WEYANE to divide eritrean peopl did you hear the talk by one of the diffectors from the oppositon by the name of WEDI TAPA who say the WEYANE REGIME is working hard to diveid the oppostion by AWRAGAS & RELIGIONS so the opposition hope was the UN to put eritrea in suction so when that is fail they have to come by the unity of eritrean people so they are going filp flop from one peropoganda to anther some day talk abaout jornalist free prese yadayada the next time it is religin next ALSHEBAB THEY are despret because eritrean people are not listening

  • kalighe January 31, 2012

    The only problem in Eritrea is a naive public that follows a serial killer as their leader. Iseyas has never been a leader but a dangerous paranoid killer. And yet you see many innocent Eritreans who think he is “one of their own”. The same naive public has no sympathies for suffering families whose members are missing. “May be he/she has done something wrong” is the usual response you get when such crimes are brought to their attention. The same kind of reaction is what you see when a religious group is targeted. People side with their government against “Pentecostals” and those Moslems who appear to be more religious in their community. Nobody asks about the disappeared. People are not even worried that this could happen to them too. But slowly, the disappearances are extended to other religious groups and denominations, even if they cannot be tagged as ‘Jihadists’. The government has a red tag for everyone in the country, they know which one makes a particular group easily vulnerable. Now, who is remaining ?, really not many. Despite all that and the suffering, we have not yet being able to stand shoulder to shoulder against our common enemy. Many still do not realize that we have an enemy at home. Till we all realize that we have to continue paying the price of being naive and indifferent.

  • ghezai January 31, 2012

    tesfalidet
    hgdef is killing our people not weyane in fact weyane is shletering our pepole .are we living in the same planet.you and all hgdef supporter

  • tesfaldet January 31, 2012

    GHEZAI dam ass WEYANE gives shelter to eritreans to gain polotical ajenda wait after he is tired of them he is going to throw them like abeer of can

Post a Reply to kalighe Cancel Reply